ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

5ይ ክፋል

ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ

ናብቲ “ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም” ተመለሱ

ካብቲ ኣብዛ ብሮሹር ዝረኣናዮ ጸገማት ሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣጋጢሙካዶ ይፈልጥ፧ እዚ ንዓኻ ጥራይ ኣይኰነን ኣጋጢሙካ። ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበሩን ብግዜና ዘለዉን እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢምዎም እዩ። ከምቲ ንሳቶም ካብ የሆዋ ሓገዝ ዝረኸቡ፡ ንስኻ እውን ሓገዙ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ከለኻ፡ ንሱ ኺርከበልካ እዩ

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ከለኻ፡ ንሱ ኸም ዚርከበልካ ኣይትጠራጠር። ንዚስምዓካ ጭንቀትን ቅሬታን ክትዋጽኣሉ፡ ነቲ ኻብ ንጹህ ሕልና ዚርከብ ናይ ኣእምሮን ናይ ልብን ሰላም ከኣ ክትረክብ ኪሕግዘካ እዩ። ከም ብሓድሽ ንየሆዋ ምስ ኣምለኽቱ ዄንካ ንምግልጋል ድማ ክትለዓዓል ኢኻ። ኵነታትካ ምስ ኵነታት እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ፡ ሃዋርያ ጴጥሮስ፡ “ከም ብራርያ ኣባጊዕ ኢኹም ዝነበርኩም፣ ሕጂ ግና ናብቲ ጓሳን ሓላውን ነፍሳትኩም ተመሊስኩም ኣለኹም” ኢሉ ዝጸሓፈሎም ገሊኦም ክርስትያናት ዚመሳሰል ኪኸውን ይኽእል እዩ።—1 ጴጥሮስ 2:25

ናብ የሆዋ ኽትምለስ ምውሳንካ፡ ጽቡቕ ውሳነ እዩ። ስለምንታይ፧ ንልቢ የሆዋ ስለ እተሐጕሶ እዩ። (ምሳሌ 27:11) የሆዋ ስምዒት ከም ዘለዎ ትፈልጥ ትኸውን፣ ተግባርና ኸኣ ይጸልዎ እዩ። ልክዕ እዩ፡ የሆዋ ኸነፍቅሮን ከነገልግሎን ኣይግድደናን እዩ። (ዘዳግም 30:19, 20) ሓደ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምሁር ብዛዕባ እዚ ኺገልጽ ከሎ፡ “ማዕጾ ልቢ ወዲ ሰብ፡ ብግዳም መኽፈቲ የብሉን። ካብ ውሽጢ እዩ ኪኽፈት ዘለዎ” በለ። ፍቕሪ ብዝመልአ ልቢ ተለዓዒልና ንየሆዋ ምስ እነገልግሎ፡ ነቲ ማዕጾ ኽንከፍቶ ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ክቡር ህያብ ንህቦ፡ ማለት ብንጽህና ኽንመላለስ ንኽእል፣ በዚ ኸምዚ ኸኣ ንልቡ ኣዚና ነሐጕሶ። ንየሆዋ ዚግብኦ ኣምልኾ ብምሃብ ካብ ዚርከብ ሓጐስ ዚዓቢ ነገር የልቦን።—ግብሪ ሃዋርያት 20:35፣ ራእይ 4:11

ብዘይካዚ፡ ከም ብሓድሽ ክርስትያናዊ ኣምልኾ ምስ ጀመርካ፡ እትሃርፎ መንፈሳዊ ነገራት ኪማልኣልካ እዩ። (ማቴዎስ 5:3) ብኸመይ፧ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት፡ “ስለምንታይ ኢና ኣብዚ ዘለና፧” ኢሎም ይሓስቡ እዮም። ብዛዕባ ዕላማ ህይወት ንዚለዓሎም ሕቶታት መልሲ ኺረኽቡ እውን ሃረር ይብሉ እዮም። የሆዋ ኸምኡ ገይሩ ስለ ዝፈጠሮም እዩ እዚ ሃንቀውታ እዚ ዘለዎም። ንዕኡ ብምግልጋል ዕግበት ከም እንረክብ ገይሩ እዩ ፈጢሩና። ንዕኡ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸም እነገልግሎ ኻብ ምፍላጥ ንላዕሊ ዕግበት ኬምጽኣልና ዚኽእል ነገር ድማ የልቦን።—መዝሙር 63:1-5

የሆዋ ናብኡ ኽትምለስ ከም ዚደልየካ ኣይትረስዕ። ከመይ ጌርካ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል፧ ነዚ ዚስዕብ እስከ ሕሰበሉ፦ እዛ ብሮሹር እዚኣ፡ ብብዙሕ ጸሎት ብጥንቃቐ እያ ተዳልያ። ምናልባት ሓደ ክርስትያን ሽማግለ ወይ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ድማ ንዓኻ ሂቡካ። ንስኻ ኸኣ ምስ ኣንበብካያ፡ ነቲ ኣብኣ ዘሎ መልእኽቲ ምላሽ ክትህበሉ ተለዓዒልካ። እዚ ዅሉ፡ የሆዋ ኸም ዘይረስዓካ ዜረጋግጽ እዩ። እኳ ደኣስ፡ ብልእመት መሊሱ ናብኡ ይስሕበካ እዩ ዘሎ።—ዮሃንስ 6:44

የሆዋ ነቶም ዚጠፍኡ ኣገልገልቱ ፈጺሙ ኸም ዘይርስዖም ምፍላጥና የጸናንዓና እዩ። ዶና እትብሃል ሓብቲ ኸምኡ እዩ ተሰሚዕዋ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “በብቝሩብ ካብ ሓቂ እኳ እንተ ረሓቕኩ፡ ነቲ ኣብ መዝሙር 139:23, 24 ዘሎ፡ ‘ኦ ኣምላኽ፡ ውሽጠይ ፈትሽ፡ ልበይ ከኣ ፍለጥ። መርምረኒ፡ ዜጨንቐኒ ሓሳባተይ ድማ ፍለጥ። ጐዳኢ መገዲ እንተ ኣልዩኒ ርአ፣ ብመገዲ ዘለኣለም ከኣ ምርሓኒ’ ዚብል ሓሳባት ብዙሕ ሳዕ አስተንትነሉ ነይረ። ናይ ዓለም ከም ዘይኰንኩ፡ ማለት ምስ ዓለም ክሕወስ ከም ዘይክእል እፈልጥ ነይረ እየ፣ ምስ ውድብ የሆዋ ክኸውን ከም ዘሎኒ እውን እፈልጥ ነይረ እየ። የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓደገኒ ኸኣ ክርኢ ጀሚረ፣ ናብኡ ኽምለስ ዝኽእለሉ መገዲ ኸናዲ ጥራይ እዩ ነይሩኒ። ከምኡ ብምግባረይ ድማ ሕጒስቲ እየ!”

“የሆዋ ፈጺሙ ኸም ዘይሓደገኒ ኸኣ ክርኢ ጀሚረ፣ ናብኡ ኽምለስ ዝኽእለሉ መገዲ ኸናዲ ጥራይ እዩ ነይሩኒ”

ንስኻ እውን ከም ብሓድሽ “ሓጐስ የሆዋ” ኽትረክብ ልባዊ ጸሎትና እዩ። (ነህምያ 8:10) ናብ የሆዋ ብምምላስካ ፈጺምካ ኣይክትጠዓስን ኢኻ።