ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧

ምዕራፍ 3

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ መን ኢዩ፧

1. ብዙሓት ሰባት ምስተን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መኽፈቲ ቃላት ዝሰማምዑ ስለምንታይ ኢዮም፧

 ዝኽውለካ ደበና ኣብ ዘይብሉ ብሩህ ለይቲ: ናብ ሰማይ ገጽካ ክትጥምት ከሎኻ: ብዙሓት ከዋኽብቲ ብምርኣይካ ኣይትግረምንዶ፧ ኣብ ህላዌ ምምጽኦም ብኸመይ ምገለጽካዮ፧ ብዛዕባ እቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ህያዋን ነገራት: ከም ሕብራዊ ዕምባባታት: ጥዑም መዝሙር ዝዝምራ ኣዕዋፍ: ኣብ ውቅያኖስ ዝሰራሰሩ ሓያላት ዓሳታት ኣንበሪኸ፧ ብሓጺሩ እቲ ዝርዝር መወዳእታ የብሉን። ኵሉ እዚ ነገራት እዚ ብወዝቢ ዝመጸ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ። ብዘይ ጥርጥር ብዙሓት ምስተን “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ዝብላ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መኽፈቲ ቃላት ይሰማምዑ ኢዮም!​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠1

2. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይብል: እንታይ ክንገብርከ ኢዩ ዘተባብዓና፧

2 ወድሰብ ብዛዕባ መንነት ኣምላኽ ዝምልከት ኣብ ብዙሕ ኢዩ ተመቓቒሉ ዘሎ። ገለ ሰባት ኣምላኽ ሓደ ግዑዛዊ ሓይሊ ገይሮም ኢዮም ዝሓስብዎ። ሚልዮናት ሰባት: ኣምላኽ ክቕረብ ዘይክእል ርሑቕ ገይሮም ስለ ዝኣምኑዎ: ንምዉታት ኣባሓጐታት የምልኹ። መጽሓፍ ቅዱስ ግን እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ኣካል ከም ዝዀነን ኣብ ነፍሲ ወከፍና ድማ ምዉቕ ተገዳስነት ከም ዘለዎን ይገልጸልና ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ “ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይርሓቐ” ምዃኑ ብምግላጽ ‘ንኣምላኽ ክንደሊ’ ዘተባብዓና።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠27

3. ናይ ኣምላኽ ምስሊ ምግባር ዘይክኣል ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣምላኽ እንታይ ኢዩ ዝመስል፧ ውሑዳት ካብ ኣገልገልቱ: ብዛዕባ እቲ ግርማዊ ህላዌኡ ራእያት ርእዮም ኢዮም። ኣብዚ: ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዙፋን ከም እተቐመጠን ካብኡ ድማ ዘደንቕ ብርሃን ከም ዝዝርጋ⁠ሕን ገይሩ መሲሉዋ ኣሎ። ይኹን እምበር: እቶም ነዚ ራእያት እዚ ዝረኣዩ ፍሉይ ገጽ ከም እተዓዘቡ ፈጺሞም ኣይገለጹን። (ዳንኤል 7:​9, 10፣ ራእይ 4:​2, 3) እዚ ኸኣ “ኣምላኽ መንፈስ” ስለ ዝዀነ ኢዩ፣ ንሱ ስጋዊ ኣካል የብሉን። (ዮሃንስ 4:​24) አረ ናይ ፈጣሪና ልክዕ ኣካላዊ መልክዕ ክንገብር ዘይከኣል ኢዩ: ምኽንያቱ “ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን።” (ዮሃንስ 1:​18፣ ዘጸኣት 33:​20) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣምላኽ ብዙሕ ኢዩ ዝምህረና።

እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ስም ኣለዎ

4. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበለ ትርጕም ሓዘል መዓርጋት ኢዩ ኣብ ኣምላኽ ዝውዕል፧

4 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ “ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ”: “ልዑል”: “ዓቢ ፈጣሪ”: “ኣዝዩ ዓቢ መምህር”: “ልዑል ጐይታ” ከምኡውን “ናይ ዘለኣለም ንጉስ” ብዝብል መጸውዒታት ኢዩ ተገሊጹ ዘሎ። (ዘፍጥረት 17:​1፣ መዝሙር 50:​14፣ መክብብ 12:​1 ትሓዓ ፣ ኢሳይያስ 30:​20 ትሓዓ ፣ ግብሪ ሃዋርያት 4:​24 ትሓዓ ፣ 1 ጢሞቴዎስ 1:⁠17) በዚ መዓርጋት እዚ ነስተንትን እንተድኣ ዄንና ብፍልጠት ኣምላኽ ንምዕባይ ክሕግዘና ኢዩ።

5. ስም ኣምላኽ እንታይ ኢዩ: ክንደይ ዝኣክል ግዜኸ ኢዩ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ተጠቒሱ ዘሎ፧

5 ይኹን እምበር: ኣምላኽ ኣብቲ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ጥራይ ዳርጋ 7,000 ግዜ እተጠቕሰ ካብ ነፍሲ ወከፍ ካልኦት መዓርጋቱ ብዝያዳ ተጠቒሱ ዝርከብ ስም ኣለዎ። ዳርጋ 1900 ዓመታት ይገብር እቶም ኣይሁዳውያን ብማሪት ተደሪኾም ነዚ መለኮታዊ ስም እዚ ካብ ምጽዋዕ ኣቋረጹ። እቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተጻሕፈሉ እብራይስጢ ብዘይ ኣናበብቲ ፊደላት ኢዩ ተጻሒፉ ነይሩ። ስለዚ ሙሴ: ዳዊት ወይ እቶም ብጥንቲ ዝነብሩ ዝነበሩ ነተን ኣርባዕተ ነቲ መለኮታዊ ስም ዘቝማ ተነበብቲ ፊደላት (יהוה) ከመይ ገይሮም የድምጽወን ከም ዝነበሩ ንምፍላጥ ልክዕ ክንከውን እንኽእለሉ መገዲ የለን። ገለ ምሁራት ስም ኣምላኽ “ያህወህ” ዝብል ኣደማምጻ ነይርዎ ክኸውን ይኽእል ኢዩ: ዝብሉ ኣለዉ። ይኹን እምበር: ርግጸኛታት ኪዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። እቲ “ጂሆቫ” ዝብል ናይ እንግሊዝኛ ኣደማምጻ ንዘበናት ዝኣክል ክዝውተር ጸኒሑ ኢዩ። ብትግርኛ ድማ ሎሚ እቲ “የሆዋ” ዝብል ኣጸዋውዓ ሰፊሕ ተቐባልነት ኢዩ ረኺቡ ዘሎ።​—⁠ዘጸኣት 6:​3 ኣብ ናይ 1879 ናይ ኣምሓርኛ ትርጕም ተመልከት።

ስም ኣምላኽ ከተዘውትር ዝግብኣካ ምኽንያት

6. መዝሙር 83:​18 ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይብል: ስለምንታይከ ኢና ስሙ ከነዘውትር ዘሎና፧

6 እቲ የሆዋ ዝብል ፍሉይ ስም ኣምላኽ: ካብ ኵሎም እቶም ካልኦት ናይ ሓሶት ኣማልኽቲ ንምፍላዩ ዝሕግዝ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸአ ኢዩ እቲ ስም እቲ ብዙሕ ግዜ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብፍላይ ከኣ ኣብ ናይ እብራይስጢ ጽሑፋት ዝርከብ። ብዙሓት ተርጐምቲ ነቲ መለኰታዊ ስም ካብ ምዝውታር ይሰንፉ: መዝሙር 83:​18 ግን “ንስኻ: [የሆዋ ትሓዓ ] ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል ኣብሪሁ ይገልጽ። ስለዚ ብዛዕባ ኣምላኽ ክንዛረብ ከሎና ብሕታዊ ስሙ ከነዘውትር ግቡእ ኢዩ።

7. እቲ ትርጕም ናይቲ የሆዋ ዝብል ስም ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧

7 እቲ የሆዋ ዝብል ስም ካብታ “ዝኸውን” እትብል እብራዊት ግሲ ዝመጸ ኢዩ። ስለዚ ስም ኣምላኽ “ከምቲ ዝኸውን ዘኽውን” ዝብል ትርጕም ዘለዎ ኢዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ ኢዩ የሆዋ ኣምላኽ ንነብሱ ከም ሓደ ዓቢ በዓል ዕላማ ገይሩ ዘፍልጣ። ንሱ ኵሉ ግዜ: ንዕላማታቱ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ገይሩ ኢዩ ዘዳልዎ። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ጥራይ ኢዩ በዚ ስም እዚ ክጽዋዕ መሰል ዘለዎ: ከመይሲ ሰባት ውጥናቶም ክዕወት ምዃኑ ፈጺሞም ርግጸኛታት ክዀኑ ኣይክእሉን ኢዮም። (ያእቆብ 4:​13, 14) የሆዋ በይኑ ጥራይ ኢዩ “እቲ ኻብ ኣፈይ ዚወጽእ ቃለይ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ: ነቲ ኣነ ዝደልዮ ኼስልጥ እዩ” ክብል ዝኽእል።​—⁠ኢሳይያስ 55:​11

8. የሆዋ ብሙሴ ገይሩ እንታይ ዕላማ ኢዩ ዘፍለጠ፧

8 ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን: እቶም እብራውያን ኣቦታት: ነፍሲ ወከፎም “ብስም [የሆዋ ትሓዓ ]” ይምህለሉ ነይሮም ኢዮም: ይኹን እምበር ምሉእ ትርጕም ናይቲ መለኮታዊ ስም እንታይ ምዃኑ ኣይፈልጡን ኢዮም ነይሮም። (ዘፍጥረት 21:​33፣ 26:​25፣ 32:​9፣ ዘጸኣት 6:​3) ኣብ ዳሕራይ እዋን የሆዋ ነቶም ዘርኦም: ንእስራኤላውያን: ካብ ባርነት ግብጺ ኣናጊፉ ‘ናብታ ጸባን መዓርን እትውሕዝ ምድሪ’ ከእትዎም ምዃኑ ምስ ገለጸሎም ዘይከውን መሲሉ ተራእዩ ይኸውን። (ዘጸኣት 3:⁠17) በዚ: ኣምላኽ ነቲ ዘለኣለማዊ ትርጕም ስሙ ብምግናን ብነብዪኡ ሙሴ ከምዚ በለ:- “ንደቂ እስራኤል ከምዚ በሎም፤ [የሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽ ኣቦታትኩም: ኣምላኽ ኣብርሃም: ኣምላኽ ይስሃቅ: ኣምላኽ ያእቆብ ከኣ ናባኻትኩም ለአኸኒ። እዚ ንዘለኣለም ስመይ እዩ: ንውሉድ ወለዶ ኸኣ እዚ መዘከርታይ እዩ።”​—⁠ዘጸኣት 3:​15

9. ፈርኦን ኣብ የሆዋ እንታይ ኣረኣእያ ኢዩ ዝነበሮ፧

9 ሙሴ ንፈርኦን ንጉስ ግብጺ እስራኤላውያን ኣብቲ በረኻ ከይዶም ንየሆዋ ከገልግልዎ ክሓድጎም ሓተቶ። እቲ ንርእሱ ከም ኣምላኽ ዝሓስብ: ካልኦት ኣማልኽቲ ግብጺ ድማ ዘምልኽ ዝነበረ ፈርኦን “እቲ ቓሉ ሰሚዔ ንእስራኤል ዝሐድግሲ: [የሆዋ ትሓዓ ] መን እዩ፧ [ንየሆዋ ትሓዓ ] ኣይፈልጥ: ንእስራኤል ከኣ ኣይሐድግ።” ኢሉ መለሰ።​—⁠ዘጸኣት 5:⁠1, 2

10. ኣብ ጥንታዊት ግብጺ የሆዋ ነቲ ንእስራኤላውያን ዝምልከት ዕላማኡ ንምፍጻም እንታይ ስጉምቲ ኢዩ ዝወሰደ፧

10 ብድሕርዚ የሆዋ ምስ ትርጕም ናይ ስሙ ተሰማሚዑ ብምዕያይ ዕላማኡ ንምፍጻም ቀጻሊ ዝዀነ ስጕምቲ ወሰደ። ኣብ ልዕሊ እቶም ጥንታውያን ግብጻውያን ዓሰርተ መዓት ኣውረደ። እታ ናይ መወዳእታ መዓት ንዅሎም ቦኽራት ግብጺ: ንወዲ እቲ ዕቡይ ፈርኦን ከይተረፈ ቀተለት። ድሕርዚ ግብጻውያን ንእስራኤላውያን ክሰድዎም ተሃወኹ። ገለ ግብጻውያን ድማ በቲ ናይ የሆዋ ሓይሊ ኣዝዮም ስለ እተመሰጡ ምስ እስራኤላውያን ሓቢሮም ንግብጺ ገዲፎምዋ ወጹ።​—⁠ዘጸኣት 12:​35-38

11. የሆዋ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እንታይ ትእምርቲ ኢዩ ዝገበረ: እቶም ጸላእቱኸ እንታይ ኣፍልጦ ክህቡ ኢዮም እተገደዱ፧

11 እቲ ተሪር ልቢ ዝዀነ ፈርኦንን ሰራዊቱን: ምስ ኣማእታት ናይ ውግእ ሰረገላታቱ: ንባሮቱ ኣብ ምርኮ ክመልሶም ብዝብል ዕላማ ነቐለ። ግብጻውያን ናብኦም ምስ ቀረቡ: ኣምላኽ: እስራኤላውያን ብንቑጽ ምድሪ ምእንቲ ክሰግሩ ንቀይሕ ባሕሪ ብተኣምራታዊ መገዲ መቐሎ። እቶም ዝስዕብዎም ዝነበሩ ኣብቲ ምድሪ ቤት ናይቲ ባሕሪ ምስ ኣተዉ: የሆዋ “ነቲ ሰረገላታቶም ከኣ መንኰራዅሩ ኣምለቘ: ብጭንቂ ተጓዕዙ።” እቶም ግብጻውያን ተዋጋእቲ ድማ “[የሆዋ ትሓዓ ] ኣብ ክንዳኦም ምስ ግብጻውያን ይዋጋእ ኣሎ እሞ ካብ ቅድሚ እስራኤል ንህደም” ኢሎም ጨርሑ። ግናኸ ከምልጡ ኣይኰነሎምን። እቲ መጠነ ሰፊሕ መናድቕ ናይ ማይ ከኣ ‘ንሰረገላታትን ንፈረሰኛታትን ንዅሎም ሰራዊት ፈርኦንን ደፈኖም።’ (ዘጸኣት 14:​22-25, 28) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንርእሱ ሓደ ዓቢ ስም ገበረ: እቲ ፍጻሜ እቲ ድማ ክሳዕ ሎሚ ኣይተረስዐን።​— እያሱ 2:​9-11

12, 13. (ሀ) ስም ኣምላኽ ሎሚ ንዓና እንታይ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ፧ (ለ) ሰባት ተቓላጢፎም ክማሃርዎ ዘለዎም እንታይ ኢዩ: ስለምንታይከ፧

12 እቲ ኣምላኽ ንርእሱ ዝገበሮ ስም ሎሚ ንዓና ዓቢ ትርጕም ኢዩ ዘለዎ። እቲ የሆዋ ዝብል ስሙ ነቲ ዅሉ ዝዓለሞ ብሓቂ ከም ዝፍጸም ክገብሮ ምዃኑ ውሕስነት ይህበና ኢዩ። እዚ ኸኣ: ነቲ ምድርና ገነት ክትከውን ዝብል ናይ መጀመርያ ዕላማኡውን ክፍጽሞ ምዃኑ ዘጠቓለለ ኢዩ። (ዘፍጥረት 1:​28፣ 2:​8) ኣብዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ሎሚ ንልዕልናኡ ዝጻረሩ ክድምስሶም ኢዩ: ከመይሲ “ኣነ [የሆዋ ትሓዓ ] ምዃነይ ኪፈልጡ እዮም” ኢሉ ኣሎ። (ህዝቅኤል 38:​23) ሽዑ ኣምላኽ ነቲ ንኣምለኽቱ ኣብ ሓንቲ ጽድቂ ዝነብረላ ሓዳስ ዓለም ከእትዎም ምዃኑ ዝሃቦ መብጽዓ ክፍጽሞ ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13

13 ኵሎም እቶም ሞገስ ኣምላኽ ክረኽቡ ዝደልዩ: ንስሙ ብእምነት ንምጽዋዕ ክማሃሩ ይግባእ። መጽሓፍ ቅዱስ “ነፍሲ ወከፍ ስም [የሆዋ ትሓዓ ] ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ” ኢሉ ይመባጻዕ። (ሮሜ 10:​13) እወ: ስም የሆዋ ዓቢ ትርጕም ዝሓዘለ ኢዩ። ንየሆዋ ከም ኣምላኽካን መድሓኒኻን ገይርካ ምጽውዑ ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ሓጐስ ክመርሓካ ይኽእል ኢዩ።

ባህርያት ናይቲ ሓቀኛ ኣምላኽ

14. መጽሓፍ ቅዱስ ንኸመይ ዝበለ መሰረታዊ ባህርያት ኣምላኽ ኢዩ ዘጕልሕ፧

14 እስራኤላውያን ከመይ ኢሎም ካብ ግብጺ ከም ዝደሓኑ ምምርማር: ነተን ኣምላኽ ብፍጹም ዝዀነ ሚዛን ዘንጸባርቐን ኣርባዕተ ባህርያት ኢዩ ዘጕልሕ። ምስ ፈርኦን ዝገበሮ ምምልላስ ነቲ ዘገርም ሓይሉ ዝገልጽ ኢዩ። (ዘጸኣት 9:​16) ነቲ ሕልኽልኽ ዝበለ ኵነታት ብብልሓት ገይሩ ከደቅሶ ምኽኣሉ ድማ ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ጥበቡ ኢዩ ዘመልክት። (ሮሜ 11:​33) ነቶም ንህዝቡ ብትሪ ልቢ ዝጻረርዎምን ዝጭቝንዎምን ሰባት እቲ ዝግብኦም መቕጻዕቲ ብምሃቡ ፍትሑ ገለጸ። (ዘዳግም 32:⁠4) ካልእ ሓለፍ ዝበለት ባህርይ ናይ ኣምላኽ ከኣ ፍቕሪ ኢያ። የሆዋ ብዛዕባ ዘርኢ ኣብርሃም እተዛረቦ መብጽዓ ብምፍጻሙ ጸብለል ዝበለ ፍቕሪ ኣርኣየ። (ዘዳግም 7:​8) ከምኡውን ንገለ ግብጻውያን: ንሓሰውቲ ኣማልኽቲ ጠንጢኖም ብወገን እቲ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ብምዃኖም ምእንቲ ክጥቀሙ ብምፍቃዱ: ፍቕሪ ኣርእዩ ኢዩ።

15, 16. ኣምላኽ በየናይ መገድታት ኢዩ ፍቕሪ ዘርኣየ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከሎኻ: ፍቕሪ እታ ቀንዲ ባህርይ ኣም⁠ላኽ ምዃናን ብብዙሕ መገድታት ከም ዝገልጻን ከተስተብህል ኢኻ። ንኣብነት: ፈጣሪ ክኸውንን ብመጀመርያ ድማ ነቲ ናይ ህይወት ሓጐስ ምስ መንፈ⁠ሳውያን ፍጡራት ክካፈሎ ዝኸኣለን ብፍቕሩ ተደሪኹ ኢዩ። እቶም ብኣማእታት ሚልዮናት ዝቝጸሩ መላእኽቲ ንኣምላኽ የፍቅርዎን ይውድስዎን ኢዮም። (እዮብ 38:4, 7፣ ዳንኤል 7:​10) ከምኡውን ኣምላኽ ንምድሪ ብምፍጣሩን ሰባት ተሓጒሶም ከም ዝነብሩ ገይሩ ብምድላዉን ፍቕሩ ኣርእዩ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:​1, 26-28፣ መዝሙር 115:​16

16 እቲ ንሕና ካብ ፍቕሪ ኣምላኽ እንረኽቦ ጥቕሚ ጸብጺብካ ኣይውዳእን ኢዩ። ቅድም ቀዳድም ንህይወት ብሓጐስ ምእንቲ ከነስተማቕራ ኢሉ ኣምላኽ ንኣካላትና ብፍቕሩ ተደሪኹ ብዘደንቕ ኣገባብ ኢዩ ሰሪሕዎ። (መዝሙር 139:​14) ‘ካብ ሰማይ ዝናምን ዘመን ፍርያትን እናሃበና ንልብናውን ብመብልዕን ሓጐስን እናጽገበ’ ፍቕሩ የርእየና ኣሎ። (ግብሪ ሃዋርያት 14:​17) አረ ኣምላኽሲ “ንኽፉኣትን ንሕያዎትን ጸሓይ የብርቕ: ንጻድቃንን ንሓጥኣንን ድማ ዝናም የዝንም እዩ።” (ማቴዎስ 5:​45) ከምኡውን ፈጣሪና ብፍቕሪ ተደሪኹ ፍልጠት ኣምላኽ ክንረክብን ከም ኣምለኽቱ መጠን ንዘለኣለም እናተሓጐስና ከነገልግሎን ዘኽእለና ሓገዝ ይህበና ኢዩ። ብሓቂ “ኣምላኽ ፍቕሪ እዩ።” (1 ዮሃንስ 4:​8) ካልእ ብዙሕ ዘርኣዮ መዳያት ናይ ባህሪኡ ድማ ኣሎ።

“መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ”

17. ካብ ዘጸኣት 34:​6, 7 ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ንማሃር፧

17 እስራኤላውያን ቀይሕ ባሕሪ ድሕሪ ምስጋሮም ንኣምላኽ ገና ብዝበለጸ መገዲ ክፈልጥዎ የድሊ ነበረ። ሙሴ ነዚ ኣድላይነት እዚ ተገንዚብዎ ስለ ዝነበረ ከምዚ ኢሉ ጸለየ:- “እምበኣርሲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ: ምእንቲ ኣብ ዓይንኻ ሞገስ ክረክብ: በጃኻ መገድኻ ኣፍልጠኒ።” (ዘጸኣት 33:​13) ሙሴ: ኣምላኽ ነተን ቃላቱ ባዕሉ ከውጽአን ከሎ ብምስምዑ ንኣምላኽ ብዝበለጸ ክፈልጦ ከኣለ:- “እግዚኣብሄር: እግዚኣብሄር: መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ: ንዅራ ደንጓይ: በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን: ክሳዕ ሽሕ ወለዶ ጸጋ ዚሕሉ: ዓመጽን ምትሕልላፍን ሓጢኣትን ይቕረ ዚብል: ግናኸ ንበዳሊ ኸም ንጹህ ዘይርኢ።” (ዘጸኣት 34:⁠6, 7) ኣምላኽ ንፍቕሩ ምስ ፍትሒ ኢዩ ዘመዛዝና: ነቶም ደይ መደይ ኢሎም ሓጢኣት ዝገብሩ ካብቲ ብእከይ ግብሮም ዝመጾም ሳዕቤን ኣየዕቍቦምን ኢዩ።

18. የሆዋ መሓሪ ከም ዝዀነ ዘርኣየ ብኸመይ ኢዩ፧

18 ከምቲ ሙሴ እተማህሮ: የሆዋ ምሕረት የርኢ ኢዩ። ምሕረተኛ ሰብ ነቶም ዝሳቐዩ ይድንግጸሎም ኢዩ: ራህዋ ከምጽኣሎም ድማ ይፍትን። በዚ ኸኣ ኣምላኽ ንወድሰብ ካብ ስቓይ ሕማምን ሞትን ነባሪ ራህዋ ምእንቲ ክረክብ ኢሉ: ምድላው ብምግባር ድንጋጹ ኣርእዩ ኢዩ። (ራእይ 21:​3-5) ንኣምላኽ ዘምልኹ ሰባት ብምኽንያት እቲ ኣብዛ እክይቲ ዓለም ዘሎ ኵነታት መከራ ከሕልፉ ይኽእሉ ኢዮም ወይውን ብዘይ ጥበብ ብምምልላሶም ሽግር ከጋጥሞም ይኽእል ይኸውን። ይኹን እምበር: ረድኤት ደልዮም ብትሕትና ናብ የሆዋ እንተድኣ ተመሊሶም: ከጸናንዖምን ክሕግዞምን ይኽእል ኢዩ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ንኣምለኽቱ ብምሕረት ተደሪኹ ለውሃት የርእዮም ኢዩ።​—⁠መዝሙር 86:​15፣ 1 ጴጥሮስ 5:​6, 7

19. ኣምላኽ ጸጋዊ ኢዩ ክንብል እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

19 ብዙሓት ኣብ ስልጣን ዘለዉ ሰባት ንኻልኦት ይገፍዕዎም ኢዮም። ብኣንጻሩ ግን የሆዋ ነቶም ትሑታት ኣገልገልቱ ኣየ ከመይ ዝበለ ጸጋዊ ኢዩ! ሽሕ’ኳ ንሱ ኣብዚ ኣድማስ እዚ እቲ ዝለዓለ በዓል ስልጣን እንተዀነ ንዅሎም ደቅሰብ ብሓፈሻዊ መገዲ ጸብለል ዝበለ ሕያውነት ኢዩ ዘርኢ። (መዝሙር 8:​3, 4፣ ሉቃስ 6:​35) የሆዋ ነቲ ውልቀ-ሰባት ካብኡ ሞገስ ንምርካብ ዘቕርብዎ ንጹር ልመና ብምስምዑ ድማ ጸጋኡ የርኢ ኢዩ። (ዘጸኣት 22:​26, 27፣ ሉቃስ 18:​13, 14) ርግጽ ኢዩ: ኣምላኽ ንዝዀነ ሰብ ሞገሱ ወይ ምሕረቱ ከርኢ ኣይግደድን ኢዩ። (ዘጸኣት 33:​19) ስለዚ: ንምሕረትን ጸጋን ኣምላኽ ዓሚቝ ሞሳ ከነርኢ ይግብኣና።​—⁠መዝሙር 145:​1, 8

ንዅራ ደንጓዪ: ዘየዳሉ: ከምኡውን ጻድቕ

20. የሆዋ ንዅራ ደንጓዪን ዘየዳሉን ከም ዝዀነ እንታይ መረድኢ ኣሎ፧

20 የሆዋ ንዅራ ደንጓዪ ኢዩ። ስጉምቲ ኣይወስድን ኢዩ ማለት ግን ኣይኰነን: ከመይሲ ነቲ ተሪር ልቢ ዝዀነ ፈርኦንን ሰራዊቱን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብምጥፍኡ ገይርዎ ኢዩ። ከምኡውን የሆዋ ዘየዳሉ ኢዩ። ስለዚ እኳ እቶም ሞገሱ ዝነበሮም ህዝቡ ብምኽንያት እቲ ተደጋጋሚ እከይ ግብሮም ኣብ መወዳእታ ሞገሱ ኣጥፊኦም ኢዮም። ኣምላኽ ምስቲ ጻድቕ መገድታቱ ተሰማሚዖም ዝመላለሱ ምስ ዝዀኑ ካብ ኵሎም ሃገራት ንዝዀኑ ሰባት ከም ኣምለኽቱ ይቕበሎም ኢዩ።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 10:​34, 35

21. (ሀ) ራእይ 15:​2-4 ብዛዕባ ኣምላኽ እንታይ ይምህረና፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ቅኑዕ ዝብሎ ነገራት ክንገብር ዝቐለለ ዝገብረልና እንታይ ኢዩ፧

21 እታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽሓፍ ዝዀነት ራእይ ብዛዕባ እቲ “ጻድቕ ፍርድታት” ኣምላኽ ምምሃር ኣድላዪ ምዃኑ ተጕልሕ። “ኣታ ዅሉ እትኽእል [የሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽ: ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ: መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ: ዎ [የሆዋ ትሓዓ ]: ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን ኣሎ፧ እቲ [ጻድቕ ትሓዓ ] ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ: ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም።” (ራእይ 15:​2-4) ምስቲ ንሱ ቅኑዕ ዝብሎ ነገራት ተሰማሚዕና ንመላለስ እንተድኣ ዄንና ንየሆዋ ጥዑይ ፍርሂ ወይ ዓሚቝ ኣኽብሮ ነርእዮ ኣሎና ማለት ኢዩ። ንርእስና ብዛዕባ ጥበብን ፍቕርን ኣምላኽ ብምዝኽኻርና ነዚ ብቐሊሉ ክንገብሮ ንኽእል ኢና። ኵሉ ትእዛዛቱ ንሰናይና ኢዩ።​—⁠ኢሳይያስ 48:​17, 18

‘የሆዋ ኣምላኽና ሓደ ኢዩ’

22. እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ዝቕበልዎ ስላሴ ዘየምልኹ ስለምንታይ ኢዮም፧

22 እቶም ጥንታውያን ግብጻውያን ብዙሓት ኣማልኽቲ የምልኹ ነበሩ። የሆዋ ግን “ምሉእ ተወፋይነት ዝግብኦ ኣምላኽ” ኢዩ። (ዘጸአት 20:​5 ትሓዓ ) ሙሴ ንእስራኤላውያን “የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ” ኢሉ ኣዘኻኸሮም። (ዘዳግም 6:​4 ትሓዓ ) የሱስ ክርስቶስ ነተን ቃላት እቲአን ደጊሙወን ኢዩ። (ማርቆስ 12:​28, 29) ስለዚ እቶም ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ዝቕበልዎ ሰባት: ኣብ ሓደ ኣምላኽ ሰለስተ ኣካላት ወይ ኣማልኽቲ ዝሓዘ ስላሴ ኣየምልኹን ኢዮም። አረ ንርእሳ እታ “ስላሴ” እትብል ቃል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይትርከብን ኢያ። እቲ ሓቀኛ ኣምላኽ ካብ የሱስ ክርስቶስ እተፈልየ ካልእ ኣካል ኢዩ። (ዮሃንስ 14:​28፣ 1 ቈረንቶስ 15:​28) ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ኣካል ኣይኰነን። እቲ ዅሉ ዝኽእል ዕላማኡ ንኽፍጽም ዝጥቀመሉ መስለጢ ሓይሊ የሆዋ ኢዩ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠2፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:⁠1-4, 32, 33፣ 2 ጴጥሮስ 1:⁠20, 21

23. (ሀ) ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ብኸመይ ኢዩ ዝዓቢ፧ (ለ) የሱስ ብዛዕባ እቲ ፈቃር ኣምላኽ እንታይ በለ: ብዛዕባ ክርስቶስ ንምምሃርከ እንታይ የድልየና፧

23 የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ምዃኑ ክትሓስቦ ከሎኻ: ኣምልኾኻ ይግብኦ ምዃኑስ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ ንቓሉ: መጽሓፍ ቅዱስ: ከተጽንዕ ከሎኻ ብዝበለጸ ክትፈልጦን ንዘለኣለማዊ ረብሓኻን ሓጐስካን ድማ ካባኻ እንታይ ከም ዝደሊ ክትማሃርን ኢኻ። (ማቴዎስ 5:​3, 6) ኣብ ርእሲ እዚ ንኣምላኽ ዘሎካ ፍቕሪ ክዓቢ ኢዩ። እዚ ኸኣ ግቡእ ኢዩ: ከመይሲ የሱስ “[ንየሆዋ ትሓዓ ] ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓሳብካን ብዅሉ ሓይልኻን ኣፍቅሮ” ኢዩ ዝበለ። (ማርቆስ 12:⁠30) ብርግጽ ከኣ የሱስ: ንኣምላኽ ከምዚኣ ዝበለት ፍቕሪ ነይራቶ ኢያ። ግናኸ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ የሱስ ክርስቶስ እንታይ ኢዩ ዝገልጽ፧ ኣብቲ ናይ የሆዋ ዕላማኸ እንታይ ግደ ኣለዎ፧

ፍልጠትካ ምዘን

ስም ኣምላኽ እንታይ ኢዩ: ኣብ ጽሑፋት እብራይስጢ ክንደይ ዝኣክል ግዜ’ዩ ተዘውቲሩ ዘሎ፧

ስለምንታይ ኢኻ ስም ኣምላኽ ክትጥቀመሉ ዝግብኣካ፧

እንታይ ባህርያት ናይ የሆዋ ኣምላኽ ኢዩ ብፍላይ ንዓኻ ዘብህገካ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእሊ]

ንፈጣሪ ናይ ኵሉ ነገራት ክሳዕ ክንደይ ኢኻ እትፈልጦ፧