ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

2ይ ክፋል

ጭንቀት—“ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ”

ጭንቀት—“ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ”

“ድሕሪ ናይ 25 ዓመት ሓዳር፡ ኣነን ሰብኣየይን ተፋቲሕና። ደቀይ ከኣ ካብ ሓቂ ወጺኦም። ኣነ ድማ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገማት ኣጥርየ። ድሕሪኡ እውን ጭንቀት ኣሕዲረ። ምድረ ሰማይ ጽልምት ስለ ዝበለኒ፡ ዝዀነ ይኹን ነገር ክጻወር ኣይከኣልኩን። ናብ ጉባኤ ምኻድ ሓዲገዮ፡ ዘይንጥፍቲ ድማ ኰይነ።”—ጁን።

ጭንቀት ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ንህዝቢ ኣምላኽ የጋጥሞም እዩ። ሓደ ኻብቶም ጸሓፍቲ መጽሓፍ መዝሙር፡ ‘ጭንቀት ውሒጡኒ’ ኢሉ ጽሒፉ እዩ። (መዝሙር 94:19) የሱስ እውን ኣብ ግዜ መወዳእታ፡ ብፍላይ ብሰንኪ “ጭንቀት ናብራ” ንየሆዋ ምግልጋል ኣጸጋሚ ኸም ዚኸውን ተዛሪቡ እዩ። (ሉቃስ 21:34) ንስኻኸ ብሰንኪ ጸገም ገንዘብ፡ ስድራ ቤት፡ ወይ ጥዕና ትጭነቕ ዲኻ፧ የሆዋ ነዚ ኽትዋጽኣሉ ኸመይ ገይሩ ኺሕግዘካ ይኽእል፧

“ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ”

ንጭንቀት በይንና ኽንዋጽኣሉ ኣይንኽእልን ኢና። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡” “እንገብሮ ይጠፍኣና፡” “ተወቒዕና ንወድቕ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ። ይኹን እምበር፡ “ምንቅስቓስ ክሳዕ እንስእን ኣይጸበናን፡” “መዋጽኦ ዘይብልና ኣይኰንናን፡” “ኣይንጠፍእን ኢና” እውን ኢሉ እዩ። ክንጻወር ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧ እቲ ኻብቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽና ዝዀነ የሆዋ ዚርከብ “ካብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” እዩ።—2 ቈረንቶስ 4:7-9

ቅድሚ ሕጂ ነዚ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸመይ ጌርካ ኸም እተቐበልካ እሞ ሕሰብ። ሓደ ዜተባብዕ መደረ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሪ ዘሎካ ግንዛበ ኺዓምቝ ከመይ ገይሩ ኸም ዝሓገዘካ ትዝክርዶ፧ ብዛዕባ እቲ ምድሪ ገነት ከም እትኸውን ዚገልጽ ተስፋ ንኻልኦት ክትምህር ከለኻ፡ ኣብ ተስፋታት የሆዋ ዘሎካ እምነት ይዓቢዶ ነይሩ፧ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ክንእከብን ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትና ኽንነግሮምን ከለና፡ ንየሆዋ ተሓጒስና ምእንቲ ኸነገልግሎ ጭንቀት ናብራ ኽንጻወርን ናይ ኣእምሮ ሰላም ክንረክብን ዚሕግዘና ብርታዐ ረኺብና ኢና።

“የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ጥዓሙን ርኣዩን”

ከም ሓቂ፡ ዜዋጥረካ ብዙሕ ነገር ይህሉ ይኸውን። ንኣብነት፡ የሆዋ ቕድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደልን ልማድ መንፈሳዊ ንጥፈታት ኪህልወናን ይደልየና እዩ። (ማቴዎስ 6:33፣ ሉቃስ 13:24) ምጽራር፡ ሕማም፡ ወይ ናይ ስድራ ቤት ጸገም ንሓይልኻ እንተ ጸንቂቕዎ፡ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧ ዓለማዊ ስራሕካ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኸተውዕሎ እትደሊ ግዜን ጕልበትን እንተ ወሲድዎኸ፧ ግዜኻን ጕልበትካን ዚድሊ ብዙሕ ነገራት ክነሱ፡ ሒደት ግዜን ጕልበትን ጥራይ እንተ ኣልዩካ፡ ብጭንቀት ክትወሓጥ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ዝዀነ ነገር ክትገብር ከም ዚደሊ እውን ትሓስብ ትኸውን።

የሆዋ ጸገምካ ይርድኣልካ እዩ። ካብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ኽንገብር ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ። ካብ ኣካላውን ስምዒታውን ውጥረት ክንናገፍ ግዜ ኸም ዚወስደልና እውን ይፈልጥ እዩ።—መዝሙር 103:13, 14

የሆዋ ንነብዪ ኤልያስ ከመይ ገይሩ ኸም እተኸናኸኖ እስከ ኸም ኣብነት ንርአ። ኤልያስ ተስፋ ቘሪጹን ፈሪሁን ናብ በረኻ ምስ ሃደመ፡ የሆዋ ገኒሕዎን ናብ ዕዮኡ ኺምለስ ኣዚዝዎን ድዩ፧ ኣይፋሉን። የግዳስ፡ የሆዋ ኽልተ ሳዕ መልኣኹ ልኢኹ ንኤልያስ ቀስ ኣቢሉ ኣበራቢሩ እዩ ዚብላዕ ሂብዎ። ይኹን እምበር፡ ድሕሪ 40 መዓልቲ እውን ኤልያስ ተጨኒቑን ፈሪሁን እዩ። እሞኸ የሆዋ ንኤልያስ ንምሕጋዙ እንታይ ገይሩ፧ ቀዳማይ፡ ኬዕቍቦ ኸም ዚኽእል ብመርኣያ ኣርእይዎ። ካልኣይ ድማ፡ ብ“ህዱእ ትሑት ደሃይ” ገይሩ ኣጸናኒዕዎ። ኣብ መወዳእታ ኸኣ፡ ንኣምላኽ ብተኣማንነት ዜገልግሉ ኣሽሓት ከም ዘለዉ ገሊጹሉ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኤልያስ ከም ብሓድሽ ቀናእ ነብዪ ዀይኑ ብንጥፈት ኬገልግል ጀሚሩ። (1 ነገስት 19:1-19) ካብዚ እንታይ ንመሃር፧ ኤልያስ ብጭንቀት ምስ ተዋሕጠ፡ የሆዋ ብትዕግስትን ብርሕራሐን ተኸናኺንዎ እዩ። የሆዋ ኣይተለወጠን። ንዓና እውን ከምኡ ይሓልየልና እዩ።

ብዛዕባ እቲ ንየሆዋ ኽትህቦ እትኽእል ነገር ሚዛናዊ ኣረኣእያ ይሃሉኻ። ነቲ ሕጂ ኽትገብሮ እትኽእል ምስቲ ቕድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ኣይተወዳድሮ። ነዚ ብምሳሌ ንምብራህ፦ ንብዙሕ ኣዋርሕ ወይ ንዓመታት ልምምድ ኣቋሪጹ ዝነበረ ጐያዪ እሞ ንሕሰብ፣ ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ቀልጢፉ ናብ ናይ ቀደም ልማዱ ኺምለስ ኣይክእልን እዩ። የግዳስ፡ ኣብ ፈለማ ጕልበትን ተጻዋርነትን ኬማዕብል ዜኽእሎ ንኣሽቱ ሸቶታት እዩ ዜውጽእ። ክርስትያናት እውን ከም ጐየይቲ እዮም። ኣብ ኣእምሮኦም ንጹር ሸቶ ሒዞም ከኣ ልምምድ ይገብሩ። (1 ቈረንቶስ 9:24-27) እሞኸ ሕጂ ኽትዕወተሉ እትኽእል ሓደ መንፈሳዊ ሸቶ ዘይትስዕብ፧ ንኣብነት፡ ኣብ ኣኼባታት ጉባኤ ኽትእከብ ሸቶ ኸተውጽእ ትኽእል ኢኻ። የሆዋ ሸቶኻ ኽትወቅዕ ምእንቲ ኺሕግዘካ ሕተቶ። ከም ብሓድሽ መንፈሳዊ ብርታዐ ምስ ረኸብካ፡ ‘የሆዋ ሕያዋይ ምዃኑ ኽትጥዕምን ክትርእን’ ኢኻ። (መዝሙር 34:8) እቲ ንየሆዋ ኸም እተፍቅሮ ንምርኣይ እትገብሮ ነገር ይንኣስ ይዕበ፡ የሆዋ ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣይትረስዕ።—ሉቃስ 21:1-4

የሆዋ ኻብቲ ኽንገብሮ እንኽእል ንላዕሊ ኽንገብር ፈጺሙ ኣይጽበየናን እዩ

“ዝጽበዮ ዝነበርኩ መበራትዒ”

ጁን ናብ የሆዋ ኽትምለስ፡ ንሱ ብኸመይ እዩ ሓጊዝዋ፧ ንሳ ኸምዚ በለት፦ “የሆዋ ምእንቲ ኺሕግዘኒ ናብኡ ብቐጻሊ እጽሊ ነይረ። ሰበይቲ ወደይ ከኣ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ዚቕመጠላ ኸተማ ዚግበር ዓብዪ ኣኼባ ነጊራትኒ። ኣብቲ ዓብዪ ኣኼባ ሓንቲ መዓልቲ ኽካፈል ድማ ወሲነ። ናብ ህዝቢ የሆዋ ምስ ተመለስኩ፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ስምዒት እዩ ተሰሚዑኒ! እቲ ዓብዪ ኣኼባ እቲ፡ ዝጽበዮ ዝነበርኩ መበራትዒ እዩ ዀይኑለይ። ሕጂ ኸም ብሓድሽ ንየሆዋ ተሓጒሰ አገልግሎ ኣለኹ። ህይወተይ ዝያዳ ትርጕም ዘለዎ ዀይኑለይ ኣሎ። ርእሰይ ክፈሊ ኸም ዘይብለይ፡ ወይ ሓገዝ ኣሕዋተይ ከም ዜድልየኒ ብዝያዳ ተገንዚበ እየ። እቲ ግዜ ኸየብቅዐ ኽምለስ ብምኽኣለይ ሕጕስቲ እየ።”