ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧

ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧

ምዕራፍ 5

ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧

1. ሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ብዛዕባ ኣምልኾ እንታይ ኢያ ክትፈልጥ ዝደለየት፧

 ‘ኣምላኽ ናይ መን ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧’ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ሰማርያ ኣብ ጥቓ ከረን ጌሪዚም ምስ የሱስ ክርስቶስ ክትዛረብ ከላ እዚ ሕቶ እዚ ኣብ ኣእምሮኣ መጺኡ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ። ኣብቲ ኣብ መንጐ ናይ ሳምራውያንን ኣይሁዳውያንን ኣምልኾ ዘሎ ፍልልይ ብምትኳር ከምዚ በለት:- “ኣቦታትና ኣብዚ ኸረን እዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፤ እታ ኺሰግዱላ ዚግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም እያ: ኢኹም እትብሉ።” (ዮሃንስ 4:⁠20) የሱስ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ: ኣምላኽ ንዅሉ ኣምልኾ ይቕበሎ ኢዩ ኢሉዶ ነጊርዋ ኢዩ፧ ወይስ ንኣምላኽ ንምሕጓስ ክግበር ዝግብኦ ፍሉይ ነገራት ከም ዘሎ ኢዩ ተዛሪቡ፧

2. ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ክምልሸላ ኸሎ: የሱስ እንታይ ኢዩ ዝበለ፧

2 እቲ ናይ የሱስ ዘሰንብድ መልሲ ከምዚ ነበረ:- ‘ኣብዚ ኸረን እዚ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነቦ ዘይትሰግዱላ ጊዜ ክትመጽእ ኢያ።’ (ዮሃንስ 4:⁠21) እቶም ሳምራውያን ንነዊሕ ግዜ ንየሆዋን ንኻልኦት ኣማልኽትን ኣብ ከረን ጌሪዚም የምልኹ ነበሩ። (2 ነገስት 17:⁠25) ሕጂ ግን የሱስ ክርስቶስ: እቲ ቦታ እቲ ይኹን ወይ የሩሳሌም ኣብቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣገዳስነት ከም ዘይብሉ ገለጸ።

ብመንፈስን ብሓቅን ኣምልኽ

3. (ሀ) ሳምራውያን ንኣምላኽ ብሓቂ ክፈልጥዎ ዘይከኣሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (ለ) እሙናት ኣይሁድን ካልኦትን ንኣምላኽ ከመይ ገይሮም ኢዮም ክፈልጥዎ ዝኸኣሉ፧

3 የሱስ ቀጺሉ ነታ ሳምራዊት ሰበይቲ ከምዚ ኢሉ ነገራ:- “ንስኻ⁠ትኩም ንዘይትፈልጥዎ ኢኹም እትሰግዱ: ንሕና ግና: ምድሓን ካብ ኣይሁድ እዩ እሞ: ንንፈልጦ ኢና እንሰግድ።” (ዮሃንስ 4:⁠22) እቶም ሳምራውያን ሓሶት ዝዀነ ሃይማኖታዊ ኣተሓሳስባ ነበሮም: ስለዚ ኸኣ ነተን ቀዳሞት ሓሙሽተ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዮም ብድራኼ መንፈስ ቅዱስ ከም እተጻሕፋ ገይሮም ዝቕበልወን ዝነበሩ። ንዕአን ከኣ ናይ ሳምራውያን ፔንታትዩክ ኢሎም ብናቶም ኣጸዋውዓ ይጽውዕወን ነበሩ። ስለዚ ንኣምላኽ ብሓቂ ገይሮም ኣይፈልጥዎን ኢዮም ነይሮም። እቶም ኣይሁዳውያን ግን ፍልጠት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ሕድሪ ተዋሂብዎም ነይሩ ኢዩ። (ሮሜ 3:⁠1, 2) እቲ ቅዱሳት ጽሑፋት ነቶም እሙናት ኣይሁድን ክሰምዑ ንዝደልዩ ካልኦትን: ንኣምላኽ ምእንቲ ኺፈልጡዎ ዘድልዮም ነገራት ሃቦም።

4. ብመሰረት እቲ የሱስ ዝበሎ ኣይሁድን ሳምራውያንን ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ክህልዎ: እንታይ ክገብሩ የድልዮም ነበረ፧

4 ብሓቂ እኳ ደኣ የሱስ: ኣይሁድን ሳምራውያንን ኣምልኾኦም ንኣምላኽ ባህ ከብል ከም ዝኽእል ገይሮም ከተዓራርይዎ ከም ዘለዎም ኣርእዩዎም ኢዩ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣምላኽ መንፈስ እዩ: እቶም ዚሰግዱሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግብኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዝደሊ እሞ: እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግድሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ: ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።” (ዮሃንስ 4:​23, 24) ንኣምላኽ እምነትን ፍቕርን ብዝመልኦ ኣልባብ ተደሪኽና “ብመንፈስ” ከነምልኾ ይግባእ። ቃሉ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕን ብመሰረት እቲ እተገልጸ ሓቂ ገይርና ድማ ብምምላኽን ንኣምላኽ “ብሓቂ” ከነምልኾ ንኽእል ኢና። ከምኡ ክትግብር ዲኻ ትህንጠ ዘሎኻ፧

5. (ሀ) “ኣምልኾ” እንታይ ማለት ኢዩ፧ (ለ) ኣምላኽ ንኣምልኾና ኪቕበሎ እንተድኣ ደሊና: እንታይ ክንገብር ይግብኣና፧

5 የሱስ: ኣምላኽ ሓቀኛ ኣምልኾ ከም ዝደሊ ኣትኵሮ ብምግባር ኢዩ ተዛሪቡ ዘሎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ተቐባልነት ዘይብሉ ኣገባባት ኣምልኾ ከም ዘሎ ኢዩ ዘመልክት። ንኣምላኽ ምምላኽ ማለት: ዓሚቝ ኣኽብሮት ምሃቡን ቅዱስ ኣገልግሎት ሒዝካ ምቕራቡን ማለት ኢዩ። ንሓደ በዓል ስልጣን ገዛኢ ክብረት ከተርእዮ እንተ ትደሊ: ከተገልግሎ ከም እትህንጠን ንእኡ ባህ ዘብል ድማ ከም እትገብርን ፍሉጥ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር: ንኣምላኽ ባህ ከነብል ኢና እንደሊ። ስለዚ ‘ሃይማኖተይ ትሰማምዓኒ ኢያ’ ጥራይ ኣብ ክንዲ ምባልሲ ኣምልኾና ምስቲ ስርዓታት ኣምላኽ ዝሰማማዕ እንተ ዀይኑ ከነረጋግጽ ከድልየና ኢዩ።

ፍቓድ ኣቦ ምግባር

6, 7. የሱስ ንገለ ደቀ መዛሙርትኻ ኢና ዝብልዎ ኣፍልጦ ዘይህበሎም ስለምንታይ ኢዩ፧

6 እስከ ንማቴዎስ 7:⁠21-23 ነንብቦ እሞ: ኵሉ ሃይማኖት ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እንተዀይኑ ንምፍላጥ ዝሕግዘና ወሳኒ ረቛሒ ንርአ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር: ጐይታይ: ጐይታይ: ዚብለኒ ዅሉ: መንግስተ ሰማያት ዚአቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት: ጐይታይ: ጐይታይ: ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰንናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ: ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ: ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን: ካባይ ርሐቑ ክብሎም እየ።”

7 ንየሱስ ክርስቶስ ከም ጐይታ ገይርካ ኣፍልጦ ምሃብ: ኣብ ሓቀኛ ኣምልኾ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ካብዚ ክንግንዘቦ ከም እንኽእል ካብ ኣምልኾ ናይቶም ደቂ መዛሙርቲ የሱስ ኢና በሃልቲ ሓደ ነገር ጐዲሉ ኣሎ ማለት ኢዩ። ንሱ ገሊኦም “ብዙሕ ሓይሊ:” ከም ተኣምራታዊ ምሕዋይ ዝኣመሰለ ነገራት ክገብሩ ምዃኖም ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር: ነቲ የሱስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢሉ ዝጠቐሶ ነገር ካብ ምግባር ከም ዝሰንፉ ኸኣ ተዛሪቡ ኣሎ። ‘ፍቓድ [ኣቦኡ] ዝገብሩ’ ኣይኰኑን። ንኣምላኽ ባህ ከነብሎ ንደሊ እንተድኣ ኴንና: ፍቓድ ኣቦ እንታይ ከም ዝዀነ ክንማሃሮን ደሓር ድማ ኣብ ግብሪ ከነውዕሎን ይግብኣና።

ርጡብ ፍልጠት: ዕቝባ ኢዩ

8. ፍቓድ ኣምላኽ ክንገብር እንተድኣ ኴንና: እንታይ የድሊ: እንታይ ግጉይ ኣረኣእያኸ ኢና ከነርሕቕ ዝግብኣና፧

8 ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር: ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን ርጡብ ፍልጠት ምሓዝ ይሓትት። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ኢዩ። ብርግጽ እምበኣር: ኵላትና ነቲ ካብ ቃል ኣምላኽ ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ርጡብ ፍልጠት ናይ ምርካብ ጉዳይ ኣርዚንና ክንወስዶ ይግብኣና። ገለ ሰባት ኣብ ኣምልኾና ቅኑዓትን ቀናኣትን ክሳዕ ዝዀንና ከሰክፈና ዝግብኦ ነገር የለን ይብሉ። ካልኦት ከኣ ‘ፍልጠትካ ውሑድ እንተድኣ ዀይኑ ካባኻ ዝድለ ድማ ውሑድ ኢዩ’ በሃልቲ ኢዮም። መጽሓፍ ቅዱስ ግን ብፍልጠት ኣምላኽን ዕላማታቱን እናወሰኽና ክንከይድ ኢዩ ዘተባብዓና።​—⁠ኤፌሶን 4:⁠13፣ ፊልጲ 1:⁠9፣ ቈሎሴ 1:⁠9

9. ርጡብ ፍልጠት ብኸመይ ኢዩ ዘዕቍበና: ከምዚ ዝኣመሰለ ዕቝባ ዘድልየናኸ ስለምንታይ ኢዩ፧

9 ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልጠት: ኣምልኾና ንኸይብከል ዝከላኸል ዕቝባ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ: ብዛዕባ ሓደ ንርእሱ “መልኣኽ ብርሃን” ዘምስል መንፈሳዊ ፍጡር ተዛሪቡ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 11:⁠14) ስለዚ: እዚ መንፈሳዊ ፍጡር​—⁠ሰይጣን​—⁠ጉልባብ ገይሩ ኣንጻር ፍቓድ ኣምላኽ ዝዀነ ነገራት ክንገብር ከስሕተና ኢዩ ዝፍትን። ካልኦት ምስ ሰይጣን ሕብረት ዘለዎም መንፈሳውያን ፍጡራትውን ንናይ ሰባት ኣምልኾ ክብክሉ ጸኒሖም ኢዮም: ከመይሲ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ኣሎ:- “ኣህዛብ ዚስውእዎ ነጋንንቲ እዩ እምበር: ንኣምላኽ ኣይኰነን።” (1 ቈረንቶስ 10:⁠20) ምናልባት ብዙሓት ሰባት: ሽሕ’ኳ ነቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ይገብሩ እንተ ዘይነበሩ በቲ ቅኑዕ መገዲ ገይሮም የምልኹ ከም ዝነበሩ ሓሲቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ናብቲ ዘይንጹህ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኢዮም ብጌጋ ዝምርሑ ነይሮም። ጸኒሕና ብዛዕባ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ብዙሕ ክንማሃር ኢና: እንተዀነ ግና እዞም ጸላእቲ ኣምላኽ እዚኣቶም ንኣምልኾ ወድሰብ ብርግጽ ክብክልዎ ጸኒሖም ኢዮም: ጌና ኸኣ ይብክልዎ ኣለዉ።

10. ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ነቲ ማይ እትረኽበሉ ምንጪ ብስሚ እንተ ዝምርዞ እንታይ ምገበርካ: እቲ ርጡብ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽከ እንታይ ንምግባር ኢዩ ዘዕጥቐና፧

10 ሓደ ሰብ ደይመደይ ኢሉ ነቲ ማይ እትረኽበሉ ምንጪ ስሚ ገይሩ ከም ዝመረዞ እንተ ትፈልጥሲ ካብኡ ማይ ምስታይ ምቐጸልካ⁠ዶ፧ ብርግጽ ጥዑይን ጽሩይን ማይ ዘለዎ ምንጪ ምእንቲ ክትረክብ ህጹጽ ስጕምቲ ደኣ ምወሰድካ። እቲ ርጡብ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ ከኣ ነታ ሓቀኛ ሃይማኖት ከነለልያን ነቲ ንኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘይብሉ ዝገብሮ ዕያግ ድማ ንምንጻግን የዕጥቐና ኢዩ።

ትእዛዛት ሰብ ከም ሰረተ-እምነት

11. ናይ ብዙሓት ኣይሁድ ኣምልኾ እንታይ ጌጋ ኢዩ ነይርዎ፧

11 የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ብዙሓት ኣይሁድ ምስቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ይኸዱ ኣይነበሩን። ስለዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ጽሩይ ኣቕዋም ናይ ምሓዝ ዝነበሮም ኣጋጣሚ ኣጥፍእዎ። ጳውሎስ ብዛዕብኦም ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “[ብርጡብ ትሓዓ ] ፍልጠት ደኣ ኣይኰነን እምበር: ንኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎምሲ: ኣነ እምስክረሎም ኣሎኹ።” (ሮሜ 10:⁠2) ነቲ ንሱ ዝበሎ ኣብ ክንዲ ዝሰምዑ: ንኣምላኽ ከመይ ገይሮም ከም ዘምልኽዎ ባዕላቶም ወሰኑ።

12. ንኣምልኾ እስራኤል ዝበከሎ እንታይ ነበረ: ምስ እንታይ ፍረኸ፧

12 ኣብ መጀመርያ: እስራኤላውያን በቲ ካብ ኣምላኽ እተዋህቦም ጽሩይ ሃይማኖት ኢዮም ዝመላለሱ ነይሮም። እንተዀነ ግን: ጸኒሑ ብትምህርትታትን ፍልስፍናታትን ሰባት ተበከለ። (ኤርምያስ 8:⁠8, 9፣ ሚልክያስ 2:⁠8, 9፣ ሉቃስ 11:⁠52) ሽሕ’ኳ እቶም ፈሪሳውያን ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝነበሩ ናይ ኣይሁድ መራሕቲ ሃይማኖት ኣምልኾኦም ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ከም ዝዀነ ገይሮም ይሓስቡ እንተ ነበሩ: የሱስ ከምዚ በሎም:- “ኣቱም ግቡዛት: ከምቲ ጽሑፍ፤ እዚ ህዝቢ እዚ ብኸናፍሩ የኽብረኒ: ልቦም ግና ካባይ ርሑቕ እዩ። ግናኸ ምህሮ ስርዓት ሰብ እናመሀሩ: ብኸንቱ እዮም ዜምልኹኒ ዚብል: ኢሳይያስ ብዛዕባኹም ጽቡቕ ተነበየ።”​—⁠ማርቆስ 7:​6, 7

13. ብኸመይ ኢና ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገበርዎ ክንገብር እንኽእል፧

13 ከምቲ ፈሪሳውያን ዝገበርዎ ክንገብርሲ ንኽእልዶ ኾን ንኸውን፧ ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣምልኾ እተዛረቦ ኣብ ክንዲ እንምርምር ነቲ ዝወረስናዮ ሃይማኖታዊ ባህልታት እንተድኣ ስዒብናስ እወ ከምኡ ከጋጥም ይኽእል ኢዩ። ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ብሓቂ ሓደገኛ ዝዀነ ኵነታት ከጠንቅቕ ከሎ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም: ንመናፍስቲ ስሕተትን ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ: እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል ኣሎ።” (1 ጢሞቴዎስ 4:⁠1) ስለዚ ኣምልኾና ንኣምላኽ ባህ የብሎ ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ ጥራይ ኣኻሊ ኣይኰነን። ከምታ ምስ የሱስ እተዛረበት ሳምራዊት ሰበይቲ: ንሕናውን ካብ ወለድና ዝወረስናዮ ኣገባብ ኣምልኾ ክህልወና ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: ሞገስ ኣምላኽ ዘውህብ ነገራት ክንገብር ከም ዝግብኣና ከነረጋግጽ ይግባእ።

ንኣምላኽ ከይተጕህዮ ተሓሎ

14, 15. ዋላ’ኳ ብዛዕባ ፍቓድ ኣምላኽ ገለ ፍልጠት እንተ ሃለወና: ጥንቁቓት ክንከውን ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ጥንቁቓት እንተ ዘይኴንና: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዘይኰነ ነገር ክንገብር ንኽእል ኢና። ንኣብነት ሃዋርያ ዮሃንስ: “ክሰግደሉ” ኢሉ ኣብ እግሪ ሓደ መልኣኽ ፍግም ኢሉ ወደቐ: እቲ መልኣኽ ግን “ከይትገብሮ ተጠንቀቕ። . . . ኣነስ ከማኻን ከምቶም ምስክር የሱስ ዚሕዙ ዘለዉ ኣሕዋትካን ባርያ እየ: ንኣምላኽ ደኣ ስገድ” ኢሉ ኣጠንቀቖ። (ራእይ 19:⁠10) ስለዚ ኣምልኾኻ ብዝዀነ ይኹን ዓይነት ኣምልኾ ጣኦት ዘይተበከለ ምዃኑ ከተረጋግጽ ከም ዝግብኣካስ ተገንዚብካዮዶ ኣሎኻ፧​—⁠1 ቈረንቶስ 10:⁠14

15 ገለ ክርስትያናት ንኣምላኽ ባህ ዘየብል ሃይማኖታዊ ልምድታት ከዘውትሩ ምስ ጀመሩ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ሓተቶም:- “ከመይ ኢልኩም ናብቲ ሕማቕን ድኻን ምህሮ ቝልዕነት ከም ብሓድሽ ትምለሱ አሎኹም: ከም ብሓድሽውን ካብ መጀመርታ ሒዝኩም ባሮቱ ኽትኰኑ ትደልዩ አሎኹም፧ መዓልትታትን ኣዋርሕን ጊዜታትን ዓመታትን ትሕልዉ አሎኹም። ኣባኻትኩም ምናልባሽ ንኸንቱ ጽዒረ ኸይከውን: ብዛዕባኹም እፈርህ አሎኹ።” (ገላትያ 4:⁠8-11) እቶም ውልቀ-ሰባት እቲኣቶም ፍልጠት ኣምላኽ ረኺቦም ነይሮም ኢዮም: ደሓር ግን ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅቡል ዘይኰነ ሃይማኖታዊ ልምድታትን በዓላትን ብምሕላዎም ተጋገዩ። ከምቲ ጳውሎስ ዝበሎ: ‘ንጐይታ ዜሐጕስ ክንምርምር’ የድልያና።​—⁠ኤፌሶን 5:⁠10

16. በዓላትን ልምድታትን ንኣምላኽ ከም ዘየሐጕሶ ንምውሳን ከመይ ገይሩ ኢዩ ዮሃንስ 17:⁠16 ከምኡውን 1 ጴጥሮስ 4:⁠3 ዝሕግዘና፧

16 ነቲ ስርዓታት ኣምላኽ ዝጥሕስ ሃይማኖታዊ በዓላትን ካልእ ልምድታትን ከም ዘርሓቕናዮ ከነረጋግጽ ይግብኣና። (1 ተሰሎንቄ 5:21) ንኣብነት የሱስ ብዛዕባ ሰዓብቱ “ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን” በለ። (ዮሃንስ 17:⁠16) ሃይ⁠ማኖትካ ኣብቲ ብዛዕባ ጉዳይ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዝምልከት ናይ ገለልትነት ስርዓት ዝጥሕስ ልምድታትን በዓላትንዶ ኢዳ ተእቱ ኢያ፧ ወይ ከኣ ሰዓብቲ ናይ ሃይማኖትካ ሓድሓደ ግዜ ኣብቲ ሃዋርያ ጴጥሮስ ገሊጽዎ ዘሎ ጠባይ ዝመሳሰል ልምድታትን በዓላትን ይካፈሉ ድዮም፧ ንሱ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እቲ ብዕብዳን: ብፍትወት ስጋ: ብስኽራን: ብጓይላ: ብመስተ: ብርኹስ ምምላኽ ጣኦት ክትነብሩ ኸሎኹም: ፍቓድ ኣህዛብ ዝገበርኩምሉ ዝሓለፈ ዘመን ይኣክል እዩ።”​—⁠1 ጴጥሮስ 4:⁠3

17. ስለምንታይ ኢና ንዝዀነ ይዅን መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ዘንጸባርቕ ነገር ከነርሕቖ ዝግብኣና፧

17 ሃዋርያ ዮሃንስ: ዝዀነ ይዅን መንፈስ ናይዛ ኣብ ዙርያና ዘላ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብላ ዓለም ዘንጸባርቕ ልምድታት ከነርሕቕ ከም ዘድሊ ኣትርር ኣቢሉ ተዛሪቡ ኣሎ። ከምዚ ኢሉ ኸኣ ጸሓፈ:- “ንዓለም ወይስ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ ኣይትፍተዉ። ሓደ እኳ ንዓለም እንተ ፈተዋ: ፍቕሪ ኣቦ የብሉን። ኵሉ እቲ ኣብ ዓለም ዘሎ: ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን ንብረት ትዕቢትን: እዚ ኻብ ዓለም እዩ እምበር: ካብ ኣቦስ ኣይኰነን። ዓለም ትሓልፍ እያ: ፍትወታ ኸኣ: እቲ ንፍ⁠ቓድ ኣምላኽ ዚገብር ግና ንዘለኣለም ይነብር።” (1 ዮሃንስ 2:⁠15-17) እቶም ‘ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብሩ’ ንዘለኣለም ክነብሩ ምዃኖምሲ ኣስተብሂልካዶ ኣሎኻ፧ እወ: ፍቓድ ኣምላኽ እንተድኣ ገይርና: መንፈስ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘንጸባርቕ ተግባራት ድማ እንተድኣ ኣርሒቕና: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ክህልወና ይኽእል ኢዩ!

ምስቲ ልዑል ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማማዕ

18. ገለ ክርስትያናት ብዛዕባ ጠባይ ዝምልከት ከመይ ኢሎም ኢዮም እተጋገዩ: ንሕናኸ ካብዚ እንታይ ኢና እንማሃር፧

18 ኣምላኽ: ነቶም ምስቲ ብሉጽ ናይ ስነ-ምግባር ስርዓታት ተሰማሚዖም ዝነብሩ ሰባት ኢዩ ከም ኣምለኽቱ ዝቕበሎም። ኣብ ጥንታዊት ቈረንቶስ ገለ ሰባት: ኣምላኽ ንብዕሉግ ጠባይ ይጻወሮ ኢዩ ዝብል ግጉይ ኣተሓሳስባ ነበሮም። ን1 ቈረንቶስ 6:⁠9, 10 ብምንባብ ክሳዕ ክንደይ ተጋግዮም ከም ዝነበሩ ክንዕዘብ ንኽእል ኢና። ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ከነምልኾ እንተድኣ ኴንና: ብቓልን ብግብርን ከነሐጕሶ ይግብኣና። እቲ ሒዝካዮ ዘሎኻ ዓይነት ኣምልኾ ከምኡ ንምግባር የኽእለካዶ ኣሎ፧​—⁠ማቴዎስ 15:⁠8፣ 23:⁠1-3

19. ሓቀኛ ኣምልኾ ንኻልኦት ሰናይ ኣብ ምግባር ዝድርኸና ከመይ ገይሩ ኢዩ፧

19 እቲ ምስ ካልኦት ሰባት እንገብሮ ምምልላስውን ስርዓታት ኣምላኽ ዘንጸባርቕ ክኸውን ይግብኦ። የሱስ ክርስቶስ: ከምቲ ካልኦት ክገብሩልና እንደልዮም ገይርና ክንገብረሎም ከም ዝግብኣና ኣተባቢዑና ኣሎ: ከመይሲ እዚ ክፍሊ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ኢዩ። (ማቴዎስ 7:⁠12) ብዛዕባ ሕውነታዊ ፍቕሪ ምርኣይ እንታይ ከም ዝበለውን ኣስተብህል ኢኻ:- “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ።” (ዮሃንስ 13:⁠35) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ንሓድሕዶም ፍቕሪ ክህልዎም ይግባእ: ንኣመንቲ ብጾቶምን ንኻልኦት ሰባትን ድማ ሰናይ ግብሪ ክገብሩ ይግብኦም።​—⁠ገላትያ 6:⁠10

ብምሉእ ነፍስኻ ዝግበር ኣምልኾ

20, 21. (ሀ) ኣምላኽ ንኸመይ ዝዓይነቱ ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበሎ፧ (ለ) የሆዋ ኣብ መዓልትታት ሚልክያስ ንኣምልኾ እስራኤል ዝነጸጎ ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ምናልባት ብልብኻ ንኣምላኽ ቅቡል ብዝዀነ መገዲ ገይርካ ከተምልኾ ትደሊ ትኸውን። ከምዚ እንተድኣ ዀይኑ: ከምቲ የሆዋ ብዛዕባ ኣምልኾ ዘለዎ ኣረኣእያ ክህልወካ ይግባእ። ወደ መዝሙር ያእቆብ እቲ ዘገድስ ናትና ዘይኰነስ: ናይ ኣምላኽ ኣረኣእያ ምዃኑ ኣኽብድ ኣቢሉ ተዛሪቡሉ ኣሎ። ያእቆብ ከምዚ በለ:- “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ: ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ: ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።” (ያእቆብ 1:⁠27) ነፍሲ ወከፍና: ንኣምላኽ ከነሐጕስ ብዝብል ባህጊ ተላዐዒልና: ኣምልኾና ኣምላኻዊ ብዘይኰነ ልምድታት እተበከለ ከይከውን ወይውን ነቲ ንሱ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝብሎ ነገር ኣትሪፍና ከይንህሉ ክንምርምር የድሊ።​—⁠ያእቆብ 1:⁠26

21 ጽሩይን ብምሉእ ነፍስኻ ዝቐርብን ኣምልኾ ጥራይ ኢዩ ንየሆዋ ዘሐጕሶ። (ማቴዎስ 22:⁠37፣ ቈሎሴ 3:⁠23) ህዝቢ እስራኤል ንኣምላኽ ካብዚ ዝትሕት ምስ ሃብዎ ከምዚ በለ:- “ውሉድ ንወላዲኡ: ባርያ ኸኣ ንጐይታኡ የኽብር። እምብኣርሲ ኣቦ እንተ ደኣ ዀይነ: ክብረተይ ኣበይ ኣሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነስ: ምፍርሄይ ኣበይ ኣሎ፧” ንኣምላኽ ዕዉራት: ሓንካሳት: ሕሙማት እንስሳታት ኣብ መሰውኢ ብምቕራብ ኣጕሃይዎ: ንሱ ኸኣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዓይነት ኣምልኾ ነጺግዎ ኢዩ። (ሚልክያስ 1:⁠6-8) የሆዋ እቲ ኣዝዩ ዝጸረየ ዓይነት ኣምልኾ ክቕበል ብቑዕ ኢዩ: ካብዚ ምሉእ ወፈያ እዚ ንታሕቲ ኸኣ: ኣይደልን ኢዩ።​—⁠ዘጸኣት 20:⁠5፣ ምሳሌ 3:⁠9፣ ራእይ 4:⁠11

22. ኣምልኾና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ክህልዎ እንታይ ከነርሕቕ: እንታይከ ክንገብር ይግባእ፧

22 እታ ምስ የሱስ እተዛረበት ሳምራዊት ሰበይቲ ንኣምላኽ መለኮታዊ ስምረት ብዘለዎ መገዲ ከተምልኾ ተገዲሳ ዝነበረት ኢያ እትመስል። ባህግና ከምኡ እንተድኣ ኰይኑ: ንዅሉ ዝብክል ትምህርትታትን ልምድታትን ከነርሕቖ ኢና። (2 ቈረንቶስ 6:⁠14-18) ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ ኣምላኽ ርጡብ ፍልጠት ንምርካብን ፍቓዱ ንምግባርን ክንጽዕር ኢና። ቅቡል ኣምልኾ ምእንቲ ክህልወና: ኣብቲ ብእኡ ዝድለ ነገራት ኣጸቢቕና ክንጠብቕ ኢና። (1 ጢሞቴዎስ 2:⁠3, 4) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልክዕ ከምኡ ክገብሩ ኢዮም ዝጽዕሩ ዘለዉ: ምስኦም ሓቢርኩም ንኣምላኽ “ብመንፈስን ብሓቅን” ከተምልኽዎ ኸኣ ብምዉቕ ስምዒት ይምሕጸንኹም ኣለዉ። (ዮሃንስ 4:⁠24) የሱስ “ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ” በለ። (ዮሃንስ 4:⁠23) ከምዚ ዝዓይነቱ ሰብ ክትከውን ተስፋ ንገብር። ንስኻውን: ከምቲ ናይታ ሳምራዊት ሰበይቲ: ዘለኣለማዊ ህይወት ክህልወካ ከም እትደሊ ኣየጠራጥርን ኢዩ። (ዮሃንስ 4:⁠13-15) ይኹን እምበር: ሰባት ክኣርጉን ክሞቱን ትርኢ ኢኻ። እዛ እትቕጽል ምዕራፍ ምኽንያቱ ትገ​ልጽ ኢያ።

ፍልጠትካ ምዘን

ኣብ ዮሃንስ 4:⁠23, 24 ተገሊጹ ከም ዘሎ ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ኣምልኾ ኢዩ ዝቕበል፧

ኣምላኽ ብሓድሓደ ልምድታትን በዓላትን ዝሕጐስ ምዃኑን ዘይምዃኑን ከመይ ገይርና ክንውስኖ ንኽእል፧

ቅቡል ኣምልኾ ምእንቲ ክህልወካ ገለ ዘድልዩ ብቕዓታት ኣየኖት ኢዮም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 44፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]