ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ዕላማኻ ግበሮ

ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ዕላማኻ ግበሮ

ምዕራፍ 18

ንኣምላኽ ንዘለኣለም ከተገልግሎ ዕላማኻ ግበሮ

1, 2. ኣብ ርእሲ ፍልጠት ኣምላኽ ምህላው እንታይ ኢዩ ዝድለ፧

 ኣብ ኣፍደገ ናይ ሓደ ዓቢ መዝገብ ሒዙ ዘሎ ክፍሊ ዘእቱ ዕጹው ማዕጾ ደው ኢልካ ከም ዘሎኻ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ሓደ ስልጣን ዘለዎ ሰብ ነታ መፍትሕ ሂቡ ካብቲ ኽቡር ነገራት ከም ዝደሌኻ ተጠቐም ኢሉካ ከይዱ ንበል። እንተ ዘይተጠቒምካላ ግን እታ መፍትሕ ምንም ኣይትረብሓካን ኢያ። ብተመሳሳሊ: ክረብሓካ እንተድኣ ደሊኻ ንፍልጠት ክትጥቀመሉ ኣሎካ።

2 እዚ ብፍላይ ፍልጠት ኣምላኽ ብዝምልከት ሓቂ ኢዩ። ብርግጽ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ምህላው ዘለኣለማዊ ህይወት ምርካብ ማለት ኢዩ። (ዮሃንስ 17:⁠3) ይኹን እምበር: እቲ ተስፋ እቲ: ፍልጠት ስለ ዘጥሬኻ ጥራይ ክርከብ ኣይከኣልን ኢዩ። ከምቲ ንሓንቲ ቍም ነገር ዘለዋ መፍትሕ እትጥቀመላ: ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ድማ ኣብ ናብራኻ ከተውዕሎ የድሊ። የሱስ ኣብታ ‘መንግስቲ ዝኣትዉ’ እቶም ፍቓድ ኣምላኽ ዝገብሩ ኢዮም በለ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ውልቀ⁠-​ሰባት ንዘለኣለም ንኣምላኽ ንምግልጋል መሰል ክረኽቡ ኢዮም።​—⁠ማቴዎስ 7:⁠21፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠17

3. ፍቓድ ኣምላኽ ንዓና እንታይ ኢዩ፧

3 ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ከም ዝዀነ ድሕሪ ምምሃርካ: ኣብ ግብሪ ከተውዕሎ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንዓኻ እንታይ ከም ዝዀነ ኢኻ እትሓስብ፧ መልሱ በዘን ዝስዕባ ቃላት ክጠቓለል ይኽእል ኢዩ:- ንየሱስ ምሰሎ። ቀዳማይ ጴጥሮስ 2:⁠21 “ነዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም እሞ: ክርስቶስ ከኣ: ምእንቲ ኣስኣሰሩ ኽትስዕቡ: ኣርኣያ ሐዲጉልኩም ምእንታኹም መከራ ጸገበ” ኢሉ ይነግረና። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር እምበኣር ብዝከኣል መጠን ኣብነት ናይ የሱስ ክትስዕብ የድልየካ። ከምዚ ገይርካ ኢኻ ንፍልጠት ኣምላኽ ኣብ መዓላ እተውዕሎ።

የሱስ ንፍልጠት ኣምላኽ ብኸመይ ከም እተጠቕመሉ

4. የሱስ ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ዝፈልጥ ስለምንታይ ኢዩ: ነዚ ፍልጠት እዚኸ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧

4 የሱስ ክርስቶስ ካብ ካልኦት ዝዛየደ ዓሚቝ ፍልጠት ኣምላኽ ኣለዎ ኣብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: ኣብ ሰማይ ንመዋእላት ዝኣክል ምስ የሆዋ ኣምላኽ ይቕመጥን ይሰርሕን ነበረ። (ቈሎሴ 1:⁠15, 16) በዚ ዅሉ ፍልጠት እዚኸ የሱስ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧ ነቲ ፍልጠት ብምውናኑ ጥራይ ኣይዓገበን። የሱስ ምስቲ ፍልጠት እቲ ተሰማሚዑ ይመላለስ ነበረ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ ምስ ብጾቱ ደቅሰብ ክመላለስ ከሎ ኣዝዩ ሕያዋይን ዓቃልን ፈቃርን ዝነበረ። በዚ ኸምዚ የሱስ: ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ኢዩ ዝመስሎ ነይሩ: ምስቲ ብዛዕባ መገድታትን ባህርን ናይ የሆዋ ዘለዎ ፍልጠት ተሰማሚዑ ኸኣ ይኸይድ ነበረ።​—⁠ዮሃንስ 8:⁠23, 28, 29, 38፣ 1 ዮሃንስ 4:⁠8

5. የሱስ ስለምንታይ ኢዩ እተጠምቀ: ከመይ ኢሉኸ ኢዩ ምስቲ ትርጕም ናይ ጥምቀቱ ተሰማሚዑ እተመላለሰ፧

5 እቲ ኣብ የሱስ ዝነበረ ፍልጠት ሓደ ወሳኒ ስጕምቲ ንኽወስድውን ደሪኹዎ ኢዩ። ካብ ገሊላ ናብ ፈለግ ዮርዳኖስ መጸ: ኣብኡ ኸኣ ብዮሃንስ መጥምቕ ተጠምቀ። (ማቴዎስ 3:⁠13-15) ናይ የሱስ ጥምቀት እንታይ ዘመልክት ኢዩ ነይሩ፧ ከም ኣይሁዳዊ መጠን: ካብቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ ህዝቢ ኢዩ ተወሊዱ ስለዚ የሱስ ካብታ እተወልደላ ግዜ ጀሚሩ ህይወቱ ዝወፈየ ኢዩ ነይሩ። (ዘጸኣት 19:⁠5, 6) ትሕት ኢሉ ብምጥማቑ: ኣብቲ እዋን እቲ: መለኮታዊ ፍቓድ ንምግባር ርእሱ ናብ የሆዋ ኢዩ ዘቕርብ ነይሩ። (እብራውያን 10:⁠5, 7) የሱስ ንትርጕም ናይ ጥምቀቱ ድማ ፈጺምዎ ኢዩ። ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚ ንኻልኦት ሰባት እናኣካፈሎ: ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ይጽዕር ነበረ። የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባሩ ይሕጐስ ነበረ: አረ እዚ ንዕኡ ከም መግቢ ከም ዝዀነ ይጠቕሶ ነይሩ ኢዩ።​—⁠ዮሃንስ 4:⁠34

6. የሱስ በየናይ መገዲ ኢዩ ርእሱ ዝኸሓደ፧

6 የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኣዝዩ ክቡር ምዃኑን ህይወቱ ምኽፋልውን ከም ዝሓቶን ኣጸቢቑ ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: የሱስ ነቲ ብሕታዊ ድሌቱ ካልኣይ ቦታ ብምሃብ ንገዛእ ርእሱ ክሒዱ ኢዩ። ኵሉ ሳዕ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር ኢዩ ዘቐድም ነይሩ። ንሕናኸ በዚ መዳይ’ዚ ብኸመይ ኢና ነቲ ፍጹም ኣብነት የሱስ ክንስዕቦ እንኽእል፧

ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ስጕምትታት

7. ሓደ ሰብ ንጥምቀት ምእንቲ ክበቅዕ ክወስዶም ዝግብኦ ስጕምትታት እንታይ ኢዮም፧

7 ንሕና ከም የሱስ ፍጹማት ስለ ዘይኰንና ኣብቲ ኣገዳሲ ምዕራፍ ናይ ጥምቀት ክንበጽሕ እንኽእል ካልእ ኣገደስቲ ስጕምትታት ድሕሪ ምውሳድና ጥራይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ኣብ ልብና ርጡብ ፍልጠት ብምሓዝ ኢዩ ዝጅምር። ከምዚ ምግባር እምነት ከነሕድርን ንኣምላኽ ዓሚቝ ፍቕሪ ክህልወናን ኢዩ ዝሕግዘና። (ማቴዎስ 22:⁠37-40፣ ሮሜ 10:⁠17፣ እብራውያን 11:⁠6) ምስ ሕግታትን ስርዓታትን መዐቀኒታትን ናይ ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምምልላስ: በቲ ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርናዮ ሓጢኣት ልባዊ ጣዕሳ ገሊጽና: ንኽንናሳሕ ዝድርኸና ክኸውን ይግባእ። እዚ ኸኣ ነቲ ብዘይ ፍልጠት ኣምላኽ ከሎና እንስዕቦ ዝነበርና ሓጥእ መገዲ ሓዲግና ክንልወጥ ወይ ክንምለስ መገዲ ዝኸፍት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19) ጽድቂ ዘበለ ኣብ ክንዲ ንገብር: ተሓቢእና ገለ ሓጢኣት ነዘውትር እንተድኣ ኣሊና ዄንና: ጌና ኣይተመለስናን ማለት ኢዩ: ንኣምላኽ ድማ ከነዐሽዎ ኣይንኽእልን ኢና። የሆዋ ንዅሉ ግብዝና የስተብህለሉ ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 12:⁠2, 3

8. ኣብቲ ንጥፈት ስብከት መንግስቲ ክትሳተፍ ባህጊ እንተድኣ ኣልዩካ: እንታይ ስጕምቲ ኢዩ ክትወስድ ዝግብኣካ፧

8 ስለዚ ፍልጠት ኣምላኽ ክትሰንቕ ዝጸናሕካ ካብ ኰንካ: ንመንፈሳዊ ነገራት ኣዝዩ ብሕታዊ ብዝዀነ መገዲ ገይርካ ክትርእዮስ ግቡእዶ ኣይኰነን፧ ምናልባሽ ንኣዝማድካን ኣዕሩኽካን ካልኦትን ነቲ እትማሃሮ ዘሎኻ ክትነግሮም ትህንጠ ትህሉ። እኳ ድኣ: ከምቲ የሱስ ኣብ ዝዀነ ይኹን ኣጋጣሚታት ነቲ ብስራት ንኻልኦት ዘካፍሎ ዝነበረ: ንስኻውን ድሮ ነዚ ክትገብሮ ጸኒሕካ ትኸውን። (ሉቃስ 10:⁠38, 39፣ ዮሃንስ 4:⁠6-15) ሕጂ ኸኣ ዝያዳ ክትገብር ትደሊ ትኸውን። ክርስትያን ሽማግለታት: ብቝዕ ከምኡውን ኣብቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝገብርዎ ስርዓታዊ ንጥፈት ስብከት መንግስቲ ብምክፋል ገለ ግደ ከተበርክት ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምውሳን ምሳኻ ደስ ኢልዎም ክዘራረቡ ኢዮም። ብቕዓትካን ክእለትካን እንተድኣ ኣረጋጊጾም: እቶም ሽማግለታት: ምስ ሓደ ምስክር ኣብቲ ኣገልግሎት ክትከይድ መደብ ክገብሩልካ ኢዮም። ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንኣገልግሎቶም ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ምእንቲ ክፍጽምዎ: ንመምርሒታቱ ይስዕብዎ ነበሩ። (ማርቆስ 6:⁠7, 30፣ ሉቃስ 10:⁠1) ንስኻውን ካብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድን ብኻልእ መገድን ኣብ ምዝርጋሕ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ እጃምካ ብምብርካት ካብዚ ተመሳሳሊ ሓገዝ እዚ ክትጥቀም ኢኻ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 20:⁠20, 21

9. ሓደ ሰብ ከመይ ገይሩ ኢዩ ህይወቱ ንኣምላኽ ዝውፊ: ህይወትካ ምውፋይከ ንናብራ ናይቲ ሰብ ብኸመይ ይትንክፎ፧

9 ነቶም ኣብቲ ዞባ ናይታ ጉባኤ ዘለዉ ኵሎም ዓይነት ሰባት ብስራት ምስባኽ: ነቶም ናይ ጽድቂ ዝንባሌ ዘለዎም እትረኽበሉ መገዲ ኢዩ: ሓደ ካብቲ እምነት ከም ዘሎካ ዘረጋግጽ ሰናይ ግብርታት ከኣ ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:⁠34, 35፣ ያእቆብ 2:⁠17, 18, 26) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ምክፋልን ኣብቲ ዕዮ ስብከት ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ምህላውን: ከም እተነሳሕካን ከም እተመለስካን: ሕጂ ኸኣ ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ክትነብር ከም ዝቘረጽካ እተርእየሉ ኣገባባት ኢዩ። እቲ ቐጺሉ ዝመጽእ ርትዓዊ ስጕምቲኸ እንታይ ኢዩ፧ ንየሆዋ ኣምላኽ ህይወትካ ምውፋይ ኢዩ። እዚ ኸኣ ልባዊ ብዝዀነ ጸሎት ገይርካ: ንኣምላኽ ፍቓዱ ክትገብር ብፍታውን ብምሉእ ልብን ህይወትካ ትህቦ ከም ዘሎኻ ምንጋሩ ማለት ኢዩ። ከምዚ ገይርካ ኢኻ ህይወትካ ንየሆዋ እትውፍን ነቲ ፈኲሽ ኣርዑት ናይ የሱስ ክርስቶስ እትቕበሎን።​—⁠ማቴዎስ 11:⁠29, 30

ጥምቀት​—⁠ንዓኻ እንታይ ማለት ምዃኑ

10. ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ድሕሪ ምውፋይካ: ክትጥመቕ ዝግብኣካ ስለምን​ታይ ኢዩ፧

10 ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ: ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቱ ዝዀኑ ክጥመቑ ይግብኦም። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) ንኣምላኽ ወፈያ ድሕሪ ምግባርካ እዚ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧ ገዛእ ርእስኻ ንየሆዋ ስለ ዝወፈኻ ከም እተፍቅሮ ይፈልጥ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ብዛዕባቲ ኣብ ኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ካልኦት ምእንቲ ክፈልጥዎ ተወሳኺ ስጕምቲ ክትወስድ ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ጥምቀት እምበኣር: እቲ ንየሆዋ ኣምላኽ ዝገበርካዮ ወፈያ ንህዝቢ እተፍልጠሉ ኣጋጣሚ ዝህበካ ኣገባብ ኢዩ።​—⁠ሮሜ 10:⁠9, 10

11. ናይ ጥምቀት ትርጕም እንታይ ኢዩ፧

11 ጥምቀት ብዙሕ ምሳልያዊ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። ኣብ ትሕቲ ማይ ክትጥሕል ወይ “ክትቅበር” ከሎኻ: ካብቲ ናይ ቀደም ጕዕዞ ህይወትካ ከም ዝሞትካ ኢዩ ዝሕሰብ። ካብቲ ማይ ክትወጽእ ከሎኻ ኸኣ ናብ ሓደ ብናይ ገዛእ ርእስኻ ዘይኰነስ: ብፍቓድ ኣምላኽ ንዝግዛእ ሓድሽ ህይወት ትወጽእ ከም ዘሎኻ ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: እዚ ክበሃል ከሎ ግን ድሕሪ ደጊም ጌጋ ኣይክትገብርን ኢኻ ማለት ኣይኰነን: ከመይሲ: ኵላትና ዘይፍጹማት ኢና: ስለዚ ኸኣ መዓልታዊ ኢና ሓጢኣት እንገብር። ይዅን እምበር: ከም ህይወትካ ዝወፌኻ ጥሙቕ ኣገልጋሊ የሆዋ መጠን: ምስኡ ፍሉይ ዝዀነ ዝምድና ክትምስርት ኢኻ ማለት ኢዩ። ብምኽንያት ምንሳሕካን ትሕት ኢልካ ምጥማቕካን የሆዋ ብመሰረት ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ ሓጢኣትካ ክሓድገልካ ፍቓደኛ ኢዩ። በዚ ኸምዚ ጥምቀት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ጽጹይ ሕልና ክህልወካ መገዲ ዝጸርግ ኢዩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠21

12. (ሀ) “ብስም ኣቦ” (ለ) ‘ብስም ወዲ’ (ሐ) ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ:’ ምጥማቕ እንታይ ማለት ኢዩ፧

12 የሱስ ንሰዓብቱ “ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን” ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ከጠምቑ ኣዘዞም። (ማቴዎስ 28:⁠19) የሱስ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧ “ብስም ኣቦ” ምጥማቕ: እቲ ዝጥመቕ ዘሎ ሰብ ንየሆዋ ኣምላኽ: ከም ፈጣርን መሰል ዘለዎ ናይዚ ኣድማስ ሉዓላዊ ጐይታን ገይሩ ብምሉእ ልቡ ተቐቢሉዎ ከም ዘሎ ዝሕብር ኢዩ። (መዝሙር 36:⁠9፣ 83:⁠18፣ መክብብ 12:⁠1) ‘ብስም ወዲ’ ምጥማቕ ከኣ እቲ ውልቀ-ሰብ ንየሱስ ክርስቶስ​—⁠ብፍላይ ከኣ ንበጅነታዊ መስዋእቱ​—⁠ብኣምላኽ እተዳለወ እንኮ መገዲ ድሕነት ገይሩ ኣፍልጦ ይህበሉ ኣሎ ማለት ኢዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠12) ‘ብስም መንፈስ ቅዱስ’ ምጥማቕ ድማ እቲ ንጥምቀት ዝቐርብ ዘሎ ሰብ: ነቲ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ: ኣምላኽ ዕላማታቱ ንምፍጻምን ንኣገልገልቱ ድማ ምስታ ብመንፈስ እትምራሕ ማሕበሩ ተሓባቢሮም ነቲ ጻድቕ ፍቓዱ ምእንቲ ክገብሩ ዘሐይለሉን መሳርያ ምዃኑ ኣፍልጦ ከም ዝሃበሉ ዘመልክት ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠2፣ መዝሙር 104:⁠30፣ ዮሃንስ 14:⁠26፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠21

ንጥምቀት ተዳሊኻዶ ኢኻ፧

13, 14. ንየሆዋ ኣምላኽ ከነገልግል ኢልና ምምራጽ ከፍርሃና ዘይግብኦ ስለምንታይ ኢዩ፧

13 ጥምቀት ትርጕም ዝመልኦ: ኣብ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ድማ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዕራፍ ካብ ኰነ: ክትፈርሖ ዝግብኣካ ስጕምቲ ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! እቲ ንምጥማቕ ዝውሰድ ውሳኔ ኣቕልል ኣቢልካ ክውሰን ዝግብኦ ውሳኔ እኳ እንተዘይኰነ: ብዘይጥርጥር ክትገብሮ ካብ እትኽእል ነገራት እቲ ኣዝዩ ጥበባዊ ስጕምቲ ኢዩ።

14 ጥምቀት: ንየሆዋ ኣምላኽ ከተገልግል ከም ዝመረጽካ መረጋገጺ ዝህብ ስጕምቲ ኢዩ። እስከ ብዛዕባ እቶም እትፈልጦም ሰባት ሕሰብ። እንተ በዚ: እንተ በቲ: ነፍሲ ወከፎም ነንጐይታኡዶ ኸይኰነ ዘገልግል ዘሎ፧ ገሊኦም ንሃብቲ ይግዝኡ። (ማቴዎሰ 6:⁠24) ካልኦት ከኣ ደድሕሪ ሞያኦም ብትግሃት ይስዕቡ ወይ ከኣ ኣብ ህይወቶም ንባህግታቶም ዝዓዘዘ ቦታ ብምሃብ ንርእሶም የገልግሉ። ገና ካልኦት ከኣ: ንሓሰውቲ ኣማልኽቲ የምልኹ። ንስኻ ግን ነቲ ሓቀኛ ኣምላኽ: ንየሆዋ ከተገልግል ኢኻ መሪጽካ ዘሎኻ። ከምኡ ገይሩ ብዙሕ ሕያውነትን ድንጋጸን ፍቕርን ከርኢ ዝኽእል ካልእ የለን። ኣምላኽ: ንሰባት ናብ ድሕነት ዝመርሖም ዕላማ ዘለዎ ስራሕ ብምሃብ የኽብሮም። ንኣገልገልቱ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ዝሽልሞም። ብርግጽ: ኣብነት ናይ የሱስ ምስዓብን: ህይወትካ ንየሆዋ ምሃብን ዘፍርሕ ስጕምቲ ኣይኰነን። ብሓቂ እኳ እታ ንየሆዋ እተሐጕሶን ፈጺማ ምኽንያታዊት ዝዀነትን ስጕምቲ ንሳ ጥራይ ኢያ!

15. ገለ ልሙዳት ዕንቅፋታት ናይ ጥምቀት እንታይ ኢዮም፧

15 ይኹን እምበር: ጥምቀት ብምኽንያት ጸቕጢ ዝውሰድ ስጕምቲ ኣይኰነን። ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ የሆዋን ዘሎ ብሕታዊ ጉዳይ ኢዩ። (ገላትያ 6:⁠4) መንፈሳዊ ምዕብልና እናገበርካ ብዝኸድካ መጠን “ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” ኢልካ ሓቲትካ ትኸውን ኢኻ። (ግብሪ ሃዋርያት 8:⁠35, 36) ‘ናይ ስድራቤት ምጽራር ድዩ ዝዓግተኒ ዘሎ፧ ገናዶ ኣብ ገለ ዘይጽሑፋዊ ኵነታት ወይ ልምዲ ሓጢኣት ተጸሚደ ኣሎኹ ኢየ፧ ምናልባሽ ዶዀን በቲ ማሕበረሰብ ከይጽላእ እፈርህ ኣሎኹ ኢየ፧’ ኢልካ ንገዛእ ርእስኻ: ትሓታ ትኸውን። ገለ ካብቶም ክትሓስበሎም ዝግብኣካ ጉዳያት እዚኣቶም ኢዮም: ይኹን እምበር: ክውንነታዊ ብዝዀነ መገዲ ገምግሞም።

16. ንየሆዋ ብምግልጋልካ ብኸመይ ኢኻ እትረብሕ፧

16 ነቲ ንየሆዋ ብምግልጋል ዝርከብ ረብሓታት ኣብ ግምት ከየእቶኻ: ነቲ ኣሉታዊ ምኽንያታት ጥራይ ምግምጋሙ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኢዩ። ንኣብነት: ነቲ ካብ ስድራቤት ዝመጽእ ምጽራር እሞ ንመ​ል⁠ከቶ። የሱስ ንሰዓብቱ ሽሕ እኳ ንዕኡ ብምስዓቦም ኣዝማዶም እንተሰኣኑ: ዝዓበየት መንፈሳዊት ስድራቤት ከም ዝረኽቡ ተመባጽዓሎም። (ማርቆስ 10:⁠29, 30) እዞም ብጾትካ ኣመንቲ እዚኣቶም ሕውነታዊ ፍቕሪ ከርእዩኻ: መስጐግቲ ክትጽመም ክሕግዙኻ: በታ መገዲ ህይወት ክትጐዓዝ ድማ ክድግፉኻ ኢዮም። (1 ጴጥሮስ 5:⁠9) ብሕልፊ ናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ንግድላት ክትዋጽኣሉን ንኻልእ ኣሸጋሪ ኵነታት ብዓወት ከተሰንፍን ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም። (ያእቆብ 5:⁠14-16) ብዛዕባ ካብዛ ዓለም እዚኣ ሞገስ ምስኣን ግን: ንገዛእ ርእስኻ ከምዚ ኢልካ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ:- ‘በቲ ዝመረጽኩዎ መገዲ ህይወት ንፈጣሪ ናይዚ ኣድማስ ከሐጕስን ስምረቱ ኽረክብን ምኽኣለይ ምስ እንታይ ኢዩ እሞ ክወዳደር ዝኽእል፧’​—⁠ምሳሌ 27:⁠11

ምስ ወፈያኻን ጥምቀትካን ተሰማሚዕካ ምንባር

17. ንጥምቀት ከም መወዳእታ ዘይኰነስ ከም መጀመርያ ክትቈጽሮ ዝግብኣካ ስለምንታይ ኢዩ፧

17 ጥምቀት: መወዳእታ ናይ መንፈሳዊ ምዕብልናኻ ከም ዘይኰነ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ። ከም እተመዘዘ ኣገልጋልን ከም ሓደ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽርን ኴንካ ንምሉእ ህይወትካ ንምግልጋል እትጅምረሉ መበገሲ ኢዩ። ጥምቀት: ሽሕ’ኳ ኣዝዩ ኣገዳሲ እንተዀነ: ናይ ድሕነት ዋሕስ ኣይኰነን። የሱስ ‘ዝተጠምቐ ዘበለ ኵሉ ክድሕን ኢዩ’ ኣይበለን። ኣብ ክንድኡስ “እቲ ኽሳዕ መወዳእታ [ዝጽመም ትሓዓ ] ግና ኪድሕን እዩ” በለ። (ማቴዎስ 24:⁠13) ስለዚ: ኣብ ህይወትካ ኣዕዚዛ ከም እተገድሰካ ብምግባር ንመንግስቲ ኣምላኽ ከተቐድማ ምድላይካ ኣገዳሲ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 6:​25-34

18. ድሕሪ ጥምቀት ክትስዕቦም ዝግብኣካ ሸቶታት እንታይ ኢዮም፧

18 ኣብቲ ናይ የሆዋ ኣገልግሎት ምእንቲ ክትጽመም ንገዛእ ርእስኻ መንፈሳዊ ሸቶታት ከተቕውም ከድልየካ ኢዩ። ሓደ ቁም ነገር ዘለዎ ሸቶ: ስርዓታዊ ዝዀነ ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ቃሉ ገይርካ ብዛዕባ ኣምላኽ ዘሎካ ፍልጠት ምውሳኽ ኢዩ። መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክህልወካ መድብ። (መዝሙር 1:⁠1, 2) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ዄንካ ተኻፈል: ከመይሲ እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ምሕዝነት: መንፈሳዊ ሓይሊ ክትረክብ ክሕግዘካ ኢዩ። ብወገንካ: ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ንየሆዋ ምእንቲ ክትውድስን ንኻልኦት ምእንቲ ክትሃንጽን ሓሳባት ክትህብ ስለምንታይ ሸቶኻ ዘይትገብሮ፧ (ሮሜ 1:⁠11, 12) ካልእ ሸቶ ኸኣ ነቲ እተቕርቦ ዓይነት ጸሎት ምምሕያሽ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።​—⁠ሉቃስ 11:⁠2-4

19. መንፈስ ቅዱስ እንታይ ባህርያት ከተንጸባርቕ ኢዩ ክሕግዘካ ዝኽእል፧

19 ምስ ትርጕም ናይ ጥምቀትካ ተሰማሚዕካ ክትነብር እንተድኣ ዄንካ: መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ከም ፍቕሪ: ሓጐስ: ሰላም: ነዊሕ-ተጻዋርነት: ሕያውነት: ለውሃት: እምነት: ህድኣት: ከምኡውን ርእሰ-ግትኣት ዝኣመሰሉ ባህርያት ከፍርየልካ ብምፍቃድ: ነቲ እትገብሮ ብዘይ ምቍራጽ ከተቕልበሉ የድልየካ ኢዩ። (ገላትያ 5:⁠22, 23 ትሓዓ2 ጴጥሮስ 3:⁠11) የሆዋ ንዅሎም እቶም መንፈስ ቅዱስ ክህቦም ዝጽልዩን ከም እሙናት ኣገልገልቱ ዀይኖም ድማ ዝእዘዝዎን መንፈስ ቅዱስ ከም ዝህቦም ኣይትረስዕ። (ሉቃስ 11:⁠13፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠32) ስለዚ ኣምላኽ መንፈሱ ክህበካ ጸሊ: ነቲ ንዕኡ ባህ ዘብሎ ባህርያት ኣብ ምንጽብራቕ ምእንቲ ክሕግዘካ ድማ ለምኖ። ነቲ ናይ መንፈስ ቅዱስ ጽልዋ ሕራይ ኢልካ እንተድኣ ተቐቢልካዮ: እዘን ባህርያት እዚኣተን ኣብ ኣዘራርባኻን ጠባይካን ኣጸቢቐን ክገሃዳ ኢየን። ርግጽ ኢዩ: ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝያዳ ንክርስቶስ ምእንቲ ክመስል ነቲ “ሓድሽ ሰብነት” ክለብስ ኢዩ ዝጽዕት ዘሎ። (ቈሎሴ 3:⁠9-14 ትሓዓ ) ነፍሲ ወከፍና: ኣብ እተፈላለየ ደረጃታት ናይ መንፈሳዊ ምዕብልና ስለ ዘሎና: እተፈላለየ ብድሆታት ኢዩ ዘጋጥመና። ዘይፍጹም ካብ ኰንካ: ናይ ክርስቶስ ዝመስል ባህሪ መታን ክህልወካ ኣበርቲዕካ ክትሰርሕ የድልየካ። ይኹን እምበር: ኣብዚ መዳይ እዚ ፈጺምካ ተስፋ ኣይትቝረጽ: ከመይሲ ብሓገዝ ናይ ኣምላኽ ይከኣል ኢዩ።

20. ንየሱስ በየናይ መገድታት ኢኻ ኣብ ኣገልግሎት ክትመስሎ እትኽእል፧

20 ሓደ ካብቲ መንፈሳዊ ሸቶታትካ: ነቲ ናይ የሱስ ሕጕስ ኣብነት ጥብቕ ኢልካ ምስዓብ ኪኸውን ይግብኦ። (እብራውያን 12:⁠1-3) ንሱ ኣገልግሎት ይፈቱ ነበረ። ኣብቲ ንጥፈት ሰብከት መንግስቲ ክትካፈል መሰል እንተድኣ ረኺብካ: ኣገልግሎትካ ተራ ወይ ዘይስሕብ ክኸውን ኣይትግደፎ። ከምቲ የሱስ ዝገበሮ: ንኻልኦት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽውን ብምምሃርካ ዕግበት ክትረክብ ጸዓር። ከም መምህር መጠን ምምሕያሽ ምእንቲ ከተርኢ ነቲ በታ ጉባኤ ዝዳሎ መምርሒ ተጠቐመሉ። የሆዋ ኣገልግሎትካ ንምፍጻም ዘኽእለካ ሓይሊ ክህበካ ከም ዝኽእል ድማ ርግጸኛ ኵን።​—⁠1 ቈረንቶስ 9:⁠19-23

21. (ሀ) የሆዋ ነቶም እሙናት እተጠመቑ ውልቀ-ሰባት ኣኽቢሩ ከም ዝርእዮም ከመይ ገይርና ንፈልጥ (ለ) ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ፍርዱ ከውርድ ከሎ ምእንቲ ኽንድሕን ጥምቀት ኣድላዪ ምዃኑ እንታይ መረድኢ ኣሎና፧

21 ሓደ እሙን ኰይኑ ንየሱስ ክስዕቦ ዝጽዕር ህይወቱ ወፍዩ እተጠመቐ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ኢዩ። የሆዋ ንዅሉ እቲ ብቢልዮናት ዝቝጸር ሰብኣዊ ኣልባብ ይምርምሮ ኢዩ: እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም ክሳዕ ክንደይ ብርቂ ምዃኖም ከኣ ይፈልጥ ኢዩ። ንሱ ከም ሓደ ከቡር መዝገብ: ከም “ተበሃግቲ ነገራት” ኢዩ ዝቘጽሮም። (ሃጌ 2:⁠7 ትሓዓ ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትንቢታት: ኣምላኽ ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ካብቲ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ልዕሊ እዚ እኩይ ኣገባብ ክፍጸም ዘለዎ ፍርዱ ምእንቲ ክድሕኑ ምልክት ከም እተገብረሎም ገይሩ ከም ዝቘጽሮም ይሕብር ኢዩ። (ህዝቅኤል 9:⁠1-6፣ ሚልክያስ 3:⁠16, 18) ንስኻኸ “ንዘለኣለማዊ ህይወት ቅኑዕ ዝንባሌ” ኣሎካዶ፧ (ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠48 ትሓዓ ) ከም ሓደ ንኣምላኽ ዘገልግል ሰብ ምልክት ክግበረልካ ዕቱብ ባህጊዶ ኣሎካ፧ ወፈያን ጥምቀትን ክፍሊ ናይዚ ምልክት እዚ ኢዮም: ንድሕነት ድማ ኣዝዮም ኣድለይቲ ኢዮም።

22. እቶም “ዓቢ ጭፍራ” ነየናይ ተስፋታት ኢዮም ዝጽበዩዎ ዘለዉ፧

22 ድሕሪ’ቲ ዓለምለኻዊ ማይ ኣይሂ: ኖህን ስድራቤቱን ካብታ መርከብ ወጺኦም ናብ ዝጸረየት ምድሪ ኣተዉ። ሎሚውን ብተመሳሳሊ: ንፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ናብራኦም ዘውዕልዎ’ሞ ስምረት የሆዋ ዝረኽቡ “ዓቢ ጭፍራ” ኣብ መወዳእታ እዚ እኩይ ኣገባብ’ዚ ድሒኖም ኣብ ሓንቲ ንሓዋሩ ዝጸረየት ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ናይ ምርካብ ተስፋ ኣለዎም። (ራእይ 7:⁠9, 14) እቲ ህይወት እቲ እንታይ’ዩ ክመስል፧

ፍልጠትካ ምዘን

የሆዋ ነቲ ብዛዕብኡ ዘሎካ ፍልጠት ብኸመይ ክትጥቀመሉ ኢዩ ዝደልየካ፧

ንጥምቀት ዝመርሕ ገለ ስጕምትታት እንታይ ኢዩ፧

ጥምቀት መጀመርታ ድኣ እምበር መወዳእታ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

ምስ ወፈያናን ጥምቀትናን ተሰማሚዕና ክንነብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 172 ዘሎ ስእሊ]

ብጸሎት ገይርካ ህይወትካ ንኣምላኽ ወፊኻ ዲኻ፧

[ኣብ ገጽ 174 ዘሎ ስእልታት]

ንኸይትጥመቕ ዝኽልክለካ እንታይ ኢዩ፧