ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መደምደምታ

መደምደምታ

ምስ ህዝቢ የሆዋ ዘሕለፍካዮ ባህ ዜብል እዋናት፡ ንኣብነት ዜተባብዕ ኣኼባ ጉባኤ፡ ዚምስጥ ዓብዪ ኣኼባ፡ ኣብ ኣገልግሎት ዘጋጠመካ ዜሐጕስ ተመክሮ፡ ወይ ምስ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይካ ዝገበርካዮ ዕላል ትዝክርዶ፧ ንየሆዋ ኣይረሳዕካዮን፣ ንሱ እውን ኣይረስዓካን። ነቲ ብተኣማንነት ዘገልገልካዮ ኣገልግሎት ደስ ኢልዎ ይዝክሮ እዩ። ናብኡ ምእንቲ ኽትምለስ ኪሕግዘካ እውን ሃንቀው ይብል እዩ።

የሆዋ ኸምዚ ኢሉ ኣሎ፦ “ኣነ ባዕለይ ንኣባጊዐይ ከናድየንን ክኣልየንን እየ። ፋሕ ንዝበላ ኣባጊዑ ረኺቡ ኸም ዜብልዐን ጓሳ፡ ንኣባጊዐይ ክኣልየን እየ። ካብ ኵሉ እቲ . . . ፋሕ ኢለናሉ ዝነበራ ቦታታት ከናግፈን እየ።”—ህዝቅኤል 34:11, 12