ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ

መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ

ምዕራፍ 10

መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ

1, 2. ናይ ሰብ መንግስታት ዘይብቝዓት ምዃነን ብኸመይ ኣርእየን፧

 ምናልባት ሓንቲ መሳርሒት ዓዲግካስ ዘይትዓዪ ኰይና ረኺብካያ ትኸውን። ንኣብነት: ሓደ ዓራያይ ጸዊዕካ ንበል። ይኹን እምበር: ነታ መሳርሒት “ኣዐርዩዋ” ከብቅዕ ድሕሪ ሓጺር እዋን ድማ ትበላሾ። ኣየ እዝስ ክንደይ ዘባሳጩ ኢዩ!

2 ናይ ሰብ መንግስታት እውን ከምኡ ኢየን። ወድሰብ ሓንቲ ናይ ሰላምን ሓጐስን ውሕስነት እትኸውን መንግስቲ ወርትግ ምስ ተመነየ ኢዩ። ይኹን እምበር: ነቲ ኣብ ሕብረተሰብ እተራእየ ዕንወት ንምዕራይ እተገብረ ሓያል ጻዕሪ ብሓቂ ዕዉት ኣይነበረን። ኣዝዩ ብዙሕ ናይ ሰላም ውዕላት ተገይሩ: ድሓር ግን ተጣሒሱ ኢዩ። ብተወሳኺ: ኣየነይቲ መንግስቲ ኢያ እሞ: ንድኽነት: ፍልልይ: ግብረ-ገበን: ሕማም ከምኡውን ናይ ከባቢ ዕንወት ካብ ሱሩ ምሕያ ከተጥፍኦ ዝኸኣለት፧ ናይ ሰብ ግዝኣት ፈጺሙ ክጣጣእ ኣይክእልን ኢዩ። እቲ ናይ እስራኤል ጥበበኛ ንጉስ ሰሎሞን ከይተረፈ “ሰብ ደኣ ኸመይ ገይሩ እዩ ንመገዱ ዜስተውዕ⁠ላ፧ ኢሉ ሓተተ።​—⁠ምሳሌ 20:⁠24

3. (ሀ) ናይ የሱስ ቀንዲ ኣርእስቲ ስብከት እንታይ ነበረ፧ (ለ) ገለ ሰባት ንመንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ኢዮም ዝገልጽዋ፧

3 ተስፋ ኣይትቝረጽ! ሓንቲ ርግኣት ዘለዋ ንዓለም እትገዝእ መንግስቲ ትምኒት ጥራይ ኰይና እትተርፍ ኣይኰነትን። ንሳ ቀንዲ ኣርእስቲ ስብከት የሱስ ኢያ ነይራ። “መንግስቲ ኣምላኽ” ኢሉ ድማ ጸውዓ: ንሰዓብቱ ኸኣ ብዛዕብኣ ክጽልዩ መሃሮም። (ሉቃስ 11:⁠2፣ 21:⁠31) ርግጽ ኢዩ: መንግስቲ ኣምላኽ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ሃይማኖታውያን ጕጅለታት ትጥቀስ ኢያ። እኳ ደኣ ሚልዮናት ሰባት ናይ ጐይታ ጸሎት (ኣቡነ ዘበሰማያት ወይ ናይ ኣብነት ጸሎት ተባሂላውን እትጽዋዕ) ክደግሙ ኸለዉ ብዛዕብኣ መዓልታዊ ኢዮም ዝጽልዩ። ግናኸ ሰባት “መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ፧” ተባሂሎም ክሕተቱ ከለዉ እተፈላለየ መልስታት ኢዮም ዝህቡ። ገለ ሰባት “ኣብ ልብኻ ኢያ ዘላ” ይብሉ። ካልኦት ከኣ: ሰማይ ኢሎም ይጽውዕዋ። ቀጺልና ክንርእዮ ከም ዘሎና መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባኣ ንጹር መልሲ ይህብ ኢዩ።

ዕላማ ዘለዋ መንግስቲ

4, 5. የሆዋ ንልዕልነቱ ብሓድሽ መገዲ ገይሩ ክገልጾ ዝመረጸ ስለምንታይ ኢዩ: እንታይከ ኢያ እትፍጽም፧

4 የሆዋ ኣምላኽ ወርትግ ንጉስ ወይ ልዑል ገዛኢ ናይ ኣድማስ ኢዩ። ንሱ እቲ ንዅሉ ነገራት ዝፈጠረ ብምዃኑ ናብዚ ዝለዓለ መዓርግ እዚ ክብ ዘብሎ ኢዩ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠11፣ መዝሙር 103:⁠19፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠24) እታ የሱስ ዝሰበኻ መንግስቲ ግን ምስቲ ኣድማሳዊ ልዕልነት ናይ ኣምላኽ ኣነጻጺርካ: ታሕተዋይ ወይ ካልኣይ ደረጃ ዝሓዘት ኢያ። እታ መሲሓዊት መንግስቲ ሓደ ፍሉይ ዕላማ ኣለዋ። ንሱ ግን እንታይ ኢዩ፧

5 ኣብ ምዕራፍ 6 ከም እተገልጸ እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ኣንጻር ስልጣን ኣምላኽ ዓለዉ። ብምኽንያት እቲ እተላዕለ ክርክራት: የሆዋ ንሉዓላዊነቱ ብሓዲሽ መገዲ ገይሩ ክገልጾ መረጸ። ኣምላኽ ነቲ ተመን: ሰይጣን: ዝጭፍልቕ: ከምኡውን ሳዕቤን ናይቲ ደቅሰብ ወሪሶምዎ ዘለዉ ሓጢኣት ዘልግስ “ዘርኢ” ከምጽእ ዕላማ ከም ዘለዎ ገለጸ። እቲ ቀዳማይ “ዘርኢ” የሱስ ክርስቶስ ኢዩ፣ “መንግስቲ ኣምላኽ” ከኣ እታ ንሰይጣን ብፍጹም ስዕረት እትስዕሮ መሳርያ ኢያ። የሱስ ክርስቶስ: በዛ መንግስቲ እዚኣ ገይሩ ብስም የሆዋ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግዝኣት ክመልስ ኢዩ: ነቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ልዕልነት መሰል ከኣ ንሓዋሩ ከረጋግጾ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15፣ መዝሙር 2:⁠2-9

6, 7. (ሀ) እታ መንግስቲ ኣበይ ኢያ ዘላ: እቲ ንጉስን እቶም ተሓጋገዝቲ ገዛእትንከ መን ኢዮም፧ (ለ) ተገዛእቲ ናይታ መንግስቲ መን ኢዮም፧

6 የሱስ ነቶም እኩያት ፈሪሳውያን “መንግስቲ ኣምላኽ እንሃ: ኣብ ውሽጥኹም አላ” በሎም። (ሉቃስ 17:⁠21) የሱስ እታ መንግስትስ ኣብ ውሽጢ እቲ እኩይ ኣልባብ ናይቶም ብልሽዋት ሰባት እቲኣቶም ነይራ ማለቱ ድዩ፧ ኣይፋሉን። ሓደ ዝያዳ ልክዕ ዝዀነ ትርጕም ናይ ቦኽሪ ጽሑፋት ግሪኽ ከምዚ ይንበብ:- “መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ማእከልኩም ኣላ።” (ትርጕም ሓዳስ ዓለም) እቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ የሱስ: ንገዛእ ርእሱ ንጉስ ናይ መጻኢ ግዜ ምዃኑ ሓበረ። መንግስቲ ኣምላኽ: ሰብ ኣብ ልቡ ዝሕዛ ነገር ዘይኰነትስ: ገዛእን ተገዛእትን ዘለዉዋ: ናይ ሓቅን እትዓይን መንግስቲ ኢያ። ንሳ ሰማያዊት ግዝኣት ኢያ: ከመይሲ “መንግስተ ሰማያት” ከምኡውን “መንግስቲ ኣምላኽ” ተባሂላ ኢያ እትጽዋዕ። (ማቴዎስ 13:⁠11፣ ሉቃስ 8:⁠10) ነቢይ ዳንኤል: ነቲ “ወዲ ሰብ ዝመስል” ገዛኢኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ ከቕርብዎ ኸለዉ ብራእያት ርኣየ: “ኵላቶም ኣህዛብን ወገናትን ቋንቋታትን ኬገልግልዎስ: ግዝኣትን ክብርን መንግስትን ንእኡ ተዋህቦ።” (ዳንኤል 7:⁠13, 14) እዚ ንጉስ እዚ መን ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሱስ ክርስቶስ “ወዲ ሰብ” ኢሉ ኢዩ ዝጽውዖ። (ማቴዎስ 12:⁠40፣ ሉቃስ 17:⁠26) እወ: የሆዋ ንወዱ የሱስ ክርስቶስ ንጉስ ክኸውን መዚዝዎ ኢዩ።

7 የሱስ ንበይኑ ኣይኰነን ዝገዝእ። “ካብ ምድሪ እተዓደጉ” 144,000 ምስኡ ሓቢሮም ነገስታትን ካህናትን ክዀኑ ኢዮም። (ራእይ 5:⁠9, 10፣ 14:⁠1, 3፣ ሉቃስ 22:⁠28-30) እቶም ተገዛእቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ: ንኣመራርሓ ክርስቶስ ዝእዘዙ ዓለምለኻዊ ስድራቤት ደቅሰብ ክዀኑ ኢዮም። (መዝሙር 72:⁠7, 8) ይኹን እምበር: እታ መንግስቲ ንልዕልነት ኣምላኽ ክትጣበቐሉን: ንምድርና ድማ ኣብ ገነታዊ ኵነታት ክትመልስ ምዃናን ከመይ ገይርና ኢና ርግጸኛታት እንኸውን፧

ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክውንነት

8, 9. (ሀ) ክውንነት ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ተስፋታት ብመረድኢ ከመይ ገይርና ምገለጽናዮ፧ (ለ) ብዛዕባ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክውንነት ርግጸኛታት እንኸውን ብኸመይ ኢና፧

8 ቤትካ ብሓዊ ነዲዳ ከም ዝጠፍአት ገይርካ እሞ ሕሰብ። ደሓር ሓደ ዓቕሚ ዘለዎ ዓርክኻ: ቤትካ እንደገና ኣብ ምህናጽን ንስድራቤትካ ድማ መግቢ ኣብ ምድላውን ክሕግዘካ ቃል ይኣትወልካ። እዚ ዓርኪ እዚ ወትሩ ሓቂ ጥራይ ዝነግረካ እንተድኣ ነይሩስ ኣይምኣመንካዮንዶ፧ ንጽብሒቱ ካብ ስራሕ ምስ ተመለስካ: ድሮ ሰራሕተኛታት ነቲ ካብ ሓዊ ዝተረፈ ፍርስራስ ክጸራርግዎ ጀሚሮም: ንስድራቤትካ ድማ መግቢ ኣምጺኦምሎም ጸኒሖምኻ ንበል። ብዘይጥርጥር ውዒሉ ሓዲሩ: እቲ ኵነታት ክሕደስ ጥራይ ዘይኰነስ አረ ካብቲ ናይ ቅድምውን ዝበልጽ ከም ዝኸውን ምሉእ ምትእምማን መሕደርካ።

9 ብተመሳሳሊ: የሆዋ ብዛዕባ ናይታ መንግስቲ ክውንነት መረጋገጺ ይህበና ኢዩ። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ እብራውያን ተራእዩ ከም ዘሎ: ብዙሕ መዳያት ናይቲ ሕጊ ነቲ ናይታ መንግስቲ መደብ ጽላሎት ኰይንዎ ነይሩ ኢዩ። (እብራውያን 10:⁠1) ከምኡውን ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ጩራታት ኣብታ ምድራዊት መንግስቲ እስራኤል ተጋሂዱ ነይሩ ኢዩ። እታ መንግስቲ እቲኣ ተራ መንግስቲ ኣይነበረትን: ከመይሲ እቶም ገዛእቲ ኣብ “ዝፋን [የሆዋ ትሓዓ ]” ኢዮም ተቐሚጦም ነይሮም። (1 ዜና መዋእል 29:⁠23) ብተወሳኺ ኸኣ ከምዚ ዝብል ተነጊሩ ነይሩ ኢዩ:- “ሺሎ ኽሳዕ ዚመጽእ: ካብ ይሁዳ በትሪ: ዘንጊ ገዛኢ ኸኣ ካብ ማእከል ኣእጋሩ ኣይዝምብልን። ህዝብታት ይእዘዝዎ።” (ዘፍጥረት 49:⁠10) a እወ: የሱስ: እቲ ነባሪ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ: ካብቲ ናይ ኣይሁዳውያን ነገስታት ወለዶ ኢዩ ኽመጽእ ነይርዎ።​—⁠ሉቃስ 1:⁠32, 33

10. (ሀ) ናይታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ መሰረት መዓስ ኢዩ እተረጋገጸ፧ (ለ) እቶም ምስ የሱስ መጋዝእቲ ክዀኑ ዝነበሮም: እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ ኢዮም ኣብ ምድሪ ግምባር-ቀደም ኰይኖም ክመርሕዎ ዝነበሮም፧

10 መሰረት ናይ መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ: በቶም እተመርጹ ሃዋርያት የሱስ ኢዩ ተሰሪቱ። (ኤፌሶን 2:⁠19, 20፣ ራእይ 21:⁠14) እዚኣቶም ካብቶም ምስ የሱስ ክርስቶስ ሓገዝቲ ነገስታት ኰይኖም ኣብ ሰማይ ዝገዝኡ 144,000: ቀዳሞት’ዮም ነይሮም። እዞም ሕጹያት መጋዝእቲ እዚኣቶም ኣብ ምድሪ ኸለዉ ምስቲ “ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም: . . . ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም” ዝብል ትእዛዝ የሱስ ብምስምማዕ ኣብቲ ናይ ምምስካር ወፈራ ግምባር-ቀደም ክዀኑ ነበሮም።​—⁠ማቴዎስ 28:⁠19

11. እቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ሎሚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ዘሎ: እንታይከ ኢዩ ዝፍጽም ዘሎ፧

11 እቲ ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባር ትእዛዝ: መወዳድርቲ ብዘይብሉ ስፍሓት ኣብ ግብሪ ይውዕል ኣሎ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስቲ “እዚ [ብስራት ትሓዓ ] መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ትንቢታዊ ቃላት የሱስ ብምስምማዕ: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣብ ኵሉ ዙርያ ምድሪ ይእውጅዎ ኣለዉ። (ማቴዎስ 24:⁠14) ከም ሓደ መዳይ ናይቲ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኰይኑ ድማ: ሓደ ዓቢይ ትምህርታዊ ፕሮግራም ይካየድ ኣሎ። እቶም ንሕግታትን ስርዓታትን መንግስቲ ኣምላኽ ትሕት ኢሎም ዝግዝኡ: ድሮ ነቲ ሰብኣውያን መንግስታት ክረኽባኦ ዘይከኣላ ሰላምን ሓድነትን ረኺቦም ኣለዉ። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ንናይ መንግስቲ ኣምላኽ ክውንነት መረጋገጺ ዝህብ ኢዩ!

12. (ሀ) ነቶም ኣወጅቲ መንግስቲ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢልካ ምጽውዖም ግቡእ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ናይ ሰብ መንግስታት ፍልይቲ እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧

12 የሆዋ ንእስራኤላውያን “ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም” ኢሉ ነገሮም። (ኢሳይያስ 43:⁠10-12) የሱስ: ‘እቲ እሙን ምስክር’ ብስራት መንግስቲ ብቕንኢ ይእውጅ ነበረ። (ራእይ 1:⁠5፣ ማቴዎስ 4:⁠17) ስለዚ: እዞም ሎሚ ዘለዉ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል መለኮታዊ ስያሜ ክጾሩ ግቡእ ኢዩ። ግን እዞም መሰኻኽር እዚኣቶም ንኻልኦት ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክዛረብዎም ብዙሕ ግዜን ጻዕርን ዘሕልፉ ስለምንታይ ኢዮም፧ ነዚ ዝገበሩሉ ምኽንያት እታ መንግስቲ እንኮ ተስፋ ወድሰብ ስለ ዝዀነት ኢያ። ናይ ሰብ መንግስታት ውዒለን ሓዲረን ክጠፍኣ ኢየን: መንግስቲ ኣምላኽ ግን ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ኢያ። ኢሳይያስ 9:⁠6, 7ን የሱስ ነቲ ገዛኢኣ “መስፍን ሰላም” ኢሉ ይጽውዖ: ወሲኹ ድማ “ዕቤት ግዝኣቱን ሰላሙን መወዳእታ የብሉን” ይብል። መንግስቲ ኣምላኽ ከምዘን ሎሚ ተራእየን ጽባሕ ዝዕለዋ ናይ ሰብ መንግስታት ኣይኰነትን። በዚ እኳ ደኣ ዳንኤል 2:⁠44 “ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእን: ግዝኣታ ኸኣ ንኻልእ ህዝቢ ዘይውሀብን መንግስቲ ኼተንስእ እዩ። . . . ንሳ ግና ንዘለኣለም ክትቀውም እያ” ኢዩ ዝብል።

13. (ሀ) መንግስቲ ኣምላኽ ብዓወት እትኣልዮም ገለ ግድላት እንታይ ኢዮም፧ (ለ) መብጽዓታት ኣምላኽ ክፍጸም ኢዩ ኢልና ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

13 ኣየናይ ሰብኣዊ ንጉስ ኢዩ ንውግእ: ግበረ-ገበን: ሕማም: ጥሜት: ከምኡውን ስእነት ገዛ ከጥፍእ ዝኽእል፧ ኣብ ልዕሊ’ዚኸ ኣየናይ ሰብኣዊ ገዛኢ ኢዩ ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ከተንስኦም ዝኽእል፧ መንግስቲ ኣምላኽን ንጉሳን ግን ነዚ ነገራት እዚ ክገብርዎ ኢዮም። እታ መንግስቲ ከምቲ ዘየቋርጽ ምትዕርራይ ዘድልዮ ሕማቕ መሳርሒ: ጕድለት ወይ ኣበር ዘለዋ ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ: መንግስቲ ኣምላኽ ክትዕወት ኢያ: ከመይሲ የሆዋ ከምዚ ኢሉ ተመባጺዑ ኢዩ:- “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ . . . ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ: ኣብቲ ኣነ ዝልእኮ ኬቕንዕ እዩ እምበር: ብኸንቱ ናባይ ኣይኪምለስን እዩ።” (ኢሳይያስ 55:⁠11) ዕላማ ኣምላኽ ኣይፈሽልን ኢዩ: ግን ግዝኣት መንግስቲ መዓስ ኢዩ ክጅምር ዝነበሮ፧

ግዝኣት መንግስቲ: መዓስ፧

14. ደቀ-መዛሙርቲ የሱስ ብዛዕባ እታ መንግስቲ እንታይ ግጉይ ምርዳእ ኢዩ ዝነበሮም: የሱስ ግን ብዛዕባ ግዝኣቱ እንታይ ይፈልጥ ነበረ፧

14 “ጐይታይ: በዚ ወርሓት እዚዶ ንእስራኤል መንግስቲ ኸተቕንዕ ኢኻ፧” እዚ ብደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተሓተ ሕቶ: ኣብቲ እዋን እቲ ዕላማ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑን እቲ ግዝኣት እትጅምረሉ ምዱብ ግዜን ይፈልጥዎ ከም ዘይነበሩ ዝሕብር’ዩ። የሱስ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ እቲ ኣብ ጥርጥር ከይወድቁ ከጠንቅቖም ከሎ “ኣቦ ብስልጣኑ ዝመደቦ ዘመኑን ጊዜኡን ክትፈልጡ ናታትኩም ኣይኰነን” በሎም። የሱስ እቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዝኸውን ግዝኣቱ: ድሕሪ ትንሳኤኡን ናብ ሰማይ ምዕራጉን ነዊሕ ዝጸንሕን ንመጻኢ ግዜ እተዓቝረን ምዃኑ ይፈልጥ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 1:⁠6-11፣ ሉቃስ 19:⁠11, 12, 15) ቅዱሳት ጽሑፋት ነዚ ተነብዮምሉ ነይሮም ኢዮም። ብኸመይ፧

15. መዝሙር 110:⁠1 ብዛዕባ’ቲ ግዜ ናይ የሱስ ግዝኣት እንታይ ብርሃን ኢያ እተብርሃልና፧

15 ንጉስ ዳዊት ንየሱስ ብትንቢት ከም ‘ጐይታ’ ገይሩ ብምጥቃስ ከምዚ በለ:- “[የሆዋ ትሓዓ ] ንጐይታይ: ንጸላእትኻ መርገጽ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም: ኣብ የማነይ ተቐመጥ: በሎ።” (መዝሙር 110:⁠1፣ ምስ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠34-36 ኣረኣእዮ።) እዚ ትንቢት እዚ: ግዝኣት የሱስ ናብ ሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ብኡንብኡ ከም ዘይጅምር ኢዩ ዝሕብር። ኣብ ክንድኡስ: ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ክጽበ ነበሮ። (እብራውያን 10:⁠12, 13) እዚ ምጽባይ እዚ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ክቕጽል ዝነበሮ፧ ግዝኣቱኸ መዓስ ክጅምር ነበሮ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ መልስታት ንምርካብ ይሕግዘና ኢዩ።

16. ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. እንታይ ተፈጸመ: እዚኸ ከመይ ኢሉ ኢዩ ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተተሓሓዘ፧

16 ኣብ ኵላ ምድሪ እታ የሆዋ ስሙ ዘንበረላ እንኮ ከተማ የሩሳሌም ኢያ ነይራ። (1 ነገስት 11:⁠36) መርኣያ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነት ኣምላኽ ዝሰመራ ምድራዊት መንግስቲ: ርእሲ ከተማ ድማ ነበረት። ስለዚ እቲ ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ብባቢሎናውያን እተፈጸመ ጥፍኣት የሩሳሌም ኣዝዩ ዓብይ ትርጕም ዝሓዘለ ኢዩ ነይሩ። እዚ ፍጻሜ እዚ: ናይቲ ኣምላኽ ኣብቶም ኣብ ምድሪ ዝነብሩ ህዝቡ ዝነበሮ ቀጥታዊ ግዝኣት: ንነዊሕ ግዜ ዘቋረጸሉ እዋን: መጀመርያ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ። ዳርጋ ሹድሽተ ክፍለ ዘበናት ጸኒሑ: የሱስ እቲ መዋእል ናይቲ እተቛረጸ ግዝኣት ገና ይቕጽል ከም ዝነበረ ሓበረ: ከመይሲ “[እቲ ምዱብ ትሓዓ ] ዘበናት ኣህዛብ ክሳዕ ዚፍጸም: የሩሳሌም በህዛብ ክትርገጽ እያ:” ኢዩ ዝበለ።​—⁠ሉቃስ 21:⁠24

17. (ሀ) “እቲ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ” እንታይ ኢዩ: ክንደይ ዝኣክል ንውሓትከ ክህልዎ ነበሮ፧ (ለ) “እቲ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ” መዓስ ተጀመረ መዓስከ ተወድአ፧

17 ብግዜ “እቲ ምዱብ ዘመናት ኣህዛብ” ዓለማውያን መንግስታት: ነቲ ኣምላኽ ዝሰመሮ ግዝኣት ኣቋሪጸን ክገዝኣ ክፍቀደለን ነበሮ። እቲ እዋን እቲ ምስ ምዕናው የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀመረ። ዳንኤል ድማ ን“ሾብዓተ ግዝያት” ክቕጽል ከም ዝነበሮ ኣመልከተ። (ዳንኤል 4:⁠23-25) እዚኸ ክንደይ ንውሓት ዘለዎ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ሰለስተን ፈረቓን “ግዝያት” ማዕረ 1,260 መዓልትታት ምዃኑ ይሕብረና። (ራእይ 12:​6, 14) ዕጽፊ ናይዚ እዋን እዚ ወይ ሾብዓተ ግዝያት: 2,520 መዓልትታት ኢዩ ዝኸውን። እንተዀነ ግን: ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሓጺር እዋን እዚ ሓደ ፍሉጥ ቁም ነገር ኣይተፈጸመን። ይኹን እምበር ነቲ “ሓንቲ ዓመት ኣብ ክንዲ ሓንቲ መዓልቲ” ዝብል ስርዓት ኣብ ትንቢት ዳንኤል እንተድኣ ኣውዒልናዮን ካብ 607 ቅ.ኣ.ዘ. ጀሚርና ድማ 2,520 እንተድኣ ፈቒድናን ኣብ 1914 ከ.ኣ.ዘ. ኢዩ ዘብጽሓና።​—⁠ዘሁልቍ 14:⁠34፣ ህዝቅኤል 4:⁠6

18. የሱስ መንግስታዊ ስልጣን ድሕሪ ምቕባሉ ብኡንብኡ እንታይ ገበረ: እዚኸ ንምድሪ ብኸመይ ተንከፋ፧

18 የሱስ ኣብቲ ግዜ እቲ: ኣብ ሰማይ ክገዝእ ጀሚሩዶ ነይሩ፧ ጀሚሩ ከም ዝነበረ ዘረድእ ጽሑፋዊ ምኽንያታት ኣብታ እትቕጽል ምዕራፍ ክንመያየጠሉ ኢና። ርግጽ ኢዩ: ምጅማር ናይ ግዝኣት የሱስ ኣብ ምድሪ ብቕጽበት ሰላም ከምጽእ ማለት ኣይኰነን። ራእይ 12:⁠7-12 የሱስ ነታ መንግስቲ ድሕሪ ምቕባሉ: ንሰይጣንን እቶም ናይ ኣጋንንቲ መላእኽቱን ካብ ሰማይ ክጸርጎም ምዃኑ ኢዩ ዝሕብር። እዚ ንምድሪ ወዮ ዘምጽኣላ ማለት ኢዩ። ግናኸ ድያብሎስ “ቅሩብ ዘመን” ተሪፉዎ ከም ዘሎ ከነንብብ ከሎናስ ኣየ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ! መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ስለ ዘላ ጥራይ ዘይኰነስ: ቀልጢፋ ንምድርን ንእዙዛት ደቅሰብን በረኸት ከተምጽኣሎም ብምዃና ብሓጐስ ፍንጭሕ ክንብል ኢና። (መዝሙር 72:⁠7, 8) እዚ ቀልጢፉ ክፍጸም ምዃኑ ብኸመይ ኢና እንፈልጥ፧

[እግረ-ጽሑፍ]

a እቲ ሺሎ ዝብል ስም “እቲ ዝውንን፣ እቲ ናቱ ዝዀነ” ማለት ኢዩ። ድሕሪ ገለ ግዜ “ሺሎ:” የሱስ ክርስቶስ “እቲ ኻብ ነገድ ይሁዳ ዝዀነ ኣንበሳ” ከም ዝነበረ ተጋህደ። (ራእይ 5:⁠5) ገለ ናይ ኣይሁድ ትርጕማት ነታ “ሺሎ” እትብል ቃል ብሓጺሩ “መሲሕ” ወይ “እቲ መሲሕ ንጉስ” ብዝብል ቃል ተክእዋ።

ፍልጠትካ ምዘን

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ኢያ: ኣበይ ኰይናኸ ኢያ እትገዝእ፧

ኣብታ መንግስቲ ዝገዝኡ መን ኢዮም: ተገዛእታኸ መን ኢዮም፧

የሆዋ እታ መንግስቱ ክውንነት ዘለዋ ምዃና ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘረጋግጸልና፧

“እቲ ምዱብ ዘመናት ኣህዛብ” መዓስ ጀመረ: መዓስከ ተወደአ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 94 ዘሎ ሳጹን]

ምስ መንግስቲ ኣምላኽ እተዛመዱ ገለ ኣገደስቲ ፍጻሜታት

• የሆዋ ንርእሲ ናይቲ ተመን: ሰይጣን ድያብሎስ: ዝጭፍልቕ ‘ዘርኢ’ ከምጽእ ዕላማ ከም ዘለዎ የፍልጥ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15

• የሆዋ ብ1943 ቅ.ኣ.ዘ. እዚ ‘ዘርኢ’ እዚ ሰብኣዊ ዘርኢ ናይ ኣብርሃም ከም ዝኸውን ይሕብር።​—⁠ዘፍጥረት 12:⁠1-3, 7፣ 22:⁠18

• እቲ ብ1513 ቅ.ኣ.ዘ. ንእስራኤል እተዋህበ ሕጊ ኪዳን “ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር” የቕርብ።​—⁠ዘጸኣት 24:​6-8፣ እብራውያን 10:⁠1

• እታ ምድራዊት መንግስቲ ናይ እስራኤል ብ1117 ቅ.ኣ.ዘ. ትጅምር: ዳሕራይ ድማ ኣብ ወለዶ ዳዊት ትቕጽል።​—⁠1 ሳሙኤል 11:⁠15፣ 2 ሳሙኤል 7:​8, 16

• የሩሳሌም ብ607 ቅ.ኣ.ዘ. ትዓኑ: “እቲ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ” ከኣ ይጅምር።​—⁠2 ነገስት 25:​8-10, 25, 26፣ ሉቃስ 21:⁠24

• ብ29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ከም እተመዘዘ ንጉስ ኰይኑ ይቕባእ: ምድራዊ ኣገልግሎቱ ድማ ይጅምር።​—⁠ማቴዎስ 3:⁠16, 17፣ 4:⁠17፣ 21:​9-11

• ብ33 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ናብ ሰማይ ይዓርግ: ኣብኡ ኸኣ ክሳዕ ግዝኣቱ ዝጅምር ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑ ይጽበ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠30, 31፣ እብራውያን 10:​12, 13

• ብ1914 ከ.ኣ.ዘ. “እቲ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ” ምስ ተወድአ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ይነግስ።​—⁠ራእይ 11:⁠15

• ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣብ ከባቢ ምድሪ ይድርበዩ: ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ከኣ ብዙሕ ወዮ የምጽኡ።​—⁠ራእይ 12:​9-12

• የሱስ ነቲ ዓለምለኻዊ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይቆጻጸሮ።​—⁠ማቴዎስ 24:14፣ 28:​19, 20