ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ክመልኣ ኸሎ

ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ክመልኣ ኸሎ

ምዕራፍ 19

ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ክመልኣ ኸሎ

1, 2. ፍጥረት የሆዋ ብኸመይ ኢዩ እተባላሸወ፧

 ሓደ ዓቢ ሰኣሊ ንሓንቲ ድንቂ ዝዀነት ስእሊ: ስኢሉ ከም ዝወድኣ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ንሱ ኣዝያ ጽብቕቲ​—⁠ብዓቢ ውሕልነት እተሰርሐት⁠—​ገይሩ ክሓስባ የምሕረሉ ኢዩ። እንተዀነ ግን: ሓደ ቀናእ ወደረኛ ብሓንቲ ለይቲ ይጽይቓ። እዚ ነገር’ዚ ነቲ ስኣሊ ዓቢ ጓሂ ከም ዘምጽኣሉ ፍሉጥ ኢዩ። ኣየ ነቲ ጸያቒ ተኣሲሩ ክርእዮስ ክንደይ ኢዩ ዝብህግ! እቲ ሰኣሊ: ነቲ ፍጥረቱ ናብቲ ናይ ቀደም ጽባቔኡ ተመሊሱ ክርእዮ ክሳዕ ክንደይ ከም ዝናፍቕ ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ።

2 የሆዋ ከምቲ ሰኣሊ እቲ: ንምድሪ ኣዳልዩ ንወድሰብ ኣብኣ ከም ዝነብር ብምግባሩ ስራሕ ውሕልነት ኢዩ ሰሪሑ። ሰብኣይን ሰበይትን ድሕሪ ምፍጣሩ ንዅሉ እቲ ምድራዊ ዕዮኡ “ብዙሕ ጽቡቕ” ኢሉ ገለጾ። (ዘፍጥረት 1:⁠31) ኣዳምን ሄዋንን ደቂ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም: ኣፍቂሩዎም ድማ ኢዩ። ሓደ ዘሐጕስን ግርማውን መጻኢ ህይወት ሓሲቡሎም ነበረ። ሓቂ ኢዩ: ሰይጣን ናብ ዕልወት መሪሕዎም ኢዩ: ይኹን እምበር: እቲ ዘደንቕ ፍጥረት ኣምላኽ ክዕረ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ብምብጻሕ ኣይኰነን ተበላሽዩ።​—⁠ዘፍጥረት 3:⁠23, 24፣ 6:⁠11, 12

3. እቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ ኢዩ፧

3 ኣምላኽ ንዅነታት ከዐርዮ ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ። ብፍቕሪ ተደሪኹ ከምቲ ብመጀመርያ መዲቡዎ ዝነበረ ኣገባብ ክንነብር ክርእየና ይደሊ ኢዩ። እዚ ሓጺርን ጭንቂ ዝመልኦን ምንባር “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣይኰነን: ከመይሲ ምስቲ የሆዋ መዲቡዎ ዘሎ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ትሑት ኢዩ። እቲ ኣምላኽ ንዓና ሓሲቡልና ዘሎ “ናይ ሓቂ ህይወት” ኣብ ትሕቲ ፍጹም ኵነታት “ህይወት ዘለኣለም” ምርካብ ኢዩ።​—⁠1 ጢሞቴዎስ 6:⁠12, 19

4, 5. (ሀ) እቲ ናይ ገነት ተስፋ ብኸመይ ኢዩ ክዉን ዝኸውን፧ (ለ) ብዛዕባ ናይ መጻኢ ግዜ ተስፋና ክንሓስብ ዝግብኣና ስለምንታይ ኢና፧

4 እቲ ፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሓላፍነት ዘሸክም ኢዩ። (ያእቆብ 4:⁠17) ይኹን እምበር: ነቲ ፍልጠት እቲ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮን ዘለኣለማዊ ህይወት እንተድኣ ረኺብካን እተስተማቕሮ በረኸት እሞ ሕሰቦ። የሆዋ ኣምላኽ: ኣብ ቃሉ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ህይወት እቲ ኣብታ ኣዝያ ቀሪባ ዘላ ገነታዊት ምድሪ እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝሕብር ውቁብ ስእሊ ስኢሉ ኣሎ። ርግጽ ኢዩ: ከም ህዝቢ የሆዋ መጠን: ዓስቢ ክንረክብ ብዝብል ባህጊ ጥራይ ኣይኰንናን ንኣምላኽ እነገልግሎ። ንኣምላኽ እነገልግሎ ነፍቅሮ ስለ ዝዀንና ኢና። (ማርቆስ 12:⁠29, 30) ብተወሳኺ: እቲ እንረኽቦ ህይወት ንየሆዋ ስለ ዘገልገልናዮ እንረኽቦ ዓስቢ ኣይኰነን። ዘለኣለማዊ ህይወት: ውህበት ኣምላኽ ኢዩ። (ሮሜ 6:⁠23) ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ህይወት ምስትንታን ይጠቕመና ኢዩ: ከመይሲ እቲ ናይ ገነት ተስፋ: የሆዋ​—⁠ብፍቕሪ ‘ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ዝህብ’ ኣምላኽ ምዃኑ ዘዘኻኽረና ኢዩ። (እብራውያን 11:⁠6) እታ ኣብ ኣእምሮናን ኣልባብናን ዘላ ኣዝያ ህያው ዝዀነት ተስፋ ኣብዛ ናይ ሰይጣን ዓለም ሽግራት ክንጽመም ከተኽእለና ኢያ።​—⁠ኤርምያስ 23:⁠20

5 ሕጂ ኣቓልቦና ናብቲ ኣብታ እትመጽእ ምድራዊት ገነት ክህሉ ዘለዎ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ተስፋ ናይ ዘለኣለማዊ ህይወት ንግበር። ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ክመልኣ ኸሎ: ህይወት እንታይ ክመስል ኢዩ፧

ድሕሪ ኣርማጌዶን​—⁠ገነታዊት ምድሪ

6. ኣርማጌዶን እንታይ ኢያ: ንደቅሰብከ እንታይ ትርጕም ክህልዋ ኢዩ፧

6 ኣቐዲምና ርኢናዮ ከም ዘሎና: የሆዋ ኣምላኽ ነዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብ ድሕሪ ሓጺር ግዜ ከጥፍኦ ኢዩ። ዓለም ናብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ሃር-ማጌዶን ወይ ኣርማጌዶን ኢሉ ዝጽውዓ ኣቢላ ኢያ ብፍጥነት ትውንጨፍ ዘላ። እዛ ቃል እዚኣ: ንገለ ሰባት ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ብዝለዓል ውግእ ዝስዕብ ኑክልየራዊ ህልቂት ከም ዝሓስቡ ትገ⁠ብሮም ትኸውን: ኣርማጌዶን ግን ከምኡ ኣይኰነትን። ራእይ 16:⁠14-16 ከም ዝገልጾ: ኣርማጌዶን ‘ዓባይ መዓልቲ ውግእ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ’ ኢያ። “ንነገስታት ኵላ ዓለም” ወይ ሃገራት ዘጣመረ ውግእ ከኣ ኢዩ። እቲ እተመዘዘ ንጉስ: ወዲ የሆዋ ኣምላኽ: ድሕሪ ሓጺር ግዜ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ክኣቱ ኢዩ። እቲ ውጽኢት ምሉእ ብምሉእ ተረጋጊጹ ኢዩ። ኵሎም እቶም ንመንግስቲ ኣምላኽ ዝጻረርዋን ክፍሊ ናይዚ እኩይ ኣገባብ ናይ ሰይጣን ዝዀኑን ክድምሰሱ ኢዮም። እቶም ንየሆዋ እሙናት ዝዀኑ ጥራይ ኢዮም ዝድሕኑ።​—⁠ራእይ 7:​9, 14፣ 19:​11-21

7. ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ኣበይ ክህልዉ ኢዮም: እዚኸ ብኸመይ ኢዩ ንወድሰብ ዚጠቕሞ፧

7 ንስኻ ካብቲ መዓት እቲ ከም ዝደሓንካ ገይርካ እሞ ሕሰብ። ህይወት ኣብ ምድሪ: ኣብታ ኣምላኽ ዘተስፈዋ ሓዳስ ዓለም: እንታይ ኰን ክመስል ኢዩ፧ (2 ጴጥሮስ 3:⁠13) ኣብ ግምት ክንወድቕ ኣየድልየናን ኢዩ: ከመይሲ: መጽሓፍ ቅዱስ ይነግረና ኢዩ: እቲ ንሱ ዝብሎ ኸኣ ውዕዉዕ ስምዒት ዘሕድረልካ ኢዩ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ካብ ስርሖም ከቋርጹ: ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ ከኣ ኣብ ክንቀሳቐስሉ ዘይክእሉ መዓሙቝ ክዳጐኑ ኢዮም። ድሕሪ ደጊም እቶም እኩያት: ተንኰለኛታት ፍጡራት እቲኣቶም: ብድሕሪ መጋረጃ ኣድብዮም ሽግር ኣይክኣልሙን: ኣንጻር ኣምላኽ ናይ ዘይትኣማንነት ተግባር ክንገብር ክደፋፍኡና ድማ ኣይክፍትኑን ኢዮም። ከመይ ዝበለ ቕሳነት ኢዩ!​—⁠ራእይ 20:​1-3

8, 9. ኣብ ሓዳስ ዓለም: ጓህን ሕማምን እርጋንን እንታይ ክኸውን ኢዩ፧

8 ኣብቲ ምዱብ ግዜኡ ኵሉ ዓይነት ሕማም ክጠፍእ ኢዩ። (ኢሳይያስ 33:⁠24) ሽዑ እቶም ሓንካሳት: ጥዑያትን ድልዱላትን ኣእጋር ሃልዮዎም ደው ክብሉን ክዛወሩን ክጐዩን ኢዮም። እቶም ጸማማት ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ናይ ጽምዋ ዓለም ድሕሪ ምጽንሖም: ነቲ ኣብ ዙርያኦም ዘሎ ዘሐጕስ ድምጽታት ክሰምዑዎ ኢዮም። እቶም ዕዉራት: ዘስተንክር ናይ ሕብርታት ዓለም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ምስ ተቐጀለ ክድንጽዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 35:⁠5, 6) ኣብ መወዳእታ ገጽ ፍቝራቶም ክርእዩ ኢዮም! ምናልባሽ ሽዑ ኣዒንቶም ብናይ ሓጐስ ንብዓት ስለ ዝሽፈን ንሓጺር ህሞት ጽልግልግ ይብሎም ይኸውን።

9 ሕስብ እሞ ኣብሎ! ድሕሪ ደጊም ናይ ዓይኒ መነጽር: መደገፍን ምርኵስን: ኣይክህሉን ኢዩ: ድሕሪ ደጊምውን መድሃኒታት: ናይ ስኒ ኣብያተ ሕክምና ወይ ሆስፒታላት ኣይክህልዉን ኢዮም! ድሕሪ ደጊም ስምዒታዊ ሕማምን ናይ መንፈስ ጭንቀትን ንሰባት ካብ ሓጐስ ኣይክጠልዮምን ኢዩ። ብሕማም እተሃስየ ዕድመ ቍልዕነት ኣይክህሉን ኢዩ። እቲ እርጋን ኣምጺኡዎ ዝነበረ ዕንወት ክጣጣእ ኢዩ። (እዮብ 33:⁠25) ሽዑ ዝጠዐናን ዝሓየልናን ክንከውን ኢና። ነፍሲ ወከፍ ንግሆ: ካብ ጥዑም ናይ ለይቲ ድቃስ ተበራቢርና ሓይልና ኣሐዲስና: ብብርታዐን ሃንቀውታን መሊእና ነታ ወኒ ዘለዓዕል ህይወትን ዘዕግብ ዕዮን ዝሓዘት ሓዳስ መዓልቲ ክንቅበላ ኢና።

10. ናይ ኣርማጌዶን ደሓንቲ እንታይ ዕዮ ኢዮም ክዓይዩ፧

10 በቶም ናይ ኣርማጌዶን ደሓንቲ ዝግበር ብዙሕ ዘሐጕስ ዕዮ ክህሉ ኢዩ። ነዛ ምድሪ እዚኣ ናብ ገነት ክልውጥዋ ኢዮም። ዝዀነ ይኹን ተረፍ ናይዚ ብልሽው ኣረጊት ኣገባብ ክጽረግ ኢዩ። ነቲ ረሳሕ ገዛውትን ዝዓነወ መሬትን መናፈሻታትን ስፍራ ኣታኽልትን ክትክኦ ኢዩ። ኵላቶም ምቹእን ባህ ዘብልን ኣባይቲ ክህልዎም ኢዩ። (ኢሳይያስ 65:⁠21) ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ ኵላ ዓለም ነቲ ፈጣሪ ኣብ ኣታኽልቲ ኤደን ዘቘሞ ናይ ጽባቐ መለክዒ ክሳዕ እትበጽሖ: እቲ ገነታዊ ክፍልታት ምድሪ እናዓበየን እናሰፍሐን ክኸይድ ኢዩ። ኣብቲ ዕዮ ናይ ምሕዳስ ክትካፈልሲ ኣየ ክንደይ ባህ ዘብል ኢዩ!

11. ኣብ መጻኢ ግዜ: ወድሰብ ምስ ናይ ምድሪ ከባብን ምስ ናይ እንስሳታት ህይወትን እንታይ ዝምድና ክህልዎ ኢዩ፧

11 ኵሉ እዚ: እቲ ከባቢ ምእንቲ ከይጉዳእ ኣብ ትሕቲ መለኮታዊ መሪሕነት ኢዩ ዝግበር። ሰባት ምስ እንስሳታት ብሰላም ክነብሩ ኢዮም። ሰብ ኣብ ክንዲ ዝሃድኖም ኣብ ልዕሊ ምድሪ ናይ ምጕሳይ ሓላፍነት ቦታ ብምሓዝ: ጽቡቕ ገይሩ ክከናኸኖም ኢዩ። ተዃሉን ዕያውትን: ኣናብስን ምራኹትን: ብሓባር ክምገቡ ኢዮም። እቶም እንስሳ ዘቤት ድማ ፍጹም ደሓን ክረኽቡ ኢዮም። ንእሽቶይ ቈልዓ ከይተረፈ ካብ ኣራዊት ኣይክፈርሕን ኢዩ: እቲ ቕሳነት ናይ ሓዳስ ዓለምውን ብጨካናት ዘይምሕሩ ሰባት ኣይክዝረግን ኢዩ። (ኢሳይያስ 11:⁠6-8) ኣየ ከመይ ዝኣመሰለት ሓዳስ ዓለም ኰን ክትከውን ኢያ!

ወድሰብ ይልወጥ

12. ኢሳይያስ 11:⁠9 ከመይ ኢሉ ኢዩ ሎሚ ፍጻሜኡ ዝረክብ ዘሎ: ኣብ ገነትከ ብኸመይ ኢዩ ዚፍጸም፧

12 ኢሳይያስ 11:⁠9 ኣብ ምልእቲ ምድሪ ጕድኣት ዘይህልወሉ ምኽንያት ይነግረና ኢዩ። ከምዚ ይብል:- “ከምቲ ማያት ንመዓሙቝ ባሕሪ ዜጐልብቦ: ምድሪ ብፍልጠት እግዚኣብሄር ክትመልእ እያ።” እዚ ንሰባት ኢዩ ዘመልክት: ምኽንያቱ እንስሳታት ብባህርያዊ መገዲ ስለ ዝምርሑ “ፍልጠት እግዚአብሄር” ክወስዱን ክልወጡን ኣይክእሉን ኢዮም። ንሰባት ግን ናይ ፈጣሪና ፍልጠት ይልውጦም ኢዩ። ንስኻ ንገዛእ ርእስኻ: ንፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ናብራኻ ስለ ዘውዓልካዮ ድሮ ገለ ለውጥታት ገይርካ ከም ዘሎኻ ኣየጠራጥርን ኢዩ። ብሚልዮናት ከኣ ከምኡ ገይሮም ኢዮም። ስለዚ: እዚ ትንቢት እዚ ኣብቶም ንየሆዋ ዘገልግሉ ድሮ ክፍጸም ጀሚሩ ኢዩ። ይኹን እምበር: ናብቲ ኣብ ምልእቲ ዓለም ዝነብሩ ሰባት: ዝዀነ ይኹን ኣራዊታዊ ወይ ሕሱም ጠባያት ደርብዮም ንዘለኣለም ብሰላም ዝነብሩሉ ግዜ ድማ የመልክት ኢዩ።

13. ኣብ ምድሪ ከመይ ዝበለ ናይ ትምህርቲ መደብ ኢዩ ዝህሉ፧

13 ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ክመልኣ ከሎስ ኣየ ክንደይ ዘደንቕ ክኸውን ኢዩ! ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ናይ ንጉስ የሱስ ክርስቶስን እቶም 144, 000 መጋዝእቱን ሰፊሕ ትምህርታዊ መደብ ክህሉ ኢዩ! ሽዑ ሓደስቲ “መጻሕፍቲ” ኣብ ጥቕሚ ክውዕል ኢዩ: እዚ መጻሕፍቲ እዚ ነቶም ተቐማጦ ምድሪ መምሃሪ ዝኸውን ናይ ኣምላኽ ጽሑፋዊ መምርሒታት ምዃኑ ግሁድ ኢዩ። (ራእይ 20:⁠12) ወድሰብ ሰላም ደኣ⁠’ምበር: ውግእ ኣይክማሃርን ኢዩ። ኵሉ ኣዕናዊ ኣጽዋር ውግእ ንሓዋሩ ከልግስ ኢዩ። (መዝሙር 46:⁠9) ተቐማጦ ናይታ ሓዳስ ዓለም ንብጾቶም ሰባት ብፍቕርን ብስነ-ስርዓትን ብኽብርን ክሕዝዎም ኢዮም።

14. ወድሰብ ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ምስ ኰነ: ዓለም ከመይ ኢላ ኢያ ፍልይቲ እትኸውን፧

14 ወድሰብ ሓንቲ ሕብርቲ ስድራቤት ክኸውን ኢዩ። ዕንቅፋት ናይ ሕብረትን ሕውነትን ኣይክህሉን ኢዩ። (መዝሙር 133:⁠1-3) ሰረቕቲ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝሽጐር ገዛ ኣይክህሉን ኢዩ። ሰላም ኣብ ነፍሲ ወከፍ ልቢ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ገዛ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ምድሪ ክሰፍን ኢዩ።​—⁠ሚክያስ 4:⁠4

እቲ ዘሐጕስ ትንሳኤ

15. ኣብ ምድሪ እንታይ ክልተ ጉጅለታት ኢዮም ዝትንስኡ፧

15 ኣብቲ ሽሓዊ ዓመት: ትንሳኤ ክፍጸም ኢዩ። እቶም ብዘይ ምንሳሕ ደይመደይ ኢሎም ኣንጻር ተግባራት ወይ መሪሕነት ናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ወይ መስለጢ ሓይሊ ዝኸዱ ሰባት ኣይክትንስኡን ኢዮም። (ማቴዎስ 23:⁠15, 33፣ እብራውያን 6:⁠4-6) ርግጽ ኢዩ: እቶም በዚ መገዲ እዚ ዝሓጥኡ መን ምዃኖም ኣምላኽ ኢዩ ዝውስኖ። ይኹን እምበር: ክልተ ፍሉጣት ጕጅለታት ክትንስኡ ኢዮም​—⁠‘ጻድቃንን ሓጥኣንን።’ (ግብሪ ሃዋርያት 24:⁠15) ግቡእ ተርታ ክህሉ ስለ ዝዀነ: እቶም ኣብ ምድሪ ናብ ህይወት ክምለሱ ናይ መጀመርያ ምቕባል ዝግበረሎም: እቶም ንየሆዋ ብተኣማንነት ዘገልገልዎ ጻድቃን ክዀኑ ኢዮም ኢልካ ምድምዳም ምኽንያታዊ ኢዩ።​—⁠እብራውያን 11:⁠35-39

16. (ሀ) ካብቶም ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ “ጻድቃን” መን ክህልዉ ኢዮም፧ (ለ) ካብቶም ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ እሙናት ሰባት ብፍላይ ምስ ብዓል መን ክትራኸብ ትደሊ: ስለምንታይከ፧

16 ናይ የሆዋ ኣገልገልቲ: ኣብ ክንዲ ብዛዕባ ውግእን ዕንወትን ሞትን ዜና ዝሰምዑ ብዛዕባ ትንሳኤ ዘደንቕ ጸብጻባት ክሰምዑ ኢዮም። ከም ብዓል ኣቤል: ሄኖክ: ኖህ: ኣብርሃም: ሳራ: እዮብ: ሙሴ: ረሃብ: ሩት: ዳዊት: ኤልያስ: ኣስቴር ዝኣመሰሉ እሙናት ሰብኡትን ኣንስትን ከም እተመልሱ ምፍላጥ ኣዝዩ ዝምስጥ ክኸውን ኢዩ። ነቲ ብዙሕ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጸብጻባት ዝርዝር ተመኵሮ ብምሃቦም: ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ ውኖኻ ዝምስጥ ታሪኻዊ ጭብጥታት ኰን ከቕርቡ ኢዮም! ንሳቶምን እቶም ኣብዚ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ዝሞቱ ጻድቃንን ብዛዕባ መጨረሻ ናይ ሰይጣን ኣገባብን የሆዋ ከመይ ገይሩ ነቲ ቅዱስ ስሙ ከም ዝቐደሶን ናይ ልዓላውነቱ ሓቅነት ከም ዘረጋገጸን ክፈልጡ ሃንቀው ከም ዝብሉ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

17. እቶም እሙናት: ነቶም ዝትንስኡ ካልኦት እንታይ ሓገዝ ክህብዎም ኢዮም፧

17 እዞም እሙናት እዚኣቶም: ብግዜ ናይቲ ቀጺሉ ዘሎ ናይ ትንሳኤ መድረኽ: ብቢልዮናት ዝቝጸሩ “ሓጥኣን” ካብ ማእሰር ሞት ምስ ተፈትሑ ኣየ ክንደይ ደገፍቲ ክዀኑዎም ኢዮም! መብዝሕትኡ ወድሰብ ንየሆዋ ንምፍላጥ ፈጺሙ ዕድል ኣይነበሮን። ሰይጣን ‘ንሓሳቦም ኣዕዊሩዎ’ ኢዩ ነይሩ። (2 ቈረንቶስ 4:⁠4) ይኹን እምበር: ግብሪ ድያብሎስ ከም ዘይነበረ ኪኸውን ኢዩ። እቶም ሓጥኣን ናብ ሓንቲ ውቅብትን ሰላማዊትን ምድሪ ኪምለሱ ኢዮም። እቶም ብዛዕባ የሆዋን ብዛዕባ እቲ ነጊሱ ዘሎ ወዱ የሱስ ክርስቶስን ክምህርዎም ብጽቡቕ እተመሓደሩ ህዝቢ ሓንጐፋይ ኢሎም ክቕበልዎም ኢዮም። ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ዝተንስኡ ንፈጣሪኦም ክፈልጥዎን ከፍቅርዎን ከለዉ: ፍልጠት የሆዋ ቅድሚ ሕጂ ኰይኑዎ ብዘይፈልጥ ኣገባብ ንምድሪ ኽመልኣ ኢዩ።

18. ነቶም ዝትንስኡ ፍቝራት ክትቅበሎም ከሎኻ እንታይ ስምዒት ይስመዓካ ይኸውን ኢልካ ትሓስብ፧

18 ኣየወ ትንሳኤስ ኣብ ልብና ከመይ ዝበለ ሓጐስ ኰን ኢዩ ከምጽኣልና! ብምኽንያት እቲ ጸላኢና ዝዀነ ሞት ዘይተሳቐየ መን ኢዩ ክህሉ ዝኽእል፧ ብርግጽ ሕማም: እርጋን: ሓደጋ ወይ ዓመጻ ንህይወት ናይ ሓደ ፍቝር ክምንጥላ ኸሎ: ማእሰር ናይ ፍቕሪ ወይ ዕርክነት ምስ ተበትከ: ፈጺሙ ከም እተሓምሸሸ ኰይኑ ዘይስምዖስ መን ኢዩ፧ እቲ ሽዑ ኣብ ገነት እንደገና ብምርኻብ ክህሉ ዘለዎ ሓጐስ እሞ ሕሰቦ! ኣዴታትን ኣቦታትን: ኣወዳትን ኣዋልድን: ኣዕሩኽን ኣዝማድን እናሰሓቑን እናተደፋነቝን ክተሓቛቘፉ ኢዮም።

ፍጽምና ኣብ መወዳእታ!

19. ኣብቲ ሽሓዊ ዓመት እንታይ ተኣምራት ኢዩ ዝፍጸም፧

19 ኣብ ኵሉ እቲ ሽሕ ዓመት ሓደ ዘደንቕ ተኣምራት ክፍጸም ኢዩ። ንወድሰብ: ምናልባሽ ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እቲ ኣዝዩ ዝምስጥ መዳይ ክኸውን ኢዩ። የሆዋ ንወዱ: ንጥቕሚ ናይቲ በጅነታዊ መስዋእቲ ኣብ ነፍሲ ወከፍ እሙንን እዙዝን ሰብኣይን ሰበይትን ንኸውዕሎ ክመርሖ ኢዩ። በዚ ኣገባብ እዚ ኵሉ ሓጢኣት ክጽረግ ወድሰብ ከኣ ናብ ፍጽምና ክድይብ ኢዩ።​—⁠1 ዮሃንስ 2:2፣ ራእይ 21:⁠1-4

20. (ሀ) ፍጹም ምዃን እንታይ ማለት ኢዩ ክኸውን፧ (ለ) እቶም ናይ ኣርማጌዶን ደሓንትን እቶም ዝትንስኡን መዓስ ኢዮም ምሉእ ህይወት ክረኽቡ ዝጅምሩ፧

20 ፍጽምና! እንታይ ትርጕም ኪህልዎ ኢዩ፧ ናብቲ ኣዳምን ሄዋንን ኣንጻር የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ ምሕጣኦም ዝሕጐሱሉ ዝነበረ ህይወት ምምላስ ማለት ኢዩ። ብኣካል: ብኣእምሮ: ብስምዒት: ብስነ-ምግባር ብመንፈስ​—⁠ኰታ ብዅሉ ኣሎ ዝበሃል መዳያት​—⁠ፍጹማት ሰባት ምስ መለክዒታት ኣምላኽ መሊኦም ክወሃሃዱ ኢዮም። ግናኸ ኵሎም ሰባት ሓደ ዓይነት ድዮም ክመስሉ፧ ፈጺሞም ኣይኰኑን! ናይ የሆዋ ፍጥረታት​—⁠ኣእዋም: ዕምባባታት: እንስሳታት​—⁠ኵሉ: ንሱ ብዙሕ ዝዓይነቱ ነገራት ከም ዘፍቅር ይምህረና ኢዩ። ፍጹማት ሰባት: እተፈላለየ ባህርያትን ክእለትን ክህልዎም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዝመደቦ ገይሩ ከስተማቕራ ኢዩ። ራእይ 20:⁠5 “እቶም ዝተረፉ ምውታት ግና እተን ሽሕ ዓመት ክሳዕ ዚፍጸማ ህይወት ኣይረኽቡን” ይብል። ከምቶም ካብ ኣርማጌዶን ዝድሕኑ ዓቢ ጭፍራ: እቶም ዝትንስኡ ናብቲ ሓጢኣት ዘይብሉ ፍጽምና ምስ በጽሑ መሊኦም ህያዋን ክዀኑ ኢዮም።

21. (ሀ) ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት ግዝኣት ክርስቶስ እንታይ ኪፍጸም ኢዩ፧ (ለ) ኣብ መወዳእታ ንሰይጣንን ደገፍቱን እንታይ ኪወርዶም ኢዩ፧

21 ንፍጹማት ሰባት ሓንቲ ናይ መወዳእታ ፈተና ከተጋጥሞም ኢያ። ኣብ መወዳእታ ሽሕ ዓመት: ሰይጣንን ኣጋንንቱን ንሓጺር ግዜ ካብ መዓሙቝ ክፍትሑ: ንሰባት ካብ የሆዋ ከርሕቕዎም ናይ መወዳእታ ፈተነ ክገብሩ ድማ ክፍቀደሎም ኢዩ። ሒደት ሰባት ነቲ እኩይ ባህግታቶም ልዕሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ክሰርዕዎ ኢዮም: ይኹን እምበር: እዚ ዕልወት እዚ ብኣጋ ክጕንደብ ኢዩ። የሆዋ ነዞም ስሱዓት እዚኣቶም ምስ ሰይጣንን ኵሎም ኣጋንንቱን ክቐትሎም ኢዩ። ብድሕርዚ ኵሎም ገበርቲ እከይ ንሓዋሩ ክጠፍኡ ኢዮም።​—⁠ራእይ 20:⁠7-10

እንታይ ክትገብር ኢኻ፧

22. ኣብ ገነት እንታይ ክትገብር ኢኻ እትጽበ ዘሎኻ፧

22 እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዘፍቅሩን ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዝነብሩን: ኣብ ቅድሚኦም ዘለኣለምነት ክዝርጋሕ ኢዩ። ሓጐሶም ክንግምቶ ኣይንኽእልን ኢና: ንስኻውን ኣብዚ ክትካፈል ትኽእል ኢኻ። ሙዚቃ: ስነ-ጥበብ: ኢደ-ጥበባዊ ስርሓት​—⁠እወ: እቲ ፍጹም ወድሰብ ክበጽሖ ዘለዎ ምዕባሌታት: ነቲ ኣብዛ ኣረጊት ዓለም ዘለዉ ዓበይቲ ክኢላታት ዝሰርሕዎ ዝበለጸ ዕዮታት ክሓልፎ ኢዩ! ልዕሊ ኵሉ ድማ: ሰባት ፍጹማት ኢዮም ክዀኑ: ኣብ ቅድሚኦም ድማ ደረት ዘይብሉ ግዜ ክህሉ ኢዩ። ንስኻውን ከም ሓደ ፍጹም ሰብ መጠን እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል እሞ ገምቶ። ከምኡውን ንስኻን ብጾትካ ሰባትን​—⁠ካብቶም ኣብ ኣድማስ ዘለዉ ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ጋላክሲታት ክሳዕ እቶም ዝደቐቑ ትሕተ-ኣቶማዊ ኣዝዮም ንኡሳን ኣካላት​—⁠ብዛዕባ ፍጥረት የሆዋ እንታይ ክትማሃሩ ከም እትኽእሉ እሞ ሕሰብ። ኵሉ እቲ ወድሰብ ክበጽሖ ዘለዎ ንልቢ ናይቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና የሆዋ ዘሐጕስ ክኸውን ኢዩ።​—⁠መዝሙር 150:⁠1-6

23. ህይወት ኣብ ገነት ዘሰልኪ ዘይከውን ስለምንታይ ኢዩ፧

23 ኣብቲ ግዜ እቲ ህይወት ዘሰልኪ ኣይክኸውንን ኢዩ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ እናመቀረ ክኸይድ ኢዩ። ርአ እሞ: ፍልጠት ኣምላኽ መወዳእታ ኣይክህልዎን ኢዩ። (ሮሜ 11:⁠33) ኣብ ኵሉ ዘለኣለምነት: ኵሉ ሳዕ ብዙሕ እትማሃሮ ነገራትን ሓድሽ ዝድህሰስ ፍልጠትን ክህሉ ኢዩ። (መክብብ 3:⁠11) ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ንምምሃር እናቐጸልካ ብዝኸድካ ኸኣ​—⁠ንሒደት ዓመታት ጥራይ ዘይኰነስ​—⁠ብዘይ ምቍራጽ ንዘለኣለም ምንባር ክትክእል ኢኻ።​—⁠መዝሙር 22:⁠26

24, 25. ሕጂ ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ምንባር ዘድልየካ ስለምንታይ ኢዩ፧

24 ኣብ ገነታዊት ምድሪ ባህ ዘብል መጻኢ ግዜ ክህልወካስ ዝዀነ ይኹን ጻዕሪ ወይ መስዋእቲ ክትከፍለሉ ዝበቅዕዶ ኣይኰነን፧ ብርግጽ ከምኡ ኢዩ! እምበኣር የሆዋ ኸኣ ናብዚ መስተንክር መጻኢ ግዜ ዘእቱ መፍትሕ ዘርጊሑልካ ኣሎ። እቲ መፍትሕ እቲ ኸኣ ፍልጠት ኣምላኽ ኢዩ። ክትጥቀመሉ ዲኻ፧

25 ንየሆዋ ተፍቅሮ እንተድኣ ዄንካ: ፍቓዱ ብምግባር ክትሕጐስ ኢኻ። (1 ዮሃንስ 5:⁠3) ነቲ መገዲ እቲ እናሰዓብካ ብዝኸድካ መጠን: ኣየ ከመይ ዝኣመሰለ በረኸታት ኰን ክትረክብ ኢኻ! ንፍልጠት ኣምላኽ ኣብ ግብሪ እንተድኣ ኣውዒልካዮ: ኣብዛ ሽግር ዝመልአት ዓለምውን ከይተረፈ ሕጕስ ህይወት ከምጽኣልካ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣብ መጻኢ ግዜ እትረኽቦ ሽልማት ከኣ ዓቢ ኢዩ: ከመይሲ እዚ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ኢዩ! ስጕምቲ እትወስደሉ ምቹእ ግዜ ሕጂ ኢዩ። ምስ ፍልጠት ኣምላኽ ተሰማሚዕካ ክትነብር ብቘራጽነት ተለዓል። ንየሆዋ ዘሎካ ፍቕሪ ብግብሪ ኣርእዮ። ነቲ ቅዱስ ስሙ ኣኽብሮ: ንሰይጣን ከኣ ሓሳዊ ምዃኑ ብግብርኻ ኣመስክር። የሆዋ ኣምላኽ እቲ ምንጪ ናይ ሓቀኛ ጥበብን ፍልጠትን ከኣ ብወገኑ ኣብቲ ሰፊሕን ፈቃርን ልቡ ብኣኻ ባህ ክብሎ ኢዩ። (ኤርምያስ 31:⁠3፣ ጸፎንያስ 3:⁠17) ንዘለኣለም ከኣ ከፍቅረካ ኢዩ!

ፍልጠትካ ምዘን

እቲ “ናይ ሓቂ ህይወት” እንታይ ኢዩ፧

ብድሕሪ ኣርማጌዶን: ኣብ ምድሪ እንታይ ክፍጸም ኢዩ፧

ኣብ ምድሪ ዝትንስኡ መን ኢዮም፧

ደቅሰብ ብኸመይ ኢዮም ፍጹማት ዝዀኑን ኣብ መወዳእታ ኸኣ ዝፍተኑን፧

ብዛዕባ ገነት ዝምልከት ተስፋኻ እንታይ ኢዩ፧

[ሕቶታት መጽናዕቲ]

[ኣብ ገጽ 188, 189 ዘሎ ስእሊ]

ፍልጠት ኣምላኽ ንምድሪ ኣብ ዝመልኣሉ እዋን: ኣብ ገነት ክትነብር ተስፋዶ ትገብር ኢኻ፧