ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ እከይ ኪቕጽል ብምፍቃዱ እንረኽቦ ትምህርቲ

ኣምላኽ እከይ ኪቕጽል ብምፍቃዱ እንረኽቦ ትምህርቲ

ምዕራፍ ሸውዓተ

ኣምላኽ እከይ ኪቕጽል ብምፍቃዱ እንረኽቦ ትምህርቲ

1, 2. (ሀ) የሆዋ ነቶም ዓለወኛታት ኣብ ኤድን ብኡንብኡ እንተ ዚቐትሎም ነይሩ: ንሕና ብኸመይ ምተተንከፍና፧ (ለ) የሆዋ እንታይ ፍቕራዊ ምድላው እዩ ገይሩልና ዘሎ፧

 ያእቆብ “ዓመታት ዘበን ህይወተይ ሒደትን ክፉኣትን እየን” በለ። (ዘፍጥረት 47:9) እዮብ እውን ብተመሳሳሊ: ሰብ “ሓጺር ዕድመ: ጽጉብ ሓሳር” ምዃኑ ተዛረበ። (እዮብ 14:1) መብዛሕትና ልክዕ ከምዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ ህይወትና ጸገማትን በደልን ሓሳርን ኣሕሊፍና ኢና። ተወሊድና ብህይወት ምንባርና ግን ኣምላኽ ኣይበደለናን። ልክዕ እዩ: ፍጹም ኣእምሮን ኣካልን የብልናን: ኣብታ ኣዳምን ሄዋንን ዚነብሩላ ዝነበሩ ገነት እውን ኣይኰንናን እንነብር ዘሎና። እንተዀነ ግን: ምስ ዓለዉ የሆዋ ብኡንብኡ እንተ ዚቐትሎም ነይሩ እንታይ ምዀነ፧ ሕማም: ሓዘን: ወይ ሞት ኣይምሃለወን: ብዘይካዚ ወድሰብ እውን ምጠፍአ ነይሩ: ንሕና ድማ ኣይምተወለድናን። የሆዋ ግን ብምሕረቱ ንኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጽምና ዝወረሱ ውሉዳት ኪወልዱ ፈቐደሎም። ብክርስቶስ ኣቢሉ ኸኣ ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ንኽንረክብ ምድላው ገበረልና።—ዮሃንስ 10:10፣ ሮሜ 5:12

2 ኣብታ ሕማም: ሓዘን: ስቓይ: ሞት: ከምኡውን እኩያት ሰባት ዘይህልዉላ ገነታዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ምርካብሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜተባብዕ ኰን እዩ! (ምሳሌ 2:21, 22፣ ራእይ 21:4, 5) ይኹን እምበር: ድሕነትና ንዓናን ንየሆዋን ኣዝዩ ዜገድስ እኳ እንተዀነ: ምስዚ እተተሓሓዘ ኻብዚ ንላዕሊ ዜገድስ ጕዳይ ከም ዘሎ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጸልና።

ምእንቲ እቲ ዓብዪ ስሙ

3. ምስ ምፍጻም እቲ የሆዋ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ ዚተሓሓዝ እንታይ እዩ፧

3 ስም ኣምላኽ ምስ ምፍጻም እቲ ንምድርን ንደቅሰብን ዘለዎ ዕላማ እተተሓሓዘ እዩ። እቲ የሆዋ ዚብል ስም “ዚኸውን” ማለት እዩ። ስለዚ: ስሙ ነቲ ኸም ሓደ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላዊ: ከም ሓደ ዝዓለሞ ብምፍጻም ዝመጸ መወዳድርቲ ዘይብሉ ኣካል: ከምኡውን ከም ኣምላኽ ሓቂ መጠን ዘለዎ ዝና ዝሓቘፈ እዩ። የሆዋ ዝለዓለ ስልጣን ስለ ዘለዎ: ኣብ ኵሉ ሰላምን ደሓንን ምእንቲ ኺሰፍን: ኵሉ ፍጡር ኪእዘዞ ኸምኡውን ንስሙን ነቲ ስሙ ዜጠቓልሎ ነገራትን እቲ ዚግብኦ ምሉእ ኣኽብሮት ኪህቦ ይግባእ።

4. እቲ የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ እንታይ የጠቓልል፧

4 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምፍጣሩ: ሓደ ኺፍጽምዎ ዘለዎም መዝነት ሃቦም። ንምልእቲ ምድሪ ኺመልክዋ: ማለት ነታ ገነት ኬስፍሕዋ ጥራይ ዘይኰነስ: ንምድሪ ብዘርኦም ኪመልእዋ ኸም ዘለዎም ንጹር ገይሩሎም እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እዚ ዕላማ እዚ ብሰንኪ ሓጢኣቶም ይፈሽል ደዀን ይኸውን፧ እቲ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ነዚ ንምድርን ደቅሰብን ብዚምልከት ዝገበሮ ዕላማ ኺፍጽም ዘይክእል ምስ ዚኸውን: ንስሙ ኽሳዕ ክንደይ ዓብይ ጸርፊ ምዀነ!

5. (ሀ) እቶም ቀዳሞት ሰባት ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ምስ ዚበልዑ: መዓስ ኪሞቱ ምዃኖም እዩ እተነግሮም፧ (ለ) የሆዋ ነቲ ንምድሪ ዝዓለሞ ዕላማ ኸየፍረሰ: ኣብ ዘፍጥረት 2:17 ዚርከብ ቃሉ ዝፈጸመ ብኸመይ እዩ፧

5 የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ትእዛዙ ብምጥሓስ ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ እሞ እንተ በሊዖም: በታ ዚበልዑላ ‘መዓልቲ’ ኺሞቱ ምዃኖም ኣጠንቂቕዎም ነይሩ። (ዘፍጥረት 2:17) ከምቲ ዝበሎ ኸኣ በታ ዚሓጥኡላ መዓልቲ በቲ ጕዳይ ተሓተትቲ ብምግባር ንሞት ፈረዶም። በረኣእያ ኣምላኽ በታ መዓልቲ እቲኣ ኣዳምን ሄዋንን ሞይቶም እዮም። እንተዀነ ግን: ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ምእንቲ ኺፍጽም: ቃል ብቓሉ ቕድሚ ሙማቶም ውሉዳት ኪወልዱ ፈቐደሎም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ን1,000 ዓመት ከም ሓንቲ መዓልቲ ገይሩ ስለ ዚርእዮ: ኣዳም ኣብ 930 ዓመት ብሙማቱ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ “መዓልቲ” ሞይቱ ኺበሃል ይከኣል። (2 ጴጥሮስ 3:8፣ ዘፍጥረት 5:3-5) በዚ ኸምዚ የሆዋ መዓስ መቕጻዕቲ ኸም ዚፍጽም ዝኣተዎ ቓል ሓለወ: እቲ ንምድሪ ዝነበሮ ዕላማ ድማ ብሞቶም ኣይተሓናዀለን። ንእተወሰነ ግዜ ግን እኩያት እውን ዚርከብዎም ዘይፍጹማት ሰባት ኣብ ምድሪ ንኺነብሩ ተፈቕደሎም።

6, 7. (ሀ) ብመሰረት ዘጸኣት 9:15, 16: የሆዋ እከይ ንእተወሰነ እዋን ኪቕጽል ዝፈቐደ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንፈርኦን ሓይሉ ዘርኣዮ ብኸመይ እዩ: ስሙ እተፈልጠኸ ብኸመይ እዩ፧ (ሐ) ጥፍኣት እዚ ኣገባብ እዚ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ እዩ፧

6 የሆዋ ነቲ ብግዜ ሙሴ ዝነበረ ገዛኢ ግብጺ ዝበሎ ነገር: እኩያት ብህይወት ንኪቕጽሉ ዘፍቀደሉ ተወሳኺ ምኽንያት እዩ ዚሕብረና። ፈርኦን ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ንኸይወጹ ምስ ከልከሎም: የሆዋ ብኡንብኡ ኣየጥፍኦን። ሓይሊ የሆዋ ብዜደንቕ መገዲ ዘርኢ ዓሰርተ መዓት ኣብታ ሃገር ወረደ። የሆዋ ብዛዕባ እታ ሻውዐይቲ መዓት መጠንቀቕታ ኺህብ ከሎ: ንፈርኦንን ንህዝቡን ካብ ገጽ ምድሪ ብቐሊሉ ኪዅስትሮም ከም ዚኽእል ነገሮ። ኣስዕብ ኣቢሉ “ግናኸ ሓይለይ ከርእየካ: ስመይ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ኺውረ: ብእኡ ምኽንያት ኣንበርኩኻ” በሎ—ዘጸኣት 9:15, 16

7 የሆዋ ንእስራኤላውያን ሓራ ምስ ኣውጽኦም: ብርግጽ ስሙ ኣብ ኵሉ እዩ ተወርዩ። (እያሱ 2:1, 9-11) ሎሚ ድሕሪ 3,500 ዓመት እውን ከይተረፈ እቲ ሽዑ ዝገበሮ ኣይተረስዐን። እቲ ብሕታዊ ስም የሆዋ ተፈሊጡ ጥራይ ዘይኰነስ: ብዛዕባ እቲ በቲ ስም እቲ ዚጽዋዕ ኣምላኽ እውን እቲ ሓቂ ተፈልጠ። እዚ ድማ የሆዋ መብጽዓታቱ ዚፍጽምን ምእንቲ ኣገልገልቱ ስጕምቲ ዚወስድን ኣምላኽ ምዃኑ እዩ ኣረጋጊጹ። (እያሱ 23:14) ኵሉ ዚኽእል ብምዃኑ: ዕላማኡ ኻብ ምፍጻም ዚዓግቶ ነገር ከም ዘየለ ኣርእዩ እዩ። (ኢሳይያስ 14:24, 27) እምበኣር: ነቶም እሙናት ኣገልገልቱ ንኺጠቅም ኢሉ ድሕሪ ሓጺር እዋን ንብምሉኡ ኣገባብ ሰይጣን ንምጥፋእ ስጕምቲ ኸም ዚወስድ ክንተኣማመን ንኽእል ኢና። እዚ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ሓይሉ ዜንጸባርቐሉን ንስሙ ኽብሪ ዜምጽኣሉን ኣጋጣሚ ፈጺምካ ኣይኪርሳዕን እዩ። ዘለኣለማዊ ጥቕሚ ኸኣ ኬምጽእ እዩ።—ህዝቅኤል 38:23፣ ራእይ 19:1, 2

‘ወዳጄ: መዓሙቕ ጥበብ ኣምላኽ!’

8. ጳውሎስ እንታይ ረቛሒታት ኣብ ግምት ከነእቱ እዩ ዚምሕጸነና፧

8 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብታ ንሰብ ሮሜ ዝለኣኻ መልእኽቱ “ኣብ ኣምላኽዶ ዓመጻ አሎ፧” ዚብል ሕቶ ኣበገሰ። “ያእ የልቦን” ብምባል ድማ ተሪር መልሲ ሃበ። ድሕርዚ ንምሕረት ኣምላኽ ኣጕልሐ: ነቲ የሆዋ ንፈርኦን ንእተወሰነ እዋን ብህይወት ኪጸንሕ ዝፈቐደሉ ምኽንያት እውን ጠቐሰ። ንሕና ደቅሰብ ኣብ ኢድ ሰራሕ መሬት እንርከብ ጽቡር መሬት ምዃንና ገለጸ። ድሕሪኡ “ኣምላኽከ ቝጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ: ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጾሮም: እዚ ኸኣ ነቶም ቀደም ንኽብሪ ዘዳለዎም ኣቓሑ ምሕረት እቲ ሃብቲ ኽብሩ ምእንቲ ኼፍልጦም: ንኣናውን: ማለት ካብ ኣህዛብ ድማ እምበር: ካብ ኣይሁድ ጥራይ ንዘይኰንና ዝጸውዓና” በለ።—ሮሜ 9:14-24

9. (ሀ) እቶም “ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ” መን እዮም፧ (ለ) የሆዋ ንተጻረርቱ ብዙሕ ዓቕሊ ዘርኣዮም ስለምንታይ እዩ: እዚ ኣብ መወዳእታ ዘምጽኦ ነገራትከ ነቶም ዜፍቅርዎ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

9 ኣብ ኤድን ዕልወት ካብ ዚፍጸም ኣትሒዙ: ንየሆዋን ንሕጉን እተጻረሩ ዘበሉ “ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቝጥዓ” እዮም ኰይኖም። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ዝነበረ እዋን: የሆዋ ዓቕሊ ኣርእዩ እዩ። እኩያት ሰባት ንመገድታቱ ኣላጊጾም: ነገልገልቱ ሰጒጎምዎም: ንወዱ እውን ከይተረፈ ቐቲሎምዎ እዮም። የሆዋ ርእሱ ብምግታእ: ደቅሰብ ካብኡ ምስ ዚዓልዉን ብርእሶም ምስ ዚመሓደሩን እንታይ ሕማቕ ሳዕቤናት ከም ዜምጽኣሎም ኵሉ ፍጥረት ምሉእ ብምሉእ ንኺርኢ እኹል ግዜ ፈቐደ። እዚ ኽሳዕ ዚኸውን ከኣ ሞት የሱስ ነቶም እዙዛት ደቅሰብ ንኺድሕኑን ‘ግብሪ ድያብሎስ ንኺፈርስን’ መገዲ ኸፈተ።—1 ዮሃንስ 3:8፣ እብራውያን 2:14, 15

10. የሆዋ ንእኩያት ኣብ ዝሓለፈ 1,900 ዓመት እተጻወሮም ስለምንታይ እዩ፧

10 የሱስ ካብ ዚትንስእ ኣትሒዙ ኣብ ዝሓለፈ 1,900 ዓመት: የሆዋ ኣብቶም “ኣቓሑ ቝጥዓ” ጥፍኣት ኣብ ክንዲ ዜምጽእ ርእሱ ስለ ዝገትአ: ብተወሳኺ ተጻዊርዎም እዩ። ስለምንታይ፧ ሓደ ምኽንያት ነቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ዚሓብሩ የዳልዎም ብምንባሩ እዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ቍጽሮም 144,000 ኰይኑ: ሃዋርያ ጳውሎስ “ኣቓሑ ምሕረት” ብምባል ተዛሪቡሎም ኣሎ። ፈለማ: ኣይሁድ ነዚ ሰማያዊ ኽፍሊ ንኺመልኡ ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ጻውዒት ቀረበሎም። ድሕሪኡ: ኣምላኽ ነህዛብ ጻውዒት ኣቕረበሎም። የሆዋ ንዋላ ሓደ ኻብዚኣቶም ንኼገልግልዎ ኣየገደዶምን። ንገለ ኻብቶም ንፍቕራዊ ምድላዋቱ ዜማስዉሉ ግን ምስ ወዱ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ሓቢሮም ንኺገዝኡ ፍሉይ ኣጋጣሚ ሃቦም። ነዞም ሰማያዊ ኽፍሊ እዚኣቶም ንምድላው እተገብረ ዕዮ: ሕጂ ዳርጋ ይዛዘም እዩ ዘሎ።—ሉቃስ 22:29፣ ራእይ 14:1-4

11. (ሀ) ኣብዚ እዋን እዚ ኣየኖት ጕጅለ እዮም ካብ ዓቕሊ የሆዋ ዚጥቀሙ ዘለዉ፧ (ለ) ምዉታት ብኸመይ እዮም ኪጥቀሙ፧

11 እቶም ተቐማጦ ምድሪ ደኣኸ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧ የሆዋ ዓቕሊ ብምግባሩ ነቶም ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ “ብዙሓት ሰብ” ንኺእከቡ ኣኽኢሉ እዩ። ኣብዚ እዋን እዚ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ዀይኖም ኣለዉ። እዞም ምድራዊ ኽፍሊ እዚኣቶም ካብ መወዳእታ እዚ ኣገባብ እዚ ድሒኖም ኣብ ምድራዊት ገነት ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸም ዘለዎም ተመባጺዕሎም ኣሎ። (ራእይ 7:9, 10፣ መዝሙር 37:29፣ ዮሃንስ 10:16) ኣብቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ግዜ ኣዝዮም ብዙሓት ምዉታት ኪትንስኡን ምድራውያን ተገዛእቲ እታ ሰማያዊት መንግስቲ ንኪዀኑ ዕድል ኪወሃቦምን እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 24:15 “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን” ምዃኑ ይገልጽ።—ዮሃንስ 5:28, 29

12. (ሀ) የሆዋ ንእከይ ብምጽዋሩ ብዛዕባኡ እንታይ ኢና ተማሂርና፧ (ለ) ብዛዕባ እቲ የሆዋ ነዚ ጕዳያት እዚ ዝሓዘሉ መገዲ ኸመይ ይስምዓካ፧

12 ኣብዚ ዅሉ እተገብረ ምድላዋት ገለ ዓመጻ ወይ ምጕዳል ፍትሒ ኣሎዶ፧ ኣይፋልን: ኣምላኽ ነቶም እኩያት ወይ “ኣቓሑ ቝጥዓ” ንኸየጥፍእ ርእሱ ብምግታኡ: ምስ ዕላማኡ ብምስምማዕ ነቶም ካልኦት ድንጋጽ እዩ ዜርእዮም ዘሎ። እዚ ኸኣ ክሳዕ ክንደይ መሓርን ፈቃርን ምዃኑ እዩ ዜርእየና። ዕላማኡ ኺገሃድ ከሎ ንኽንርኢ ግዜ ስለ ዝረኸብና እውን ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ኢና እንመሃር። ከም እኒ ፍትሑ: ምሕረቱ: ዓቕሉ: ከምኡውን እታ ብዙሕ ዝዓይነታ ጥበቡ ዝኣመሰለ እተፈላለየ ባህርያቱ ኺንጽረልና ኸሎ ንድነቕ ኢና። የሆዋ ነቲ ብዛዕባ ሉዓላውነቱ: ማለት ነቲ ብዛዕባ ንምግዛእ ዘለዎ መሰሉ እተላዕለ ጕዳይ ዝሓዘሉ ጥበባዊ መገዲ: ኣገዛዝኣኡ ዝበለጸ ምዃኑ ንዘለኣለም ምስክር ዚኸውን እዩ። እምበኣር: ምስ ሃዋርያ ጳውሎስ ሓቢርና “ወዳጄ: መዓሙቕ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን: ክንደይ ዘይምርመር ኰታ እዩ ፍርዱ: ክንደይ ብኣሰረ ኣሰር ዘይርከብከ እዩ መገዱ” ንበል።—ሮሜ 11:33

ወፈያና እነርእየሉ ኣጋጣሚ

13. ብስቓይ ክንሓልፍ ከለና: እንታይ ኣጋጣሚ እዩ ዚኽፈተልና: ጥበባዊ ምላሽ ንኽንህበሉ ዚሕግዘናኸ እንታይ እዩ፧

13 ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብእተፈላለየ መገድታት ይሳቐዩ እዮም። እዚ ስቓይ እዚ ኪቕጽል ዝኸኣለ: ኣምላኽ ንእኩያት ኣጥፊኡ ኸምቲ እተነበዮ ንደቅሰብ ናብቲ ናይ መጀመርታ ዅነታቶም ስለ ዘይመለሶም እዩ። በዚ ክንምረር ይግብኣናዶ እዩ፧ ወይስ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ንድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብና ጌርና ኢና እንርእዮ፧ ነቲ “ወደየ: ነቲ ዚጸርፈኒ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ: ጥበበኛ ኹን: ንልበይውን ኣሐጕሶ” ዚብል ምሕጽንታ ወትሩ እንተ ዘይረሲዕናዮ: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣጋጣሚ ኸም ዝረኸብና ጌርና ኢና እንርእዮ። (ምሳሌ 27:11) እቲ ንየሆዋ ዚጸርፎ ዘሎ ሰይጣን: ሰባት ጥሪቶም እንተ ስኢኖም ወይ ኣካላዊ ጕድኣት እንተ ወሪድዎም: ንኣምላኽ ከም ዚወቕስዎ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ከም ዚኽሕድዎ ወይ ከም ዚረግምዎ እዩ ተዛሪቡ። (እዮብ 1:9-11፣ 2:4, 5) ሽግር ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ እሙናት ምስ እንኸውን እሞ: እቲ ሰይጣን ዝኸሰሶ ኽሲ ኣባና ሓቂ ዘይምዃኑ ምስ እነርኢ: ንልቢ የሆዋ ነሐጕሶ።

14. ፈተናታት ከነሕልፍ ከለና ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና: እንታይ ረብሓታት ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧

14 ፈተናታት ከነሕልፍ ከለና ኣብ የሆዋ እንተ ተወኪልና: ተፈታዊ ባህርያት ከነማዕብል ንኽእል ኢና። ንኣብነት: የሱስ በቲ እተሰቀዮ ስቅያት: ቅድሚኡ ብዘይፈልጦ መገዲ “ምእዛዝ ተማህረ።” ንሕናውን ፈተና ኼጋጥመና ኸሎ ዓቕልን ትዕግስትን ብምምዕባል: ንጽድቃዊ ስርዓታት የሆዋ ዘሎና ሞሳን ምርዳእን እናዓመቘ ይኸይድ።—እብራውያን 5:8, 9፣ 12:11፣ ያእቆብ 1:2-4

15. ዜጋጥመና ሽግር ብዓቕሊ ምስ እንኽእሎ: ካልኦት ብኸመይ እዮም ዚጥቀሙ፧

15 ካልኦት ነቲ እንገብሮ ይዕዘብዎ እዮም። ገሊኣቶም ሰባት ንጽድቂ ኻብ ዘሎና ፍቕሪ እተላዕለ ሽግራት ኬጋጥመና ኸሎ ምስ ዚርእዩ: እናሓደሩ ኣብዚ ግዜና ናይ ሓቂ ክርስትያናት መን ምዃኖም ከለልዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ኣምልኾና ምሳና ብምሕባር ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘምጽኦ በረኸት ናይ ምርካብ ተስፋ ይህልዎም። (ማቴዎስ 25:34-36, 40, 46) የሆዋን ወዱን ንሰባት ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ኺረኽቡ እዮም ዚደልይዎም።

16. ብዛዕባ ዜጋጥመና ጸገማት ዘሎና ኣረኣእያ ምስ ሓድነት ዚተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧

16 ኣጸጋሚ ዅነታት ኬጋጥመና ኸሎ ንየሆዋ ዘሎና ተወፋይነት እነርእየሉን ፍቓዱ ኣብ ምፍጻም እንካፈለሉን ኣጋጣሚ ጌርና ኽንርእዮስ ክሳዕ ክንደይ ሰናይ ኰን እዩ! ከምዚ ምግባርና ምስ ኣምላኽን ክርስቶስን ሓድነት ከም ዘሎና እዩ መርትዖ ዚኸውን። የሱስ ምእንቲ ዅሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ናብ የሆዋ ጸለየ:- “ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር: ስለ እዚኣቶም [እቶም ዚቐርብዎ ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ] ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። . . . ዎ ኣቦይ: ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ: ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ: ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ: እልምን አሎኹ።”—ዮሃንስ 17:20, 21

17. ንየሆዋ እሙናት እንተደኣ ዄንና እንታይ ምትእምማን እዩ ኺህልወና ዚኽእል፧

17 ንየሆዋ እሙናት እንተ ዄንና: ዓስብና ኣብዚሑ ኺህበና እዩ። ቃሉ “ጻዕርኹም ብጐይታ ኸንቱ ኸም ዘይኰነ ፈሊጥኩም: ብዕዮ ጐይታ ጽኑዓት: ዘይትናቓነቑ: ኵሉ ጊዜ ዕዙዛት ኩኑ” እዩ ዚብለና። (1 ቈረንቶስ 15:58) “ኣምላኽ ነቲ . . . ግብርኹም ንስሙውን ዝገበርኩምዎ ፍቕርኹም ዚርስዕ ገፋዒ ኣይኰነን” እውን ይብለና። (እብራውያን 6:10) ያእቆብ 5:11 “እንሆ: ነቶም እተዐገሱ ብጹኣን እዮም ንብሎም አሎና። ብዛዕባ ትዕግስቲ እዮብ ሰሚዕኩም አሎኹም: እግዚኣብሄር ከኣ ብዙሕ ለውሃት ዝመልኤን ደንጋጽን እዩ እሞ: ነቲ እግዚኣብሄር ዝገበረሉ መወዳእታ ርኢኹምዎ አሎኹም” ትብል። እዮብ ኣብ መወዳእታ እንታይ እዩ ረኺቡ፧ የሆዋ “ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ።” (እዮብ 42:10-16) እወ: የሆዋ “ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦም” ፍሉጥ እዩ። (እብራውያን 11:6) ኣብ ገነታዊት ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብሲ: ከመይ ዝበለ ብሃንቀውታ ኽንጽብዮ ዘሎና ዓስቢ ዀን እዩ!

18. እዚ ሕጂ ዘሎ ሕማቕ ተዘክሮታት ኣብ መወዳእታ እንታይ ኪኸውን እዩ፧

18 መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ከላ ነቲ ደቅሰብ ኣብ ዝሓለፈ ኣሽሓት ዓመታት ዘውረድዎ ጕድኣት ብምሉኡ ኸተዐርዮ እያ። እቲ ሽዑ እንረኽቦ ሓጐስ ነዚ ሕጂ እነሕልፎ ዘለና ስቓይ ኣጸቢቑ ኺዕብልሎ እዩ። በቲ ኣቐዲምና ዘሕለፍናዮ ስቓይ ዝገደፈልና ሕማቕ ተዘክሮታት ኣይክንርበሽን ኢና። እቶም ኣብ ሓዳስ ዓለም ዚነብሩ ሰባት ኣብ መዓልታዊ ናብራኦም ዚሓስብዎ ሃናጺ ሓሳባትን ዚፍጽምዎ ዜሐጕስ ተግባራትን: ነቲ ሕማቕ ተዘክሮታት በብቝሩብ ኪድምስሶ እዩ። ብዛዕባ እዚ ድማ የሆዋ ኸምዚ በለ:- “እንሆ: ኣነ ሓድሽ ሰማይን [ንሰባት እትገዝእ ሓዳስ ሰማያዊት መንግስቲ] ሓድሽ ምድርን [ጻድቅ ሰብኣዊ ሕብረተሰብ] ክፈጥር እየ እሞ: እቲ ናይ ቀደም ኣይኪዝከርን ኣብ ልቢውን ኣይኪሕሰብን እዩ። ግናኸ እንሆ: . . . በቲ ኣነ ዝፈጥሮስ ክትሕጐሱን ንዘለኣለም ደስ ኪብለኩምን እዩ።” እወ: ኣብ ሓዳስ ዓለም እቶም ጻድቃን ዘበሉ: “ኵላ ምድሪ ዐሪፋ ሀዲኣ አላ: ሰብውን እልል ይብሉ አለዉ” ኺብሉ ኪኽእሉ እዮም።—ኢሳይያስ 14:7፣ 65:17, 18

መመያየጢ ሕቶታት

• የሆዋ እከይ ኪቕጽል እኳ እንተ ፈቀደ: ንስሙ ግን ዓብዪ ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

• ኣምላኽ ነቶም “ኣቓሑ ቝጥዓ” ምጽዋሩ: ምሕረቱ ንኺዝርግሓልና ዘኽኣሎ ብኸመይ እዩ፧

• ብብሕቲ መከራ ኼጋጥመና ኸሎ: ኣብ ምንታይ ንምትኳር ኢና ኽንጽዕር ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 67 ዘሎ ስእልታት]

የሆዋ “ንእዮብ ካብቲ ቐዳማዩስ ነቲ ዳሕራዩ ኣብሊጹ ባረኸሉ”