ዕላማ የሆዋ ዜደንቕ ፍጻሜኡ ይረክብ
ምዕራፍ ዕስራን ሓደን
ዕላማ የሆዋ ዜደንቕ ፍጻሜኡ ይረክብ
1, 2. (ሀ) የሆዋ ነቶም መስተውዓልቲ ፍጡራቱ ብዚምልከት ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧ (ለ) ኣብታ ብኣምለኽቲ ዝቘመት ሓድነት ዘለዋ ስድራቤት መነመን እዮም ዘለዉ፧
ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብዜቕርብሉ ኣምልኾ ኣቢሎም ሓድነት ኪህልዎምን ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ኪበጽሑን: ፍቕራዊ ዕላማ የሆዋ እዩ። ኣፍቀርቲ ጽድቂ እውን ነዚ እዮም ሃረር ዚብሉ።
2 የሆዋ ኺፈጥር ኣብ ዝጀመረሉ እዋን ነዚ ዓብዪ ዕላማኡ ኺፍጽሞ ጀመረ። እቲ ኻብ ሞት ድሕሪ ምትንሳኡ “ናይ ክብሩ [ናይ ክብሪ ኣምላኽ] ነጸብራቕን ቅርጺ ባህርዩን” ዝዀነ ወዱ: ፈለማ እተፈጥረ እዩ። (እብራውያን 1:1-3) እዚ ወዲ እዚ ኣምላኽ ባዕሉ ብኢዱ ስለ ዝፈጠሮ: ካብ ካልኦት ፍሉይ እዩ። ድሕርዚ: ኵሎም ካልኦት ፍጥረታት: ማለት ቅድም እቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መላእኽቲ: ድሕሪኡ ድማ እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ሰባት: በዚ ወዲ እዚ ኣቢሎም ህይወት ረኸቡ። (እዮብ 38:7፣ ሉቃስ 3:38) እዚኣቶም ብምሉኦም ሓንቲ ስድራቤት እዮም ኰይኖም። ኵላቶም ንየሆዋ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላውን ኣምላኾምን ፈቃር ኣቦኦምን ገይሮም ይርእይዎ ነበሩ።
3. (ሀ) ኵላትና ኻብቶም ቀዳሞት ወለድና እንታይ ኢና ወሪስና፧ (ለ) የሆዋ ንዘርኢ ኣዳም እንታይ ፍቕራዊ ምድላው እዩ ገይሩሎም፧
3 እቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ወለድና ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ብምግባሮም ንሞት ምስ ተፈርዱ: ካብ ኤድን ተሰጉ: ኣምላኽ እውን ራሕርሖም። ኣባላት እታ ንዅሉ ፍጥረት እትሓቍፍ ስድራቤት ካብ ምዃን ከኣ ኣቋረጹ። (ዘፍጥረት 3:22-24፣ ዘዳግም 32:4, 5) ኵላትና ዘርኦም ስለ ዝዀንና: ክንውለድ ከለና ኣትሒዝና ሓጢኣት ወሪስና ኢና። ኰይኑ ግን: የሆዋ ገለ ኻብቶም ዘርኢ ኣዳምን ሄዋንን ጽድቂ ኸም ዜፍቅሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ: እቶም ጽድቂ ዜፍቅሩ ዘበሉ “ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ” ኪረኽቡሉ ዚኽእሉ ፍቕራዊ ምድላው ገበረ።—ሮሜ 8:20, 21
እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ሞገስ ሰኣኑ
4. የሆዋ ንጥንታዎት እስራኤላውያን እንታይ ፍሉይ ኣጋጣሚ እዩ ዝኸፈተሎም፧
4 ኣዳም ካብ ዚፍጠር ኣስታት 2,500 ዓመት ጸኒሑ: የሆዋ ንገሊኣቶም ሰባት ምስኡ ፍሉይ ርክብ ንኺህልዎም ኣጋጣሚ ኸፈተሎም። ንጥንታዎት እስራኤላውያን ህዝቡ ኪዀኑ መረጾም: ሕጉ ድማ ሃቦም። (ዘፍጥረት 12:1, 2) ከም ህዝቢ ኣቘሞም: ዕላማኡ ምስ ምፍጻም ብምትሕሓዝ ድማ ተጠቕመሎም። (ዘዳግም 14:1, 2፣ ኢሳይያስ 43:1) ኣብ ትሕቲ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን ስለ ዝነበሩ ግን: ከምቲ መጀመርታ ኣዳምን ሄዋንን ዝነበሮም ክቡር ሓርነት ኣይረኸቡን።
5. እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝነበሮም ሞገስ ዝሰኣኑ ብኸመይ እዮም፧
5 ይኹን እምበር: እስራኤላውያን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ነበሮም። ንየሆዋ ኸም ኣቦኦም ኬኽብርዎን ምስ ዕላማኡ ተሰማሚዖም ኪዓዩን ሓላፍነት ነበሮም። የሱስ ነዚ ግዴታ እዚ ምፍጻም ኣገዳሲ ምንባሩ ኣጕሊሑ ነይሩ። (ማቴዎስ 5:43-48) ህዝቢ እስራኤል ግን ነዚ ኣይፈጸሙን። ኣይሁድ “ሓደ ኣቦ አሎና: ንሱ ኸኣ ኣምላኽ እዩ” ይብሉ እኳ እንተ ነበሩ: የሱስ ግን ተግባራቶምን ዜንጸባርቕዎ ባህርያትን ነቲ ዚብልዎ ሓሶት ምዃኑ ኸም ዜቃልዕ ገለጸ። (ዮሃንስ 8:41, 44, 47) ብ33 ከ.ኣ.ዘ. ኣምላኽ ነቲ ሕጊ መወዳእታ ምስ ገበረሉ: እቲ እስራኤላውያን ምስ ኣምላኽ ዝነበሮም ፍሉይ ርክብ ድማ ኣብቅዐ። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ሰባት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ኪረኽቡ ኣይክእሉን እዮም ማለት ድዩ፧
ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ” ምጥቕላል
6. እቲ ጳውሎስ ኣብ ኤፌሶን 1:9, 10 ዝጠቐሶ ‘መጋቢነት’ ወይ ‘ስልጣን’ ንምንታይ ዕላማ እዩ ተዋሂቡ፧
6 ሃዋርያ ጳውሎስ ገሊኣቶም ደቅሰብ ምስ ኣምላኽ ፍሉይ ርክብ ኪምስርቱ ኸም ዚኽእሉ ሓቢሩ እዩ። ንኣብነት: ብዛዕባ እቲ እቶም ዚኣምኑ ዘበሉ ኣባላት ስድራቤት የሆዋ ኪዀኑ እተገብረ ምድላው: “ከምቲ ብእኡ ዝመደቦ ስምረቱ: ነቲ ምስጢር ፍቓዱ እናኣፍለጠና: ነቲ ናይ ምልኣት ዘመናት መጋቢነቱ [‘ስልጣኑ:’ ትርጕም 1990]: ኣብ ሰማይ ዘሎን ኣብ ምድሪ ዘሎን: ኣብ ክርስቶስ ምእንቲ ኺጥቕለልሲ” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 1:9, 10) እዚ ‘መጋቢነት’ ወይ ‘ስልጣን’ እዚ ንየሱስ ክርስቶስ እዩ ተዋሂብዎ። ደቅሰብ ብእኡ ኣቢሎም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ሞገስ ኪረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እተወሰኑ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣለዎም። ኣዝዮም ብዙሓት ከኣ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።
7. እቶም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” እተባህሉ መን እዮም፧
7 ፈለማ: ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ ነቲ “ኣብ ሰማይ ዘሎ:” ማለት ነቶም ምስ ክርስቶስ ኣብ ሰማያዊት መንግስቱ ዚወርሱ ቘላሕታ ተገብረ። ብመሰረት እቲ ኣብ መስዋእቲ የሱስ ዘለዎም እምነት: ብኣምላኽ ጸደቑ። (ሮሜ 5:1, 2) ኣይሁድን ኣህዛብን ኣብዚ ምድላው እዚ ኣተዉ: እቶም “ኣብ ሰማይ ዘሎ” እተባህሉ ድማ ቍጽሮም 144,000 ኪኸውን ተመደበ። (ገላትያ 3:26-29፣ ራእይ 14:1) ኣብዚ እዋን እዚ እቶም ካብኦም ዝተረፉ ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዘለዉ።
ነቲ “ኣብ ምድሪ ዘሎ” ምጥቕላል
8. እቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህሉ መን እዮም: ምስ የሆዋኸ ኸመይ ዝበለ ርክብ እዩ ዘለዎም፧
8 እቲ እተዋህበ መጋቢነት ወይ ስልጣን ነቶም “ኣብ ምድሪ ዘሎ” እተባህሉ ኣብ ምጥቕላል እውን ይዓዪ እዩ። ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ዘለዎም ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ይጥቕለሉ ወይ ይእከቡ እዮም ዘለዉ። ምስ ተረፍ እቶም ወረስቲ መንግስቲ ኣምላኽ ሓቢሮም ከኣ ስም ኣምላኽ የዕብዩ: ኣምልኾኡ ድማ ክብ የብሉ ኣለዉ። (ኢሳይያስ 2:2, 3፣ ጸፎንያስ 3:9) የሆዋ ምንጪ ህይወቶም ምዃኑ ስለ ዚፈልጡ: “ኣቦ” ኢሎም ይጽውዕዎ እዮም። ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ብዘለዎም እምነት ኣቢሎም ድማ ኣብ ቅድሚኡ ተቐባልነት ዘለዎ ኣቕዋም ይሕዙ። (ራእይ 7:9, 14) ገና ዘይፍጹማት ብምዃኖም ግን ኣብ መጻኢ እዮም ምሉእ ብምሉእ ደቂ ኣምላኽ ዚበሃሉ።
9. ሮሜ 8:21 ንደቅሰብ እንታይ ተስፋ እዩ ዘለዋ፧
9 እዞም ሕጂ ምድራዊ ተስፋ ዘለዎም ነቲ ፍጥረት ሰብ ‘ካብ ባርነት ጥፍኣት ሓራ ዝወጸሉ’ እዋን ብሃረርታ እዮም ዚጽበይዎ። (ሮሜ 8:21) እዚ ሓራ ናይ ምውጻእ ተግባር እዚ ክርስቶስን እቲ ሰማያዊ ሰራዊቱን ነቲ ብርቱዕ ጸበባ ብኣርማጌዶን ኣቢሎም ምስ ዛዘምዎ እዩ ኺጅምር። ከምዚ ኺበሃል ከሎ እዚ እኩይ ኣገባብ ሰይጣን እዚ ብምሉኡ ምስ ጠፍአ: ኣብቲ ክርስቶስ ኣብ መንግስቱ ንሽሕ ዓመት ዚነግሰሉ እዋን ብዙሕ በረኸት ኪህሉ እዩ።—ራእይ 19:17-21፣ 20:6
10. ኣገልገልቲ የሆዋ እንታይ መዝሙር ውዳሰ እዮም ኪዝምሩ፧
10 ኣብ ምድሪ ዚርከቡ ኣገልገልቲ የሆዋ ምስቶም ኣብ ሰማይ ዚርከቡ ኣገልገልቱ ሓቢሮም: “ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ እግዚኣብሄር: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም” ብምባል ብሓጐስ ኪእውጁ ኸለዉስ ክሳዕ ክንደይ ባህ ዘብል ኰን እዩ! (ራእይ 15:3, 4) እወ: ኵሎም ኣገልገልቲ የሆዋ ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምምላኽ ሓድነት ኪህልዎም እዩ። ምዉታት እውን ከይተረፉ ተንሲኦም ድምጾም ዓው ኣቢሎም ንየሆዋ ኺውድሱ ኣጋጣሚ ኺወሃቦም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 24:15
ዜደንቕ ሓርነት ተነቢሩልና ኣሎ
11. እቶም ካብ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ እንታይ ዜደንቕ ሓርነት እዮም ኪረኽቡ፧
11 ድሕሪ እቲ ብኣርማጌዶን ዚዛዘም ብርቱዕ ጸበባ ምድሪ ኻብ እከይ ምስ ጸረየት: ሰይጣን ድያብሎስ “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ዀይኑ ኣይኪቕጽልን እዩ። ኣምለኽቲ የሆዋ እውን ምስቲ ሰይጣን ዜሕድሮ ኽፉእ ጽልዋ ኣይኪቃለሱን እዮም። (2 ቈረንቶስ 4:4፣ ራእይ 20:1, 2) ናይ ሓሶት ሃይማኖት ንየሆዋ ኸም እትውክሎ ዀይና ብምቕራብ ኣይከተስሕትን: ንሰብኣዊ ሕብረተሰብ እውን ኣይክትከፋፍሎን እያ። ኣገልገልቲ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ፍትሒ ኣይኪጐድሎምን: ብሰበ-ስልጣን ከኣ ኣይኪምዝመዙን እዮም። ከመይ ዝበለ ዜደንቕ ሓርነት ኰን እዩ ኺህሉ!
12. ኵላቶም ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሳዕቤናቱን ሓራ ዚዀኑ ብኸመይ እዮም፧
12 የሱስ “ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ” ከም ምዃኑ መጠን: ነቲ መስዋእቱ ሓጢኣት ደቅሰብ ንምድምሳስ ኪጥቀመሉ እዩ። (ዮሃንስ 1:29) ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ሓጢኣት ኪሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ንኼርኢ ንሓደ ሓጢኣቱ እተሓድገሉ ሰብ ኣሕወዮ። (ማቴዎስ 9:1-7፣ 15:30, 31) ብተመሳሳሊ: ክርስቶስ የሱስ ከም ሰማያዊ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ መጠን ዕዉራት: ዓባሳት: ጸማማት: ቈራያት: ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎም: ከምኡውን ዝዀነ ይኹን ካልእ ሕማም ዘለዎም ኬሕውዮም እዩ። (ራእይ 21:3, 4) ኵሎም እዙዛት ደቅሰብ ካብቲ “ሕጊ ሓጢኣት” ሓራ ስለ ዚዀኑ: ኣተሓሳስባኦምን ተግባራቶምን ንገዛእ ርእሶም ኰነ ንኣምላኽ ዜሐጕስ ኪኸውን እዩ። (ሮሜ 7:21-23) ኣብ መወዳእታ እተን ሽሕ ዓመት ናብ ሰብኣዊ ፍጽምና ኺበጽሑ: ከም ‘መልክዕን ምስልን’ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ኪዀኑ እዮም።—ዘፍጥረት 1:26
13. ክርስቶስ ኣብ መወዳእታ እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣቱ እንታይ ስጕምቲ እዩ ኺወስድ: እዚኸ እንታይ ውጽኢት ኪህልዎ እዩ፧
13 ክርስቶስ ንደቅሰብ ናብ ፍጽምና ምስ ኣብጽሖም: ነቲ ነዚ ዕዮ እዚ ተባሂሉ እተዋህቦ ስልጣን ነቦኡ ኺመልሰሉ እዩ። “ክርስቶስ ነቶም ጸላእቱ ዘበሉ ትሕቲ ኣእጋሩ ኽሳዕ ዚገብሮም: ኪነግስ ይግብኦ እዩ እሞ: ኵሉ ሽመትን ኵሉ ስልጣንን ሓይልን ምስ ሰዐረ: እታ መንግስቲ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ምስ ወፈየ: ሽዑ እዩ መወዳእታ ዚኸውን።” (1 ቈረንቶስ 15:24, 25) እቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ብምሉእ ዕላማኡ ስለ ዚወቅዕ: እዛ መንግስቲ እዚኣ ኣብ መንጎ የሆዋን ደቅሰብን ኰይና ኸተገልግል ኣይኬድልን እዩ። ሓጢኣትን ሞትን ምሉእ ብምሉእ ስለ ዜልግስን ደቅሰብ ሓራ ስለ ዚዀኑን: የሱስ ተበጃዊ ኪኸውን ኣየድልን እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ኣምላኽውን ኵሉ ኣብ ኵሉ ምእንቲ ኪኸውን: ሽዑ እቲ ወዲ ባዕሉ ነቲ ዅሉ ዘግዝኦ ኺግዛእ እዩ” ብምባል ይገልጸልና።—1 ቈረንቶስ 15:28
14. ኵሎም ፍጹማት ደቅሰብ ብምንታይ ኪሓልፉ እዮም: ስለምንታይከ፧
14 ድሕርዚ: ፍጹማት ደቅሰብ ነቲ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ንዘለኣለም ኬገልግሉ ዕላማ እንተልይዎም ንኼርእዩ ኣጋጣሚ ኺዋሃቦም እዩ። ስለዚ: የሆዋ ኸም ደቁ ገይሩ ምሉእ ብምሉእ ቅድሚ ምቕባሉ: ነቶም ፍጹማት ዘበሉ ናይ መወዳእታ ፈተና ንኺፍተኑ ኼፍቅድ እዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ መዓሙቝ ኺፍትሑ እዮም። እዚ ነቶም ብሓቂ ንየሆዋ ዜፍቅሩ ነባሪ ጕድኣት ኣይኬስዕበሎምን እዩ። እቶም ተኣማንነቶም ብምጕዳል ንየሆዋ ዘይእዘዝዎ ግን ምስቲ ፈለማ ዝዓለወ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም።—ራእይ 20:7-10
15. ኵሎም መስተውዓልቲ ፍጡራት የሆዋ: ከም ብሓድሽ እንታይ ኪህልዎም እዩ፧
15 ድሕሪኡ የሆዋ ንዅሎም እቶም ኣብቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ንሉዓላውነት ኣምላኽ ዝደገፉ ፍጹማት ደቅሰብ ከም ደቁ ኪቕበሎም እዩ። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ: ክፍሊ እታ ንዅሉ ፍጥረት እትሓቍፍ ስድራቤት ብምዃን ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ኪረኽቡ እዮም። ኵሎም እቶም ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ዚርከቡ መስተውዓልቲ ፍጡራት ነቲ ሓደ በይኑ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ብምምላኽ ከም ብሓድሽ ሓድነት ኪህልዎም እዩ። ዕላማ የሆዋ ዜደንቕ ፍጻሜኡ ኺረክብ እዩ! ክፍሊ እታ ሓጐስ ዝመልኣን ዘለኣለማዊትን ንዅሉ ፍጥረት እትሓቍፍን ስድራቤት ክትከውን ትደሊ ዲኻ፧ ትደሊ እንተደኣ ዄንካ: ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ 1 ዮሃንስ 2:17 “ዓለም ትሐልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር” ዝበሎ ኣብ ልብኻ ኸተሕድሮ ነተባብዓካ።
መመያየጢ ሕቶታት
• ኣብ ኤድን ዕልወት ከየጋጠመ ኸሎ: ኵሎም ኣምለኽቲ የሆዋ ምስኡ እንታይ ርክብ እዩ ነይርዎም፧
• ኣገልገልቲ ኣምላኽ እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘለዎም፧
• ብሕጂ ደቂ ኣምላኽ ዚዀኑ መን እዮም: እዚ ምስቲ የሆዋ ብዛዕባ ሓድነት ኣምልኾ ዘለዎ ዕላማ ዚተሓሓዝከ ብኸመይ እዩ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 190 ዘሎ ስእሊ]
እዙዛት ደቅሰብ ኣብታ ኣብ ብዘላ ምድሪ እትህሉ ገነት ብህይወት ኪነብሩ እዮም