ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ
ምዕራፍ 17
ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ
1, 2. እቲ ናይ ወድሰብ ኵነታት ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምቲ ናይቶም ኣብ ሓደ ብህቦብላ ዝዓነወ ከባቢ ዘለዉ ሰባት ዝመሳሰል፧
ነቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ቦታ: ሓደ ብርቱዕ ህቦብላ ከም ዘዕነዎ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ገዛኻ ዓንዩ: ኵሉ ጥሪትካ ድማ ጠፊኡ። መግቢ ኸኣ ውሑድ ኢዩ ዘሎ። እቲ ኵነታት ተስፋ ዘቝርጽ ኢዩ ዝመስል። ብድሕርዚ ዘይተጸቤኻዮ ናይ ስንቂ ረድኤት ይመጽእ። መግብን ክዳውንትን ብብዝሒ ይቕረብ: ሓድሽ ገዛ ድማ ይስርሓልካ። ብርግጽ: ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ውህበታት ዘዳለወ ሰብ መመስገንካዮ።
2 ሎሚ ሓደ ነዚ ዝመሳሰል ነገር ይፍጸም ኣሎ። እቲ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ዕልወት: ከምቲ ናይ ህቦብላ: ንሰብኣዊ ዓሌት ዓቢ ጉድኣት ኢዩ ኣውሪዱ። ናይ ወድሰብ ገነታዊት ቤት ጠፊኣ ኢያ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ናይ ሰብ መንግስታት ንሰባት ካብ ውግእ: ግብረ-ገበን: ከምኡውን ምጕዳል ፍትሒ ከዕቝባኦም ኣይከኣላን። ሃይማኖት ንብዙሓት ሰባት ጥዑይ መንፈሳዊ መግቢ ስኢኖም ብጥሜት ከም ዝሳቐዩ ገይርዎም ኣሎ። ይኹን እምበር: ብመንፈሳዊ ኣዘራርባ የሆዋ ኣምላኽ ሕጂ መግብን ክዳንን መዕቈብን የዳሉ ኢዩ ዘሎ። ነዚኸ ብኸመይ ኢዩ ዝገብሮ ዘሎ፧
“እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ”
3. የሆዋ ንወድሰብ ብኸመይ ኢዩ ስንቂ ዝቐረበሉ: ብምንታይ ኣብነታትከ ተራእየ፧
3 ናይ ስንቂ ረድኤት ብሓፈሻ ብሓደ ስሩዕ መራኸቢ ኢዩ ዝዕደል: የሆዋ ኸኣ ብተመሳሳሊ ንህዝቡ መንፈሳዊ ስንቂ ኣዳልዩ ኣሎ። ንኣብነት: እቶም እስራኤላውያን ንገለ 1,500 ዓመታት “ማሕበር [የሆዋ ትሓዓ ]” ኢዮም ነይሮም። ኣብ መንጎኦም ከኣ እቶም ሕጉ ክምህሩ ከም ናይ ኣምላኽ መትረብ ኰይኖም ዘገልገሉ ይርከብዎም ነበሩ። (1 ዜና መዋእል 28:8፣ 2 ዜና መዋእል 17:7-9) ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ከ.ኣ.ዘ.: የሆዋ ነታ ክርስትያናዊት ማሕበር ኣቘማ። ጉባኤታት ተመስረታ: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይቲ ብሃዋርያትን ሽማግለታትን ዝቘመ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይነን ድማ ይዓያ ነበራ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:22-31) ብተመሳሳሊ: ሎሚውን የሆዋ ምስ ህዝቡ ብሓደ እተመሓደረ ኣካል ገይሩ ኢዩ ዝራኸብ ዘሎ። ነዚኸ ብኸመይ ንፈልጦ፧
4. ኣብዚ ዘመናዊ ግዜ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን ከም ዝዀነ ኢዩ እተረጋገጸ: እቲ ናይ ኣምላኽ መንፈሳዊ ምድላዋት ብኸመይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧
4 የሱስ ኣብ እዋን ህላወ ናይ መንግስታዊ ስልጣኑ “እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ንሰዓብቱ “ምግቦም በብጊዜኡ” ክህቦም ከም ዝጸንሕ ተዛሪቡ ነበረ። (ማቴዎስ 24:45-47 ትሓዓ ) የሱስ ብ1914 ሰማያዊ ንጉስ ኰይኑ ምስ ተሸመ: እዚ “ባርያ” እዚ መን ኰይኑ ተረኽበ፧ ብርግጽ ናይ ህዝበ ክርስትያን ካህናት ኣይኰኑን። ንመጓሴታቶም መብዛሕትኡ ነቲ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንናይ ገዛእ ርእሶም ሃገራውያን መንግስታት ዝድግፍ ፕሮፓጋንዳ ኢዮም ዝምግብዎም ነይሮም። ይኹን እምበር: ግቡእን እዋናውን መግቢ: በቶም ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱሰ እተቐብኡ: ክፍሊ ናይቲ የሱስ “ሒደት መጓሰ” ኢሉ ዝሰመዮም ጕጅለ ናይ ሓቀኛታት ክርስትያን ይዕደል ነበረ። (ሉቃስ 12:32) እዞም ቅቡኣት ክርስትያናት ናይ ሰብ መንግስታት ዘይኰነስ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ዝሰብኩ ነይሮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ: ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ጽድቃዊ ኣቕዋም ዘለዎም “ካልኦት ኣባጊዕ” ምስቲ ቅቡእ “ባርያ” ሓቀኛ ሃይማኖት ኣብ ምስባኽ ተጸምቢሮሞ ኢዮም። (ዮሃንስ 10:16) ኣምላኽ ነቲ ‘እሙን ባርያ’ ከምኡውን ነቲ ዘመናዊ ኣመሓዳሪ ኣካል ናይቲ ባርያ ተጠቒሙ: ነቶም እተመሓደሩ ህዝቡ: ነዚ ምድላዋት ናይ መንፈሳዊ መግብን ክዳንን መዕቆብን ንዅሎም እቶም ክረኽብዎ ዝብህጉ ምእንቲ ከብጽሑሎም ይመርሖም ኣሎ።
“ምግቦም በብጊዜኡ”
5. ሎሚ ኣብ ዓለም እንታይ መንፈሳዊ ኵነታት ኢዩ ዘሎ: የሆዋ ግን ብዛዕባ እዚ እንታይ ይገብር ኣሎ፧
5 የሱስ: “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” በለ። (ማቴዎስ 4:4) ዘሕዝን ግን: ኣዝዩ ብዙሕ ህዝቢ: ነቲ ኻብ ኣፍ ኣምላኽ ዝወጽእ ቃል ኣየቕልበሉን ኢዩ ዘሎ። ከምቲ ብናይ የሆዋ ነቢ ኣሞጽ ብትንቢት እተነግረ: “ንምስማዕ ቃል እግዚአብሄር እምበር: ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን” ዘሎ። (ኣሞጽ 8:11) አረ እቶም ኣዝዮም ሃይማኖታውያን ሰባት ከይተረፉውን ብመንፈሳዊ መገዲ ጠምዮም ኣለዉ። ይኹን እምበር: ፍቓድ የሆዋስ “ዅሉ ሰብ ኪድሕን ናብ ፍልጠት ሓቂውን ኪመጽእ” ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) በዚ መሰረት እዚ ኸኣ: መንፈሳዊ መግቢ ብብዝሒ የዳሉ ኣሎ። ግናኸ ካበይ ኢዩ ክርከብ ዝኽእል፧
6. ኣብ ዝሓለፈ እዋናት የሆዋ ንህዝቡ ብኸመይ መገቦም፧
6 ኣብ ኵሉ እቲ ዝሓለፈ ታሪኽ: የሆዋ ንህዝቡ ብጕጅለ ደረጃ መንፈሳዊ መግቢ ክዕድሎም ጸኒሑ ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:13) ንኣብነት: እቶም እስራኤላውያን ካህናት እቶም ህዝቢ ብጕጅለ ደረጃ ሕጊ ኣምላኽ ምእንቲ ክማሃሩ ንሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ብሓባር ይእክብዎም ነበሩ። (ዘዳግም 31:9, 12) ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም: ጉባኤታት የቝሙ: እሞ ኵሎም ትምህርትን ምትብባዕን መታን ክረኽቡ ኣኼባታት የካይዱ ነበሩ። (ሮሜ 16:5፣ ፊልሞን 1, 2) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ኣገባብ እዚ ይስዕብዎ ኢዮም። ኣብ ኣኼባታቶም ክትካፈል ብኽብሪ ትዕደም ኣሎኻ።
7. ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋል ምስ ፍልጠትን እምነትን እንታይ ዝምድና ኣለዎ፧
7 ርግጽ ኢዩ: ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ድሮ ብዙሕ ተማሂርካ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ምናልባት ሓደ ሰብ ሓጊዙካ ይኸውን። (ግብሪ ሃዋርያት 8:30-35) ይኹን እምበር: እምነትካ ምስታ ብቝዕ ክንክን እንተዘይተገይሩላ እትቕምስልን እትመውትን ተኽሊ ክትመሳሰል ትኽእል ኢያ። እምበኣርከስ: ግቡእ መንፈሳዊ ምዕንጋል የድልየካ ኢዩ። (1 ጢሞቴዎስ 4:6) ክርስትያናዊ ኣኼባታት ብመንፈስ ክዕንግለካ: ብፍልጠት ኣምላኽ እናወሰኽካ ብዝኸድካ መጠን ድማ ብእምነት እናዓቤኻ ክትከይድ ክሕግዘካ ዝዓለመ ዘየቋርጽ ናይ ትምህርቲ ፕሮግራም የዳልዉልካ ኢዮም።—ቈሎሴ 1:9, 10
8. ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክንካፈል ተተባቢዕና ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
8 ኣኼባታት ንኻልእ ኣገዳሲ ዕላማ ድማ የገልግሉ ኢዮም። ጳውሎስ ‘ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል እምበር ኣኼባና ኣይንሕደግ’ ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 10:24, 25) እታ “ንምንቕቓሕ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ንምስሓል” ዝብል ትርጕምውን ዘለዋ ኢያ። ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ሓጺን ንሓጺን ይስሕሎ: ከምኡ ኸኣ ሰብ ንገጽ ብጻዩ ይስሕሎ” ይብል። (ምሳሌ 27:17) ኵላትና ዘየቋርጽ “ምስሓል” የድልየና ኢዩ። እቲ በብመዓልቱ ካብ ዓለም ዝመጸና ጸቕጥታት ንእምነትና ከድክማ ስለ ዝኽእል። ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንካፈል ከሎና ንሓድሕድና ንተባባዕ ኢና። (ሮሜ 1:11, 12) ኣባላት ናይታ ጉባኤ ነቲ “ንሓድሕድኩም [ተጸናንዑ ትሓዓ ] እሞ እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ይህነጾ” ዝብል ምዕዶ ናይቲ ሃዋርያ ይስዕብዎ ኢዮም: ከምዚ ዝኣመሰለ ነገራት ከኣ ኢዩ ንእምነትና ዝስሕላ። (1 ተሰሎንቄ 5:11) ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ስርዓታዊ ኴንካ ምክፋልውን ንኣምላኽ ከም እነፍቅሮ ዝሕብር ኢዩ: ንኽንውድሶ ድማ ኣጋጣሚታት ይህበና።—መዝሙር 35:18
‘ፍቕሪ ልበሱ’
9. የሆዋ: ፍቕሪ ብምርኣይ ብኸመይ ኢዩ ኣብነት ዝሓደገልና፧
9 ጳውሎስ “ፍቕሪ [ፍጽምቲ ማእሰር ሕብረት ትሓዓ ] እያ እሞ: ልበስዋ” ኢሉ ጸሓፈ። (ቈሎሴ 3:14) የሆዋ ብርህራሄ ተደሪኹ ነዚ ልብሲ እዚ ኣዳልዩልና ኣሎ። በየናይ መገዲ፧ ፍቕሪ ሓንቲ ካብተን ብኣምላኽ እተዋህባ ፍረታት ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ስለ ዝዀነት ክርስትያናት ፍቕሪ ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። (ገላትያ 5:22, 23) የሆዋ ንገዛእ ርእሱ ንሕና ዘለኣለማዊ ህይወት መታን ክህልወና ኢሉ: ነቲ ሓደ ወዱ ብምስዳዱ ባዕሉ እታ ኣዝያ ዝዓበየት ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ። (ዮሃንስ 3:16) እዚ ልዑል መግለጺ ናይ ፍቕሪ እዚ: ነዛ ባህርይ እዚኣ መታን ከነንጸባርቓ መርኣያ ኰይኑና ኣሎ። ሃዋርያ ዮሃንስ “ኣምላኽ ከምዚ ገይሩ ኻብ ኣፍቀረናስ: ንሕናውን ንሓድሕድና ኽንፋቐር ይግብኣና እዩ” ኢሉ ጸሓፈ።—1 ዮሃንስ 4:11
10. ብኸመይ ኢና ካብቲ “ምሉእ ማሕበር ኣሕዋት” ክንጥቀም እንኽእል፧
10 ኣብ ኣኼባታት ናይ መንግስቲ ኣዳራሽ ምክፋልካ ፍቕሪ ንኸተርኢ ኣዝዩ ብሉጽ ኣጋጣሚ ክህበካ ኢዩ። ኣብኡ: ብዙሕ ዝዓይነቶም ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ብኡብኡ ናብ ብዙሓት ካባታቶም ከም እትለግብ ዘጠራጥር ኣይኰነን። ርግጽ ኢዩ: ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ዘለዉ እውን ከይተረፈ ባህርያት ይፈላለ ኢዩ። ምናልባት ኣብ ዝሓለፈ ግዜ: ምስቲ ናትካ ድሌትን ጠባይን ዘይሰማምዑ ሰባት ተርሕቖም ነይርካ ትኸውን። ክርስትያናት ግን “[ንምሉእ ማሕበር ኣሕዋት ትሓዓ ] ኣፍቅሩ” ኢዩ ተባሂሉልና። (1 ጴጥሮስ 2:17) ስለዚ ምስቶም ኣብቲ ኣዳራሽ መንግስቲ ዘለዉ—ብዕድመ: ብባህሪ: ብዓሌት: ወይ ብደረጃ ትምህርቲ ካባኻ እተፈልዩ እውን ከይተረፈ—ክትፋለጥ ዕላማኻ ግበሮ። ምናልባት ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብሓደ ተፈታዊ ባህሪ ሓለፍ ዝበለ ዀይኑ ክትረኽቦ ኢኻ።
11. ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ እተፈላለየ ባህርያት ምህላው ከጨንቐና ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧
11 እቲ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ እተፈላለየ ባህርያት ከናውጸካ ኣይግብኦን ኢዩ። ንመረድኢ: ቍጽረን ብርክት ዝበለ መጓዓዝያታት ኣብ ጐደና: ብጐንኻ ይጓዓዛ ከም ዘለዋ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ኵላተን ኣይኰናን ብሓደ ፍጥነት ዝጓዓዛ: ወይውን ኵላተን ኣብ ሓደ ኵነታት ኣይኰናን ዘለዋ። ገሊአን ንብዙሕ ኪሎ ሜትራት ተጓዒዘን ኢየን: ካልኦት ግን ከማኻ ሕጂ ሕጂ ጕዕዞ ዝጀመራ ኢየን። ዝዀነ ዀይኑ: እቲ ፍልልያት ብዘየገድስ ኵላተን በቲ ጕደና ኣቢለን ይጓዓዛ ኣለዋ። እቶም ነታ ጉባኤ ዘቝሙ ኣሕዋት ከኣ ከምኡ ኢዮም። ኵላቶም ብሓደ ዓይነት ፍጥነት ክርስትያናዊ ባህርያት ኣየማዕብሉን ኢዮም። ብተወሳኺ ኵላቶም ኣብ ሓደ ዓይነት ስጋዊ ወይ ስምዒታዊ ኵነታት የለውን። ገሊኦም ንየሆዋ ንብዙሕ ዓመታት ኢዮም ከምልኽዎ ጸኒሖም: ይቕጽሉ ድማ ኣለው፣ ካልኦት ግን ሕጂ ኢዮም ጀሚሮም። ምስናይዚ ግን: ኵላቶም ‘ብሓደ ልብን ብሓደ ሓሳብን ፍጹም ተጋጢሞም’ በቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ጐደና ይጐዓዙ ኣለዉ። (1 ቈረንቶስ 1:10) ስለዚ ናይቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ድኹም ጐድኒ ዘይኰነስ ነቲ ብሉጽ ባህርያቶም ጠምት። ከምዚ ምግባር ንልብኻ ከምቖ ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ብሓቂ ኣብ መንጎ እዞም ህዝቢ እዚኣቶም ከም ዘሎ ክትግንዘብ ኢኻ። ብርግጽ ከኣ ኣብዚ ክትከውን ኢኻ እትደሊ።—1 ቈረንቶስ 14:25
12, 13. (ሀ) ኣብታ ጉባኤ: ሓደ ሰብ እንተድኣ በዲሉካ: እንታይ ኢኻ ክትገብር እትኽእል፧ (ለ) ኵራ ኣብ ውሽጥኻ ዘይምሕዳር ኣድላዪ ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧
12 ኵሎም ሰባት ዘይፍጹማት ብምዃኖም: ሓድሓደ ግዜ ገለ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ሰብ ንዓኻ ዘጕሂ ነገር ይገብር ወይ ይዛረብ ይኸውን። (ሮሜ 3:23) ወደ መዝሙር ያእቆብ ካብ ክውንነት ተበጊሱ “ኵላትና [ብዙሕ ሳዕ ትሓዓ ] ንስሕት ኢና እሞ: ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ: ንሱ . . . ብቑዕ ሰብኣይ እዩ” በለ። (ያእቆብ 3:2) ሓደ ሰብ እንተ በዲሉካ ብኸመይ ምመለሽካ፧ ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምስላ “ምስትውዓል ንሰብ ንዅራ ደንጓዪ ይገብሮ: ንበደል ምሕላፍ ከኣ ክብረቱ እዩ” ይብል። (ምሳሌ 19:11) ምስትውዓል ምህላው ማለት ብትሕቲ እቲ ግዳማዊ ትርኢት ዘሎ ኵነታት ምርኣይ: ነቲ ሰብ ከምኡ ንኽዛረብ ወይ ክገብር ዝድርኾ ዘሎ ምኽንያት ምርድኡ ማለት ኢዩ። መብዛሕትና ነቲ ዝገበርናዮ ጌጋታት ከነመኻኒ ብዙሕ ምስትውዓል ነዘውትር ኢና። እሞ: ንምንታይ ድኣ ነቲ ናይ ካልኦት ዘይፍጽምና ንምርዳእን ንምሕላፍን ዘይንጥቀመሉ፧—ማቴዎሰ 7:1-5፣ ቈሎሴ 3:13
13 ንሕና ንገዛእ ርእስና ካብ የሆዋ ሕድገት ንጽበ እንተድኣ ዄንና: ንኻልኦትውን ክንሓድገሎም ከም ዝግብኣና ፈጺምና ክንርስዕ የብልናን። (ማቴዎስ 6:9, 12, 14, 15) ብሓቂ ንመላላስ እንተድኣ ኣሊና: ንኻልኦት ብፍቕራዊ መገዲ ክንሕዞም ኢና። (1 ዮሃንስ 1:6, 7፣ 3:14-16፣ 4:20, 21) ስለዚ ኣብታ ጉባኤ ምስ ሓደ ወልቀ-ሰብ ግድል እንተኣጓነፈካ: ኵራ ኣብ ውሽጥኻ ከይተሕድር ተቓለስ። ፍቕሪ ለቢስካ እንተድኣ ኣሊኻ: ነቲ ግድል ክትፈትሖ ክትጽዕር ኢኻ: በዲልካ እንተድኣ ዄንካ ድማ ይቕሬታ ንምሕታት ኣይክትወላወልን ኢኻ።—ማቴዎስ 5:23, 24፣ 18:15-17
14. እንታይ ባህርያት ኢና ክንለብስ ዝግብኣና፧
14 መንፈሳዊ ልብስና: ነተን ምስ ፍቕሪ ዝጠበቐ ዝምድና ዘለወን ባህርያት ዝሕውስ ክኸውን ይግባእ። ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “ለዋህ ምፍታው ዘለዎ ድንጋጽ: ሕያውነት: ናይ ኣእምሮ ትሕትና: ልእመትን ነዊሕ ተጻዋርነትን ልበሱ።” እዘን ብፍቕሪ እተጠቓለላ ባህርያት እዚኣተን ክፍሊ ናይቲ ኣምላኻዊ “ሓድሽ ሰብነት” ኢየን። (ቈሎሴ 3:10, 12 ትሓዓ ) በዚ ኣገባብ’ዚ ገይርካ ርእስኻ ከተልብስ ጻዕሪዶ ክትገብር ኢኻ፧ ብሕልፊ ኸኣ ብሕውነታዊ ፍቕሪ ገይርካ ርእስኻ እንተድኣ ኣልቢስካ ሓደ መለለዪ ናይ የሱስ ደቀ መዘሙርቲ ክህልወካ ኢዩ: ከመይሲ “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ኢሉ ኣሎ።—ዮሃንስ 13:35
ናይ ዕቝባ ቦታ
15. እታ ጉባኤ መዕቈቢት እትኸውን ብኸመይ ኢያ፧
15 እታ ጉባኤ ናይ ዕቝባ ስምዒት እትረኽበላ ከም መዕቈቢት ወይ ከም መካላኸሊ ዕርዲ ኰይናውን ተገልግል ኢያ። ኣብኣ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ንምግባር ዝጽዕሩ ቅኑዕ ልቢ ዘለዎም ሰባት ክትረክብ ኢኻ። ብዙሓት ካባታቶም ነቲ ንስኻ ከተሸንፎ ትቃለሰሉ ዘሎኻ ሕማቕ ልምድታትን ኣመለኻኽታን ወጊዶም ኢዮም። (ቲቶስ 3:3) ንሳቶም ክሕግዙኻ ይኽእሉ ኢዮም: ከመይሲ “ጾር ሓድሕድኩም ጹሩ” ተባሂልና ኢና። (ገላትያ 6:2) ኣብ መወዳእታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ መገዲ ምስዓብ ናትካ ሓላፍነት ምዃኑ ፍሉጥ ነገር ኢዩ። (ገላትያ 6:5፣ ፊልጲ 2:12) ምስናይዚ ግን የሆዋ ነታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሓገዝን ደገፍን እትህብ እተደንቕ መሳርሒ ገይሩ ቀሪቡልና ኣሎ። ግድላትካ ክሳዕ ክንደይ ዘጕህዩ ምዃኖም ብዘየገድስ ኣብ ግዜ ጸበባኻ ወይ ሽግርካ ብጐንኻ ደው እትብለልካ ክብርቲ ደጋፊት ዝዀነት ፈቃር ጉባኤ ኣላትካ።—ምስ ሉቃስ 10:29-37፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:35 ኣረኣእዮ።
16. ናይ ጉባኤ ሽማግለታት እንታይ ሓገዝ ኢዮም ዝህቡ፧
16 ኣብ መንጎ እቶም ክድግፉኻ ብቐሊሉ ዝርከቡልካ: እቶም “ውህበት ሰብኡት” ተባሂሎም ዘለዉ ነቲ መጓሰ ብፍታውን ብምህንጣይን ዝጓስይዎ ሽማግለታት ወይ ከኣ ተዓዘብቲ ኢዮም። (ኤፌሶን 4:8, 11, 12፣ ግብሪ ሃዋርያት 20:28፣ 1 ጴጥሮስ 5:2, 3) ብዛዕብኦም ኢሳይያስ ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ሰብ ድማ ካብ ንፋስ ከም ከውሊ: ካብ ህቦብላ ኸም ጸግዒ: ኣብ ደረቕ ምድሪ ኸም ወሓዚ ማያት: ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ከም ጽላል ዓብዪ ኸውሒ ኪኸውን እዩ።”—ኢሳይያስ 32:2
17. (ሀ) የሱስ ብሕልፊ እንታይ ዓይነት ሓገዝ ክህብ ኢዩ ዝደሊ ዝነበረ፧ (ለ) ኣምላኽ ንህዝቡ እንታይ ዓይነት ስንቂ ከዳልወሎም ኢዩ እተመባጽዐ፧
17 ኣዝዩ ዘሕዝን የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ፍቕራዊ ምዕዛብ ኣይነበሮምን። እቲ ኵነታት ናይቶም ህዝቢ ንስምዒቱ ኣበርቲዑ ስለ ዝተንከፎ ብሕልፊ ብመንፈሳዊ መገዲ ክድግፎም ደለየ። “ሓላዊ ኸም ዜብለን ኣባጊዕ: ግፉዓትን ፋሕ ዝበሉን” ስለ ዝነበሩ: የሱስ ደንገጸሎም። (ማቴዎስ 9:36) እዝስ ናይቶም ኣብዚ ግዜዚ ዘለዉ መንፈሳዊ ሓገዝን ዕቝባን ምእንቲ ክረኽቡ ኢሎም ቍሊሕ ዝብልዎ ዘይብሎም ቃንዛ ልቢ ዝበጽሖም ዘሎ ናይ ብዙሓት ሰባት ሕማቕ ኵነታት ከመይ ዝበለ ልክዕ ዝዀነ መግለጺ ኰን ኢዩ! ህዝቢ የሆዋ ግን መንፈሳዊ ደገፍ ኣለዎም: ከመይሲ ከምዚ ኢሉ ተመባጺዑ ኣሎ:- “ዚጓስይወን ጓሶት ከተንስኣለን እየ: ድሕርዚ ኸኣ ኣይኪፈርሃን ኣይኪስምብዳን ገለ እኳ ኣይኪስእናን እየን።”—ኤርምያስ 23:4
18. መንፈሳዊ ሓገዝ እንተድኣ ደሊና: ስለምንታይ ኢና ንሓደ ሽማግለ ክንቀርቦ ዝግብኣና፧
18 ነቶም ኣብታ ጉባኤ እተመዘዙ ሽማግለታት ተላለዮም። ከመይሲ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተሰሪዑ ዘሎ ንተዓዘብቲ ዝኸውን ብቕዓታት ስለ ዝበጽሕዎ: ብዛዕባ ኣወዓዕላ ፍልጠት ኣምላኽ ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎም ኢዮም። (1 ጢሞቴዎስ 3:1-7፣ ቲቶስ 1:5-9) ምስቲ ኣምላኽ ዝደልዮ ነገራት ዝጋጮ ልማድ ወይ ባህሪ ምእንቲ ከተሸንፍ መንፈሳዊ ሓገዝ ምስ እትደሊ ናብ ሓደ ኻባታቶም ንምቕራብ ኣይትወላወል። እቶም ሽማግለታት ነቲ ናይ ጳውሎስ ማዕዳ ከም ዝስዕብዎ ክትርኢ ኢኻ:- “ነቶም ሕሊናኦም ዝዐረቦም ኣፋጥንዎም: ነቶም ድኹማት ደግፍዎም: ንዅላቶም ተዐገስዎም።”—1 ተሰሎንቄ 2:7, 8፣ 5:14
ኣብ መንጐ ህዝቢ ኣምላኽ ዕቝባ ርኸብ
19. የሆዋ: ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ውሽጢ ማሕበሩ ዕቝባ ዝደልዩ እንታይ በረኸት ኢዩ ዘውርድ፧
19 ሽሕ እኳ ሕጂ ኣብ ማእከል ዘይፍጹም ኵነታት ንነብር እንተሎና: የሆዋ መንፈሳዊ መግብን ክዳውንትን መዕቈብን ይህበና ኢዩ። ርግጽ ኢዩ: ነቲ ረብሓታት ናይ ስጋዊ ገነት ምእንቲ ክንሓፍሶ ነታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም ክንጽበያ ይግብኣና። ይኹን እምበር: እቶም ኣባላት ናይ ማሕበር የሆዋ ዝዀኑ: ሕጂ ነቲ ዕቝባ ናይ መንፈሳዊ ገነት የስተማቕርዎ ኣለዉ። ብዛዕብኦም ህዝቅኤል ከምዚ ኢሉ ተነበየ:- “ሀዲኦም ኪነብሩ እዮም: ዜፍርሆምውን የልቦን።”—ህዝቅኤል 34:28፣ መዝሙር 4:8
20. የሆዋ: ምእንቲ ኣምልኾኡ ኢልና ንእንስውኦ ዝዀነ ይኹን ነገር ከመይ ገይሩ ኢዩ ዝኽሕሰና፧
20 የሆዋ ብቓሉን ብማሕበሩን ገይሩ ፍቕራዊ መንፈሳዊ ምድላዋት ይገብረልና ምህላዉስ ኣየ ክሳብ ክንደይ ኢና መማሰውቲ ክንከውን እንኽእል! ናብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣጸቢቕካ ቅረብ። ፍልጠት ኣምላኽ ብምውሳድካ: ኣዕሩኽካን ኣዝማድካን እንታይ ክሓስቡ ከም ዝኽእሉ ብምፍራህ ኣይተድሓርሕር። ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ትሓብርን ኣብ መንግስቲ ኣዳራሽ ኣኼባታት ትካፈልን ምህላውካ ገሊኦም ዘይፈትውዎ ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ምእንቲ ኣምልኾኡ ኢልካ ንእትገብሮ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ብልግሲ ክኽሕሰካ ኢዩ። (ሚልክያስ 3:10) ብተወሳኺ: የሱስ ከምዚ በለ:- “ምእንታይን ምእንቲ ወንጌልን ኢሉ: ቤት: ወይ ኣሕዋት: ወይ ኣሓት: ወይ ኣቦ: ወይ ኣደ: ወይ ሰበይቲ: ወይ ውሉድ: ወይ ግርሁ ዝሓደገ ዘበለ: ሕጂ ኣብዛ ዘመን እዚኣ ቤት: ኣሕዋት: ኣሓት: ኣደ: ውሉድ: ግርሁ: ሚእቲ ኻዕበት ምስ ስደት: ኣብታ እትመጽእ ዓለም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘይረክብ የልቦን።” (ማርቆስ 10:29, 30) እወ: ንድሕሪት ገዲፍካዮ ዘሎኻ ወይ ክትጽመሞ ዘሎካ እንታይ ምዃኑ ከየገደሰ: ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ ባህ ዘብል ምሕዝነትን መንፈሳዊ ዕቝባን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
ፍልጠትካ ምዘን
“እቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” መን ኢዩ፧
የሆዋ ብመንፈሳዊ መገዲ መታን ክምግበና እንታይ ምድላዋት ኢዩ ገይሩልና ዘሎ፧
እቶም ኣብታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዘለዉ ብኸመይ ኢዮም ክሕግዙና ዝኽእሉ፧
[ሕቶታት መጽናዕቲ]
[ኣብ ገጽ 165 ምሉእ ስእሊ ይርከብ]