ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

“ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ

“ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ

ምዕራፍ ዓሰርተ

“ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” መንግስቲ

1. ኣብ መላእ ታሪኽ ወድሰብ ብዘጋጠመ ፍጻመታት ዓለም እንታይ ሓቂ እዩ ጐሊሑ፧

 ኣብዛ ዓለም እዚኣ እንርእዮ መዓልታዊ ፍጻመ: ሰባት ንሉዓላውነት የሆዋ ብዘይምቕባሎምን ባዕሎም ንርእሶም ኬመሓድሩ ብምፍታኖምን ሓጐስ ከም ዘይረኸቡ እዩ ዜጕልሕ። ዋላ ሓንቲ ሰብኣዊት መንግስቲ ንደቅሰብ ፍትሓዊ ረብሓታት ኣየምጽአትን። ደቅሰብ ኣብ ዓውዲ ስነ-ፍልጠት ምዕባለ ብምግባር ኣብ ዝለዓለ ደረጃ እኳ እንተ በጽሑ: ንዋላ ሓደ ሰብ እውን ይኹን ካብ ሕማምን ሞትን ሓራ ኺገብርዎ ኣይከኣሉን። ሰብኣዊ ምምሕዳር ንውግእ: ዓመጻ: ገበን: ብልሽውና: ወይ ድኽነት ኬጥፍእ ኣይከኣለን። ሕጂውን እንተዀነ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ጨቈንቲ መንግስትታት ይገዝኣ ኣለዋ። (መክብብ 8:9) ተክኖሎጂን ስስዐን ድንቍርናን ተሓዋዊሱ ንምድርን ማይን ኣየርን ይብክል ኣሎ። ሰበ-ስልጣን ኣብ ቍጠባዊ መዳይ ብዚግባእ ኬመሓድሩ ብዘይምኽኣሎም: ብዙሓት ንህይወቶም ዜድልዮም መሰረታዊ ነገራት ምርካብ እኳ የጸግሞም ኣሎ። ኣሽሓት ዓመታት ዝገበረ ግዝኣት ወድሰብ ነቲ ‘መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኣይኰነን: እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ የብሉን’ ዚብል ቃላት እዩ ንጹር ገይርዎ።—ኤርምያስ 10:23

2. ንጸገማት ደቅሰብ እንኮ መፍትሒ መን እያ፧

2 እንታይ ደኣ እዩ እሞ መፍትሒኡ፧ ነዚ መፍትሒ እትኸውን እታ የሱስ ንሰዓብቱ “መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኢሎም ንኺጽልዩላ ዝመሃሮም መንግስቲ ኣምላኽ እያ። (ማቴዎስ 6:9, 10) እዛ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ እዚኣ ኣብ 2 ጴጥሮስ 3:13 “ሓድሽ ሰማያት” ተባሂላ ኽትጥቀስ ከላ: ነቲ ብጽድቂ ዚመላለስ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ ዜመልክት “ሓድሽ ምድሪ” ድማ ክትገዝኦ እያ። ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣዝያ ኣገዳሲት ብምዃና: የሱስ ኣብ ስብከቱ ኣብኣ እዩ ዜተኵር ነይሩ። (ማቴዎስ 4:17) “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” ዚብል ምሕጽንታ ብምሃብ ድማ ኣብ ህይወትና ኺህልዋ ዘለዎ ቦታ ገለጸ።—ማቴዎስ 6:33

3. ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብህጹጽ ክንመሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

3 መንግስቲ ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር እዋን ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣገዛዝኣ ንዘለኣለም ንምቕያር ስጕምቲ ስለ እትወስድ: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣ ብህጹጽ ክንመሃር ኣሎና። ዳንኤል 2:44 ከምዚ ብምባል ትንበ:- “ብዘመን እዞም ነገስታት እዚኣቶም [ሎሚ ዘሎ ሰብኣዊ መግዛእቲ] ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን [ደቅሰብ ድሕሪ ደጊም ንምድሪ ዘየመሓድሩላ] መንግስቲ [ኣብ ሰማይ] ኼተንስእ እዩ። ንዅለን እዘን [ሎሚ ዘለዋ] መንግስትታት እዚኣተን ክትጭፍልቐንን ከተጥፍኤንን እያ: ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ።” እምበኣር እዛ መንግስቲ እዚኣ ንብምሉኡ እዚ እኩይ ኣገባብ ብምጥፋእ ነዚ ዳሕሮት መዓልትታት መወዳእታ ኽትገብረሉ እያ። ድሕሪኡ ብዘይ ተነሓናሒ ንምድሪ ኽትገዝኣ እያ። እቲ ንሳ እተምጽኦ ራህዋ ኣዝዩ ቐሪቡ ብምህላዉስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና እነማስወሉ!

4. ብ1914 ምስ መንግስቲ ኣምላኽ ዚተሓሓዝ እንታይ ነገር እዩ ተፈጺሙ: እዚኸ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

4 ብ1914 ክርስቶስ የሱስ ንጉስ ኰይኑ ተሾመ: ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ኺገዝእ’ ድማ ጀመረ። (መዝሙር 110:1, 2) ኣብታ ዓመት እቲኣ ኸኣ እተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዚ እኩይ ኣገባብ ጀመራ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5, 13) እቲ ዳንኤል ብራእይ ዝረኣዮ ትንቢት ኣብ ሰማይ ፍጻሜኡ ረኸበ። እቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ወዲ ሰብ እተባህለ የሱስ ክርስቶስ “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ሃቦ። ዳንኤል ብዛዕባ እቲ ራእይ እቲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ግዝአቱ ዘይሐልፍ ዘለኣለማዊ ግዝኣት እዩ: መንግስቱውን ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ” በለ። (ዳንኤል 7:13, 14) ኣምላኽ በዛ ክርስቶስ የሱስ ዝንጉሳ ሰማያዊት መንግስቲ ኣቢሉ: እቲ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ኣብ ገነት ኬንብሮም ከሎ ዝዓለሞ ማእለያ ዘይብሉ ሰናይ ነገራት ጽድቂ ንዚፈትዉ ዘበሉ ኺህቦም እዩ።

5. ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ዝርዝር ነገራት ኢና ኽንፈልጥ እንደሊ: ስለምንታይከ፧

5 ነዛ መንግስቲ እዚኣ እሙን ተገዛኢ ኽትከውንዶ ባህጊ ኣሎካ፧ ባህጊ እንተልዩካ: ንመዋቕርን ኣሰራርሓን እዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዚኣ ኽትፈልጥ ከም እትደሊ ርዱእ እዩ። ሕጂ እንታይ ትገብር ከም ዘላ: ኣብ መጻኢ እንታይ ከም እትፍጽም: ከምኡውን ንስኻ እንታይ ብቕዓታት ከተማልእ ከም ዘሎካ ኽትፈልጥ ትደሊ ኢኻ። ነዛ መንግስቲ እዚኣ ተጠንቂቕካ ምስ መርመርካያ: ንዓኣ ዘሎካ ሞሳ ኺዓቢ ኣለዎ። ነቲ ኣገዛዝኣኣ ትቕበሎ እንተደኣ ዄንካ: ብዛዕባ እቲ መንግስቲ ኣምላኽ ንእዙዛት ደቅሰብ እትገብረሎም ነገራት ንኽትነግር ብዝያዳ ኢኻ እትዕጠቕ።—መዝሙር 48:12, 13

ገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ

6. (ሀ) ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቲ በታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣቢሉ ዚግለጽ ሉዓላውነት ዚሕብረና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብዛዕባ እታ መንግስቲ እንምሃሮ ነገራት ብኸመይ እዩ ኺጸልወና ዘለዎ፧

6 ሓደ ኻብቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምርምር ዚገልጸልና ፍልማዊ ነገር መሲሓዊት መንግስቲ መግለጺ ሉዓላውነት የሆዋ ምዃና እዩ። ንወዱ “ግዝኣትን ክብርን መንግስትን” ዝሃቦ የሆዋ እዩ። ወዲ ኣምላኽ ንጉስ ኰይኑ ንኺገዝእ ስልጣን ምስ ተዋህቦ: ኣብ ሰማይ “መንግስቲ ዓለም ናይ ኣምላኽናን [የሆዋ ኣምላኽ] ናይቲ ቕቡኡን ኰይና እያ እሞ [የሆዋ] ንዘለኣለመ ኣለም ኪነግስ እዩ” ዚብል ድምጽታት ተሰምዐ። (ራእይ 11:15) እምበኣር ብዛዕባ እዛ መንግስቲ እዚኣን ንሳ እትፍጽሞ ነገራትን እነስተውዕሎ ዝዀነ ይኹን ነገር ንየሆዋ ብዝያዳ ንኽንቀርቦ እዩ ዜኽእለና። እቲ እንመሃሮ ነገራት ንዘለኣለም ንሉዓላውነቱ ንኽንግዛእ ባህጊ ኼሕድረልና ኣለዎ።

7. የሱስ ክርስቶስ ተወካሊ የሆዋ ዀይኑ ምግዝኡ ብፍላይ ዜገድሰና ስለምንታይ እዩ፧

7 የሆዋ ንየሱስ ክርስቶስ ንዕኡ ወኪሉ ንኺገዝእ ኢሉ ኣብ ዝፋን ኣቐመጦ። ኣምላኽ ንየሱስ: ንምድርን ደቅሰብን ንምፍጣር ከም ወሓለ ሰራሕተኛ ገይሩ ስለ እተጠቕመሉ: ካባና ንላዕሊ እንታይ ከም ዜድልየና ይፈልጥ እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ካብ መጀመርታ ታሪኽ ደቅሰብ ኣትሒዙ ‘ተድላኡ ብደቂ ሰብ ከም ዝነበረ’ ኣርእዩ እዩ። (ምሳሌ 8:30, 31፣ ቈሎሴ 1:15-17) ንደቅሰብ ዝነበሮ ፍቕሪ ኣዝዩ ዓብዪ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ: ናብ ምድሪ መጺኡ ህይወቱ ኣብ ክንዳና በጃ ሃበ። (ዮሃንስ 3:16) በዚ ኸምዚ ኻብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ዄንና ንዘለኣለም ንኽንነብር ኣጋጣሚ ኸፈተልና።—ማቴዎስ 20:28

8. (ሀ) ምስ ግዝኣታት ደቅሰብ ብምንጽጻር: መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ (ለ) እቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ምስታ ሰማያዊት መንግስቲ እንታይ ርክብ ኣለዎ፧

8 መንግስቲ ኣምላኽ ቀዋሚትን ነባሪትን መንግስቲ እያ። የሆዋ መዋቲ ዘይኰነስ ዘለኣለማዊ ምዃኑ ነዚ ዜረጋግጽ እዩ። (ኣንባቆም 1:12 ትርጕም 1990) እቲ ንጉስ ንኪኸውን ብኣምላኽ መዝነት እተዋህቦ የሱስ ክርስቶስ እውን ከም ሰብኣውያን ነገስታት ዘይኰነስ: ዘይመውት እዩ። (ሮሜ 6:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:15, 16) እቶም ካብ “ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን” እተዋጽኡ ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ 144,000 ዚቝጽሮም ኣገልገልቱ ምስ ክርስቶስ ሓቢሮም ኣብ ሰማያዊ ዝፋናት ኪቕመጡ እዮም። እዚኣቶም እውን ዘይትመውት ህይወት እያ እትወሃቦም። (ራእይ 5:9, 10፣ 14:1-4፣ 1 ቈረንቶስ 15:42-44, 53) መብዛሕትኦም ድሮ ኣብ ሰማይ ኪህልዉ ኸለዉ: ካባታቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ኣብ ምድሪ ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ብተኣማንነት ኣብ ምዕያይ እተዋፈሩ: ኣብዚ ግዜና “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ተባሂሎም ዚጽውዑ ኣካል ኣቚሞም ኣለዉ።—ማቴዎስ 24:45-47

9, 10. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኪፈላልን ኪብክልን ዚኽእል ጽልዋታት እያ እተወግድ፧ (ለ) ጸላእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንከውን እንተ ዘይደሊና: ካብ ምንታይ መፈንጠራታት ኢና ኽንርሕቕ ዘሎና፧

9 የሆዋ ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ነቶም ፍርዱ ዚፍጽሙ ሓይልታቱ ንምድሪ ኼጽርይዋ ኺልእኮም እዩ። ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ንሉዓላውነቱ ኣፍልጦ ምሃብ ዝኣበዩን ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ዝገበሮ ፍቕራዊ ምድላው ዜስተናዕቑን ንዘለኣለም ኬጥፍእዎም እዮም። (2 ተሰሎንቄ 1:6-9) ሽዑ እታ ሉዓላውነት የሆዋ ዚረጋገጸላ ንነዊሕ ግዜ እተጸበናያ መዓልቲ የሆዋ ኽትመጽእ እያ። “እንሃ: መዓልቲ እግዚኣብሄር ንምድሪ ኸተባድማ: ነቶም ኣብኣ ዚነብሩ ሓጥኣን ድማ ከተብርሶም: ብቝጥዓን ብርሱን ነድርን መሰክሒት ኰይና ትመጽእ አላ።” (ኢሳይያስ 13:9) “እታ መዓልቲ እቲኣ መዓልቲ ቝጥዓ: መዓልቲ ጸበባን መከራን: መዓልቲ ምዕናውን ምብዳምን: መዓልቲ ጸልማትን ጣቓን: መዓልቲ ደበናን ግብ ዝበለ ጸልማትን እያ።”—ጸፎንያስ 1:15

10 እተን በቶም ዘይረኣዩ እኩያት ገዛእቲ ዓለም ዚምርሓ ዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታትን ሰብኣውያን መንግስትታትን ሰራዊተንን ኪጸንታ እየን። ኵሎም እቶም ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል: ብምድንጋር: ከምኡውን ዘይስነ-ምግባራዊ ኣነባብራ ብምንባር ምስዛ ዓለም እዚኣ ዝለገቡ ኺጠፍኡ እዮም። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሽሕ ዓመት ስለ ዚእሰሩ: ምስ ተቐማጦ ምድሪ ዚራኸቡሉ መገዲ ኣይኪህልዎምን እዩ። ሽዑ መንግስቲ ኣምላኽ ንብምሉኡ ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ጕዳያት ምሉእ ብምሉእ ክትቈጻጸሮ እያ። እዝስ ንዅሎም እቶም ጽድቂ ዚፈትዉ ኸመይ ዝበለ ራህዋ ዀን እዩ!—ራእይ 18:21, 24፣ 19:11-16, 19-21፣ 20:1, 2

ዕላማታት መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧

11. (ሀ) እታ መሲሓዊት መንግስቲ ነቲ ኣምላኽ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ እትፍጽም ብኸመይ እያ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት እንታይ ኪረኽቡ እዮም፧

11 መሲሓዊት መንግስቲ ነቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ክትፍጽሞ እያ። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:8, 9, 15) ክሳዕ እዛ ዕለት እዚኣ ደቅሰብ ነዚ ዕላማ እዚ ኣይደገፉን። ይኹን እምበር: እታ “እትመጽእ ዓለም” ነቲ ወዲ ሰብ እተባህለ የሱስ ክርስቶስ ክትግዛእ እያ። ኵሎም እቶም ካብቲ ኣብ ልዕሊ እዚ ኣረጊት ኣገባብ ዚወርድ ፍርዲ የሆዋ ዚድሕኑ ሰባት: ኣብ ትሕቲ እቲ ንጉስ ኰይኑ እተሾመ ክርስቶስ ብምዃን ንዅሉ መምርሒታቱ ተሓጒሶም እናኣኽበሩ ምልእቲ ምድሪ ገነት ምእንቲ ኽትከውን ብሓድነት ኪዓዩ እዮም። (እብራውያን 2:5-9) ኵሎም ደቅሰብ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪረኽቡን ካብቲ ምድሪ እተፍርዮ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍርያት ክጥቀሙን እዮም።—መዝሙር 72:1, 7, 8, 16-19፣ ኢሳይያስ 65:21, 22

12. እቶም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ኣእምሮን ኣካልን ፍጽምና ዚረኽቡ ብኸመይ እዮም፧

12 ኣዳምን ሄዋንን ኪፍጠሩ ኸለዉ ፍጹማት እዮም ነይሮም: ምድሪ ፍጹም ኣእምሮን ኣካልን ብዘለዎም ዘርኦም ክትምላእ እውን ዕላማ ኣምላኽ እዩ ነይሩ። እዚ ዕላማ እዚ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብዜደንቕ መገዲ ኺፍጸም እዩ። እዚ ድማ ኵሉ ሓጢኣት ዜምጽኦ ሳዕቤናት ምድምሳስ ዜጠቓልል እዩ። ነዚ ንምፍጻም: ክርስቶስ ንጉስ ጥራይ ዘይኰነስ ሊቀ ኻህናት ኰይኑ እውን እዩ ዜገልግል። ነቶም እዙዛት ተገዛእቱ ኻብቲ ሓጢኣት ዜተዓርቕ መስዋእቲ ሰብኣዊ ህይወቱ ንኺጥቀሙ ብትዕግስቲ ኺሕግዞም እዩ።

13. መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን እንታይ ምፍዋስ እዩ ኺህሉ፧

13 መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እትገዝኣሉ እዋን ተቐማጦ ምድሪ ብዜደንቕ መገዲ ኺፍወሱ እዮም። “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።” (ኢሳይያስ 35:5, 6) ብሰንኪ እርጋን ዝዓጠረ ቘርበት ወይ ብሰንኪ ሕማም እተበላሸወ ቕርጺ ኣካል ካብ ናይ ቈልዓ ዚልምልም ወይ ዚሕድስ ኪኸውን ከሎ: ክቱር ድኻም ድማ ብምሉእ ጥዕና ኺትካእ እዩ። “ስጋኡ ኻብ ናይ ሕጻን ይልምልም: ናብ መዓልትታት ጕብዝናኡ ይምለስ።” (እዮብ 33:25) ሓደ እኳ “ሕሙም እየ” ዘይብለሉ እዋን ይመጽእ ኣሎ። ስለምንታይ እዩ ኸምኡ ዘይብል፧ ምኽንያቱ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ካብ ጾር ሓጢኣትን እቲ ዜሕዝን ሳዕቤናቱን ኪናገፉ እዮም። (ኢሳይያስ 33:24 ትርጕም 1990፣ ሉቃስ 13:11-13) እወ: “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

14. ሰባት ኣብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም ኪበሃል ከሎ እንታይ የጠቓልል፧

14 ፍጽምና ንምርካብ ግን ጥዑይ ኣካልን ጥዑይ ኣእምሮን ካብ ምህላው ንላዕሊ እዩ ዜድሊ። ‘ብመልክዕ ኣምላኽ ከም ምስሉ’ ስለ እተገበርና: ባህርያት ኣምላኽ ብዚግባእ ምንጽብራቕ ዜጠቓልል እዩ። (ዘፍጥረት 1:26) ነዚ ንምፍጻም ብዙሕ ትምህርቲ እዩ ዜድሊ። ሓዳስ ዓለም “ጽድቂ ዚነብረሉ” ብምዃኑ: ከምቲ ኢሳይያስ እተነበዮ “እቶም ኣብ ዓለም ዚነብሩ ጽድቂ ይመሀሩ እዮም።” (2 ጴጥሮስ 3:13፣ ኢሳይያስ 26:9) እዛ ባህሪ እዚኣ ኣብ መንጎ ዅሎም ዓሌታት: ኣብ መንጎ ፈተውቲ: ኣብ መንጎ ስድራቤት: ልዕሊ ዅሉ ድማ ምስ ኣምላኽ ኣብ ዘሎና ርክብ ሰላም ንኺህልወና ተኽእለና። (መዝሙር 85:10-13፣ ኢሳይያስ 32:17) እቶም ጽድቂ ዚመሃሩ በብደረጃኡ ኣምላኽ ንዓታቶም ዘለዎ ፍቓድ ኪመሃሩ እዮም። ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕሪ ኣብ ልቦም ኣጸቢቑ ሱር ምስ ሰደደ: ኣብ ኵሉ መዳያት ህይወቶም መገድታቱ ኺስዕቡ እዮም። ከምቲ የሱስ ዝበሎ ‘ኵሉ ሳዕ ነቦይ ባህ ዜብሎ እገብር እየ’ ኺብሉ ኪኽእሉ እዮም። (ዮሃንስ 8:29) ኵሎም ደቅሰብ ኣብዚ ደረጃ እዚ ምስ በጽሑስ ህይወት ክሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ ኪኸውን!

ድሮ ፍጻሜኡ ኸም ዝረኸበ ንጹር ዝዀነ ነገራት

15. በዚ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶታት ጌርካ መንግስቲ ኣምላኽ ዝፈጸመቶን ብሕጂ እትፍጽሞን ነገራት ከምኡውን እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣጕልሕ።

15 እቲ መንግስቲ ኣምላኽ እትፍጽሞ ዜደንቕ ነገራት ንጹር ኰይኑ ኣሎ: ተገዛእታ እውን መን ምዃኖም በሪሁ እዩ። እዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ጥቕስታትን ገለ ኻብቲ እተፈጸመ ነገራት ከምኡውን ሕጂ ዅሎም ተገዛእቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገብርዎ ዚኽእሉን ኪገብርዎ ዘለዎምን ነገራት ኬዘኻኽረካ እዩ።

መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ መን እያ ስጕምቲ ወሲዳ: እዚኸ እንታይ ኣስዓበ፧ (ራእይ 12:7-10, 12)

ክርስቶስ ኣብ ዝፋን ካብ ዚድይብ ኣትሒዙ ንተረፍ ናይ ኣየኖት ጕጅለ ምእካብ እዩ ቈላሕታ እተገብረሉ፧ (ራእይ 14:1-3)

ኣብ ማቴዎስ 25:31-33 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: የሱስ ዓብዪ መከራ ምስ ጀመረ እንታይ ዕዮ ኸም ዚፍጽም እዩ እተነበየ፧

ኣብዚ ግዜና ነዚ ንምድላው እንታይ ዕዮ እዩ ዚፍጸም ዘሎ፧ መንከ እዮም ኣብዚ ዚሳተፉ ዘለዉ፧ (መዝሙር 110:3፣ ማቴዎስ 24:14፣ ራእይ 14:6, 7)

ፖለቲካውያንን ሃይማኖታውያንን ተጻረርቲ ንዕዮ ስብከት ደው ኬብልዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ እዮም፧ (ዘካርያስ 4:6፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:38, 39)

ኣብ ህይወት እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዚግዝኡ ሰባት እንታይ ለውጥታት እዩ ዚርአ ዘሎ፧ (ኢሳይያስ 2:4፣ 1 ቈረንቶስ 6:9-11)

ንሽሕ ዓመት እትቕጽል መንግስቲ

16. (ሀ) ክርስቶስ ንኽንደይ እዋን እዩ ኺገዝእ፧ (ለ) ኣብቲ እዋን እትን ድሕሪኡን እንታይ ዜደንቕ ነገራት እዩ ኺፍጸም፧

16 ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ መዓሙቝ ምስ ተኣስሩ: የሱስ ክርስቶስን እቶም 144,000 መዋርስቱን ብሓባር ኰይኖም ነገስታትን ካህናትን ብምዃን ንሽሕ ዓመት ኪገዝኡ እዮም። (ራእይ 20:6) ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓጢኣት ኣዳምን እዚ ዘስዓቦ ሞትን ንዘለኣለም ስለ ዚውገድ: ደቅሰብ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት: እቲ መሲሓዊ ንጉስን ካህንን ዝዀነ የሱስ እተዋህቦ መዝነት ብዓወት ምስ ዛዘመ: “ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን” ነታ ‘መንግስቲ ነቦኡ ኺውፍያ’ እዩ። (1 ቈረንቶስ 15:24-28) ኣብቲ እዋን እቲ: ደቅሰብ ንሉዓላውነት የሆዋ ዚድግፉ እንተ ዀይኖም ንምፍታን: ሰይጣን ንቕሩብ እዋን ኪፍታሕ እዩ። ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ፈተና: የሆዋ ንሰይጣንን ነቶም ምስኡ ዚውግኑ ዓለወኛታትን ኬጥፍኦም እዩ። (ራእይ 20:7-10) እቶም ንሉዓላውነት የሆዋ: ማለት ነቲ ንኺገዝእ ዘለዎ መሰል ዚድግፉ: ካብ ተኣማንነቶም ፈልከት ከም ዘይብሉ ምሉእ ብምሉእ ኬርእዩ እዮም። ድሕሪኡ የሆዋ ኸም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ገይሩ ስለ ዚቕበሎምን ንዘለኣለም ንኺነብሩ ስምረቱ ስለ ዚረኽቡን እቲ ግቡእ ዝዀነ ናይ ኣቦን ውሉድን ርክብ ኪህልዎም እዩ።—ሮሜ 8:21

17. (ሀ) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት እታ መንግስቲ እንታይ ክትከውን እያ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” ክትበሃል ሓቂ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

17 እምበኣር: የሱስን እቶም 144,000ን: ንምድሪ ብዚምልከት ዚህልዎም ግደ ኪቕየር እዩ። ድሕሪኡ እንታይ እዮም ኪገብሩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዘይነግረና እኳ እንተዀነ: ንሉዓላውነት የሆዋ ብተኣማንነት እንተደኣ ደጊፍና ግን የሆዋ ንዓታቶምን ንዅሉ ዜደንቕ ፍጥረቱን ዘለዎ ዕላማ ንምፍላጥ ክሳዕ መወዳእታ እቲ ሽሕ ዓመት ብህይወት ክንጸንሕ ኢና። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ “ዘይሐልፍ” ኪኸውን ከሎ: መንግስቱ እውን “ከቶ ኣይክትጠፍእን እያ።” (ዳንኤል 7:14) ከመይ ኢሉ እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ብቐዳምነት: የሆዋ ገዛኢ ስለ ዝዀነ: እቲ ስልጣን ካልእ ዕላማ ናብ ዘለዎም ገዛእቲ ኣይመሓላለፍን እዩ። ብዘይካዚ: እታ መንግስቲ ዝፈጸመቶ ነገራት ንዘለኣለም ስለ ዚቕጽል: “ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ” እያ። (ዳንኤል 2:44) እቲ መሲሓዊ ንጉስን ካህንን ኰነ እቶም ምስኡ ዚሓብሩ ነገስታትን ካህናትን እውን ስለቲ ንየሆዋ ብተኣማንነት ዝገበርዎ ኣገልግሎት ንዘለኣለም ኪኽበሩ እዮም።

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

መመያየጢ ሕቶታት

• ጸገማት ደቅሰብ እትፈትሕ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ እቲ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ኪገዝእ ዝጀመረ መዓስ እዩ፧

• ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን እቲ እትፍጽሞ ነገራትን ብፍላይ ንዓኻ ዝሰሓበካ እንታይ እዩ፧

• እንታይ መንግስቲ ኣምላኽ ዝፈጸመቶ ነገራት ኢና ዛጊት ርኢና ዘለና: ንሕናኸ ኣብዚ እንታይ ግደ ኣሎና፧

[ኣብ ገጽ 92, 93 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣምላኽ: ኵሎም ሰባት ጽድቂ ኺመሃሩ እዮም