ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንማሕበሩ ዚመርሓ ብኸመይ እዩ፧

የሆዋ ንማሕበሩ ዚመርሓ ብኸመይ እዩ፧

ምዕራፍ ዓሰርተው ኣርባዕተ

የሆዋ ንማሕበሩ ዚመርሓ ብኸመይ እዩ፧

1. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ማሕበር የሆዋ እንታይ እዩ ዚገልጽ: እዚኸ ንዓና ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 የሆዋ ማሕበር ኣላቶዶ፧ እቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ጽሑፋት ማሕበር ከም ዘላቶ እዩ ዚነግረና። ቃሉ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ሰማያዊ ኽፋል ማሕበሩ እተወሰነ ነገራት ይገልጸልና። (ህዝቅኤል 1:1, 4-14፣ ዳንኤል 7:9, 10, 13, 14) ነዚ ዘይርአ ኽፋል እታ ማሕበር ብዓይንና ኽንርእዮ ዘይንኽእል እኳ እንተዀንና: ነዞም ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ኣምለኽቲ ግን ብዙሕ እዩ ዚጸልዎም። (2 ነገስት 6:15-17) ማሕበር የሆዋ ኣብ ምድሪ ዚርአ ኽፋል እውን ኣለዋ። መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚርአ ኽፋል ንኸነለልዮን የሆዋ ብኸመይ ከም ዚመርሖ ንኽንርዳእን ይሕግዘና።

ነቲ ዚርአ ኽፋል ምልላዩ

2. ኣምላኽ ከመይ ዝበለት ሓዳስ ጉባኤ እዩ ዘቘመ፧

2 ህዝቢ እስራኤል ን1,545 ዓመት ማሕበር ኣምላኽ እዮም ነይሮም። (ግብሪ ሃዋርያት 7:38) እንተዀነ ግን ሕግታት ኣምላኽ ምሕላው ኣበዩ: ንገዛእ ወዱ ድማ ኣይተቐበልዎን። ከም ሳዕቤን ናይዚ: የሆዋ ነታ ማሕበር እቲኣ ነጸጋን ደርበያን። የሱስ ንኣይሁድ “እንሆ: ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ” በሎም። (ማቴዎስ 23:38) ድሕሪኡ ኣምላኽ ሓዳስ ጉባኤ ኣቘመ: ምስኣ ድማ ሓድሽ ኪዳን ኣተወ። እዛ ጉባኤ እዚኣ በቶም ኣምላኽ ምስ ወዱ ኣብ ሰማይ ንኺሓብሩ ዝመረጾም 144,000 ውልቀ-ሰባት ዝቘመት እያ።—ራእይ 14:1-4

3. ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣምላኽ ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ሓዳስ ጉባኤ ኺጥቀም ከም ዝጀመረ ዜርኢ እንታይ እዩ ተፈጺሙ፧

3 እቶም ቀዳሞት ኣባላት እዛ ሓዳስ ጉባኤ ብጴንጠቆስጠ 33 ከ.ኣ.ዘ. ብናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ እዮም ነይሮም። ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ፍጻመ ኸምዚ ዚስዕብ ነንብብ:- “ኣብ መበል ሓምሳ መዓልቲ ድማ ኵላቶም ሐቢሮም ብሓንሳእ ነበሩ። ብድንገት ከኣ ከም ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ ሰማይ ደሃይ መጸ: ነታ ኣብኣ ተቐሚጦም ዘለውዋ ቤትውን ንብዘላ መልኣ። እተመቓቐለ ልሳን ሓዊ ዚመስል ድማ ተራእዮም: ኣብ ልዕሊ ነነፍሲ ወከፎም ከኣ ተቐመጠ። ኵሎም ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኦም።” (ግብሪ ሃዋርያት 2:1-4) እዚኣቶም እቶም ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ሰማይ ዚርከብ የሱስ ክርስቶስ ኰይኖም ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ኣምላኽ ዚጥቀመሎም ጕጅለ ሰባት ምዃኖም መንፈስ ኣምላኽ ንጹር መርትዖ ሃበ።

4. ኣብዚ ግዜ እዚ ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ዜቝሙ መን እዮም፧

4 ኣብዚ ግዜና ተረፍ እቶም 144,000 ጥራይ እዮም ኣብ ምድሪ ዘለዉ። እንተዀነ ግን: ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተነበዮ: ክፍሊ እተን “ኻልኦት ኣባጊዕ” ዝዀኑ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ “ብዙሓት ሰብ” ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ሓቢሮም ኣለዉ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ የሱስ ነቶም ካልኦት ኣባጊዕ ምስቶም ቅቡኣት ተረፍ ብሓደ ገይሩ ኣብ ትሕቲ ሓደ ጓሳ ዚመሓደሩ ሓደ መጓሰ ገይርዎም ኣሎ። (ራእይ 7:9፣ ዮሃንስ 10:11, 16) እዚኣቶም ኵላቶም ሓንቲ ሓድነት ዘለዋ ጉባኤ: ማለት እትርአ ማሕበር የሆዋ የቝሙ።

ቲኦክራሲያዊ መዋቕር

5. ንማሕበር የሆዋ ዚመርሓ መን እዩ: ብኸመይከ፧

5 እቲ “ማሕበር ህያው ኣምላኽ” ዚብል ቅዱስ ጽሑፋዊ መግለጺ: ነታ ማሕበር መን ከም ዚመርሓ ንጹር እዩ ዚገብረልና። እዛ ማሕበር ቲኦክራሲያዊት: ማለት ብኣምላኽ እትምራሕ እያ። የሆዋ በቲ ዘይርአ ርእሲ እታ ማሕበር ኪኸውን ዝመደቦ የሱስን በቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቓሉ መጽሓፍ ቅዱስን ኣቢሉ እዩ ንህዝቡ መምርሒ ዚህቦም።—1 ጢሞቴዎስ 3:14, 15፣ ኤፌሶን 1:22, 23፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17

6. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ነታ ጉባኤ ኻብ ሰማይ መምርሒ ይመጻ ምንባሩ ብኸመይ እዩ ንጹር ዝነበረ፧ (ለ) የሱስ ሕጂውን ርእሲ እታ ማሕበር ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

6 ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ኸምዚ ዝኣመሰለ መምርሒ ኸም እተዋህበ ንጹር እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 2:14-18, 32, 33) መልኣኽ የሆዋ ነቲ ብስራት ናብ ኣፍሪቃ ንኺበጽሕ መምርሒ ኣብ ዝሃበሉ እዋን: ሳውል ብዓል ጠርሴስ ድምጺ የሱስ ኣብ ዝሰምዓሉ እዋን: ከምኡውን ጴጥሮስ ነህዛብ ኪሰብከሎም ኣብ ዝጀመረሉ እዋን እውን እዚ ንጹር ኰይኑ እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:26, 27፣ 9:3-7፣ 10:9-16, 19-22) ድሕሪ ግዜ ግን ካብ ሰማይ ዚመጽእ ድምጺ ኣቋረጸ: መላእኽቲ ዚበሃሉ ኣይተራእዩን: ተኣምራት ንምግባር ዜኽእል ውህበት መንፈስ እውን ደው በለ። ኰይኑ ግን: የሱስ “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ” ኢሉ ተመባጺዑ ነይሩ። (ማቴዎስ 28:20፣ 1 ቈረንቶስ 13:8) ኣብዚ ግዜና ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመሪሕነት የሱስ ኣፍልጦ ይህቡሉ እዮም። ብዘይዚ ግን ብርቱዕ ጽልኢ እናሃለወ ኽነሱ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽ ከቶ ኣይምተኻእለን።

7. (ሀ) ነቲ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ዜቝሙ መን እዮም: ስለምንታይከ፧ (ለ) ነቲ “ባርያ” እንታይ መዝነት እዩ እተዋህቦ፧

7 የሱስ ቀቅድሚ ሙማቱ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ እቲ ጐይታኡ ፍሉይ ሓላፍነት ዝህቦ “እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ” ነጊርዎም ነይሩ። እዚ “ባርያ” እዚ ጐይታ ናብ ሰማይ ምስ ከደ ኣብ ምድሪ ዚጸንሕ ኰይኑ: እቲ ጐይታ ብዘይርአ መዳይ ብሓይሊ መንግስቱ ኺምለስ ከሎ ኸኣ ኣበርቲዑ ኺዓዪ ዚጸንሕ እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መግለጺ ንሓደ ውልቀ-ሰብ ዘይኰነስ: ነታ ጉባኤ ቕቡኣት ክርስቶስ ከም ዜመልክት ንጹር እዩ። የሱስ ነዞም ጕጅለ እዚኣቶም ብደሙ ስለ ዝዓደጎም ድማ “ባርያ” ኢልዎም ኣሎ። ነቶም ኣባላት እዚ ባርያ ኸኣ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ ኸምኡውን መንፈሳዊ “ምግቦም በብጊዜኡ” ብምሃብ ብቐጻሊ ኺምግብዎም መዝነት ሃቦም።—ማቴዎስ 24:45-47፣ 28:19፣ ኢሳይያስ 43:10፣ ሉቃስ 12:42፣ 1 ጴጥሮስ 4:10

8. (ሀ) እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ እንታይ ሓላፍነታት እዩ ዘለዎ፧ (ለ) በቲ ኣምላኽ ዚጥቀመሉ መትረብ ኣቢሉ ንዚወሃብ መምርሒ እነርእዮ ኣቀባብላ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8 ጐይታ ብ1914 ብዘይርአ መገዲ ኺምለስ ከሎ እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ብተኣማንነት ዕዮ ጐይታኡ ኺዓዪ ስለ ዝጸንሐ: ብ1919 ዝዓበየ ሓላፍነታት ከም እተዋህቦ መርትዖታት ኣሎና። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ዘሎ ዓመታት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዓለምለኻዊ ምስክርነት ዚወሃበሉ ግዜ እዩ: ንየሆዋ ዜምልኹ ብዙሓት ሰብ ከኣ ካብቲ ዓብዪ መከራ ንኺድሕኑ ይእከቡ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:14, 21, 22፣ ራእይ 7:9, 10) እዚኣቶም እውን መንፈሳዊ ምግቢ የድልዮም እዩ: እቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያ ድማ ነዚ የዳልወሎም ኣሎ። እምበኣር ንሕና ንየሆዋ ንምሕጓስ ነቲ በዚ መትረብ እዚ ኣቢሉ ዚህበና መምርሒታት ክንቅበልን ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ኣሎና።

9, 10. (ሀ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ብዛዕባ ሰረተ-ትምህርትን ብዛዕባ ስብከት እቲ ብስራትን ንዚለዓል ሕቶታት ንምፍታሕ ዜገልግል እንታይ ኣሰራርሓ እዩ ነይሩ፧ (ለ) ኣብዚ ግዜና ንንጥፈታት ህዝቢ የሆዋ ንምውህሃድ ዜገልግል እንታይ ኣሰራርሓ ኣሎ፧

9 ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሰረተ-እምነትን ኣሰራርሓን ሕቶታት ይብገስ እዩ። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ ግን እንታይ እዩ ዚግበር፧ ግብሪ ሃዋርያት ምዕራፍ 15 ብዛዕባ እቶም እምነቶም ናብ ክርስትና ዝቐየሩ ኣህዛብ ብዚምልከት እተላዕለ ጕዳይ ብኸመይ ከም እተፈትሐ ትገልጽ። እቲ ጕዳይ ናብቶም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዜገልግሉ ዝነበሩ ኣብ የሩሳሌም ዚርከቡ ሃዋርያትን ሽማግለታትን ቀረበ። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ፍጹማት እኳ እንተ ዘይኰኑ: ኣምላኽ ግን ተጠቒሙሎም እዩ። ነቲ ጕዳይ ብዚምልከት ቅዱሳት ጽሑፋት እንታይ ከም ዚብል ከምኡውን መንፈስ ኣምላኽ ነህዛብ ከም ዚስበኸሎም ብምግባር ዝፈጸሞ ነገራት መርመሩ። ድሕሪኡ ውሳነ ገበሩ። ኣምላኽ ድማ ነዚ ኣሰራርሓ እዚ ባረኾ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:1-29፣ 16:4, 5) ካብቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ከኣ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕ ውልቀ-ሰባት ተላእኩ።

10 ኣብዚ ግዜና ዘሎ ናይታ እትርአ ማሕበር ኣመሓዳሪ ኣካል ካብ እተፈላለዩ ሃገራት ብእተዋጽኡ ብመንፈስ እተቐብኡ ኣሕዋት ዝቘመ ዀይኑ: ቦታኡ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዩ። እዚ ኣመሓዳሪ ኣካል እዚ ኣብ ትሕቲ ርእስነት የሱስ ክርስቶስ ኰይኑ: እቶም ኣብተን ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸራ ጉባኤታት ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚፍጽምዎ ንጥፈታት ስብከት ብምውህሃድ ኣብ ኵለን ሃገራት ንጹህ ኣምልኾ የደንፍዕ። እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካል ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት “ብእምነት ቌምኩም አሎኹም እሞ: ደገፍቲ ሓጐስኩም ደኣ ኢና እምበር: ኣብ ልዕሊ እምነትኩም ክንጕይተት ኣይኰንናን” ኢሉ ኺጽሕፍ ከሎ ዝነበሮ ኣረኣእያ እዩ ዘለዎም።—2 ቈረንቶስ 1:24

11. (ሀ) ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብኸመይ እዮም ዚሽየሙ፧ (ለ) ምስዞም እተሸሙ ኣሕዋት ክንተሓባበር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

11 ኣብ መላእ ዓለም ዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ብቕዓት ዘለዎም ኣሕዋት ንኺምዝዝ እዮም ዚጽበይዎ፣ እቶም እተመዘዙ ኣሕዋት እውን ብግዲኦም ነቶም ንጉባኤታት ዚኣልዩ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ንኺሸሙ ሓላፍነት ይወሃቦም። እዞም ዚሽየሙ ኣሕዋት ኬማልእዎ ዘለዎም ብቕዓት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሰ ኪኸውን ከሎ: እቶም ሰብኡት እቲኣቶም ፍጹማት ከም ዘይኰኑን ጌጋታት ከም ዚገብሩ ኣብ ግምት ዜእቱን እዩ። እቶም ሕጹያት ዜቕርቡ ሽማግለታት ኰኑ እቶም ዚሸሙ ኣሕዋት: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከቢድ ሓላፍነት እዮም ዚስከሙ። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-10, 12, 13፣ ቲቶስ 1:5-9) ስለዚ: መንፈስ ኣምላኽ ንኺሕግዞም ይጽልዩ: ካብቲ መንፈስ ዝነፈሶ ቓሉ ድማ መምርሒ ይደልዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 6:2-4, 6፣ 14:23) እምበኣር: ነዞም “ናብ ሕብረት እምነት” ንኽንበጽሕ ዚሕግዙና “ውህበት” ሰብኡት እዚኣቶም ሞሳና ነርእዮም።—ኤፌሶን 4:8, 11-16

12. የሆዋ ንደቂ ኣንስትዮ ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣሰራርሓ ብኸመይ እዩ ዚጥቀመለን፧

12 ቅዱሳት ጽሑፋት ሰብኡት ኣብ ጉባኤታት መሪሕነት ኪህልዎም እዩ መምርሒ ዚህብ። እዚ ንደቂ ኣንስትዮ ዜናእስ ኣይኰነን: ከመይሲ ገሊኣተን ሰማያዊት መንግስቲ ዚወርሳ እየን: ኵላተንውን ኣብ ዕዮ ስብከት ብዙሕ እየን ዚዓያ። (መዝሙር 68:11) ብዘይካዚ: ኣንስቲ ናይ ስድራቤት ሓላፍነተን ብተኣማንነት ብምፍጻም: ነታ ጉባኤ ጽቡቕ ስም ንኺህልዋ ኣበርክቶ ይገብራ። (ቲቶስ 2:3-5) ኣብ ጉባኤታት ምምሃር ግን እቶም ነዚ ንምግባር እተሸሙ ሽማግለታት እዮም ዚፍጽምዎ።—1 ጢሞቴዎስ 2:12, 13

13. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ ንሽማግለታት ብዛዕባ እቲ እተዋህቦም ቦታ እንታይ ኣረኣእያ ንኺህልዎም እዩ ዚምሕጸኖም፧ (ለ) ኵላትና ኣብ ምንታይ ንኽንሳተፍ ኢና ፍሉይ መሰል ተዋሂቡና ዘሎ፧

13 ኣብ ዓለም ሓደ ዝለዓለ ቦታ ዚወሃቦ ሰብ ዓብዪ ኸም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ: ኣብ ማሕበር ኣምላኽ ግን “እቲ ኣብ ማእከል ኵልኹም ዚንእስ: ዓብዪ ዚኸውን ንሱ እዩ” ዚብል ስርዓት እዩ ዚዓዪ። (ሉቃስ 9:46-48፣ 22:24-26) ሽማግለታት ነተን መጓሰ ኣብነት ኪዀኑ ደኣ እምበር: ኣብተን ማሕበራት ኣምላኽ ከይጕይተቱ ቕዱሳት ጽሑፋት ይምዕዶም። (1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ተወከልቱ ንኪዀኑ ፍሉይ መሰል እተዋህቦም ሒደት ምሩጻት ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን። የግዳስ: ደቂ ተባዕትዮ ዀኑ ደቂ ኣንስትዮ ብዘየገድስ ኵሎም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብስም እቲ ናይ ኵሉ ፍጥረት ሉዓላዊ ብትሕትና ኺዛረቡን ብዛዕባ መንግስቱ ኣብ ኵሉ ቦታታት ኪነግሩን ሓላፍነት ተዋሂብዎም ኣሎ።

14. በቲ ኣብዚ ዘሎ ጥቕስታት ጌርካ: ነቲ ኣብ መወዳእታ እዛ ሕጡብ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶታት ተመያየጠሉ።

14 እምበኣር: ንርእስና ‘የሆዋ ነዛ እትርአ ማሕበሩ ብኸመይ ይመርሓ ኸም ዘሎ ብሓቂ ተገንዚበዮን አማስወሉን ድየ፧ ኣረኣእያይን ዘረባይን ተግባራተይን ነዚ ዜንጸባርቕ ድዩ፧’ ኢልና ምስ እንሓትት ሰናይ እዩ። ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ምስ እነስተንትነሉ: ንነፍሲ ወከፍና ርእስና ንኽንምርምር ይሕግዘና እዩ።

ንክርስቶስ ከም ርእሲ እታ ማሕበር ብሓቂ ዝግዝኦ እንተደኣ ዀይነ: ኣብዚ ዚቕጽል ጥቕስታት ተገሊጹ ኸም ዘሎ እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧ (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 13:34, 35)

በቲ ብጕጅለ ዝቘመ ባርያን በቲ ኣመሓዳሪ ኣካሉን ኣቢሉ ዚመጽእ መንፈሳዊ ምድላዋት ብሞሳ ምስ ዝቕበሎ: ንመን እየ ኣኽብሮት ዘርኢ ዘለኹ፧ (ሉቃስ 10:16)

ኵላቶም ኣባላት ጉባኤ: ብፍላይ ከኣ ሽማግለታት: ኣብ ንሓድሕዶም እንታይ ዓይነት ርክብ ኪህልዎም ኣለዎ፧ (ሮሜ 12:10)

15. (ሀ) ነታ እትርአ ማሕበር የሆዋ ዘሎና ኣረኣእያ: እንታይ እዩ ዜንጸባርቕ፧ (ለ) ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ንኸነረጋግጽን ንልቢ የሆዋ ንኸነሐጕስን እንታይ ኣጋጣሚታት እዩ ዘሎና፧

15 ሎሚ የሆዋ በታ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ዘላ እትርአ ማሕበሩ ኣቢሉ ይመርሓና ኣሎ። ነዚ ምድላው እዚ ዘሎና ኣረኣእያ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከመይ ከም ዚስምዓና እዩ ዜርኢ። (እብራውያን 13:17) ሰይጣን ቀንዲ ዜተሓሳስበና ነገር ገዛእ ርእስና ኸም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚኸሰና። እንተዀነ ግን: ኣብ እንድለየሉ ዘበለ ዅሉ እንተ ኣገልጊልናን ምርኡያት ክንከውን እንተ ዘይደሊናን: ድያብሎስ ሓሳዊ ምዃኑ ኢና እነረጋግጽ። ነቶም ሓላፍነት እተዋህቦም እናኣፍቀርናን እናኣኽበርናን ‘ንገጽ ሰብ ዘይንንድ’ እንተደኣ ዄንና: ንየሆዋ ነሐጕሶ ኢና። (ይሁዳ 16፣ እብራውያን 13:7) ንማሕበር የሆዋ እሙናት ብምዃን: የሆዋ ኣምላኽና ምዃኑን ንዕኡ ኣብ እነቕርቦ ኣምልኾ ሓድነት ከም ዘሎናን ኢና እነርኢ።—1 ቈረንቶስ 15:58

መመያየጢ ሕቶታት

• ሎሚ ዘላ እትርአ ማሕበር የሆዋ ኣየነይቲ እያ፧ ዕላማኣኸ እንታይ እዩ፧

• ርእሲ እታ ማሕበር ኰይኑ እተሾመ መን እዩ: ብምንታይ ዚርአ ኣሰራርሓታት ገይሩ እዩኸ ፍቕራዊ መምርሒ ዚህብ፧

• ነቶም ኣብ ማሕበር የሆዋ ዘለዉ ሰባት እንታይ ጥዑይ ኣረኣእያ ኢና ኸነማዕብል ዘሎና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 133 ዘሎ ስእልታት]

የሆዋ በታ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ ዘላ እትርአ ማሕበሩ ኣቢሉ ይመርሓና