ኣምለኽቲ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓርነት
ምዕራፍ ሓሙሽተ
ኣምለኽቲ የሆዋ ዝረኸብዎ ሓርነት
1, 2. (ሀ) ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዝሃቦም፧ (ለ) ገለ ኻብቲ ንኣዳምን ሄዋንን ኪምርሑሉ እተዋህቦም ሕግታት ጥቐስ።
የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኪፈጥሮም ከሎ: ካብዚ ሎሚ ሰባት ዘለዎም ኣጸቢቑ ዚበልጽ ሓርነት እዩ ሂብዎም። ኣብታ ገነት ኤድን እትበሃል ምልክዕቲ ስፍራ ኣታኽልቲ ይነብሩ ነበሩ። ፍጹም ኣእምሮን ኣካልን ስለ ዝነበሮም: ካብ ህይወት ዝረኽብዎ ሓጐስ ብሕማም ኣይበላሾን እዩ ነይሩ። ከምዚ ሎሚ ንዘለዉ ሰባት ብምሉኦም ሞት ዚጽበዮም ዘሎ: ንዓታቶም ግን ሞት ኣይጽበዮምን እዩ ነይሩ። ኣብ ርእሲ እዚውን ውሳነኦም ንኺገብሩ ዜኽእሎም ናይ ምምራጽ ናጽነት ዘለዎም ፍጡራት ደኣ እምበር ሮቦት ኣይነበሩን። እዚ ዜደንቕ ሓርነት እዚ ንኪቕጽል ግን ሕግታት ኣምላኽ ኬኽብሩ ነበሮም።
2 ኣብነት ምእንቲ ኪዀነና ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘቘሞ ተፈጥሮኣዊ ሕግታት እስከ ንርአ። ከም እንፈልጦ: እዚ ሕግታት እዚ ኣብ ጽሑፍ እኳ እንተ ዘይሰፈረ: ኣዳምን ሄዋንን ግን ነዚ ሕግታት እዚ ኺሕልዉ ባህርያዊ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዮም ተፈጢሮም። ኪጠምዩ ኸለዉ ይበልዑ: ኪጸምኡ ኸለዉ ይሰትዩ: ምስ መሰየ ድማ ይድቅሱ። ብተወሳኺውን የሆዋ ሓደ መዝነት ሃቦም። እዚ መዝነት እዚ ንተግባራቶም ዚቕይድ ብምዃኑ ሕጊ ኽንብሎ ንኽእል ኢና። ውሉዳት ኪወልዱ: ንዅሉ እቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህያው ዘበለ ፍጡር ኪገዝኡ: ከምኡውን እታ ገነት ንብምልእታ ምድሪ ኽሳዕ እትሽፍን ኬስፍሕዋ ነበሮም። (ዘፍጥረት 1:28፣ 2:15) እዝስ ከመይ ዝበለ ዜሐጕስን ጠቓምን ሕጊ ዀን እዩ ነይሩ! ነእምሮኦም ብዚሃንጽ መገዲ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙሉ ዜኽእሎም ዜዕግብ ዕዮ እዩ ተዋሂብዎም ነይሩ። ነዚ መዝነት ብኸመይ ኪፍጽምዎ ኸም ዘለዎም ንምውሳን እኹል ናጽነት ነበሮም። ካብዚ ንላዕሊ እሞ እንታይ እዩ ኼድልዮም፧
3. ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ወሳነታት ንኺገብሩ ዝነበሮም ሓርነት ብጥበብ ኪጥቀሙሉ ዚኽእሉ ዝነበሩ ብኸመይ እዮም፧
3 ልክዕ እዩ: ኣዳምን ሄዋንን ውሳነታት ንኺገብሩ ኺፍቀደሎም ከሎ: ኵሉ እቲ ዚገብርዎ ውሳነታት ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ማለት ኣይኰነን። ውሳነታት ንኺገብሩ እተዋህቦም ሓርነት ኣብ ውሽጢ ዓንኬል ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ እዩ ነይሩ። ነዚ ግን ብኸመይ ኪመሃርዎ ይኽእሉ፧ ንፈጣሪኦም ብምስማዕን ንተግባራቱ ብምዕዛብን እዮም ኪመሃርዎ ዚኽእሉ። ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን ነቲ እተማህርዎ ኣብ ግብሪ ንኼውዕሉ ዜኽእሎም ምስትውዓል ሂብዎም እዩ። ፍጹማት ኰይኖም ስለ እተፈጥሩ: ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ብተፈጥሮኦም ባህርያት ኣምላኽ ዜንጸባርቑ ዀይኖም እዮም ተፈጢሮም። ነቲ ኣምላኽ ዝገበረሎም ነገራት ብሓቂ ዜማስዉሉን ንዕኡ ኼሐጕስዎ ዚደልዩን እንተ ዚዀኑ: ተጠንቂቖም ባህርያቱ ዜንጸባርቕ ውሳነታት ምገበሩ ነይሮም።—ዘፍጥረት 1:26, 27፣ ዮሃንስ 8:29
4. (ሀ) እቲ ንኣዳምን ሄዋንን ንፍረ ናይ ሓንቲ ኦም ንኸይበልዑ እተዋህቦም ትእዛዝ: ሓርነቶም ዜጥፍኣሎም ድዩ ነይሩ፧ (ለ) እዚ ግቡእ መምዘኒ ብቕዓት ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧
4 እምበኣር: ኣምላኽ ከም ወሃብ ህይወቶም መጠን ንዕኡ ዘለዎም ተወፋይነትን ካብቲ ዝኣዘዞም ንኸይወጹ ዘለዎም ድሌትን ዚፍትን ነገር ምግባሩ ግቡእ እዩ። የሆዋ ንኣዳም “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 2:16, 17) ሄዋን ምስ ተፈጥረት እውን እዚ ሕጊ እዚ ተነጊርዋ እዩ። (ዘፍጥረት 3:2, 3) እዚ ቐይዲ እዚ ንሓርነቶም ዜጥፍእ ድዩ ነይሩ፧ ፈጺሙ ኣይኰነን። ነታ እተኸልከለት ኦም ሓዲጎም: ኣኺሉ ዚተርፍ ባህ ዜብል በብዓይነቱ ዚብላዕ ምግቢ ነይርዎም እዩ። (ዘፍጥረት 2:8, 9) ኣምላኽ ንምድሪ ስለ ዝፈጠራ: ናቱ ምዃና ኣፍልጦ ኺህቡ ይግብኦም ነይሩ። ስለዚ: ምስ ዕላማታቱ ዚሰማማዕን ንደቅሰብ ዚጠቅምን ሕግታት ኬውጽእ መሰል ኣለዎ።—መዝሙር 24:1, 10
5. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኽቡር ሓርነቶም ዜጥፍኡ ብኸመይ እዮም፧ (ለ) ኣብ ክንዲ እቲ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም ሓርነት እንታይ ተተክአ: እዚኸ ንዓና ብኸመይ ጸለወና፧
5 ይኹን እምበር: እንታይ ኣጋጠመ፧ ሓደ መልኣኽ ስስዐ ብዝመልኦ ትምኒት ተደሪኹ: ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነቱ ንሕማቕ ተጠቕመሉ: ሰይጣን ማለት “ተጻራሪ” ድማ ኰነ። ንሄዋን ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትገብር ብምድፍፋእ ሓባበላ። (ዘፍጥረት 3:4, 5) ኣዳም ምስ ሄዋን ሓቢሩ ሕጊ ኣምላኽ ኣፍረሰ። ዘይብጽሖም ነገር ብምውሳዶም: ነቲ ኽቡር ሓርነቶም ኣጥፍኡ። ሓጢኣት ዚቈጻጸሮም ኰኑ: ከምቲ ኣምላኽ ዘጠንቀቖም ከኣ ጸኒሖም ሞቱ። ዘርኦም እውን ሓጢኣት ስለ ዝወረሱ: ኪውለዱ ኸለዉ ኣትሒዞም ጌጋ ንምግባር ዝንባለ ዘለዎም ኰኑ። ሓጢኣት ሕማምን እርጋንን ሞትን ዜስዕብ ድኻም እውን ኣምጽአ። ወድሰብ ዘለዎ ጌጋ ናይ ምግባር ዝንባለ በቲ ሰይጣን ዚገብሮ ጽልዋ ስለ እተጋደደ: ታሪኽ ደቅሰብ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ብዝቐዘፈ ጽልኢ: ዓመጻ: ጭቈና: ከምኡውን ውግእ ዝመልአ ዀነ። እዝስ ካብቲ ኣብ መጀመርታ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝሃቦም ሓርነት ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን እዩ!—ዘዳግም 32:4, 5፣ እዮብ 14:1, 2፣ ሮሜ 5:12፣ ራእይ 12:9
ሓርነት ኣበይ ከም ዚርከብ
6. (ሀ) ናይ ሓቂ ሓርነት ኣበይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዚዛረብ ነይሩ፧
6 ኣብዚ ግዜና ኣብ ፈቐዶኡ ዘሎ ሕማቕ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው: ሰባት ዝያዳ ሓርነት እንተ ደለዩ ዜገርም ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ሓርነት ኣበይ ኪርከብ ይከኣል፧ የሱስ “ንስኻትኩም ኣብ ቃለይ እንተ ጸናዕኩም: ብሓቂ ደቀ መዛሙርተይ ኢኹም። ንሓቂ ኽትፈልጥዋ ኢኹም: እታ ሓቂ ድማ ሓራ ኸተውጽኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 8:31, 32) እዛ ሓርነት እዚኣ ሰባት ንሓደ መራሒ ወይ ንሓደ መንግስቲ ኻብ ካልእ ኣብሊጾም ብምርኣይ ተስፋ ዚገብሩሉ ዓይነት ሓርነት ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ ሱር ጸገማት ወድሰብ ዘተኰረት እያ። የሱስ ካብ ሓጢኣት ሓራ ብዛዕባ ምዃን እዩ ዚዛረብ ነይሩ። (ዮሃንስ 8:24, 34-36) እምበኣር: ሓደ ሰብ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር የሱስ ክርስቶስ እንተ ዀይኑ: ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጢ ወይ ሓርነት እዩ ዚረክብ!
7. (ሀ) ኣብዚ ሕጂ እዋን በየናይ መዳይ ኢና ኻብ ሓጢኣት ሓራ ኽንከውን እንኽእል፧ (ለ) ከምዚ ዓይነት ሓርነት ንምርካብ: እንታይ ክንገብር ኣሎና፧
7 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ኣብዚ ግዜና ናይ ሓቂ ክርስትያናት እቲ ዝወረስዎ ሓጢኣት ኣየሸግሮምን ማለት ኣይኰነን። ሓጢኣት ስለ ዝወረሱ: ቃልሲ ኣለዎም። (ሮሜ 7:21-25) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ምስ ትምህርትታት የሱስ ተሰማሚዑ ዚነብር እንተደኣ ዀይኑ: ባርያ ሓጢኣት ኣይኰነን። ሓጢኣት ከምቲ ኸም ድላዩ ዚእዝዝ ውልቀ-መላኺ ዀይኑ ኣይገዝኦን። ዕላማ ብዘይብሉ ናብራ ህይወትን ሕርኽርኽ ዚብሎ ሕልናን ሒዙ ኣይመላለስን። ዝሓለፈ ሓጢኣቱ ብመሰረት እታ ኣብ መስዋእቲ ክርስቶስ ዘላቶ እምነት ስለ ዚሕደገሉ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ይህልዎ። ሓጢኣት ንኺፍጽም እኳ እንተ ተደረኸ: ነቲ ንጹህ ትምህርትታት የሱስ ብምዝካር ርእሱ ስለ ዚገትእ: ባርያ ሓጢኣት ዘይምዃኑ የርኢ።—ሮሜ 6:12-17
8. (ሀ) ኣብ ናይ ሓቂ ክርስትና እንታይ ሓርነት ኢና እንረክብ፧ (ለ) ንዓለማውያን ገዛእቲ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ኺህልወና ዘለዎ፧
8 ከም ክርስትያናት መጠን ረኺብናዮ ዘሎና ሓርነት እሞ ሕስብ ኣብሎ። ካብ ጽልዋ ናይ ሓሶት ትምህርትታት: ካብ ማእሰር ማሪታዊ እምነታት: ከምኡውን ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ዄንና ኣሎና። ብዛዕባ ዅነታት ምዉታትን ብዛዕባ ትንሳኤን እንፈልጦ ሓቅታት: ካብቲ ጠገለ ዘይብሉ ፍርሂ ሞት ሓራ ገይሩና ኣሎ። ዘይፍጹማት ሰብኣውያን መንግስትታት በታ ጽድቂ ዝሰፈና መንግስቲ ኣምላኽ ክትክኣ ምዃነን ምፍላጥና: ካብ ተስፋ ምቝራጽ ሓራ ይገብረና። (ዳንኤል 2:44፣ ማቴዎስ 6:10) ይኹን እምበር: እዚ ሓርነት እዚ ንሰበ-ስልጣን መንግስትን ንሕግታቶምን ንኸይንግዛእ መመኽነይታ ኣይኰነናን እዩ።—ቲቶስ 3:1, 2፣ 1 ጴጥሮስ 2:16, 17
9. (ሀ) የሆዋ ብፍቕሩ ተደሪኹ እቲ ሎሚ ደቅሰብ ዘይረኽብዎ ዓብዪ ሓርነት ንኽንረክብ ዜኽእለና ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ጥበባዊ ስጕምቲ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
9 የሆዋ ዝበለጸ ዓይነት ናብራ እንታይ ምዃኑ ብሃውሪ ኽንፈልጦ ኣይገደፈናን። ነፈጣጥራና: ነቲ ናይ ሓቂ ዕግበት ዜምጽኣልና ነገራት: ከምኡውን ነቲ ዘለኣለማዊ ረብሓታት ዜምጽኣልና ነገራት ይፈልጦ እዩ። ሓደ ሰብ ምስኡን ምስ ካልኦት ሰባትን ዘለዎ ርክብ ከም ዜበላሹ ዚገብሮ ዀነ ናብ ሓዳስ ዓለም ንኸይኣቱ ዕንቅፋት ኪዀኖ ዚኽእል ሓሳባትን ኣካይዳን ይፈልጦ እዩ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ነዚ ዅሉ ነገራት ብመጽሓፍ ቅዱስን በታ እትርአ ማሕበሩን ኣቢሉ ይገልጸልና ኣሎ። (ማርቆስ 13:10፣ ገላትያ 5:19-22፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:12, 13) እምበኣር: በቲ ኣምላኽ ዝሃበና ናይ ምምራጽ ናጽነት ተጠቒምና እንታይ ከም እንገብር ምውሳን ሓላፍነትና እዩ። ከም ኣዳም ዘይኰነስ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብለና ኣብ ልብና ነሕድሮ እንተደኣ ዄንና: ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ኢና። ኣብ ህይወትና እቲ ቐንዲ ዜገድሰና ነገር: ምስ የሆዋ ጽቡቕ ርክብ ምግባር ምዃኑ ኸነርኢ ኢና።
ገሊኣቶም ካልእ ዓይነት ሓርነት ይደልዩ
10. ገሊኣቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ዓይነት ሓርነት እዮም ኪረኽቡ ዚጽዕሩ፧
10 ሓድሓደ ግዜ መንእሰያት ኰኑ ዓበይቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ካልእ ዓይነት ሓርነት ከም ዚደልዩ ዀይኑ ኺስምዖም ይኽእል እዩ። ዓለም እትስሕብ ኰይና ኽትረኣዮም ትኽእል እያ። ብዛዕባ እዚ ዝያዳ ብዝሓሰቡ መጠን ከኣ ነቲ ኣብዛ ዓለም ልሙድ ዝዀነ ዘይክርስትያናዊ ተግባራት ንኺገብሩ ዝሓየለ ትምኒት ይሓድሮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ሓሽሽ ኪወስዱ: መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኺሰትዩ: ወይ ምንዝር ኪፍጽሙ ኣይውጥኑን ይዀኑ። ኰይኑ ግን: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብዘይኰኑ ሰባት ተቐባልነት ንኺረኽቡ ደልዮም ይቐርብዎም። ኣዘራርባኦምን ጠባያቶምን ኪቐድሕዎ እውን ይጅምሩ።—3 ዮሃንስ 11
11. ሓድሓደ ግዜ ሓጢኣት ንኽትገብር ካብ መን ፈተና ኺመጸካ ይኽእል፧
11 ሓድሓደ ግዜ ንየሆዋ ‘አገልግል እየ’ ዚብል ሰብ እውን ዘይክርስትያናዊ ተግባራት ንኽትፍጽም ፈተና ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ገሊኣቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም: ኣብዚ ግዜና እውን ተመሳሳሊ ነገራት ኬጋጥም ይኽእል እዩ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ተድላ ዜምጽኣሎም ኰይኑ ዚስምዖም ነገራት ኪገብሩ ዚደልዩ እኳ እንተዀኑ: እቲ ዚፍጽምዎ ነገራት ግን ምስ ሕግታት ኣምላኽ ዚጻረር እዩ። ንኻልኦት ሰባት “የሐጕስ” እዩ ዚብልዎ እተወሰነ ነገራት ኪገብሩ ይደፋፍእዎም። “ንሳቶም ንርእሶም ባሮት ጥፍኣት ክነሶም: ሓራ ኽትወጹ ኢኹም እናበሉ: የተስፍውዎም።”—2 ጴጥሮስ 2:19
12. ምስ ሕግታትን ስርዓታትን ኣምላኽ ዚጻረር ተግባራት ምግባር እንታይ ዜሕዝን ፍረ እዩ ዜፍሪ፧
12 ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ንሕግታት ኣምላኽ ዚጥሕስ ስለ ዝዀነ: እዚ ሓርነት ዚብልዎ ነገር ወትሩ ጽቡቕ ፍረ የብሉን። ንኣብነት: ፍኑው ጾታዊ ርክብ ኬስዕቦ ኻብ ዚኽእል ነገራት: ስምዒታዊ ምርባሽ: ሕማም: ሞት: ዘይድለ ጥንሲ: ከምኡውን ምብትታን ሓዳር ኪጥቀስ ይከኣል። (1 ቈረንቶስ 6:18፣ 1 ተሰሎንቄ 4:3-8) ሓሽሽ ምውሳድ ከኣ ቀጨውጨው ምባል: ዘረባ ዘይምቍጽጻር: ምፍዛዝ ዓይኒ: ምድንዛዝ: ብጭንቀት ምስትንፋስ: ምህትፍታፍ: ከምኡውን ሞት ኬስዕብ ይኽእል። ብዘይካዚ: ወልፊ ኪዀነካ ይኽእል: ነዚ ወልፊ እዚ ንምርዋይ ድማ ኣብ ዓመጻ ኽተኣቱ ትኽእል። ኣልኮላዊ መስተ ኻብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ እውን መብዛሕትኡ እዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሳዕቤናት የምጽእ እዩ። (ምሳሌ 23:29-35) እቶም ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ዚፍጽሙ ሰባት ሓራ ዚዀኑ ይመስሎም እኳ እንተዀነ: ባሮት ሓጢኣት ከም ዚዀኑ ግን ኣብ ኪወጹሉ ዘይክእሉ ዓዘቕቲ ምስ ኣተዉ እዮም ዚፈልጥዎ። ሓጢኣትሲ ኸመይ ዝበለ ጨካን ገዛኢ ዀን እዩ! ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ብኣጋኡ ምሕሳብ: ካብዚ ዅሉ ንኸነምልጥ ዕቝባ ኪዀነና ይኽእል እዩ።—ገላትያ 6:7, 8
ጸገማት ኣበይ ከም ዚጅምር
13. (ሀ) መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ጸገማት ዚመርሕ ትምኒት ብኸመይ እዩ ዚለዓዓል፧ (ለ) “ሕማቕ ዕርክነት” እንታይ ምዃኑ ንኽንርድኦ: ናይ መን ኣረኣእያ ኢና ኽንፈልጥ ዘሎና፧ (ሐ) ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 13 ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ: ኣረኣእያ የሆዋ ኣጕልሕ።
13 መብዛሕትኡ ግዜ ጸገማት ኣበይ ከም ዚጅምር እሞ ሕስብ ኣብሎ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ” ይብል። (ያእቆብ 1:14, 15) ትምኒትከ ብኸመይ እዩ ዚለዓዓል፧ ናብ ኣእምሮና ብዚኣቱ ነገራት እዩ ዚለዓዓል። እዚ ኸኣ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቶም ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዘይስዕቡ ሰባት ብምቅርራብ እዩ ዚብገስ። ልክዕ እዩ: ኵላትና ኻብ “ሕማቕ ዕርክነት” ክንርሕቕ ከም ዘሎና ንፈልጥ ኢና። (1 ቈረንቶስ 15:33) ኣየናይ ዕርክነት ግን እዩ ሕማቕ ኪበሃል ዚከኣል፧ የሆዋኸ ነዚ ጕዳይ እዚ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ምስ እንሓስበሉን ነቲ ምስኡ ዘሎ ጥቕስታት ምስ እነንብቦን: ኣብ ቅኑዕ መደምደምታ ንኽንበጽሕ ኪሕግዘና እዩ።
ገሊኣቶም ሰባት ዚኽበሩ ምዃኖም: ጥዑያት ኣዕሩኽ ይገብሮም ድዩ፧ (ዘፍጥረት 34:1, 2, 18, 19)
ክንቀርቦም ዘሎና ወይ ዘይብልና ሰባት ምዃኖም ዘረባኦም ኰነ ዋዛታቶም ኪሕብረና ይኽእል ድዩ፧ (ኤፌሶን 5:3, 4)
የሆዋ ንዕኡ ምስ ዘየፍቅርዎ ሰባት እንተ ተዓራሪኽና ኸመይ ይስምዖ፧ (2 ዜና መዋእል 19:1, 2)
ምስ ካልእ ዝእምነቶም ሰባት ንሰርሕ ወይ ንመሃር እኳ እንተዀንና: ክንጥንቀቕ ዘሎና ግን ስለምንታይ ኢና፧ (1 ጴጥሮስ 4:3, 4)
ተለቪዥንን ፊልምታትን ምርኣይ: መርበብ ሓበሬታ ምጥቃም: መጻሕፍትን መጽሔታትን ጋዜጣታትን ምንባብ ሓደ ኻብቲ ምስ ካልኦት ሰባት እንራኸበሉ መገዲ እዩ። በዚ መራኸቢ ብዙሓን ኣቢሉ ዚመሓላለፍ እንታይ ነገራት ኢና ኽንጥንቀቐሉ ዘሎና፧ (ምሳሌ 3:31፣ ኢሳይያስ 8:19፣ ኤፌሶን 4:17-19)
ናይ ኣዕሩኽ ምርጫና: ብዛዕባና ንየሆዋ እንታይ እዩ ዝነግሮ፧ (14. ነቶም ሎሚ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዚህቦ ምኽሪ ብተኣማንነት ኣብ ግብሪ ዜውዕሉ ሰባት እንታይ ዓብዪ ሓርነት እዩ ተነቢሩሎም ዘሎ፧
14 እታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ትቐርብ እያ ዘላ። ደቅሰብ በታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሎም ካብ ጽልዋታት ሰይጣንን እዚ እኩይ ኣገባቡን ሓራ ኪዀኑ እዮም። በብቝሩብ ኵሉ እቲ ሓጢኣት ዘምጽኦ ሳዕቤናት ካብቶም እዙዛት ደቅሰብ ስለ ዜልግስ: ናይ ኣእምሮን ኣካልን ፍጽምና ብምርካብ ኣብ ገነት ንዘለኣለም ክንነብር ኢና። ኣብ መወዳእታ ዅሉ ፍጥረት ምስ “መንፈስ ጐይታ” ማለት መንፈስ የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ዚሰማማዕ ሓርነት ኪረክብ እዩ። (2 ቈረንቶስ 3:17) ሎሚ ቓል ኣምላኽ ዚህበና ምኽሪ ኣፍኲስና ብምርኣይናስ ንዅሉ እዚ ነገራት እዚ ኸነጥፍኦዶ ንደሊ ኢና፧ ኣይፋልናን። የግዳስ: ኣብዚ ግዜና ነቲ ክርስትያናዊ ሓርነት ብዚግባእ ብምጥቃም: ነቲ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ብሓቂ ኸም እንብህጎ ብንጹር ነርኢ።—ሮሜ 8:21
መመያየጢ ሕቶታት
• እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን እንታይ ዓይነት ሓርነት እዩ ዝነበሮም፧ እዚኸ ምስቲ ሎሚ ደቅሰብ ዘለዉዎ ዅነታት ብኸመይ ይነጻጸር፧
• ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ ሓርነት እዩ ዘለዎም፧ እዚኸ ምስቲ ዓለም ሓርነት እትብሎ ብኸመይ ይነጻጸር፧
• ካብ ሕማቕ ዕርክነት ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ኣየናይ ሕማቕ ምዃኑ ኽንውስን ከለና: ከም ኣዳም ዘይኰነስ: ናይ መን ውሳነ ኢና እንቕበል፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 46 ዘሎ ስእልታት]
ቃል ኣምላኽ “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ብምባል የጠንቅቕ