ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧

ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧

ምዕራፍ 8

ኣምላኽ ስለምንታይ ኢዩ ስቓይ ዘፍቀደ፧

1, 2. ሰባት ንሰብኣዊ ስቓይ ብዙሕ ሳዕ ብኸመይ ኢዮም ምላሽ ዝህቡሉ፧

 መዓት ክወቅዕ ከሎ እሞ ኸኣ ንብረት ከዕኑ ህይወት ከኣ ክወስድ ከሎ: ብዙሓት ሰባት እዚ ዘሰቅቕ ነገራት እዚ ስለምንታይ ከም ዘጋጥም ክርድእዎ ኣይከኣሉን። ካልኦት ከኣ በቲ መጠን ዘይብሉ ጭከናን ፍኑው ገበንን ዓመጻን ይጭነቑ። ንስኻውን ‘ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ስቓይ ዘፍቀደ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን ኢኻ።

2 ብዙሓት ሰባት ነዚ ዘዕግብ መልሲ ስለ ዘይረኸብሉ: ኣብ ኣምላኽ ዝነበሮም እምነት ኣጥፊኦም ኢዮም። ኣብ ወድሰብ ተገዳስነት የብሉን ዝብል ስምዒት እውን ኣለዎም። ካልኦት ንስቓይ ከም ንቡር ዝወስድዎ ኸኣ ይበሳጨዉ እሞ: በቲ ኣብ ሰብኣዊ ማሕበረሰብ ዝወርድ ዅሉ ሕሰም ንኣምላኽ የማርርዎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት ነይሩካ እንተድኣ ዀይኑ: ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝህቦ ሓሳባት ምናልባት ኣጸቢቕካ ትግደስ ትኸውን።

ስቓይ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን

3, 4. እከይን ስቓይን ካብ የሆዋ ከም ዘይኰኑ ከመይ ገይርና ኢና እነረጋግጽ፧

3 መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ኣብ ዙርያና እንርእዮ ስቓይ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከም ዘይኰነ የረጋግጸልና ኢዩ። ንኣብነት: እቲ ክርስትያን ወደ መዝሙር ያእቆብ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ: ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ: ኣምላኽ ፈቲኑኒ: ኣይበል።” (ያእቆብ 1:13) ከምዚ ስለ ዝዀነ ኸኣ: ኣምላኽ ነቲ ንወድሰብ ዘሸግር ዘሎ ብዙሕ መከራታት መኒጭዎ ክኸውን ኣይኽእልን ኢዩ። ንሰባት ኣብ ሰማይ ንህይወት ምእንቲ ክበቕዑ ኢሉ ፈተናታት ኣየምጽኣሎምን ኢዩ: ወይውን ንሰባት በቲ ኣብቲ ናይ ቀደም ህይወቶም ዝፈጸምዎ እኩይ ግብርታት ከም ዝሳቐዩ ዝገብሮም ኣይኰነን።​—⁠ሮሜ 6:​7

4 ኣብ ርእሲ እዚ: ሽሕ’ኳ ብስም ኣምላኽ ወይ ብስም ክርስቶስ ብዙሕ ዘስካሕክሕ ተግባራት ተፈጺሙ እንተዀነ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዋላ ሓደ ካብ ክልቲኦም ነዚ ተግባራት እዚ ይሰምሮ ኢዩ ዝብል ሓሳብ ኣይርከብን ኢዩ። ኣምላኽን ክርስቶስን ምስቶም ብኣፎም ነገልግሎም ኢና ዝብሉ ግን ዘጠፋፍኡን ዝቐጥፉን: ዝቐትሉን ዝብዝብዙን: ከምኡውን ካልእ ብዙሕ ጠንቂ ናይ ሰብኣዊ ስቓይ ዝዀነ ነገራት ዝገብሩ ምንም ርክብ የብሎምን። እኳ ደኣ “እግዚኣብሄር ንመገዲ ረሲኣን ይፍንፍኖ” ኢዩ። ኣምላኽ “ነቶም ረሲኣን ርሑቖም እዩ።”​—⁠ምሳሌ 15:​9, 29

5. ገለ ካብቶም ናይ የሆዋ ባህርያት ኣየኖት ኢዮም: ብዛዕባ ፍጡራቱኸ ከመይ ኢዩ ዝስምዖ፧

5 መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ “ብምፍታው ኣዝዩ ለዋህ: ከምኡውን መሓሪ ኢዩ” ኢሉ ይገልጾ። (ያእቆብ 5:​11 ትሓዓ) “እግዚኣብሄር [ፍትሒ ትሓዓ ] ይፈቱ” ኢሉ ኸኣ ይእውጅ። (መዝሙር 37:​28፣ ኢሳይያስ 61:​8) ንሱ ተቐያሚ ኣይኰነን። ንፍጡራቱ ብድንጋጽ ኢዩ ዝሓሊ: ንዅሎም ከኣ ንብልጽግናኦም ዝኸውን ዝበለጸ ነገራት ይህቦም። (ግብሪ ሃዋርያት 14:​16, 17) ህይወት ኣብ ምድሪ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ የሆዋ ነዚ ገይርዎ ኢዩ።

ፍጹም ኣጀማምራ

6. ገለ ኣፈ-ታሪኻት ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብቲ ናይ ወድሰብ ጥንታዊ ታሪኽ ዝእምቱ፧

6 ኵላትና ቃንዛን ስቓይን እንታይ ከም ዝመስልን ከመይ ከም ዝዀነን ንፈልጦ ኢና። ስለዚ ኸኣ ስቓይ ዘይብሉ ግዜ ኣሎ ኢልካ ምሕሳብ ኣጸጋሚ ኢዩ: ይዅን እምበር: ኣብ ምጅማር ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ: ኵነታት ከምኡ ኢዩ ነይሩ። ናይ ገለ ሃገራት ኣፈ-ታሪኽ ከይተረፈ ነቲ ሕጕስ ኣጀማምራ እቲ ዘመልክት ኢዩ። ኣብ ናይ ግሪኽ ጽውጽዋያት ካብቶም “ሓሙሽተ መዋእላት ናይ ሰብ” እቲ ቀዳማይ “ወርቃዊ መዋእል” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ ነይሩ። ኣብቲ ግዜ እቲ ሰባት ካብ ጻዕርን ቃንዛን ካብ ኣዕናዊ ውጽኢት ናይ እርጋንን ናጻ ዝዀነ ዘሕጕስ ናብራ ኢዮም ዘሕልፉ ነይሮም። ቻይናውያን: ብግዜ ግዝኣት ናይቲ ጽውጽዋያዊ ብጫ ሃጸይ (ህዋን-ዲ) ሰባት ምስ ከቢድ ኵነታት ኣየርን እንስሳ ዘገዳምን ከይተረፈ ብስምምዕ እናተመላለሱ ብሰላም ይነብሩ ነይሮም ይብሉ። ፋርሳውያን: ግብጻውያን: ቲቤታውያን: ፔሩቫውያን: ከምኡውን መክሲካውያን ኵላቶም ብዛዕባ እቲ ኣብ መጀመርያ ታሪኽ ወድሰብ ዝነበረ ሓጐስን ፍጽምናን ዘዘንቱ ኣፈ⁠-ታሪኽ ኣለዎም።

7. ኣምላኽ ንምድርን ደቅሰብን ስለምንታይ ኢዩ ፈጢርዎም፧

7 እቲ ጽውጽዋያት ናይቶም ህዝቢ: ብሓጺሩ ነቲ ኣዝዩ ጥንታዊ ዝዀነ ጽሑፍ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ዝብሎ ኢዩ ዝደግም ዘሎ። ኣምላኽ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣውያን ጽምዲ: ንኣዳምን ሄዋንን: ኣብታ ኣታኽልቲ ኤደን ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት ገነት ኣቐመጦም: ከምዚ ኸኣ በሎም:- “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን።” (ዘፍጥረት 1:​28) እቶም ቀዳሞት ወለድና: ፍጽምና ነበሮም: ምልእቲ ምድሪ ድማ ገነት ኰይና ነባሪ ሰላምን ሓጐስን ረኺቦም ዝነብሩ ፍጹማት ሰብኣውያን ስድራቤት ዘለዉዋ ኰይና ክርእይዋ ተስፋ ነይርዎም ኢዩ። ኣምላኽ ንምድርን ደቅሰብን ክፈጥሮም ከሎ ዕላምኡ ከምኡ ኢዩ ነይሩ።​—⁠ኢሳይያስ 45:⁠18

ተንኮለኛ ብድሆ

8. ኣዳምን ሄዋንን እንታይ ትእዛዝ ከኽብሩ ኢዩ ትጽቢት እተገብረሎም: ግናኸ እንታይ ኢዩ እተፈጸመ፧

8 ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ሞገስ ኣምላኽ ክቕጽሉ እንተድኣ ዀይኖም: ካብታ “ጽቡቕን ክፉእን እተፍልጥ ኦም” ካብ ምብላዕ ክቝጠቡ ነበሮም። (ዘፍጥረት 2:​16, 17) ንሕጊ የሆዋ እንተ ዝእዘዙ ነይሮም ንሰብኣዊ ህይወት ዘበላሹ ስቓይ ኣይምሃለወን ነይሩ። ንትእዛዝ ኣምላኽ ብምእዛዞም: ንየሆዋ ዘለዎም ፍቕርን ተኣማንነትን ከርእዩ ምኸኣሉ ነይሮም። (1 ዮሃንስ 5:​3) እንተዀነ ግን: ኣብ ምዕራፍ 6 ከም እተማሃርናዮ እቲ ኵነታት ተለዊጡ ኢዩ። ሄዋን ብሰይጣን ተሓቢላ ካብ ፍረ ናይታ ኦም በልዐት። ጸኒሑ: ኣዳምውን ካብታ እተኸልከለት ፍረ በልዐ።

9. ሰይጣን እንታይ ንየሆዋ ዝትንክፍ ክርክር ኢዩ ዘልዓለ፧

9 ክብደት ናይቲ እተፈጸመ ነገር ተረዲእካዮዶ ኣሎኻ፧ ሰይጣን ነቲ የሆዋ ከም ኣዝዩ ልዑል ዘለዎ መዓርግ ኢዩ ዝደፍሮ ነይሩ። ድያብሎስ: “ከቶ ኣይትሞቱን ኢኹም” ብምባሉ: ነቲ “ሞት ክትመውት ኢኻ” ዝብል ቃላት ናይ ኣምላኽ ኢዩ እተቓወሞ። እቲ ቐጺሉ ዝሰዓበ ናይ ሰይጣን ቃላት: የሆዋ ንኣዳምን ሄዋንን ከም ኣምላኽ ከይኰኑ: እዚ ኸኣ ካብኡ ከይተጸበዩ ጽቡቕን ክፉእን ክውስኑ ንዝነበሮም ተኽእሎ ከሊእዎም ዝብል ሓሳብ ዘስምዕ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ: እቲ ናይ ሰይጣን ብድሆ ነቲ መዓርግ የሆዋ ከም ኣድማሳዊ ልዑል ዘለዎ መሰልን ብቕዓትን ዝቃወም ኢዩ ነይሩ።​—⁠ዘፍጥረት 2:⁠17፣ 3:⁠1-6

10. ሰይጣን ብዛዕባ ሰባት እንታይ ኣሽሙራዊ ኣዘራርባ ኢዩ ዘቕረበ፧

10 ከምኡውን ሰይጣን ድያብሎስ ብኣሽሙራዊ ኣዘራርባ: ሰባት ንየሆዋ ዝእዘዝዎ: እቲ ንኣምላኽ ምእዛዞም ንጥቕሞም ክሳዕ ዝዀነ ኢዩ በለ። ብኻልእ ኣዘራርባ ሰብኣዊ ንጽህና ኣብ ጥርጠራ ኣተወ። ሰይጣን: ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ይኹን ፈትዩ ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ ክቕጽል ዝደሊ የለን ኢሉ ከሰሰ። እዚ ብሰይጣን ዝቐረበ ተንኰለኛ ክሲ እዚ: ኣብቲ ብዛዕባ እዮብ ዝገልጽ ጸብጻብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ተገሊጹ ኣሎ። እዮብ ኣብ ገለ እዋን ቅድሚ 1600 ቅ.ኣ.ዘ. ዓቢ ፈተና ዘሕለፈ እሙን ኣገልጋሊ የሆዋ ኢዩ ነይሩ። ካብ መጽሓፍ እዮብ እተን ቀዳሞት ክልተ ምዕራፋት ከተንብብ ከሎኻ: ምኽንያት ናይ ሰብኣዊ ስቓይን ኣምላኽ ድማ ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶን ጥልቕ ዝበለ ምስትውዓል ክትረክብ ኢኻ።

11. እዮብ እንታይ ዓይነት ሰብኣይ ኢዩ ነይሩ: ሰይጣን ግን እንታይ ዝብል ክሲ ኢዩ ዘቕረበ፧

11 እዮብ: እቲ “ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ:” ኣብ ትሕቲ መጥቃዕቲ ሰይጣን ኣተወ። መጀመርያ ሰይጣን “እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧” ዝብል ሕቶ ብምልዓሉ: ንእዮብ ሕማቕ ድራኼ ከም ዘለዎ ገይሩ ጠቀኖ። ብድሕርዚ ድያብሎስ: የሆዋ ዕቝባ ብምሃብን ብምብራኽን ንተኣማንነት እዮብ ከም ዝዓደጎ ብምኽሳሱ ብተንኮል ንኣምላኽን ንእዮብን ኣካፍኦም። ሰይጣን ንየሆዋ “ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ: ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዅሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን” ዝብል ብድሆ ኣቕረበሉ።​—⁠እዮብ 1:​8-11

12. (ሀ) ኣምላኽ: ሰይጣን ንእዮብ ክፍትኖ ምስ ዝፈቕደሉ ጥራይ ክምለሽ ዝኽእል ሕቶታት እንታይ ኢዩ ነይሩ፧ (ለ) ናይ እዮብ ፈተና እንታይ ውጽኢት ነበሮ፧

12 እዮብ ንየሆዋ ዘገልግሎ ዝነበረስ ስለቲ ኵሉ ካብ ኣምላኽ ዝቕበሎ ዝነበረ ነገራት ጥራይ ድዩ፧ ናይ እዮብ ንጽህና ኣብ ትሕቲ ፈተና ምቐጸለትዶ፧ ብወገን የሆዋኸ ንኽፍተን ከፍቅደሉስ ኣብቲ ኣገልጋሊኡ ዝኣክል እምንቶ ነይርዎዶ፧ እዘን ሕቶታት እዚአን መልሲ ምእንቲ ኪረኽባ የሆዋ ንሰይጣን ኣብ ልዕሊ እዮብ እቲ ዝመረረ ፈተና ከውርድ ከፍቅደሉ ነበሮ። ከምቲ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ተዘንትዩ ዘሎ: እዮብ ኣብቲ ብኣምላኽ እተፈቕደ ፈተና እሙን ኰይኑ ብምርካቡ: ናይ የሆዋ ጽድቅን ናይ ሰብ ንጽህናን ዓብይ መረጋገጺ ረኺቡ ኢዩ።​—⁠እዮብ 42:​1, 2, 12

13. ኣብቲ ኣብ ኤደን እተፈጸመን ንእዮብ ዝወረዶን: ንሕና ብኸመይ ኢና እቱዋት እንኸውን፧

13 ዝዀነ ዀይኑ እቲ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን እተፈጸመን እቲ ኣብ እዮብ ዝወረደን ዓሚቝ ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። እቲ ሰይጣን ዘለዓዓሎ ክርክር ንዅሉ ወድሰብ: ነዞም ሎሚ ዘሎና እውን ከይተረፈ ዝትንክፍ ኢዩ። ስም ኣምላኽ ተኻፊኡ ልዕልነቱ ድማ ተደፊሩ። ፍጥረት ኣምላኽ ማለት ሰብ ዘሎዎ ቅንዕና ኣብ ሕቶ ወደቐ። እቲ ክርክራት ክድቅስ ነበሮ።

እቲ ክርክራት ብኸመይ ከም ዝድቅስ

14. ሓደ እተኸሰ ሰብ: ተንኮለኛ ብድሆ ኪቐርቦ ኸሎ ከመይ ገይሩ ኢዩ ክምልሸሉ ዝኽእል፧

14 ንመረድኢ ክዀነና: ንስኻ ኣብ ሓደ ሕጕስ ስድራቤት ብዙሓት ውሉዳት ዘለዉኻ ፈቃር ወላዲ ኢኻ ንበል። ሓደ ካብ ጐረባብትኻ: ንስኻ ሓደ ሕማቕ ወላዲ ከም ዝዀንካ ብምኽሳስ ሓሶት ከም ዝነዝሓልካ ገይርካ ሕሰብ። እቲ ጐረቤት: ደቅኻ ኣየፍቅሩኻን ኢዮም: ምሳኻ ዘለዉ ድማ ካብኡ ዝሓይሽ ኣማራጺ ስለ ዘይፈልጡ ኢዮም እምበር ካብ ገዝኦም ክወጹ ኣጋጣሚ ዝህቦም ሰብ እንተ ዝረኽቡ ገዲፎምኻ ምኸዱ ነይሮም ኢሉ እንተ ዝዛረብከ። ምናልባት ‘ዘይርትዓዊ ኣዘራርባ ኢዩ!’ ምበልካ። እወ: ግን ብኸመይ መረጋገጽካዮ፧ ገለ ወለዲ ምናልባት ብቝጥዓ ምመለስሉ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጎነጽ መልሲ: ሽግር ኣብ ርእሲ ምፍጣሩ: ነቲ ሓሶት ደጋፊኡ ኰይኑ ኢዩ ዝርከብ። ነዚ ሽግር እዚ ብዝምልከት ኣዕጋቢ ስጉምቲ ክኸውን ዝኽእል: እቲ ከሳሲኻ ነቲ ዝበሎ መረጋገጺ ክገብ⁠ረሉ: ደቅኻ ድማ ብቕንዕና ከም ዘፍቅሩኻ ክምስክሩ ኣጋጣሚ ምሃብ ኢዩ።

15. የሆዋ: ከመይ ገይሩ ኢዩ ንናይ ሰይጣን ብድሆ ክምልሸሉ ዝመረጸ፧

15 የሆዋ ከምቲ ፈቃር ወላዲ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነቶም ውሉዳት ክምሰሉ ይኽእሉ ኢዮም: ሰይጣን ከኣ ልክዕ ከምቲ ሓሳዊ ጐረቤት ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣምላኽ ብጥበብ ተደሪኹ ንሰይጣን: ንኣዳም: ከምኡውን ንሄዋን ብቕጽበት ኣየጥፍኦምን ኣብ ክንዳኡስ ነዞም በደለኛታት እዚኣቶም: ንቝሩብ ግዜ ክነብሩ ኣፍቀደሎም። እዚ ኸኣ ነቶም ቀዳሞት ወለድና: ውሉዳት ክወልዱን ሰብኣዊ ስድራቤት ክምስርቱን ዕድል ሃቦም: እቲ ክርክራት ምእንቲ ክዓርፍ ከኣ: ንድያብሎስ እቲ ክሱ ሓቂ እንተዀይኑ ንምርግጋጽ: ዕድል ዝህቦ ኰነ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ካብ መጀመርያ ገለ ሰባት ንዕኡ እሙናት ከም ዝዀኑን ንሰይጣን ድማ ሓሳዊ ምዃኑ ከም ዘረጋግጹን ፈሊጥዎ ነይሩ ኢዩ። የሆዋ ነቶም ዘፍቅርዎ ብዘይምቍራጽ ከም ዝባርኾምን ከም ዝሕግዞምን ምፍላጥናስ ኣየ ክሳዕ ክንደይ ኢና መመስገንቲ እንኸውን!​—⁠2 ዜና መዋእል 16:​9፣ ምሳሌ 15:​3

እንታይ ተረጋጊጹ

16. ዓለም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሰይጣን ክትኣቱ ዝኸኣለት ከመይ ገይራ ኢያ፧

16 ዳርጋ ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ሰብኣዊ ታሪኽ: ሰይጣን ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ናይ ምግዛእ ውዲት ንምጥባብ ምሉእ ናጽነት ነይርዎ ኢዩ። ገለ ካብቲ ዝገበሮ ካልእ ነገራት: ኣብ ልዕሊ ፖለቲካውያን ሓይልታት ቍጽጽሩ ኣጽኒዑ: ከምኡውን ኣብ ክንዲ ንየሆዋ: ተረቂቐን ንዕኡ ኣምልኾ ዘቕርባሉ ሃይማኖታት ኣማዕቢሉ። በዚ ኸኣ ድያብሎስ: “ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ” ኰነ: ከምኡውን “ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ” ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። (2 ቈረንቶስ 4:​4፣ ዮሃንስ 12:​31) ብርግጽ ከኣ ‘ብዘላ ዓለም በቲ እኩይ ኢያ ተታሒዛ ዘላ።’ (1 ዮሃንስ 5:​19) እዚ ማለት ግን: ሰይጣን ነቲ ንዅሉ ወድሰብ ካብ የሆዋ ኣምላኽ ከርሕቖ እኽእል ኢየ ዝብል ዘቕረቦ ክሱ ኣረጋጊጽዎ ማለት ድዩ፧ ፈጺሙ ከምኡ ኣይኰነን! የሆዋ ንሰይጣን ኣብ ህላዌ ክቕጽል እናኣፍቀደሉ ኸሎ: ዕላማኡ ንምፍጻም ቀጺሉ ኢዩ። እሞ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ’ቲ ኣምላኽ ንእከይ ፈቒድዎ ዘሎ ምኽንያት እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧

17. ብዛዕባ ጠንቂ ናይ እከይን ስቓይን ኣብ ኣእምሮና ክንሕዞ ዝግብኣና እንታይ ኢዩ፧

17 እከይን ስቓይን ካብ የሆዋ ዝመነጨ ኣይኰነን።  ሰይጣን ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣን ኣምላኽ ናይዚ ኣገባብ እዝን ካብ ኰነ: ናይዚ ህልዊ ኵነታት ሰብኣዊ ማሕበረሰብን ኵሉ እቲ ወድሰብ እተሳቐዮ መግደራን ተሓተትቲ ንሱን እቶም ደገፍቱን ኢዮም። ዋላ ሓደ’ኳ ይኹን ብቕንዕና ኣምላኽ ናይዚ ኵሉ መከራ ጠንቂ ኢዩ ክብል ዝኽእል የለን።​—⁠ሮሜ 9:⁠14

18. የሆዋ: እከይን ስቓይን ብምፍቃዱ ብዛዕባ እቲ ካብ ኣምላኽ ናጻ ኴንካ ምንባር ዝብል ሓሳብ እንታይ ተረጋገጸ፧

18 የሆዋ ንእከይን ስቓይን ምፍቃዱ: ካብ ኣምላኽ ናጻ ኴንካ ምንባር ዝሓሸት ዓለም ከምጽእ ከም ዘይክእል ኣረጋገጸ። ታሪኽ: ሓደ ድሕሪ ሓደ ስዒቡ ብዝመጸ መዓት ጐሊሑ ከም ዘሎ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ናይዚ ምኽንያት ድማ: ሰባት ናጻ ዀይኖም ናይ ገዛእ ርእሶም መገዲ ክስዕቡ ስለ ዝመረጹ ኢዩ: ንቓል ኣምላኽን ንፍቓዱን ድማ ናይ ሓቂ ክብሪ ኣየርኣዩን። እቶም ጥንታውያን ህዝቢ የሆዋን መራሕቶምን ዘይእሙናት ኰይኖም ነቲ “ልሙድ መገዲ” ብምስዓቦምን ቃሉ ብምንጻጎምን እቲ ውጽኢት ሓደገኛ ኰነ። ብነብይኡ ኤርምያስ ገይሩ ኣምላኽ ከምዚ በሎም:- “እዞም ጥበበኛታት እዚኣቶም ኪሐፍሩን ኪስምብዱን ኪተሐዙን እዮም። እንሆ: ንቓል እግዚአብሄር ወጊዶምሲ: ከመይ ዝበለ ጥበብ ደኣ ዀን አለዎም እዩ፧” (ኤርምያስ 8:⁠5, 6, 9) ንስርዓታት የሆዋ ካብ ምስዓብ ብምስናፍ: ወድሰብ ብሓፈሻ: ከምታ ኣብ ሓደ ማዕበል ዘለዎ ባሕሪ ንየው ነጀው እትሕቈን መእለይ ዘይብላ መርከብ ኰይኑ ኣሎ።

19. ሰይጣን ንዅሎም ሰባት ኣንጻር ኣምላኽ ክገብሮም ከም ዘይክእል እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

19 ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን ብምፍቃዱ: ሰይጣን ንዅሉ ወድሰብ ካብ የሆዋ ከርሕቖ ከም ዘይከኣለውን  ኣረጋጊጹ ኢዩ። ታሪኽ ከም ዘመልክቶ: በብዓይነቱ ፈተናታትን መከራታትን እኳ እንተ ወረዶም: ንኣምላኽ እሙናት ኰይኖም ዝርከቡ ውልቀ-ሰባት ኵሉ ሳዕ ኣለዉ። ኣብ ዝሓለፈ ክፍለ-ዘበናት የሆዋ ኣብ ክንዲ ኣገልገልቱ ሓይሉ ገሊጹ ኢዩ: ስሙ ድማ ኣብ ምልእቲ ምድሪ ተኣዊጁ ኢዩ። (ዘጸኣት 9:16፣ 1 ሳሙኤል 12:​22) እብራውያን ምዕራፍ 11 ከም በዓል ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም: ከምኡውን ሙሴ ዝኣመሰሉ ዝርከብዎም ናይ እሙናት ሰባት ነዊሕ ናይ ኣስማት ዝርዝር ይነግረና ኢዩ። እብራውያን 12:1 ‘ዓቢ ናይ ደበና መሰኻኽር’ ኢሉ ይጽውዖም። ኣብ የሆዋ ነቕ ዘይብል እምነት ብምርኣዮም ኣብነት ኢዮም ነይሮም። ኣብዚ ዘመናዊ ግዜውን ብዙሓት ብጽኑዕ ተኣማንነት ህይወቶም ንኣምላኽ ዝሃቡ ኣለዉ። ከምዚኦም ዝበሉ ውልቀ-ሰባት: በቲ ዘርኣይዎ እምነትን ፍቕርን: ሰይጣን ንዅሎም ሰባት ካብ ኣምላኽ ከርሕቖም ከም ዘይክእል ዘየዳግም መረጋገጺ ሂቦም ኢዮም።

20. ኣምላኽ እከይን ስቓይን ክቕጽል ብምፍቃዱ እንታይ ንኣምላኽን ንወድሰብን ዝምልከት ኢዩ እተረጋገጸ፧

20 ኣብ መወዳእታ: የሆዋ ንእከይን ስቓይን ክቕጽል ምፍቃዱ የሆዋ: እቲ ፈጣሪ: ጥራይ ኣብ ልዕሊ  ወድሰብ ንዘለኣለማዊ በረኸቶምን ሓጐሶምን ክገዝእ ክእለትን መሰልን ከም ዘለዎ  መረጋገጺ ሂቡ ኢዩ። ንዘበናት ዝኣክል: ወድሰብ ብዙሕ ናይ ግዝኣት ኣገባባት ፈቲኑ ኢዩ። እቲ ፍረ ግን እንታይ ኢዩ፧ እቶም ሎሚ ንህዝብታት ዘጋጥምዎም ዘለዉ እተሓላለኹ ግድላትን ቅልውላዋትን ልክዕ ከምቲ መጽሓፍ ቅዱስ “ሰብ ኣብ ልዕሊ ሰብ ንጉድኣቱ [ይገዝእ ትሓዓ ]” ኢሉ ዘመልክቶ እኹል መረጋገጺ ኢዩ። (መክብብ 8:9) ከድሕነና ከምኡውን ነቲ ናይ መጀመርያ ዕላምኡ ክፍጽም ዝኽእል የሆዋ ጥራይ ኢዩ። ነዚኸ ከመይ ገይሩ ክገብሮ ኢዩ: መዓስከ፧

21. ሰይጣን እንታይ ክወርዶ ኢዩ: ነዚ ዝፍጽምከ መን ኢዩ ዝኸውን፧

21 ኣዳምን ሄዋንን ኣብ ውዲት ናይ ሰይጣን ድሕሪ ምውዳቖም: ብኡንብኡ ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መገዲ ድሕነት ዝመልከት ዕላምኡ ኣፍለጠ። የሆዋ ብዛዕባ ሰይጣን ዝኣወጆ እዚ ዝስዕብ ኢዩ ነይሩ:- “ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ እዛ ሰበይትን: ኣብ መንጎ ዘርእኻን ኣብ መንጎ ዘርኣን ከኣ ጽልኢ እተክል አሎኹ። ንሱ ርእስኻ ኪጭፍልቕ እዩ: ንስኻ ድማ ሸዀናኡ ኽትነክስ ኢኻ።” (ዘፍጥረት 3:⁠15) እዛ ኣዋጅ እዚኣ: ሰይጣን ነቲ እኩይ ተግባራቱ ንዘለኣለም ክገብሮ ከም ዘይፍቀደሉ ውሕስነት እትህብ ኢያ። እቲ እተተስፈወ ዘርኢ: ማለት የሱስ ክርስቶስ: ከም ንጉስ ናይ መሲሓዊት መንግስቲ መጠን ‘ንሰይጣን ርእሱ ኪጭፍልቖ’ ኢዩ። እወ: የሱስ ነቲ ዓለወኛ ሰይጣን “ቀልጢፉ” ኪጭፍልቖ ኢዩ!​—⁠ሮሜ 16:⁠20

እንታይ ክትገብር ኢኻ

22. (ሀ) እንታይ ሕቶታት ኢኻ ክትጋጠሞ ዘሎካ፧ (ለ) ሽሕ’ኳ ሰይጣን ኣብ ልዕሊ እቶም ንኣምላኽ እሙናት ዝዀኑ ቍጥዕኡ ዝፍኑ እንተዀነ: ብዛዕባ እንታይ ኢዮም ርግጸኛታት ክዀኑ ዝኽእሉ፧

22 ንስኻኸ እቲ ክርክራት እንታይ ከም ዘጠቓልል ተገንዚብካ ብወገን መን ኢኻ እትቐውም፧ ብተግባራትካ ገይርካ እሙን ደጋፊ ናይ የሆዋ ከም ዝዀንካ ከተርኢ ዲኻ፧ ሰይጣን ተሪፍዎ ዘሎ ግዜ ሓጺር ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ: ኣብቶም ንጽህናኦም ክሕልዉ ዝደልዩ ሰባት ቍጥዕኡ ንምፍናው ዝከኣሎ ዘበለ ክገብር ኢዩ። (ራእይ 12:12) ይኹን እምበር: የሆዋ ‘ነቶም [ኣምላኻዊ ተወፋይነት ትሓዓ ] ዘለዎም ከመይ ገይሩ ካብ ፈተና ከም ዘውጽኦም ይፈልጥ’ ስለ ዝዀነ ካብ ኣምላኽ ረድኤት ክትጽበ ትኽእል ኢኻ። (2 ጴጥሮስ 2:⁠9) ካብቲ ክትጻወሮ እትኽእል ንላዕሊ ክትፍተን ኣይክሓድገካን ኢዩ: ነቲ ፈተና ምጽማሙ ምእንቲ ኽትክእል ድማ መውጽኢ ክገብረልካ ኢዩ።​—⁠1 ቈረንቶስ 10:13

23. ነየናይ ግዜ ኢና ተኣማሚንና ክንጽበዮ እንኽእል፧

23 እምኣርከስ: ነቲ የሱስ ክርስቶስ ኣንጻር ሰይጣንን ኵሎም እቶም ዝስዕብዎን ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ ሃየ ተኣማሚንና ንጸበዮ። (ራእይ 20:​1-3) የሱስ ንዅሎም እቶም በቲ ኣብ ልዕሊ ወድሰብ ዝወረደ ወዮን ስቓይን እጃሞም ብምብርካት ተሓተትቲ ዝዀኑ ኪድምስሶም ኢዩ። ክሳዕ እቲ ግዜ እቲ ግን: ብፍላይ ቃንዛ ዝመልኦ ዓይነት ስቓይ ኰይኑ ዘሎ ፍቑርካ ብሞት ምስኣን ኢዩ። እንታይ ከም ዘጋጥሞም ንምፍላጥ ነዛ እትቕጽል ምዕራፍ ኣንብባ።

ፍልጠትካ ምዘን

የሆዋ ጠንቂ ናይ ሰብኣዊ ስቓይ ከም ዘይኰነ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧

ኣብ ኤደን እንታይ ብሰይጣን ተላዒሎም ዝነበሩ ክርክራት ኢዮም ኣብ ግዜ እዮብ እተነጸሩ፧

ኣምላኽ ስቓይ ብምፍቃዱ እንታይ ተረጋገጸ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]