ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን!

እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን!

ምዕራፍ 11

እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን!

1. ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ብምስትንታን ክሓስቡ ኸለዉ ተስፋ ዝቖርጹ ስለምንታይ ኢዮም: ግናኸ ብዛዕባ ኵነታት ዓለም ዘተኣማምን መግለጺ ኣበይ ኢዩ ዝርከብ፧

 እዛ እትናወጽ ዘላ ዓለምና: ከመይ ኢላ ኢያ ኣብዚ መድረኽ እዚ ክትበጽሕ ክኢላ ዘላ፧ ናበይ ኣቢልና ኢና እነምርሕ ዘሎና፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሓቲትካዶ ትፈልጥ፧ ብዙሓት ኵነታት ዓለም ክዕዘብዎ ኸለዉ ኣዝዮም ተስፋ ይቖርጹ’ዮም። ከም ውግእ: ሕማምን ግብረ-ገበንን ዝኣመሰሉ ጭብጥታት: እቲ መጻኢ ግዜ እንታይ ከም ዝወልድ ብምሕሳብ ንሰባት ኣጨኒቕዎም’ዩ። መራሕቲ መንግስታት ንእሽቶ ተስፋ ኢዮም ዝህቡ። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ብዛዕባ እዘን ኣጨነቕቲ መዓልትታት ዘተኣማምን መግለጺ ኣብ ቃሉ ኣዳልዩልና ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ገጽና ንጓዓዝ ከም ዘሎና ንምፍላጥ ብርግጽ ይሕግዘና ኢዩ። ኣብተን “ዳሕሮት መዓልትታት” ናይዚ ሕጂ ዘሎ ኣገባብ ከም ዘሎና ይሕብረና ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

2. የሱስ: እንታይ ዝብል ሕቶ ኢዩ ብደቀ መዛሙርቱ ዝቐረበሉ: ከመይ ገይሩኸ መለሰሉ፧

2 ንኣብነት: የሱስ ንገለ ካብቲ ደቀ መዛሙርቱ ዘቕረብዎ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ እሞ መርምሮ። ሰለስተ መዓልቲ ቅድሚ ሙማቱ “ምልክት ህላዌኻን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧” a ብምባል ንየሱስ ሓተትዎ። (ማቴዎስ 24:⁠3 ትሓዓ ) የሱስ ኣብ መልሱ: እዚ ፍርሃት ኣምላኽ ዘይብሉ ኣገባብ እዚ ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታቱ ከም ዝኣተወ ኣነጺሩ ዘመልክት ብዛዕባ ፍሉይ ዝዀነ ናይ ዓለም ፍጻሜታትን ኵነታትን ነገረ።

3. የሱስ ክገዝእ ምስ ጀመረ: ኣብ ምድሪ ዘሎ ኵነታት እናኸፍአ ክኸይድ ዝኸኣለ ስለምንታይ ኢዩ፧

3 ኣብታ ዝሓለፈት ምዕራፍ ከም እተራእየ እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ግዜ መስርዕ: መንግስቲ ኣምላኽ ድሮ ግዝኣታ ጀሚራ’ያ ኣብ ዝብል መደምደምታ’ዩ ዝመርሕ። ግን ከመይ ኢሉ ኢዩ ከምኡ ዝኸውን፧ ነገራት እናኸፍኡ ደኣ’ምበር እናሓሹ ኣይኰኑን ዝኸዱ ዘለዉ። ብርግጽ ድማ: መንግስቲ ኣምላኽ ክትገዝእ ጀሚራ ምህላዋ እዚ ንርእሱ ጽኑዕ መሐበሪ ኢዩ። ስለምንታይ ከምኡ ንብል፧ ምኽንያቱ ኸኣ መዝሙር 110:⁠2 የሱስ ንገለ እዋን ‘ኣብ ማእከል ጸላእቱ ክገዝእ’ ምዃኑ ትሕብረና ኢያ። ብሓቂ እኳ ድኣ ከም ሰማያዊ ንጉስ መጠን ቀዳማይ ስጕምቱ ንሰይጣንን ኣጋንንቲ መላእኽቱን ናብ ከባቢ ምድሪ ምድርባይ ኢዩ ነይሩ። (ራእይ 12:⁠9) እቲ ሳዕቤን እንታይ ነበረ፧ ልክዕ ከምቲ ራእይ 12:⁠12 እተነበዮ ኢዩ ነይሩ:- “ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና: ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ: ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ: ወይለኹም።” ሕጂ ኣብቲ “ቅሩብ ዘመን” እቲ ኢና እንነብር ዘሎና።

4. ገለ ካብቶም መለለዪታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ኢዮም: እንታይከ ኢዮም ዝሕብሩ፧ (ሳጹን ርአ)

4 ስለዚ: የሱስ ብዛዕባ ምልክት ህላዌኡን መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዝን ምስ ተሓትተ: መልሱ ዘተሓሳስብ ምንባሩ ኣየገርምን ኢዩ። ኣብቲ ኣብ ገጽ 102 ዘሎ ሳጹን እተፈላለዩ ክፍልታት ናይቲ ምልክት ኣለዉ። ክትርእዮ ከም እትኽእል: እቶም ክርስትያን ሃዋርያት: ጳውሎስን ጴጥሮስን ዮሃንስን ብዛዕባ እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ተወሳኺ ዝርዝራት ቀሪቦምልና ኣለዉ። ሓቂ ኢዩ: መብዝሕትኡ ገጽ ናይቲ ምልክትን ዳሕሮት መዓልትታትን ዘጕሂ ኵነታት ዝሓዘ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናይዚ ትንቢታት እዚ ፍጻሜ: እዚ እኩይ ኣገባብ እዚ መወዳእትኡ ከም ዝቐረበ ከእምነና ይግባእ። እስከ ንገለ ካብቲ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት ቀንዲ መለለዪታት ጠቢቕና ንመርምሮ።

መለለዪ ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት

5, 6. ብዛዕባ ውግእን ጥሜትን ዘመልክቱ ትንቢታት ከመይ ኢሎም ኢዮም ዝፍጸሙ ዘለዉ፧

5 “ህዝቢ ናብ ህዝቢ: መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል ኢዩ።” (ማቴዎስ 24:⁠7፣ ራእይ 6:⁠4) ደራሲ አርነስት ሄሚንግወይ ንቐዳማይ ውግእ ዓለም “ኣብ ምድሪ ኻብ እተፈጸመ ነገራት እቲ ኣዝዩ ሰፊሕን ቀታልን ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ዝዀነ ማሕረድን” ኢሉ ጸውዖ። ብመሰረት እታ ዘ ወርልድ ኢን ዘ ክሩሲብል​—⁠1914-1919: እትበሃል መጽሓፍ እዚ “ሓድሽ ዓውደ ውግእ እዚ: ኣብ ተመኵሮ ወድሰብ ቀዳማይ ጠቕላላዊ ውግእ ኢዩ ነይሩ። ዝወሰዶ ግዜን ዝነበሮ ጻዕቅን ስፍሓትን: ካብቲ ዝዀነ ይኹን ኣቐዲሙ ዝፍለጥ ዝነበረ ወይ ብሓፈሻ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ሓለፍ ዝበለ ኰይኑ ተረኽበ።” ንዕኡ ስዒቡ ኸኣ ካልኣይ ውግእ ዓለም መጸ ካብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ንላዕሊ ዝያዳ መጥፍኢ ኰይኑ ድማ ተረኽበ። ናይ ታሪኽ ፕሮፌሰር ህዩ ቶማስ “እቲ መበል ዕስራ ክፍለ ዘበን ብመትረየስ: ብታንኪ ብቢ-52 ደብዳቢት ነፋሪት: ብኑክሌራዊ ቦምቦ: ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብተወንጫፊ እተዓብለለ ኢዩ ነይሩ። ካብ ኵሎም እቶም ኣብ ዝዀነ ይኹን ወለዶ እተፈጸሙ ዝያዳ ደማውን ኣዕናውን ብዝዀኑ ውግኣት ኢዩ ዝፍለጥ” ይብል። ሓቂ ኢዩ: ዝሑል ውግእ ድሕሪ ምውድኡ: ብዛዕባ ምንካይ ኣጽዋር ብዙሕ ኢዩ ተዘሪቡ። ገና ግን: ሓደ ጸብጻብ ዘቕረቦ ግምት: ድሕሪ እቲ እተኣመመ ናይ ኣጽዋር ምጕዳል ካብ 10,000 ክሳዕ 20,000 ዝኸውን ኑክሌራዊ ተተኳሲ ይተርፍ ኢዩ: እዚ ኸኣ ነቲ ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም እተዘውተረ ናይ ምትኳስ ተኽእሎ ብ900 ግዜ ዝተዓጻጸፎ ማለት ኢዩ።

6  [ዋሕዲ መግቢትሓዓ’ ] ኪኸውን ኢዩ።” (ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:​5, 6, 8) ካብ 1914 ኣትሒዙ: እንተ ወሓደ 20 ዓበይቲ ናይ ጥሜት እዋናት ነይሩ ኢዩ። እቲ እተጠቕዐ ቦታታት ባንግላድሽ: ቡሩንዲ: ካምቦድያ: ቻይና: ኢትዮጵያ: ግሪኽ: ህንዲ: ናይጀሪያ: ሩስያ: ሩዋንዳ: ሶማልያ: ከምኡውን ሱዳን ዘጠቓለለ ኢዩ። ግናኸ: ጥሜት ወርትግ ብምኽንያት ስእነት መግቢ ጥራይ ኣይኰነን ዝመጽእ። ሓደ ብናይ ሕርሻ ሊቃውንትን ስነ⁠-ቁጠባውያንን ዝቘመ ጕጅለ ከምዚ ዝብለ መደምደምታ ሃበ:- “እቲ ናይ ዓለም ናይ መግቢ ቀረብ: ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ቍጽሪ ናይቲ ህዝቢ ብእተዓጻጸፈ በሊጹ ክዓቢ ጸኒሑ ኢዩ: እንተዀነ ግን: ብዉሑዱ 800 ሚልዮን ሰባት ኣብ ክቱር ድኽነት ወዲቖም ስለ ዘለዉ . . . ካብቲ ሱር ዝሰደደ ጥሜት ከናግፎም ዝኽእል ሽሻይ ክዕድጉ ዓቕሚ የብሎምን።” ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታው እውን ኣብ ገሊኡ ምኽንያት ይኸውን ኢዩ። ዶክተር ዓብደልቃሊል ኤልመቂ ናይ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ህዝቢ ብጥሜት እናተሳሕጉ ኣዝዩ ብዙሕ ዝመጠኑ መግቢ ንወጻኢ ዝልእካ ክልተ ሃገራት ከም ኣብነት ጠቒሱ የቕርብ። እተን መንግስታት ኣብ ክንዲ ንዜጋታተን ምምጋብ: ነቲ ንውግእ ዝኸውን ገንዘብ ንምእካብ ናይ ወጻኢ ሸርፈን ክብ ኣብ ምባል ዝያዳ እተገደሳ ኢየን ዝመስላ። ዶክተር ኤልመቂኸ እንታይ ዝብል መደምደምታ ሃበ፧ ጥሜት “ዝበዝሕ ግዜ ናይ ምዕዳልን: ናይ መንግስቲ ፖሊስን ጉዳይ ኢዩ” በለ።

7. ብዛዕባ ፌራ ዝምልከት ሎሚ እቲ ጭብጥታት ከመይ ኢዩ ዘሎ፧

7 “ፌራ። ” (ሉቃስ 21:⁠11፣ ራእይ 6:⁠8) እቲ ብ1918-19 ዝነበረ ናይ ስጳኛ ኢንፍሉወንዛ ብውሕዱ 21 ሚልዮን ህይወት ቀተለ። “ዓለም: ብሓደ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ብዙሓት ሰባት ዘጥፍአ ቀታሊ ኣብ ታሪኽ ክንድዚ ዝኣክል ማህሰይቲ ፈጺሙ ኣጋጢሙዋ ኣይፈልጥን ኢዩ” ብምባል ኤይ. ኤይ. ሆሊን ኣብታ ዘ ግረይት ኤፒደሚክ (እቲ ዝዓበየ ዝላገብ ሕማም) እትበሃል መጽሓፉ ይጽሕፍ። ሎሚ ሕማም ፌራ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: መንሽሮ ሓሙሽተ ሚልዮን ህዝቢ ይቐትል: ሕማም ተቕማጥ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ህጻናትን ቈልዑን ይወስድ: ሕማም ዓባይ-ሰዓል ከኣ ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ይቐትል ኣሎ። ናይ ምስትንፋስ ረኽሲ: ብፍላይ ኒሞንያ: በብዓመቱ 3.5 ሚልዮን ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዕድመ ዘለዎም ቈልዑ ይቐትል። እቲ ዘደነጹ ኸኣ 2.5 ቢልዮን​—⁠ፍርቂ ናይ ህዝቢ ዓለም​—⁠ብምኽንያት ሕጽረት ወይ እተበከለ ማይን ጉድለት ጽሬትን ይሳቐዩ ኣለዉ። ሰብ ዋላ’ኳ ርኡይ ዝዀነ ሕክምናዊ ዓወታት እንተለዎ: ንፌራ ካብ ሱሩ ምሕዩ ከጥፍኦ ከም ዘይክእል ናይ ኤይድስ ሕማም ፌራ: ተወሳኺ መዘኻኸሪ ኢዩ።

8. ሰባት “ፈተውቲ ገንዘብ” ምዃኖም ብኸመይ ኢዮም ዘረጋግጹ ዘለዉ፧

8 ‘ሰባት ፈተውቲ ገንዘብ ኪዀኑ እዮም።’ (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ኣብተን ኣብ ዙርያ ዓለም ዘለዋ ሃገራት: ሰባት ዝዓበየ ሃብቲ ንምርካብ ዘይዓግብ ህርፋን ዘለዎም ኢዮም ዝመስሉ። “ዓወት” ዝበዝሕ ግዜ በቲ መጠን ናይቲ ደሞዝካ ክምዘን ከሎ: “ኣሳልጦ” ኸኣ በቲ ሓደ ሰብ ዝውንኖ ብዝሒ ገንዘብ ኢዩ ዝምዘን። ሓንቲ ምክትል ፕረዚደንት ናይ ሓደ ናይ ንግድ ምህርቲ መፋለጢ ወኪል ከምዚ በለት:- “ኣብ ናይ ኣመሪካ ማሕበረሰብ ፍቕረ-ንዋይ ሓደ ካብቶም ደረኽቲ ሓይልታት ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ . . . ከምኡውን ኣብቲ ዓበይቲ ዕዳጋታት ከይተረፈ ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ዝኸይድ ሓይሊ ኰይኑ ክቕጽል ኢዩ።” ኣብቲ እትነብረሉ ዘሎኻ ቦታ ከምኡ ድዩ ዘጋጥም ዘሎ፧

9. ብዛዕባ እቲ ብትንቢት እተነግረሉ ንወለዲ ዘይምእዛዝ እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል፧

9 “ንወለዶም ዘይእዘዙ። ” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2) ብዙሓት ውሉዳት: ኣኽብሮት ዘየርእዩን ዘይእዘዙን ኰይኖም ከም ዘለዉ ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘለዉ ወለዲ: መምህራንን ካልኦትን ቀጥታዊ መርትዖ ኣለዎም። ገለ ካብዞም መንእሰያት እዚኣቶም ነቲ ናይ ወለዶም ሕማቕ ጠባይ መልሰ-ግብሪ ዝህቡሉ ወይ ከኣ ዝቐድሕዎ ኢዮም። ቍጽሮም እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቈልዑ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ኣብ ሕጊ: ኣብ ሃይማኖት: ከምኡውን ኣብ ወለዶም ዝነበሮም እምነት የጥፍኡ​—⁠ከምኡውን ኣንጻር ይዓልዉ⁠—​ኣለዉ። ሓደ ገዲም መምህር ከምዚ ይብል:- “ሓፈሻዊ ኣንፈቶም ክትርእዮ ከሎኻ: ንዝዀነ ይኹን ነገር ኣኽብሮት ዘለዎም ኣይመስሉን ኢዮም።” እቲ ዘሐጕስ ግን: ብዙሓት ፈሪሃ ኣምላኽ ዘለዎም ቈልዑ ብጠባዮም ኣብነታውያን ኢዮም።

10, 11. ሰባት ጨካናትን ባህርያዊ ምፍታው ዝጐደሎምን ኰይኖም ከም ዘለዉ እንታይ መርትዖ ኣሎ፧

10 “ጨካናት። ” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠3) እታ “ጨካን” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል ‘ዘይተገርሐ: ኣራዊት: ሰብኣዊ ድንጋጸን ስምዒትን ዝጐደሎ’ ማለት ኢያ። ኣየ እዝስ ነዞም ሎሚ ዓመጻ ዝፍጽሙ ዘለዉ ብዙሓት: ከመይ ዝኣመሰለ ብቑዕ መግለጺ ኰን’ዩ! ሓደ ናይ ጋዜጣ ኣሰናዳኢ “ህይወት ኣዝዩ ዘሰቅቕ: ብደም እተጸየቐ ራዕዲ ዝመልኦ ስለ ዝዀነ: ነቲ መዓልታዊ ዜና ከተንብብ ከሎኻ ከብድኻ እምኒ ከተእትወሉ ከድልየካ ኢዩ” በለ። ሓደ ናይ ኣፓርታማ ናይ ጸጥታ ፖሊስ ሰርጌንቲ: ብዙሓት መንእሰያት ነቲ ናይ ተግባራቶም ሳዕቤን ከየስተብህሉ ዓይኖም ዝዓመቱ ከም ዝመስሉ ገለጸ። ንሱ “ ‘ብዛዕባ ጽባሕ ኣይፈልጥን እየ: ንሎሚ ዘድልየኒ ሎሚ ክረኽቦ ኢየ’ ዝብል ስምዒት ኢዩ ዘሎ” በለ።

11  [ባህርያዊ ምፍታው ዘይብሎም ‘ትሓዓ ’ ]።” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠3) እዛ ሓረግ እዚኣ ካብታ “ርህራሄ ዘይብሉ: ኢሰብኣዊ” እትብል ናይ ግሪኽ ቃል እተተርጐመት ኰይና “ባህርያዊ ናይ ስድራቤት ምፍታው ዝጐደሎ” እተመልክት ኢያ። (ዘ ኒው ኢንተርናሽናል ዲክሸነሪ ኦቭ ኒው ተስታመንት ቲኦሎጂ ) እወ: ፍቕሪ ኣብቲ ብቐንዱ ክትዕንብበሉ ዝግብኣ ከባቢ​—⁠ኣብ ቤት​—⁠ጠፊኣ ኢያ ዘላ። ብዛዕባ ንናይ መርዓ ብጻይካ: ንቈልዑ: ከምኡውን ንዝሸምገሉ ወለዲ ከይተረፈ ምግፋዕ ዝምልከት ጸብጻባት ልሙድ ኰይኑ ምህላዉ መንፈስካ ዘናውጽ ኢዩ። ሓደ ናይ ምርምር ጕጅለ ከምዚ በለ:- “ሰብኣዊ ዓመጽ​—⁠ብጽፍዒት ይኹን ብድፍኢት: ካራ ብምውርዋር ወይስ ብምትኳስ​—⁠ኣብ ማሕበረሰብና ካብ ኣብ ካልእ ብዝያዳ ኣብቲ ናይ ስድራቤት ዓንኬል ኢዩ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም።”

12. ሰባት መልክዕ ኣምልኾ ጥራይ ኢዩ ዘለዎም ክበሃል ዝከኣል ስለምን​ታይ ኢዩ፧

12 “መልክዕ ኣምልኾ ዘለዎም: ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ። ” (2 ጢሞቴዎስ 3:⁠5) መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ናይ ሰባት ናብ ዝሓሸ ናይ ምልዋጥ ሓይሊ ኣለዎ። (ኤፌሶን 4:⁠22-24) ይኹን እምበር: ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንሃይማኖቶም መጋረጃ ናይቲ ብሕቡእ ዝገብርዎ ንኣምላኽ ዘጕሂ ሓጥእ ተግባራቶም ገይሮም ኢዮም ዝጥቀሙሉ ዘለዉ። ሓሶት: ስርቂ: ከምኡውን ጾታዊ ብዕልግና ብዙሕ ግዜ: ብመራሕቲ ሃይማኖት ዕሽሽ ኢዩ ዝበ⁠ሃል። ብዙሓት ሃይማኖታት ብዛዕባ ፍቕሪ ይሰብካ: ግናኸ ውግእ ኢየን ዝድግፋ። ናይ ኢንድያ ቱደይ መጽሔት ኣሳናዳኢ ትዕዝብቱ ክገልጽ ከሎ: “ብስም እቲ ልዑል ፈጣሪ: ሰባት ኣንጻር ብጾቶም ደቅሰብ እቲ ኣዝዩ ጽዩፍ ዝዀነ ጭከናታት ፈጺሞም ኢዮም።” አረ እቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን እተፈ⁠ጸመ ኣዝዩ ደማዊ ዝዀነ ግጭታት​—⁠ቀዳማይን ካልኣይን ውግኣት ዓለም⁠—⁠ኣብ ማእከል ህዝበ ክርስትያን ኢዩ ተላዒሉ።

13. ምድሪ ትዓኑ ከም ዘላ እንታይ መርትዖ ኢዩ ዘሎ፧

13 “መጥፋእቲ ምድሪ። ” (ራእይ 11:18) ካብ ምሉእ ዓለም እተዋጽኡ ልዕሊ 1,600 ሊቃውንቲ: 104 ናይ ኖቤል ተሸለምቲ ዝርከብዎም: ነቲ ካብ ማሕበር ግዱሳት ሊቃውንቲ (ዩሲኤስ) ዝወጸ “ደቅሰብን ከባቢናን ኣብ ናይ ምግጫው ጉዕዞ ይርከቡ ኣለዉ: . . . ነቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ናይ ምእላይ ኣጋጣሚ ኣብ ውሽጢ እዘን ቀጺለን ዘለዋ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ከብቅዕ ኢዩ” ዝብል መጠንቀቕታ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐበልዎ። እቲ ጸብጻብ: እቲ ንህይወት ዘስግእ ተግባራት ሰብ “ንዓለም ክሳዕ ክንድዚ ክልውጣ ስለ ዝኽእል: በቲ ንሕና እንፈልጦ ኣገባብ ገይራ ህይወት ክትዕቅብ ኣይክትክእልን ኢያ” በለ። ናይ ኦዞን ምጽንቃቕ: ምብካል ማይ: ምብራስ ኣግራብ: ምርቃቕ መሬት: ከምኡውን ናይ ብዙሓት እንስሳታትን ኣትክልትን ዘርኢ ምጽናት ብህጹጽ ክፍወሱ ዘለዎም ግድላት ምዃኖም ተጠቒሶም ነይሮም። ዩሲኤስ “ምስቲ ኣብ ንሓድሕዱ ተኣሳሲሩ ዘሎ መርበብ ህይወት ጠልቀፍቀፍ ምባልና: ናይቲ ስርዓተ-ለውጡ ኣጸቢቕና ዘይንርድኦ ናይ ስነ-ህይወታዊ ኣገባባት ምፍራስ ዘኸትል ሰፊሕ ሳዕቤን ዘጠቓልል ክኸውን ይኽእል ኢዩ” በለ።

14. ማቴዎስ 24:⁠14 ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኡ ይረክብ ከም ዘሎ ከመይ ገይርካ ከተረጋግጾ ምኸኣልካ፧

14 “እዚ ወንጌል መንግስቲ . . . ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ።” (ማቴዎስ 24:⁠14) የሱስ እቲ ብስራት መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ምድሪ ክስበኽ ምዃኑ ተነብዩ ነበረ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብመለኮታዊ ሓገዝን በረኸትን: ኣብዚ ናይ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ናይ ምግባርን ዕዮ ብቢልዮናት ዝቝጸር ሰዓታት ይውፍዩ ኣለዉ። (ማቴዎስ 28:⁠19, 20) እወ: እቶም መሰኻኽር ብስራት እንተ ዘይኣዊጆም ብናይ ደም ገበን ከም ዝሕተቱ ይግንዘቡ ኢዮም። (ህዝቅኤል 3:⁠18, 19) ይኹን እምበር: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት: ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ነቲ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ብሞሳ ተቐቢሎሞ ከም ሓቀኛታት ክርስትያናት ማለት ከም መሰኻኽር የሆዋ ኰይኖም ኣቕዋሞም የርእዩ ምህላዎም የሐጕሶም ኢዩ። ንየሆዋ ከተገልግል በዚ ኸኣ ፍልጠት ኣምላኽ ክትዝርግሕ መዘና ዘይብሉ መሰል ኢዩ። እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ምድሪ ድሕሪ ምስባኹ ኸኣ: መወዳእታ ናይዚ እኩይ ኣገባብ እዚ ክመጽእ ኢዩ።

ነቲ መርትዖ መልሰሉ

15. እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝውዳእ፧

15 እዚ ኣገባብ እዚ ከመይ ኢሉ ኢዩ ዝውዳእ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ “ዓቢ ጸበባ” ይንበ ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይዛ ዓለም እዚኣ ፖለቲካዊ ባእታ ኣብ ልዕሊ “ዓባይ ባቢሎን” ናይ ዓለም ሃጸይ ናይ ሓሶት ሃይማኖት መጥቃዕቲ ምስ ኣውረደ ዝጅምር ኢዩ። (ማቴዎስ 24:⁠21 ትሓዓራእይ 17:⁠5, 16) የሱስ ኣብቲ እዋን እቲ “ጸሓይ ክትጽልምት: ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ: ከዋኽብቲ ካብ ሰማይ ኪወድቁ: ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም” በለ። (ማቴዎስ 24:⁠29) እዚ ቃል ብቓሉ ሰማያዊ ተርእዮታት ከመልክት ይኽእል ኢዩ። በዚ ይዅን በቲ: እቶም ናይቲ ሃይማኖታዊ ዓለም ምርኡያት ሰባት ክቃልዑን ክድምሰሱን ኢዮም። ብድሕርዚ እቲ “ጎግ ኣብ ሃገር ማጎግ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ሰይጣን: ብልሽዋት ሰባት ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ የሆዋ ብዅሉ ሓይሉ መጥቃዕቲ ክፍኑ ኢዩ። ይኹን እምበር: ሰይጣን ኣይክዕወትን ኢዩ: ከመይሲ ኣምላኽ ከናግፎም ኢዩ። (ህዝቅኤል 38:⁠1, 2, 14-23) እቲ “ዓቢ ጸበባ” ኣብታ “ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽ” ኣብ ኣርማጌዶን ኪዛዘም ኢዩ። ንዅሉ እቲ ኣብ ምድራዊት ማሕበር ሰይጣን ዘሎ ናይ መወዳእታ ኣሰር ብምጽራግ: ነቶም ደሓንቲ ደቅሰብ መወዳእታ ዘይብሉ በረኸት ምእንቲ ኽውሕዘሎም መገዲ ዝኸፍት ኢዩ።​—⁠ራእይ 7:⁠9, 14፣ 11:⁠15፣ 16:⁠14, 16፣ 21:⁠3, 4

16. እቲ ብትንቢት እተነግረሉ መለለዪታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት ኣብ ግዜና ዝውዕል ምዃኑ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧

16 ገለ መለለዪታት ናይዞም ዳሕሮት መዓልትታት ዝገልጹ ትንቢታት: ኣብ ካልእ ናይ ታሪኽ መዋእላት ዝውዕሉ ክመስሉ ይኽእሉ ኢዮም። ብሓንሳብ ክድመሩ ኸለዉ ግን እቶም ብትንቢት እተነግረሎም መርትዖታት ነዚ ግዜና ኢዮም ዘመልክቱ። ንመረድኢ:- እቲ ኣብ ናይ ሰብ ኣሰር ኣጻብዕ ዘሎ ሕንጻጻት: ዝዀነ ይኹን ካልእ ውልቀ-ሰብ ክውንኖ ዘይክአል ቅርጺ ይሕዝ። ብተመሳሳሊ: እዘን ዳሕሮት መዓልትታት ነቲ ዝፍጸም ዘሎ ንምልላይ ዝሕብሩ: ናይ ገዛእ ርእሶም መለለዪ ጠባይ: ወይ ፍጻሜታት ኣለዎም። እዚኣቶም ናይ ዝዀነ ይኹን ካልእ መዋእል ክኸውን ዘይክእል “ኣሰር ኣጻብዕ” ዘቝሙ ኢዮም። ምስቲ ናይ ኣምላኽ ሰማያዊት መንግስቲ ሕጂ ትገዝእ ምህላዋ ዘመልክት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓበሬታታት ኣተሓሒዝና እንተድኣ መርሚርናዮ: እቲ መርትዖ: ብሓቂ እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን ኢልና ክንድምድም ዘተኣማምን መሰረት ይቕርበልና ኢዩ። ብተወሳኺ: እዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክጠፍእ ምዃኑ ንጹር ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኣሎና።

17. እዚኣተን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ምዃነን ምፍላጥ እንታይ ንምግባር ኪድርኸና ይግብኦ፧

17 ነቲ እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ምዃነን ዝሕብር መርትዖ ብኸመይ ኢኻ ትምልሸሉ፧ ነዚ ዝስዕብ እሞ ሕሰበሉ:- ሓደ ብርቱዕ ደምሳሲ ማዕበል ይቐርብ ከም ዘሎ እንተድኣ ፈሊጥና: ከይደንጐና: ናይ ምጥንቃቕ ስጕምቲ ንወስድ ኢና። እምበኣር: እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ህልው ኣገባብ ዝንበዮ ትንቢታት ድማ ስጕምቲ ክንወስድ ዝድርኸና ክኸውን ይግብኦ። (ማቴዎስ 16:⁠1-3) ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ናይዚ ናይ ዓለም ኣገባብ ንነብር ከም ዘሎና ኣነጺርና ክንዕዘብ ንኽእል ኢና። እዚ ድማ ስምረት ኣምላኽ ምእንቲ ክንረክብ ኣድላዪ ዘበለ ምትዕርራይ ክንገብር ክደፋፍኣና ይግብኦ። (2 ጴጥሮስ 3:⁠3፣ 10-12) የሱስ ንገዛእ ርእሱ: ወኪል ናይ ድሕነት ከም ዝዀነ ብምጥቃስ ከምዚ ዝብል ህጹጽ ዕድመ የቕርብ:- “ግናኸ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብ ኵላ ዝባን ምድሪ ንዚነብሩ ዘበሉ ኸም መፈንጠራ ኽትበጽሖም እያ እሞ: ስስዔን ስኽራንን ሓልዮት ሓዳርን ንልብኹም ከይኸብድ: እታ መዓልቲ እቲኣ ብድንገት ከይትመጸኩምሲ: ንነፍስኹም ተጠንቀቑ። ስለዚ ኻብዚ ዚመጽእ ኵሉ ነገር ንምምላቝን ኣብ ቅድሚ ወዲ ሰብ ደው ንምባልን ሓይሊ ምእንቲ ኽትረኽቡስ: ኵሉ ሳዕ እናጸሌኹም ንቕሑ።”​—⁠ሉቃስ 21:⁠34-36

[እግረ-ጽሑፍ]

a ገሊኡ መጽሓፍ ቅዱሳት ኣብ ክንዲ “ኣገባብ:” “ዓለም” ዝብል ቃል ኢዩ ዝጥቀም: ናይ ዳብሊው ኢ. ቫይን ኤክስፖዚተሪ ዲክሸነሪ ኦፍ ኒው ተስታመንት ወርድስ እታ ኣኢ·ኦንʹ እትብል ናይ ግሪኽ ቃል “ንውሓቱ ዘይተወሰነ መዋእል: ወይ ከኣ ምስቲ ኣብቲ መዋእል እቲ ዝፍጸም ነገራት ኣተሓሒዝካ ዝርአ እዋን ኢያ እተመልክት” ይብል። ናይ ፓርክሩስትስ ግሪክ ኤንድ ኢንግሊለክሲኮን ቱ ዘ ኒው ተስታመንት (ገጽ 17) ነታ ኣብ እብራውያን 1:⁠2 ዘላ ኣኢ·ኦʹነስ (ንብዙሕ እተመልክት) እትብል ቃል ክትንትና ኸሎ ነቲ “እዚ ኣገባብ እዚ” ዝብል መግለጺ ይሕውስ ኢዩ። ስለዚ እቲ “ኣገባብ” ዝብል ኣተረጓጕማ ምስቲ ቦኽሪ ናይ ግሪኽ ጽሑፍ ዝሰማማዕ ኢዩ።

ፍልጠትካ ምዘን

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ምጅማር ግዘኣት ክርስቶስ ዝርአ ምዕባለታት ዓለም እንታይ ኢሉ ኢዩ እተነበየ፧

ገለ መለለዪታት ናይተን ዳሕሮት መዓልታት እንታይ ኢየን፧

እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ምዃነን ከእምነካ ዝኽኣለ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 102 ዘሎ ሳጹን]

ገለ መለለዪታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት

• ቅድሚኡ ተራእዩ ዘይፈልጥ ውግእ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠7፣ ራእይ 6:⁠4

• ጥሜት።​—⁠ማቴዎስ 24:7፣ ራእይ 6:​5, 6, 8

• ፌራ።​—⁠ሉቃስ 21:11፣ ራእይ 6:⁠8

• ምብዛሕ ዓመጻ።​—⁠ማቴዎሰ 24:⁠12

• ምዕናው ናይ ምድሪ።​—⁠ራእይ 11:⁠18

• ምንቅጥቃጥ ምድሪ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠7

• ንኽትዋጽኣሉ ኣዝዩ ጽንኩር ዝዀነ ግዜ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠1

• ክቱር ፍቕሪ ገንዘብ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2

• ንወለዲ ዘይምእዛዝ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠2

• ባህርያዊ ምፍታው ዘይምህላው።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠3

• ካብ ንኣምላኽ ምፍቃር ኣዕዚዝካ ተድላ ምፍታው።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠4

• ርእሰ-ግትኣት ዘይምርኣይ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠3

• ሰናይ ዘይምፍታው።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠3

• ብዛዕባ እቲ ኣንጠልጢሉ ዘሎ ሓደጋ ዘይምጥንቃቕ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠39

• መላገጽቲ ናይ ዳሕሮት መዓልትታት መረጋገጺ ይነጽግዎ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠3, 4

• ዓለምለኻዊ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ።​—⁠ማቴዎስ 24:⁠14

[ኣብ ገጽ 101፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]