ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቤትካ በምልኾ ተመላለስ

ኣብ ቤትካ በምልኾ ተመላለስ

ምዕራፍ ዓሰርተው ሸውዓተ

ኣብ ቤትካ በምልኾ ተመላለስ

1. ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መምርሒ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ንሓዳር ብዙሓት ሰባት ዝተንከፎ ብኸመይ እዩ፧

 የሆዋ መስራቲ ሓዳር እዩ: ቃሉ ድማ ንስድራቤታት እቲ ዝበለጸ መምርሒ ሒዙ ኣሎ። ሓያሎ ሰባት ነዚ መምርሒ እዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓሎም: ጸቡቕ ሓዳር መስሪቶም ኣለዉ። ገሊኣቶም ተኣኻኺቦም ዚነብሩ ዝነበሩ እኳ ኸይተረፉ ንሓዳሮም ሕጋዊ ዀይኑ ኸም ዚምዝገብ ብምግባር ዚነኣድ ተግባር ፈጺሞም እዮም። ገሊኣቶም ከኣ ካብ ሓዳሮም ወጻኢ ዚፍጽምዎ ዝነበሩ ጾታዊ ርክብ ኣቋሪጾምዎ እዮም። ነንስቶምን ንደቆምን ዚሃስዩ ዝነበሩ ሕሱማት ሰብኡት: ሕያዎትን ለዋሃትን ኪዀኑ ተማሂሮም እዮም።

2. ኣብ ናብራ ክርስትያናዊት ስድራቤት እንታይ ነገራት እዩ ዚጠቓለል፧

2 ናብራ ክርስትያናዊት ስድራቤት ብዙሕ ነገራት እዩ ዜጠቓልል። ገለ ኻብዚ ኸኣ ሓዳር ነባሪ ብዛዕባ ምዃኑ ዘሎና ኣረኣእያ: ኣብ ስድራቤትና ዘሎና ሓላፍነት ንምፍጻም እንታይ ከም እንገብር: ከምኡውን ንኣባላት ስድራቤትና ብኸመይ ከም እንሕዞም ኪጥቀስ ይከኣል። (ኤፌሶን 5:33–6:4) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናብራ ስድራቤት እንታይ ከም ዚብል ንፈልጥ እኳ እንተዀንና: ንምኽርታቱ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ ግን ቀሊል ኣይኰነን። ዋላ ሓደ ኻባና: ከምቶም ትእዛዛት ኣምላኽ ብምጥሓሶም የሱስ ዝዀነኖም ሰባት ክንከውን ኣይንደልን ኢና። እቶም ሰባት እቲኣቶም ‘ንሃይማኖትካ ውፉይ ምዃን ጥራይ እኹል እዩ’ ዚብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ነበሮም። (ማቴዎስ 15:4-9) መልክዕ ኣምልኾ ዘሎና ግን ከኣ ኣብ ቤትና ዘይንዓየሉ ኽንከውን ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: ነቲ “ዓብዪ ረብሓ” ዘለዎ ኣምልኾ ብሓቂ ኸነንጸባርቕ ኢና እንደሊ።—1 ጢሞቴዎስ 5:4፣ 6:6፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:5

ሓዳር ክሳዕ መዓስ እዩ ዚጸንሕ፧

3. (ሀ) መብዛሕትኡ ሓዳር እንታይ የጋጥሞ ኣሎ: እንታይ ንምግባር ግን ኢና ቘራጽነት ኪህልወና ዘለዎ፧ (ለ) ብመጽሓፍ ቅዱስካ ጌርካ ነዚ ኣብ ትሕቲ እዛ ሕጡብ ጽሑፍ እዚኣ ዘሎ ሕቶታት መልስ።

3 ምብትታን ሓዳር ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናወሰኸ እዩ ዚኸይድ ዘሎ። ንሓያሎ ዓመታት ብሓባር ዚነብሩ ዝነበሩ ገሊኣቶም ሰብ ሓዳር: ተፋቲሖም ካልእ ኪምርዓዉ ይውስኑ። ሓደስቲ እተመርዓዉ ሰብ ሓዳር ድሕሪ ሓጺር እዋን ተፈላልዮም ዚብል ወረ ምስማዕ እውን ልሙድ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ካልኦት ዚገብርዎ ብዘየገድስ: ንየሆዋ ኸነሐጕሶ ባህጊ ኺህልወና ይግባእ። እምበኣር: ቃል ኣምላኽ ሓዳር ክሳዕ መዓስ ኪጸንሕ ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ እንታይ ከም ዚብል ንምፍላጥ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታትን ጥቕስታትን ንርአ።

ሰብኣይን ሰበይትን ኪምርዓዉ ኸለዉ: ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ብሓባር ኪነብሩ ኢሎም እዮም ኪሓስቡ ዘለዎም፧ (ማርቆስ 10:6-9፣ ሮሜ 7:2, 3)

ተፋቲሕካ ኻልእ ክትምርዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነሉ ምኽንያት እንታይ ጥራይ እዩ፧ (ማቴዎስ 5:31, 32፣ 19:3-9)

የሆዋ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቃሉ ዘይተፈቕደ ፍትሕ ከመይ ይስምዖ፧ (ሚልክያስ 2:13-16)

መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓዳር ጸገማት ኬጋጥም ከሎ ምፍልላይ መፍትሒ ኸም ዝዀነ ድዩ ዚገልጽ፧ (1 ቈረንቶስ 7:10-13)

ኣብ ትሕቲ ኸመይ ዝበለ ዅነታት እዩ ምፍልላይ ኪፍቀድ ዚከኣል፧ (መዝሙር 11:5፣ ሉቃስ 4:8፣ 1 ጢሞቴዎስ 5:8)

4. ገሊኡ ሓዳር ነባሪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧

4 ገሊኡ ሓዳር ጽቡቕን ነባርን እዩ። ስለምንታይ ግን እዩ ኸምኡ ዚኸውን፧ ሓደ ኻብቲ ረቛሒታት እቶም ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ደረጃ ብስለት ክሳዕ ዚበጽሑ ከይተመርዓዉ ምጽናሖም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ እቲ ዜገድሰካ ነገራት ዚግደስን ብግልጺ ዚዛራረብን ሰብ ምርካብ እውን ኣገዳሲ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ግን ንየሆዋ ዜፍቅሮን ንቓሉ ጸገማት ንምፍታሕ ዚሕግዝ ብምዃኑ ዜኽብሮን መጻምድቲ ምርካብ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። (መዝሙር 119:97, 104፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ዋላ እውን እንተ ዘይቀደዎ: ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን ኪፈላለ ወይ ኪፋታሕ ከም ዚኽእል ገይሩ ኣይሓስብን። ብጕድለት መጻምድቱ ብምምኽናይ ሓላፍነታቱ ኣይድርብን። የግዳስ: ካብ ጸገማት ከይሃደመ እዩ ፍታሕ ዚረክብ።

5. (ሀ) ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ኣብ ሓዳር እንታይ ግደ ኣለዎ፧ (ለ) ዋላውን ምጽራር ኬጋጥም ከሎ: ንስርዓታት የሆዋ ብምሓዝ እንታይ ረብሓታት ኪርከብ ይከኣል፧

5 ሰይጣን: እንተ ተሸጊርና መገድታት የሆዋ ኸም እንሓድግ ገይሩ እዩ ዚኸሰና። (እዮብ 2:4, 5፣ ምሳሌ 27:11) ብሰንኪ ዚጻረር መጻምድቶም ብዙሕ ሽግር ዘሕለፉ መብዛሕትኦም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግን በዚ ምኽንያት እዚ ቓል ኪዳኖም ኣየፍረሱን። ንየሆዋን ንትእዛዛቱን እሙናት ኰይኖም እዮም። (ማቴዎስ 5:37) ገለ ኻብዚኣቶም ስለ ዘይተሓለሉ: እቲ መጻምድቶም ንሓያሎ ዓመታት ድሕሪ ምጽራር ምሳታቶም ሓቢሩ ንየሆዋ ኼገልግል ጀሚሩ እዩ። (1 ጴጥሮስ 3:1, 2) ኣብ መጻምድቶም ዋላ ሓንቲ ለውጢ ዘይረኣዩ ወይ ንየሆዋ ብምምላኾም መጻምድቶም ጠንጢንዎም ዝኸደ ክርስትያናት እውን ኣብ ቤቶም በምልኾ ብምምልላሶም በረኸት ከም ዚረኽቡ ይፈልጡ እዮም።—መዝሙር 55:22፣ 145:16

ነፍሲ ወከፍ እጃሙ ምብርካት

6. ዕዉት ሓዳር ንኺህልወካ: ነየናይ ስርዓት ኢኻ ኸተኽብሮ ዘሎካ፧

6 ልክዕ እዩ: ዕዉት ሓዳር ንኺህልወካ ብሓባር ምንባር ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። እቶም ሰብ ሓዳር ክልቲኦም ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ ስርዓት ርእስነት ኣኽብሮት ኪህልዎም ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቤት ጽቡቕ ስርዓትን ሰላምን ንኺሰፍን ኣበርክቶ ይገብር። ኣብ 1 ቈረንቶስ 11:3 “ርእሲ ሰብኣይ ዘበለ ክርስቶስ: ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስቶስውን ኣምላኽ” ዚብል ነንብብ።

7. ኣብ ስድራቤት ዘሎ ርእስነት ብኸመይ እዩ ኺዕየየሉ ዘለዎ፧

7 ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ መጀመርታ እንታይ ከም እተጠቕሰ ኣስተብሂልካሉዶ፧ እወ: ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ኪግዝኦ ዘለዎ ርእሲ ኣለዎ: እዚ ድማ ክርስቶስ እዩ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ: ሰብኡት ንርእስነቶም ባህርያት የሱስ ብዜንጸባርቕ መገዲ ኺጥቀሙሉ ኣለዎም ማለት እዩ። ክርስቶስ ንየሆዋ ይግዝኦ: ንማሕበሩ ኣጸቢቑ የፍቅራ: ዜድልያ ዘበለ ድማ የማልኣላ። (1 ጢሞቴዎስ 3:15) በዚ ኸይተሓጽረ ድማ “ርእሱ በጃኣ ሀበ።” የሱስ ኵሩዕን ዘይሓልን ዘይኰነስ: ‘ለዋህን ትሑት ዝልቡን’ እዩ። እቶም ንርእስነቱ ዚግዝኡ ‘ንነፍሶም ዕረፍቲ እዮም ዚረኽቡ።’ ሰብኣይ ንስድራቤቱ በዚ ኸምዚ ምስ ዚሕዝ: ንክርስቶስ ይግዛእ ከም ዘሎ እዩ ዜርኢ። ከምዚ ኪኸውን ከሎ ኸኣ ክርስትያን ሰበይቲ ምስ ሰብኣያ ብምትሕብባርን ንርእስነቱ ተገዛኢት ብምዃንን ትጥቀም: ዕረፍቲ ድማ ትረክብ።—ኤፌሶን 5:25-33፣ ማቴዎስ 11:28, 29፣ ምሳሌ 31:10, 28

8. (ሀ) ክርስትያናዊ ኣገባብ ምጥቃም ኣብ ገሊኡ ስድራቤታት እቲ ዚድለ ፍረ ዘየምጽእ ኪመስል ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ምስ ዜጋጥመና እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

8 ይኹን እምበር: ጸገም ከም ዘጋጥም ፍሉጥ እዩ። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ነቲ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ኼውዕሉ ቕድሚ ምጅማሮም: ብኻልኦት ክትምራሕ ንዚብል ሓሳብ ሱር ዝሰደደ ጽልኢ ይህልዎም ይኸውን። ብሕያውነት ሓደ ነገር ምሕታትን ብፍቕራዊ መገዲ ምምልላስን ፍረ ዘየፍሪ ይመስል ይኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ “ነድርን ኵራን ታዕታዕን ጸርፍን” ካባና ኸነርሕቕ ከም ዚእዝዘና ንፈልጥ ኢና። (ኤፌሶን 4:31) ገሊኣቶም ኣባላት ስድራቤትካ ብዘይካ ብቘየቋ ብኻልእ ዘይርድኦም መሲሉ እንተ ተራእዩካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ የሱስ ነገሩ ነቦኡ ኣሕሊፉ ደኣ ሃበ እምበር: ነቶም ዜፈራርሁ ወይ ዚጻረፉ ኣይመሰሎምን። (1 ጴጥሮስ 2:22, 23) ስለዚ: ኣብ ቤትካ ፈታኒ ዅነታት ኪለዓል ከሎ: ብመገድታት ዓለም ኣብ ክንዲ እትመላለስ: ሓገዙ ንኺህበካ ናብ የሆዋ ብምጽላይ ከም እተምልኾ ኣርኢ።—ምሳሌ 3:5-7

9. ብዙሓት ክርስትያን ሰብኡት ጕድለት ኣብ ክንዲ ምእራይ: እንታይ ኪገብሩ እዮም ተማሂሮም፧

9 ቅልጡፍ ለውጢ እኳ እንተ ዘይተራእየ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ብዓቕልን ብትግሃትን ኣብ ግብሪ ምስ ዚውዕል ግን ብርግጽ ይዓዪ እዩ። ብዙሓት ሰብኡት ብዛዕባ እቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘለዎ ኣተሓሕዛ ብዝያዳ ኺርድኦም ምስ ጀመረ: ሓዳሮም ኪመሓየሽ ይጅምር። እዛ ማሕበር እዚኣ ብፍጹማት ሰባት ዝቘመት እኳ እንተ ዘይኰነት: የሱስ ግን የፍቅራ: ሰናይ ኣብነት ይዀና: ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይሩ ኸኣ ንኽትመሓየሽ ይሕግዛ። ምእንቲ ማሕበሩ ኢሉ ህይወቱውን ኣሕሊፉ ሂቡ እዩ። (1 ጴጥሮስ 2:21) እቲ ዝገደፎ ኣብነት ንብዙሓት ክርስትያን ሰብኡት ኣብ ስድራቤቶም ንርእስነቶም ብጽቡቕ ንኺጥቀሙሉ የተባብዖም: ሓዳሮም ንምምሕያሽ ድማ ፍቕራዊ ሓገዝ ይዀኖም። እዚ ኸኣ ጕድለት ካብ ምእራይ ወይ ኰርፈፍ ካብ ምባል ዚሓይሽ ፍረ ኣለዎ።

10. (ሀ) ሓደ ሰብኣይ (ሓንቲ ሰበይቲ) ክርስትያን እየ ዚብል እኳ እንተዀነ: ኣብ ቤቱ ንኻልኦት ዜሸግር ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ነዚ ዅነታት እዚ ንምምሕያሽ እንታይ ኪግበር ይከኣል፧

10 ሓደ ሰብኣይ ንስድራቤቱ ብስምዒታዊ መዳይ ዜድልያ ነገራት ዘይርድኦ ወይ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስን ካልእ ንጥፈታትን ንምምይያጥ ተበግሶ ዘይወስድ እንተ ዀይኑኸ፧ ወይ ከኣ ሓንቲ ሰበይቲ ዘይትተሓባበርን ንኣምላኽ ዘይትግዛእን እንተ ዀነትከ፧ ገሊኣቶም ብዛዕባ እዚ ጸገማት እዚ ብደረጃ ስድራቤት ምይይጥ ብምግባር ጽቡቕ ፍረ ረኺቦም እዮም። (ዘፍጥረት 21:10-12፣ ምሳሌ 15:22) ይኹን እምበር: ዋላ እኳ ኸምቲ ትጽቢት እተገብረሉ ፍረ እንተ ዘይተረኽበ: ነፍሲ ወከፍና ንፍረ መንፈስ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ብምፍራይን ንኻልኦት ኣባላት ስድራቤትና ሓልዮት ብምርኣይን ኣብ ቤትና ዝሓሸ ሃዋሁ ኸም ዚሰፍን ክንገብር ንኽእል ኢና። (ገላትያ 5:22, 23) ምምሕያሽ ኪህሉ ዚኽእል: ካልእ ሰብ ስጕምቲ ንኺወስድ ብምጽባይ ዘይኰነስ: እጃምና ብምግባር: በዚ ኸምዚ ድማ በምልኾ ብምምልላስ እዩ።—ቈሎሴ 3:18-21

መልሲ ኣበይ ከም ዚርከብ

11, 12. ኣብ ናብራ ስድራቤትና ዕዉታት ንኽንከውን የሆዋ እንታይ እዩ ኣዳልዩ ዘሎ፧

11 ሰባት ኣብ ጕዳያት ስድራቤት ምኽሪ ደልዮም ናብ እተፈላለየ ምንጭታት ይኸዱ እዮም። ንሕና ግን ቃል ኣምላኽ እቲ ዝበለጸ ማዕዳ ሒዙ ኸም ዘሎ ንፈልጥ: ኣምላኽ ብማሕበሩ ኣቢሉ ነቲ ማዕዳ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎ ስለ ዚሕግዘና ድማ ነማስወሉ ኢና። ካብዚ ሓገዝ እዚ ምሉእ ብምሉእዶ ትጥቀም ኣሎኻ፧—መዝሙር 119:129, 130፣ ሚክያስ 4:2

12 ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኣብ ርእሲ ምእካብ: ኣዘውቲርኩም ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብሩሉ እተወሰነ ግዜ መዲብኩምዶ፧ ከምዚ ዚገብሩ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ኣምልኾኦም ሓድነት እዩ ዚህልዎም። ቃል ኣምላኽ ኪዓዩሉ ኸለዉ: ናብራ ስድራቤቶም እናተመሓየሸ እዩ ዚኸይድ።—ዘዳግም 11:18-21

13. (ሀ) ንጕዳይ ስድራቤት ዚምልከት ሕቶታት እንተልዩና: መብዛሕትኡ ግዜ ኻበይ ኢና ሓገዝ ክንረክብ እንኽእል፧ (ለ) ኣብ ኵሉ እቲ እንገብሮ ውሳነታት እንታይ እዩ ኺንጸባረቕ ዘለዎ፧

13 ብዛዕባ ጕዳያት ስድራቤት ሕቶታት ኪህልወካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ ምቍጽጻር ወሊድ እንታይ ክንብል ንኽእል፧ ምንጻል ጥንሲ ቕቡል ዝዀነሉ ዅነታት ኣሎ ድዩ፧ ሓደ ቘልዓ ንመንፈሳዊ ጕዳያት ብዙሕ ተገዳስነት እንተ ዘይብሉ: ኣብቲ እታ ስድራቤት እትፍጽሞ ኣምልኾ ኽሳዕ ክንደይ ንኺሳተፍ እዩ ኺእዘዝ ዘለዎ፧ መብዛሕትኡ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚሓትምዎ ጽሑፋት ተገሊጹ ኣሎ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጽናዕ ዚሕግዝ ጽሑፋት ኰነ መሐበሪታት ብኸመይ ከም እትጥቀመሉ ተምሃር። እቲ ኣብ መሐበሪታት እተጠቕሰ ጽሑፍ እንተ ዘይብልካ: ኣብቲ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚርከብ ቤተ-መጻሕፍቲ ኽትርኢ ትኽእል ኢኻ። ወይ ድማ ነዚ ጽሑፋት እዚ ኣብ ኮምፕዩተርካ ኽትረኽቦ ትኽእል ትኸውን። ሕቶታትካ ምስ ብሱላት ክርስትያን ሰብኡትን ኣንስትን እውን ክትመያየጠሉ ትኽእል ኢኻ። እንተዀነ ግን: ንዅሉ ሕቶታትካ እዚ ግበር ወይ እዚ ኣይትግበር ዚብል መልሲ ኣይትጸበ። መብዛሕትኡ እዋን ብብሕትኻ ወይ ምስ መጻምድትኻ ዄንካ እንታይ ክትገብር ከም ዘሎካ ባዕልኻ ኽትውስን ኣሎካ። እምበኣር: ኣብ ቅድሚ ኻልኦት ሰባት ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ቤትካውን በምልኾ ኸም እትመላለስ ዜርኢ ውሳነታት ግበር።—ሮሜ 14:19፣ ኤፌሶን 5:10

መመያየጢ ሕቶታት

• ንየሆዋ ዘሎና ተኣማንነት ምስቲ ንመጻምድትና ዘሎና ተኣማንነት ዚተኣሳሰር ብኸመይ እዩ፧

• ኣብ ስድራቤት ብሰንኪ ዜጋጥም ጸገማት ጸቕጢ ኺወርደና ኸሎ: ንኣምላኽ ዜሐጕስ ነገር ንኽንገብር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧

• ዋላ እኳ ኻልኦት ኣባላት ስድራቤትና እንተ በደሉና: ነቲ ዅነታት ንምምሕያሽ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 155 ዘሎ ስእሊ]

ሰብኣይ ዘለዎ ርእስነት ንባህርያት የሱስ ዜንጸባርቕ ኪኸውን ኣለዎ

[ኣብ ገጽ 157 ዘሎ ስእሊ]

ምስ ስድራቤትካ ኣዘውቲርካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር ሓድነት የምጽእ