ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣምላኽ ንወድሰብ ንምድሓን እንታይ ከም ዝገበረ

ኣምላኽ ንወድሰብ ንምድሓን እንታይ ከም ዝገበረ

ምዕራፍ 7

ኣምላኽ ንወድሰብ ንምድሓን እንታይ ከም ዝገበረ

1, 2. (ሀ) እቲ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ: ከመይ ኢሉ ኢዩ ወዲ ኣምላኽ መን ከም ዝነበረ ኽፈልጥ ዝኸኣለ፧ (ለ) የሆዋ ንየሱስ ክመውት ዘፍቀደሉ ስለምንታይ ኢዩ፧

 ዳርጋ 2,000 ዓመታት ይገብር ኣብ ወርሓት ጽድያ ድሕሪ ቀትሪ: ሓደ ሮማዊ ሓለቓ ሚእቲ: ሰለስተ ሰብኡት ብመሪር ጻዕረ ሞት እናተሰሓጉ ከለዉ ተዓዘበ። እቲ ወተሃደር ብፍላይ ንሓደ ካባታቶም ተኲሩ ተዓዘቦ: ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ ነበረ። የሱስ ኣብ ዕጨይቲ ኢዩ ተሸንኪሩ ነይሩ። እታ ዝሞተላ ህሞት እናቐረበት ምስ ከደት: ፍርቂ መዓልቲ ሰማይ ጸልመተ። ምስ ሞተ ኸኣ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ: እቲ ወተሃደር ከኣ “እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ” በለ።​—⁠ማርቆስ 15:⁠39

2 ወዲ ኣምላኽ! እቲ ወተሃደር ሓቁ ኢዩ ነይሩ። ካብቲ ኣብ ምድሪ እተገብረ ፍጻሜታት ነታ ዝዓበየት ፍጻሜ ንምርኣይ ኢዩ በቒዑ። ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ካልእ እዋናትውን ኣምላኽ ባዕሉ ንየሱስ ፍትዊ ወደይ ኢሉ ጸዊዕዎ ነይሩ ኢዩ። (ማቴዎስ 3:⁠17፣ 17:⁠5) የሆዋ ንወዱ ክመውት ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ በዚ ኣገባብ’ዚ ገይሩ ኢዩ ኣምላኽ ንወድሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ዘድሕኖ።

ንፍሉይ ዕላማ እተሓርየ

3. እቲ ሓደ ወዲ ኣምላኽ ብዛዕባ ወድሰብ ዝምልከት ንፍሉይ ዕላማ ክሕረ ብቝዕ ዝነበረ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣቐዲምና ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ርኢናዮ ከም ዘሎና: የሱስ ቅድ⁠መ-​ሰብኣዊ ህላዌ ነይርዎ ኢዩ። የሆዋ ብቐጥታ ስለ ዝፈጠሮ ‘ሓደ ወዲ’ ኣምላኽ ተባሂሉ ኢዩ ዝጽዋዕ። ብድሕሪኡ ኣምላኽ: ንየሱስ ኵሉ ኻልእ ነገራት ኣብ ህላዌ ከምጽእ ተጠቕመሉ። (ዮሃንስ 3:⁠18፣ ቈሎሴ 1:⁠16) የሱስ ኣብ ደቅሰብ ፍሉይ ፍቕሪ ነበሮ። (ምሳሌ 8:⁠30, 31) ወድሰብ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኵነኔ ምስ ወደቐ: የሆዋ ነቲ ሓደ ወዱ ንፍሉይ ዕላማ ከገልግል ብምሕራዩ ኣየገርምን ኢዩ!

4, 5. የሱስ ናብ ምድሪ ቅድሚ ምምጽኡ: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ መሲሓዊ ዘርኢ እንታይ ኢዩ ዝገለጸ፧

4 ኣምላኽ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ንኣዳም: ንሄዋን ከምኡውን ንሰይጣን ፍርዲ ክእውጀሎም ከሎ: ነቲ ኣብ መጻኢ ግዜ መድሓኒ ዝኸውን ከም ሓደ “ዘርኢ” ገይሩ ተዛረበሉ። እዚ ዘርኢ ወይ ውሉድ እዚ: ነቲ ሰይጣን ድያብሎስ “እቲ ናይ ጥንቲ ተመን” ዘምጽኦ ዘስካሕክሕ ሕማማት ከልግሶ ኢዩ። እኳ ደኣ እቲ እተተስፈወ ዘርኢ ንሰይጣንን ንዅሎም እቶም ዝሰዓብዎን ክጭፍልቖም ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠15፣ 1 ዮሃንስ 3:⁠8፣ ራእይ 12:⁠9

5 ኣብዚ ዝሓለፈ ዘበናት: ኣምላኽ ብዛዕባ እቲ መሲሕ ተባሂሉ እውን ዝጽዋዕ ዘርኢ: ቀስ እናበለ ገለጸ። ኣብቲ ኣብ ገጽ 37 ዘሎ ሰሌዳ ተገሊጹ ከም ዘሎ: ሓያለይ ትንቢታት ብዛዕባ እቲ ብዙሕ መዳያት ናይ ምድራዊ ህይወቱ ዝርዝር ሂቦም ኣለዉ። ንኣብነት: ነቲ ኣብ ዕላማ ኣምላኽ ዘለዎ ግደ ምእንቲ ክፍጽም: ዘስካሕክሕ ግፍዒ ክጽመም ነበሮ።​—⁠ኢሳይያስ 53:⁠3-5

መሲሕ ስለምንታይ ክመውት ከም ዝነበሮ

6. ብመሰረት ዳንኤል 9:⁠24-26: እቲ መሲሕ እንታይ ክፍጽም ነበሮ: ብኸመይከ፧

6 እቲ ኣብ ዳንኤል 9:⁠24-26 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት: እቲ መሲሕ: ማለት ናይ ኣምላኽ ቅቡእ ሓደ ዓቢ ዕላማ ክፍጽም ነበሮ። ‘ንዕልወት መወዳእታ ኽገብረሉ ሓጢኣት ክውድእ ኣበሳ ክዓርቕ ጽድቂ ኸኣ ንዘለኣለም ከእቱ’ ናብ ምድሪ ኪመጽእ ነበሮ። እቲ መሲሕ ካብቶም እዙዛት ደቅሰብ ኵነኔ ሞት ከርሕቕ ነበሮ። ነዚ ግን ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝገብሮ፧ እቲ ትንቢት “ኪቕተል” ወይ ክመውት ከም ዝነበሮ ይገልጽ።

7. ኣይሁድ መስዋእቲ እንስሳታት ዘቕርቡ ዝነበሩ ስለምንታይ ኢዮም: እዚኸ ናይ ምንታይ ጽላሎት ኢዩ ነይሩ፧

7 እቶም ቀዳሞት እስራኤላውያን: ምስቲ ንኣበሳ ምትዕራቕ ዝብል ሓሳብ ሌላ ነይርዎም ኢዩ። ኣብቲ ኣምላኽ ብሙሴ ገይሩ ዝሃቦም ሕጊ ኸለዉ ዝነበሮም ኣምልኾ: ስርዓታውያን ኰይኖም ናይ እንስሳታት መስዋእቲ የቕርቡ ነበሩ። እዚ ነገር እዚ ንህዝቢ እስራኤል: ሰባትሲ ንሓጢኣቶም ዘተዓርቕ ወይ ዝኸድን ሓደ ነገር ከም ዘድልዮም የዘኻኽሮም ነበረ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነዚ መሰረታዊ ሕጊ እዚ በዚ ዝስ⁠ዕብ ሓሳብ ጸሚቝ ኣቕሪብዎ ኣሎ:- “ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።” (እብራውያን 9:⁠22) ክርስትያናት ኣብ ትሕቲ ሕጊ ሙሴን ከም እኒ መስዋእትታት ዝኣመሰለ ብእኡ ዝድለ ነገራትን ኣይኰኑን። (ሮሜ 10:⁠4፣ ቈሎሴ 2:⁠16, 17) ከምኡውን መስዋእቲ እንስሳታት ነባርን ምሉእን ይቕሬታ ናይ ሓጢኣት ከዳሉ ከም ዘይክእል ይፈልጡ ኢዮም። ኣብ ክንድኡስ: እዚ መስዋእታዊ ወፈያታት እዚ ናብ ሓደ ኣዝዩ ዝበለጸ ክቡር መስዋእቲ​—⁠ናይቲ መሲሕ ወይ ክርስቶስ​—⁠ኢዩ ዘመልክት ነይሩ። (እብራውያን 10:⁠4, 10፣ ምስ ገላትያ 3:⁠24 ኣረኣእዮ።) ይኹን እምበር: ‘እቲ መሲሕ ክመውትሲ ብሓቂ ኣድላዪ ድዩ ነይሩ፧’ ኢልካ ትሓትት ትኸውን ኢኻ።

8, 9. ኣዳምን ሄዋንን: እንታይ ክቡር ነገራት ኢዮም ዘጥፍኡ: እቲ ዝወሰድዎ ስጕምቲኸ ብኸመይ ኢዩ ነቶም ዘርኦም ዝተንከፎም፧

8 እወ: ወድሰብ ክድሕን እንተድኣ ዀይኑ: እቲ መሲሕ ናይ ግድን ክመውት ነበሮ። እቲ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ: ምልስ ኢልና ብዛዕባ ገነት ኤደን ክንዝክርን: ነቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር ኣምላኽ ምስ ዓለዉ ናይቲ ዘጥፍእዎ ክብደት ክንርድኦን ይግብኣና። ኣብ ቅድሚኦም ናይ ዘለኣለም ህይወት ተነቢሩ ነበረ! ከም ደቂ ኣምላኽ መጠን ድማ ነቲ ምስኡ ዝነበሮም ቀጥታዊ ዝምድና ተሓጒሶምሉ ኢዮም። ንግዝኣት የሆዋ ምስ ነጸግዎ ግን: ንዅሉ እቲ ነገራት እቲ ኣጥፍእዎ: ኣብ ሰብኣዊ ዓሌት ከኣ ሓጢኣትን ሞትን ኣምጽኡ።​—⁠ሮሜ 5:⁠12

9 እቶም ቀዳሞት ወለድና ሓደ ዓቢ ሃብቲ ከም ዘባኸኑ እሞ ኣብ ሓደ ከቢድ ዕዳ ኸኣ ከም ዝጠሓሉ ኢዩ ዝመስል። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ዕዳ እቲ ናብ ዘርኦም ኣመሓላለፍዎ። ፍጹማትን ሓጢኣት ዘይብልናን ኴንና ስለ ዘይተወለድና: ነፍሲ ወከፍና ሓጥእን መዋትን ኢዩ። ክንሓምም ከሎና ወይ ሓደ ዘጣዕሰና ጐዳኢ ዘረባ ክንዛረብ ከሎና ሳዕቤን ናይቲ ዝወረስናዮ ዕዳ​—⁠ሰብኣዊ ዘይፍጽምና​—⁠ኢዩ ዘጋጥመና ዘሎ። (ሮሜ 7:⁠21-25) እታ ሓንቲ ተስፋና: ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ እንደገና ምምላስ ኣብ ዝብል እተጠቓለለት ኢያ። ይኹን እምበር: ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ብጻዕርና ዝርከብ ነገር ኣይኰነን። ኵሎም ዘይፍጹማት ሰባት ሓጢኣት ዝፍጽሙ ብምዃኖም: ኵላትና እንረኽቦ ሞት ደኣ’ምበር ህይወት ኣይኰነን።​—⁠ሮሜ 6:⁠23

10. ነቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ንምምላስ እንታይ የድሊ ነበረ፧

10 ዝዀነ ዀይኑ ግን: ኣብ ክንዲ እቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ህይወትሲ ገለ ነገርዶ ክቐርብ ምተኻእለ፧ እቲ ናይ ኣምላኽ ናይ ፍትሒ ስርዓት “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ” ዝብል ሚዛን ዝሓትት ኢዩ። (ዘጸኣት 21:⁠23) ስለዚ: ነቲ ዝጠፍአ ህይወት ንምኽፋል ካልእ ህይወት ክቐርብ ነበሮ። ህይወት ናይ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ኣይኣክልን ኢዩ። መዝሙር 49:⁠7, 8 ብዛዕባ ዘይፍጹማት ሰባት ከምዚ ይብል:- “ሓደ እኳ ንሓዉ ዚብጀዎ: ጋር ነፍሲ ንኣምላኽ ዚህበሉ የልቦን: ጋር ነፍሶም ክቡር: ንዘለኣለም ከኣ ተሪፉ እዩ።” ስለዚ እቲ ኵነታትሲ ተስፋ ዘቝርጽ ድዩ፧ ብርግጽ ከምኡ ኣይኰነን።

11. (ሀ) እታ “በጃ” እትብል ቃል ብእብራይስጢ እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዋ፧ (ለ) ንወድሰብ ከናግፎ ዝኽእል መን ጥራይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

11 ኣብ ቋንቋ እብራይስጢ: እታ “በጃ” እትብል ቃል ነቲ ንሓደ ምሩኽ ንምድሓን ኢልካ ዝኽፈል ብዝሒ ገንዘብ ኢያ እተመልክት ከምኡውን ማዕርነት ተመልክት ኢያ። ሓደ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወት ዘለዎ ሰብ ጥራይ ኢዩ ማዕረ ናይቲ ኣዳም ዘጥፍኦ ከቕርብ ዝኽእል። ብድሕሪ ኣዳም ፍጹም ኰይኑ ኣብ ምድሪ እተወልደ: የሱስ ክርስቶስ ጥራይ ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ: ንየሱስ “እቲ ዳሕራይ ኣዳም” ኢሉ ይጽውዖ: ከምኡውን ክርስቶስ “ኣብ ክንዲ ዅሉ ኪኸውን ኢሉ ነፍሱ በጃ ሀበ” ብምባል የረጋግጸልና። (1 ቈረንቶስ 15:⁠45፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) ኣዳም ናብ ደቁ ሞት ከመሓላልፈሎም ከሎ: የሱስ ግን ህይወት ዘለኣለም ኣውረሶም። ቀዳማይ ቈረንቶስ 15:⁠22 “ከምቲ ዅላቶም ብኣዳም ዝሞቱ: ከምኡ ድማ ኵላቶም ብክርስቶስ ህያዋን ኪዀኑ እዮም” ኢሉ ይገልጽ። ምስ እዚ ብምስምማዕ ከኣ የሱስ “ኣቦ ዘለኣለም” ተባሂሉ ይጽዋዕ።​—⁠ኢሳይያስ 9:⁠6, 7

እቲ በጅነት ብኸመይ ከም እተኸፍለ

12. የሱስ መሲሕ ዝዀነ መዓስ ኢዩ: ብድሕሪኡኸ እንታይ ጕዕዞ ህይወት ኢዩ ዝሰዓበ፧

12 ኣብ ቀውዒ ናይ 29 ከ.ኣ.ዘ. የሱስ ናብ ዮሃንስ ዘመዱ ክጥመቕ ከደ: በዚ ኸኣ ፍቓድ ኣምላኽ ምእንቲ ክፍጽም ርእሱ ኣቕረበ። ኣብታ እዋን እቲኣ የሆዋ ንየሱስ ብመንፈስ ቅዱስ ገይሩ ቐብኦ: በዚ ኸምዚ ድማ የሱስ መሲሕ ወይ ከኣ ክርስቶስ: እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ክኸውን ከኣለ። (ማቴዎስ 3:⁠16, 17) ሽዑ የሱስ ነቲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ዝወሰደ ኣገልግሎቱ ጀመሮ። ኣብ ምልእቲ ሃገሩ እናተዘዋወረ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽን እሙናት ሰዓብቲ ይእ⁠ክብን ነበረ። እንተዀነ ግን: ከምቲ ኣቐዲሙ ብትንቢት እተነግረ: ምጽራር ክበዝሕ ነበሮ።​—⁠መዝሙር 118:⁠22፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:⁠8-11

13. ንየሱስ ከም ሓላው ንጽህናኡ ዀይኑ ክመውት ዝምርሕዎ ኣየኖት ፍጻሜታት ኢዮም፧

13 የሱስ ንግብዝና ናይቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብትብዓት ኣጋለጸ: ንሳቶም ከኣ ክቐትልዎ ይፍትኑ ነበሩ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ: ክሕደትን ዘይግቡእ ማእሰርትን ዘይሕጋዊ ፍርድን ብናዕቢ እተላዕለ ናይ ሓሶት ክስን ዘጠቓለለ ግናይ ውዲት ኣለምሉ። የሱስ ተወቒዑ: ጡፍ ተባሂሉሉ: ኣላጊጾምሉ ንስጋኡ ክጭንድሕ ብእተዳለወ ጭጕራፍ ተኸትኪቱ። ብድሕርዚ ኸኣ እቲ ሮማዊ ገዛኢ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ኣብ መሳቐዪ ዕጨይቲ ንሞት ፈረዶ። ኣብ ሓደ ጉንዲ ሸንኪሮም ትኽ ኣቢሎም ሰቐልዎ። ነፍሲ ወከፍ እስትንፋስ ብርቱዕ ቃንዛ ዝመልኣ ኢያ ነይራ: ክሳዕ ዝመውት ከኣ ብዙሕ ሰዓታት ወሰደ። ኣብ ኵሉ እቲ ጸበባ እቲ: የሱስ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ፍጹም ተኣማንነት ዓቂቡ ኢዩ።

14. ኣምላኽ ንወዱ ክሳቐን ክመውትን ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧

14 ስለዚ ኸኣ የሱስ ብ14 ኒሳን ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ህይወቱ “በጃ ብዙሓት ሃበ።” (ማርቆስ 10:⁠45፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠5, 6) የሆዋ ኣብ ሰማይ ኰይኑ እቲ ፍቑር ወዱ ክሳቐን ክመውትን ከሎ ይርእዮ ነይሩ ኢዩ። ስለምንታይ ኢዩ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ዘሰቅቕ ነገር ክፍጸም ዘፍቀደ፧ ከምኡ ዘግበሮ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ፍቕሪ ኢዩ። የሱስ ከምዚ በለ:- “ኣምላኽ: በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር: ከይጠፍእሲ: ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ: ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።” (ዮሃንስ 3:⁠16) እቲ ናይ የሱስ ሞት የሆዋ ናይ ፍጹም ፍትሒ ኣምላኽ ከም ዝዀነውን ይምህረና ኢዩ። (ዘዳግም 32:⁠4) ገለ ሰባት: ኣምላኽ ነቲ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ዝብል መሰረታዊ ሕጊ ናይ ፍትሒ ሰሪዙ ነቲ ብምኽንያት ኣዳማዊ ሓጢኣት ዝድለ ዘሎ ዋጋ ሸለል ዘይምባሉ የገርሞም ይኸውን። እቲ ምኽንያት: የሆዋ ኵሉ ግዜ ከቢድ ክሳራ እኳ ዘምጽኣሉ እንተዀነ: ኣብቲ ባዕሉ ዘቖሞ ሕጊ ዝጸንዕን ዝሕልዎን ብምዃኑ ኢዩ።

15. ንየሱስ ንዘለኣለም ካብ ህላዌ ከም ዘቋርጽ ምግባር ፍትሒ ስለ ዘይነበረ: የሆዋ እንታይ ኢዩ ዝገበረ፧

15 ናይ የሆዋ ፍትሒ: እቲ ናይ የሱስ ሞት ዘሐጕስ ፍረ ክህልዎውን ዝሓትት ኢዩ ነይሩ። እምበኣርከ: ነቲ እሙን የሱስ ንዘለኣለም ብሞት ክድቅስ ምፍቃድሲ ፍትሒዶ ምዀነ ነይሩ፧ ብርግጽ ኣይምዀ⁠ነን! እቶም ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት: እቲ ናይ ኣምላኽ እሙን ኣብ መቓብር ከም ዘይተርፍ ተነብዮም ነይሮም ኢዮም። (መዝሙር 16:⁠10፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:⁠35) ንሰለስተ መዓልትታት ዝኣክል ብሞት ደቀሰ: ብድሕርዚ የሆዋ ኣምላኽ ከም ሓደ ሓያል መንፈሳዊ ኣካል ገይሩ ናብ ህይወት ኣተንስኦ።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:⁠18

16. የሱስ ናብ ሰማይ ምስ ተመልሰ እንታይ ገበረ፧

16 የሱስ: ብሞቱ ገይሩ ነቲ ሰብኣዊ ህይወቱ ሓንሳብ ንሓዋሩ ወፈዮ። ናብ ሰማያዊ ህይወት ብምትንስኡ: ህይወት ዝህብ መንፈስ ኰነ። ብተወሳኺ: የሱስ ኣብቲ ካብ ኵሉ ኣድማስ ኣዝዩ ቅዱስ ዝዀነ ቦታ ምስ ደየበ: ምስቲ ፍቝር ኣቦኡ እንደገና ተራኸበ: ነቲ ዋጋ ናይ ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ኸኣ ብወግዒ ኣብ ቅድሚኡ ኣቕረበ። (እብራውያን 9:⁠23-28) ብድሕርዚ: እቲ ዋጋ ናይቲ ክቡር ህይወቱ ኣብ ክንዲ እዙዛት ደቅሰብ ኣብ ግብሪ ክውዕል ይኽእል። እዚኸ ንዓኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧

በጅነት ክርስቶስን ንስኻን

17. በቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ከመይ ገይርና ኢና ሕድገት ሓጢኣት ክንረክብ እንኽእል፧

17 ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ: ሕጂ ኸይተረፈ ክጠቕመካ ዝኽእለሉ ሰለስተ ነገራት ተመልከት። መጀመርያ ሕድገት ሓጢኣት የምጽኣልካ። ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም ናይ የሱስ እምነት ብምግባር፣ “በቲ በጅነት ሓራ ምውጻእ [ትሓዓ ]” እወ: “ሕድገት ሓጢኣት” ኣሎና። (ኤፌሶን 1:⁠7) ስለዚ ዋላ’ኳ ከቢድ ሓጢኣት ገይርና እንተ ዀንና ንኣምላኽ ብስም የሱስ ሓጢኣትና ክሓድገልና ክንልምኖ ንኽእል ኢና። ብሓቂ እንተድኣ ተናሲሕና: የሆዋ ነቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ናይ ወዱ ኣብ ጥቕምና የውዕሎ። ኣምላኽ ይቕረ ይብለልና: ኣብ ክንዲ ነቲ ብሓጢኣት ምኽንያት ዝመጽእ ሞት ዘውርደልና ኸኣ: ሰናይ ሕልና ይህበና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 3:⁠19፣ 1 ጴጥሮስ 3:⁠21

18. እቲ ናይ የሱስ መስዋእቲ በየናይ መገዲ ኢዩ ተስፋ ዝህበና፧

18 ካልኣይ: እቲ ናይ ክርስቶስ በጅነታዊ መስዋእቲ ንመጻኢ ተስፋና  መሰረት ዘዳሉ ኢዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ ብራእይ “ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይኽእል [ዓቢ ጭፍራ ትሓዓ ]” ካብቲ ዝመጽእ ዘሎ ናይዚ ኣገባብ እዚ መቕዘፍቲ ክድሕኑ ምዃኖም ረኣየ። ኣምላኽ ንብዙሓት ካልኦት ከጥፍእ ከሎ: ንሳቶም ዝድሕኑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ሓደ መልኣኽ ንዮሃንስ እቶም ዓቢ ጭፍራ “ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል:” የሱስ ክርስቶስ: “ሓጺቦም ኣጻዕደዉ” ኢሉ ነገሮ። (ራእይ 7:⁠9, 14) ኣብቲ ዝፈሰሰ ደም የሱስ ክርስቶስ እምነት ክሳዕ ዝገበርናን ምስቲ ዘድሊ መለኮታዊ ነገራት ተሰማሚዕና ክሳዕ እተመላለስናን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንጹሃት ክንከውን: ተስፋ ዘለኣለማዊ ህይወት ከኣ ክህልወና ኢዩ።

19. እቲ ናይ ክርስቶስ መስዋእቲ ንሱን ኣቦኡን ከም ዘፍቅሩኻ መረጋገጺ ዝኸውን ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

19 ሳልሳይ: እቲ በጅነታዊ መስዋእቲ: እቲ ዘለዓለ መረጋገጺ ፍቕሪ የሆዋ ኢዩ። ናይ ክርስቶስ ሞት ኣብ ታሪኽ ናይ ኣድማስ ክልተ ዓበይቲ ግብርታት ናይ ፍቕሪ ኣግሂዱ ኢዩ:- (1) ኣምላኸ ንወዱ ኣብ ክንዳና ክመውት ብምልኣኹ ዘርኣዮ ፍቕሪ፣ (2) የሱስ ፍቓደኛ ኰይኑ ገዛእ ርእሱ በጃ ብምሃቡ ዘርኣዮ ፍቕሪ። (ዮሃንስ 15:⁠13፣ ሮሜ 5:⁠8) ብሓቂ እምነት ነርኢ እንተድኣ ዄንና: እዚ ፍቕሪ እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍና በብብሕቲ ዝውዕል ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ‘ወዲ ኣምላኽ ኣፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ኣሕለፈለይ’ በለ።​—⁠ገላትያ 2:⁠20፣ እብራውያን 2:⁠9፣ 1 ዮሃንስ 4:​9, 10

20. ኣብቲ ናይ የሱስ በጅነታዊ መስዋእቲ እምነት ከነሕድር ዝግብኣና ስለምንታይ ኢዩ፧

20 ስለዚ እምበኣር: ኣብቲ በጅነታዊ መስዋእቲ የሱስ እምነት ብምርኣይ ነቲ ኣምላኽን ክርስቶስን ዘርኣይዎ ፍቕሪ ሞሳና ነርኢ። ከምኡ ምግባር ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ዝመርሕ። (ዮሃንስ 3:⁠36) ይኹን እምበር: ክርስቶስ ኣብ ምድሪ ክነብርን ክመውትን ዘድለየሉ ዝዓበየ ምኽንያት: ናትና ድሕነት ኣይኰነን። እቲ ቀንዲ ዘገደሶስ ሓደ ዝዓበየ ኣድማሳዊ ጉዳይ ኢዩ ነይሩ። ኣብዛ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርእዮ ከም ዘሎና: እቲ ጉዳይ እቲ ንዅላትና ዝትንክፍ ኢዩ: ምኽንያቱ ኸኣ ኣምላኽ ንእከይን ስቓይን ኣብዛ ዓለም ንኽንድዚ ዝኣክል ነዊሕ ግዜ ክቕጽል ስለምንታይ ከም ዘፍቀዶ የርእየና ኢዩ።

ፍልጠትካ ምዘን

የሱስ: ንወድሰብ ንምድሓን ስለምንታይ ክመውት ኣድለዮ፧

እቲ በጅነት ብኸመይ ኢዩ ተኸፊሉ፧

በየናይ መገድታት ኢኻ ካብቲ በጅነት እትጥቀም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 67፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]