“ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ትሀሉኹም”
ምዕራፍ ዓሰርተው ሽዱሽተ
“ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ትሀሉኹም”
1. መብዛሕትኡ ግዜ ሓደስቲ ሰባት ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኪመጹ ኸለዉ እንታይ እዩ ዚምስጦም፧
ሰባት ንመጀመርታ ግዜ ናብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ዚመጹሉ እዋን: በታ ኣብኡ ዚርእይዋ ፍቕሪ ይምሰጡ። ነዚኣ ድማ ኣብቲ ዚግበረሎም ጽቡቕ ኣቀባብላን ልባዊ ምቅርራብን ይዕዘብዋ። ናብ ኣውራጃዊ ኣኼባታትና ዚመጹ በጻሕቲውን ነዛ ፍቕሪ እዚኣ የስተብህሉላ እዮም። ሓደ ጋዜጠኛ ብዛዕባ ሓደ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኸምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- ‘ብሓሽሽ ወይ ብኣልኮላዊ መስተ ዝደንዘዘ ዋላ ሓደ ኣይነበረን። ዓውዓው ዚብል ኰነ ዚጭድር ኣይነበረን። ዚዳፋእ ኰነ ዚጓነጽ ኣይነበረን። ዚምሕል ኰነ ዚራገም ኣይነበረን። ጸዩፍ ዋዛ ዀነ ርኹስ ዘረባ ዚዛረብ ኣይነበረን። ዋላ ሓደ ሽጋራ ዜትክኽ: ዚሰርቕ: ኣብቲ ሳዕሪ ታኒካ ዚድርቢ ኣይነበረን። ብሓቂ ፍልይ ዝበለ እዩ ነይሩ።’ እዚ ዅሉ: መርኣያ እታ “ኣይተስተሐፍርን: ናታ ኣይትደልን” እተባህለት ፍቕሪ እዩ።—1 ቈረንቶስ 13:4-8
2. (ሀ) ፍቕሪ ብዛዕባ ምንጽብራቕ ዝመጸ እናወዓለ እናሓደረ ንጹር ኪኸውን ዘለዎ እንታይ እዩ፧ (ለ) ንክርስቶስ ብምምሳል እንታይ ዓይነት ፍቕሪ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧
2 ሕውነታዊት ፍቕሪ መለለዪት ናይ ሓቂ ክርስትያናት እያ። (ዮሃንስ 13:35) ብመንፈስ እናዓበና ምስ ከድና: ፍቕሪ ብዝያዳ ምግላጽ ኢና እንመሃር። ሃዋርያ ጳውሎስ ፍቕሪ ክርስትያናት ብጾቱ “እናበዝሔ ኪኸይድ” ጸለየ። (ፊልጲ 1:9) ሃዋርያ ዮሃንስ ከኣ ፍቕርና ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ክትከውን ከም ዘለዋ ኣርኣየ። ብዛዕባ እዚ ኣመልኪቱ “[ወዲ ኣምላኽ] ንህይወቱ ኣብ ክንዳና ስለ ዘሕለፈ: በዚ ንፍቕሪ ንፈልጣ አሎና። ንሕናውን ኣብ ክንዲ ኣሕዋት ህይወትና ኸነሕልፍ ይግብኣና እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 3:16፣ ዮሃንስ 15:12, 13) ብሓቂዶ ግን ህይወትና ኣብ ክንዲ ኣሕዋትና ነሕልፍ ኢና፧ መብዛሕትኡ ግዜ ኸምዚ ኽንገብር ዜድልየሉ ዅነታት ዘይፍጠር እኳ እንተዀነ: ኣብ ዘይጥዕመና ዅነታትውን ይኹን ንኽንሕግዞም ክሳዕ ክንደይ ኢና እንጽዕር፧
3. (ሀ) ፍቕርና ብዝያዳ ኽንገልጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ለ) ንሓድሕድና ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኽትህልወና ዘለዋ ስለምንታይ እዩ፧
3 ኣብ ርእሲ እቲ ጥቕሚ ርእስና ኸም እንስውእ ዜንጸባርቕ ተግባራትና: ነሕዋትና ኻብ ልብና ኽንፈትዎም ኣሎና። ቃል ኣምላኽ “ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ” ብምባል ይምሕጸነና። (ሮሜ 12:10) ኵላትና ንገሊኣቶም ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ኣሎና። እንተዀነ ግን: ንኻልኦትውን ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምፍታው ስምዒት ከነሕድር ንኽእልዶ፧ መወዳእታ እዚ ኣረጊት ኣገባብ እናቐረበ ኪኸይድ ከሎ: ናብ ክርስትያናት ብጾትና ብዝያዳ ኽንቀርብ ኣሎና። ብዛዕባ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ “መወዳእታ ዅሉ ነገር ቀሪቡ። . . . ፍቕሪ ብዝሒ ሓጢኣት ትኸድን እያ እሞ: ቅድሚ ኹሉ ኣብ ንሓድሕድኩም ሃልሃል እትብል ፍቅሪ ትሀሉኹም” ይብለና።—1 ጴጥሮስ 4:7, 8
ጸገማት ኪለዓል ከሎ
4. (ሀ) ኣብቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ሰባት ጸገማት ዚለዓል ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ሓድሓደ ግዜ ኽንገብሮ እንደሊ ነገራት ካብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ እተፈልየ ኪኸውን ከሎ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚብለና ምግባሩ እንታይ ጽቡቕ ፍረ ኣለዎ፧
4 ዘይፍጹማት ክሳዕ ዝዀንና ንኻልኦት ዜጕሂ ነገራት እንገብረሉ እዋን ከም ዘሎ ፍሉጥ እዩ። ኣሕዋትናውን ብእተፈላለየ መገዲ ኺብድሉና ይኽእሉ እዮም። (1 ዮሃንስ 1:8) ከምዚ እንተደኣ ኣጋጢሙካ: እንታይ ኢኻ ኽትገብር ዘሎካ፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣድላዪ መምርሒ ይህበና እዩ። እቲ ዚብለና ነገራት ግን ካብቲ ንሕና ዘይፍጹማት ሰባት ክንገብሮ እንደሊ እተፈልየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 7:21-23) ይኹን እምበር: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ምኽሪ ተጊህና ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ: ንየሆዋ ንኸነሐጕሶ ልባዊ ባህጊ ኸም ዘሎና እዩ ዜርኢ። ከምዚ ምስ እንገብር: ነታ ንኻልኦት ዘላትና ፍቕሪውን ከም እትዓቢ ይገብራ።
5. ሓደ ሰብ ምስ ዚጐድኣና: ሕነ ኽንፈዲ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
5 ሰባት ኪጕድኡ ኸለዉ: ሓድሓደ ግዜ ነቲ ዝበደሎም ሰብ ሕነ ዚፈድዩሉ መገድታት የናድዩ እዮም። እዚ ግን ነቲ ዅነታት የጋድዶ ደኣ እምበር ኣየመሓይሾን እዩ። ምፍዳይ ሕነ ንኣምላኽ ክንገድፎ ኣሎና። (ምሳሌ 24:29፣ ሮሜ 12:17-21) ገሊኣቶም ከኣ ምስቲ ዝበደሎም ሰብ ዝነበሮም ርክብ ምሉእ ብምሉእ የቋርጹ። እንተዀነ ግን: ተቐባልነት ኣምልኾና ብኸፊል ኣብቲ ነሕዋትና ዘሎና ፍቕሪ ስለ ዚምርኰስ: ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዝነበረና ርክብ ምሉእ ብምሉእ ክንበትኮ የብልናን። (1 ዮሃንስ 4:20) ስለዚ ድማ: ጳውሎስ “ንሓድሕድኩም እናተጻወርኩም: እቲ ሓደ ኣብቲ ሓደ ኽሲ እንተለዎ: ይቕረ ተባሃሀሉ። ከምቲ ክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም: ንስኻትኩምውን ከምኡ ይቕረ በሉ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 3:13) ከምዚ ኽትገብር ትኽእልዶ፧
6. (ሀ) ነሕዋትና ኽንደይ ሳዕ ኢና ይቕረ ኽንብል ዘሎና፧ (ለ) ካልኦት ኪብድሉና ኸለዉ ኽንሓድገሎም እንኽእል ብዛዕባ ርእስና እንታይ ምስ እንርዳእ እዩ፧
6 ሓደ ሰብ ብተደጋጋሚ ምስ ዚብድለና እሞ እቲ በደሉ ኻብ ጉባኤ ዜወግዶ ኸቢድ ሓጢኣት ምስ ዘይከውን እንታይ ኢና እንገብር፧ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንእስ ዝበለ ሓጢኣት: “ሾብዓተ” ግዜ ኺሓድግ ሓሳብ ኣቕረበ። የሱስ ግን “ክሳዕ ሰብዓ ሳዕ ሾብዓተ እምበር: ክሳዕ ሾብዓተ ሳዕ ኣይብለካን” ኢሉ መለሰሉ። ነቲ ሰባት ዚብድሉና ምስቲ ንሕና ንኣምላኽ እንብድሎ ኺወዳደር ከሎ: እቲ ንሕና እንብድሎ ኣዝዩ ብዙሕ ምዃኑ ኣጕልሐ። (ማቴዎስ 18:21-35) ሓጢኣት ንገብር ከም ዘሎና ኸይተፈለጠና: ብብዙሕ መገድታት መዓልታዊ ንኣምላኽ ንብድሎ ኢና። ገለ ኻብዚ ድማ ስስዐ ዝመልኦ ተግባራትና: እንዛረቦ ወይ እንሓስቦ ነገራት: ወይውን ክንገብሮ ዝነበረና ነገራት ዘይምግባርና ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ሮሜ 3:23) ይኹን እምበር: ኣምላኽ ወትሩ እዩ ምሕረት ዚገብረልና። (መዝሙር 103:10-14፣ 130:3, 4) ንሕናውን ንኻልኦት በደሎም ክንሓድገሎም እዩ ዚደልየና። (ማቴዎስ 6:14, 15፣ ኤፌሶን 4:1-3) ከምዚ ምስ እንገብር: ነታ “ኣይትቕየምን” እተባህለላ ዓይነት ፍቕሪ ኢና እነንጸባርቕ።—1 ቈረንቶስ 13:4, 5፣ 1 ጴጥሮስ 3:8, 9
7. ሓደ ሓው ብኣና ቕር እንተ ኢልዎ እንታይ ክንገብር ንኽእል፧
7 ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሓውና ቒም እኳ እንተ ዘይብልና: ንሱ ግን ብኣና ቕር ከም ዝበሎ እነስተውዕለሉ እዋን ኣሎ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ: ከምቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 4:8 ተገሊጹ ዘሎ ‘ብፍቕሪ ጌርና ኽንከድኖ’ ወይ ከኣ ተበግሶ ብምውሳድ ከነዘራርቦን ናብ ሰላማዊ ርክብና ንኽንምለስ ክንጽዕርን ንኽእል ኢና።—ማቴዎስ 5:23, 24
8. ሓድሓደ ግዜ ሓደ ክርስትያን ብጻይና ዜጕህየና ነገር እንተ ገይሩ: እንታይ ኢና ኽንገብር እንኽእል፧
8 ሓደ ክርስትያን ብጻይ ንዓኻ ጥራይ ዘይኰነስ ንኻልኦትውን ዜጕሂ ነገር ይገብር ይኸውን። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ ምዝርራቡዶ ጽቡቕ ኸይኰነ፧ ምናልባት ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ብብሕቲ ቐሪብካ ነቲ ጸገም ብሕያውነት እንተ ገሊጽካሉ: እዚ ጽቡቕ ፍረ የፍሪ ይኸውን። እንተዀነ ግን: መጀመርታ ንርእስኻ ‘ብሓቂዶ ምስ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚጋጮ ነገር እዩ ዚገብር ዘሎ፧ ወይስ እቲ ጸገም ዚፍጠር ዘሎ ብዓብዪኡ መበቈለይን ኣተዓባብያየይን ካብ ናቱ እተፈልየ ስለ ዝዀነ እዩ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ኣሎካ። ባዕልኻ ስርዓታት ኣውጺእካ: ብእኡ ጌርካ ኸይትፈርድ ተጠንቀቕ። (ያእቆብ 4:11, 12) ኣምላኽ መበቆሎም ብዘየገድስ ንዅሎም ሰባት ይቕበል: ብመንፈስ ኪዓብዩ ኸለዉ ድማ ዓቕሊ የርእዮም እዩ።
9. (ሀ) ኣብ ጉባኤ ኸቢድ ሓጢኣት ኪፍጸም ከሎ: ነቲ ጕዳይ ዚከታተሎ መን እዩ፧ (ለ) እቲ እተበደለ ፈለማ ስጕምቲ ኺወስድ ሓላፍነት ዚህልዎ ኣብ ከመይ ዝበለ ዅነታት እዩ: ዕላማኡኸ እንታይ እዩ ኪኸውን ዘለዎ፧
9 ሓደ ኣባል ጉባኤና ኸም እኒ ጾታዊ ርኽሰት ዝኣመሰለ ኸቢድ ኣበሳ ምስ ዚፍጽም: ቅልጡፍ ቈላሕታ ኺግበረሉ ኣለዎ። መን እዩ ግን ነዚ ኺከታተሎ ዘለዎ፧ ሽማግለታት እዮም ኪከታተልዎ ዚግባእ። (ያእቆብ 5:14, 15) ይኹን እምበር: ሓደ ሰብ ንስራሕ ብዚምልከት ጕዳያት: ንልሳን ብጐዳኢ መገዲ ብምጥቃሙ: ወይ ብኻልእ መገዲ ገይሩ ንኻልእ ውልቀ-ሰብ ምስ ዚጐድእ: ፈለማ እቲ እተበደለ ነቲ በዳሊ ብብሕቱ ኼዘራርቦ ኣለዎ። (ማቴዎስ 18:15) እቲ ጕዳይ በዚ እንተ ዘይተፈቲሑ: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 18:16, 17 ተገሊጹ ዘሎ ተወሳኺ ስጕምትታት ኪውሰድ ይግባእ። ነቲ እተጋገየ ሓውና ዘላትና ፍቕርን ‘ንኽንረብሖ’ ዘሎና ባህግን ነዚ ጕዳይ እዚ ልቡ ብዚትንክፍ መገዲ ንኽንገብሮ የኽእለና።—ምሳሌ 16:23
10. ጸገም ኪፍጠር ከሎ: ነቲ ጕዳይ ግቡእ ኣረኣእያ ንኺህልወና ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
10 ንእሽቶ ይኹን ዓብዪ ብዘየገድስ ጸገም ኪፍጠር ከሎ: የሆዋ ነቲ ጕዳይ ብኸመይ ከም ዚምልከቶ ኽንርዳእ እንተ ጽዒርና ንጥቀም ኢና። የሆዋ ዝዀነ ይኹን ሓጢኣት ስለ ዚጸልእ: ነቶም ከቢድ ሓጢኣት ፈጺሞም ዘይንስሑ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ ኻብ ማሕበሩ ኼውጽኦም እዩ። ይኹን እምበር: ኵላትና ብእተወሰነ ደረጃ ኸም እንሓጥእን ዓቕሉን ምሕረቱን ከም ዜድልየናን ኣይንረስዕ። ስለዚ: ካልኦት ሓጢኣት ኪፍጽሙ ኸለዉ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና የሆዋ ኣብነት ገዲፉልና ኣሎ። መሓርቲ ምስ እንኸውን: ፍቕሩ ነንጸባርቕ ኣሎና ማለት እዩ።—ኤፌሶን 5:1, 2
ፍቕርኻ ‘ንኸተግፍሕ’ መገድታት ኣናዲ
11. ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ ፍቕሮም ‘ኬግፍሑ’ ዜተባብዖም ስለምንታይ እዩ፧
11 ጳውሎስ ነታ ኣብ ቈረንቶስ: ግሪኽ: ዝነበረት ጉባኤ ኣብ ምህናጽ ኣዋርሕ ኣሕለፈ። ነቶም ኣብኡ ዚርከቡ ኣሕዋት ንምሕጋዝ ኣበርቲዑ ዓየየ: የፍቅሮምውን ነበረ። ገሊኣቶም ግን ንዕኡ ፍቕሪ ይጐድሎም ነበረ። ኣመና ነቐፍቲ ነበሩ። በዚ ምኽንያት እዚ ፍቕሮም ‘ኬግፍሑ’ ተማሕጸኖም። (2 ቈረንቶስ 6:11-13፣ 12:15) እምበኣር: ኵላትና ንኻልኦት ፍቕርና እንገልጸሉ መጠን ምስ እንምርምርን ነዚ እነግፍሓሉ መገዲ ምስ እነናድን ሰናይ እዩ።—1 ዮሃንስ 3:14
12. ነታ ንዅሎም ኣባላት ጉባኤና ዘላትና ፍቕሪ ኸነዕብያ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
12 ኣብ ጉባኤና ኽንቀርቦም ዚኸብዱና ሰባት ኣለዉዶ፧ ከምቲ ንዓና ኺገብሩልና እንደልዮም: ነቲ ኣብ ባህርያትና ዘሎ ፍልልይ ክንሽፍኖ እንተ ጽዒርና: ኣብ መንጎና ዘሎ ርክብ ኪድልድል ይኽእል። ብዘይካዚ: ነቲ ጽቡቕ ባህርያቶም ንጥምትን ኣብኡ ነተኵርን እንተደኣ ዄንና: ንዓታቶም ዘሎና ስምዒት ኪመሓየሽ ይኽእል እዩ። እዚ ብርግጽ ነቲ ንዓታቶም ዘሎና ፍቕሪ ኸም ዚዓቢ ኺገብሮ እዩ።—ሉቃስ 6:32, 33, 36
13. ምስቶም ኣብ ጉባኤና ዚርከቡ ሰባት ብኸመይ ፍቕርና ኸነግፍሕ ንኽእል፧
13 ልክዕ እዩ: እቲ ንኻልኦት ክንገብሮ እንኽእል ነገራት ደረት ኣለዎ። ኵሉ ሳዕ ንነፍሲ ወከፍ ናብ ጉባኤ ዚመጽእ ሰብ ሰላም ክንብል ኣይንኽእልን ንኸውን። ንፈተውትና ኽንዕድሞም ከለና: ንዅሉ ሰብ ክንጽውዕ ኣይንኽእልን ንኸውን። እንተዀነ ግን: ንሓደ ኣባል ጉባኤና ብዝያዳ ንኽንፈልጦ ሒደት ደቓይቕ ብምሕላፍ ፍቕርና ኸነግፍሕ ንኽእልዶ፧ ንሓደ ኣጸቢቕና ዘይንፈልጦ ክርስትያን ኣብ ኣገልግሎት ሓቢርና ንምግልጋል ክንዕድሞ ንኽእልዶ፧
14. ምስ ዘይንፈልጦም ክርስትያናት ክንከውን ከለና: ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኸም ዘላትና ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧
14 ክርስትያናዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ፍቕርና ንኸነግፍሕ ዜኽእል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ይኸፍተልና እዩ። በሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ ኣኼባ ይመጹ ይዀኑ። ምስ ኵላቶም ክንራኸብ ዘይንኽእል እኳ እንተ ዀንና: ንርእስና ዚጥዕመና ዘይኰነስ: ንድሕንነቶም ከም እንሓሊ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ኣብ ዕረፍቲ ተበግሶ ወሲድና ምስቶም ኣብ ጥቓና ዘለዉ ሰባት ብምልላይ ብብሕቲ ኸም እንግደሰሎም ከነርኢ ንኽእል ኢና። ሓደ መዓልቲ ዅሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት: ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ሓቢሮም ብምምላኽ ኣሕዋትን ኣሓትን ኪዀኑ እዮም። ንሓድሕድና ኽንፋለጥስ ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ሓጐስ ኰን እዩ ዜምጽእ! እታ ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ነዚ ንኽንገብር ትድርኸና እያ። ስለዚ: ንምንታይ ካብ ሕጂ ዘይንጅምሮ፧
መመያየጢ ሕቶታት
• ኣብ መንጎ ክርስትያናት ዚለዓል ጸገም ብኸመይ እዩ ኺፍታሕ ዘለዎ: ስለምንታይከ፧
• ብመንፈስ እናዓበና ኽንከይድ ከለና: ፍቕርና ብኸመይ እዩ ኺዓቢ ዘለዎ፧
• ነቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ጥራይ ዘይኰነስ: ንኻልኦትውን ሃልሃል እትብል ፍቕሪ ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 148 ዘሎ ስእሊ]
ክርስትያናዊት ፍቕሪ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ኰነ ኣብ ካልእ መዳያት ብብዙሕ መገድታት እያ እትንጸባረቕ