ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

4ይ ክፋል

ስምዒት በደለኛነት—‘ካብ ሓጢኣተይ ኣጽርየኒ’

ስምዒት በደለኛነት—‘ካብ ሓጢኣተይ ኣጽርየኒ’

“ሓድሽ ስራሐይ ንመነባብሮ ስድራ ቤትና እኳ እንተ ኣመሓየሾ፡ ናብ ብዙሕ ዜተሓታትት ንጥፈታት ግና መሪሑኒ እዩ። በዓላት ከብዕል፡ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ክሳተፍ፡ ሕሉፍ ሓሊፈ እውን ናብ ቤተ ክርስትያን ክኸይድ ጀሚረ ነይረ። ን40 ዓመት ድማ ዘይንጥፍቲ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይነ ነይረ። ግዜ እናሓለፈ ብዝኸደ መጠን፡ የሆዋ ይቕረ ኸም ዘይብለኒ ዀይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ኣነ እውን ንርእሰይ ይቕረ ኽብል ዘይክእል ኰይኑ ይስምዓኒ ነይሩ። ከመይሲ፡ ገና በቲ ግጉይ መገዲ ቕድሚ ምኻደይ፡ ንሓቂ እፈልጣ ነይረ እየ።”—ማርታ።

ስምዒት በደለኛነት ከም ዚደቍስ ጾር ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ግዜ፡ ንጉስ ዳዊት እውን፡ “ስሕተተይሲ ኣብ ልዕሊ ርእሰይ ኣንጸላልዩ ኣሎ፣ ከም ከቢድ ጾር፡ ኣዝዩ ይኸብደኒ ኣሎ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 38:4) ገሊኦም ክርስትያናት፡ የሆዋ ፈጺሙ ይቕረ ኺብለሎም ከም ዘይክእል ኰይኑ ስለ ዚስምዖም፡ ብብዙሕ ጓሂ ተዋሒጦም እዮም። (2 ቈረንቶስ 2:7) እዚ መደምደምታ እዚ ግና ቅኑዕ ድዩ፧ ከቢድ ሓጢኣት እኳ እንተ ገበርካ፡ ካብ የሆዋ እምብዛ ኻብ ምርሓቕካ እተላዕለ ይቕረ ኺብሃለልካ ዘይከኣል ዲኻ፧ ኣይፋልን፡ ከምኡ ኣይኰንካን!

“ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ”

የሆዋ ንዚንስሑ ሓጥኣን ኣይጥንጥኖምን እዩ። እኳ ደኣስ፡ ኪሕግዞም ይጽዕር እዩ። የሱስ ኣብ ምሳሌ እቲ ዘራዊ ወዲ፡ ንየሆዋ ምስ ሓደ ፈቃር ኣቦ እዩ ኣመሳሲልዎ። ይኹን እምበር፡ ወዱ ንስድራ ቤቱ ሓዲጉ ብዝርጋን ይነብር ነበረ። ድሕሪ ግዜ፡ እቲ ወዲ ናብ ቤት ኪምለስ ወሰነ። “ኣቦኡ ድማ፡ ገና ርሑቕ ከሎ ረኣዮ እሞ ደንገጸሉ፣ ጐይዩ ኸኣ፡ ሓኒቑ ሰዓሞ።” (ሉቃስ 15:11-20) ናብ የሆዋ ኽትቀርብ እናሓሰብካ፡ ካብኡ “ገና ርሑቕ” ዘለኻ ዀይኑዶ ይስምዓካ እዩ፧ የሆዋ ኸምቲ የሱስ ኣብ ዝመሰሎ ምሳሌ ተጠቒሱ ዘሎ ኣቦ ይርሕርሓልካ እዩ። ኪቕበለካ ተሃንጥዩ እዩ ዚጽበየካ ዘሎ።

ሓጢኣትካ ኣመና ኸቢድ ወይ ኣዝዩ ብዙሕ ካብ ምዃኑ እተላዕለ፡ የሆዋ ይቕረ ኺብለልካ ዘይክእል ኰይኑ እንተ ተሰሚዑካኸ፧ ነቲ ኣብ ኢሳይያስ 1:18 ዚርከብ የሆዋ ዘቕረቦ ጻውዒት እሞ ርኣዮ፦ “‘እምበኣር፡ ንዑ እሞ ኣብ መንጎና ነገር ነቕንዕ’ ይብል የሆዋ። ‘ሓጢኣትኩም ከም ቀይሕ ዝሕብሩ እኳ እንተ ዀነ፡ ከም ውርጪ ጻዕዳ ኪኸውን እዩ።’” እወ፡ የሆዋ ነቲ ኸምቲ ቐይሕ ሕብሪ ንጻዕዳ ኽዳን ምስ ጸየቖ ኺድምሰስ ዘይከኣል ዚመስል ዝነበረ ሓጢኣት እኳ ይቕረ ኺብሎ ይኽእል እዩ።

የሆዋ ብስምዒት በደለኛነት ክትሳቐ ኣይደልየካን እዩ። ከመይ ጌርካ ደኣ ኢኻ ኻብ ይቕረታ ኣምላኽን ካብ ንጹህ ሕልናን ዚርከብ እፎይታ ኽትረክብ እትኽእል፧ ንጉስ ዳዊት ዝወሰዶ ኽልተ ስጕምቲ እስከ ርአ። ቀዳማይ፡ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢሉ እዩ። (መዝሙር 32:5) የሆዋ ብጸሎት ኽትቀርቦን ‘ነገር ከተቕንዕን’ ድሮ ጻውዒት ከም ዘቕረበልካ ኣይትረስዕ። ነቲ ጻውዒት እቲ ተቐበሎ። ሓጢኣትካ ንየሆዋ ተናዘዘሉ፡ ስምዒትካ እውን ኣካፍሎ። ዳዊት ካብ ብሕታዊ ተመክሮኡ ተላዒሉ፡ “ካብ ሓጢኣተይ . . . ኣጽርየኒ። . . . ኦ ኣምላኽ፡ እተሰብረን እተደቝሰን ልቢ ኣይትንዕቕን ኢኻ” ኢሉ ብምትእምማን ጸልዩ እዩ።—መዝሙር 51:2, 17

ካልኣይ፡ ዳዊት ካብቲ ኣምላኽ ዝሸሞ ወኪል ዝነበረ ነብዪ ናታን ሓገዝ ረኺቡ እዩ። (2 ሳሙኤል 12:13) ሎሚ እውን፡ የሆዋ ነቶም እተነስሑ ሓጥኣን ምስኡ ኸም ብሓድሽ ርክብ ምእንቲ ኺህልዎም ንምሕጋዝ ዝሰልጠኑ ሽማግለታት ጉባኤ ኣዳልዩልና ኣሎ። ንሽማግለታት እንተ ቐሪብካዮም፡ ብቕዱሳት ጽሑፋትን ብልባዊ ጸሎትን ኣቢሎም ንልብኻ ኼህድእዎ፡ ኣሉታዊ ስምዒታትካ ኺንክዩ ወይ ኬወግዱ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ክትሓዊ ድማ ኪሕግዙኻ እዮም።—ያእቆብ 5:14-16

የሆዋ ንጹህ ሕልና ኺህልወካ ይደሊ እዩ

“ኣበሳኡ እተሓድገሉ . . . ሕጉስ እዩ”

ልክዕ እዩ፡ ሓጢኣትካ ንየሆዋ ኣምላኽ ምንዛዝን ናብ ሽማግለታት ምቕራብን ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ነገር ኪዀነካ ይኽእል እዩ። ዳዊት እውን ከምኡ ተሰሚዕዎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ንእተወሰነ እዋን፡ ሓጢኣቱ ሓቢኡ ‘ስቕ ኢሉ’ ነይሩ እዩ። (መዝሙር 32:3) ድሕሪኡ ግና፡ ሓጢኣቱ ምንዛዝን መገዱ ምዕራይን ዘለዎ ጥቕሚ ተገንዚቡ እዩ።

ዳዊት ነቲ ኣጥፊእዎ ዝነበረ ሓጐሱ መሊሱ ኺረክብ ብምኽኣሉ፡ ዓብዪ ጥቕሚ ረኺቡ እዩ። ብዛዕባ እዚ፡ “ኣበሳኡ እተሓድገሉ፡ ሓጢኣቱ ይቕረ እተባህለሉ ሕጉስ እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 32:1፡ እግረ ጽሑፍ) “ኣፈይ ውዳሰኻ ምእንቲ ኺነግርሲ፡ ኦ የሆዋ፡ ከናፍረይ ክፈት” ኢሉ እውን ጸልዩ እዩ። (መዝሙር 51:15) ካብ ስምዒት በደለኛነት ስለ እተናገፈን ንይቕረታ ኣምላኽ ምስጋና ስለ ዝሓደሮን ከኣ፡ ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ ኺዛረቦም ተለዓዒሉ እዩ።

የሆዋ ንጹህ ሕልና ኺህልወካ ይደሊ እዩ። ብዘይካዚ፡ ስምዒት በደለኛነት ሃልዩካ ዘይኰነስ፡ ብቕንዕናን ብብዙሕ ሓጐስን ንኻልኦት ብዛዕባኡን ብዛዕባ ዕላማኡን ክትነግሮም እዩ ዚደሊ። (መዝሙር 65:1-4) ነቲ “ሓጢኣትኩም ምእንቲ ኺድምሰሰልኩም፡ ካብ የሆዋ ባዕሉ ኸኣ እዋን ዕረፍቲ ምእንቲ ኺመጸልኩም” ኢሉ ዘቕረቦ ጻውዒት ኣይትረስዓዮ።—ግብሪ ሃዋርያት 3:19

ንማርታ ኸምኡ እዩ ኣጋጢምዋ። ንሳ ኸምዚ በለት፦ “ወደይ መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ! ኵሉ ሳዕ ይሰድደለይ ነይሩ። በብቝሩብ ከኣ ንየሆዋ ኸም ብሓድሽ ኽፈልጦ ጀሚረ። ንዅሉ እቲ ዝገበርክዎ ሓጢኣት ይቕረ ኺብሃለለይ ምሕታት፡ ሓደ ኻብቲ ክምለስ ከለኹ ዘጋጠመኒ ኣዝዩ ኸቢድ ኵነታት እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ግና፡ ብጸሎት ናብ ኣምላኽ ቀሪበ ይቕረ ኽብለለይ ሓቲተዮ እየ። ን40 ዓመት ናብ የሆዋ ኸይተመለስኩ ምጽናሐይ ንምእማኑ ዜሸግር እዩ። ኣነ ባዕለይ፡ ሓደ ሰብ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት እውን ንኣምላኽ ኬገልግሎን ናብ ፍቕሩ ኺምለስን ኣጋጣሚ ኺውሃቦ ኸም ዚኽእል ዜረጋግጽ ህያው መርትዖ እየ።”