ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም

ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም

ምዕራፍ 12

ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም

1. የሱስ እኩያት መናፍስቲ ምስ ኣጓነፍዎ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

 የሱስ ክርስቶስ ድሕሪ ምጥማቑ ብኡንብኡ ክጽልን ከስተንትንን ናብ በረኻ ይሁዳ ኸደ። ኣብኡ ኸኣ ሰይጣን ድያብሎስ ንሕጊ ኣምላኽ ከም ዝጥሕስ ክገብሮ ፈተነ። የሱስ ግና ነቲ ናይ ድያብሎስ ፈተና ነጸጎ። ኣብ መጻወድያኡ ንምእታው ከኣ ኣይተታለለን። የሱስ ኣብ ግዜ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ካልኦት እኩያት መናፍስቲውን ኣጓኒፎሞ ኢዮም። ይኹን እምበር ብተደጋጋሚ ገኒሕዎምን ተጻሪርዎምን ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 4:​1-13፣ 8:​26-34፣ 9:​37-43

2. ንኸመይ ዝበሉ ሕቶታት ኢና እንምርምሮም፧

2 ነዚ ኣጋጣሚታት እዚ ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት: ሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ብርግጽ ከም ዘለዉ ከእምነና ይግባእ። ንሳቶም ንሰባት ከስሕቱ ኢዮም ዝፍትኑ። ይኹን እምበር: ነዞም እኩያት መናፍስቲ እዚኣቶም ክንቃወሞም ንኽእል ኢና። ንምዃኑ እኩያት መናፍስቲ ካበይ ዝበቘሉ ኢዮም፧ ንሰባት ከታልሉ ዝፍትኑኸ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኣብቲ ዝደልዩዎ ዕላማ ንምብጸሕከ ዝጥቀሙ​ሎም ሜላታት እንታይ ኢዮም፧ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሕቶታት መልሲ ምርካብ: ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ክትቃወሞም ክሕግ​ዘካ ኢዩ።

እኩያት መናፍስቲ —መበቈሎምን ዕላምኦምን

3. ሰይጣን ድያብሎስ ከመይ ኢሉ ኢዩ ኣብቲ ኵነታት እቲ ዝበጽሐ፧

3 የሆዋ ኣምላኽ ሰባት ቅድሚ ምፍጣሩ ነዊሕ ግዜ ኣቐዲሙ: ብዙሓት መንፈሳውያን ፍጡራት ፈጠረ። (እዮብ 38:​4, 7) ኣብ ምዕራፍ 6 ከም እተገልጸ: ሓደ ካብዞም መላእኽቲ እዚኣቶም: ሰባት ኣብ ክንዲ ንየሆዋ ዘምልኹ ንዕኡ ከምልኽዎ ትምኒት ኣሕደረ። ነዚ ዕላማ እዚ ኣብ መፈጸምታ ምእንቲ ከብጽሕ እዚ እኩይ መልኣኽ እዚ ንፈጣሪ ብምቅዋምን ብምክፋእን ነታ ቐዳመይቲ ሰበይቲ: ኣምላኽ ከም ዝሓሰወ ሓሳባት ኣቕረበላ። ምስ እዚ ብምስምማዕ እምበኣር: እዚ ዓለወኛ መንፈሳዊ ፍጡር እዚ ሰይጣን (ተጻራሪ) ድያብሎስ (መካፍኢ) ተባሂሉ ተፈልጠ።​—⁠ዘፍጥረት 3:​1-5፣ እዮብ 1:​6

4. ገለ መላእኽቲ ከመይ ኢሎም ኢዮም ብመዓልትታት ኖህ ሓጢኣት ዝፈጸሙ፧

4 ጸኒሖም: ካልኦት መላእኽቲ ድማ ብወገን ሰይጣን ድያብሎስ ተሰለፉ። ብመዓልትታት እቲ ጻድቕ ሰብኣይ ኖህ: ገለ ካብዚኣቶም ነቲ ናይ ሰማይ ኣገልግሎቶም ጠንጢኖም: ምስ ምድራውያን ኣንስቲ ናይ ጾታዊ ርክብ ፍትወቶም ምእንቲ ከርውዩ ስጋዊ ኣካል ለበሱ። ሰይጣን ነቶም መላእኽቲ እቲኣቶም ነቲ ዘይእዙዝ መገዲ ክወስዱ ከም ዘስድዖም ዘጠራጥር ኣይኰነን። በዚ ድማ ናይቶም ሕሱማት ዓመጸኛታ ዝነበሩ ነፍሊም እተባህሉ ደቓሉ ዘርኢ ኣቦታት ክዀኑ ከኣሉ። የሆዋ ነቲ ዓቢ ማይ ኣይሂ ምስ ኣውረደ: ነቶም ብልሽዋት ደቅሰብን ነቲ ዘይባህርያዊ ወለዶ ናይቶም ዘይእዙዛት መላእኽትን ደምሰሶ። እቶም ዓለወኛታት መላእኽቲ ነቲ ለቢሶምዎ ዝነበሩ ስጋዊ ኣካላት ብምቕንጣጥ ካብቲ ጥፍኣት ኣምሊጦም ናብቲ መንፈሳዊ ግዝኣት ተመልሱ። ኣምላኽ ግን ነዞም ኣጋንንቲ እዚኣቶም ኣብ መንፈሳዊ ጸልማት ደርብዩ ሓየሮም። (ዘፍጥረት 6:​1-7, 17፣ ይሁዳ 6) ይኹን እምበር: ሰይጣን “እቲ ሓለቓ ኣጋንንንቲ:” ከምኡውን እቶም እኩያት መላእኽቱ ኣብ ዕልወቶም ቀጺሎም ኢዮም። (ሉቃስ 11:15) ዕላማኦምከ እንታይ ኢዩ፧

5. ሰይጣንን ኣጋንንቱን እንታይ ዕላማ ኢዩ ዘለዎም: ንሰባት ንምስሓትከ እንታይ ኢዮም ዝጥቀሙ፧

5 ናይ ሰይጣንን ኣጋንንቱን እኩይ ዕላማ: ንሰባት ካብ የሆዋ ኣምላኽ ንምርሓቕ ኢዩ። ስለዚ ኸኣ: እዞም እኩያት እዚኣቶም ኣብ ኵሉ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ ንሰባት ከስሕትዎምን ከፈራርሕዎምን ከጥቅዕዎምን ኢዮም ጸኒሖም: ገና ኸኣ ይቕጽልዎ ኣለዉ። (ራእይ 12:⁠9) ናይ ኣጋንንቲ መጥቃዕቲ: ሕጂ ካብ ቀደም ብዝያዳ ሰንካም ኰይኑ ከም ዘሎ ዘመናዊ ኣብነታት ዘረጋግጾ ኢዩ። ኣጋንንቲ ንሰባት ምእንቲ ከስሕቱ ንሓተታ-መናፍስቲ ብዅሉ መልክዓቱ ኢዮም ዝጥቀሙሉ። ኣጋንንቲ ነዚ መስሓቢ እዚ ዝጥቀሙሉ ከመይ ገይሮም ኢዮም: ከመይ ገይርካኸ ኢኻ ክትከላኸል እትኽእል፧

እኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከስሕቱኻ ከም ዝፍትኑ

6. ሓተታ-መናፍስቲ እንታይ ኢዩ: ገለ ካብ ኣገባባቱኸ እንታይ ኢዮም፧

6 ሓተታ-መናፍስቲ እንታይ ኢዩ፧ ምስ ኣጋንንቲ ወይ እኩያት መናፍስቲ ብቐጥታ ወይ ሞንገኛ ናይ ሰብ ገይርካ ርክብ ምግባር ማለት ኢዩ። ከምቲ እተፈላለየ መስሓቢ ንሃዳናይ ዘገልግሎ: ሓተታ መናፍስቲ ድማ ንኣጋንንቲ ነቲ ግዳይ ንምስሓብ የገልግሎም። ልክዕ ከምቲ ሃዳናይ ነቶም እንስሳታት ኣብ መጻወድያኡ ንኽስሕቦም እተፈላለየ መስሓቢ ዝጥቀም: እኩያት መናፍስቲ ድማ ንሰባት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ምእንቲ ከእትውዎም እተፈላለየ ኣገባባት ናይ ሓተታ መናፍስቲ ኢዮም ዘተባብዑ። (ምስ መዝሙር 119:110 ኣረኣእዮ።) ገለ ካብዞም ኣገባባት እዚኣቶም ጥንቆላ: ሽሕር: ፋል: ኣስማት: ስራይ: ንመናፍስቲ ምጥያቕ: ከምኡውን ንምውታት ምጥያቕ ኢዮም።

7. ሓተታ-መናፍስቲ ክሳዕ ክንደይ ኢዩ ሰፊሕ ዝርጋሐ ረኺቡ ዘሎ: ኣብተን ክርስትያን ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት እውን ከይተረፈ ሰሲኑ ዘሎኸ ስለምን​ታይ ኢዩ፧

7 እቲ መስሓቢ ይዕወት ኢዩ: ከመይሲ ሓተታ-መናፍስቲ: ኣብ መላእ ዓለም ንዝነብሩ ሰባት ይማርኾም ኢዩ። እቶም ኣብ ጫካ ዓድታት ዝነብሩ ነቶም ፈወስቲ ኢዮም ዝውከሱ: ኣብ ከተማ ዘለዉ ናይ ቤት ጽሕፈት ሰራሕተኛታት ከኣ ነቶም ብከዋኽብቲ ዝፈልጡ ይሓቱ። ሓተታ-መናፍስቲ ኣብተን ክርስትያን ተባሂለን ዝጽውዓ ሃገራት ከይተረፈ ሰሲኑ ኣሎ። ምርምር ከም ዝሕብሮ: ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥራይ ተደማሚረን ልዕሊ 10,000,000 ዝርጋሐ ዝረኸባ 30 መጽሔታት ንእተፈላለየ ኣገባብ ሓተታ-መናፍስቲ እተወፈያ ኢየን። ደቂ ብራዚል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ኣብ ናይ ሓተታ-መናፍስቲ ኣቝሑት ልዕሊ 500 ሚልዮን ዶላር የጥፍኡ። ይኹን እምበር: ኣብታ ሃገር ካብቶም ኣብቲ ናይ መናፍስቲ ናይ ኣምልኾ ማእከላት ዝመላለሱ: 80 ካብ ሚእቲ ኣብ ስርዓተ-ቅዳሴ ዝሳተፉ ጥሙቓት ካቶሊክ ኢዮም። ገለ ካብ ቤተ-ክህነት ሓተታ-መናፍስቲ ዘዘውትሩ ስለ ዝዀኑ: ብዙሓት ሃይማኖተኛታት ሰባት: ምዝውታሩ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ኢዩ ኢሎም ይሓስቡ። ግን ከምኡ ድዩ፧

ስለምንታይ መጽሓፍ ቅዱስ ንሓተታ-መናፍስቲ ምዝውታር ከም ዝኹንኖ

8. ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣረኣእያ ብዛዕባ ሓተታ-መናፍስቲ እንታይ ኢዩ፧

8 ገሊኡ ኣገባባት ሓተታ-መናፍስቲ ምስ “ሕያዎት መናፍስቲ” እት⁠ራኸበሉ መገዲ ኢዩ ዝብል ትምህርቲ ተማሂርካ እንተድኣ ዄንካ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓተታ-መናፍስቲ እንታይ ከም ዝብል ብምፍላጥካ ትግረም ትኸውን። ንህዝቢ የሆዋ ከምዚ ዝብል መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ነበረ:- “ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ: ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም።” (ዘሌዋውያን 19:31፣ 20:​6, 27 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ራእይ “እቶም . . . [ሓተታ-መናፍስቲ ዘዘውትሩ ትሓዓ ]” ኣብቲ “ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ” ክጠፍኡ ኢዮም: “እዚ እቲ ኻልኣይ [ዘለኣለማዊ] ሞት” ኢዩ ብምባል የጠንቅቕ። (ራእይ 21:8፣ 22:15) ኵሉ ኣገባባት ሓተታ-መናፍስቲ ኣብ የሆዋ ኣምላኽ ተቐባልነት የብሉን። (ዘዳግም 18:​10-12) ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ኰይኑ፧

9. ኣብዚ ግዜዚ ካብ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጽእ መልእኽትታት ካብ የሆዋ ኣይኰነን ኢልና ክንድምድም እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

9 የሆዋ: መጽሓፍ ቅዱስ ተጻሒፉ ቅድሚ ምውድኡ ምስ ገለ ሰባት ምእንቲ ክራኸብ ሕያዎት መናፍስቲ ወይ ጻድቃን መላእኽቲ ይልእኽ ነይሩ ኢዩ። ቃል ኣምላኽ ተጻሒፉ ካብ ዝውዳእ ኣትሒዙ ግን ሰባት ንየሆዋ ብቕቡል መገዲ ከገልግልዎ ዘድልዮም መምርሒ ቀሪቡሎም ኢዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:​16, 17፣ እብራውያን 1:​1, 2) መልእኽትታቱ ንመማለድቲ ብምሃብ ነቲ ቅዱስ ቃሉ ኣይጥሕሶን ኢዩ። ኵሉ እቲ ኣብዚ ግዜዚ ዘሎ ካብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጽእ መልእኽትታት ካብ እኩያት መናፍስቲ ኢዩ። ሓተታ-መናፍስቲ ምዝውታር ናብ ናይ ጋኔን ምዕግርጋር ክመርሓካ: ወይውን ብእኩያት መናፍስቲ ከም እትተሓዝ ክገብረካ ይኽእል ኢዩ። ስለዚ ኸኣ ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ናይ ሓተ⁠ታ⁠-መናፍስቲ ተግባራት ኢድና ከይነእቱ ብፍቕሪ ተደሪኹ የጠንቅቐና ኢዩ። (ዘዳግም 18:14፣ ገላትያ 5:​19-21) ብተወሳኺ: ብዛዕባ’ዚ ኣረኣእያ የሆዋ እንታይ ምዃኑ ፈሊጥና ከነብቅዕ: ሓተታ-መናፍስቲ ምዝውታር እንተድኣ ቀጺልና ወገን ናይቶም ዓለወኛታት እኩያት መናፍስቲ ብምዃን ጸላእቲ ኣምላኽ ንኸውን ኣሎና ማለት ኢዩ።​—⁠1 ሳሙኤል 15:​23፣ 1 ዜና መዋእል 10:​13, 14፣ መዝሙር 5:⁠4

10. ጥንቆላ እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ ኢና ከነርሕቖ ዝግብኣና፧

10 ሓደ ዝውቱር ዝዀነ ናይ ሓተታ-መናፍስቲ ኣገባብ ጥንቆላ ኢዩ: እዚ ኸኣ ብመናፍስቲ ተሓጊዝካ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ወይ ብዛዕባ ዘይተፈልጠ ነገር ክትፈልጥ ኢልካ ምፍታን ማለት ኢዩ። ገለ ካብቶም ናይ ጥንቆላ ኣገባባት ከም ምቝጻር ከዋኽብቲ: ብክሪስታል እተሰርሐ ኵዕሶ ተኵርካ ምጥማት: ምትርጓም ሕልምታት: ንባብ ግናዕ ኢድ: ካርታ ተጠቒምካ ምጥንቋል ዝኣመሰሉ ኢዮም። ብዙሓት ሰባት ንጥንቆላ ከም ሓደ ዘይጓዳእ ዋዛ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ: መጽሓፍ ቅዱስ ግን: ጠንቆልትን እኩያት መናፍስትን ኢድን ጓንትን ከም ዝዀኑ ኢዩ ዘርእየና። ኣብ ግብሪ ሃዋርያት 16:​16-19 “መንፈስ ጥንቆላ” ንሓንቲ ጓል ‘ክትጥንቍል’ ከም ዝሓገዛ ይጠቕሰልና ኢዩ። እንተዀነ ግን: እቲ ጋኔን ካብኣ ምስ ወጸ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ናይ ምንባይ ክእለታ ኣቋረጸ። ብሓቂ ጥንቆላ ኣጋንንቲ ንሰባት ኣብ መጻወድያኦም ንምእታው ዝጥቀሙሉ መስሓቢ ኢዩ።

11. ምስ ምዉታት ክትራኸብ ኢልካ ምፍታን ንሓደ ሰብ ኣብ መጻወድያ ከእትዎ ዝኽእል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

11 ብሞት ናይ ሓደ ፍቝር ኣባል ስድራቤትካ ወይ ቀረባ ዓርክኻ ትሓዝን እንተድኣ ኴንካ: ብኻልእ ዓይነት መታለሊ ብቐሊሉ ክትሰድዕ ትኽእል ኢኻ። ሓደ ናይ መንፈስ ማእከላይ ፍሉይ ሓበሬታ ክህበካ ወይ ከምቲ ናይቲ ሞይቱ ዘሎ ሰብ ዝጥዕም ድምጺ ገይሩ ክዛረበካ ይኽእል ይኸውን። ተጠንቀቕ! ምስ ምዉታት ክትዛረብ ኢልካ ምፍታን ኣብ መጻወድያ ዘእቱ ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ምውታት ክዛረቡ ኣይክእሉን ኢዮም። ቃል ኣምላኽ ኣብሪሁ ሰብ ምስ ሞተ “ናብ መሬቱ ይምለስ: በታ መዓልቲ እቲኣ ሃቐናኡ ይጠፍእ” ከም ዝብል ምናልባት ትዝክሮ ትኸውን ኢኻ። (መዝሙር 146:​4፣ መክብብ 9:⁠5, 10) ብተወሳኺ: ናይቲ ሞይቱ ዘሎ ሰብ ድምጺ ብምቕዳሕ ዝዛረቡን ብዛዕባ’ቲ ዝሞተ ድማ ነቲ ናይ መንፈስ ማእከላይ ሓበሬታ ዝህብዎ ብሓቂ ኣጋንንቲ ምዃኖም ኢዩ ተፈሊጡ ዘሎ። (1 ሳሙኤል 28:​3-19) ስለዚ ዝዀነ ይኹን “ንምውታት ዝጥይቕ” ሰብ ብእኩያት መናፍስቲ ተፈንጢሩ ኣሎ: ኣንጻር ፍቓድ የሆዋ ድማ ይኸይድ ኣሎ ማለት ኢዩ።​—⁠ዘዳግም 18:​11, 12፣ ኢሳይያስ 8:⁠19

ካብ ምምራኽ ናብ ምጥቃዕ

12, 13. ኣጋንንቲ ንሰባት ኣብ ምፍታንን ምሽጋርን ጸኒዖም ይቕጽሉ ከም ዘለዉ ዘረድእ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

12 ብዛዕባ ሓተታ-መናፍስቲ ዝምልከት: ምስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ተሰማሚዕካ ክትከይድ ከሎኻ: ነቲ ብኣጋንንቲ ዝቐርብ መታለሊ ትነጽጎ ኢኻ። (ምስ መዝሙር 141:​9, 10፣ ሮሜ 12:⁠9 ኣረኣ⁠እዮ።) እዚ ግን: እኩያት መናፍስቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ንኸ⁠እትዉኻ ካብ ምፍታን ዓዲ ይውዕሉ ማለት ድዩ፧ ዘበት! ሰይጣን ንየሱስ ሰለስተ ግዜ ድሕሪ ምፍታኑ “ክሳዕ ካልእ ምቹእ ግዜ ዝረክብ ሓደጎ።” (ሉቃስ 4:13 ትሓዓ ) ብተመሳሳሊ: ደረቐኛታት መናፍስቲ ንሰባት ይስሕብዎም ጥራይ ዘይኰነስ የጥቅዕዎምውን ኢዮም።

13 ነቲ ኣቐድም ኣቢልና ርኢናዮ ዝነበርና ኣብ ልዕሊ እዮብ ኣገልጋሊ ኣምላኽ ዝወረደ ናይ ሰይጣን መጥቃዕቲ ዘክሮ ኢኻ። ድያብሎስ ብዘለዓዓሎ ጠንቂ ኢዩ ጥሪቱ ክጠፍኣን መብዝሕትኦም ኣገልገልቱ ክሞቱን ዝኸኣሉ። ሰይጣን አረ ንደቂ እዮብውን ቀቲሉዎም ኢዩ። ቀጺሉ ንእዮብ ብዘቐንዙ ሕማም ገይሩ ወቕዖ። እዮብ ግን: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጽህናኡ ኣጽኒዑ ሓዘ: ብዙሕ ድማ ተባረኸ። (እዮብ 1:​7-19፣ 2:​7, 8፣ 42:​12) ካብቲ እዋን እቲ ጀሚሮም ኣጋንንቲ ንገሊኦም ዓባሳትን ዕዉራትን ከም ዝዀኑ ገይሮምዎም ኢዮም: ብስቓይ ናይ ሰባት ንምድሳት ድማ ይቕጽሉ ኣለዉ። (ማቴዎስ 9:​32, 33፣ 12:22፣ ማርቆስ 5:​2-5) ሎሚ ኣጋንንቲ ኣብ ልዕሊ ገለ ሰባት ጾታዊ ዓመጽ ከም ዝፍጸሙን ንገሊኦም ከኣ ከም ዘጸልልዎምን ጸብጻባት ይሕብር ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚውን ንኻልኦት ቅትለትን ርእሰ-ቅትለትን ንምፍጻም የለዓዕልዎም: እዚ ኸኣ ኣንጻር ኣምላኽ ምሕጣእ ኢዩ። (ዘዳግም 5:17፣ 1 ዮሃንስ 3:15) ይኹን እምበር: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ ሓደ ግዜ በዞም እኩያት መናፍስቲ ተፈንጢሮም ዝነበሩ ሕጂ ሓራ ክዀኑ ክኢሎም ኣለዉ። ከመይ ኢሎምከ ኢዮም ከምኡ ክገብሩ ዝኸኣሉ፧ ከምኡ ክገብሩ ዝኸኣሉ ኣገደስቲ ስጕምትታት ብምውሳዶም ኢዮም።

ንእኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም እትጻረሮም

14. ምስቲ ናይቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት ሰብ ኤፌሶን ብምስምማዕ: ከመይ ገይርካ ኢኻ ንእኩያት መናፍስቲ ክትጻረሮም እትኽእል፧

14 ሓደ ካብቲ ንእኩያት መናፍስቲ ተጻሪርካ ንርእስኻን ንስድራቤትካን ካብ መጻወድያኦም ክትዕቆበሉ እትኽእል መገዲ እንታይ ኢዩ፧ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: ኣብ ኤፌሶን ኣመንቲ ቅድሚ ምዃኖም ሓተታ⁠-​መናፍስቲ ዘዘውትሩ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣወንታዊ ስጉምትታት ወሰዱ። “ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም አኪቦም ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣን⁠ደ​ድዎ” ዝብል ነንብብ። (ግብሪ ሃዋርያት 19:19) ዋላ’ኳ ሓተታ-መናፍስቲ ኣዘውቲርካ ዘይትፈልጥ እንተ ዀንካ: ዝዀነ ይኹን ምስ ሓተታ⁠-​መናፍስቲ እተተሓሓዘ ወይ ናብኡ ዝእምት ነገራት ካብ ሱሩ ምሒኻ ኣርሕቆ። እዚ ኸኣ መጻሕፍቲ: መጽሔታት: ቪድዮታት: ፖስተራት: ናይ ሙዚቃ መዛግብትን ካልእ ንዕላማ ሓተታ-መናፍስቲ ዘገልግል ኣቝሑትን ዘጠቓልል ኢዩ። ምስልታት: ክታባትን ካልእ ዕቝባ ክትረክብ ኢልካ ዝግበሩ ኣቝሑት: ከምኡውን ካብቶም ሓተታ-መናፍስቲ ዘዘውትሩ ሰባት ዝመጹ ህያባት ምስዚ ኢዮም ዝጽብጸቡ። (ዘዳግም 7:​25, 26፣ 1 ቈረንቶስ 10:21) ንመረድኢ:- ኣብ ታይላንድ ሰብኣይን ሰበይትን ሰብ ሓዳር ንነዊሕ ግዜ ብተደጋጋሚ ናይ ኣጋንንቲ መጥቃዕቲ ይወርዶም ነበረ። ድሕርዚ ነቲ ምስ ሓተታ-መናፍስቲ እተተሓሓዘ ኣቝሑት ካብ ገዝኦም ኣርሓቕዎ። እቲ ውጽኢትከ እንታይ ነበረ፧ ካብ ናይ ኣጋንንቲ መጥቃዕቲ ተናጊፎም ናይ ሓቂ መንፈሳዊ ምዕብልና ኣርኣዩ።

15. እኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ካልእ ኣድላዪ ስጕምቲ እንታይ ኢዩ፧

15 ንእኩያት መናፍስቲ ምእንቲ ክንጻረሮም ካልእ ኣድላዪ ስጕምቲ: ንምኽሪ ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ግብሪ ብምውዓል ነቲ ብኣምላኽ እተዋህበ ምሉእ መንፈሳዊ ኣጽዋር ምልባስ ኢዩ። (ኤፌሶን 6:​11-17) ክርስትያናት ኣንጻር እኩያት መናፍስቲ ንዝገብርዎም ምክልኻል ከደልድልዎ ኣለዎም። እዚ ስጕምቲ እዚ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧ “ምስናይ እዚ ዅሉ” ይብል ሃዋርያ ጳውሎስ: “ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ።” ብሓቂ ኸኣ እምነትካ ሓያል ምስ እትኸውን ብእኡ መጠን ከኣ ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ዘሎካ ክእለት ዝዓበየ ኪኸውን ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 17:​14-20

16. ከመይ ገይርካ ኢኻ ንእምነትካ ከተሐይላ እትኽእል፧

16 ከመይ ገይርካ ኢኻ ንእምነትካ ከተሐይላ እትኽእል፧ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዘይምቍራጽ ብምጽናዕን ነቲ ምኽሩ ኣብ ናብራኻ ብምውዓልን ኢዩ። ናይ ሓደ ሰብ እምነት ምድልዳል ኣብቲ መሰረታ ዘጽንዕ ፍልጠት ኣምላኽ እተመርኰሰ ኢዩ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ከሎኻ ዝረኸብካዮን ኣርዚንካ ዝሓሰብካሉን ርጡብ ፍልጠት: ንእምነትካ ከም ዝሃነጾ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ (ሮሜ 10:​10, 17) ብዘይጥርጥር እምበኣር: ነዚ መጽናዕቲ እዚ እናቐጸልካ ብዝኸድካ መጠን ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣኼባታት ምክፋል ድማ ልማድ እንተድኣ ገይርካዮ እምነትካ ኣጸቢቓ ክትድልድል ኢያ። (ሮሜ 1:​11, 12፣ ቈሎሴ 2:​6, 7) ካብ መጥቃዕቲ ናይ ኣጋንንቲ እተዕቁበካ ሓያል ዕርዲ ድማ ክትኰነካ ኢያ።​—⁠1 ዮሃንስ 5:⁠5

17. ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር እንታይ ተወሳኺ ስጕምትታት ኢዩ ኣድላዪ ክኸውን ዝኽእል፧

17 ሓደ ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ብቆራጽነት እተላዕለ ሰብ: እንታይ ተወሳኺ ስጉምትታት ኢዩ ክወስድ ዝኽእል፧ ክርስትያናት ሰብ ኤፌሶን ኣብታ ብኣጋንንቲ እተወረረት ከተማ ይነብሩ ስለ ዝነበሩ ዕቝባ የድልዮም ነበረ። ስለዚ ኸኣ ጳውሎስ ‘ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ ጸልዩ’ በሎም። (ኤፌሶን 6:18) ኣብዛ ብኣጋንንቲ እተወረረት ዓለም ንነብር ካብ እንህሉ ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር ናይ ኣምላኽ ዕቝባ ንምርካብ ኣበርቲዕካ ምጽላይ ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። (ማቴዎስ 6:13) ኣብዚ ጉዳይ እዚ ሓጋዚ ኰይኑ ክርከብ ዝኽእል ድማ ናይቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ተመዚዞም ዘለዉ ሽማግለታት መንፈሳዊ ደገፍን ጸሎትን ኢዩ።​—⁠ያእቆብ 5:​13-15

ኣንጻር እኩያት መናፍስቲ ከየቋረጽካ ተቓለስ

18, 19. ኣጋንንቲ ንሓደ ሰብ እንደገና እንተድኣ ኣሸጊሮሞ እንታይ ኢዩ ክገብር ዝኽእል፧

18 ይኹን እምበር: ገለ ሰባት ነዚ መሰረታዊ ስጕምትታት እዚ ድሕሪ ምውሳዶምውን ከይተረፈ ብኣጋንንቲ ተሸጊሮም ኢዮም። ንኣብነት: ሓደ ሰብኣይ ኣብ ኮት ዴ’ቨዋር ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዐ እሞ ንኹሉ ክታባቱ ኣጥፍኦ። ብድሕሪኡ ጽቡቕ ምዕባለ ገይሩ ህይወቱ ንየሆዋ ብምውፋይ ተጠምቀ። ይኹን እምበር: ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምጥማቑ: እቶም ኣጋንንቲ እንደገና ከሸግርዎ ጀመሩ: ነቲ ሓድሽ እምነትካ ሕደጎ ዝብል ድምጽታት ድማ ሰምዐ። ንዓኻ ከምዚ እንተ ዘጋጥመካስ ዕቝባ ኣምላኽ ስኢንካ ማለትዶ ኮን ይኸውን፧ ግድን ኸምኡ ማለት ኣይኰነን።

19 የሱስ ክርስቶስ እቲ ፍጹም ሰብኣይ: ሽሕ’ኳ መለኮታዊ ዕቝባ እንተ ነበሮ: ናይቲ እኩይ መንፈሳዊ ፍጡር ሰይጣን ድያብሎስ ድምጺ ሰምዐ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ግዜ እንታይ ክትገብር ከም ዝግብኣካ: የሱስ ኣርእዩ ኢዩ። ንሱ ንድያብሎስ “ኪድ ርሓቕ: ሰይጣን” በሎ። (ማቴዎስ 4:⁠3-10) ንስኻውን ብተመሳሳሊ ነቲ ካብቲ መንፈሳዊ ዓለም ዝመጽእ ድምጽታት ንምስማዕ ክትኣቢ ይግብኣካ። የሆዋ ረድኤቱ ክህበካ ስሙ ብምጽዋዕ ንእኩያት መናፍስቲ ተጻረሮም። እወ: ስም ኣምላኽ እናተጠቐምካ ዓው ኢልካ ጸሊ። ምሳሌ 18:⁠10 “ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ጽኑዕ ግምቢ እዩ: ጻድቕ ናብኡ ጐይዩ የዕቍብ” ይብል። እቲ ኣብ ኮት ዴ’ቨዋር ዝነብር ክርስትያን ሰብኣይ ነዚ ነገርዚ ገይርዎ ኢዩ: እቶም እኩያት መናፍስቲ ከኣ ካብ ምሽጋሩ ኣቋረጹ።​—⁠መዝሙር 124:⁠8፣ 145:⁠18

20. ብኣጠቓላሊ: ንእኩያት መናፍስቲ ንምጽራር እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧

20 የሆዋ ነቶም እኩያት መናፍስቲ ኣብ ህላዌ ክጸንሑ ፈቒዱሎም ኣሎ: ይኹን እምበር: ሓይሉ ብፍላይ እኳ ኣብ ክንዲ ህዝቡ የርኢ ኢዩ። ስሙ ድማ ኣብ ኵላ ምድሪ ይእውጅ ኣሎ። (ዘጸኣት 9:16) ናብ ኣምላኽ እንተድኣ ቀሪብካ: ንእኩያት መናፍስቲ ክትፈርሆም ኣየድልየካን ኢዩ። (ዘሁልቍ 23:⁠21, 23፣ ያእቆብ 4:⁠7, 8፣ 2 ጴጥሮስ 2:⁠9) ሓይሎም ውሱን ኢዩ። ኣብ መዓልትታት ኖህ ተቐጺዖም: ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ ግዜ ካብ ሰማይ ተደርብዮም: ሕጂ ኸኣ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ይጽበዩ ኣለዉ። (ይሁዳ 6፣ ራእይ 12:9፣ 20:⁠1-3, 7-10, 14) እኳ ደኣ: በቲ ዝመጽእ ዘሎ ጥፍኣቶም ይርዕዱ ኢዮም። (ያእቆብ 2:⁠19) ስለዚ እኩያት መናፍስቲ ብገለ ዓይነት መስድዒ ገይሮም ክስሕቡኻ ወይ ድማ ብዝዀነ መገዲ ከጥቅዑኻ ዝፍትኑ እንተድኣ ኰይኖም: ክትጻረሮም ትኽእል ኢኻ። (2 ቈረንቶስ 2:⁠11) ንዅሉ ኣገባብ ሓተታ-መናፍስቲ ንየው በሎ: ንምኽሪ ናይ ቃል ኣምላኽ ኣብ ግብሪ ኣውዕሎ: ስምረት የሆዋ ድማ ድለ። ነዚ ከይደንጔኻ ግበሮ: ከመይሲ ህይወትካ ንሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ኣብ ምጽራር እተመርኰሰት ኢያ!

ፍልጠትካ ምዘን

እኩያት መናፍስቲ ንሰባት ከመይ ገይሮም ኢዮም ከስሕትዎም ዝፍትኑ፧

መጽሓፍ ቅዱስ ንሓተታ መናፍስቲ ዝዅንኖ ስለንምታይ ኢዩ፧

ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ኢዩ ካብ ሓይልታት እኩያት መናፍስቲ ሓራ ክወጽእ ዝኽእል፧

ንእኩያት መናፍስቲ ከየቋረጽካ ክትጻረሮም ዝግብኣካ ስለምንታይ ኢኻ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 110 ዘሎ ስእሊ]

ንሓተታ መናፍስቲ ምስቲ እተፈላለየ ኣገባባቱ ብኸመይ ኢኻ እትምልከቶ፧