ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት ምህናጽ

ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት ምህናጽ

ምዕራፍ 15

ንኣምላኽ እተኽብር ስድራቤት ምህናጽ

1-3. ገለ ሰባት ነቲ ኣብ መርዓን ወላዲ ኣብ ምዃንን ዘጋጥም ልሙድ ግድላት ክፈትሕዎ ዘይክእሉ ስለምንታይ ኢዮም: መጽሓፍ ቅዱስ ግና ክሕግዝ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

 ናይ ብሕትኻ ገዛ ክትሃንጽ መደብ ከም ዘሎካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ቅድም መሬት ትዕድግ። ብርቱዕ ሃንቀውታ ስለ ዘሎካ ድማ እታ ሓዳስ ገዛኻ እንታይ ከም እትመስል ኣብ ኣእምሮኻ ትስእላ። ምስ እዚ ዅሉ: መሳርሕን ናይ ምህናጽ ክእለትን እንተ ዘይብልካ ድኣ እንታይ ይኹን፧ ጻዕርኻስ ክንደይ ዘበሳጩ ምዀነ!

2 ብዙሓት ሰብ ሓዳር: መርዓ ክጅምሩ ኸለዉ ሕጕስ ስድራቤት ኣብ ኣእምሮኦም ብምቕራጽ ኢዮም ዝጅምርዎ: ይኹን እምበር: ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ ዘኽእሎም መሳርሒ ይኹን ክእለት የብሎምን። ብድሕሪ መዓልቲ መርዓ ብኡንብኡ ኣሉታዊ ዝዀነ ኣገባባት ይምዕብል። ባእስን ኵራን መዓልታዊ ልማድ ይኸውን። ቈልዑ ምስ ተወልዱ: እቶም ሓደስቲ ኣቦን ኣደን ድሮ ኣብ መርዓ ክእለት ዝጐደሎም: ብምዃኖም ወላዲ ኣብ ምዃን ከኣ ጉድለት ዘለዎም ኰይኖም ይርከቡ።

3 ዘሐጕስ ግን: መጽሓፍ ቅዱስ ክሕግዝ ይኽእል ኢዩ። እቲ ስርዓታቱ ሕጕስቲ ስድራቤት ንኽትሃንጽ ክሕግዘካ ዝኽእል መሳርሒታት ኢዩ። (ምሳሌ 24:⁠3) እዚ ብኸመይ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ቀጺልና ንርኣዮ።

ሕጕስ መርዓ ንምህናጽ ዝሕግዙ መሳርሒታት

4. ኣብ መርዓ ግድላት ክህሉ ክትጽበዮ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስከ እንታይ ስርዓታት ኢዩ ተቐሪቡ ዘሎ፧

4 ምርዕዋት ሰብኣይን ሰበይትን ክሳዕ ክንደይ እተወሃሃዱ ይኹኑ ብዘየገድስ: ብስምዒታዊ ባህርይ: ብናይ ኣተዓባብያ ተመኵሮታት: ከምኡውን ብናይ ስድራቤት መበቈል ይፈላለዩ ኢዮም። ስለዚ: ድሕሪ መርዓ ገለ ግድላት ክህሉ ክትጽበዮ ኣሎካ። ብኸመይ ኢዮም ዝፍትሑ፧ ነደቕቲ ቤት ክሰርሑ ኸለዉ: ነቲ ውጥን ኢዮም ዝውከሱ። እዚ ክስዓብ ዝግብኦ መምርሒታት ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ሕጕስቲ ስድራቤት ኣብ ምህናጽ ዝሕግዝ ናይ ኣምላኽ ስርዓታት የዳልወልና ኢዩ። ሕጂ ገለ ሒደት ካብዚኣቶም ንመርምሮም።

5. መጽሓፍ ቅዱስ ተኣማንነት ኣብ መርዓ ኣድላይ ምዃኑ ከመይ ገይሩ ኢዩ ኣጕሊሑ ዝዛረበሉ፧

5 ተኣማንነት። የሱስ “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” በለ። a (ማቴዎስ 19:⁠6) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ: መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር: እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኸሰ ይኹን።” (እብራውያን 13:⁠4) ስለዚ እምበኣር: ምርዑዋት ንብጾቶም እሙናት ኰይኖም ክቕጽሉ ኣብ የሆዋ ግዴታ ኣለዎም።​—⁠ዘፍጥረት 39:⁠7-9

6. መርዓ ቀጻልነት ክህልዎ ተኣማንነት ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል፧

6 ተኣማንነት: ነቲ መርዓ ክብረትን ዕቝባን ኢዩ ዝስልሞ። እሙናት ሰብ ሓዳር: ዝመጸ ይምጻእ ንሓድሕዶም ክደጋገፉ ምዃኖም ይፈልጡ ኢዮም። (መክብብ 4:⁠9-12) ኣየወ: እዝስ ካብቶም ንእሽቶይ ጸገም ክትጓነፎም ከላ ጥራይ ንመርዕኦም ዝጥንጥኑ ክሳዕ ክንደይ እተፈልየ ዀን ኢዩ! ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት ተቐዳዲሞም: ‘ዘይመጻምድተይ መሪጸ’: ‘ፍቕረይ ወዲአ ኢየ’ ብምባል እቲ መድሃኒት: ሓድሽ ብጻይ ምምጻእ ኢዩ ዝብል መደምደምታ ኢዮም ዝህቡ። እዚ መደምደምታ እዚ ግን ንዋላ ሓደ ካብቶም ሰብ ሓዳር ብስምዒት ክዓብዩ ኣይድግፎምን ኢዩ። ኣብ ክንድኡስ እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ዘይእሙናት: ነዚ ግድል እዚ ናብቶም ሓደስቲ ብጾቶም ኢዮም ዘመሓላልፍዎ። ሓደ ሰብ ጽቡቕ ቤት ምስ ዝህልዎ: እንተኰን ግን እቲ ናሕሲ ማይ ልሒኹ ዝኣትዎ ኰይኑ እንተድኣ ረኺብዎ: ብርግጽ ከዐርዮ ኢዩ ዝፍትን እምበር ናብ ካልእ ገዛ ኣይግዕዝን ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ብጻይ ምቕያር ነቲ ጠንቂ ናይ መውስቦ ባእሲ ኣይፈትሖን ኢዩ። ግድል ክለዓል ከሎ: ነቲ መርዓ ክትብትኖ ኢልካ ኣይትፈትን: ኣብ ክንድኡስ ክትዕቅቦ ኣበርቲዕካ ደኣ ጸዓር። ከምዚ ዝኣመሰለ ተኣማንነት: ነቲ መርዓ ከም ሓደ ክትሕልዎን ክትዕቅቦን ክትሕብሕቦን ዝግባእ ነገር ገይሩ ኢዩ ዝከናኸኖ።

7. ኣብ መንጎ ምርዑዋት ሰባት ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብዙሕ ግዜ ኣሸጋሪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: ግን “ሓዲሽ ሰብነት” ምልባስ ብኸመይ ክሕግዝ ይኽእል፧

7 ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ: ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን” ይብል። (ምሳሌ 15:⁠22) ይኹን እምበር: ንገለ ምርዑዋት ሰብ ሓዳር ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ይኸብዶም ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ከምኡ ዀይኑ፧ ምኽንያቱ ሰባት ናይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ እተፈላለየ ኣገባባት ኢዩ ዘለዎም። መብዛሕትኡ ግዜ: እዚ ሓቂ እዚ ኢዩ ብመጠኑ ኣብ ዘይምርድዳእን ብስጭትን ዘምርሕ። ኣተዓባብያውን ኣብዚ ግዴኡ ክገብር ይኽእል ኢዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ኣብቲ ወለዶም ወርትግ ዝቋየቑሉ ዝነበሩ ቤት ዓብዮም ይዀኑ። ሕጂ ከም እኹላት ሰብ ሓዳር: ንብ​ጸ⁠ይቶም ከመይ ገይሮም ብሕያውነትን ብፍቕርን ከም ዝዛረቡ ኣይፈልጡን ይዀኑ። ይኹን እምበር: ቤትካ ‘ቈየቛ ዝመልኦ ቤት’ ክሳዕ ዝኸውን ክዓኑ ኣይግብኦን ኢዩ። (ምሳሌ 17:⁠1) መጽሓፍ ቅዱስ “ሓዲሽ ሰብነት” ምልባስ ከም ዘድሊ ይጸቕጠሉ ኢዩ: ከም⁠ኡውን መሪርን ታዕታዕን ጸርፍን ኣይፈቅድን ኢዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠22-24, 31 ትሓዓ

8. ምስ ብጸይትኻ ዘይምስምማዕ ከጋጥም ከሎ ሓጋዚ ክኸውን ዝኽእል እንታይ ኢዩ፧

8 ዘይምስምማዕ ከጋጥም ከሎ እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧ ቍጥዓ ክለዓል እንተድኣ ጀሚሩ: ነቲ ኣብ ምሳሌ 17:⁠14 “ናብ ምሕርቃም ስኒ ኸይበጽሔ ኻብ ቈየቛ ርሐቕ” ዝብል ምኽሪ እንተ ሰዓብካ ሰናይ ትገብር። እወ: ነቲ ዝርርብ ንስኻን ብጸይትኻን ክሳዕ እትዝሕሉ ከተጽንሖ ትኽእል ኢኻ። (መክብብ 3:⁠1, 7) ዝዀነ እንተዀነ “ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ” ንምዃን ጸዓር። (ያእቆብ 1:⁠19) ዕላማኻ ነቲ ኵነታት ንምፍዋስ ድኣምበር ኣብቲ ክትዕ ንኽትረትዕ ዝብል ክኸውን የብሉን። (ዘፍጥረት 13:⁠8, 9) ንዓኻን ንብጸይትኻን ዘህድእ ቃላትን ኣገባብ ኣዘራርባን ምረጽ። (ምሳሌ 12:⁠18፣ 15:⁠1, 4፣ 29:⁠11) ልዕሊ ዅሉ ግን: ኣብ ኵራኻ ኣይትቐጽል: ኣብ ክንድኡስ ብሓባር ኴንኩም ትሕት ኢልኩም ብጸሎት ሓሳባትኩም ናብ ኣምላኽ ብምቕራብ ሓገዝ ድለዩ።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠26, 27፣ 6:⁠18

9. ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ኣብ ልቢ ኢዩ ዝጅምር ክበሃል ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ: ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን” ይብል። (ምሳሌ 16:⁠23) ብሓቂ እምበኣር: ዕዉት ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ክህሉ እቲ መፍትሕ ኣብ ኣፍ ዘይኰነስ ኣብ ልቢ ኢዩ ዘሎ። ኣብ ናይ መርዓ ብጻይካ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዘሎካ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ንክርስትያናት ‘ተደናገጽቲ’ ክዀኑ ኢዩ ዘተባብዖም። (1 ጴጥሮስ 3:⁠8) ናይ መርዓ ብጻይካ ዘጕሂ ጭንቀት ከጋጥሞ ኸሎ ከምኡ ክትገብር ትኽእልዶ፧ ከምኡ እንተድኣ ዀይኑ: ከመይ ገይርካ ከም እትምልስ ንምፍላጥ ክሕግዘካ ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 50:⁠4

10, 11. ሰብኣይ ነቲ ኣብ 1 ጴጥሮስ 3:⁠7 ዘሎ ምኽሪ ብኸመይ ኢዩ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ዝኽእል፧

10 ክብርን ግምትን። ክርስትያናት ሰብኡት ምስ ኣንስቶም ‘ከም ምስ [ተነቃፊ ኣቕሓ: ጓል ኣንስተይቲ ትሓዓ ] እናኣኽበርወን በእምሮ’ ክነብሩ ተነጊሮም ኣለዉ። (1 ጴጥሮስ 3:⁠7) ንበዓልቲ ቤትካ ምኽባር ማለት ዋጋ ከም ዘለዋ ኣፍልጦ ምሃብ ዘጠቓለለ ኢዩ። ምስ በዓልቲ ቤቱ “በእምሮ” ዝመላለስ ሰብኣይ ንስምዒታ: ብርታዔኣ: ምስትውዓላ ከምኡውን ክብራ ዝለዓለ ግምት ኣለዎ ማለት ኢዩ። የሆዋ ነንስቲ ብኸመይ ከም ዝርእየንን ብኸመይ ክትሓዛ ከም ዝደልየንን ክማሃር ዝደሊ ድማ ክኸውን ኣለዎ።

11 ኣብ ገዛኻ: ሓንቲ ኣዝያ ጠቓሚት ግንከ ተነቃፊት ኣቕሓ ኣላትካ ንበል። ብዓቢ ጥንቃቐዶ ኣይምሓዝካያን፧ ጴጥሮስ ነታ “ተነቃፊ ኣቕሓ” እትብል ቃል ኣብ ተመሳሳሊ ሓሳብ ኢዩ ኣውዒሉዋ: እዚ ኸኣ ንሓደ ክርስትያን በዓል ቤት ነታ ፍቕርቲ በዓልቲ ቤቱ ብለውሃት ክሕዛ ዝድርኾ ክኸውን ይግባእ።

12. ሰበይቲ ንበዓል ቤታ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዘለዋ ብኸመይ ኢያ ከተርኢ እትኽእል፧

12 ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ንበዓልቲ ቤት እንታይ ዝብል ምኽሪ ኢዩ ዝህባ፧ ጳውሎስ “እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ [ዓሚቝ ኣኽብሮት ክህልዋ ይግባእ ትሓዓ ]” ኢሉ ጸሓፈ። (ኤፌሶን 5:⁠33) ልክዕ ከምቲ በዓልቲ ቤት: በቲ ብጻያ ከም እትኸብርን ከም እትፍቀርን ክስመዓ ዘለዎ: በዓል ቤት ድማ በዓልቲ ቤቱ ከም እተኽብሮ ክስምዖ ይግባእ። መኽበሪት በዓልቲ ቤት: በዓል ቤታ ክርስትያን ይኹን ወይ ኣይኹን ከየገደሰ: ንጕድለታቱ ብዕሽነት ኣይተውርዮን ኢያ። ኣብ ብሕቲ ይኹን ኣብ ቅድሚ ሰባት አናኣናሸወትን እናኣቈናጸበትን ክብረቱ ኣይትግህሶን ኢያ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 3:⁠11፣ 5:⁠13

13. ርእይቶታት ብኸመይ ኢዩ ብሰላማዊ መገዲ ክግለጽ ዝከኣል፧

13 እዚ ማለት ግን ሓንቲ በዓልቲ ቤት ሓሳባታ ክትገልጽ ኣይትኽእልን ኢያ ማለት ኣይኰነን። ሓደ ዝርብሻ ነገር እንተድኣ ኣልዩ: ብኣኽብሮት ክትገልጾ ትኽእል ኢያ። (ዘፍጥረት 21:⁠9-12) ሓደ ሓሳብ ናብ በዓል ቤታ ምቕራብ: ኵዕሶ ናብኡ ከም ምድርባይ ክምሰል ይከኣል ኢዩ። ብቐሊሉ ምእንቲ ክቖልባ ኣፍዅስ ኣቢላ ክትድርብየሉ ትኽእል ኢያ: ወይ ከኣ ብሓይሊ ትድርብየሉ እሞ ክትጐድኦ ትኽእል ኢያ። ክልቲኦም ሰብኣይን ሰበይትን ጐዳኢ ዝዀነ ወቐሳታት ኣርሒቖም ኣብ ክንድኡ ብሕያውነትን ብህዱእ ኣገባብን ክዛረቡ ኸለዉስ ክንደይ ዝሓሸ ኰን ኢዩ!​—⁠ማቴዎስ 7:⁠12፣ ቈሎሴ 4:⁠6፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4

14. ብጻይካ ኣብ መርዓ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ዝምልከት ዘይግደስ ምስ ዝኸውን እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧

14 ከምቲ ርኢናዮ ዘሎና: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ሕጕስ መርዓ ንምህናጽ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ። ግን ብጻይኪ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ብዙሕ ዘይግደስ ምስ ዝኸውንከ፧ ነቲ ፍልጠት ኣምላኽ ኣብቲ ናትኪ ግደ እንተድኣ ኣውዒልክዮ ገና ብዙሕ ክፍጸም ይከኣል ኢዩ። ጴጥሮስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣትን ኣንስቲ: ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ: ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ: ከምኡ ንሰብኡትክን ተአዘዛኦም።” (1 ጴጥሮስ 3:⁠1, 2) ርግጽ ኢዩ: ብዛዕባ’ቲ በዓልቲ ቤቱ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዲ ዘይትገብር በዓል ቤትውን ልክዕ ከምኡ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል። ብጸይትኻ እንታይ ክትገብር ከም እትደሊ ብዘየገድስ: ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንዓኻ ዝሓሸ በዓል እንዳ ዝገብረካ ይኹን። እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ዝሓሸ ወላዲ ክትከውን እውን ክሕግዘካ ይኽ​እል ኢዩ።

ብፍልጠት ኣምላኽ ገይረካ ቈልዑ ምዕባይ

15. ሓድሓደ ግዜ ግጕይ ናይ ወለዲ ኣገባብ ኣተዓባብያ ብኸመይ ኢዩ ዝመሓላለፍ: እዚ ኣገባብ እዚ ግን ብኸመይ ክልወጥ ምተኻእለ፧

15 ሓደ ሰብ: መጋዝ ከምኡውን ማርቴሎ ስለ ዘጥረየ ጥራይ ክኢላ ጸራቢ ኰይኑ ማለት ኣይኰነን። ብተመሳሳሊ: ሓደ ሰብ ቈልዑ ስለ ዘለዎ ጥራይ ክኢላ ወላዲ ኢዩ ማለት ኣይኰነን። ወለዲ: ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ንደቆም ከምቲ ንሳቶም ዝዓበዩሉ ኣገባብ ገይሮም ኢዮም ዘዕብይዎም። በዚ ኸኣ ሓድሓደ ግዜ ግጉይ ኣገባብ ኣተዓባብያ ካብ ሓደ ወለዶ ናብቲ ሓደ ይመሓላለፍ ኢዩ። ሓደ ጥንታዊ ናይ እብራይስጢ ምስላ: “ኣቦታት መጺጽ ዘቢብ በልዑ እሞ ነስናን እቶም ውሉድ ኰኸወ” ይብል። ይኹን እምበር: ቅዱሳት ጽሑፋት: ሓደ ሰብ ግድን ነቲ ወለዱ ዘቘምዎ መገዲ ክስዕብ ከም ዘይብሉ ይሕብሩና ኢዮም። ብናይ የሆዋ ሕግታት እተጸልወ: ሓደ ፍሉይ ጐደና ክመርጽ ይኽእል ኢዩ።​—⁠ህዝቅኤል 18:⁠2, 14, 17

16. ንስድራቤትካ ምንባይ ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ: እዚኸ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ፧

16 የሆዋ ንክርስትያን ወለዲ ንደቆም ግቡእ መምርሕን ሓልዮትን ክህብዎም ይጽበዮም ኢዩ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ሓደ እኳ ነቶም ናቱ: ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ: ዘይሐሊ እንተሎ: እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ።” (1 ጢሞቴዎስ 5:⁠8) እዝስ ከመይ ዝበለ ሓያል ቃላት ኢዩ! ከም ናባዪ ዄንካ ግዴኻ ምፍጻም: ንውሉዳትካ ንስጋውን መንፈሳውን ስምዒታውን ድሌቶም ምሕላይ ዘጠቓለለ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ መሰልን ሓላፍነትን ኢዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: ወለዲ ንደቆም ዘሐጕስ ከባቢ ንኽሃንጹሎም ክሕግዞም ዝኽእል ስርዓታት የዳልወሎም ኢዩ። ገለ ካብዚኣቶም ቀጺልና ንመልከቶም።

17. ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ደቅኻ ክሰርጽ እንታይ የድሊ፧

17 ሰናይ ኣብነት ኣርእዮም። እስራኤላውያን ወለዲ ከምዚ ዝብል ትእዛዝ ተዋሂቦም ነበሩ:- “ንደቅኻ [ቃል ኣምላኽ] ምሀሮም: ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።” ወለዲ ንደቆም ስርዓታት ኣምላኽ ክምህርዎም ናይ ግድን ኢዩ ነይሩ። እዚ ምዕዶ እዚ ግን “እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን” ዝብል መቕድም ነይርዎ ኢዩ። (ዘዳግም 6:⁠6, 7 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) እወ: ወለዲ ካብ ዘይብሎም ክህቡ ኣይክእሉን ኢዮም። ሕግታት ኣምላኽ ኣብ ኣልባብ ናይ ደቅኹም ክጸሓፍ ትደልይዎ እንተድኣ ኴንኩም ቅድም ኣብ ኣልባብኩም ክጸሓፍ ይግብኦ።​—⁠ምሳሌ 20:⁠7፣ ምስ ሉቃስ 6:⁠40 ኣረኣእዮ።

18. ፍቕሪ ብምግላጽ: የሆዋ ብኸመይ ኢዩ ንወለዲ ልዑል ኣብነት ዝዀኖም፧

18 ከም እተፍቅርዎም ኣረጋግጽሎም። ኣብ ጥምቀት የሱስ: የሆዋ “ንስኻ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ኢኻ” በለ። (ሉቃስ 3:⁠22) በዚ ኸምዚ የሆዋ ስምረቱ ከይበቐቐ ብምግላጽን ከም ዘፍቅሮ መረጋገጺ ብምሃብን ንወዱ ኣፍልጦ ሃበሉ። የሱስ ኣብቲ ዳሕራይ ግዜ ንኣቦኡ “ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ” በሎ። (ዮሃንስ 17:⁠24) እምበኣርከስ: ንስኻትኩምውን ከም ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ መጠን: ንደቅኹም ናይ ቃልን ኣካላውን መግለጺ ናይ ፍቕርኹም ሃብዎም​—⁠ነዚ ኸኣ ወርትግ ግበርዎ። ኵሉ ሳዕ ድማ “ፍቕሪ . . . ይሀንጽ” ምዃኑ ዘክሩ።​—⁠1 ቈረን​ቶስ 8:⁠1

19, 20. ንቘልዑ ግቡእ ተግሳጽ ምሃብ እንታይ ዘጠቓለለ ኢዩ: ወለዲኸ ካብቲ ናይ የሆዋ ኣብነት ብኸመይ ኢዮም ክጥቀሙ ዝኽእሉ፧

19 ተግሳጽ። መጽሓፍ ቅዱስ ንኣድላይነት ናይ ፍቕራዊ ተግሳጽ ኣጕሊሑ ይዛረበሉ ኢዩ። (ምሳሌ 1:⁠8) እቶም ሎሚ ንውሉዳቶም መምርሒ ከይህቡ ሸለል ዝብሉ ወለዲ: ጽባሕ ንግሆ ብርግጽ ልብኻ ዘጕሂ ሳዕቤን ከጋጥሞም ኢዩ። ይኹን እምበር: ወለዲ በቲ ሓደ ወገን ድማ እምብዛ ሕሉፋት ከይኰኑ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ። ጳውሎስ “ኣቱም ኣቦታት: ሕሊናኦም ከይዐርብ: ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም” በለ። (ቈሎሴ 3:⁠21) ወለዲ ንደቆም እምብዛ ምእራም ወይውን ብዛዕባ ድኽመታቶም ብዘይ​ም⁠ቍራጽ ምጭቕጫቕ ንጻዕርታቶም ከኣ ምንቃፍ ከወግድዎ ኣለ⁠ዎም።

20 ሰማያዊ ኣቦና: የሆዋ ኣምላኽ: ተግሳጽ ብምድላው ኣብነት ሓዲጉልና ኣሎ። ናቱ ምእራም ፈጺሙ ካብ መስመር ዝሓለፈ ኣይኰነን። ኣምላኽ ንህዝቡ “ብልክዕ ደኣ እየ ዝቐጽዓካ” በሎም። (ኤርምያስ 46:⁠28) ኣብዚ ጉዳይዚ ወለዲ ንየሆዋ ክቐድሕዎ ይግባእ። ካብቲ ግቡእ ደረት ዝሓለፈ ተግሳጽ ወይውን ካብቲ ዝድለ ናይ ምእራምን ምምሃርን ዕላማ ንላዕሊ እንተድኣ ኸይዱ ብርግጽ ኣዝዩ ዘሕርቕ ኢዩ ዝኸውን።

21. ወለዲ እቲ ዝህብዎ ተግሳጽ ፍረ ዘለዎ እንተዀይኑ ብኸመይ ኢዮም ክውስኑ ዝኽእሉ፧

21 ወለዲ: ተግሳጾም ፍረ ዘለዎ እንተዀይኑ ብኸመይ ክውስኑ ይኽእሉ፧ ‘ተግሳጸይ እንታይ ኢዩ ዘስልጥ፧’ ኢሎም ንገዛእ ርእሶም ክሓቱ ይግባእ። ተግሳጽ ክምህር ይግብኦ። ውሉድካ ተግሳጽ ዝወሃበሉ ዘሎ ምኽንያት ክርድኦ ይግባእ። ወለዲ እቲ መአረምታኦም እንታይ ሳዕቤን ከም ዘለዎውን ከገድሶም ይግባእ። ሓቂ ኢዩ: ኣብ መጀመርያ ዳርጋ ኵሎም ቈልዑ ኢዮም ብተግሳጽ ዝሓርቁ። (እብራውያን 12:⁠11) ይኹን እምበር: ተግሳጽ ንቈልዓ ስምዒት ናይ ፍርሂ ዘሕድረሉ ወይ ከም እተጸልአ ከም ዝስምዖ ወይ ብተፈጥሮኡ እኩይ ከም ዝዀነ ዝብል ስምዒት ፈጺሙ ከሕድረሉ ኣይግባእን። የሆዋ ንህዝቡ ቅድሚ ምእራሙ “ኣነ ምሳኻ እየ እሞ: ኣይትፍራህ” በሎም። (ኤርምያስ 46:⁠28) እወ: መአረምታ: ንውላድኩም ከም ፈቃራትን ደገፍትን ወለዲ ምስኡ ወይ ምስኣ ምዃንኩም ከም ዘስተብህል ክገብሮ ይግባእ።

“ጥበበኛ መምርሒ” ምጥራይ

22, 23. ነቲ ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ ዘድሊ መምርሒ ከመይ ገይርካ ኢኻ ከተጥርዮ እትኽእል፧

22 የሆዋ: ሕጕስቲ ስድራቤት ንምህናጽ ዘድልዩና መሳርሒታት ቀሪቡልና ስለ ዘሎ መማሰውቲ ክንከውን ንኽእል ኢና። ይኹን እምበር: ነቲ መሳርሒታት ምውናን: ንበይኑ ኣኻሊ ኣይኰነን። ብግቡእ ምእንቲ ክንጥቀመሎም ክንለማመድ ይግብኣና። ንኣብነት: ሓደ ሃናጺ ኣብ ኣገባብ ኣተሓሕዛ መሳርሒታት ሕማቕ ልማድ የማዕብል ይኸውን። ንገለ ካብኣቶም ፈጺሙ ኣብ ዘይምዓልኦም የውዕሎም ይኸውን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኵነታት: እቲ ዝጥቀመሉ ሜላታት ሓደ ትሑት ውጽኢት ከም ዘፍሪ እተረጋገጸ ኢዩ። ብተመሳሳሊ: ንስኻውን ሕጂ ኣብ ስድራቤትካ ፍሑኽ እናበለ ኣትዩ ዘሎ ዘይጥዑይ ልማዳት ኣስተብሂልካ ትኸውን። ገሊኦም ልማዳት ኣበርቲዖም ሱር ዝሰደዱን ንምልዋጦም ኣጸገምትን ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ስዓብ:- “እቲ ጠቢብ . . . ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ: እቲ ለባም ከኣ [ጥበበኛ መምርሒ ትሓዓ ] የጥሪ።”​—⁠ምሳሌ 1:⁠5

23 ፍልጠት ኣምላኽ ብዘይ መቍራጽ ብምውሳድ: ጥበበኛ መምርሒ ከተጥሪ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ኣብ ናብራ ስድራቤት ዝውዕል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስርዓታት ንቑሕ ኵን: ኣብቲ ዘድሊ ኸኣ ምትዕርራይ ግበር። ነቶም ከም ናይ መርዓ ብጾትን ወለድን ኰይኖም ሰናይ ኣብነት ዝዀኑ ብሱላት ክርስትያናት ተዓዘቦም። ኣዘራርቦም። ልዕሊ ዅሉ ድማ: ነቲ ዘሻቕለካ ብጸሎት ናብ የሆዋ ኣቕርቦ። (መዝሙር 55:⁠22፣ ፊልጲ 4:⁠6, 7) ንዕኡ ዘኽብር ሕጕስ ናብራ ስድራቤት ከተሕልፍ ክሕግዘካ ይኽእል ኢዩ።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ተፋቲሕካ እንደገና ክትምርዖ ዘኽእለካ ሓደ ጥቕሳዊ ምኽንያት: “ምንዝር”​—⁠ካብ መርዓ ወጻኢ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ጥራይ ኢዩ።​—⁠ማቴዎስ 19:⁠9 ትሓዓ

ፍልጠትካ ምዘን

ተኣማንነት: ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ: ክብሪ: ከምኡውን ግምት ከመይ ኢሉ ኢዩ ሕጕስ መርዓ ንኽህሉ ዝሕግዝ፧

ወለዲ: ብዛዕባ ፍቕሮም ንደቆም ከረጋግጹሎም ዝኽእሉ በየናይ መገድታት ኢዮም፧

ኣብ ግቡእ ተግሳጽ እንታይ ረቛሒታት ኢዩ ኣትዩ ዘሎ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 147፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]