ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧

ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧

ምዕራፍ 9

ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧

1. ሰባት ዘፍቅርዎ ሰብ ክሞቶም ከሎ ከመይ ይስምዖም፧

 “ሞት ንፍቝርካ ሸሪቡ ዘጥፍእ ጉድኣት ስለ ዝዀነ ፍቑርካ ክሞተካ ኸሎ ትሳቐ ኢኻ።” እዘን ቃላት እዚአን ሓደ ወዲ ቅድም ኣቦኡ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ድማ ኣዲኡ ተመራሪሖም ምስ ሞቱ እተዛረበን ቃላት ኢየን። እቲ ቃንዛኡን እተሰምዖ ከቢድ ጉድኣትን “ብጓሂ ይዋሓጥ” ከም ዘሎ ኰይኑ ተሰምዖ። ምናልባት ንስኻውን ተመሳሳሊ ስቓይ ኣሕሊፍካ ትኸውን ኢኻ። ብዛዕባ ፍቑራትካ ኣበይ ኰን ይህልዉ: እንደገና ክርእዮምከ እኽእል ዶኾን እኸውን ኢልካ ሓሲብካ ትኸውን ኢኻ።

2. ብዛዕባ ሞት እንታይ ዘጨንቕ ሕቶታት ኢዩ ዝለዓል፧

2 ገለ ሓዘንተኛታት ወለዲ: “ኣምላኽ ነቶም ኣዝዮም ውቁባት ዕምባባታት ቀንጢቡ ናብኡ ናብ ሰማይ ይወስዶም” ዝብል ቃላት ተነጊርዎም ኢዩ። ግን ብሓቂ ከምኡ ድዩ፧ እቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትናስ ናብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ድዮም ከይዶም፧ እዝስ ከምቲ ገሊኦም ኒርቫና ኢሎም ዝጽውዕዎ ካብ ኵሉ ቃንዛን ትምኒትን ናጻ ዝዀነን ፍስሃ ዝዓሰሎን ተባሂሉ ተገሊጹ ዘሎ ኵነታት ድዩ፧ እቶም እነፍቅሮም ሰባት ናብ ዘይመውት ህይወት ናብ ገነት ድዮም ብኣፍደገ ገይሮም ሓሊፎም፧ ወይስ ከምቲ ካልኦት ዝብልዎ: ሞት እቶም ንኣምላኽ ዝበደልዎ ዝድርበይሉ ፈጺሙ ዘይውዳእ ስቓይ ኢዩ፧ እቶም ምውታት ንህይወትና ክትንክፍዎ ይኽእሉ ድዮም፧ ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሕቶታት ሓቂ ዝሓዘሉ መልስታት ምእንቲ ክንረክብ: ንቓል ኣምላኽ: ማለት ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንውከስ ይግባእ።

እቲ ኣብ ሰብ ዘሎ “መንፈስ” እንታይ ኢዩ፧

3. ሶቅራጦስን ፕላቶን ብዛዕባ ምውታት እንታይ ኣተሓሳስባ ኢዩ ዝነበሮም: እዚኸ ሎሚ ንሰባት ብኸመይ ይትንክፎም፧

3 ሶቅራጦስን ፕላቶን: እቶም ጥንታውያን ፈላስፋታት ግሪኽ: ኣብ ውሽጢ ሰብኣይ ከምኡውን ሰበይቲ ሓንቲ ዘይመውት ባህርይ ዘለዋ: ካብ ሞት እትተርፍ ብሓቂ ድማ ፈጺማ ዘይትመውት ነፍሲ ክትህሉ ኣለዋ ዝብል ሓሳብ ኢዮም ዝድግፉ ነይሮም። ሎሚ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ብምልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት ነዚ ይኣምንዎ ኢዮም። እዚ እምነት እዚ: ብዙሕ ግዜ ከምቲ ብዛዕባ እቶም ምውታት ከም እትስገግ ዝገብረካ: ብእኦም ከም እትፈርህ ድማ ዝገብረካ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ምውታት ሓደ ኣዝዩ ፍሉይ ነገር ኢዩ ዝምህረና።

4. (ሀ) ዘፍጥረት ብዛዕባ ነፍሲ እንታይ ይነግረና፧ (ለ) ኣምላኽ ንኣዳም ህያው ምእንቲ ክኸውን እንታይ ገበረሉ፧

4 ብዛዕባ ኵነታት ናይ ምውታት ኣብ እንመያየጠሉ ግዜ: እቲ ቀዳማይ ኣቦና: ማለት ኣዳም: ነፍሲ ከም ዘይነበረቶ ክንዝክር ይግባኣና። ንሱ ነፍሲ ኢዩ ነይሩ። ኣምላኽ ንሰብ​—⁠ነቲ ነፍሲ​—⁠ብዘገርም ተግባር ፍጥረት ገይሩ ካብቲ መሰረታዊ ንጥረ-ነገር ናይ ምድሪ ምስ ገበሮ: ኣብ ውሽጡ “ትንፋስ ህይወት” ኡፍ በለሉ። ዘፍጥረት 2:​7 ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ: ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።” ናይ ኣዳም ህይወት ብምስትንፋስ ኢዩ ክዕንገል ዝኽእል ዝነበረ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብ ኣዳም እስትንፋስ ህይወት ምስ ኣንበረ ካብቲ ኣብ ሰናቡእ ናይቲ ሰብኣይ ኣየር ኡፍ ምባል ንላዕሊ ዘጠ⁠ቓለለ ኢዩ ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምድራውያን ህያዋን ፍጡራት ዘሎ “ሓይሊ ህይወት” ይዛረብ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 7:⁠22 ትሓዓ

5, 6. (ሀ) “ሓይሊ ህይወት” እንታይ ኢዩ፧ (ለ) እቲ ኣብ መዝሙር 146:​4 ተጠቒሱ ዘሎ “መንፈስ” ነቲ ኣካል ህይወት ካብ ምሃብ ምስ ኣቋረጸ እንታይ የጋጥሞ፧

5 “ሓይሊ ህይወት” እንታይ ኢዩ፧ እዚ እቲ ኣምላኽ ኣብቲ ህይወት ኣልቦ ኣካል ናይ ኣዳም ዘቐመጦ: ኣብ ህያዋን ፍጡራት ዘሎ ህይወት ዝህብ ነገር ኢዩ። እዚ ሓይሊ እዚ በቲ ናይ ምስትፋስ መስርሕ ኢዩ ዝቕጽል። ግን እቲ ኣብ መዝሙር 146:​4 “መንፈስ” ተባሂሉ ተጠቒሱ ዘሎ ደኣ እንታይ ኢዩ፧ እታ ጥቕሲ እቲኣ ብዛዕባ ሓደ ዝመውት ኢያ እትዛረብ:- “[መንፈሱ ትሓዓ ] ይወጽእ: ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ።” እቶም ጽሓፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ “መንፈስ” እትብል ቃል በዚ ኣገባብ እዚ ከዘውትርዋ ኸለዉ: እቲ ኣካላት ምስ ሞተ ካብ ስጋ ተነጺላ ብህይወት እትቕጽል ነፍሲ ኣላ ዝበሃል ኣብ ኣእምሮኦም ኣይነበረን።

6 እቲ ኣብ ግዜ ሞት ካብ ሰባት ዝፍለ “መንፈስ”: እቲ ካብ ፈጣሪ ዝመነጨ ሓይሊ ህይወት ኢዩ። (መዝሙር 36:9፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:28) እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ: ልክዕ ከምቲ ኤለክትሪክ ናይቲ ንሱ ሓይሊ ዝህቦ መሳርሒ ጠባይ ዘይወስድ: እዚ ሓይሊ ህይወት እዚ ኸኣ ናይቶም ንሱ ዘንቀሳቕሶም ፍጡራት መለለዪ ጠባይ ኣይወስድን ኢዩ። ሓደ ሰብ ክመውት ከሎ: እቲ መንፈስ (ሓይሊ ህይወት) ነቶም ናይ ኣካላት ዋህዮታት ህይወት ምሃቦም የቋርጽ: እዚ ኸኣ ልክዕ ከምቲ ኤለክትሪክ ምስ ከደ መብራህቲ ዝጠፍእ ኢዩ። እቲ ሓይሊ ህይወት ነቲ ሰብኣዊ ኣካል ምዕንጋሉ ምስ ኣቋረጸ: እቲ ሰብ ማለት እቲ ነፍሲ ይመውት።​—⁠መዝሙር 104:29፣ መክብብ 12:⁠1, 7

“ናብ መሬት ድማ ትምለስ”

7. ኣዳም ንኣምላኽ ምስ ዘይእዘዞ እንታይ ከጋጥሞ ነበሮ፧

7 ሞት ነቲ ሓጢኣተኛ ኣዳም እንታይ ማለት ክኸውን ከም ዘለዎ የሆዋ ኣነጺሩ ገሊጽዎ ነይሩ ኢዩ። ኣምላኽ ከምዚ በለ:- “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” (ዘፍጥረት 3:19) ኣዳም ናበይ ኢዩ ክምለስ ዝነበሮ፧ ናብ ምድሪ ናብታ እተፈጥረላ መሬት። ኣብ ግዜ ሞት ኣዳም ካብ ምንባር ከቋርጽ ነበሮ!

8. ሰባት ከም ነፍሳት መጠን በየናይ መገዲ ኢዮም ካብ እንስሳታት ብልጫ ዘይብሎም፧

8 በዚ ምኽንያት እዚ: ሰብኣዊ ሞት ካብቲ ናይ እንስሳታት ኣይፍለን ኢዩ። ንሳቶምውን ነፍሳት ኢዮም: ሓደ ዓይነት መንፈስ ወይ ሓይሊ ህይወት ከኣ ኢዩ ዘሐይሎም። (ዘፍጥረት 1:​24) ኣብ መክብብ 3:​19, 20 እቲ ጥበበኛ ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ ይነግረና:- “ከምቲ እዚኣቶም ዚሞቱ እቲኣቶም ከኣ ይሞቱ: ንዅሎም ሓንቲ [መንፈስ ትሓዓ ] ኣላቶም። . . . ሰብሲ [ኣብ ሞት] ኻብ እንስሳ ብልጫ የብሉን። . . . ኵሎም ካብ መሬት ኰኑ: ኵሎምውን ናብ መሬት ይምለሱ።” ሰብ ብተምሳል ኣምላኽ በምፍጣሩን ባህርያት ኣምላኽ ብምንጽብራቑን ካብ ኣራዊት ጸብለል ዝበለ ዀይኑ ኢዩ ተፈጢሩ። (ዘፍጥረት 1:​26, 27) ይኹን እምበር: ኣብ ሞት ሰባትን እንስሳታትን ብተመሳሳሊ መገዲ ናብ መሬት ኢዮም ዝምለሱ።

9. ኵነታት ናይ ምዉታት ከመይ ኢዩ: ናበይከ ኢዮም ዝኸዱ፧

9 ሰሎሞን ቀጺሉ: ሞት እንታይ ማለት ከም ዝዀነ ክገልጽ ከሎ ከምዚ ይብል:- “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” እወ: ምዉታት ዝፈልጥዎ ነገር ፈጺሙ የብሎምን። ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ሰሎሞን ከምዚ ኢሉ መዓደ:- “አብቲ እትኸዶ ሲኦልሲ ዕዮን ሓሳብን ፍልጠትን ጥበብን የልቦን እዩ እሞ: ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ ዅሉ ብሓይልኻ ግበሮ።” (መክብብ 9:​5, 10) እቶም ምውታት ናበይ ኢዮም ዝኸዱ፧ ናብቲ (እብራይስጢ ኦል’) ተራ መቓብር ወድሰብ ዝኾነ ሲኦል። ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና ዋላ ሓንቲ‘ኳ ኣይፈልጡን ኢዮም። ኣይሳቐዩን ኢዮም ዘለዉ: ብዝዀነ ይኹን መገዲ ኸኣ ክትንክፉና ኣይክእሉን ኢዮም።

10. ሞት መወዳእታ ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምን​ታይ ኢና፧

10 ንሕና ኵላትናን እቶም ፍቑራትናን ሒደት ዓመታት ጥራይ ክንነብር እሞ ብድሕሪኡ ኸኣ ንዘለኣለም ክንጠፍእ ይግባኣና ድዩ፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ እኳ ከምኡ ኣይኰነን። ኣብቲ ኣዳም ዝዓለወሉ ግዜ: የሆዋ ኣምላኽ ነቲ ዘስካሕክሕ ሳዕቤን ናይ ሰብኣዊ ሓጢኣት ንምልዋጥ ተቐላጢፉ መደብ ኣቘመ። ሞት ክፍሊ ናይቲ ናይ መጀመርያ ዕላማ ኣምላኽ ኣይነበረን። (ህዝቅኤል 33:11፣ 2 ጴጥሮስ 3:⁠9) ስለዚ: ሞት ንዓና ይኹን ወይ ንፍቑራትና ናይ መወዳእታ ክኸውን ኣይግብኦን ኢዩ።

“ደቂሱ ኣሎ”

11. የሱስ ንኵነታት ናይቲ ሞይቱ ዝነበረ ኣልኣዛር ፈታዊኡ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገለጾ፧

11 ንዓናን ነቶም ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትናን: ካብ ኣዳማዊ ሓጢኣት ከድሕነና: ዕላማ የሆዋ ኢዩ። ስለዚ: ቃል ኣምላኽ ንምውታት ደቂሶም ከም ዘለዉ ገይሩ ኢዩ ዝዛረበሎም። ንኣብነት የሱስ ክርስቶስ: ኣልኣዛር ፈታዊኡ ሞይቱ ከም ዝነበረ ምስ ፈለጠ: ንደቀ መዛሙርቱ ከምዚ በሎም:- “ኣልኣዛር ፈታዊና ደቂሱ አሎ። ኣነ ግና ካብ ድቃሱ ምእንቲ ኸተንስኦ: ክኸይድ እየ።” ደቀ መዛሙርቱ ነቲ እተዛረቦም ትርጕሙ ብኡንብኡ ስለ ዘይተረድእዎ የሱስ ብግህዶ “ኣልኣዛር ሞይቱ” በሎም። (ዮሃንስ 11:​11, 14) ብድሕርዚ የሱስ: ናብ ቢታንያ: ናብታ ኣሓቱ ንኣልኣዛር: ማርታን ማርያምን ብሞት ናይ ሓወን ዝሓዝናላ ዝነበራ ከተማ ኸደ። የሱስ ንማርታ “ሐውኪ ኺትንስእ እዩ” ኢሉ ምስ ነገራ: ኣምላኽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ስድራቤት ዝወርድ ሳዕቤን ናይ ሞት ከም ዝቕይሮ ዘለዋ እምነት ገለጸት። ንሳ “በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ብትንሳኤ ኸም ዚትንስእሲ: እፈልጥ አሎኹ” በለት።​—⁠ዮሃንስ 11:⁠23, 24

12. እታ ሓዘንተኛ ማርታ: ብዛዕባ ኵነታት ምዉታት እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝነበራ፧

12 ማርታ: ብዛዕባ ሓንቲ ብድሕሪ ሞት ናብ ካልእ ስፍራ እትነብር ዘይትመውት ነፍሲ ዘረድእ ሓሳባት ኣይገለጸትን። ኣልኣዛር ህላዌኡ ንኽቕጽል ናብ ገለ መንፈሳዊ ግዝኣት ድሮ ከይዱ ከም ዝነበረ ገይራ ኣይኣመነትን። ማርታ ኣብቲ ዘደንቕ ተስፋ ትንሳኤ ምውታት እምነት ነበራ። ሓንቲ ዘይትመውት ነፍሲ ካብ ኣካላት ኣልኣዛር ተፈልያ ከም ዝኸደት ዘይኰነስ እቲ ዝሞተ ሓዋ ካብ ምንባር ከም ዘቋረጸ ኢያ ተረዲኣ ነይራ። እቲ መድሃኒት ድማ እቲ ናይ ሓዋ ትንሳኤ ኢዩ።

13. የሱሰ እንታይ ብኣምላኽ እተዋህቦ ሓይሊ ኢዩ ዘለዎ: ነዚ ሓይሊ እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዘርኣዮ፧

13 የሱስ ክርስቶስ ንወድሰብ ንምድሓን ብየሆዋ ሓይሊ እተዋህቦ ኢዩ። (ሆሴእ 13:14) ስለዚ ነቲ ናይ ማርታ ዘረባ ክምልሸሉ ኸሎ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብአይ ዚአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ።” (ዮሃንስ 11:25) የሱስ: ናብ መቓብር ናይቲ ካብ ዝመውት ኣርባዕተ መዓልቲ ገይሩ ዝነበረ ኣልኣዛር ከይዱ ናብ ህይወት ምስ መለሶ: ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦ ሓይሊ ኣብዚ መዳይ እዚ ተጠቒሙሉ ኢዩ። (ዮሃንስ 11:​38-44) እቶም ነዚ ትንሳኤ እዚ ወይ ካልእ ብየሱስ ክርስቶስ እተፈጸመ ተኣምራት ዝረኣዩ ሰባት እተሓጐስዎ ሓጐስ እሞ ገምቶ!​—⁠ማርቆስ 5:​35-42፣ ሉቃስ 7:​12-16

14. ትንሳኤን እቲ ዘይትመውት ነፍሲ ዝብል ሓሳብን ዘይራኸብ ዝኸውን ስለምን​ታይ ኢዩ፧

14 እስከ ነዚ ሓሳባት እዚ ዝግ ኢልካ ሕሰበሉ:- ሓንቲ ካብ ሞት እትተርፍ ነፍሲ: እንተድኣ ኣልያ: ዋላ ሓደ’ኳ ይኹን ክትንስእ ወይ ናብ ህይወት ክምለስ ኣይመድለየን። ከም ኣልኣዛር ዝኣመሰለ ሰብ ድሮ ኣብቲ ዘደንቕ ሰማያዊ ዓስቢ ተሳጊሩ ነይሩ እንተ ዝኸውንሲ: ኣብ ምድሪ ኣብ ዘይፍጹም ህይወት ምምላሱስ ሕያውነት ኣይምዀነን ነይሩ። መጽሓፍ ቅዱስ እውን “ዘይትመውት ነፍሲ” ዝብል ኣገላልጻ ፈጺሙ ኣይጥቀምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ ሓጢኣት እትገብር ሰብኣዊት ነፍሲ ክትመውት’ያ ኢዩ ዝብል። (ህዝቅኤል 18:​4, 20) ስለዚ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ብሓቂ መድሃኒት ናይ ሞት: እቲ ናይ ትንሳኤ ምድላው ምዃኑ ኢዩ ዝገልጽ።

“ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ ኵላቶም”

15. (ሀ) እታ “ትንሳኤ” እትብል ቃል እንታይ ማለት ኢያ፧ (ለ) እቲ ትንሳኤ ናይ ውልቀ-ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ግድል ዘየምጽኣሉ ስለምን​ታይ ኢዩ፧

15 እታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ዝጥቀሙላ ዝነበሩ “ትንሳኤ” እትብል ቃል: ቃል ብቓሉ “ምትንሳእ” ወይ “ደው ምባል” ዝብል ትርጕም ዘለዋ ኢያ። እዚ ኸኣ ካብቲ ህይወት ዘይብሉ ናይ ሞት ኵነታት ምትንሳእ: ካብቲ ተራ መቓብር ወድሰብ ብድድ ኢልካ ደው ምባል ማለት ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ የሆዋ መናጪ ናይ ህይወት ኢዩ። ሎሚ: ናይ ሰብኡትን ኣንስትን ድምጽን ምስልን ኣብ ቪድዮ ቴፕ ክቐርጽዎ ይኽእሉ ኢዮም: ድሕሪ ሞት ናይቶም ሰባት ድማ ነዚ እተመዝገበ እንደገና ወሊዖም ክርእይዎ ይኽእሉ ኢዮም። ብርግጽ እምበኣር: እቲ ኵሉ ዝኽእል ፈጣሪና ኸኣ ነቲ ናይ ዝዀነ ይኹን ውልቀ-ሰብ ኵሉ ዝርዝር ዛንታ ክምዝግቦ ከምኡውን ንእኡ ወይ ንእኣ እቲ ሓድሽ ኣካል ሂቡ ከተንስኦ ወይ ከተንስኣ ይኽእል ኢዩ።

16. (ሀ) የሱስ ብዛዕባ ኵሎም እቶም ኣብ ናይ ዝኽሪ መቓብር ዘለዉ እንታይ ተስፋ ኢዩ ዝሃበ፧ (ለ) ናይ ሓደ ሰብ ትንሳኤ ከመይ ኰይኑ ክርከብ ከም ዘለዎ ዝውስኖ እንታይ ኢዩ፧

16 የሱስ ክርስቶስ ከምዚ በለ:- “ኣብ [ናይ ዝኽሪ ትሓዓ ] መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ [ናይ የሱስ] ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ሰናይ ዝገበሩ ናብ ትንሳኤ ህይወት: እኩይ ዝገበሩ ኸኣ ናብ ትንሳኤ ፍርዲ ኺወጹ እዮም።” (ዮሃንስ 5:​28, 29) ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ክትንስኡን መገድታቱ ክማሃሩን ኢዮም። ነቶም ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ዝመላለሱ ሰባት: ትንሳኤኦም ትንሳኤ ህይወት ኰይኑ ክረኽብዎ ኢዮም። ነቶም ንትምህርትታትን ኣገዛዝኣን ኣምላኽ ዝነጽጉ ግን ትንሳኤ ናይ ኵነኔ ፍርዲ ኰይኑ ኽርከብ ኢዩ።

17. መን ኢዮም ዝትንስኡ፧

17 እቶም ከም ኣገልገልቲ የሆዋ ኰይኖም መገዲ ጽድቂ ዝሰዓቡ ክትንስኡ ንቡር ኢዩ። ከምኡ ስለ ዝዀነ ኸኣ እቲ ተስፋ ትንሳኤ ንብዙሓት: ሕሱም መስጐግቲ እናወረዶም ከይተረፈ ንሞት ክጋጠምዎ ኣበርቲዕዎም ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወት ክመልሶም ከም ዝኽእል ይፈልጡ ኢዮም። (ማቴዎስ 10:28) እንተዀነ ግን: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሰባት: ምስቲ ጻድቕ ስርዓታት ኣምላኽ ክሰማምዑ ይኽእሉ ምዃኖምን ዘይምዃኖምን ከየርኣዩ ሞይቶም ኢዮም። ንሳቶምውን ክትንስኡ ኢዮም። ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ዝምልከት ኣብ ዕላማ የሆዋ ምትእምማን ስለ ዝነበሮ ከምዚ በለ:- “ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ትንሳኤ ኪኸውን . . . ኣብ ኣምላኽ ተስፋ አሎኒ።”​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15

18. (ሀ) ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ራእይ ኢዩ እተቐበለ፧ (ለ) ኣብቲ “ቀላይ ሓዊ” ዝጠፍእ እንታይ ኢዩ: እቲ “ቀላይ”ከ እንታይ ኢዩ ዘመልክት፧

18 ሃዋርያ ዮሃንስ ብዛዕባ እቶም ተንሲኦም ኣብ ቅድሚ ዙፋን ኣምላኽ ደው ዝበሉ ሓደ መሳጢ ዝዀነ ራእይ ተቐበለ። ድሕርዚ ዮሃንስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት: ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ: ማለት ቀላይ ሓዊ።” (ራእይ 20:​12-14) እስከ ብዛዕብኡ ሕሰብ! ኵሎም እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ካብ ሃደስ (ግሪኽ: ሀይ’ደስ): ወይ ሺኦል: ካብቲ ተራ መቓብር ወድሰብ ክፍትሑ ተስፋ ኣለዎም ማለት እኮ ኢዩ። (መዝሙር 16:10፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:31) ንኣምላኽ የገልግለዎ እንተ ዀይኖም: ብተግባር ከርእይዎ ኣጋጣሚ ክወሃቦም ኢዩ። ብድሕርዚ “ሞትን ሲኦልን” ናብ “ቀላይ ሓዊ” ክድርበዩ ኢዮም: እዚ ኸኣ ልክዕ ከም “ገሃነም” ፍጹም ጥፍኣት ዘመልክት ኢዩ። (ሉቃስ 12:⁠5) ትንሳኤ ምስ ተፈጸመ እቲ ተራ መቓብር ወድሰብ ንገዛእ ርእሱ ጥራዩ ክኸውን: ካብ ህላዌ ኸኣ ከቋርጽ ኢዩ። ኣምላኽ ንማንም ከም ዘየሳቒ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ምምሃርስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ዘጸናንዕ ኰን ኢዩ!​—⁠ኤርምያስ 7:​30, 31

ትንሳኤ ናበይ፧

19. ገለ ካብ ደቅሰብ ናብ ሰማይ ዝትንስኡ ስለምንታይ ኢዮም: ኣምላኽከ እንታይ ዓይነት ኣካል ኢዩ ዝህቦም፧

19 ቍጽሮም እተወሰነ ሰብኡትን ኣንስትን ናብ ሰማያዊ ህይወት ክትንስኡ ኢዮም። ምስ የሱስ ከም ነገስታትን ካህናትን ኰይኖም: ንዅሉ እቲ ወድሰብ ካብቲ ቀዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ዝወረሶ ሳዕቤናት ሞት ኣብ ምፍታሕ ክካፈሉ ኢዮም። (ሮሜ 5:12፣ ራእይ 5:​9, 10) ኣምላኽ ክንደይ ዝዀኑ ኢዩ ምስ ክርስቶስ ክገዝኡ ንሰማይ ዝወስዶም፧ ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ 144,000 ጥራይ ኢዮም። (ራእይ 7:4፣ 14:⁠1) የሆዋ: ንነፍሲ ወከፍ እዞም ዝትንስኡ ኣብ ሰማይ ምእንቲ ክነብሩ መንፈሳዊ ኣካል ክህቦም ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 15:​35, 38, 42-45፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠18

20. እዙዛት ደቅሰብ: እቶም ዝትንስኡውን ሓዊስካ: እንታይ ክረኽቡ ኢዮም፧

20 ካብቶም ሞይቶም ዘለዉ እቶም ዝበዝሑ: ኣብ ገነታዊት ምድሪ ክትንስኡ ኢዮም። (መዝሙር 37:​11, 29፣ ማቴዎስ 6:10) ሓደ ካብቲ ንገለ ሰባት ንሰማይ ክትንስኡ ምኽንያት ኰይኑ ዘሎ ነቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ዘለዎ ዕላማኡ ንምፍጻም ኢዩ። የሱስ ክርስቶስ ከምኡውን እቶም 144,000 ኣብ ሰማይ ኰይኖም ንእዙዛት ደቅሰብ: ቀስ እናበሉ ናብቲ እቶም ቀዳሞት ወለድና ዘጥፍእዎ ፍጽምና ክመልስዎም ኢዮም። እዚ ከምቲ የሱስ ነቲ ኣብ ጥቓኡ ተሸንኪሩ ክመውት ቀሪቡ ዝነበረ ሰብኣይ: ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ ዝበሎ: ነቶም ዝትንስኡውን ዘጠቓልል ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 23:​42, 43

21. ብመሰረት ትንቢት ኢሳይያስን ሃዋርያ ዮሃንስን ሞት እንታይ ክኸ​ውን ኢዩ፧

21 ኣብታ ገነታዊት ምድሪ: እዚ ሎሚ ከምዚ ዝኣመሰለ ከንቱነት ዘምጽእ ዘሎ: ሞት: ኣይክህሉን ኢዩ። (ሮሜ 8:​19-21) ነብዪ ኢሳይያስ: የሆዋ ኣምላኽ “ንሞት ንሓዋሩ ኺውሕጦ” ምዃኑ ኣወጀ። (ኢሳይያስ 25:⁠8) ሃዋርያ ዮሃንስ: ብዛዕባ እቲ እዙዛት ደቅሰብ ካብ ቃንዛን ሞትን ናጽነት ዝረኽብሉ ግዜ ዘመልክት ራእይ ተዋሂቡዎ ነበረ። እወ: “ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:​1-4

22. እቲ ፍልጠት ብዛዕባ ትንሳኤ ብኸመይ ኢዩ ዝትንክፈካ፧

22 እቲ ንጹር ዝዀነ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት: ብዛዕባ ናይ ምዉታት ኵነታት ዘደናግር የብሉን። ቅዱሳት ጽሑፋት ሞት እቲ ክጠፍእ ዘለዎ ናይ ‘መወዳእታ ጸላኢ’ ምዃኑ ብጋህዲ ኢዩ ዝዛረብ። (1 ቈረንቶስ 15:26) ኣየወ ካብ ፍልጠት ናይ ተስፋ ትንሳኤስ ክንደይ ሓይልን ምጽንናዕን ኰን ኢና ክንረክብ እንኽእል! እቶም ኣብ ዝኽሪ ኣምላኽ ዘለዉ ዝሞቱ ፍቑራትና: ካብ ናይ ሞት ድቃስ ተንሲኦም ነቶም ዘፍቅርዎ ዓቝርሎም ዘሎ ኵሉ ጽቡቕ ነገራት ከስተማቕርዎ ብምዃኖምሲ ኣየ ክንደይ ኢዩ ዘሐጕሰና! (መዝሙር 145:16) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ በረኸታት ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ኢዩ ዝፍጸም። ግናኸ መኣስ ኢያ ግዝኣታ ክትጅምር ዝነበራ፧ እስከ ቀጺልና ንርኣዮ።

ፍልጠትካ ምዘን

ኣብ ሰባት ዘሎ መንፈስ እንታይ ኢዩ፧

ኵነታት ናይ ምዉታት ከመይ ገይርካ ምገለጽካዮ፧

መን ኢዮም ዝትንስኡ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 85 ዘሎ ስእሊ]

ልክዕ ከምቲ የሱስ ንኣልኣዛር ካብ መቓብር ዝጸውዖ: ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ድማ ክትንስኡ ኢዮም

[ኣብ ገጽ 86 ዘሎ ስእሊ]

‘ኣምላኽ ንሞት ንሓዋሩ ምስ ወሓጦ’ ሓጐስ ክሰፍን ኢዩ