ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
ምዕራፍ 16
ናብ ኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርብ
1. ኣብ ብዙሓት ሃይማኖታት እንታይ ዝመሳሰል ነገር ኢዩ ግሁድ ኰይኑ ዘሎ፧
ሓንቲ ቱሪስት ኣብ ሓንቲ ናይ ርሑቕ ምብራቕ ሃገር ክትበጽሕ ምስ ከደት: ኣብ ሓደ ናይ ቡድሃ ቤተ-መቕደስ ሃይማኖታዊ ስርዓተ-ቅዳሴ ብምዕዛባ ተገረመት። ሽሕ’ኳ እቲ ምስልታት: ናይ ማርያም ወይ ናይ ክርስቶስ እንተ ዘይነበረ: ብዙሕ ካብቲ ምስልታት ነቲ ኣብ ሃገራ ዝርከብ ናይ ቤተ-ክርስትያን ምስልታት ዝመሳሰል ኢዩ ነይሩ። ንኣብነት: ምዝውታር መቝጸርያን ምድግጋም ጸሎትን ተዓዘበት። ካልኦትውን ከምዚ ዝኣመሰለ ምንጽጻር ገይሮም ኢዮም። ኣብ ምብራቕ ይኹን ኣብ ምዕራብ: እቲ እቶም ኣመንቲ ናብ ኣምላኽ ወይ ናብቶም ናይ ኣምልኾ ምስልታቶም ንምቕራብ ዝጥቀሙሉ መገድታት ኣዝዩ ዝመሳሰል ኢዩ።
2. ጸሎት ብኸመይ ኢዩ ዝግለጽ: ብዙሓት ሰባት ዝጽልዩኸ ስለምንታይ ኢዮም፧
2 ብዙሓት: ብፍላይ ብጸሎት ገይሮም ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ይፍትኑ። ጸሎት “ሰብ ምስቲ ቅዱስ ኣምላኽ: ምስ ኣማልኽቲ: ምስቲ ስዉር ግዝኣት: ወይ ምስ ልዕለ-ባህርያዊ ሓይልታት ርክብ ዝግበረሉ ተግባር” ተባሂሉ ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ዘ ኒው ኢንሳይክሎፔድያ ብሪታኒካ) ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክቐርቡ ኸለዉ: ብዛዕባ እቲ ካብኡ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ነገራት ጥራይ ኢዮም ዝሓስቡ። ንኣብነት: ሓደ ግዜ ሓደ ሰብኣይ ንሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ንስኻ ንዓይ እንተድኣ ጸሊኻለይ: እቲ ኣብ ስድራቤተይ: ኣብ ስርሐይ: ከምኡውን ኣብ ጥዕናይ ዘጋጥመኒ ዘሎ ሽግራት ክፍታሕ ድዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። እቲ ሰብኣይ ከምኡ ዝኸውን ኢዩ መሲሉዎ ነይሩ: እንተዀነ ግን: ብዙሓት ይጽልዩ እሞ እቲ ግድሎም ከኣ ቀጻሊ ኰይኑ ይረኽብዎ። ስለዚ ‘ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧’ ኢልና ንሓትት ንኸውን።
ስለምንታይ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ከም ዝግብኣና
3. ጸሎትና ናብ መን ኢዩ ክቐርብ ዝግብኦ: ስለምንታይከ፧
3 ጸሎት: ሓደ ትርጕም ዘይብሉ ስርዓተ-ቅዳሴ ኣይኰነን: ሓደ ነገር እትረኽበሉ መገዲ ጥራይውን ኣይኰነን። ናብ ኣምላኽ እንቐርበሉ ቀንዲ ምኽንያት: ምስኡ ዝጠበቐ ዝምድና ምእንቲ ክህልወና ኢዩ። ስለዚ ጸሎትና ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝቐርብ ክኸውን ይግብኦ። ዳዊት እቲ ጸሓፍ መዝሙር “እግዚአብሄር ንዚጽውዕዎ ዅሎም: . . . ቀረባኦም እዩ” በለ። (መዝሙር 145:18) የሆዋ ምስኡ ሰላም ዝመልኦ ዝምድና ክህልወና ኢዩ ዝዕድመና። (ኢሳይያስ 1:18) እቶም ነዚ ዕድመ እዚ ዝምልሽሉ ምስቲ “ንኣይ ግና ናብ ኣምላኽ ምቕራብ ይ[ሕ]ሸኒ” ዝበለ ጸሓፍ መዝሙር ይሰማምዑ ኢዮም። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ናብ የሆዋ ኣምላኽ ዝቐርቡ ሓቀኛ ሓጐስን ናይ ኣእምሮ ሰላምን ክረኽቡ ኢዮም።—መዝሙር 73:28
4, 5. (ሀ) ናብ ኣምላኽ ምጽላይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ብጸሎት ገይርና: ምስ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ርክብ ኢና ክንሃንጽ እንኽእል፧
4 ግናኸ ኣምላኽ ‘ከይለመንናዮ ዜድልየና ዝፈልጥ’ እንተድኣ ዀይኑስ ንምንታይ ምጽላይ ኣድለየ፧ (ማቴዎስ 6:8፣ መዝሙር 139:4) ጸሎት ኣብ ኣምላኽ እምነት ከም ዘሎናን ንሱ ምንጪ “ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን” ምዃኑ ኣፍልጦ ከም እንህብን ዘመልክት ኢዩ። (ያእቆብ 1:17፣ እብራውያን 11:6) የሆዋ ብጸሎትና ባህ ይብሎ ኢዩ። (ምሳሌ 15:8) ከምቲ ኣቦ: ውሉዱ ብግርህነት ናይ ምስጋና ቓላት ክዛረብ ከሎ ብምሰምዑ ዝሕጐስ: ንሱ ድማ ነቲ ናይ ሞሳናን ምስጋናናን ትርጕም ዘለዎ መግለጺታት ክሰምዕ ባህ ኢዩ ዝብሎ። (መዝሙር 119:108) ኣብቲ ጽቡቕ ዝዀነ ናይ ኣቦን ወድን ዝምድና ዘለዎ: ኣብኡ ምውቕ ናይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኢዩ ዘሎ። ሓደ ዝፍቀር ቈልዓ ምስ ኣቦኡ ክዛረብ ይደሊ ኢዩ። ኣብቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ዝምድና እንተ መጺእና ድማ ልክዕ ከምኡ ኢዩ። ነቲ ብዛዕባ የሆዋ እንማሃሮ ዘሎናን: ነቲ ንሱ ዘርኣየና ፍቕርን ብሓቂ ነማስወሉ እንተድኣ ዄንና: ብጸሎት ገይርና ሓሳባትና ክንገልጸሉ ብርቱዕ ባህጊ ክህልወና ኢዩ።—1 ዮሃንስ 4:16-18
5 ናብቲ ኣዝዩ ልዑል ኣምላኽ ክንቀርብ ከሎና: ሽሕ’ኳ ብዛዕባ እቲ እንጥቀመሉ ልክዕ ቃላት እምብዛ ክንሻቐል እንተዘይብልና: ኣኽብሮት ዘሎና ክንከውን ይግብኣና። (እብራውያን 4:16) ኵሉ ሳዕ ናብ የሆዋ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። ኵሉ ግዜ ብጸሎት ገይርና ናብ ኣምላኽ ‘ልብና ከነፍስስ’ ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ መሰል ኰን ኢዩ! (መዝሙር 62:8) ንየሆዋ ሞሳ ምህላው: ከምቲ እቲ እሙን ሰብኣይ ኣብርሃም ከም ዓርኪ ኣምላኽ ኰይኑ ዝረኽቦ ዝነበረ ሓጐስ: ምስኡ ምዉቕ ዝምድና ክህልወካ ዝድግፍ ኢዩ። (ያእቆብ 2:23) ይኹን እምበር: ናብቲ ናይ ኣድማስ ልዑል ጐይታ ክንጽሊ ኸሎና: ምስቲ ናብኡ ንምቕራብ ዘድሊ ነገራት ክንሰማማዕ ኣሎና።
ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ዘድሊ ነገራት
6, 7. ሽሕ’ኳ ኣምላኽ ጸሎትና ምእንቲ ክሰምዓና ገንዘብ ዘይሓተና እንተዀነ: ክንጽሊ ኸሎና ካባና እንታይ ኢዩ ዝጽበ፧
6 ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ክትቀርብሲ ገንዘብ የድሊ ድዩ፧ ብዙሓት ሰባት ንካህናት ምእንቲ ክጽልዩሎም ገንዘብ ይኸፍሉዎም ኢዮም። አረ ገሊኦምሲ ብመጠን እቲ ዝገብርዎ ወፈያ ጸሎቶም ክስመዓሎም ምዃኑ ኢዮም ዝኣምኑ። እንተዀነ ግን ቃል ኣምላኽ: ንየሆዋ ብጸሎት ምእንቲ ክንቀርቦ ናይ ገንዘብ ወፈያ የድሊ’ዩ ኣይብለናን ኢዩ። እቲ ንሱ ዝህበና መንፈሳዊ መግብን እቲ ብጸሎት ምስኡ ዝምድና ብምግባርና ዝርከብ በረኸታትን ገንዘብ ከይከፈልና ክንረኽቦ ንኽእል ኢና።—ኢሳይያስ 55:1, 2
7 እንታይ ደኣ ኢዩ እሞ ዘድሊ፧ ቀንዲ ዘደሊ ቅኑዕ ዝዀነ ናይ ልቢ ኣረኣእያ ኢዩ። (2 ዜና መዋእል 6:29, 30፣ ምሳሌ 15:11) ብልብና የሆዋ ኣምላኽ: ‘ሰማዕ ጸሎትን’ “ነቶም ዝደልይዎ ዓስቢ ዚህቦምን” ምዃኑ እምነት ክህልወና ይግባእ። (መዝሙር 65:2፣ እብራውያን 11:6) ከምኡውን ትሑት ልቢ ክህልወና ኣለዎ። (2 ነገስት 22:19፣ መዝሙር 51:17) የሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓንቲ ኻብተን ምሳሌታቱ: ሓደ ተጋዊ ብትሑት ልቢ ናብ ኣምላኽ ምስ ቀረበ: ካብቲ ዕቡይ ፈሪሳዊ ዝያዳ ጸዲቑ ከም እተረኽበ ገለጸ። (ሉቃስ 18:10-14) ናብ ኣምላኽ ብጸሎት ክንቀርብ ከሎና: “ብልቡ ዚዕበ ዘበለ ዅሉ ኣብ እግዚአብሄር ፍንፉን” ምዃኑ ንዘክር።—ምሳሌ 16:5
8. ኣምላኽ ጸሎትና ክምልሸልና ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ርእስና ካብ ምንታይ ከነንጽሀ ይግብኣና፧
8 ኣምላኽ ንጸሎትና ክምልሸልና ንብህግ እንተድኣ ዄንና: ነብስና ካብ ሓጥእ ጠባይ ከነንጽሃ ይግብኣና። ወደ መዝሙር ያእቆብ ንኻልኦት ናብ ኣምላኽ ክቐርቡ ከተባብዖም ከሎ: ወሲኹ “ኣቱም ሓጥኣን: ኣእዳውኩም ኣጽርዩ: ኣቱም ሰብ ክልተ ልቢውን: ልብኹም ኣንጽሁ” በለ። (ያእቆብ 4:8) ገበርቲ እከይ ከይተረፉ: እንተድኣ ተነሲሖምን ነቲ ናይ ቀደም ኣነባብርኦም ሓዲጎምን ምስ የሆዋ ሰላም ዝመልኦ ዝምድና ክህልዎም ይኽእል ኢዩ። (ምሳሌ 28:13) ብደጌና ጥራይ ብመንፈስ ከም ዝነጻህና መሲልና ንርአ እንተድኣ ኴንና: የሆዋ ኣይሰምዓናን ኢዩ። ቃል ኣምላኽ “ኣዒንቲ እግዚአብሄር ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ: ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን: ገጽ እግዚአብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ” ይብለና።—1 ጴጥሮስ 3:12
9. ብመን ገይርና ኢና ናብ የሆዋ ክንቀርብ ዝግብኣና: ስለምንታይከ፧
9 መጽሓፍ ቅዱስ “ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሓጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን” ይብል። (መክብብ 7:20) ስለዚ: ‘እሞ ብኸመይ ደኣ ኢና ናብ የሆዋ ኣምላኽ ክንቀርብ እንኽእል፧’ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። መጽሓፍ ቅዱስ “ሓደ እኳ ሓጢኣት ዝገበረ እንተሎ: ጠበቓ ኣብ ኣቦ አሎና: ንሱ የሱስ ክርስቶስ: እቲ ጻድቕ: እዩ” ኢሉ ይምልስ። (1 ዮሃንስ 2:1) ሽሕ እኳ ሓጢኣተኛታት እንተዀንና: በቲ ምእንታና ከም በጃ ኰይኑ ዝሞተ የሱስ ክርስቶስ ገይርና ንኣምላኽ ከይተሰከፍና ክንቀርቦ ንኽእል ኢና። (ማቴዎስ 20:28) ናብ የሆዋ ኣምላኽ ከቕርበና ዝኽእል እንኮ መራኸቢ ንሱ ጥራይ ኢዩ። (ዮሃንስ 14:6) እቲ ዋጋ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ዋላ ደይመደይ ኢልና ሓጢኣት እናኣዘውተርናውን ንዅሉ ሓጢኣትና ከም ቅጽበት ክሽፍነልና ኢዩ ኢልና ክንሓስቦ የብለናን። (እብራውያን 10:26) ይኹን እምበር: ካብ እከይ ክንቍጠብ ዝከኣለና እናገበርና ክነስና: ሓድሓደ ግዜ እንተ ተጋጌና ክንናሳሕን ንኣምላኽ ክሓድገልና ክንልምኖን ንኽእል ኢና። ብትሑት ልቢ እንተድኣ ቐሪብናዮስ: ክሰምዓና ኢዩ።—ሉቃስ 11:4
ምስ ኣምላኽ ንምዝራብ ዘሎ ኣጋጣሚታት
10. ብዛዕባ ጸሎት ዝመጸ: ብኸመይ ኢና ንየሱስ ክንቐድሖ እንኽእል: ብሕታዊ ጸሎት እነቕርበሉ ገለ እዋናትከ እንታይ ኢዩ፧
10 የሱስ ክርስቶስ ነቲ ምስ የሆዋ ኣምላኽ ዝነበሮ ዝምድና ኣዝዩ ክብ ዝበለ ግምት ኢዩ ዝህቦ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ የሱስ: ምስ ኣምላኽ ብናይ ብሕቲ ጸሎት ክዛረብ ግዜ ዝመደበ። (ማርቆስ 1:35፣ ሉቃስ 22: 40-46) ናይ የሱስ ኣብነት ቀዲሕና ብዘይ ምቍራጽ ናብ ኣምላኽ ብምጽላይና ሰናይ ንገብር። (ሮሜ 12:12) ነታ መዓልቲ ብናይ ጸሎት ቃላት ገይርና ክንጅመራ ግቡእ ኢዩ: ቅድሚ ምድቃስና ድማ ንየሆዋ ብዛዕባ ናይታ መዓልቲ እቲኣ ዕዮና ከነመስግኖ ብቝዕ ኢዩ። ኣብታ መዓልቲ ንኣምላኽ “ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ” ብጸሎት ክትቀርቦ ንቑሕ ኵን። (ኤፌሶን 6:18 ትሓዓ ) የሆዋ ክሰምዓና ከም ዝኽእል ብምፍላጥ: ብዘይ ድምጺ ብልብናውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ምስ ኣምላኽ ብናይ ብሕቲ ጸሎት ምዝራብ: ነቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ዘጽንዓልና ኢዩ: በብመዓልቱ ናብ የሆዋ ምጽላይ ድማ ኣጸቢቕና ናብኡ ከም እንቐርብ ኢዩ ዝገብረና።
11. (ሀ) ስድራቤታት ስለምንታይ ኢየን ብሓባር ክጽልያ ዝግብአን፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ ናይ ጸሎት “ኣሜን” ክትብል ከሎኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧
11 የሆዋ ነቲ ንጕጅለታት ናይ ሰባት ወኪልካ ዝቐርብ ጸሎትውን ይሰምዖ ኢዩ። (1 ነገስት 8:22-53) ከም ስድራቤት ኴንናውን: እቲ ርእሲ ናይታ ስድራቤት መሪሕ ኰይኑ ብምጽላይ ናብ ኣምላኽ ክንቀርብ ንኽእል ኢና። እዚ ነቲ ናይ ስድራቤት ማእሰር የሐይሎ: እቶም መንእሰያት ድማ ወለዶም ትሕት ኢሎም ናብ ኣምላኽ ክጽልዩ ክርእይዎም ከለዉ የሆዋ ህያው ኢዩ ዝዀኖም። ሓደ ሰብ: ከም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት: ንሓደ ጕጅለ ወኪሉ ይጽሊ እንተድኣ ኣልዩኸ፧ ኣብቲ ጉባኤ እንተድኣ ኣሊና: ኣብቲ መወዳእታ ናይቲ ጸሎት ብምሉእ ልብና “ኣሜን” ማለት “ከምኡ ይኹን” ምእንቲ ክንብል ጽን ኢልና ንስማዕ።—1 ቈረንቶስ 14:16
የሆዋ ዝሰምዖ ጸሎት
12. (ሀ) ኣምላኽ ንገሊኡ ጸሎት ዘይምልሸሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (ለ) ክንጽሊ ኸሎና ኣብቲ ንብሕትና ዘድልየና ነገራት ጥራይ ከነተኵር ዘይብልና ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ገለ ሰባት: ሽሕ’ኳ ብክርስቶስ ገይሮም ናብ ኣምላኽ ዝጽልዩ እንተዀኑ ኣምላኽ ንጸሎቶም ዘይምልሸሎም ኰይኑ ይስምዖም ኢዩ። ይኹን እምበር: ሃዋርያ ዮሃንስ “ከምቲ ፍቓዱ [ናይ ኣምላኽ] ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ: ይሰምዓና እዩ” ኢሉ ኣሎ። (1 ዮሃንስ ) ስለዚ እምበኣር: ከም ፍቓድ ኣምላኽ ገይርና ክንልምን ይግብኣና። ንሱ ብዛዕባ መንፈሳዊ ድሕንነትና ዝግደስ ስለ ዝዀነ: ንመንፈሳውነትና ዝትንክፍ ዝዀነ ይኹን ጉዳይ ክንጽሊ ግቡእ ኢዩ። ኣብቲ ንስጋና ዘድልየና ጥራይ ንኸነተኵር ዝመጸና ፈተና ክንቃወሞ ይግብኣና። ንኣብነት: ሕማም ከጋጥመና ኸሎ ምእንቲ ክንዋጽኣሉ ጥልቕ ዝበለ ምስትውዓልን ሓይልን ክህልወና ክንጽሊ ግቡእ እኳ እንተዀነ: ብዛዕባ ጥዕና ምሽጋር ነቲ መንፈሳዊ ረብሓታት ክጋርዶ የብሉን። ( 5:14መዝሙር 41:1-3) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ: ብዛዕባ ጥዕናኣ እምብዛ ትሽገር ከም ዝነበረት ምስ ተገንዘበት: ብዛዕባ ሕማማ ግቡእ ኣረኣእያ ክህልዋ ንየሆዋ ክሕግዛ ለመነቶ። ካብኡ ንድሓር እቲ ናይ ጥዕናኣ ግድላት ብዙሕ ዘየጨነቕ ጉዳይ ኰነ: “ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ” ከም እተዋህበት ድማ ተሰመዓ። (2 ቈረንቶስ 4:7) ንኻልኦት መንፈሳዊ ሓገዝ እትህብ ንምዃን ዘለዋ ባህጊ ዓበየ: ናይ ምሉእ ግዜ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ኣዋጂት ድማ ዀነት።
13. ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ተሓቢሩ ኸም ዘሎ ኣብ ጸሎትና ከነእትዎ እንኽእል ገለ ምቹኣት ነጥብታት እንታይ ኢዮም፧
13 የሆዋ ባህ ኢሉዎ ምእንቲ ክሰምዓናስ ኣብ ጸሎትና እንታይ ኢና ክንሕውስ እንኽእል፧ የሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ከመይ ገይርካ ከም እትጽሊ መሃሮም። ኣብታ ኣብ ማቴዎስ 6:9-13 ተመዝጊባ ዘላ ናይ ኣብነት ጸሎት: ክንጽልየሉ ግቡእ ዝዀነ ናይ ኣርእስትታት ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ። ኣብ ጸሎትና እቲ ቐንዲ ዘገድሰና እንታይ ኢዩ ክኸውን ዘለዎ፧ ናይ የሆዋ ኣምላኽ ስምን መንግስቱን ልዕሊ ዅሉ ክስራዕ ኣለዎ። ንስጋዊ ነገራት ዘድልየና ምልማን ግቡእ ኢዩ። ከምኡውን ሓጢኣትና ክሕደገልናን ካብ ፈተናታትን ካብቲ እኩይ ሰይጣን ድያብሎስን ምእንቲ ክንድሕን ድማ ምልማን ኣድላዪ ኢዩ። የሱስ ነዚ ጸሎት እዚ: ብዛዕባ ትርጕሙ ከይሓሰብና ክንቃንዮ ወይ ከም ዜማ ክንደጋግሞ ኣይደልየናን ኢዩ። (ማቴዎስ 6:7) ሓደ ቈልዓ ንኣቦኡ በብዝተዛረበሉ እዋን ሓደ ዓይነት ቃላት ጥራይ እንተዝጥቀምሲ እንታይ ዓይነት ዝምድና ምዀነ፧
14. ብዘይካ ልማኖ: እንታይ ጸሎት ኢና ከነቕርብ ዝግብኣና፧
14 ኣብ ርስሲ ልማኖን ካብ ልቢ ዝወጸ ምህለላን: ናይ ውዳሴን ምስጋናን ጸሎት ድማ ከነቕርብ ይግብኣና። (መዝሙር 34:1፣ 92:1፣ 1 ተሰሎንቄ 5:18) ምእንቲ ኻልኦትውን ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ምእንቲ እቶም ዝሳቐዩ ወይ ዝስጐጉ ዘለዉ መንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ክንጸሊ ኸሎና ኣባታቶም ዘሎና ተገዳስነት ኢና እነርኢ ዘሎና: የሆዋ ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ሓልዮት ክንገልጽ ክሰምዓና ኸሎ ባህ ኢዩ ዝብሎ። (ሉቃስ 22:32፣ ዮሃንስ 17:20፣ 1 ተሰሎንቄ 5:25) በዚ ኸኣ ኢዩ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ዝጸሓፈ:- “ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ እምበር: ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።”—ፊልጲ 4:6, 7
ከየባተኽኩም ጸልዩ
15. ጸሎትና ከይተመለሸ ዝተርፍ እንተድኣ መሲሉ እንታይ ክንዝክር ይግብኣና፧
15 ሽሕ’ኳ ብዛዕባ ኣምላኽ: ፍልጠት ትረክብ እንተሎኻ: ሓድሓደ ግዜ ጸሎትካ መልሲ ዘይረክብ ኰይኑ ይስመዓካ ይኸውን። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያታት: ኣምላኽ: ንሓደ ፍሉይ ጸሎት ክምልሸሉ ግዜኡ ስለ ዘይበጽሐ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። (መክብብ 3:1-9) የሆዋ ንሓደ ኵነታት ንግዜኡ ክቕጽል ከፍቅደሉ ይኽእል ኢዩ: ይኹን እምበር: ንጸሎት ይምልሸሉን ነዚ ንምግባር እቲ ዝበለጸ ግዜ ኣየናይ ምዃኑን ይፈልጥ ኢዩ።—2 ቈረንቶስ 12:7-9
16. ከየባተኽና ክንጽሊ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ: ከምዚ ምግባርከ ምስ ኣምላኽ ንዘሎና ዝምድና ብኸመይ ይትንክፎ፧
16 ከየባተኽና ምጽላይ ኣብቲ ንኣምላኽ እንዛረቦ ዘሎና ነገር ልባዊ ተገዳስነት ከም ዘሎና ዝገልጽ ኢዩ። (ሉቃስ 18:1-8) ንኣብነት: ንሓደ ድኻም ምእንቲ ከነሸንፍ የሆዋ ክሕግዘና ንልምኖ ንኸውን። ከየባተኽና ብምጽላይን ምስቲ ልማኖና ተሰማሚዕና ብምምልላስን ቅንዕናና ኢና እነርኢ። ኣብ ልማኖና ፈሊና እንጠቅስን ቅኑዓትን ክንከውን ይግብኣና። ብሕልፊ’ኳ ፈተና ከነሕልፍ ከሎና: ኣበርቲዕና ክንጽሊ ኣድላዪ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:13) ነቲ ሓጥእ ድፍኢታትና ክንቈጻጸር እናፈተንና ብዘይ ምቍራጽ እንተድኣ ጸሊና: የሆዋ ከመይ ገይሩ ከም ዝሕግዘና ክንርኢ ኢና። እዚ ኸኣ ንእምነትና ክሃንጽን ነቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ኸኣ ከጽንዓልናን ኢዩ።—1 ቈረንቶስ 10:13፣ ፊልጲ 4:13
17. ንኣምላኽ ጸሎተኛታት ኴንና እንተድኣ ኣገልጊልናዮ ብኸመይ ኢና ክንጥቀም እንኽእል፧
17 ንየሆዋ ኣምላኽ ቅዱስ ኣገልግሎት ኣብ እነቕርበሉ ግዜ ብዛዕባ ጸሎት ዘሎና ኣረኣእያ እንተድኣ ኰስኲስና: ብናትና ሓይሊ ከም ዘይነገልግሎ ክንግንዘብ ኢና። ኣገልግሎት ከነቕርበሉ ዘኽእለና ሓይሊ ዝህበና የሆዋ ኢዩ። (1 ቈረንቶስ 4:7) ነዚ ኣፍልጦ ምሃብ ትሑታት ክንከውን ክሕግዘና ኢዩ: ነቲ ምስኡ ዘሎና ዝምድና ኸኣ ክጽግዎ ኢዩ። (1 ጴጥሮስ 5:5, 6) እወ: ከየባተኽና ክንጽሊ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎና። እቲ ረዚን ጸሎትናን ናብቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ብኸመይ ከም እንቐርብ ረኺብናዮ ዘሎና ክቡር ፍልጠትን ንህይወትና ብሓቂ ሕጕስ ክገብሮ ኢዩ።
ምስ የሆዋ ርክብ ምግባር ብኸፊል ኣይኰነን
18. ንኣምላኽ ክንሰምዖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
18 ኣምላኽ ንጸሎትና ክሰምዖ ንደሊ እንተድኣ ዄንና: ነቲ ንሱ ዝብለና ጽን ኢልና ክንሰምዖ ይግብኣና። (ዘካርያስ 7:13) ድሕሪ ደጊም መልእኽትታቱ ብመለኮታዊ ድራኼ ብእተደረኹ ነብያት ገይሩ ኣይልእኮን ኢዩ: ብርግጽ ከኣ ናይ ሓተታ-መናፍስቲ ኣገባብ ኣይጥቀምን ኢዩ። (ዘዳግም 18:10-12) ይኹን እምበር ቃሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ብምጽናዕ ንኣምላኽ ክንሰምዖ ንኽእል ኢና። (ሮሜ 15:4፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:16, 17) ልክዕ ከምቲ ንስጋዊ መግቢ ጣዕሚ ምእንቲ ክህበና ምስተምቓሩ ዘድልየና: ‘ነቲ ሕዋስ ዜብሉ መንፈሳዊ ጸባ ክንብህጎ’ ኢና ተማዒድና ዘሎና። ቃል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ብምንባብ ንመንፈሳዊ መግቢ ዘሎካ ምስትምቓር ኣማዕብሎ።—1 ጴጥሮስ 2:2, 3፣ ግብሪ ሃዋርያት 17:11
19. ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ምስትንታን እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧
19 ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ኣስተንትኖ። (መዝሙር 1:1-3፣ 77:11, 12) እዚ ማለት ከኣ: ነቲ ጽሑፍ ኣጸቢቕካ ምጽንዑ ማለት ኢዩ። ነዚ ምስ ምሕቃቕ መግቢ ከተመሳስሎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ እተንብቦ ዘሎኻ ምስቲ ድሮ እትፈልጦ ነገራት ብምዝማድ ንመንፈሳዊ መግቢ ከተሕቅቖ ትኽእል ኢኻ። እቲ ሓበሬታ ንህይወትካ ብኸመይ ከም ዝትንክፎ መርምር: ወይ ከኣ ብዛዕባ ናይ የሆዋ ባህርያትን ዝምድናን እንታይ ከም ዝገልጽ ኣስተንትኖ። ስለዚ ብናይ ብሕቲ መጽናዕቲ: ነቲ የሆዋ ዘዳለዎ መንፈሳዊ መግቢ ክትምገብ ትኽእል ኢኻ። እዚ ናብ ኣምላኽ ከቕርበካ: ነቲ መዓልታዊ ግድላት ብኸመይ ከም እትጋጠሞ ድማ ክሕግዘካ ኢዩ።
20. ክርስትያናዊ ኣኼባታት ምክፋል ብኸመይ ኢዩ ናብ ኣምላኽ ከቕርበና ዝኽእል፧
20 ልክዕ ከምቲ እስራኤላውያን ነቲ ህዝባዊ ንባብ ናይ ሕጊ ኣምላኽ ክሰምዑ ኢሎም ምስ ተኣከቡ ተጠንቂቖም ዝከታተልዎ ዝነበሩ: ንስኻውን ነቲ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ዝዝረብ ቃሉ ጽን ኢልካ ብምስማዕ ናብ ኣምላኽ ክትቀርብ ትኽእል ኢኻ። እቶም ኣብቲ ግዜቲ ዝነበሩ መማህራን ነቲ ዘንብብዎ ዝነበሩ ሕጊ ኣምላኽ ትርጕሙ ይገልጹዎ ነበሩ: በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ሰማዕቶም ከስተውዕሉን ነቲ ዝሰምዕዎ ድማ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ክድረኹን ይሕግዝዎም ነበሩ። እዚ ኸኣ ናብ ዓቢ ሓጐስ ኣምርሐ። (ነህምያ 8:8, 12) ስለዚ ኣብቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምክፋል ልማድ ግበሮ። (እብራውያን 10:24, 25) እዚ ንፍልጠት ኣምላኽ ከተስተውዕሎን ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ናብራኻ ከተውዕሎን ክሕግዘካ ኢዩ: ሓጐስውን ከምጽኣልካ ኢዩ። ኣባል ናይቲ ዓለምለኻዊ ክርስትያናዊ ሕውነት ምዃን ብዘይ ምቍራጽ ናብ የሆዋ ክትቀርብ ክሕግዘካ ኢዩ። ክንርእዮ ከም ዘሎና ድማ: ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ሓቀኛ ዕቝባ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ፍልጠትካ ምዘን
ስለምንታይ ኢኻ ናብ የሆዋ ክትቀርብ ዝግብኣካ፧
ናብ ኣምላኽ ንምቕራብ ገለ ዘድልዩ ነገራት እንታይ ኢዮም፧
ኣብ ጸሎትካ እንታይ ኢኻ ክትሕውስ እትኽእል
ስለምንታይ ኢኻ ከየባተኽካ ክትጽሊ ዝግባእ፧
ሎሚ ንየሆዋ ብኸመይ ኢኻ ክትሰምዖ እትኽእል፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 157፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]