ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!

ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!

ምዕራፍ 1

ዘሐጕስ መጻኢ ግዜ ክህልወካ ይኽእል ኢዩ!

1, 2. ፈጣሪኻ እንታይ ክህልወካ ኢዩ ዝደሊ፧

 እተፍቅሮ ሰብ ሓንጐፋይ ኢሉ ኪሓቝፈካ ከሎ። ምስ እተፍቅሮም ኣዕሩኽካ ኣብ መኣዲ ተቐሚጥካ ካብ ልቢ ክትስሕቕ ከሎኻ። ደቅኻ ቀሲኖም ክጻወቱ ብምርኣይ ዝስምዓካ ሓጐስ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍሉይ ግዜያት ኣብ ህይወት ዘሐጕስ እዋን ኢዩ። ግናኸ ህይወት ንብዙሓት ሰባት ሓደ ድሕሪ ሓደ ተኸታቲሉ ዝመጽእ ከቢድ ግድላት ዝመልኦ ኢዩ ኰይኑ ዘሎ። ከምዚ ዝኣመሰለ ተመኵሮ ዘጋጥመካ እንተዀ⁠ይኑ ኣጆኻ ትባዕ።

2 ኣብ ሓደ ዘደንቕ ኣከባቢ ኣብ ትሕቲ ዘሐጕስ ኵነታት ነባሪ ሓጐስ ከተስተማቕር ፍቓድ ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ሕልሚ ጥራይ ኣይኰነን: ከመይሲ ኣምላኽ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ዘሐጕስ መጻኢ ህይወት ክትረኽበሉ እትኽእል መፍትሕ ኣዳልዩልካ ኣሎ። እቲ መፍትሕ እቲ ኸኣ ፍል​ጠት ኢዩ።

3. ከመይ ዝበለ ፍልጠት ኢዩ ናብ ሓጐስ ዝመርሕ: ኣምላኽ ነዚ ፍልጠት እዚ ከዳልዎ ይኽእል ኢዩ ኢልና ከነረጋግጽ እንኽእልከ ስለመንታይ ኢና፧

3 ብዛዕባ እቲ ካብ ሰብኣዊ ጥበብ ኣዝዩ ጸብለል ዝበለ ፍሉይ ዓይነት ፍልጠት ኢና እንዛረብ ዘሎና። እዚ ድማ “ፍልጠት ኣምላኽ” ኢዩ። (ምሳሌ 2:​5 ትሓዓ ) ዳርጋ 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሓፊ “ቤት ዘበለትሲ ሰራሒኣ አለዋ: እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ግና ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (እብራውያን 3:​4) እቲ ንዅሉ ዘዳለወ ክንደይ ዝኣክል ፍልጠት ክሕዝ ከም ዝኽእል እሞ ገምቶ! መጽሓፍ ቅዱስ: ኣምላኽ ንዅሎም ከዋኽብቲ ከም ዝቘጽሮምን በብስሞም ከም ዝጽውዖምን ይነግረና። ኣየ እዝስ ክንደይ ዘስደምም ሓሳብ ኰን ኢዩ! ኣብዚ ናትና ጋላክሲ ብኣማእታት ቢልዮናት ዝቝጸሩ ከዋኽብቲ ምህላዎም: ናይ ስነ-ኮኾብ ተመራመርቲ ድማ ዳርጋ ሚእቲ ቢልዮን ካልኦት ጋላክሲታት ከም ዘለዉ ብምዝራቦምሲ ኣየ ከመይ ዝበለ ዘደንጹ ሓሳባት ኰን ኢዩ! (መዝሙር 147:​4) ከምኡውን ኣምላኽ ብዛዕባና ኵሉ ኢዩ ዝፈልጥ: ስለዚ ንህይወት ዝምልከት ኣገደስቲ ሓቅታት ዝበለጸ መልስታት ከዳሉ ዝኽእል ካብኡ ሓሊፉ መን ክህሉ ይኽእል፧​—⁠ማቴዎስ 10:⁠30

4. ኣምላኽ ዝመርሓና መምርሒ ክህበና እንጽበዮ ስለምንታይ ኢና: ኣየናይ መጽሓፍከ ኢዩ ነዚ ክበቅዕ ዝኽእል፧

4 ክልተ ሰብኡት መካይኖም ከተዓራርዩ ኸለዉ እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። እቲ ሓደ ሰብኣይ ተስፋ ብምቝራጽ ነቲ ናይ ምዕራይ ዕዮኡ ጠጠዉ የብሎ። እቲ ካልኣይ ብህድኣት ነቲ እተበላሸወ የዐርዮ: ነታ መወልዒት መፍትሕ ይጠውያ: እቲ ሞተር ክውላዕን ብዘይ ጸገም ክዓይን ምስ ጀመረ ድማ ፍሽኽ ይብል። ካብዞም ክልተ ሰብኡት ኣየናዮም ናይ ፋብሪካ መምርሒ ጽሑፍ ከም ዘለዎ ንምግማት ኣየሸግርን ኢዩ። ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ዝመርሓና መምርሒ ከዳልወልና ይኽእል ኢዩ ኢልካ ምሕሳብሲ ምኽንያታዊዶ ኣይኰነን፧ ክትፈልጦ ከም እትኽእል መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምኡ ምዃኑ ይዛረብ ኢዩ: እዚ ኸኣ ፍልጠት ኣምላኽ ከመሓላልፍ ኢሉ እተዳለወ ናይ መምሃርን መምርሕን መጽሓፍ ማለት ኢዩ።​—⁠2 ጢሞቴዎስ 3:⁠16

5. እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዝዎ ዘሎ ፍልጠት: ክሳዕ ክንደይ ዝኣክል ዋጋ ዘለዎ ኢዩ፧

5 እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበሃህላ ሓቂ እንተደኣ ዀይኑ፣ እቲ መጽሓፍ እቲ ሒዝዎ ዘሎ መዝገብ ፍልጠት ክሳዕ ክንደይ ክኸውን ከም ዝኽእል እሞ ገምቶ! ኣብ ምሳሌ 2:⁠1-5 ንጥበብ ክንደልያ: ከምቲ ንሕቡእ መዝገብ ኲዒትና እንደልዮ ገይርና ክንደልያ ይምዕደና፣ እዚ ግን ኣብቲ ሓመድ ናይ ሰብኣዊ ኣተሓሳስባ ዘይኰነስ ኣብ ቃል ኣምላኽ ኢዩ። ኣብኡ ሃለው ኢልና እንተደኣ ደሊናያ ‘ንፍልጠት ኣምላኽ ክንረኽቦ’ ኢና። ኣምላኽ ነቲ ውሱን ዓቕምናን ድሌትናን ስለ ዝፈልጦ ሰላማውን ሕጕስን ህይወት ከነሕልፍ ዝሕግዘና መምርሒ ይህበና ኢዩ። (መዝሙር 103:⁠14፣ ኢሳይያስ 48:⁠17) ብተወሳኺ ፍልጠት ኣምላኽ ዘሐጕስ ብስራት ይህበና ኢዩ።

ዘለኣለማዊ ህይወት!

6. የሱስ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍልጠት ኣምላኽ ዝምልከት እንታይ መረጋገጺ ኢዩ ዝሃበ፧

6 እቲ ውሩይ በዓል ታሪኽ የሱስ ክርስቶስ: ነዚ መዳይ ናይ ፍልጠት ኣም⁠ላኽ እዚ ብንጹር ኣዘራርባ ገሊጽዎ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ:- “ኣምላኽ ሓቂ ንስኻ በይንኻ ምዃንካን ነቲ ዝለአኽካዮ የሱስ ክርስቶስን ኪፈ⁠ልጡ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እዚኣ እያ።” (ዮሃንስ 17:⁠3 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።) ሕሰቦ እሞ​—⁠ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኢዩ!

7. ኣምላኽ ክንመውት ከም ዘይመደበና እንታይ መረጋገጺ ኣሎ፧

7 ዘለኣለማዊ ህይወት ከም ሓደ ሕልሚ ጥራይ ገይርካ ብምሕሳብ ተቐላጢፍካ ካብ ኣእምሮኻ ኣይትሰርዞ። ኣብ ክንድኡስ ሰብኣዊ ኣካል ከመይ ኢሉ ከም እተሰርሐ እሞ ኣስተብህል። ከስተማቕር: ክሰምዕ: ከሸትት: ክርእን ስምዒት ክህልዎን ብዘገርም ኣገባብ ኢዩ ተወጢኑ። ኣብ ምድሪ ብዙሕ ንህዋሳትና ባህ ዘብል ነገራት​—⁠ምቁር መግቢ: ጥዑም ናይ ኣዕዋፍ መዝሙር: ምኡዝ ዕምባባታት: ውቁብ ቦታታት: ዘሐጕስ ምሕዝነት​—⁠ኢዩ ዘሎ! እቲ ዘደንቕ ሓንጐልና ድማ: ነዚ ከምዚ ዝበለ ነገራት ከነማስወሉን ከነስተማቕሮን ዝሕግዘና ብምዃኑ: ካብታ ዝበለጸት ኮምፒዩተር ብእተዓጻጸፈ መገዲ ዝበልጽ ኢዩ። ፈጣሪና ክንመውትን ነዚ ዅሉ ድማ ክንስእኖን ኢዩ ዝደሊ ኢልካ ትሓስብዶ፧ እናተሓጐስና ንዘለኣለም ብህይወት ክንነብር ኢዩ ዝደልየና ኢልና እንተ ደምደምናዶ ግዳ ዝያዳ ምስትውዓል ኣይመስልን፧ በዚ ኸኣ ኢዩ ፍልጠት ኣምላኽ ንዓኻ ኣገዳስነት ዘለዎ።

ህይወት ኣብ ገነት

8. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ህይወት ወድሰብ እንታይ ይብል፧

8 እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ናይ ምድርን ወድሰብን መጻኢ ዝዛረቦ ብሓንቲ ቓል​—⁠ገነት ተባሂሉ ክጠቓለል ይከኣል ኢዩ! የሱስ ክርስቶስ ነቲ ክመውት ዝቐረበ ሰብኣይ ‘ምሳይ ኣብ ገነት ክትከውን ኢኻ’ ክብሎ ኸሎ ብዛዕባኣ ተዛሪቡ ኢዩ። (ሉቃስ 23:⁠43) እታ ገነት እትብል ቃል ክትጥቀስ ከላ ነቲ ሰብኣይ እቲ ዘሐጕስ ኵነታት ናይቶም ቀዳሞት ወለድና ኣዳምን ሄዋንን ኣዘኻኺርዎ ክኸውን ከም ዝኽእል ኣየጠራጥርን ኢዩ። ኣምላኽ ክፈጥሮም ከሎ: ፍጹማት ኢዮም ነይሮም: ኣብታ ፈጣሪ ዝነደፋን ዝተኸላን ስፍራ ኣታኽልቲ-መሰል መናፈሻ ኸኣ ይነብሩ ነበሩ። ስፍራ ኣታኽልቲ ኤደን ተባሂላ ትጽዋዕ ምንባራ ብቑዕ ኢዩ: ከመይሲ ተድላ ዘመልክት ስም ኢዩ።

9. ኣብታ ናይ መጀመርያ ገነት ምንባር ከመይ ይመስል ነይሩ፧

9 ኣየ እቲ ስፍራ ኣታኽልቲ እትስ ክንደይ ባህ ዘብል ኢዩ ዝነበረ! ብሓቂ ገነት ኢዩ ነይሩ። ኣብ መንጐ እቲ ውቁብ ኣእዋማቱ: ምቁር ፍረታት ዝፈሪ ኣእዋም ነይሩ ኢዩ። ኣዳምን ሄዋንን ነቲ ግዝኣቶም ክድህስስዎ ኸለዉ: ካብቲ ንጹህን ባህ ዘብልን ማዩ ክሰትዩ ኸለዉ: ካብቲ ኣእዋም ድማ ፍረታት ክኣርዩ ኸለዉ: ዘሻቕሎም ወይ ዘፍርሖም ነገር ዋላ ሓደ’ኳ ኣይነበረን። እንስሳታትውን ዘፍርሑ ኣይነበሩን: ከመይሲ ኣምላኽ ነቲ ሰብኣይን ንሰበይቱን ኣብ ልዕሊ ኵሎም እንስሳታት ብፍቕሪ ክገዝኡ ሓላፍነት ሂቡዎም ነይሩ ኢዩ። ኣብ ርእሲ’ዚ: እቶም ቀዳሞት ክልተ ሰባት ደስ ዘብል ምሉእ ጥዕና ነይርዎም ኢዩ። ንኣምላኽ እዙዛት ኰይኖም ክሳዕ ዝቐጸሉ: ናይ ዘለኣለም ዘሐጕስ መጻኢ ኣብ ቅድሚኦም ተነቢሩሎም ነይሩ ኢዩ። ነታ እተደንቕ ገነታዊት ቤቶም ናይ ምክንኻን ዘዕግብ ዕዮ ተዋሂብዎም ነበረ። ብተወሳኺ: ኣምላኽ ንኣዳምን ሄዋንን “ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን” ኢሉ ትእዛዝ ሃቦም። ምድርና ብምልእታ ስፍራ ጽባቐን ሓጐስን ክሳዕ እትኸውን ንሳቶምን ዘርኦምን ንዶባት ናይ ገነት ከስፍሕዋ ኢዩ ዝድለ ዝነበረ።​—⁠ዘፍጥረት 1:⁠28

10. የሱስ ብዛዕባ ገነት ክዛረብ ከሎ እንታይ ማለቱ ኢዩ ነይሩ፧

10 ይኹን እምበር: የሱስ ንሓደ ክመውት ዝቐረበ ሰብ ገነት ዝብል ቃል ክጠቕሰሉ ኸሎ: ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ ክሓስብ ኣይኰነን ዝዕድሞ ነይሩ። የሱስሲ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ደኣ ኢዩ ዝዛረብ ዝነበረ! እዛ ምድራዊት ቤትና ብምልእታ ገነት ከም እትኸውን ይፈልጥ ነይሩ ኢዩ። በዚ ኸኣ ኣምላኽ ነቲ ንወድሰብን ምድርናን ሓሲብዎ ዝነበረ ናይ መጀመርያ ዕላምኡ ክፍጽሞ ኢዩ። (ኢሳይያስ 55:⁠10, 11) እወ: ገነት ክትምለስ ኢያ! እንታይከ ኢያ ክትመስል፧ ቃል ኣምላኽ: መጽሓፍ ቅዱስ: ባዕሉ ይመልሶ።

ህይወት ኣብታ እተመልሰት ገነት

11. ኣብታ እተመልሰት ገነት: ሕማምን እርጋንን ሞትን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

11 ድሕሪ ደጊም ሕማምን እርጋንን ሞትን ኣይክህሉን ኢዩ። “ሽዑ ኣዒንቲ ዕዉራት ኪኽፈታ: ኣእዛን ጸማማት ከኣ ጋህ ኪብላ እየን። ሽዑ ሓንካስ ከም እራብ ኪሰርር: ልሳን እቲ ዓባስ ከኣ እልል ኪብል . . . እዩ።” (ኢሳይያስ 35:⁠5, 6) “ኣምላኽውን ባዕሉ [ምስ ወድሰብ] . . . ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ: ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን: ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን: ወይ ጫውጫው: ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ።”​—⁠ራእይ 21:⁠3, 4

12. ኣብታ እትመጽእ ገነት ግብረ-ገበንን ዓመጻን እከይን ከም ዘይህሉ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

12 ግብረ-ገበን: ዓመጻ: ከምኡውን እከይ ንዘለኣለም ክጠፍእ ኢዩ። “እኩያት ኪጸንቱ እዮም . . . ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን: . . . ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም።” (መዝሙር 37:⁠9-11) “ረሲኣን ግና ካብ ምድሪ ኺጸንቱ: እቶም ጠለምቲ ኸኣ ካብኣ ኺምንቈሱ እዮም።”​—⁠ምሳሌ 2:⁠22

13. ኣምላኽ ብኸመይ ኢዩ ሰላም ዘምጽእ፧

13 ኣብ ምልእቲ ምድሪ ሰላም ክሰፍን ኢዩ። “[ኣምላኽ] ንውግእ ክሳዕ ወሰን ምድሪ መወዳእታ ይገብረሉ: ንቐስቲ ይሰብሮ: ንዂናት ይቐራስሞ።” (መዝሙር 46:⁠9) “እቲ ጻድቕ ኪዕምብብ: ወርሒ ኽሳዕ እትጠፍእ ከኣ ብዝሒ ሰላም ኪህሉ እዩ።”​—⁠መዝሙር 72:⁠7

14, 15. መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብታ እተመልሰት ገነት ዝህሉ ኣባይቲ: ስራሕ: ከምኡውን መግቢ እንታይ ይብል፧

14 ኣባይቲ ጽኑዕ: ስራሕ ከኣ ዘዕግብ ክኸውን ኢዩ። “ኣባይቲ ኺሰርሑን ኪነብሩለንን እዮም . . . ዕድመ ህዝበይ ከም ዕድመ ኦም ኪኸውን: ሕሩያተይ ድማ ጻማ ግብሪ ኣእዳዎም ኪበልዑ እዮም እሞ: ካልኦት ዚነብሩሉ ኣባይቲ ኣይኪሰርሑን: ካልኦት ፍሬኡ ዚበልዕዎ ኸኣ ኣይኪተኽሉን እዮም። . . . ንኸንቱ ኣይኪጽዕሩን: ብድንገት ዚሞቱ ደቂ ኣይኪውለዱን እዮም።”​—⁠ኢሳይያስ 65:⁠21-23

15 ጥዑይ መግቢ ኣብ ኵሉ ቦታ ብብዝሒ ክህሉ ኢዩ። “ብዝሒ እኽሊ ኣብ [ምድሪ ትሓዓ ]: ኣብ ርእሲ ኣኽራን ኪኸውን” እዩ። (መዝሙር 72:⁠16) “ምድሪ ፍሪኣ ሂባ: እግዚአብሄር ኣምላኽና ኺባርኸና እዩ።”​—⁠መዝሙር 67:⁠6

16. ህይወት ኣብ ገነት ባህ ዘብል ዝኸውን ስለምንታይ ኢዩ፧

16 ዘለኣለማዊ ህይወት ኣብ ገነታዊት ምድሪ ባህ ዘብል ክኸውን ኢዩ። “ጻድቃን [ንምድሪ ትሓዓ ] ኪወርስዋ፣ ኣብኣውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝሙር 37:⁠29) “በረኻን ምድሪ ኣጻምእን ኪሕጐሱ: ምድረ በዳ ኸኣ እልል ኪብል: ከም ጽጌረዳ ድማ ኪዕምብብ እዩ።”​—⁠ኢሳይያስ 35:⁠1

ፍልጠትን መጻኢ ግዜኻን

17. (ሀ) ህይወት ኣብ ገነት ባህ ዘብለካ እንተድኣ ዀይኑ እንታይ ክትገብር ይግብኣካ፧ (ለ) ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዓበይቲ ለውጥታት ከምጽእ ምዃኑ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧

17 ኣብ ገነት ብህይወት ክትነብር ትብህግ እንተድኣ ዄንካ: ፍልጠት ኣምላኽ ካብ ምርካብ ዝዀነ ይኹን ነገር ክዓግተካ ኣይትፍቀደሉ። ንሱ ንወድሰብ ስለ ዘፍቅሮ ነቲ ንምድሪ ናብ ገነት ንምቕያር ዘድሊ ለውጢ ከምጽኦ ኢዩ። ንስኻ ክእለት እንተ ዝህልወካስ ነዚ ኣብ ዓለም ገኒኑ ዘሎ መከራን ዘይፍትሓውነትን መወዳእታ ኣይምገበርካሉንዶ፧ ኣምላኽከ ካብኡ ንታሕቲ ይገብር ኢልናዶ ንጽበ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: ብንጹር መገዲ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ነዚ ህውከት ዝመልኦ ኣገባብ ኣልጊሱ: ብፍጹምን ጽድቃውን ኣገዛዝኣ ዝትክኣሉ ግዜ ይዛረብ ኢዩ። (ዳንኤል 2:⁠44) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ዅሉ ነገራት እዚ ካብ ምንጋር ንላዕሊ ዝገብሮ ካልእ ነገር ኣሎ። ኣብታ እተተስፈወት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ብኸመይ ድሕነት ረኺብና ክንኣቱ ከም እንኽእል ይነግረና ኢዩ።​—⁠2 ጴጥሮስ 3:⁠13፣ 1 ዮሃንስ 2:⁠17

18. ፍልጠት ኣምላኽ ሕጂ ንዓኻ እንታይ ኢዩ ክገብረልካ ዝኽእል፧

18 እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ሕጂውን ብዙሕ ክጠቕመካ ይኽእል ኢዩ። ነቲ ኣብ ህይወት ዘጋጥም ዓሚቝን ኣዝዩ ዘጨንቕን ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ ይምልሾ ኢዩ። መምርሒታቱ ምቕባል ምስ ኣምላኽ ዕርክነት ከተማዕብል ክሕግዘካ ኢዩ። ከመይ ዝበለ ዓቢ መሰል ኢዩ! እዚ ድማ ነቲ ኣምላኽ ጥራይ በይኑ ክህበካ ዝኽእል ሰላም ንኸተስተማቕር ከኽእለካ ኢዩ። (ሮሜ 15:​13, 33) ነዚ ኣገዳሲ ፍልጠት እዚ ክትወስድ ክትጅምር ከሎኻ: ነቲ ኣብ ህይወትካ ኣዝዩ ኣገዳስን ዓስቢ ዘለዎን ጻዕሪ ኢኻ እትብገሰሉ ዘሎኻ። ነቲ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኣምላኽ ብምጥራይካ ፈጺምካ ኣይክትጠዓስን ኢኻ።

19. ኣብዛ ቀጺላ ዘላ ምዕራፍ እንታይ ዝበል ሕቶ ኢና እንርኢ፧

19 ንመጽሓፍ ቅዱስ: ፍልጠት ኣምላኽ ሒዙ ዘሎ መጽሓፍ ከም ዝዀነ ኢና ጠቒስናዮ ዘሎና። ይኹን እምበር: ሰብኣዊ ጥበብ ዝሓዘ መጽሓፍ ዘይኰነስ: ካብኡ ንላዕሊ ከም ዝዀነ ከመይ ገይርና ንፈልጥ፧ ብዛዕባ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብዛ እትቕጽል ምዕራፍ ክንርኢ ኢና።

ፍልጠትካ ምዘን

ፍልጠት ኣምላኽ ናብ ዘለኣለማዊ ሓጐስ ክመርሓካ ዝኽእል ስለምንታይ ኢዩ፧

ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ህይወት እንታይ ክመስል ኢዩ፧

ፍልጠት ኣምላኽ ሕጂ ብምውሳድካ ስለምንታይ ኢኻ እትጥቀም፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]