ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

ምዕራፍ 6

ስለምንታይ ኢና እንኣርግን እንመውትን፧

1. ሊቃውንቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ህይወት ክገልጽዎ ዘይከኣሉ ዘለዉ እን​ታይ ኢዩ፧

 ሊቃውንቲ: ሰባት ስለምንታይ ከም ዝኣርጉን ከም ዝሞቱን ኣይፈልጡን ኢዮም። ዋህዮታትና እናተሓደሱ ክቕጽሉ ከም ዘለዎም ንሕና ኸኣ ንዘለኣለም ክንነብር ከም ዝግብኣና ኢዩ ዝመስል። እታ ህዩጃን ሶሺኪጋኩ (ስርዓት ናይ ስነ-ቅርጸ ኣካል) እትብሃል መጽሓፍ ከምዚ ትብል:- “ምእራግ ናይ ዋህዮታት ምስ ምእራግን ሙማትን ናይ ሓደ ውልቀ-ሰብ ብኸመይ ተተሓሒዙ ከም ዘሎ ክፍለጥ ዘይክእል ሓደ ዓቢ ምስጢር ኢዩ።” ብዙሓት ሊቃውንቲ ህይወት “ባህርያዊ ዘይ​ን⁠ጸል” ደረት ኣለዎ ኢሎም ኢዮም ዝኣምኑ። ልክዕ ዘለዉዶ ይመ​ስ⁠ለ⁠ካ፧

2. ህይወት ቀልጢፋ እትሓልፍ ብምዃና: ገለ ሰባት እንታይ ኢዮም ዝገብሩ ዘለዉ፧

2 ደቂ ሰብ ነዊሕ ዕድመ ኽገብሩ ካብ ቀደም ኣትሒዞም ምስ ተመነዩ ኢዮም: አረ ናብ ደረጃ ዘይሙማት ክበጽሑውን ጽዒሮም ኢዮም። ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣትሒዙ እቲ ከም ዘይትመውት ክገብር ይኽእል ኢዩ ተባሂሉ እተዳለወ መድሃኒት ንኣቓልቦ ናይቶም ቻይናውያን ዓበይቲ ዓዲ ስሒቡ ኢዩ። ገለ ኣብቲ ዳሕራይ እዋን ዝመጹ ናይ ቻይና ሃጸያት: ነቲ ቀመም ህይወት ተባሂሉ ዝጽዋዕ​—⁠ካብ ሜርኵሪ እተሰርሐ​—⁠መድሃኒት ወሰዱ: ግናኸ ሞቱ ደኣ! ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰባት: ሞት መወዳእታ ናይ ህላዌኦም ከም ዘይኰነ ይኣምኑ። ቡድሂስታውያን: ሂንዱ: ኣስላምን ካልኦትን ኵሎም ድሕሪ ሞት ብሩህ ተስፋ ናይ ህይወት ኢዩ ዘለዎም። ኣብ ህዝበ-ክርስትያን: ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ህይወት ሰማያዊ ፍስሃ ከም ዘሎ ኣብ ኣእምሮኦም ይቐርጽዎ ኢዮም።

3. (ሀ) ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ዝብህጉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) ብዛዕባ ሞት እንታይ ሕቶታት ኢዮም ክምለሹ ዘድልዮም፧

3 ድሕሪ ሞት ሓጐስ ከም ዘሎ ዘመልክት ኣምራት: ባህጊ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘሎ ዘንጸባርቕ ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ኣብ ልብና ዝተኸለልና ሓሳብ ናይ ዘለኣለምነት ክዛረብ ከሎ “ንዘለኣለምነት ኣብ ልቢ ሰብ ኣንበሮ” ይብል። (መክብብ 3:⁠11) ነቶም ቀዳሞት ሰባት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክነብሩ ይኽእሉ ምዃኖም ተስፋ ብምሃብ ኢዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 2:⁠16, 17) ስለምንታይ ደኣ ኢዮም እሞ ሰባት ዝሞቱ፧ ሞት ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብ ዓለም ዝኣተወ፧ እቲ ኣምላኽ ዘዳለወልና ፍልጠት ነዚ ሕቶታት እዚ የብርሆ ኢዩ።​—⁠መዝሙር 119:⁠105

እኩይ ውዲት

4. የሱስ ነቲ ብዛዕባ ሰብኣዊ ሞት ተሓታቲ ዝዀነ ገበንኛ ከመይ ገይሩ ኢዩ ዘቃልዖ፧

4 ሓደ ገበነኛ ነቲ ንገበኑ ከቃልዖ ዝኽእል መርትዖ ክሸፋፍኖ ኢዩ ዝፍትን። እቲ በቲ ንቢልዮናት ሰባት ናብ ሞት ዘብጽሐ ገበን ተሓታቲ ዝዀነ ኸኣ: ከምኡ ኢዩ ገይሩ። ሰብኣዊ ሞት ዘይርዱእ ኰይኑ ምእንቲ ክሽፈን ነገራት ከም ዝተሓላለኹ ገበረ። የሱስ ክርስቶስ ነቶም ክቐትልዎ ዝደልዩ ዝነበሩ “ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም: እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርታ ቐታል ነፍሲ እዩ: ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን” ክብሎም ከሎ ነዚ ገበነኛ እዚ ኣቃሊዕዎ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠31, 40, 44

5. (ሀ) መበቈል ናይቲ ሰይጣን ድያብሎስ ዝዀነ እንታይ ነበረ፧ (ለ) እተን “ሰይጣን” ከምኡውን “ድያብሎስ” ዝብላ ቃላት እንታይ ማለት ኢየን፧

5 እወ: ድያብሎስ እኩይ “ቀታል ነፍሲ” ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ንሱ እቲ ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ልቢ ዘሎ እከይ ሓሳብ ዘይኰነስ ሓደ ናይ ሓቂ ኣካል ምዃኑ ይገልጸልና ኢዩ። (ማቴዎስ 4:⁠1-11) ሽሕ’ኳ ከም ሓደ ጻድቕ መልኣኽ ኰይኑ እንተ ተፈጥረ: “ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን።” ሰይጣን ድያብሎስ ዝብል ስም ክሕዝሲ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ኢዩ! (ራእይ 12:⁠9) ንሱ ንየሆዋ ስለ እተጻረሮ ወይ እተቓወሞ “ሰይጣን” ወይ “ተቓዋሚ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። እዚ ገበነኛ እዚ “መካፍኢ” ዝትርጕሙ “ድያብሎስ” ተባሂሉውን ይጽዋዕ ኢዩ: ከመይሲ ንኣምላኽ ጸርፊ ብዝመልኦ መገዲ ኣካፊኡዎ ኢዩ።

6. ሰይጣን ስለምንታይ ኢዩ ኣንጻር ኣምላኽ ዝዓለወ፧

6 ንሰይጣን ኣንጻር ኣምላኽ ክዓሉ ዝደረኾ እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ ስስዐ። ነቲ የሆዋ ካብ ደቂ ሰብ ዝረኽቦ ዝነበረ ኣምልኾ ብስስዐ ተደሪኹ ተመነዮ። ድያብሎስ: ነቲ ንሓደ ፈጣሪ ጥራይ ዝግባእ ኣምልኾ ክቕበል ዝብል ትምኒት ኣይነጸጎን። (ምስ ህዝቅኤል 28:⁠12-19 ኣረኣእዮ።) ኣብ ክንድኡስ: እቲ ሰይጣን ዝዀነ መልኣኽ: ነዚ ስሱዕ ባህጊ እዚ: ክሳዕ ኣጸቢቑ ዓብዩ ንሓጢኣት ዝወልድ ኰስኲስዎ ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠14, 15

7. (ሀ) ሰብኣዊ ሞት እንታይ ኢዩ ጠንቁ፧ (ለ) ሓጢኣት እንታይ ኢዩ፧

7 ነቲ ብገበኑ ንሞት ናይ ብዙሓት ሰባት ምኽንያት ዝዀነ ገበነኛ ኣለሊናዮ ኢና። ግን እቲ ፍሉይ ጠንቂ ናይ ሰብኣዊ ሞት እንታይ ኢዩ፧ መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ሞት ዘምጽእ መንከስቲ ሓጢኣት እዩ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 15:⁠56 ትሓዓ ) ሓጢኣትከ እንታይ ኢዩ፧ ነዛ ቃል እዚኣ ንምርዳእ: ኣብቲ ናይ መጀመርያ ቋንቋታት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ሓሳብ ከም ዝነበሮ ንርአ። እተን መብዝሕትኡ ግዜ “ምሕጣእ” ተባሂለን ተተርጒመን ዘለዋ ናይ እብራይስጥን ግሪኽን ግስታት ዒላማ ምስሓት ወይ ኣብ ሸቶኻ ዘይምብጻሕ ዘመልክት “ምስሓት” ዝብል ትርጕም ኢዩ ዘለወን። እቲ ኵላትና እንስሕቶ ዒላማኸ እንታይ ኢዩ፧ እቲ ዒላማ ፍጹም ተኣዛዝነት ንኣምላኽ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓጢኣት ከመይ ኢሉ ኢዩ ናብ ዓለም ዝኣተወ፧

እቲ ውዲት ብኸመይ ከም እተፈጸመ

8. ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰይጣን ኣምልኾ ናይ ሰባት ክረክብ ዝሃቀነ፧

8 ሰይጣን ንዅሎም ሰባት ንምግዛእን ኣምልኾኦም ድማ ንምቕባልን ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ ኢሉ ዝሓስቦ ውዲት ተጠንቂቑ ኣለመ። ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: ንኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ኣምላኽ ምእንቲ ክሓጥኡ: ከታልሎም ወሰነ። የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ወለድና ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሖም ዝኽእል ፍልጠት ሂብዎም ነበረ። ፈጣሪኦም ኣብታ ምልክዕቲ ገነት ኤደን ኣንቢርዎም ስለ ዝነበረ ሕያዋይ ምንባሩ ይፈልጡ ነይሮም ኢዮም። ብፍላይ ኣዳም ንለውሃት ናይ ሰማያዊ ኣቦኡ ከስተማቕሮ ዝኸኣለ: ሓንቲ መልክዐኛን ሓጋዚትን ሰበይቲ ምስ ሃቦ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:​26292:​7-9,18-33) ናይቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ቀጻሊ ህይወት ኣብ ምእዛዝ ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ ነይሩ።

9. ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰባት እንታይ ትእዛዝ ኢዩ ሂብዎም ዝነበረ: ስለምንታይከ ኢዩ ርትዓዊ ዝነበረ፧

9 ኣምላኽ ንኣዳም “ካብ ኵሉ ኦም ገነት ከም ዝደሌኻ ብላዕ: ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ግና: ካብኣ ምስ እትበልዕ መዓልትስ ሞት ክትመውት ኢኻ እሞ: ካብኣ ኣይትብላዕ” ኢሉ ኣዘዞ። (ዘፍጥረት 2:​16, 17) ከም ፈጣሪ መጠን የሆዋ ኣምላኽ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ከቕውምን: ንፍጡራቱ ድማ እቲ ጽቡቕን ክፉእን እንታይ ከም ዝዀነ ክውስነሎምን መሰል ነበሮ። እቲ ትእዛዙ ርትዓዊ ኢዩ ነይሩ: ምኽንያቱ ኣዳምን ሄዋንን ካብቲ ኣብ ገነት ዝነበረ ካልእ ኣእዋም: ናጻ ዀይኖም ፍሬታት ክበልዑ ይኽእሉ ነይሮም ኢዮም። ብትዕቢት ተመሪሖም ናይ ርእሶም ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣብ ክንዲ ዘቝሙ: ንሕጉ ብምእዛዞም ነቲ ናይ የሆዋ ናይ ምግዛእ መሰል ዘለዎም ሞሳ ከርእዩ ምኸኣሉ ነይሮም።

10. (ሀ) ሰይጣን ንሰባት ናብ ወገኑ ምእንቲ ክስሕቦም ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝቐረቦም፧ (ለ) ሰይጣን ንየሆዋ እንታይ ድራኼታት ኣለዎ ኢሉ ኢዩ ዝጠቀኖ፧ (ሐ) ንስኻኸ ብዛዕባ’ቲ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ኣምላኽ ዘውረዶ መጥቃዕቲ እንታይ ትብል፧

10 ዲያብሎስ ነቶም ቀዳሞት ሰባት ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም ተበላሓተ። ሰይጣን ሻርኡ ክዀኑ ምእንቲ ከስድዖም ኢሉ ሓሰወ። ከምቲ ሓደ ድምጸ-ስዉር ሰብ: ሓደ ምስለ-ኣካል ተጠቒሙ ይዛረብ ከም ዘሎ ዘምስል: ከምኡ ድማ ድያብሎስ ንሄዋን ተመን ተጠቒሙ “ኣምላኽሲ፤ ካብ ኵሉ ኦም ገነት ኣይትብልዑ: ኢሉዶ አዚዙ እዩ፧” ኢሉ ሓተታ። ሄዋን ትእዛዝ ኣምላኽ ምስ ጠቐሰትሉ ሰይጣን “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” በላ። ቀጺሉ “ኣምላኽ ደኣ ካብኣ ምስ እትበልዑ መዓልቲ ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ: ከም ኣምላኽውን ከም እትዀኑ: ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ: ስለ ዝፈለጠ እዩ” ብምባል: ሕማቕ ድራኼ ከም ዝነበሮ ገይሩ ንየሆዋ ጠቀኖ። (ዘፍጥረት 3:⁠1-5) በዚ ድማ ድያብሎስ: ኣምላኽ ሓደ ሰናይ ነገር ሓቢኡሎም ከም ዝነበረ ኢዩ ኣሚቱ። ኣየ እዝስ ኣብቲ ሓቀኛ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዝወረደ ከመይ ዝበለ ናይ ምክፋእ መጥቃዕቲ ኰን ኢዩ!

11. ኣዳምን ሄዋንን ከመይ ገይሮም ኢዮም ናይ ሰይጣን ተሓባበርቲ ዝዀኑ፧

11 ሄዋን እንደገና ናብታ ኦም ገጻ ጠመተት: እታ ፍሬኣ ኸኣ: ሕጂ ብፍላይ ተባሃጊት መሲላ ተራእየታ። ስለዚ ነታ ፍረ ወሰደታ እሞ: በልዐታ። ጸኒሑ ኸኣ ሰብኣያ ኣብዚ ንትእዛዝ ኣምላኽ ዝጥሕስ ሓጥእ ተግባር ፈትዩ ተጸምበራ። (ዘፍጥረት 3:⁠6) ሽሕ’ኳ ሄዋን ተታሊላ እንተ ነበረት: ክልቲኦም ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ንሰብኣዊ ዓሌት ምግዛእ ዝብል ውዲት ሰይጣን ደገፍዎ። ከም ሳዕቤኑ ኸኣ ተሓባበርቱ ዀኑ።​—⁠ሮሜ 6:⁠16፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠14

12. እቲ ኣንጻር ኣምላኽ እተገብረ ናይ ሰባት ዕልወት እንታይ ኣፍረየ፧

12 ኣዳምን ሄዋንን: ምስ ሳዕቤን ናይቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲ ናይ ግድን ክጋጠሙ ነበሮም። ፍሉይ ፍልጠት ብምሓዝ ከም ኣምላኽ ክዀኑ ኣይከኣሉን። ኣብ ክንድኡስ: ሕፍረት ደኣ ተሰምዖም እሞ ተሓብኡ። የሆዋ ንኣዳም ተጸባጸቦ: ቀጺሉ ኸኣ እዚ ፍርዲ እዚ ወሰነሉ:- “ናብታ እተፈጠርካላ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ: እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። መሬት ኢኻ እሞ: ናብ መሬት ድማ ትምለስ።” (ዘፍጥረት 3:⁠19) በታ እቶም ቀዳሞት ወለድና ካብታ ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም ዝበልዑላ “መዓልቲ” ብኣምላኽ ተፈርዱ: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ከኣ ምዉታት ነበሩ። ሽዑ ካብ ገነት ተሰጕ እሞ ናብ ስጋዊ ሞት ክሳዕ ዝበጽሑ: ኣካላቶም ቀስ እናበለ ክፈርስ ጀመረ።

ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሐ

13. ሓጢኣት ብኸመይ ኢዩ ኣብ ኵሉ ሰብኣዊ ዓሌት ዘስፋሕፍሐ፧

13 ሰይጣን ካብ ሰባት ክብረት ክረክብ ዝወጠኖ ውዲት እተዓወተ ኢዩ ዝመስል። ይኹን እምበር: ነቶም ኣምለኽቱ ብህይወት ከንብሮም ኣይከኣለን። ሓጢኣት ኣብቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ክዓዪ ምስ ጀመረ: ናብ ዘርኦም ፍጽምና ከመሓላልፉ ኣይከኣሉን። ከምቲ ኣብ እምኒ እተወቕረ ጽሑፍ: ሓጢኣት ድማ ኣብቲ ዘርኢ ናይቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዕሚቝ ተወቀጠ። በዚ ኸኣ ዘይፍጹማት ውሉዳት ጥራይ ኢዮም ከፍርዩ ዝኽእሉ ነይሮም። ኵላቶም ደቆም: ኣዳምን ሄዋንን ድሕሪ ምሕጥኦም ስለ እተጠንሱ ዘርኦም ሓጢኣትን ሞትን ወረሱ።​—⁠መዝሙር 51:⁠5፣ ሮሜ 5:⁠12

14. (ሀ) ነቶም ብሓጢኣቶም ዘይእመኑ ምስ መን ከነመሳስሎም ምኸ​ኣልና፧ (ለ) እቶም እስራኤላውያን ብኸመይ ኢዮም ብዛዕባ ሓጢኣቶም ከም ዝፍለጦም ክዀኑ ዝኸኣሉ፧

14 ሎሚ ግን ብዙሓት ሰባት ሓጢኣተኛታት ምዃኖም ኣይኣምኑን ኢዮም ዘለዉ። ኣብ ገለ ክፍልታት ዓለም: እቲ ብዛዕባ ውርሻ ሓጢኣት ዝገልጽ ኣምር ብሓፈሻ ኣይፍለጥን ኢዩ። እዚ ግን: ሓጢኣት ከም ዘየለ መረጋገጺ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ሓደ ኣብ ገጹ ርስሓት ዘለዎ ወዲ: ኣነ ጽሩይ እየ ክብል ይኽእል ይኸውን: ገጹ ኣብ መስትያት ምስ ረኣየ ጥራይ ኸኣ ኢዩ ርስሓት ከም ዘለዎ ክእመን ዝኽእል። እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያን: ሕጊ ኣምላኽ ብነቢኡ ሙሴ ኣቢሎም ምስ ተቐበሉ ከምዚ ወዲ እዚ ኢዮም ነይሮም። እቲ ሕጊ: ሓጢኣት ከም ዘሎ ብጋህዲ ኣፍሊጡ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ “ብዘይ ሕጊ ግና ንሓጢኣት ኣይምፈለጥክዎን ነይረ” ኢሉ ይገልጽ። (ሮሜ 7:⁠7-12) ከምቲ እቲ ወዲ ናብ መስትያት ኣቢሉ ዝጥምት: እስራኤላውያን ከኣ ሕጊ ተጠቒሞም ናብ ገዛእ ርእሶም ብምጥማት: ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ዘይንጹሃት ምንባሮም ክፈልጡ ከኣሉ።

15. ኣብ መስትያት ናይ ቃል ኣምላኽ ብምርኣይ: እንታይ ኢዩ ዝግለጽ፧

15 ናብ መስትያት ናይ ቃል ኣምላኽ ብምጥማት: ንስርዓታቱ ድማ ብምዕዛብ ዘይፍጹማት ምዃንና ክንርኢ ንኽእል ኢና። (ያእቆብ 1:⁠23-25) ንኣብነት: ከምቲ ኣብ ማቴዎስ 22:⁠37-40 ተመዝጊቡ ዘሎ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ንኣምላኽን ንብጾቶምን ምፍቃር ዝበሎም እሞ መርምሮ። ኣብዚ መዳያት እዚ ክንደይ ግዜ ኰን ኢዮም ሰባት ነቲ ዒላማ ዝስሕትዎ! ብዙሓት ሰባት ንኣምላኽ ወይ ንብጾቶም ፍቕሪ ካብ ምርኣይ ብምስናፎም: ሕልናኦም ዋላ ክንዲ ቅንጣብ እኳ ትኹን ኣይስምዖምን ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 10:⁠29-37

ካብ ብልሓታት ሰይጣን ተጠንቀቑ!

16. ንናይ ሰይጣን ውዲት ግዳይ ምእንቲ ከይንኸውን እንታይ ኢና ከነርሕቕ እንኽእል: ስለምንታይከ ኢዩ እዚ ከቢድ ዝኸውን፧

16 ሰይጣን ደይመደይ ኢልና ብሓጢኣት ምእንቲ ክንመላለስ ክደፋፍኣና ኢዩ ዝደሊ። (1 ዮሃንስ 3:​8) ግዳይ ናይ ውዲቱ ካብ ምዃን ከነምልጠሉ እንኽእል መገዲ ኣሎዶ፧ እወ ኣሎ: እዚ ግን ደይመደይ ኢልና ሓጢኣት ክንገብር ንዝደፋፍኣና ዝንባሌታት ክንቃለሶ የድሊ። እዚ ቀሊል ኣይኰነን: ምኽንያቱ እቲ መፋጥርትና ዝዀነ ሓጢኣት ናይ ምግባር ዝንባሌ ኣዝዩ ሓያል ኢዩ። (ኤፌሶን 2:​3) ጳውሎስ ናይ ሓቂ ቃልሲ ኢዩ ክጅምር ዝነበሮ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ሓጢኣት ኣብኡ ሰፊሩ ስለ ዝነበረ ኢዩ። ሞገስ ኣምላኽ ክንረክብ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ንሕናውን ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሓጥእ ዝንባሌታት ክንቃለሶ ይግባኣና።​—⁠ሮሜ 7:⁠14-24፣ 2 ቈረንቶስ 5:⁠10

17. ነቲ ኣንጻር ሓጥእ ዝንባሌታትና እንገብሮ ቃልሲ ዝያዳ ዘኽብዶ እን​ታይ ኢዩ፧

17 ሰይጣን: ሕግታት ኣምላኽ ምእንቲ ከነፍርስ ከስድዓና ኢሉ ብዘይምቁራጽ ኣጋጣሚታት ዝጸናጸን ስለ ዝዀነ: ኣንጻር ሓጢኣት እንገብሮ ቃልሲ ቀሊል ኣይኰነን። (1 ጴጥሮስ 5:8) ጳውሎስ ንብጾቱ ክርስትያናት ሓልዮት ብምርኣይ ከምዚ በሎም:- “ግናኸ ከምቲ ተመን ብጕርሑ ንሄዋን ዘስሐታ: ከምኡውን ሓሳብኩም ካብቲ ናብ ክርስቶስ ዚኸውን ገርህነትን ንጽህናን ምናልባሽ ከይጠፍእ እፈርህ አሎኹ።” (2 ቈረንቶስ 11:⁠3) ሰይጣን ሎሚውን ተመሳሳሊ ብልሓታት ኢዩ ዝጥቀም። ብዛዕባ ናይ የሆዋ ለውሃትን ንሕጊ ኣምላኽ ብምእዛዝ ዝርከብ ረብሓን: መንፈስ ጥርጠራ ክዘርእ ኢዩ ዝፍትን። ድያብሎስ: ነቲ ዝወረስናዮ ሓጥእ ዝንባሌታት ከም ኣጋጣሚ ተጠቒሙ መገዲ ትዕቢት: ስስዐ: ጽልኢ: ሻርነት ከም እንስዕብ ክገብረና ኢዩ ዝፍትን።

18. ሰይጣን ሓጢኣት ንኸማዕብል ንዓለም ብኸመይ ይጥቀመላ፧

18 ሓደ ካብቲ ሰይጣን ኣንጻርና ዝጥቀመሉ ሜላ: እዛ ኣብ ኢዱ ወዲቓ ዘላ ዓለም ኢያ። (1 ዮሃንስ 5:​19) ጥንቁቓት እንተ ዘይኴንና: ኣብዛ ኣብ ዙርያና ዘላ ዓለም ዘለዉ ብልሹዋትን ዘይቅኑዓትን ሰባት: ነቲ ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት ኣምላኽ ዝጥሕስ ሓጥእ መገዲ ክንስዕብ ጸቕጢ ከምጽኡልና ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 4:​3-5) ብዙሓት ሰባት ንሕግታት ኣምላኽ ሸለል ይብልዎ: አረ ሕሉፍ ሓሊፎምሲ ነቲ ሕልናኦም ሸቕ ኣቢሉ ዝወግኦም ዝነበረ እኳ ግዲ ኣይገብርሉን: ኣማስይኡ ኸኣ ንሕልናኦም ኣደንዘዝዎ። (ሮሜ 2:​14, 15፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:​1, 2) ገሊኦም: ነቲ ቐደም እቲ ዘይፍጹም ሕልናኦምውን ከይተረፈ ንምውሳዱ ዘየፍቅደሎም ዝነበረ መገዲ በብቕሩብ ርዒሞም ኢዮም።​—⁠ሮሜ 1:​24-32፣ ኤፌሶን 4:​17-19

19. ጽፉፍ ናብራ ህይወት ሒዝካ ምምልላስ እኹል ዘይከውን ስለም​ንታይ ኢዩ፧

19 ኣብዛ ዓለም እዚኣ ብጽፉፍ ናብራ ምንባር ሓደ ዓወት ኢዩ። ይኹን እምበር: ንፈጣሪና ባህ ንምባል ካብዚ ንላዕሊ ኢዩ ዝድለ። ኣብ ኣምላኽ እምነት ክህልወናን ናብኡ ድማ ሓላፍነት ክስማዓናንውን ይግባእ። (እብራውያን 11:​6) ወደ መዝሙር ያእቆብ “እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ: ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (ያእቆብ 4:​17) እወ: ንኣምላኽን ንትእዛዛቱን ደይመደይ ኢልካ ምጥሓስ ንገዛእ ርእሱ ሓደ ዓይነት ሓጢ​ኣት ኢዩ።

20. ሰይጣን ከመይ ገይሩ ኢዩ ቅኑዕ ነገር ካብ ምግባር ክዓግተካ ዝኽእል: ግን ንኸምዚ ዝበለ ጸቕጥታት ክትቃወሞ ዘኽእለካ እንታይ ኢዩ፧

20 ሰይጣን ነቲ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ገይርካ ክትረኽቦ እትጽዕር ዘሎኻ ፍልጠት ኣምላኽ: ምጽራር ከም ዘለዓዕለሉ ፍሉጥ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸቕጢ ቅኑዕ ካብ ምግባር ክዓግተካ ከም ዘይትፈቕደሉ ተስፋ ንገብር። (ዮሃንስ 16:​2) ኣብ ግዜ ኣገልግሎቱ ብዙሓት መኳንንቲ ብየሱስ ኣሚኖም ነበሩ: ግናኸ ካብቲ ማሕበረሰብ ከይንጸሉ ስለ ዝፈርሁ ኣየግሃዱን። (ዮሃንስ 12:​42, 43) ሰይጣን ንዝዀነ ይኹን ፍልጠት ኣምላኽ ዝደሊ ሰብ: ብዘይንሕስያ ከፈራርሆ ኢዩ ዝደሊ። ይኹን እምበር: ነቲ የሆዋ ዝገበሮ መስተንክር ነገራት ኵሉ ግዜ ክትዝክሮን ከተማስወሉን ይግባእ። ምናልባትውን ነቶም ተጻረርቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ሞሳ ንኽህልዎም ክትሕግዞም ትኽእል ትኸውን።

21. ንዓለምን ነቲ ሓጥእ ዝንባሌታትናን ብኸመይ ኢና ክንስዕሮም እንኽእል፧

21 ዘይፍጹማት ሰባት ክሳዕ ዝዀንና: ሓጢኣት ክንገብር ኢና። (1 ዮሃንስ 1:​8) ይኹን እምበር: ኣብዚ ውግእ እዚ ክንቃለስ ከሎና ሓገዝ ኣሎና። እወ: ኣንጻር እቲ እኩይ ሰይጣን ድያብሎስ ኣብ እንገብሮ ቃልሲ ዕዉታት ኴንና ክንወጽእ ይከኣል ኢዩ። (ሮሜ 5:​21) ኣብቲ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በዘን ቃላት እዚአን ገይሩ ኣጸናንዖም:- “ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኩም። ግናኸ ኣጆኹም: ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ።” (ዮሃንስ 16:​33) ዘይፍጹማት ሰባትውን ብሓገዝ ኣምላኽ ንዓለም ክስዕርዋ ይኽእሉ ኢዮም። ሰይጣን: ነቶም ዝጻረርዎን ‘ንኣምላኽ ዝግዝእዎን’ ክቈጻጸሮም ኣይክእልን ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠7፣ 1 ዮ⁠ሃንስ 5:⁠18) ቀጺልና ክንርእዮ ከም ዘሎና: ኣምላኽ ካብ ባርነት ሓጢኣትን ሞትን እንላቐቐሉ መገዲ ኣዳልዩ ኣሎ።

ፍልጠትካ ምዘን

ሰይጣን ድያብሎስ መን ኢዩ፧

ስለምንታይ ኢዮም ሰባት ዝኣርጉን ዝሞቱን፧

ሓጢኣት እንታይ ኢዩ፧

ሰይጣን ንሰባት ፈትዮም ኣንጻር ኣምላኽ ከም ዝሓጥኡ ዝገብሮም ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 54፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]