ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድነት ኣምልኾ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድነት ኣምልኾ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

ምዕራፍ ሓደ

ኣብዚ ግዜና ዘሎ ሓድነት ኣምልኾ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

1, 2. (ሀ) ኣብዚ ግዜና እንታይ ባህ ዜብል ምንቅስቓስ እዩ ዚግበር ዘሎ፧ (ለ) ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት እንታይ ዜደንቕ ተስፋ እዩ ዘለዎም፧

 ኣብዚ ግዜና ኣብ መላእ ምድሪ ንሓድነት ኣምልኾ ዚግበር ባህ ዜብል ምንቅስቓስ ኣሎ። እዚ ሓድነት እዚ ኻብ ኵሎም ኣህዛብ: ዓሌታት: ከምኡውን ቋንቋታት ንእተዋጽኡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ሓደ የሕብሮም ኣሎ። በብዓመቱ ኸኣ ዝያዳ ሰባት ይእከቡ ኣለዉ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ ‘መሰኻኽር’ ብዚብል ዚፍለጡ ኪዀኑ ኸለዉ “ብዙሓት ሰብ” ተባሂሎም ድማ ተጸዊዖም ኣለዉ። ንኣምላኽ እውን “ለይትን መዓልትን የገልግልዎ” ኣለዉ። (ኢሳይያስ 43:10-12፣ ራእይ 7:9-15) ነዚ ዚገብሩ ስለምንታይ እዮም፧ ምኽንያቱ: የሆዋ ንሱ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም። እዚ ድማ ምስቲ ጽድቃዊ መገድታቱ ተሰማሚዖም ንኺመላለሱ ይድርኾም። ኣብ ርእሲ እዚ: ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” እዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኸም ዘሎና: ኣምላኽ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ነዚ ኣገባብ እዚ ኼጥፍኦ ምዃኑ: ከምኡውን ብገነታዊት ሓዳስ ዓለም ኪትክኦ ምዃኑ ይፈልጡ እዮም።—2 ጢሞቴዎስ 3:1-5፣ 2 ጴጥሮስ 3:10-13

2 ቃል ኣምላኽ ነዚ ዚስዕብ መብጽዓታት ኣትዩልና ኣሎ:- “ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።” (መዝሙር 37:10, 11) “ጻድቃን ንሃገር ኪወርስዋ: ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:29) “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”—ራእይ 21:4

3. ናይ ሓቂ ሓድነት ኣምልኾ ብኸመይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

3 እቶም ሕጂ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝሓበሩ: ፈለምቲ ተቐማጦ እታ ሓዳስ ዓለም ኪዀኑ እዮም። ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ተማሂሮም እዮም: ዓቕሞም ብዚፈቕደሎም መጠን ድማ ኣብ ግብሪ የውዕልዎ ኣለዉ። የሱስ እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ኺገልጽ ከሎ “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ” በለ። (ዮሃንስ 17:3) ሃዋርያ ዮሃንስ እውን “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 2:17

እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

4. (ሀ) ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ናብ ሓድነት ኣምልኾ ምእካቦም እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ምእካብ እዚ ዚገልጾ ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብዚ ግዜና ብዙሓት ሰባት ናብ ሓድነት ኣምልኾ ምእካቦም እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧ መወዳእታ እዛ እክይቲ ዓለም ከም ዝቐረበ: ደድሕሪኡ ድማ ኣምላኽ ዘዳለዋ ሓዳስ ዓለም ከም እትመጽእ ንጹር መርትዖ እዩ ዚዀነና። ብዛዕባ እዚ ኣገዳሲ ናይ ምእካብ ዕዮ ዚገልጽ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ብዓይንና ኢና እንርኢ ዘሎና። ሓደ ኻብዚ ትንቢታት ከምዚ ይብል:- “በተን ዳሕሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ: እቲ ደብሪ ቤት እግዚኣብሄር [እቲ ኽብ ዝበለ ናይ ሓቂ ኣምልኾ] ኣብ ርእሲ ኣኽራን [ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ይኹን ካልእ ዓይነት ኣምልኾ] ኪጸንዕ: . . . እዩ። ህዝብታት ድማ ናብኡ ኺውሕዙ እዮም። . . . ብዙሓት ህዝብታት ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄርን ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብን ንደይብ: ንሱ ኸኣ ጐደናታቱ ኺምህረና እዩ: ንሕናውን ብመገድታቱ ኽንመላለስ ኢና: ከኣ ኪብሉ እዮም።”—ሚክያስ 4:1, 2፣ መዝሙር 37:34

5, 6. (ሀ) ኣህዛብ ናብ የሆዋ ይምለሱ ኣለዉ ኺበሃል ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ንርእስና እንታይ ሕቶታት ኢና ኽንሓትት ዘሎና፧

5 ኣህዛብ ብምሉኦም ናብቲ መንፈሳዊ ቤት ኣምልኾ የሆዋ ይኸዱ እኳ እንተ ዘየለዉ: ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ውልቀ-ሰባት ግን ይእከቡ ኣለዉ። ብዛዕባ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዘለዎ ፍቕራዊ ዕላማን ብዛዕባ እቲ ዚምስጥ ባህርያቱን ምስ ተማህሩ: ልቦም እዮም ዚትንከፉ። ትሕት ኢሎም ከኣ ኣምላኽ እንታይ ብቕዓታት ከማልኡ ኸም ዚደልዮም ኪፈልጡ ይጽዕሩ። ከምቲ “ንስኻ ኣምላኸይ ኢኻ እሞ: ምግባር ፍቓድካ ምሀረኒ” ኢሉ ዝጸለየ ጸሓፍ መዝሙር ኢሎም ድማ ይጽልዩ።—መዝሙር 143:10

6 ንስኻኸ ንርእስኻ ኻብቶም የሆዋ ናብ ሓድነት ኣምልኾ ዚእክቦም ዘሎ ብዙሓት ሰብ ከም ዝዀንካ ጌርካ ዲኻ እትርእያ፧ ነቲ ኻብ ቃሉ እተዋህበካ መምርሒታት ዘሎካ ኣቀባብላ: ካብ የሆዋ ኸም ዝመነጨ ብሓቂ ኸም እተገንዘብካዮ ዘርኢ ድዩ፧ ክሳዕ ክንደይከ ኢኻ ‘ብመገድታቱ እትመላለስ፧’

እዚ ብኸመይ እዩ ኺርከብ ዚከኣል፧

7. (ሀ) ኣብ መወዳእታ ሓድነት ኣምልኾ ንመን ዜጠቓልል እዩ ኪኸውን፧ (ለ) ውዓል ሕደር ከይበልና ሓደ ኻብቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ሰባት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና: ካልኦት ነዚ ስጕምቲ እዚ ንኺወስዱኸ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧

7 የሆዋ ዅሎም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንኺሓብሩ እዩ ዕላማኡ። ኵሎም እቶም ህያዋን ዘበሉ ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዜምልኹሉ እዋንስ ክሳዕ ክንደይ ኰን ኢና ሃረር ኢልና እንጽበዮ! (መዝሙር 103:19-22) ኣብቲ ደረጃ እቲ ቕድሚ ምብጻሕና ግን የሆዋ ንዅሎም እቶም ነቲ ጽድቃዊ ፍቓዱ ምግባር ዚኣብዩ ኼጥፍኦም እዩ። እንተዀነ ግን: መሓሪ ብምዃኑ ኣብ ብዘላ ዓለም ዚርከቡ ሰባት መገዶም ንኪቕይሩ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ምእንቲ ኺረኽቡ: ነቲ ዚገብሮ ነገራት ኣቐዲሙ ይነግር እዩ። (ኢሳይያስ 55:6, 7) ስለዚ: ኣብዚ ግዜና “ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን . . . እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ: ነቲ ሰማይን ምድርን ባሕርን ዓይኒ ማያትን ዝገበረ ስገዱሉ” ዚብል ህጹጽ ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ። (ራእይ 14:6, 7) ነዚ ጻውዒት እዚ ተቐቢልካዮዶ፧ እንተ ተቐቢልካዮ: ንስኻውን ብግዴኻ ኻልኦት ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንኺፈልጥዎን ንኼምልኽዎን ክትጽውዕ ሓላፍነት ኣሎካ።

8. መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተመሃርና: እንታይ ተወሳኺ ዕቤት ንምግባር ኢና ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና፧

8 የሆዋ በቶም ኣብኡ ንኣምን ኢና እናበሉ ንርእሶም ቃሕ ዚብሎም ዚገብሩ ሰባት ኪምለኽ ዕላማኡ ኣይኰነን። ርጡብ “ፍልጠት ፍቓዱ” ረኺቦም ኣብ ህይወቶም ኬንጸባርቕዎ እዩ ዚደልዮም። (ቈሎሴ 1:9, 10) በዚ ምኽንያት እዚ: እቶም ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ እተማህሩ መማሰውቲ ሰባት ናብ ክርስትያናዊ ብስለት ኪበጽሑ እዮም ዚደልዩ። ንየሆዋ ኣጸቢቖም ንኺፈልጥዎ: ብዛዕባ ቓሉ ዘለዎም ምርዳእ ንኼስፍሑን ንኼዕምቑን: ከምኡውን ኣብ ህይወቶም ብዝያዳ ንኺዓዩሉ እዩ ባህጎም። ባህርያት እቲ ሰማያዊ ኣቦና ኼንጸባርቑን ንዅሉ ነገራት በረኣእያኡ ኺርእዩን እዮም ዚጽዕሩ። እዚ ድማ ኣብቲ ኣብዚ ግዜና ኣብ ምድሪ ዚፍጸም ዘሎ የሆዋ ዘካይዶ ህይወት ናይ ምድሓን ዕዮ ንምስታፍ መገድታት ኬናድዩ ይድርኾም። ንስኻኸ ኸምዚ ዓይነት ባህጊ ድዩ ዘሎካ፧—ማርቆስ 13:10፣ እብራውያን 5:12–6:3

9. ኣብዚ ግዜና ናይ ሓቂ ሓድነት ኪርከብ ዚከኣል ብኸመይ እዩ፧

9 መጽሓፍ ቅዱስ እቶም ንየሆዋ ዜገልግልዎ ሓድነት ዘለዎም ህዝቢ ኪዀኑ ኸም ዘለዎም ይሕብር። (ኤፌሶን 4:1-3) ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ እተኸፋፈለት ዓለም እንነብርን ምስ ዘይፍጽምናና እንቃለስን እኳ እንተዀንና: እዚ ሓድነት እዚ ኣብዚ ግዜና ኺህሉ ኣለዎ። የሱስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ ንኪዀኑ: ማለት ናይ ሓቂ ሓድነት ንኺህልዎም ብዕቱብ ጸለየ። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ቀዳማይ: ምስ የሆዋን ወዱን ጽቡቕ ርክብ ኪህልዎም ማለት ኪኸውን ከሎ፣ ካልኣይ ድማ ኣብ ንሓድሕዶም ሓድነት ኪህልዎም ማለት እዩ። (ዮሃንስ 17:20, 21) ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ: እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ የሆዋ ንህዝቡ ዚምህረላ ማሕበር ኰይና ተገልግል ኣላ።

ንሓድነት ኣበርክቶ ዚገብር ረቛሒታት እንታይ እዩ፧

10. (ሀ) ነቲ ንዓና ዚትንክፈና ሕቶታት መልሲ ንምርካብ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ከለና እንታይ ኢና እነማዕብል፧ (ለ) ነዚ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ ዘሎ ሕቶታት ብምምላስ ንክርስትያናዊ ሓድነት ኣበርክቶ ዚገብር ረቛሒታት መርምር።

10 ንሓድነት ኣምልኾ ኣበርክቶ ዚገብር ሸውዓተ ቐንዲ ረቛሒታት ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ኣሎ። ነቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ሕቶታት ክትምልስ ከለኻ: ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ነቲ ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾትካን ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ከም ዚጸልዎ ሕሰበሉ። ነዚ ነጥብታት እዚ ምስ እትመራመረሉን ነቲ እንታይ ከም ዚብል ዘይተገልጸ ጥቕስታት ገንጺልካ ምስ እተንብቦን ነቲ ንዅላትና ዜድልየና ከም እኒ ጥበብ ኣምላኽ: ናይ ምሕሳብ ክእለት: ምስትውዓል ዝኣመሰለ ባህርያት ኣብ ምምዕባል ኣበርክቶ ኺገብረልካ እዩ። (ምሳሌ 5:1, 2፣ ፊልጲ 1:9-11) እምበኣር ነዚ ረቛሒታት እዚ በብሓደ ርኣዮ።

(1) የሆዋ ጽቡቕን ክፉእን ኣየናይ ምዃኑ ንኺሰርዓልና መሰል ከም ዘለዎ ኣፍልጦ ንህበሉ ኢና። “ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተአመን: ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ: ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ: ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።”—ምሳሌ 3:5, 6

ውሳነታት ክንገብር ከለና: ካብ የሆዋ ምኽርን መምርሕን እንደሊ ስለምንታይ ኢና፧ (መዝሙር 146:3-5፣ ኢሳይያስ 48:17)

(2) ብቓል ኣምላኽ ኢና እንምራሕ። “ነቲ ብኣና እተሰብከ ቓል ኣምላኽ ምስ ተቐበልኩምዎ . . . ከምቲ ብሓቂ ዀይንዎ ዘሎ ቓል ኣምላኽ እምበር: ከም ቃል ሰብ ስለ ዘይተቐበልኩምዎ: ንሕና ኸየብኰርና ንኣምላኽ ነመስግኖ አሎና።”—1 ተሰሎንቄ 2:13

ቅኑዕ ኰይኑ “እተሰምዓና” ጥራይ ምግባር እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧ (ምሳሌ 14:12፣ ኤርምያስ 10:23, 24፣ 17:9)

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ መዳይ እንታይ ማዕዳ ኸም ዚህብ እንተ ዘይፈሊጥና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ምሳሌ 2:3-5፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17)

(3) ሓደ ዓይነት መንፈሳዊ ምግቢ ኢና እንምገብ። “ኵላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም።” (ኢሳይያስ 54:13) “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ [ጥፍኣት] እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ።”—እብራውያን 10:24, 25

እቶም ነቲ የሆዋ ንመንፈሳዊ ምግቢ ብዚምልከት ዝገበሮ ምድላው ምሉእ ብምሉእ ዚጥቀሙሉ እንታይ ረብሓታት እዮም ዚረኽቡ፧ (ኢሳይያስ 65:13, 14)

(4) መራሒና ሰብ ዘይኰነስ የሱስ ክርስቶስ እዩ። “ንስኻትኩም ግና: መምህርኩም ሓደ እዩ እሞ: መምህራን ኣይትብሀሉ: ንስኻትኩምሲ ዅልኹም ኣሕዋት ኢኹም። ኣቦኹም: እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ: ሓደ እዩ እሞ: ኣብ ምድሪ ንሓደ እኳ ኣቦይ ኣይትበሉ። መራሒኹም ሓደ እዩ: ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ: ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ።”—ማቴዎስ 23:8-10

ካብ ካልኦት ከም እንበልጽ ኰይኑ ኺስምዓና ግቡእ ድዩ፧ (ሮሜ 3:23, 24፣ 12:3)

(5) ንመንግስቲ ኣምላኽ እንኮ ተስፋ ደቅሰብ ከም ዝዀነት ጌርና ኢና እንርእያ። “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ: ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ። መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ: ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን። ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ።”—ማቴዎስ 6:9, 10, 33

‘ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ምድላይና’ ንሓድነትና ዚዕቅቦ ብኸመይ እዩ፧ (ሚክያስ 4:3፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12)

(6) መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኣምለኽቲ የሆዋ ንክርስትያናዊ ሓድነት ኣገዳሲ ዝዀነ ባህርያት የፍሪ። “እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ: ሓጐስ: ዕርቂ: ዓቕሊ: ለውሃት: ሕያውነት: እምነት: ህድኣት: ይአኽለኒ ምባል እዩ።”—ገላትያ 5:22, 23

መንፈስ ኣምላኽ ኣባና ፍሬኡ ንኼፍሪ እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧ (ግብሪ ሃዋርያት 5:32)

መንፈስ ኣምላኽ ምስ ዚህልወና እቲ ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዘሎና ርክብ ብኸመይ እዩ ዚጽሎ፧ (ዮሃንስ 13:35፣ 1 ዮሃንስ 4:8, 20, 21)

(7) ኵሎም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ: ብስራት መንግስቱ ይሰብኩ እዮም። “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።”—ማቴዎስ 24:14

ኣብ ዕዮ ስብከት ምሉእ ተሳትፎ ንኺህልወና ድራኸ ኼሕድረልና ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ማቴዎስ 22:37-39፣ ሮሜ 10:10)

11. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኣብ ህይወትና ምስ እንዓየሉ እንታይ ጽልዋ እዩ ዚህልዎ፧

11 ንየሆዋ ብሓድነት ምስ እነምልኾ ናብኡ ብዝያዳ ንቐርብ: ምስ ክርስትያናት ብጾትና ድማ ባህ ዜብል ርክብ ይህልወና። መዝሙር 133:1 “እንሆ: ኣሕዋት ብሓደ ሐቢሮም ኪነብሩስ: ክንደይ ሰናይን ክንደይ ጥዑምን እዩ” ትብል። ካብዛ ስስዐን ርኽሰትን ዓመጻን ዝመልኣ ዓለም ርሒቕና ምስቶም ንየሆዋ ብሓቂ ዜፍቅርዎን ሕግታቱ ዚሕልዉን ሰባት ምእካብሲ ክንደይ ባህ ዜብል ኰን እዩ!

ምፍልላይ ኬምጽእ ካብ ዚኽእል ጽልዋታት ርሓቕ

12. ካብቲ ብርእሰይ ክምራሕ ዚብል መንፈስ ክንርሕቕ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

12 ነዚ ኽቡር ዓለምለኻዊ ሓድነትና ምእንቲ ኸይነበላሹ: ምፍልላይ ኬምጽኣልና ኻብ ዚኽእል ጽልዋታት ክንርሕቕ ኣሎና። ሓደ ኻብቲ ጽልዋ ኼሕድር ዚኽእል ነገራት: እቲ ኻብ ኣምላኽን ሕግታቱን ተፈሊና ብርእስና ኽንምራሕ ዚብል መንፈስ እዩ። የሆዋ እዚ መንፈስ እዚ ምንጩ ኻብ ሰይጣን ድያብሎስ ምዃኑ ብምቕላዕ ካብኡ ንኽንርሕቕ ይሕግዘና እዩ። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 12:9) ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ኣምላኽ ዝበሎም ሓዲጎም ምስ ፍቓዱ ዚጻረር ውሳነታት ንኺገብሩ ጽልዋ ዝገበረሎም ሰይጣን እዩ። እዚ ኸኣ ንዓታቶም ኰነ ንዓና መዓት እዩ ኣስዒቡልና። (ዘፍጥረት 3:1-6, 17-19) እዛ ዓለም እዚኣ ኻብ ኣምላኽን ሕግታቱን ተፈሊና ብርእስና ኽንምራሕ ብዚብል መንፈስ ዝመልአት እያ። ስለዚ: እዚ መንፈስ እዚ ንኸይቈጻጸረና ልጓም ክንገብረሉ ኣሎና።

13. ኣብታ ኣምላኽ ዘዳለዋ ጽድቂ ዚሰፍነላ ሓዳስ ዓለም ንኽንነብር ብሓቂ ድሉዋት ምዃንና ወይ ዘይምዃንና ዘርኢ እንታይ እዩ፧

13 ንኣብነት: የሆዋ ነዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም በቲ “ጽድቂ ዚነብረሉ” ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንምትካእ ዝኣተዎ ባህ ዜብል መብጽዓ እሞ ሕስብ ነብሎ። (2 ጴጥሮስ 3:13) እዚ መብጽዓ እዚ ኣብቲ ጽድቂ ዚሰፍነሉ እዋን ንምንባር ምድላዋት ንኽንገብር ኪድርኸናዶ ኣይግባእን፧ ከምዚ ኺበሃል ከሎ ነቲ “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ንጹር ማዕዳ ምስዓብ ማለት እዩ። (1 ዮሃንስ 2:15) ስለዚ: ካብቲ ብርእሰይ ክምራሕ ዚብል ኣረኣእያ: ካብቲ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ዚብል ባህሪ: ከምኡውን ካብቲ ርኽሰትን ዓመጻን ዜጠቓልል መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ንርሕቕ ኢና። ዘይፍጽምናና ናብ ካልእ መገዲ ኺመርሓና እንተ ደፋፍኣና እውን: ወትሩ ንየሆዋ ንሰምዖን ካብ ልብና ንእዘዞን ኢና። ልብናን ቀልብናን ፍቓድ ኣምላኽ ኣብ ምግባር ዘተኰረ እንተደኣ ዀይኑ: ኣብ ኣነባብራና ኺንጸባረቕ እዩ።—መዝሙር 40:8

14. (ሀ) ብዛዕባ መገድታት የሆዋ ንኽንመሃር ዝረኸብናዮ ኣጋጣሚ ሕጂ ኽንጥቀመሉን በቲ እተመሃርናዮ ኽንመላለስን ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) እቲ ኣብዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ ዘሎ ጥቕስታት ንዓና ብደረጃ ውልቀ-ሰብ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዎ፧

14 የሆዋ ነዚ እኩይ ኣገባብ እዝን ንዅሎም እቶም ብመገድታት እዛ ዓለም እዚኣ ዚመላለሱን ኬጥፍእ ዝመደቦ ግዜ ምስ ኣኸለ: ኣይከደናጕዮን እዩ። ነቶም ብፍርቂ ልቦም ፍቓድ ኣምላኽ እናተማህሩን እናገበሩን ናብ ዓለም ኪጠብቁ ዚጽዕሩ ሰባት ንኺጥዕሞም ኢሉ: ነቲ ዝመደቦ ግዜ ንኻልእ እዋን ኣይኬመሓላልፎን ወይ ስርዓታቱ ኣይኪቕይርን እዩ። ስጕምቲ ኽንወስደሉ ዘሎና ግዜ ሕጂ እዩ! (ሉቃስ 13:23, 24፣ 17:32፣ 21:34-36) እምበኣር: ብዙሓት ሰብ በዚ ብሉጽ ኣጋጣሚ እዚ ተጠቒሞም: የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ኣቢሉ ዚህቦም መምርሒ ንኺረኽቡ ልባዊ ጻዕሪ ኺገብሩ ከምኡውን ብመገድታቱ ኣቢሎም ናብ ሓዳስ ዓለም ብሓባር ኪጐዓዙ ምርኣይሲ ኽንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብዝፈልጠና መጠን: ብዝያዳ ነፍቅሮ: ብዝያዳ ድማ ከነገልግሎ ንደሊ።

መመያየጢ ሕቶታት

• የሆዋ ንኣምልኾ ብዚምልከት እንታይ ዕላማ እዩ ዘለዎ፧

• መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተመሃርና: እንታይ ተወሳኺ ዕቤት ንምግባር ኢና ልባዊ ጻዕሪ ኽንገብር ዘሎና፧

• ምስ ካልኦት ኣምለኽቲ የሆዋ ሓድነት ንኺህልወና: ብውልቅና እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

“ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም: ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ”