ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ

እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ

ምዕራፍ ኣርባዕተ

እቲ ዅሎም ነብያት ዝመስከሩሉ

1. የሱስ ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ዝነበረሉ ዅነታት ብዛዕባ እቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ እንታይ እዩ ዚሕብረና፧

 “ኣቦ ንወዱ የፍቅሮ እዩ እሞ: ንሱ ዚገብሮ ዘበለ ዅሉ ድማ የርእዮ።” (ዮሃንስ 5:20) እቲ ወዲ ምስ የሆዋ ኣቦኡ ኸመይ ዝበለ ናይ ማሕርሮ ርክብ ኰን እዩ ዘለዎ! እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ጥብቂ ርክብ ካብቲ ሰብ እተፈጥረሉ እዋን ኣዝዩ ብዙሕ ዘመናት ኣቐዲሙ እቲ ወዲ ኣብ እተፈጥረሉ እዋን እዩ ጀሚሩ። ብቐጥታ ብየሆዋ እተፈጥረ ንሱ በይኑ ብምዃኑ: ሓደ ወዲ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዘሎ ኻልእ ነገራት በቲ ፍቑር በዅሪ ወዲ ኣምላኽ እዩ ተፈጢሩ። (ቈሎሴ 1:15, 16) ፍቓድ ኣምላኽ ንኻልኦት ዚግለጸሉ መትረብ ብምዃኑ: ቃል ኣምላኽ ወይ ኣፈኛ ዀይኑ እውን ኣገልጊሉ እዩ። እዚ ኣምላኽ ኣጸቢቑ ዚፈትዎ ወዲ: ሰብ ኰይኑ የሱስ ክርስቶስ ተባህለ።—ምሳሌ 8:22-30፣ ዮሃንስ 1:14, 18፣ 12:49, 50

2. ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዚገልጾ፧

2 እቲ በዅሪ ወዲ ኣምላኽ ብተኣምራዊ መገዲ ናብ ማሕጸን ቅድሚ ምምሕልላፉ: ብዛዕባኡ ሓያሎ ትንቢታት ተመዝጊቡ ነበረ። ሃዋርያ ጴጥሮስ እኳ ንቆርኔሌዎስ “ኵሎም ነብያት ይምስክሩሉ አለዉ” በሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:43) እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ እተጻሕፈ ነገራት ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ሓደ መልኣኽ ንሃዋርያ ዮሃንስ “ምስክር የሱስ እቲ መንፈስ ትንቢት እዩ” ብምባል ገለጸ። (ራእይ 19:10) እዚ ትንቢታት እዚ መሲህ ምዃኑ ብንጹር እዩ ዚገልጾ። ኣብቲ ዕላማታት ኣምላኽ ኣብ ምፍጻም ዚህልዎ እተፈላለየ ግደ ድማ ከም እነተኵር ይገብረና። እዚ ዅሉ ንዓና ኣጸቢቑ ኼገድሰና ኣለዎ።

ትንቢታት ዝገለጾ ነገራት

3. (ሀ) ኣብቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ዘሎ ትንቢት እታ ‘ሰበይቲ’ ንመን ተመልክት: እቲ ‘ዘርኢ እቲ ተመንከ’ ንመን የመልክት፧ (ለ) ‘ንርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ’ ነገልገልቲ የሆዋ ኣጸቢቑ ዜገድሶም ስለምንታይ እዩ፧

3 ነዚ ዚምልከት ናይ መጀመርታ ትንቢት: ደድሕሪ እቲ ኣብ ኤድን እተፈጸመ ዕልወት እዩ ተዘሪቡ። የሆዋ ነቲ ተመን “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ” በሎ። (ዘፍጥረት 3:15) እዚ ትንቢት እዚ ነቲ ብተመን እተመሰለ ሰይጣን እተዘርበ እዩ። እታ ‘ሰበይቲ’ ተባሂላ ዘላ እታ ንየሆዋ ኸም እምንቲ ሰበይቱ ዝዀነት ሰማያዊት ማሕበሩ እያ። ‘ዘርኢ እቲ ተመን’ ኵሎም እቶም መንፈስ ሰይጣን ዜንጸባርቑ: ንየሆዋን ህዝቡን ከኣ ዚጻረሩ መላእኽትን ሰባትን እዮም። ‘እቲ ተመን ርእሱ ኽጭፍለቕ’ ኪበሃል ከሎ: ኣብ መወዳእታ እቲ ንየሆዋ ዘጸለሞን ንደቅሰብ መግደራ ዜምጸኣሎምን ዓለወኛ ሰይጣን ኪጠፍእ ምዃኑ የመልክት። ቀንዲ ኽፋል እቲ ዚጭፍልቕ ‘ዘርኢ’ ደኣኸ መን እዩ፧ እዚ ንሓያሎ ዘመናት ቅዱስ “ምስጢር” ኰይኑ ጸንሐ።—ሮሜ 16:20, 25, 26

4. መስመር ወለዶ የሱስ እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ ምዃኑ ንኸነለልዮ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

4 ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ኣስታት 2,000 ዓመት ጸኒሑ: የሆዋ ተወሳኺ ዝርዝር ነገራት ገለጸ። እቲ ዘርኢ ኻብ መስመር ወለዶ ኣብርሃም ከም ዚመጽእ ገለጸ። (ዘፍጥረት 22:15-18) ይኹን እምበር: እቲ ናብቲ ዘርኢ ዚወስድ መስመር ወለዶ: ኣብ ስጋዊ ውልደት ዘይኰነስ ኣብ ምርጫ ኣምላኽ እዩ ዚምርኰስ። ኣብርሃም ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ እስማኤል የፍቅሮ እኳ እንተ ነበረ: የሆዋ ግን “ምስቲ: ሳራ . . . እትወልደልካ: ይስሃቅ ኪዳነይ ከቕውም እየ” በሎ። (ዘፍጥረት 17:18-21) ጸኒሑ እዚ ኺዳን እዚ ናብቲ በዅሪ ወዲ ይስሃቅ ዝዀነ ኤሳው ዘይኰነስ: ናብቲ 12 ነገዳት እስራኤል ዝወለደ ያእቆብ ተመሓላለፈ። (ዘፍጥረት 28:10-14) ድሕሪ ግዜ ድማ እቲ ዘርኢ ኻብ ነገድ ይሁዳ: ካብ መስመር ወለዶ ዳዊት ከም ዚመጽእ ተሓበረ።—ዘፍጥረት 49:10፣ 1 ዜና መዋእል 17:3, 4, 11-14

5. የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ምስ ጀመረ: መሲህ ምዃኑ ንጹር ዝገበሮ እንታይ እዩ፧

5 ብዛዕባ መንነት እቲ ዘርኢ እንታይ ካልእ ሓበሬታ እዩ እተዋህበ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ልዕሊ 700 ዓመት ኣቐዲሙ ንቤት-ልሄም እቲ መብጽዓ እተገብረሉ ዘርኢ: ሰብ ኰይኑ ዚውለደላ ቦታ ምዃና ሓቢሩ ነይሩ። እቲ ዘርኢ “ኻብ ዘለኣለም:” ማለት ካብቲ ኣብ ሰማይ እተፈጥረሉ ዘይተወሰነ ግዜ ምዃኑ ብምግላጽ ኣቐዲሙ ኸም ዝነበረ እውን ተሓበረ። (ሚክያስ 5:2) እቲ መሲህ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዚመጸሉ ግዜ እውን ብነብዪ ዳንኤል ብልክዕ ተገሊጹ ነይሩ። (ዳንኤል 9:24-26) የሱስ እቲ የሆዋ ዚሸሞ መሲህ ብምዃን ብመንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐብአ: ካብ ሰማይ ዝመጸ ድምጺ: ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ ብንጹር ገለጾ። (ማቴዎስ 3:16, 17) እምበኣር: እቲ ዘርኢ መን ምዃኑ ተፈልጠ! ስለዚ ድማ ፊልጶስ ብምትእምማን “እቲ: ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ . . . ረኺብናዮ” ኺብል ከኣለ።—ዮሃንስ 1:45

6. (ሀ) ብመሰረት ሉቃስ 24:27 ሰዓብቲ የሱስ እንታይ እዮም ኬስተውዕሉ ዝጀመሩ፧ (ለ) እቲ ቐንዲ ኽፋል ‘ዘርኢ እታ ሰበይቲ’ መን እዩ: ርእሲ እቲ ተመን ምጭፍላቕ ኪበሃል ከሎኸ እንታይ ማለት እዩ፧

6 ድሕርዚ ሰዓብቲ የሱስ ብዛዕባኡ ሓያሎ ትንቢታት ኣብ ቅዱሳት ጽሕፋት ተሰዂዑ ኸም ዚርከብ ኣስተውዓሉ። (ሉቃስ 24:27) የሱስ እቲ ቐንዲ ኽፋል እቲ ንሰይጣን ብምጥፋእ ንርእሲ እቲ ተመን ዚጭፍልቕ ‘ዘርኢ እታ ሰበይቲ’ ምዃኑ እውን ንጹር ኰነ። ብየሱስ ኣቢሉ ዅሉ እቲ ብሃረርታ እንጽበዮ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዝኣተዎ መብጽዓታት ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:20

7. ነቲ ብትንቢታት ተመልኪቱ ዘሎ ምፍላጡ ጥራይ ዘይኰነስ: እንታይ ምስ እነስተውዕል እውን እዩ ጠቓሚ ዚኸውን፧

7 ነዚ ምፍላጥና ብኸመይ እዩ ኺትንክፈና ዘለዎ፧ ሓደ ስሉብ ኢትዮጵያዊ ብዛዕባ ምምጻእ እቲ መድሓንን እቲ መሲህን ዚገልጽ ትንቢት ከም ዘንበበ መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና። እቲ ዜንብቦ ዝነበረ ኺርድኦ ስለ ዘይከኣለ ነቲ ወንጌላዊ ፊልጶስ “እቲ ነብዪ ብዛዕባ መን እዩ እዚ ዚብል ዘሎ፧” ኢሉ ሓተቶ። መልሲ ምስ ረኸበ ግን እቲ ነገር ብእኡ ኣየብቅዐን። ነቲ ፊልጶስ ዝሃቦ መረዳእታ ጽን ኢሉ ድሕሪ ምስማዕ: ነቲ ፍጻሜኡ ዝረኸበ ትንቢት ካብ ዘለዎ ሞሳ ተበጊሱ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዚግብኦ ኣስተውዓለ። ኪጥመቕ ከም ዘለዎ ድማ ተረድኦ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:32-38፣ ኢሳይያስ 53:3-9) ንሕናኸ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ንወስድ ዲና፧

8. (ሀ) ኣብርሃም ንይስሃቅ ንኺስውኦ ዝገበሮ ፈተነ ናይ ምንታይ ጽላሎት እዩ፧ (ለ) የሆዋ ንኣብርሃም ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርኡ ኺባረኹ ምዃኖም ዝነገሮ ስለምንታይ እዩ: ንዓናኸ ብኸመይ እዩ ዚምልከተና፧

8 ኣብርሃም ነቲ ሳራ ዝወለደትሉ ይስሃቅ ዚበሃል ሓደ ወዱ ንኺስውእ ዝገበሮ ፈተነ እሞ ሕስብ ኣብሎ። (ዘፍጥረት 22:1-18) እዚ ነቲ የሆዋ ሓደ ወዱ ብምሃብ ዝፈጸሞ ነገር ጽላሎት እዩ ነይሩ። “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:16) እዚ ኸኣ ከምቲ ኣምላኽ ዕላማኡ ንምፍጻም ነቲ ሓደ ወዱ ዝሃበ: ‘ኵሉ ኸም ዚህበና’ ንኽንተኣማመን የኽእለና። (ሮሜ 8:32) ንሕና ግን እንታይ ክንገብር እዩ ዘሎና፧ ኣብ ዘፍጥረት 22:18 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ: ‘ኣብርሃም ቃል ኣምላኽ ስለ ዝሰምዐ:’ ህዝብታት ኵላ ምድሪ ብዘርኡ ኺባረኹ ምዃኖም የሆዋ ንኣብርሃም ነገሮ። ንሕናውን ንየሆዋን ንወዱን ክንሰምዖም ኣሎና። “ብወዲ ዚአምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ: እቲ ብወዲ ዘይአምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር: ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።”—ዮሃንስ 3:36

9. ነቲ ብመስዋእቲ የሱስ እተረኽበ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ነማስወሉ እንተደኣ ዄንና: እንታይ ኢና እንገብር፧

9 ነቲ ብመስዋእቲ የሱስ እተረኽበ ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ነማስወሉ እንተደኣ ዄንና: ነቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ እተዛረበና ነገራት ክንገብር ንደሊ ኢና። እዚ ኸኣ ምስቲ ንኣምላኽን ንብጻይናን ከነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ እተኣሳሰረ እዩ። (ማቴዎስ 22:37-39) የሱስ እታ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ንኻልኦት ‘ነቲ የሱስ ዝኣዘዘና ዅሉ ኺሕልዉ’ ንኽንምህሮም ከም እትድርኸና ገለጸ። (ማቴዎስ 28:19, 20) ምስቶም ኣገልገልቲ የሆዋ ሓቢርና ‘ብምእካብ’ ድማ ነታ ፍቕሪ እቲኣ ኸነርእዮም ንደሊ ኢና። (እብራውያን 10:25፣ ገላትያ 6:10) ብዘይካዚ: ንኣምላኽን ንወዱን ክንሰምዖም ኪበሃል ከሎ: ካባና ፍጽምና ይጽበዩ እዮም ኢልና ኽንሓስብ የብልናን። እብራውያን 4:15 እቲ ሊቀ ኻህናትና ዝዀነ የሱስ “ብድኻምና ኺድንግጸልና” ዚኽእል ምዃኑ ትገልጽ። ብፍላይ ድኻምና ንኸነሰንፍ ምእንቲ ኺሕግዘና ብክርስቶስ ኣቢልና ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከለና: እዚ ኽሳዕ ክንደይ ኰን እዩ ዜጸናንዓና!—ማቴዎስ 6:12

ብክርስቶስ እመን

10. ብየሱስ ክርስቶስ እንተ ዘይኰይኑ ብኻልእ ምድሓን ዘየልቦ ስለምንታይ እዩ፧

10 ሃዋርያ ጴጥሮስ ነቲ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ የሱስ ከም እተፈጸመ ድሕሪ ምሕባር: “ብእኡ ኽንድሕን ዚግባእ ካልእ ስም ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንሰብ ኣይተዋህበን እሞ: ምድሓን ብሓደ ኻልእ ከቶ የልቦን” ብምባል ሓያል መደምደምታ ገበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:12) ኵሎም ዘርኢ ኣዳም ሓጢኣተኛታት ስለ ዚዀኑ: ብሞቶም ገይሮም ንዋላ ሓደ ሰብ በጃ ኪዀኑ ኣይክእሉን እዮም። የሱስ ግን ፍጹም ነበረ: ህይወቱ እውን መስዋእቲ ኽትከውን እትበቅዕ እያ። (መዝሙር 49:6-9፣ እብራውያን 2:9) ምስታ ኣዳም ዘጥፍኣ ፍጽምቲ ህይወት ብልክዕ ዚመጣጠን በጃ እዩ ንኣምላኽ ኣቕሪቡ። (1 ጢሞቴዎስ 2:5, 6) እዚ ኸኣ ንዓና ኣብታ ኣምላኽ ዜምጽኣ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ንኽንረክብ ኣጋጣሚ ኸፈተልና።

11. መስዋእቲ የሱስ ከመይ ገይሩ ኣጸቢቑ ኸም ዚጠቕመና ግለጽ።

11 እቲ በጅነት ሕጂውን ካልእ ጥቕምታት ንኽንረክብ መገዲ ኸፊቱ እዩ። ንኣብነት: ሓጢኣተኛታት እኳ እንተዀንና: ብመስዋእቲ የሱስ ሕድገት ሓጢኣት ስለ እንረክብ ንጹህ ሕልና ኣሎና። እቶም ብመሰረት ሕጊ ሙሴ መስዋእቲ እንስሳታት ዜቕርቡ ዝነበሩ እስራኤላውያን ነዚ ኺረኽብዎ ኣይክእሉን እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:38, 39፣ እብራውያን 9:13, 14፣ 10:22) ይኹን እምበር: ከምዚ ዝኣመሰለ ሕድገት ሓጢኣት ንምርካብ መስዋእቲ ክርስቶስ ክሳዕ ክንደይ ከም ዜድልየና ኻብ ልብና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ኣሎና። “ሓጢኣት የብልናን: እንተ በልና: ንርእስና ንጥብራ አሎና: እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና: ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና: ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።”—1 ዮሃንስ 1:8, 9

12. ብማይ ምጥማቕ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሰናይ ሕልና ንምሓዝ ኣገዳሲ ረቛሒ ዚዀነ ስለምንታይ እዩ፧

12 ሓጢኣተኛታት ብክርስቶስን ብመስዋእቱን ከም ዚኣምኑ ኺገልጹ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰባት ኣመንቲ ምስ ኰኑ ነዚ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኣርእዮምዎ እዮም። ብኸመይ፧ ብጥምቀት እዮም ኣርእዮምዎ። ስለምንታይ እዮም እዚ ዝገበሩ፧ ምኽንያቱ የሱስ ኵሎም ደቀ መዛሙርቱ ኺጥመቑ ኸም ዘለዎም ስለ ዝኣዘዘ እዩ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ግብሪ ሃዋርያት 8:12፣ 18:8) ሓደ ሰብ ልቡ በቲ የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ዝገበረሉ ፍቕራዊ ውህበት ምስ ተደረኸ: ነዚ ኻብ ምግባር ንድሕሪት ኪምለስ ኣይክእልን እዩ። ኣብ ህይወቱ ዝዀነ ይኹን ዜድሊ ለውጥታት ይገብር: ብጸሎት ኣቢሉ ርእሱ ንኣምላኽ ይውፊ: ወፈያኡ ኸኣ ኣብ ማይ ብምጥሓል ብዚግበር ጥምቀት የርኢ። በዚ ኸምዚ እምነት ብምርኣይ እዩ ‘ንኣምላኽ ሰናይ ሕልና ዚልምኖ።’—1 ጴጥሮስ 3:21

13. ሓጢኣት ከም ዝፈጸምና እንተ ፈሊጥና: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና: ስለምንታይከ፧

13 ድሕርዚውን እንተዀነ: ሓጥእ ዝንባለታትና ኣይጠፍእን እዩ። እንታይ ደኣ እዩ እሞ ዚግበሮ፧ ሃዋርያ ዮሃንስ “ሓጢኣት ምእንቲ ኸይትገብሩ: እዚ እጽሕፈልኩም አሎኹ። ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ። ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ” በለ። (1 ዮሃንስ 2:1, 2) ከምዚ ኺበሃል ከሎ ዝገበርና እኳ እንተ ገበርና: ሓጢኣትና ንኺሕደገልና ናብ ኣምላኽ እንተ ጸሊና ጥራይ ይሕደገልና ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን። ሕድገት ሓጢአት ንምርካብ ዜኽእለና ቐንዲ ረቛሒ ነስሓ እዩ። ምናልባት ካብቶም ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝያዳ ተመክሮ ዘለዎም ሽማግለታት ሓገዝ እውን የድሊ ይኸውን። እቲ ዝገበርናዮ ኽሳዕ ክንደይ ጌጋ ምዃኑ ኽንእመን: ልባዊ ጣዕሳ ስለ ዚስምዓና ኸኣ ንኸይንደግሞ ዚከኣለና ዅሉ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20፣ ያእቆብ 5:13-16) ከምዚ እንተደኣ ጌርና: የሱስ ከም ዚጣበቐልናን ከም ብሓድሽ ሞገስ የሆዋ ኸም እንረክብን ርግጸኛታት ክንከውን ንኽእል ኢና።

14. (ሀ) መስዋእቲ የሱስ ብኸመይ ከም ዝጠቐመና ግለጽ። (ለ) ብሓቂ እምነት እንተልያትና: እንታይ ኢና እንገብር፧

14 መስዋእቲ የሱስ ነቶም “ሒደት መጓሰ” ዚበሃሉ ኻልኣይ ክፍሊ እቲ ኣብ ዘፍጥረት 3:15 ተጠቒሱ ዘሎ ዘርኢ: ኣብ ሰማይ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኸፊቱሎም ኣሎ። (ሉቃስ 12:32፣ ገላትያ 3:26-29) ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ኻልኦት ሰባት ከኣ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም ኣሎ። (መዝሙር 37:29፣ ራእይ 20:11, 12፣ 21:3, 4) ዘለኣለማዊ ህይወት “ውህበት ጸጋ ኣምላኽ . . . ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና” እዩ። (ሮሜ 6:23፣ ኤፌሶን 2:8-10) ኣብዚ ውህበት እዚ እምነት እንተልዩናን ንዕኡ ዝረኸብናሉ መገዲ እንተ ኣማሲናሉን: ነዚ ንኻልኦት ንገልጸሎም ኢና። የሆዋ ፍቓዱ ኣብ ምፍጻም ንየሱስ ብዜደንቕ መገዲ ኸም እተጠቕመሉን ኣስኣሰር የሱስ ክንስዕብ ከም ዘሎናን ምስ እነስተውዕል: ክርስትያናዊ ኣገልግሎት ኣብ ህይወትና ሓደ ኻብቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳስነት ዘለዎ ነገራት ከም ዚኸውን ኢና እንገብሮ። እምነትና በቲ ነዚ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ንኻልኦት ክንነግር ከሎና እነርእዮ ምትእምማን ንጽርቲ ትኸውን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:24

15. እታ ኣብ የሱስ ክርስቶስ ዘላትና እምነት ሓድነት እተምጽኣልና ብኸመይ እያ፧

15 ከምዚኣ ዝዓይነታ እምነት ከመይ ዝበለ ሓድነት ኰን እያ እተምጽእ! በዚ ኣቢልና ንየሆዋን ንወዱን ብዝያዳ ንቐርቦም: ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ እውን ንሓድሕድና ንቀራረብ። (1 ዮሃንስ 3:23, 24) የሆዋ ንወዱ “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ዘሎ ዅሉ ብርኪ ብስም የሱስ ምእንቲ ኺምብርከኽ: ልሳን ዘበለውን ንኽብሪ እግዚኣብሄር ኣቦ ኢሉ የሱስ ክርስቶስ ጐይታ ምዃኑ ኺእመን . . . [ብዘይካ ኻብ ስም ኣምላኽ] ካብ ኵሉ ስም ልዕል ዝበለ ስም” ብሕያውነት ብምሃቡ የሐጕሰና እዩ።—ፊልጲ 2:9-11

መመያየጢ ሕቶታት

• እቲ መሲህ ምስ መጸ: ነቶም ንቓል ኣምላኽ ብሓቂ ዚኣምኑሉ ሰባት መንነቱ ንጹር ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧

• ንመስዋእቲ የሱስ ዘሎና ሞሳ ንኸነርኢ: እንታይ ኢና ኽንገብር ዘሎና፧

• መስዋእቲ የሱስ ሕጂውን ዝጠቐመና ብኸመይ እዩ፧ ሓጢኣትና ንኺሕደገልና ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና: እዚ መስዋእቲ እዚ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 36 ዘሎ ስእሊ]

የሱስ ንሰዓብቱ: ንኻልኦት ሰባት ትእዛዛት ኣምላኽ ንኺሕልዉ ኺምህርዎም ነገሮም