ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ስለምንታይ ሓጐስ ከም ዘምጽእ

ብኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ስለምንታይ ሓጐስ ከም ዘምጽእ

ምዕራፍ 13

ብኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ስለምንታይ ሓጐስ ከም ዘምጽእ

1. መገዲ የሆዋ ሓጐስ የምጽእ ኢዩ ክንብል እንኽእልሲ ስለምንታይ ኢና፧

 የሆዋ ‘[ሕጕስ ትሓዓ ] ኣምላኽ’ ኢዩ: ንህይወት ከተስተማቕራ ድማ ይደልየካ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) ብመገድታቱ ብምምልላስ: ንርእስኻ ክትጥቀም ኢኻ: ቅሳነትካ ድማ ከምቲ ወትሩ ዝውሕዝ ፈለግ ኰይኑ ዓሚቝን ነባርን ክኸውን ኢዩ። ብመገዲ ኣምላኽ ምምልላስ ንሓደ ሰብ “ከም ማዕበል ባሕሪ” ዝኣመሰለ ቀጻሊ ናይ ጽድቂ ተግባራት ንምፍጻም እውን ይድርኾ ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ሓቂ ሓጐስ ዘምጽእ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 48:⁠17, 18

2. ክርስትያናት: ሽሕ’ኳ ሓድሓደ ግዜ ይግፍዑ እንተዀኑ: ከመይ ኢሎም ኢዮም ሕጕሳት ክዀኑ ዝኽእሉ፧

2 ‘ሓድሓደ ግዜ ሰባት ቅኑዕ ብምግባሮም ይሳቐዩ ኢዮም’ ዝብል ተቓውሞ ብገለ ሰባት ክስማዕ ይኽእል ኢዩ። ሓቂ ኢዩ: ንሃዋርያት የሱስውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ኣጋጢምዎም ነይሩ: እንተዀነ ግን: ዋላ’ኳ እንተ ተሰጐጉ ተሓጒሶምን ‘ብስራት የሱስ ክርስቶስ [ኣውጆምን ትሓዓ ] እዮም።’ (ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠40-42) ካብዚ ኣገደስቲ ዝዀኑ ትምህርትታት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ሓደ ካብኡ: ኣምላኻዊ ናብራ ምንባርና ኵሉ ሳዕ ጽቡቕ ተቐባልነት ክንረክብ ውሕስነት ክዀነና ኣይክእልን ኢዩ። “ግናኸ” ይብል ሃዋርያ ጳውሎስ “እቶም ብክርስቶስ የሱስ ብፍርሃት እግዚአብሄር ኪነብሩ ዚደልዩ ዅሎም ኪስጐጉ እዮም።” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12) ናይዚ ነገር እዚ ምኽንያት ድማ ሰይጣንን ዓለሙን ነቶም ብኣምላኻዊ ናብራ ዝመላለሱ ዝጻረርዎም ስለ ዝዀኑ ኢዩ። (ዮሃንስ 15:⁠18, 19፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8) እንተዀነ ግን: ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ደጋዊ ነገራት እተመርኰሰት ኣይኰነትን። ኣብ ክንድኡስ: ቅኑዕ ነገር ንገብር ከም ዘሎናን ካብ ኣምላኽ ድማ ናይ ስምረት ፍሽኽታ ከም ዘሎናን ብምትእምማን ኢዩ ዝመጽእ።​—⁠ማቴዎስ 5:⁠10-12፣ ያእቆብ 1:⁠2, 3፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠13, 14

3. ኣምልኾ የሆዋ ንናይ ሓደ ሰብ ህይወት ብኸመይ ክትንክፎ ይግባእ፧

3 ሳሕቲ: ንኣምላኽ ዘለዎም ተወፋይነት እናኣርኣዩ ኣብ ካልእ ግዜያት ድማ ብዛዕብኡ እናረስዑ ሞገስ ኣምላኽ ዝረኽቡ ኰይኑ ዝስምዖም ሰባት ኣለዉ። ናይ የሆዋ ኣምላኽ ሓቀኛ ኣምልኾ ከምኡ ኣይኰነን። ንናይ ሓደ ሰብ ጠባይ ኣብ ኵሉ እተባራበረሉ ሰዓታት: ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ: ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይትንክፎ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ “እቲ መገዲ” ተባሂሉውን ዝጽዋዕ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:⁠9፣ ኢሳይያስ 30:⁠21) ዘረባናን ተግባራትናን ምስ ቃል ኣምላኽ ኣሰማሚዕና ክንነብር ዝደልየና እቲ ናይ ኣምላኻዊ መገዲ ኣነባብራ ኢዩ።

4. ብመገድታት ኣምላኽ ምእንቲ ክትነብር ለውጥታት ምግባር ጠቓሚ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

4 ሓደስቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሆዋ ምእንቲ ከሐጕስዎ ኣብ ህይወቶም ገለ ለውጥታት ክገብሩ ከም ዝግብኦም ምስ ተማህሩ: ‘ኣምላኻዊ ናብራ ብሓቂ ዓስቢ ዘለዎ ድዩ፧’ ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ ይዀኑ። ከምኡ ምዃኑ ርግጸኛ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ “ኣምላኸ ፍቕሪ እዩ”: ስለዚ ኸኣ መገድታቱ ንጥቕምና ዝዓለመ ኢዩ። (1 ዮሃንስ 4:⁠8) ከምኡውን ኣምላኽ ጥበበኛ ኢዩ: እቲ ንዓና ዝሓይሽ ድማ ይፈልጦ ኢዩ። የሆዋ ኵሉ ዝኽእል ስለ ዝዀነ: ንሕማቕ ኣመል ብምቍራጽ ምእንቲ ከነሐጕሶ ነቲ ሰናይ ትምኒትና ንምፍጻም ከሐይለና ይኽእል ኢዩ። (ፊልጲ 4:⁠13) እስከ ቀጺልና ገለ ኣብ ኣምላኻዊ ኣነባብራ እቱዋት ዝዀኑ ስርዓታት ንመርምር: ንዕኦም ኣብ ግብሪ ምውዓል ድማ ከመይ ገይሩ ሓጐስ ከም ዘምጽእ ንመልከት።

ቕንዕና ሓጐስ የፍሪ

5. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓሶትን ስርቅን እንታይ ኢዩ ዝብል፧

5 የሆዋ “ኣምላኽ ሓቂ” ኢዩ። (መዝሙር 31:⁠5) ብዘይጥርጥር: ኣብነቱ ክትስዕብን ከም ሓቀኛ ሰብ ኴንካ ክትፍለጥን ትደሊ ኢኻ። ቅንዕና ናብ ውርዝናን ጥዑይ ሕልናን ዝመርሕ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ኣብዛ ሓጥእ ዓለም ብዘይቅንዕና ምምልላስ ልሙድ ኰይኑ ስለ ዘሎ: ክርስትያናት እዚ መዘኻኸሪ እዚ የድልዮም ኢዩ:- “ነፍሲ ወከፍ ምስ ብጻዩ ሓቂ ተዛረቡ። . . . እቲ ዝሰረቐ: ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህለዎስ . . . ይጽዐር እምበር: ደጊምሲ ኣይስረቕ።” (ኤፌሶን 4:⁠25, 28) ክርስትያን ሰራሕተኛታት ኣብ ናይ መዓልቲ ስርሖም ብቕንዕና ክሰርሑ ይግባእ። እቲ ወሃብ ስራሕ እንተ ዘይፈቒድሎም: ነቲ ንሱ ዝውንኖ ነገራት ኣይወስድዎን ኢዮም። እቲ ንየሆዋ ዘምልኽ ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣብ ገዛ እንተኣልዩ: ‘ኣብ ኵሉ ነገራት ቅኑዕ’ ክኸውን ኣለዎ። (እብራውያን 13:⁠18) ዝዀነ ይኹን ሓሶት ወይ ስርቂ ዘዘውትር ሰብ: ሞጎስ ኣምላኽ ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 5:⁠19፣ ራእይ 21:⁠8

6. ቅንዕና ናይ ሓደ ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ከመይ ኢሉ ኢዩ ንየሆዋ ክብሪ ዘምጽኣሉ፧

6 ቅኑዕ ምዃን ብዙሕ በረኸት ኢዩ ዘፍርየልካ። ሳሌና ንየሆዋ ኣምላኽን ነቲ ጻድቕ ስርዓታቱን እተፍቅር ሓንቲ ስእንቲ ኣፍሪቃዊት መበለት ኢያ። ሓደ መዓልቲ ሓደ ናይ ባንክ ናይ ሕሳብ መዝገብን ብዙሕ ገንዘብን ዝሓዘ ናይ ኢድ ሳንጣ ወዲቑ ረኸበት። ናይ ተሌፎን መሐበሪ ተጠቒማ: ነቲ ዋና​—⁠እተዘምተ በዓለ ድኳን​—⁠ክትረኽቦ ከኣለት። ሳሌና ኣዝያ ሓሚማ ክነሳ ምስ በጽሓቶን ንዅሉ እቲ ኣብ ሳንጣ ዝነበረ ገንዘቡ ኸኣ ምስ መለሰትሉን ደንጽይዎ ምእማን ሰኣነ። “ከምዚ ዝኣመሰለ ቅንዕና ክሽለም ይግብኦ ኢዩ” ኢሉ ድማ ካብቲ ገንዘብ ሃባ። ብዝዓበየ ኸኣ እዚ ሰብኣይ እዚ ንሃይማኖት ሳሌና ወደሶ። እወ: ቅኑዕ ተግባራት ንትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይስልሞ: ንየሆዋ ኣምላኽ የኽብር: ነቶም ቅኑዓት ኣምለኽቲ የሆዋ ኸኣ ሓጐስ የምጽኣሎም ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 2:⁠10፣ 1 ጴጥሮስ 2:⁠12

ልግሲ ሓጐስ የምጽእ

7. ጠላዕ ምጽዋት እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

7 ለጋስ ብምዃንካ ሓጐስ ትረክብ ኢኻ: ስሱዓት ሰባት ግን “ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።” (1 ቈረንቶስ 6:⁠10) ጠላዕ ሓደ ዝውቱር ዝዀነ ዓይነት ስስዐ ኢዩ: እዚ ኸኣ ብናይ ካልኦት ክሳራ ገንዘብ ክትገብር ከተጥሪ ኢልካ ምፍታን ኢዩ። የሆዋ ነቶም “ርኹስ ረብሓ” ዝደልዩ ሰባት ኣይሰምሮምን ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 3:⁠8) ዋላ ኣብቲ ጠላዕ ሕጋዊ ዝዀነሉን ጠላዕ ምጽዋት ድማ ከም መዘናግዒ ዝሕሰበሉን ከይተረፈ: ሓደ ሰብ ናቱ ወልፊ ዘለዎን ነቲ ንህይወት ብዙሓት ዘጥፍእ ልምዲ ድማ ዘማዕብልን ኰይኑ ክርከብ ይኽእል ኢዩ። ጠላዕ ብዙሕ ግዜ ንስድራቤት እቲ ተጣላዓይ: ኣድላዪ ዝዀነ ነገራት ከም መግብን ክዳንን መዐደጊ ዝኸውን ገንዘብ ከም ዝስእኑ ገይሩ ኣብ ሽግር ኢዩ ዘውድቖም።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠10

8. የሱስ ከመይ ገይሩ ኢዩ ሰናይ ኣብነት ናይ ልግሲ ዝሓደገ: ንሕናኸ ከመይ ገይርና ኢና ለጋሳት ክንከውን እንኽእል፧

8 ክርስትያናት ብምኽንያት ፍቕራዊ ልግሶም: ንኻልኦት ብፍላይ ከኣ ነቶም ስኡናት ኣመንቲ ብጾቶም ክሕግዙ ኸለዉ ሓጐስ ይረኽቡ ኢዮም። (ያእቆብ 2:⁠15, 16) የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: ነቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ዘርኣዮ ልግሲ ይዕዘቦ ነይሩ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:⁠16, 17) የሱስ ባዕሉ: ኣብ ክንዲ ደቅሰብ ግዜኡ: ክእለቱ: አረ ህይወቱ እውን ከይተረፈ ሂቡ ኢዩ። ስለዚ “ካብ ኣብ ምቕባል ኣብ ምሃብ ዝያዳ ሓጐስ ኣሎ” ክብል ብቝዕ ኢዩ ነይሩ። (ግብሪ ሃዋረያት 20:⁠35 ትሓዓ ) ከምኡውን የሱስ ብዛዕባ እታ ኣብቲ ቤተ መቕደስ ሳጹን ምጽዋት ብልግሲ ተደሪኻ ክልተ ለብጦን ዘውደቐት ድኻ መበለት ጽቡቕ ተዛረበ: ከመይሲ ንሳ “ዘለዋ ዘበለ ዅሉ ምግባ” ኢያ ዝሃበት። (ማርቆስ 12:⁠41-44) እቶም ጥንታውያን እስራኤላውያንን እቶም ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናትን ንጉባኤን ነቲ ናይ መንግስቲ ዕዮን ንዋታዊ ደገፍ ብዛዕባ ምሃብ ሰናይ ኣብነታት ናይ ብሓጐስ እተደረኸ ልግሲ ገዲፎምልና ኣለዉ። (1 ዜና መዋእል 29:⁠9፣ 2 ቈረንቶስ 9:⁠11-14) ኣብዚ ግዜዚ ዘለዉ ክርስትያናት: ነዚ ዕላማታት እዚ ዝኸውን ንዋታዊ ወፈያታት ኣብ ርእሲ ምግባሮም: ንኣምላኽ ተሓጒሶም ምስጋና የቕርቡሉ: ንህይወቶም ድማ ኣብ ኣገልግሎቱ የውዕልዎ። (ሮሜ 12:⁠1፣ እብራውያን 13:⁠15) ነቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ንምድጋፍን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ስብከት ብስራት መንግስቲ ንምድንፋዕን ግዜኦም: ጉልበቶም: ከምኡውን ካልእ ጥሪቶምን ገንዘቦምን ክጥቀሙሉ ኸለዉ የሆዋ ይባርኾም ኢዩ።​—⁠ምሳሌ 3:⁠9, 10

ሓጐስ ዘደንፍዑ ካልኦት ረቛሒታት

9. ኣልኮላዊ መስተ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧

9 ክርስትያናት ሕጕሳት ምእንቲ ክዀኑ ‘ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለቶምውን ክሕልውዎ’ ይግባእ። (ምሳሌ 5:⁠1, 2 ትሓዓ ) እዚ ኸኣ ቃል ኣምላኽ ከምኡውን ጥዑይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምንባብን ምስትንታንን ይሓትት። ይኹን እምበር: ክውገዱ ዝግብኦም ነገራት ድማ ኣለዉ። ንኣብነት: ኣልኮላዊ መስተ ካብ መጠን ንላዕሊ ምስታይ ንሓደ ሰብ ኣተሓሳስብኡ ክቆጻጸር ከም ዘይክእል ክገብሮ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ኣእምሮ ኵነታት ብዙሓት ሰባት ኣብ ብዕሉግ ጠባያት ይኣትዉ: የናዕቡ: ሞት ዘስዕብ ሓደጋታት ድማ ይፍጽሙ። መጽሓፍ ቅዱስ ሰኽራማት ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይክወርስዋን ኢዮም ምባሉ እምበኣር ዘገርም ኣይኰነን! (1 ቈረንቶስ 6:⁠10) ሓቀኛታት ክርስትያናት “ጥቅው ኣእምሮ” ሒዞም ክመላለሱ ቈራጽነት ብምግባር ንስኽራን ወጊድ ኢዮም ዝብልዎ: እዚ ኸኣ ኣብ ሞንጎኦም ሓጐስ ዘደንፍዕ ኢዩ።​—⁠ቲቶስ 2:⁠2-6

10. (ሀ) ክርስትያናት ስለምንታይ ኢዮም ትምባኾ ዘይጥቀሙ፧ (ለ) ወልፊ ዘትሕዙ ኣመላት ምቍራጽ እንታይ ጥቕምታት የምጽእ፧

10 ጽሩይ ኣካላት ንሓጐስ ኣበርክቶ ኣለዎ። ይኹን እምበር: ብዙሓት ሰባት ናይ ጐዳኢ ዝዀነ ንጥረ ነገራት ዉሉፋት ኰይኖም ኣለዉ። ንኣብነት: ብዛዕባ ምዝውታር ትንባኾ ንመልከት። ኣህጉራዊ ውድብ ጥዕና: ሽጋራ ምስታይ “ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ይቐትል” ብምባል ጸብጻብ የቕርብ። ሓድሓደ ናይ ቀጨውጨው ምልክት ከጋጥም ስለ ዝኽእል ናይ ትንባኾ ኣመል ምቍራጽ ክብድ ዝበለ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። በቲ ኻልእ ወገን ከኣ ብዙሓት ሽጋራ ዘትክኹ ዝነበሩ ጥዕናኦም ከም እተመሓየሸን ንድሌት ስድራቤቶም ዝኸውን ድማ ዝያዳ ገንዘብ ከም ዝረኸቡን ተገንዚቦም ኢዮም። እወ: ልምዲ ትምባኾ ወይ ንዝዀነ ይኹን ካልእ ጐዳኢ ነገራት ወልፊ ምሽናፍ ጽሩይ ኣካላትን ጽጹይ ሕልናን ሓቀኛ ሓጐስን ከስዕብ ይኽእል ኢዩ።​—⁠2 ቈረንቶስ 7:⁠1

ሓጐስ ኣብ መርዓ

11. ሕጋውን ነባርን ዝዀነ ክቡር መርዓ ምእንቲ ክህልወካ እንታይ የድሊ፧

11 እቶም ከም ሰብኣይን ሰበይትን ኰይኖም ብሓደ ዝነብሩ ዘለዉ: መርዓኦም ኣብ ሲቪላዊ ስልጣን ብግቡእ ከም እተመዝገበ ከረጋግጹ ኣለዎም። (ማርቆስ 12:⁠17) ከምኡውን ነቲ ናይ መውስቦ ኪዳን ከም ሓደ ረዚን ሓላፍነት ገይሮም ክወስድዎ ይግባእ። ሓቂ ኢዩ: ደይመደይ ኢልካ ዘይምሕጋዝ: እምብዛ ምግፋዕ ወይ ንመንፈሳውነት ኣብ ከቢድ ሓደጋ ዘእቱ ኵነታት እንተ ኣጋጢሙ ምፍልላይ ኣድላዪ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8፣ ገላትያ 5:⁠19-21) ይኹን እምበር: እቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 7:⁠10-17 ዘሎ ቃላት ናይ ጳውሎስ ነቶም ናይ መርዓ ብጾት ብሓደ ክነብሩ ኢዩ ዘተባብዖም። ጳውሎስ “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 13:⁠4) እቲ “መደቀስ ኣሚን” ዝብል ሓረግ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ንሓድሕዶም ብሕጋዊ መገዲ እተመርዓዉ ሰብኣይን ሰበይትን ዝውዕል ጾታዊ ርክብ ዘመልክት ኢዩ። ካልእ ናይ ጾታዊ ርክብ ዝምድና: ከም ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው: “ኣብ ኵሉ ኽቡር” ተባሂሉ ክጽዋዕ ኣይክእልን ኢዩ። ብተወሳኺ መጽሓፍ ቅዱስ ቅድሚ መርዓ ንዝግበር ጾታዊ ርክብን ግብረ-ሶዶምን ይዅንኖ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 1:⁠26, 27፣ 1 ቈረንቶስ 6:⁠18

12. ገለ ካብቶም ሕማቕ ሳዕቤናት ናይ ምንዝር እንታይ ኢዮም፧

12 ምንዝር: ናይ ሓጺር ህሞት ስጋዊ ተድላ የምጽኣልካ ይኸውን: ይኹን እምበር: ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣየፍርየልካን ኢዩ። ንኣምላኽ የጕህዮ: ኣብ ሕልና ናይቲ ሰብ ድማ በሰላ ይሓድግ። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠3-5) እቲ ሕማቕ ሳዕቤን ናይ ዘይሕጋዊ ጾታዊ ርክብ ኤይድስን ካልእ ብጾታዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ሕማማትን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓደ ናይ ሕክምና ጸብጻብ ዘቕርብ ጽሑፍ “ኣብ ምሉእ ዓለም ኣብ ዓመት ዓመት ልዕሊ 250 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ብጐነርያ: 50 ሚልዮን ዝኣኽሉ ከኣ ብሲፊልስ ከም ዝልበዱ ኢዩ ዝግመት” ይብል። ናይ ዘይተደልየ ጥንሲ ግድልውን ኣሎ። ኢንተርናሽናል ፕላንድ ፓረንትሁድ ፈደረሽን: ኣብ ምልእቲ ዓለም ልዕሊ 15 ሚልዮን ዝዀና ዕድሜአን ኣብ መንጎ 15ን 19ን ዘለዋ ኣዋልድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ይጠንሳ: ሲሶ ናይዚአን ድማ ጥንሲ ይንጽላ: ብምባል ጸብጻብ የቕርብ። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ: ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር: 72 ካብ ሚእቲ ናይቲ ኵሉ ኣብ ጐራዙት ዘጋጥም ሞት ምንጻል ጥንሲ ብዘስዕቦ ሕማማት ኢዩ ዝመጽእ። ገለ ኣመንዝራታት ካብ ሕማ​ምን ጥንስን የምልጣ ይዀና: ይኹን እምበር: ካብ ስምዒታዊ ጉድኣት ግን ከምልጣ ኣይክእላን ኢየን። ብዙሓት ውርደት ይስምዐን: አረ ነብሰን ኢየን ዝጸ⁠ልኣ።

13. ዝሙት እንታይ ተወሰኽቲ ግድላት ኢዩ ዘስዕብ: ነቶም ኣመናዝርን ዘመውትን ኰይኖም ዝቕጽሉኸ እንታይ ኢዩ ዝጽበዮም ዘሎ፧

13 ዝሙት: ሽሕ’ኳ ይቕረ ክበሃለሉ ዝከኣል እንተዀነ: ነቲ ዘይበደለ ብጻይ ንኽፈትሕ ብቑዕ ጥቕሳዊ መሰረት ይዀኖ ኢዩ። (ማቴዎስ 5:⁠32፣ ምስ ሆሴእ 3:⁠1-5 ኣረኣእዮ።) እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ብዕልግና ናይ መርዓ ምብትታን ከስዕብ እንተድኣ ኽኢሉ: ኣብቲ ዘይበደለ ብጻይን ኣብቶም ቈልዑን መሪር ስምዒታዊ በሰላ ኢዩ ዝሓድግ። ቃል ኣምላኽ ንጥቕሚ ናይ ሰብኣዊ ስድራቤት ክብል: ነቲ ናይ ቅጽዓት ፍርዱ ኣብ ልዕሊ ኣመናዝርን ዘመውትን ከውርድ ከም ዝዀነ ኢዩ ዝሕብረና። ብተወሳኺ እቶም ጾታዊ ብዕልግና ዘዘውትሩ: “ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ” ኣነጺሩ ይሕብረልና ኢዩ።​—⁠ገላትያ 5:⁠19, 21

“ካብ ዓለም ኣይኰኑን”

14. (ሀ) ገለ ካብቶም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎ ሰብ ዘርሕቖም ናይ ኣምልኾ ጣኦት ኣገባባት እንታይ ኢዮም፧ (ለ) ኣብ ዮሃንስ 17:⁠14 ከምኡውን ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠4 እንታይ መምርሒ ኢዩ ተቐሪቡልና ዘሎ፧

14 እቶም ንየሆዋ ባህ ከብሉን ነቲ ናይ መንግስቲ በረኸታት ድማ ከስተማቕርዎ ዝብህጉን ሰባት ንዅሉ ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት የርሕቕዎ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ ይኹን ናይ ክርስቶስ ወይ ናይ ማርያም ኣደ የሱስ ሓዊስካ ምስልታት ምግባር ከምኡውን ምምላኽ ጌጋ ከም ዝዀነ ይነግረና ኢዩ። (ዘጸኣት 20:⁠4, 5፣ 1 ዮሃንስ 5:⁠21) ስለዚ: ሓቀኛታት ክርስትያናት ምስሊ ቅዱሳን: መስቀል: ወይ ምስልታት ኣየምልኹን ኢዮም። ከምኡውን ንባንዴራ ተወፋይነት ምርኣይን ንሃገራት ክብ ዘብል መዝሙራት ምዝማርን ዝኣመሰሉ ረቂቕ ኣገባባት ኣምልኾ ጣኦት የርሕቕዎ ኢዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ተግባራት ንምግባር ጸቕጢ ምስ ዘጋጥሞም ከኣ ነቲ የሱስ ንሰይጣን ዝበሎ ቃላት ኢዮም ዝዝክሩ:- “ንእግዚአብሄር ኣምላኽካ ስገድ: ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ።” (ማቴዎስ 4:⁠8-10) የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:⁠14) እዚ ማለት ከኣ ካብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ገለልተኛ ምዃንን ምስቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:⁠4 ዘሎ “[የሆዋ ኣምላኽ] ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኪፈርድ: ንብዙሓት ህዝብታትውን ኪዳንዮም እዩ: ንሳቶም ከኣ ኣስያፎም ንማሕረሻታት: ኲናውቶምውን ንገዘሞታት ኪሰርሕዎ እዮም። ህዝቢ ኣብ ህዝቢ ሰይፊ ኣይኬልዕልን እዩ: ደጊምሲ ውግእ ኣይኪመሀሩን እዮም” ዝብል ቃላት ብምስምማዕ ድማ ብሰላም ምንባርን ማለት ኢዩ።

15. ዓባይ ባቢሎን እንታይ ኢያ: ብዙሓት ሓደስቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስከ ካብኣ ምእንቲ ክወጹ እንታይ ኢዮም ዝገብሩ፧

15 ‘ካብ ዓለም ዘይምዃን’ ምስ “ዓባይ ባቢሎን”: ምስታ ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት: ዝነበረካ ኵሉ ርክብ ምብታኽ ማለትውን ኢዩ። ዘይንጹህ ኣምልኾ: ኣብ ልዕሊ ዅሎም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህዝብታት ጐዳኢ መንፈሳዊ ግዝኣት ክሳዕ ዝሕዝ ካብ ጥንታዊት ባቢሎን ተዘርግሐ። “ዓባይ ባቢሎን” ንዅለን እተን ሰረተ-እምነታተንን ልምድታተንን ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ዘይቃዶ ሃይማኖታት ዝሓቘፈት ኢያ። (ራእይ 17:⁠1, 5, 15) ዋላ ሓደ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ እውን ይኹን ኣብ ኣምልኾ ናይ እተፈላለያ ሃይማኖታት ብምክፋል ወይ ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ናይ ዓባይ ባቢሎን መንፈሳዊ ብጻይነት ብምሓዝ ኣብ ናይ ሃይማኖታዊ ምትሕንፋጽ ንጥፈታት ዝጽመድ ኣይክህሉን ኢዩ። (ዘሁልቍ 25:⁠1-9፣ 2 ቈረንቶስ 6:⁠14) በዚ መሰረት እዚ ድማ ብዙሓት ሓደስቲ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ዝነበርዋ ሃይማኖታዊት ማሕበር ናይ ስንብታ ደብዳበ ይሰዱላ ኢዮም። እዚ ኸኣ ከምቲ “ስለዚ፤ ካብ ማእከሎም ውጹን ተፈለዩን ርኹስ ኣይትተንክዩን: ኣነውን ክቕበለኩም እየ: ይብል እግዚአብሄር” ዝብል መብጽዓ: ናብቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ከም ዝቐርቡ ገይርዎም ኢዩ። (2 ቈረንቶስ 6:⁠17፣ ራእይ 18:⁠4, 5) ካብቲ ሰማያዊ ኣቦና ከምዚ ዝኣመሰለ ተቐባልነት ክትረክብዶ ኣይኰንካን ኣጸቢቕካ እትብህግ ዘሎኻ፧

ንዓመታዊ በዓላት ምምዝዛን

16. ሓቀኛታት ክርስትያናት ልደት ዘየብዕሉ ስለምንታይ ኢዮም፧

16 ኣምላኻዊ ኣነባብራ: ካብቲ ወትሩ ከቢድ ሸኸም ዝዀነ ዓለማዊ በዓላት ምብዓል ሓራ የውጽኣና። ንኣብነት: መጽሓፍ ቅዱስ እታ የሱስ እተወልደላ ልክዕ መዓልቲ ኣይገልጻን ኢዩ። ገለ ሰባት ‘ኣነ ድኣ የሱስ ብ25 ታሕሳስ እተወልደ እንድዩ ዝመስለኒ!’ ዝብል ሓሳብ ከቕርቡ ይኽእሉ ኢዮም። እዚ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ምኽንያቱ ኣብ ጽድያ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ኣብ 33 1/2 ዓመት ዕድሚኡ ኢዩ ሞይቱ። ብተወሳኺ ጓሶት ‘ብለይቲ ማሎም ኪሕልዉ ኣብ መሮር ሓዲሮም’ ነይሮም ኢዮም። (ሉቃስ 2:⁠8) ኣብ ሃገር እስራኤል: ኣጋ መወዳእታ ታሕሳስ ዝሑልን እዋን ዝናብን ስለ ዝዀነ ኣባጊዕ ካብቲ ናይ ክረምቲ ኣየር ምእንቲ ክዕቈባ ብግዜ ለይቲ ኣብ ደምብኤን ኢየን ዝሕለዋ። ከም ሓቂ እኳ: 25 ታሕሳስ ሮማውያን ኣምላኾም ጸሓይ እተወልደትላ ንኸብዕሉ ሓዚኦማ ዝነበረት መዓልቲ ኢያ። ካብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ ዘበናት ጸኒሑ ክሓድቲ ክርስትያናት ነዛ ዕለት እዚኣ ናይ ክርስቶስ ልደት በዓል ክትከውን ኣጽደቕዋ። በዚ መሰረት እዚ ሓቀኛታት ክርስትያናት: ንልደት ወይ ዝዀነ ይኹን ኣብ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እምነታት እተመስረተ ካልእ በዓላት ኣየብዕሉን ኢዮም። ንየሆዋ ምሉእ ተወፋይነት ስለ ዝህብዎ: ንሓጥኣን ሰባት ወይ ነገራት ዘምልኽ በዓላት ኣይሕልዉን ኢዮም።

17. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ስለምንታይ ኢዮም መዓልትታት ልደት ዘየብዕሉ: ዋላ’ኳ ከምኡ እንተዀነ ክርስትያናት ቈልዑ ሕጕሳት ዝዀኑ ስለምንታይ ኢዮም፧

17 መጽሓፍ ቅዱስ ክልተ ናይ ልደት በዓላት ጥራይ ኢዩ ፈልዩ ዝጠቅስ: ንሳተን ከኣ ናይቶም ንኣምላኽ ዘየገልግሉ ዝነበሩ ሰባት ኢየን። (ዘፍጥረት 40:⁠20-22፣ ማቴዎስ 14:⁠6-11) ቅዱሳት ጽሑፋት ናይቲ ፍጹም ሰብኣይ የሱስ ክርስቶስ ዕለተ-ልደት ካብ ዘይገልጽ: ነቲ ናይቶም ዘይፍጹማት ሰባት መዓልትታት ልደት ፍሉይ ቆላሕታ ክንህቦ ዝግባእ ደኣ ስለምንታይ፧ (መክብብ 7:⁠1) ርግጽ ኢዩ: ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ፍቕሪ ንምግላጽ ሓንቲ ፍልይቲ መዓልቲ ክጽበዩ ኣየድልዮምን ኢዩ። ሓንቲ 13 ዓመት ዝዕድሜኣ ክርስትያን ጓል ከምዚ ኢላ ርእይቶኣ ሃበት:- “ኣነን ስድራቤተይን ብዙሕ ዘሐጕስ ነገራት ኢዩ ዘሎና . . . ኣብ ወለደይ ኣጸቢቐ ዝጠበቕኩ ኢየ: ካልኦት ቈልዑ ስለምንታይ በዓላት ከም ዘየብዕል ክሓቱኒ ኸለዉ ኸኣ: ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ በዓለይ ኢዩ ኢለ እነግሮም።” ሓደ ወዲ 17 ዓመት ክርስትያን መንእሰይ: “ኣብ ገዛና ምሉእ ዓመት ኢዩ ውህበት ምውህሃብ ዘሎ” ይብል። ውህበታት ብሃንደበት ክወሃብ ከሎ ዝዓበየ ሓጐስ ኢዩ ዘፍሪ።

18. የሱስ ሰዓብቱ ክሕልዉዋ ዘኣዘዞም ዓመታዊት በዓል እንታይ ኢያ: ብዛዕባ እንታይከ ኢያ እተዘኻኽረና፧

18 ነቶም ኣምላኻዊ ናብራ ዝስዕቡ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብፍላይ ክትሕሎ ዘለዋ ሓንቲ መዓልቲ ኣላ። እዚኣ እታ ብዙሕ ግዜ ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ተባሂላ እትጽዋዕ ድራር ጐይታ ኢያ። የሱስ ብዛዕብኣ ንሰዓብቱ “እዚ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በሎም። (ሉቃስ 22:⁠19, 20፣ 1 ቈረንቶስ 11:⁠23-25) የሱስ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ነዛ በዓል እዚኣ ምስ ኣቘማ: ነቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ሰብኣዊ ኣካሉን ነቲ ፍጹም ደሙን ዘመል⁠ክት: ዘይበዅዐ እንጌራን ቀይሕ ወይንን ተጠቕመ። (ማቴዎስ 26:⁠26-29) እዚ ተምሳል እዚ በቶም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ እተቐብኡ ክርስትያናት ዝውሰድ ኢዩ። ኣብቲ ሓዲሽ ኪዳንን ኣብቲ ናይታ መንግስቲ ኪዳንን እቱዋት ኢዮም: ሰማያዊ ተስፋ ድማ ኢዩ ዘለዎም። (ሉቃስ 12:⁠32፣ 22:⁠20, 28-30፣ ሮሜ 8:⁠16, 17፣ ራእይ 14:⁠1-5) ይኹን እምበር: እቶም ኣብዛ ኣብ ናይ ኣይሁድ ጥንታዊት ዓውደ-ኣዋርሕ: 14 ኒሳን እትውዕል ምሸት ዝርከቡ ኵሎም ይጥቀሙ ኢዮም። ብዛዕባ እቲ የሆዋን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ነቶም መለኮታዊ ሞገስ ዘለዎም ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘውህብ ሓጢኣት ዘተዓርቕ በጅነታዊ መስዋእቲ ብምሃቦም ዘርኣይዎ ፍቕሪ ይዘኻኸሩ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 20:⁠28፣ ዮሃንስ 3:⁠16

ስራሕን ምዝንጋዕን

19. ክርስትያናት ኣብቲ ናይ ናብራ ዕዮኦም እንታይ ግድል ኢዩ ዘጋጥሞም፧

19 ሓቀኛታት ክርስትያናት ጽዒሮም ብምስራሕ ዘድልዮም ነገራት ክቕርቡ ኣብ ትሕቲ ግዴታ ኢዮም። እቶም ናይ ስድራቤት ርእስታት ከምዚ ብምግባሮም ናይ ምዕጋብ ስምዒት የምጽኣሎም ኢዩ። (1 ተሰሎንቄ 4:⁠11, 12) ርግጽ ኢዩ: ናይ ሓደ ክርስትያን ስራሕ ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጋጮ እንተድኣ ዀይኑ ሓጐስ ከጥፍኣሉ ኢዩ። ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ: ሓደ ክርስትያን ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዝሰማማዕ ስራሕ ክረክብ ኣሸጋሪ ኰይኑ ክረኽቦ ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ገለ ሰራሕተኛታት ንዓማዊል ከታልልዎም ይድለዩ ኢዮም። ብኻልእ ወገን ከኣ ብዙሓት ወሃብቲ ስራሕ ሓደ እሙን ሰራሕተኛ ምእንቲ ከየጥፍኡ ክብሉ ምስ ሕልና ናይቲ ቅኑዕ ሰራሕተኛ ክሰማምዑ ይደልዩ ኢዮም። ዝዀነ ዀይኑ: ዝመጸ ይምጻእ ብዘየገድስ: ኣምላኽ ነቲ ጽጹይ ሕልና ዝሓድገልካ ስራሕ ንምርካብ ንእትገብሮ ጻዕሪ ክባርኾ ምዃኑ ከተረጋግጽ ትኽእል ኢኻ።​—⁠2 ቈረንቶስ 4:⁠2

20. መዘናግዒ ተጠንቂቕና ክንመርጽ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ኣምላኽ ንኣገልገልቱ ሕጕሳት ክዀኑ ይደልዮም ካብ ኰነ: ንከቢድ ዕዮ ምስቲ ዘህድእ እዋን ናይ ምዝንጋዕን ዕረፍትን ከነመዛዝኖ ይግባእ። (ማርቆስ 6:⁠31፣ መክብብ 3:⁠12, 13) ናይ ሰይጣን ዓለም: ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ምዝንጋዕ ኢያ እተማዕብል ዘላ። ይኹን እምበር: ንኣምላኽ ምእንቲ ከነሐጕስ ብዛዕባ እቲ እነንብቦ መጻሕፍቲ: እንሰምዖ ናይ ሬድዮ ፕሮግራምን ሙዚቃን: ከምኡውን እንዕዘቦ ትልሂትን ፊልምታትን ተዋስኦታትን ናይ ተለቪዥን ፕሮግራምን ቪድዮን መረጽቲ ክንከውን ይግብኣና። እቲ ቀደም እንመርጾ ዝነበርና መዘናግዒ: ምስቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት: ከም ኣብ ዘዳግም 18:⁠10-12፣ መዝሙር 11:⁠5 ከምኡውን ኤፌሶን 5:⁠3-5 ዘሎ መጠንቀቕታታት ዝጋጮ እንተድኣ ዀይኑ: ምትዕርራይ ምስ እንገብር ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንሕና ድማ ዝያዳ ክንሕ​ጐስ ኢና።

ንህይወትን ንደምን ምኽባር

21. ንህይወት ዘሎና ኣኽብሮት ከመይ ኢሉ ኢዩ ነቲ ኣብ ምንጻል ጥንሲ ዘሎና ኣረኣእያ ከምኡውን ንኣመላትናን ጠባያትናን ክትንክፎ ዘለዎ፧

21 ናይ ሓቂ ሓጐስ ምእንቲ ክንረክብ: ንሰብኣዊ ህይወት ከምቲ የሆዋ ዝርእዮ ከም ቅዱስ ገይርና ክንርእዮ ይግባእ። ቃሉ ቅትለት ከይንፍጽም ይኽልክለና። (ማቴዎስ 19:⁠16-18) እኳ ደኣ: እቲ ንእስራኤል እተዋህበ ናይ ኣምላኽ ሕጊ: ነቲ ኣብ ማህጸን ኣዲኡ ዘሎ ህጻን ከም ሓደ ክቡር ህይወት ድኣምበር ከም ሓደ ክጠፍእ ዘለዎ ነገር ገይሩ ኣይርእዮን ኢዩ። (ዘጸኣት 21:⁠22, 23) በዚ ምኽንያት እዚ: ትምባኾ ብምዝውታር: ብሓሺሽ ወይ ብኣልኮላዊ መስተ ገይርና ንኣካላትና ብምሕሳር: ወይ ኣብ ዘየድሊ ሓደጋታት ብምእታው ንህይወትና ከም ሓንቲ ሕስርቲ ነገር ገይርና ክንሕዛ የብልናን። ከምኡውን: ኣብ ዝዀነ ይኹን ንህይወት ዘስግእ ዕላማታት ክንጽመድ ኣይግብኣናን ኢዩ: ወይውን ነቲ ኣብ ናይ ደም ገበን ከብጽሓና ዝኽእል ንድሕንነትና ዝኸውን መጠንቀቕታታት ሸለል ኣይንብሎን ኢና።​—⁠ዘዳግም 22:⁠8

22. (ሀ) ኣምላኻዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ደምን ኣጠቓቕምኡን እንታይ ኢዩ፧ (ለ) ናይ መን ደም ጥራይ ኢዩ ብሓቂ ህይወት ዘድሕን፧

22 የሆዋ ንኖህን ስድራቤቱን: ደም: ንነፍሲ ወይ ከኣ ንህይወት ከም ዘመልክት ነጊሩዎም ነበረ። ስለዚ ኣምላኽ ናይ ዝዀነ ይኹን ደም ከይበልዑ ከልከሎም። (ዘፍጥረት 9:⁠3, 4) ንሕናውን ዘርኦም ካብ እንኸውን: እቲ ሕጊ እቲ ንዅላትና ይቕይደና ኢዩ። የሆዋ ንእስራኤላውያን: ደም ኣብ ምድሪ ክኰዖ ድኣምበር ንናይ ሰብ ዕላማታት ክውዕል ከም ዘይነበሮ ነገሮም። (ዘዳግም 12:⁠15, 16) እቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነብሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ‘ካብ ደም ተኸልከሉ’ ዝብል መምርሒ ምስ ተዋህቦም: እቲ ብዛዕባ ደም ዝምልከት ሕጊ ኣምላኽ ተደግመ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:⁠28, 29) ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት: ንቕድስና ደም ኣኽብሮት ስለ ዘለዎም: ዋላ’ኳ ብኻልኦት እዚ መስርሕ እዚ ህይወት ዘድሕን ኢዩ ዝብል ምድፍፋእ እንተ ተገብረሎም: ምትሕልላፍ ደም ኣይቅበሉን ኢዮም: ብዙሓት ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ቅቡላት ዝዀኑ ሕክምናዊ መተካእታታት: ኣዝዮም ኣስለጥቲ ኰይኖም ተረኺቦም ኢዮም: ከምኡውን ንሓደ ሰብ ኣብቲ ብናይ ደም ምትሕልላፍ ዝመጽእ ሓደጋታት ኣየቃልዕዎን ኢዮም። ክርስትያናት: ህይወት ዘድሕን: እቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ጥራይ ከም ዝዀነ ይፈልጡ ኢዮም። ኣብኡ እምነት ምግባር ሕድገት ሓጢኣትን ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወትን የምጽእ።​—⁠ኤፌሶን 1:⁠7

23. ብኣምላኻዊ መገዲ ምንባር ዘምጽኦ ገለ ዓስብታት ኣየኖት ኢዮም፧

23 ብሓቂ: ኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ጻዕሪ ዝሓትት ኢዩ። ካብ ኣባ​ላት ስድራቤት ወይ ካብ ኣዕሩኽ ላግጺ የስዕብ ይኸውን። (ማቴዎስ 10:⁠32-39፣ 1 ጴጥሮስ 4:⁠4) ይኹን እምበር: እቲ ከምዚ ዝኣመሰለ ናብራ ብምንባር እትረኽቦ ዓስቢ ምስቲ ፈተናታት ክወዳደር ከሎ ኣዝዩ እተዓጻጸፈ ኢዩ። ጽጹይ ሕልና የፍርየልካ: ምስ ብጾትካ ኣምለኽቲ የሆዋ ኸኣ ጥዑይ ምሕዝነት የምጽኣልካ። (ማቴዎስ 19:⁠27, 29) ከምኡውን: ኣብታ ናይ ኣምላኽ ጽድቃዊት ሓዳስ ዓለም ንዘለኣለም ምንባር ከም ዘሎ ሕሰቦ ኢኻ። (ኢሳይያስ 65:⁠17, 18) ምስ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ተሰማሚዕካ ኣብ ምንባርን ንልቢ የሆዋ ኣብ ምሕጓስን ኣየ ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኢዩ ዘሎ! (ምሳሌ 27:⁠11) ኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ሓጐስ ዘምጽእ ምዃኑ ዘገርም ኣይኰነን!​—⁠መዝሙር 128:⁠1, 2

ፍልጠትካ ምዘን

ብኣምላኻዊ ናብራ ምንባር ሓጐስ ዘምጽኡሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ ኢዮም፧

ኣምላኻዊ ናብራ እንታይ ለውጥታት ምግባር ኢዩ ዝሓትት፧

ስለምንታይ ኢኻ ኣምላኻዊ ናብራ ክትነብር ትደሊ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 124, 125 ዘሎ ስእሊ]

መንፈሳዊ ንጥፈታት ምስ እዋናት ምዝንጋዕ ኣመጣጢንካ ምሓዝ ንሓጎስ ናይቶም ብኣምላኻዊ ናብራ ዝነብሩ ኣስተዋጽኦ ዝገብር ኢዩ