ንዅላትና ዚምልከት ጕዳይ
ምዕራፍ ሽዱሽተ
ንዅላትና ዚምልከት ጕዳይ
1, 2. (ሀ) ሰይጣን ኣብ ኤድን እንታይ ጕዳይ እዩ ዘበገሰ፧ (ለ) እቲ ጕዳይ ኣብ ዘረባኡ ብኸመይ ተንጸባረቐ፧
እቲ ንደቅሰብ ዚምልከት ካብ ኵሉ ዝዓበየ ጕዳይ: ንዓኻውን ይምልከተካ እዩ። ኣብኡ እትወስዶ ኣቕዋም: ንዘለኣለማዊ መጻኢኻ ዚትንክፍ እዩ። እዚ ጕዳይ እዚ ኣብ ኤድን ዕልወት ምስ ተፈጸመ እዩ ተላዒሉ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰይጣን ንሄዋን “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ንሳ ድማ ኣምላኽ ብዛዕባ ሓንቲ ኦም “ከይትሞቱስ: ካብኣ ኣይትብልዑ” ከም ዝበሎም ነገረቶ። ድሕርዚ: ሰይጣን ህይወት ሄዋን ኰነ ህይወት ኣዳም ኣብቲ ንኣምላኽ ዘለዎም ተኣዛዝነት ከም ዘይምርኰስ ብምዝራብ: ንየሆዋ ኸም ሓሳዊ ገይሩ ብቐጥታ ኸሰሶ። ኣምላኽ ካብ ፍጥረቱ ሓደ ጽቡቕ ነገር: ማለት ንህይወቶም ዜድልዮም ስርዓታት ባዕሎም ናይ ምውጻእ ክእለት ከም ዝኸልከሎም ገይሩ ተዛረበ። “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዝኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ” ድማ በለ።—ዘፍጥረት 3:1-5
2 ብኻልእ ኣበሃህላ ሰይጣን: ደቅሰብ ንሕግታት ኣምላኽ ካብ ዚእዘዙ: ባዕሎም ውሳነኦም እንተ ገበሩ ይሓይሽ በሃሊ እዩ። ስለዚ: ነቲ ኣምላኽ ዚገዝኣሉ መገዲ እዩ ብድሆ ኣቕሪቡሉ። እዚ ኸኣ ነቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ፍጥረት ዘለዎ ሉዓላውነት: ወይ ነቲ ናይ ምግዛእ መሰሉ ዚምልከት ጕዳይ ኣበገሰ። ‘ንደቅሰብ ዚሓይሽ እንታይ እዩ: የሆዋ ዚገዝኣሉ መገዲ ድዩ ወይስ ካብኡ ተፈሊኻ እትመሓደረሉ መገዲ እዩ፧’ ዚብል ሕቶ ተላዕለ። ኣብቲ ግዜ እቲ የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ብኡንብኡ ኪቐትሎም ይኽእል ነይሩ። እንተዀነ ግን: እዚ ነቲ ንሉዓላውነት ዚምልከት ጕዳይ ብዜዕግብ መገዲ መዕለቢ ኣይምዀኖን። ኣብ ክንድኡስ: ደቅሰብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ኺምዕብሉ ግዜ ምሃብ: ካብ ኣምላኽን ካብ ሕግታቱን ተፈሊኻ ምንባር እንታይ ከም ዜስዕብ ኬርኢ ይኽእል እዩ።
3. ሰይጣን እንታይ ብኻልኣይ ደረጃ ዚተሓዝ ጕዳይ እዩ ኣበጊሱ፧
3 ሰይጣን ኣብቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ በቲ ኣብ ኤድን ዝፈጸሞ ነገራት ኣየብቅዐን። ካልኦት ኣብ የሆዋ ዘለዎም ተኣማንነት ኣብ ሕቶ ኣእተዎ። እዚ ድማ ብኻልኣይ ደረጃ ዚተሓዝ ጕዳይ ኰነ። እዚ ብድሆ እዚ ንዅሎም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ከምኡውን ንዅሎም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ: እንተላይ ነቲ ፍቑር በዅሪ ወዲ የሆዋ ዚምልከት እዩ። ንኣብነት: ብግዜ እዮብ እቶም ንየሆዋ ዜገልግሉ ዘበሉ: ንኣምላኽን ነገዛዝኣኡን ካብ ዘለዎም ፍቕሪ ተለዓዒሎም ዘይኰነስ: ብስስዐ ተደሪኾም ምዃኖም ሰይጣን ተማጐተ። ጸገማት ኬጋጥሞም ከሎ: ኵላቶም ነቲ ስስዐ ዝመልኦ ትምኒቶም ከም ዚምብርከኹ ድማ ተኸራኸረ።—እዮብ 2:1-6፣ ራእይ 12:10
ታሪኽ ዘረጋገጾ ነገራት
4, 5. ወድሰብ ስጓሜኡ ኬቕንዕ ብዛዕባ ምኽኣሉ ወይ ዘይምኽኣሉ ታሪኽ እንታይ እዩ ዜረጋግጽ፧
4 ኣብዚ ጕዳይ ሉዓላውነት ኪትኰረሉ ዚግባእ ኣገዳሲ ነጥቢ ኣሎ። እዚ ኸኣ ኣምላኽ ንደቅሰብ ካብ ግዝኣቱ ተፈልዮም ዕዉታት ከም ዚዀኑ ገይሩ ኣይኰነን ፈጢርዎም። ንጥቕሞም ኢሉ ኣብቲ ጽድቃዊ ሕግታቱ ተመርኲሶም ከም ዚመላለሱ ገይሩ እዩ ፈጢርዎም። ነብዪ ኤርምያስ “ጐይታየ: መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ: እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ: ቅጽዓኒ” ብምባል ነዚ ኣፍልጦ ሃበ። (ኤርምያስ 10:23, 24) ስለዚ ድማ ቃል ኣምላኽ “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ” ብምባል ይምሕጸነና። (ምሳሌ 3:5) ከምቲ ደቅሰብ ብህይወት ምእንቲ ኺነብሩ ንተፈጥሮኣዊ ሕግታት ኣምላኽ ኪግዝኡ ዘለዎም: ንስነ-ምግባራዊ ሕግታቱ እንተ ተኣዚዞምዎ እውን ስኒት ዘለዎ ሕብረተሰብ ይህሉ።
5 ደቅሰብ ካብ መግዛእቲ ኣምላኽ ተፈልዮም ገዛእ ርእሶም ብምምሕዳር ኣሳልጦ ኺረኽቡ ኸም ዘይክእሉ: ኣምላኽ ይፈልጦ ምንባሩ ንጹር እዩ። ሰባት ካብ መግዛእቲ ኣምላኽ ተፈልዮም ንኺነብሩ ኣብ ዝገበርዎ ኸንቱ ዝዀነ ጻዕሪ: እተፈላለየ ፖለቲካውን ቍጠባውን ሃይማኖታውን ስርዓታት ፈቲኖም እዮም። እዚ እተፈላለየ ስርዓታት እዚ ንሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዝጋጨዉ ብምግባር: ዓመጻን ውግእን ሞትን ኣስዓበሎም። ‘ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጕድኣቱ ሰልጠነ።’ (መክብብ 8:9) ኣብ ብምሉኡ ታሪኽ ወድሰብ እዚ እዩ ተራእዩ። ከምቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ብትንቢት እተገልጸ: እኩያት ሰባትን ጠበርትን “ናብ ዝገደደ” ይበጽሑ ኣለዉ። (2 ጢሞቴዎስ 3:13) ኣብቲ ወድሰብ ኣብ ዝለዓለ ስነ-ፍልጠታውን ኢንዱስትርያውን ምዕባለ ዝበጽሓሉ መበል 20 ዘመን እውን ዝገደደ ጥፍኣት እዩ ተራእዩ። እተን ኣብ ኤርምያስ 10:23 ዚርከባ ቓላት: ሓቅነተን ብዚግባእ እዩ ተረጋጊጹ። ደቅሰብ ስጓሜኦም ኬቕንዑ ኣይከኣሉን።
6. ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ደቅሰብ ካብኡ ርሒቖም ብርእሶም ዚመሓደሩሉ ዘለዉ ኣገባብ ብኸመይ እዩ መዕለቢ ዚገብረሉ፧
6 እቲ ኻብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ምንባር ኣብ ነዊሕ ግዜ ዘምጽኦ ዜሕዝን ሳዕቤናት: ግዝኣት ደቅሰብ ፈጺሙ ዕዉት ኪኸውን ከም ዘይክእል ሓንሳእን ንሓዋሩን ኣርእዩ እዩ። ሓጐስ: ሓድነት: ጥዕና: ከምኡውን ህይወት ንኽንረክብ ዜኽእለና እንኮ ኣማራጺ: ግዝኣት ኣምላኽ ጥራይ እዩ። ቃል ኣምላኽ ከኣ የሆዋ ነቶም ካብኡ ርሒቖም ብርእሶም ዚመሓደሩ ሰባት ዚዕገሰሉ ግዜ የብቅዕ ከም ዘሎ እዩ ዚሕብረና። (ማቴዎስ 24:3-14፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ንምግዛእ ኣብ ጕዳያት ደቅሰብ ጣልቃ ኺኣቱ እዩ። ትንቢት መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ ግዝኣት] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን [ደቅሰብ ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዘየመሓድሩሉ] መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሎሚ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።”—ዳንኤል 2:44
ድሒንካ ናብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ምእታው
7. ግዝኣት ደቅሰብ ብግዝኣት ኣምላኽ ኪትካእ ከሎ: መን እዩ ኺድሕን፧
7 ግዝኣት ደቅሰብ ብግዝኣት ኣምላኽ ኪትካእ ከሎ: መን እዩ ኺድሕን፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቶም ቅኑዓት [እቶም ነቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ዚድግፉ] ኣብ ምድሪ እዮም ዚነብሩ: እቶም ፍጹማት ከኣ ኣብኣ እዮም ዚተርፉ: . . . ረሲኣን [እቶም ነቲ ኣምላኽ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ዘይድግፉ] ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም” ይብል። (ምሳሌ 2:21, 22) እቲ ጸሓፍ መዝሙር ከኣ ብተመሳሳሊ: “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም” በለ።—መዝሙር 37:10, 29
8. ኣምላኽ ንሉዓላውነቱ ምሉእ ብምሉእ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧
8 ኣገባብ ሰይጣን ምስ ተደምሰሰ: ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኬምጽእ እዩ። ንሳ ድማ ነቲ ነሽሓት ዓመታት ንደቅሰብ ባሮት ገይርዎም ዝነበረ ዓመጻ: ውግእ: ድኽነት: ስቓይ: ሕማም: ከምኡውን ሞት ከተጥፍእ እያ። መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሽዑ እዙዛት ደቅሰብ ዚረኽብዎ በረኸት: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ብምባል ጽቡቕ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ። (ራእይ 21:3, 4) ኣምላኽ በታ ብክርስቶስ እትመሓደር ሰማያዊት መንግስቱ ኣቢሉ: ሉዓላዊና ወይ ገዛኢና ኪኸውን መሰል ከም ዘለዎ ምሉእ ብምሉእ ኬረጋግጽ እዩ።—ሮሜ 16:20፣ 2 ጴጥሮስ 3:10-13፣ ራእይ 20:1-6
ገሊኣቶም ሰባት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ዝወሰድዎ ኣቕዋም
9. (ሀ) እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ንቓሉ ብኸመይ እዮም ዚርእይዎ፧ (ለ) ኖህ እሙን ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ: ካብ ኣብነቱኸ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
9 ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ: ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑን ንሉዓላውነቱ ዘኽበሩን ናይ እምነት ሰብኡትን ኣንስትን ንረክብ ኢና። ህይወቶም ንዕኡ ኣብ ምስማዕን ኣብ ምእዛዝን ከም እተመርኰሰ ይፈልጡ እዮም። ኖህ ከምዚ ዓይነት ሰብ እዩ ነይሩ። ስለዚ: ኣምላኽ ንኖህ “መወዳእታ ዅሉ ስጋ ኣብ ቅድመይ በጽሔ . . . ንኣኻ . . . መርከብ ስራሕ” በሎ። ኖህ ነቲ ኣምላኽ ዝሃቦ መምርሒ ሰዓበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ኻልኦት ሰባት መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦም: ፍልይ ዝበለ ነገር ኪመጽእ ስለ ዘይተጸበዩ ግና ኸም ቀደሞም ውራይ ናብራኦም ጥራይ ይገብሩ ነበሩ። ኖህ ግን ዓባይ መርከብ ሰርሐ: ንሰባት ከኣ ብዛዕባ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ይሰብኽ ነበረ። እቲ ጸብጻብ ቀጺሉ “ኖህ ድማ ከምኡ ገበረ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ ንዅሉ ነገር ከምኡ ገበረ” ይብል።—ዘፍጥረት 6:13-22፣ እብራውያን 11:7፣ 2 ጴጥሮስ 2:5
10. (ሀ) ኣብርሃምን ሳራን ንሉዓላውነት የሆዋ ዝደገፉ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ካብቲ ኣብርሃምን ሳራን ዝገደፉልና ኣብነት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀም እንኽእል፧
10 ኣብርሃምን ሳራን ድማ የሆዋ ዝኣዘዞም ዘበለ ዅሉ ብምግባር: ንሉዓላውነቱ ብምድጋፍ ዝመጸ ሰናይ ኣብነት ገዲፎም እዮም። ኣብ ኡር እትበሃል ብልጽግቲ ኸተማ ከለዳውያን ይነብሩ ነበሩ። እንተዀነ ግን: የሆዋ ንኣብርሃም ናብ ካልእ ዘይፈልጦ ዓዲ ኪኸይድ ምስ ኣዘዞ: ኣብርሃም “ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸደ።” ሳራ ኣብ ቤታ ምስ ፈተውታን ኣዝማዳን ጥዑም ናብራ ተሕልፍ ምንባራ ኣየጠራጥርን እዩ። ኰይኑ ግን: ንየሆዋን ንብዓል ቤታን እትግዛእ ብምንባራ ኣብ ምድሪ ከነኣን እንታይ ነገራት ከም ዚረኽባ ኸይፈለጠት ናብቲ ዓዲ ኸደት።—ዘፍጥረት 11:31–12:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 7:2-4
11. (ሀ) ሙሴ ንሉዓላውነት የሆዋ ዝደገፈ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ዅነታት እዩ፧ (ለ) ካብቲ ሙሴ ዝገደፈልና ኣብነት ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧
11 ሙሴ እውን ንሉዓላውነት የሆዋ ደጊፉ እዩ። ነዚ ድማ ኣብ ትሕቲ ኣዝዩ ጽንኩር ኵነታት: ማለት ምስቲ ናይ ግብጺ ፈርኦን እናተፋጠጠ እዩ ፈጺምዎ። ሙሴ ብርእሱ ዚተኣማመን ኣይነበረን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ: ዘረባ ዚኽእል ኰይኑውን ኣይስምዖን ነበረ። እንተዀነ ግን: ንየሆዋ ተኣዘዘ። ብደገፍ የሆዋን ብሓገዝ ኣሮን ሓዉን ድማ ነቲ ተሪር ዝልቡ ፈርኦን ቃል የሆዋ ብተደጋጋሚ ኣብጸሓሉ። ገሊኣቶም ደቂ እስራኤል እውን ከይተረፉ ንሙሴ ብዙሕ ይነቕፍዎ ነበሩ። ንሱ ግን ነቲ የሆዋ ዝኣዘዞ ዅሉ ብተኣማንነት ገበረ: ብእኡ ኣቢሎም ከኣ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ሓራ ወጹ።—ዘጸኣት 7:6፣ 12:50, 51፣ እብራውያን 11:24-27
12. (ሀ) ንኣምላኽ እሙን ምዃን ኪበሃል ከሎ: ነቲ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ እዙዝ ካብ ምዃን ንላዕሊ ኸም ዜጠቓልል ዜርኢ እንታይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ ከምዚ ዝዓይነቱ ተኣማንነት ዘሎና ምርዳእ ን1 ዮሃንስ 2:15 ኣብ ግብሪ ንኸነውዕላ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
12 እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝነበሩ ሰባት: ነቲ ኣምላኽ ብጽሑፍ ዝገለጸሎም ነገራት ጥራይ ኪእዘዙ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ኣይተሰምዖምን። ሰበይቲ ጶጢፋር ንዮሴፍ ምስኣ ዝሙት ኪፍጽም ከተስድዖ ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን: ንዝሙት ዚኽልክል ኣምላኽ ኣብ ጽሑፍ ዘስፈሮ ትእዛዝ እኳ እንተ ዘይነበረ: ዮሴፍ ግን ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንሓዳር ብዚምልከት ኣብ ኤድን ዘቘሞ ምድላው ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ምስ ሰበይቲ ኻልእ ሰብኣይ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ተገንዚቡ ነበረ። በቲ ግብጻውያን ዚመላለሱሉ መገዲ ንኺመላለስ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ከም ዚፈቕደሉ ኺፈልጥ ኣይፈተነን። ብዛዕባ እቲ ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ርክብ ብምስትንታንን ድሕሪኡ ነቲ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ዘስተውዓሎ ነገር ተጠንቂቑ ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ንመገድታት የሆዋ ደገፈ።—ዘፍጥረት 39:7-12፣ መዝሙር 77:11, 12
13. (ሀ) ንእዮብ: (ለ) ነቶም ሰለስተ እብራውያን: ኣብ ዚምልከት ጕዳይ ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ እተረጋገጸ ብኸመይ እዩ፧
13 እቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዚፈልጥዎ ሰባት ከቢድ ፈተና እኳ እንተ ኣጋጠሞም ካብኡ ኣይርሕቑን እዮም። እዮብ ብየሆዋ ዚነኣድ እኳ እንተ ነበረ: ኵሉ ጥሪቱ ወይ ጥዕናኡ እንተ ስኢኑ ግን ንኣምላኽ ከም ዚኽሕዶ ሰይጣን ኸሲሱ ነይሩ። እዮብ እቲ ዚወርዶ ዝነበረ መዓት ካበይ ምዃኑ እኳ እንተ ዘይፈለጠ: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ኣረጋገጸ። (እዮብ 2:9, 10) ሓያሎ ዘመናት ጸኒሑ ሰይጣን ነዚ ኽሱ እዚ መርትዖ ንምርካብ: ንሓደ ዝነደረ ንጉስ ባቢሎን ንሰለስተ መንእሰያት እብራውያን ነቲ ዘቘሞ ምስሊ እንተ ዘይሰጊዶም: ኣብ ጕሁር እቶን ሓዊ ኺድርብዮም ምዃኑ ኸም ዜፈራርሆም ገበሮ። ንሳቶም ከኣ ካብቲ ንጉስ ዝሃቦም ትእዛዝ ወይ ካብቲ ጣኦታት ንኸየምልኹ እተዋህቦም ሕጊ የሆዋ ሓዲኡ ንኬኽብሩ ምርጫ ኺገብሩ ስለ ዝነበሮም: ንየሆዋ ኸም ዜገልግሉን ንሱ ልዕሊ ዅሉ ምዃኑን ንጹር ገበሩሉ። ካብታ ሽዑ ዝነበረቶም ህይወት ንላዕሊ ኣኽቢሮም ዚርእይዎ ዝነበሩ ንኣምላኽ እሙን ምዃን እዩ!—ዳንኤል 3:14-18
14. ዘይፍጹማት ክነስና ንየሆዋ ብሓቂ እሙናት ምዃንና ኸነመስክር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
14 ካብዚ ኣብነታት እዚ ኸም ዝረኣናዮ ሓደ ሰብ ንየሆዋ እሙን ኪኸውን እንተ ዀይኑ: ፍጹም ኪኸውን ኣለዎ ዲና ንብል ዘሎና: ወይ ከኣ ጌጋ እንተ ገይሩ ኣኺልዎ ተስፋ የብሉን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ሙሴ ሓድሓደ ግዜ ይጋገ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ። የሆዋ በዚ እኳ እንተ ዘይተሓጐሰ: ንሙሴ ግን ኣይሓደጎን። እቶም ሃዋርያት የሱስ ክርስቶስ እውን ድኻም ነይርዎም እዩ። የሆዋ ነቲ ዝወረስናዮ ዘይፍጽምና ኣብ ግምት ብምእታው: ኣብ ዝዀነ ይኹን መዳይ ደይ መደይ ኢልና ፍቓዱ ዕሽሽ ዘይንብል እንተ ዄንና ይሕጐስ እዩ። ብሰንኪ ድኻምና ኣበሳ እንተ ፈጺምና: ካብ ልብና ኽንንሳሕን ነቲ ኣበሳ ንኸይንደጋግሞ ኽንጥንቀቕን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ነቲ የሆዋ ሰናይ ዚብሎ ብሓቂ ኸም እነፍቅሮን: ነቲ እከይ ዚብሎ ብሓቂ ኸም እንጸልኦን ነርኢ። ብመሰረት እቲ ሓጢኣት ኣብ ዜተዓርቕ መስዋእቲ የሱስ ዘለና እምነት: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ኣቕዋም ኪህልወና ይኽእል።—ኣሞጽ 5:15፣ ግብሪ ሃዋርያት 3:19፣ እብራውያን 9:14
15. (ሀ) ካብ ኵሎም ደቅሰብ ንኣምላኽ ፍጹም ንጽህናኡ ዝሓለወ መን እዩ: በዚኸ እንታይ ኣረጋገጸ፧ (ለ) እቲ የሱስ ዝገበሮ ብኸመይ እዩ ኺሕግዘና ዚኽእል፧
15 ይኹን እምበር: ደቅሰብ ንሉዓላውነት የሆዋ ፍጹም ተኣዛዝነት ኬርእዩ ዘይከኣሎም ድዮም፧ ናይዚ መልሲ ን4,000 ዓመት ዚኸውን ቅዱስ “ምስጢር” ኰይኑ ጸንሐ። (1 ጢሞቴዎስ 3:16) ኣዳም ፍጹም ኰይኑ እኳ እንተ ተፈጥረ: ንኣምላኽ ውፉይ ብምዃን ግን ፍጹም ኣብነት ኣይገደፈን። ንሱ እንተ ዘይክኢሉ ደኣ እሞ መን እዩ ኪኽእል፧ ሓደ ኻብቶም ሓጥኣን ዘርኡ ኪኽእል መቸም ኣይንጽበን ኢና። ካብ ሰባት ከምዚ ኺገብር ዝኸኣለ: የሱስ ክርስቶስ ጥራይ እዩ። (እብራውያን 4:15) እቲ ኣብ ዝሓሸ ዅነታት ዝነበረ ኣዳም እንተ ዚደሊ ነይሩ: ፍጹም ንጽህናኡ ኺሕሉ ኸም ዚኽእል በቲ የሱስ ዝፈጸሞ ነገራት ተረጋጊጹ እዩ። እቲ ጸገም ኣብቲ ኣምላኽ ዝፈጠረሉ መገዲ ኣይኰነን ነይሩ። እምበኣር: ንሕግታት ኣምላኽ እዙዛት ንምዃን ጥራይ ዘይኰነስ ነቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላዊ ዝዀነ የሆዋ ብብሕትና ተወፋይነት ከነርኢ ኸለና: ንየሱስ ክርስቶስ ኢና ኣብነትና ጌርና እንወስዶ።—ዘዳግም 32:4, 5
ብብሕትና እንህቦ ምላሽ እንታይ እዩ፧
16. ኣብቲ ብዛዕባ ሉዓላውነት የሆዋ ዘለና ኣረኣእያ ወትሩ ንቑሓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
16 ንነፍሲ ወከፍና ንሉዓላውነት ዚምልከት ጕዳይ ቀሪቡልና ኣሎ። ኣብ ጐድኒ የሆዋ ኸም እንቐውም ብጋህዲ እንተ ገሊጽና: ሰይጣን ዕላማ መጥቃዕቱ እዩ ዚገብረና። ካብ ኵሉ ዅርናዓት ጸቕጢ ኼውርደልና: እዚ እኩይ ኣገባብ ክሳዕ ዜኽትም ድማ ካብዚ ተግባሩ ኣይኪዓርፍን እዩ። ስለዚ: ንቑሓት ክንከውን ኣሎና። (1 ጴጥሮስ 5:8) በካይዳና ኣቢልና ኣብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ንሉዓላውነት የሆዋ ዚምልከት ጕዳይ ከምኡውን ኣብቲ ንኣምላኽ ንጽህናና ብዛዕባ ምሕላው ዚምልከት ካልኣይ ጕዳይ እንታይ ኣቕዋም ከም ዘሎና ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ተኣማንነት ዝጐደሎ ኣካይዳ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ልሙድ ብምዃኑ: ኣገዳሲ ኸም ዘይኰነ ጌርና ኽንርእዮ የብልናን። ንጽህናና ኽንሕሉ ኺበሃል ከሎ: ኣብ ኵሉ ናብራ ህይወትና ነቲ ጽድቃዊ መገድታት የሆዋ ኽንዓየሉ ኣሎና ማለት እዩ።
17. ሓሶትን ስርቅን ምንጩ መን ስለ ዝዀነ እዩ ኻብኡ ኽንርሕቕ ዘሎና፧
17 ንኣብነት: ነቲ ‘ንሓሶት ኣቦኣ’ ዝዀነ ሰይጣን ክንመስሎ የብልናን። (ዮሃንስ 8:44) ኣብ ኵሉ ተግባራትና ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና። ኣብዚ ሰይጣን ዚቈጻጸሮ ኣገባብ እዚ መብዛሕትኡ ግዜ መንእሰያት ንወለዶም ሓቀኛታት ኣይኰኑን። ክርስትያን መንእሰያት ግን ከምኡ ኣይኰኑን: በዚ ኸምዚ ድማ ነቲ ‘ህዝቢ ኣምላኽ ፈተና ኼጋጥሞም ከሎ ንጽህናኦም ኣይሕልዉን እዮም’ ዚብል ሰይጣን ዘቕረቦ ኽሲ: ሓሶት ምዃኑ መረጋገጺ የቕርቡ። (እዮብ 1:9-11፣ ምሳሌ 6:16-19) ኣብ ርእሲ እዚውን ሓደ ሰብ ኣብ ንግዲ ብዚፍጽሞ ተግባራት: ኣብ ጐድኒ እቲ ‘ኣቦ ሓሶት’ ደኣ እምበር ኣብ ጐድኒ እቲ ኣምላኽ ሓቂ ኸም ዘይቈመ ኺፍለጥ ይከኣል እዩ። ንሕና ግን ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንርሕቕ ኢና። (ሚክያስ 6:11, 12) ብዘይካዚ: ሓደ ሰብ ‘ስለ እተሸገርኩ እየ’ ወይ ‘ካብ ሃብታም እየ ዝወስድ ዘለኹ’ ብዚብል ምስምስ እውን እንተዀነ ኺሰርቕ ኣይግባእን። (ምሳሌ 6:30, 31፣ 1 ጴጥሮስ 4:15) ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ ስርቂ እተለምደ እኳ እንተዀነ: ወይ እቲ ዚውሰድ ኣቕሓ ንእሽቶ እኳ እንተዀነ: ስርቂ ምስ ሕጊ ኣምላኽ ዚጻረር እዩ።—ሉቃስ 16:10፣ ሮሜ 12:2፣ ኤፌሶን 4:28
18. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ንዅሎም ደቅሰብ እንታይ ፈተና እዩ ዜጋጥሞም፧ (ለ) ሕጂ እንታይ ልማድ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧
18 ኣብቲ ክርስቶስ ዚገዝኣሉ ሽሕ ዓመት: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ስለ ዚድርበዩ: ንደቅሰብ ጽልዋ ኺገብሩሎም ኣይክእሉን እዮም። ኣየ ኸመይ ዝበለ ራህዋ ዀን እዩ ኪኸውን! ደድሕሪ እተን ሽሕ ዓመት ግን ንሓጺር እዋን ኪፍትሑ እዮም። ሰይጣንን እቶም ንዕኡ ዚስዕብዎን ነቶም ንኣምላኽ ንጽህናኦም ዚሕልዉ ደቅሰብ ጸቕጢ ኺገብሩሎም እዮም። (ራእይ 20:7-10) ኣብቲ ግዜ እቲ ብህይወት ናይ ምጽናሕ ፍሉይ ኣጋጣሚ እንተ ረኺብና: ነቲ ንሉዓላውነት ዚምልከት ጕዳይ ብኸመይ ኢና ምላሽ እንህበሉ፧ ሽዑ ዅሎም ደቅሰብ ፍጹማት ስለ ዚዀኑ: ዝዀነ ይኹን ምጕዳል ተኣማንነት ደይ መደይ ኢልካ ዚግበር ብምዃኑ ዘለኣለማዊ ጥፍኣት እዩ ዜስዕብ። እምበኣር: ነቲ የሆዋ ሕጂ ብቓሉ ዀነ ብማሕበሩ ኣቢሉ ዚህበና ዝዀነ ይኹን መምርሒ እዙዛት ኴንና ናይ ምቕባል ልማድ ከነማዕብል ኣሎና። ከምዚ ምስ እንገብር: ከም ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላዊ መጠን ንዕኡ ዘሎና ናይ ሓቂ ተወፋይነት ነርኢ።
መመያየጢ ሕቶታት
• እቲ ንዅላትና ዚምልከት ዓብዪ ጕዳይ እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ እዩ ዚምልከተና፧
• እቶም ጥንቲ ዝነበሩ ሰብኡትን ኣንስትን ንየሆዋ ዘለዎም ንጽህና ኣብ ዘረጋገጹሉ መገድታት እንታይ እዩ ጐሊሑ ዚርአ፧
• ኵሉ መዓልቲ ንየሆዋ በካይዳና ኸነኽብሮ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]