ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ

መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ

ናይ መንፈስ ጭንቀት ንዘለዎም ዝኸውን መጸናንዒ

“ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ኾይኑ ኸም ዜስቈርቍርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን : ንፈልጥ ኣሎና ።” (ሮሜ 8 : 22) እዘን ቃላት እዚኣተን 1, 900 ዓመታት ይገብር ክጸሓፋ ኸለዋ ስቓይ ወድሰብ ዓብዪ ኢዩ ነይሩ ። ብዙሓት ይጭነቑ ነይሮም ኢዮም ። ስለዚ ኸኣ ኢዩ ንክርስትያናት “ነተን ዝተጨነቓ ነፍሳት ኣጸናንዕወን” ዝብል ማዕዳ ዝተዋህቦም ። — 1 ተሰሎንቄ 5 : 14 ትሓዓ

ሎሚ ናይ ወዲሰብ ስቓይ ኣዝዩ ከቢዱ ስለ ዘሎ : ካብ ዝሓለፈ ግዜ ሎሚ ብዝያዳ ብዙሓት ሰባት መንፈስ ጭንቀት ይሕዞም ኣሎ ። በዚ ግን ክንግረምዶ ይግባእ ኢዩ ? ክገርመና የብሉን ከመይሲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዘን መዓልታት እዚአን “ዳሕሮት መዓልትታት” ከም ዝኾና ኢዩ ዝሕብረለን ። “ንኽትዋጽኣሉ ዘሸግር ጽንኩር ግዜ” ኢሉ ኸኣ ይጽውዐን ። (2 ጢሞቴዎስ 3 : 1 – 5 ትሓዓ) የሱስ ክርስቶስ እውን ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት “ጸበባ ኣህዛብ ኪኸውን . . . ብፍርሃትን ኣብ ዓለም ብዚመጽእ ምጽባይን ነፍሲ ሰብ ክትወጽእ ” ኢሉ ኢዩ ዝተነበየ ። — ሉቃስ 21 : 7 – 11, 25 – 27 ፣ ማቴዎስ 24 : 3⁠–⁠14

ሰባት ንነዊሕ እዋን ከቢድ ሓልዮት : ፍርሂ : ጓሂ : ወይ ካልእ ኣሉታዊ ስምዒታት እንተድአ ኣጋጢምዎም ብዙሕ ግዜ መንፈስ ጭንቀት ይሕዞም ኢዩ ። ጠንቂ ናይ መንፈስ ጭንቀት ወይ ክቱር ጓሂ : ሞት ናይ ፍቑርካ : ፍትሕ : ስእነት ስራሕ ወይ ከኣ ዘይሓዊ ሕማም ክኸውን ይኽእል ኢዩ ። ሰባት መንፈስ ጭንቀት ንኽሕዞም ዝገብር ካልእ ምኽንያት ከኣ ንገዛእ ርእሶም ከም ቍምነገር ዘይብሎምን ውዳቓትን መጕሃይትን ከም ዝኾኑ ኰይኑ ምስ ዝስምዖም ኢዩ ። ልክዕ ኢዩ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘጨንቕ ኩነታት ክወሓጥ ይኽእል ኢዩ ። ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ናይ ተስፋ ቅብጸት ስምዒት እንተደኣ ኣሕዲሩን ካብቲ ኣጋጢምዎ ዘሎ ሓደ ሕማቕ ኩነታት ክወጸሉ ዝኽእል መገዲ እንተድአ ዘይተራእይዎን ፍሪኡ ክቱር ናይ መንፈስ ጭንቀት ኢዩ ዝኸውን ።

ኣብ ግዜ ጥንቲ ዝነበሩ ሰባት ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒታት የሕልፉ ነይሮም ኢዮም ። እዮብ ብሕማምን ብዝወረዶ መግደራን ይሳቐ ነበረ ። ኣምላኽ ዝጠንጠኖ ኰይኑ ስለ ዝተሰምዖ ከኣ ህይወት ከም ዝጸልአ ገለጸ ። (እዮብ 10 : 1 ፣ 29 : 2, 4, 5) ያእቆብ ወዱ ዝሞተ ስለ ዝመሰሎ መንፈስ ጭንቀት ሓዞ እሞ ምጽንናዕ ብምእባይ ሞት ተመነየ (ዘፍጥረት 37 : 33 – 35) ንጉስ ዳዊት በቲ ዝፈጸሞ ከቢድ በደል ሕልንኡ ስለ ዘጨነቖ “ምሉእ መዓልቲ ብሓዘን እነብር ኣሎኹ ። ኣነ ሰንሰንኩ” እናበለ ገዓረ ። — መዝሙር 38 : 6, 8 ፣ 2 ቈረንቶስ 7 : 5, 6

ሎሚ ብዙሓት ሰባት ኣብቲ መዓልታዊ መደባቶም ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ዝኾነ ኣእሙራውን ስምዒታውን ኣካላውን ዕዮታት እናሰዓቡ ኣብ ርእሶም ብዙሕ ዘጻብብ ኵነታት ብምፍጣር ዝተጨነቑ ኰይኖም ይርከቡ ኣለዉ ። ጽቕጠት ምስ ኣሉታዊ ዝኾነ ሓሳባትን ስምዒታትን ተደሚሩ ንኣካላት ይነኽኦ እሞ ኣብ ሓንጐል ሓደ ቀመማዊ ዘይምምዝዛን ብምፍጣር መንፈስ ጭንቀት ከምጽእ ይኽእል ኢዩ ። — ምስ ምሳሌ 14 : 30 ኣነጻጽሮ ።

እቲ ዘድልዮም ደገፍ

ኤጳፍሮዲጦስ ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ኣብ ፊልጲ ዝቕመጥ ዝነበረ ክርስትያን “[ኣዕሩኹ] ምሕማሙ ስለ ዝሰምዑ መንፈስ ጭንቀት ሓዞ ።” ኤጳፍሮዲጦስ ብኣዕሩኹ ተላኢኹ ንሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ሮሜ ስንቂ ድሕሪ ምብጽሑ ስለ ዝሓመመ ምናልባት ንኣዕሩኹ ከም ዘጕሃዮምን ንሳቶምውን ከም ዘይጠቅም ገይሮም ከም ዝሓስብዎ ኰይኑ ተሰሚዕዎ ክኸውን ዝኽእል ኢዩ ። (ፊልጲ 2 : 25 – 27 ትሓዓ ፣ 4 : 18) ሃዋርያ ጳውሎስከ ከመይ ዝበለ ደገፍ ኢዩ ዝሃቦ ?

ንኤጳፍሮዲጦስ ናብቶም ኣብ ፊልጲ ዝነበሩ ኣዕሩኹ ደብዳቤ ኣትሒዙ ለኣኾ : ኣብኣ ድማ “[ንኤጳፍሮዲጦስ] ብኹሉ ሓጐስ ብጐይታ ተቐበልዎ : ነዞም ከምዚኣቶም ዘመሰሉ ኣኽብርዎም” በለ ። (ፊልጲ 2 : 28 – 30) ጳውሎስ ብዛዕብኡ ጽቡቕ ስለ ዝተዛረበ እቶም ሰብ ፊልጲውን ምዉቕን ፍቕራውን ኣቀባብላ ስለ ዝገበርሉ : ብርግጽ ንኤጳፍሮዲጦስ ኣጸናኒዕዎ ከምኡውን ካብቲ ኣጋጢምዎ ዝነበረ መንፈስ ጭንቀት ክገላገል ደጊፍዎ ክኸውን ኣለዎ ።

ብዘይ ጥርጥር እምበኣር እቲ “ነተን ዝተጨነቓ ነፍሳት ኣጸናንዕወን” ዝብል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ ኢዩ ። ሓንቲ ብኽቱር መንፈስ ጭንቀት እትሳቐ ዝነበረት ሰበይቲ ተመኩሮኣ ክትገልጽ ከላ ከም ሰብ መጠን ብኣኻ ይግደሱ ከም ዝኾኑ ክትፈልጥ የድልየካ ኢዩ : ሓደ መጺኡ ኣጆኻ ክሕሸካ ኢዩ : ዝብል ድምጺ ከስምዓካ ትደሊ ኢኻ” በለት ።

እቲ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ባዕሉ ተበግሶ ብምውሳድ : ሓደ ምስጢሩ ከካፍሎ ዝኽእል ሕያዋይ ሰብ ክደሊ የድልዮ ኢዩ ። እዚ ሰብ እዚ ጽቡቕ ጌሩ ጽን ኢሉ ዝሰምዕን ኣዝዩ ዕጉስን ክኸውን የድሊ ። ንሱ ወይ ንሳ ነቲ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ክምድርሉ የብሎምን ። ወይ ከኣ ‘ከምኡ ክስመዓካ እኮ ኣይግባእን ኢዩ !’ ወይ ‘እዚ ትብሎ ዘሎኻ ግጉይ ኣተሓሳስባ ኢዩ !’ ዝብል ኰናኒ ዝኾነ ቃላት ካብ ምዝራብ ክቍጠቡ ይግባእ ። ናይቲ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎ ሰብ ስምዒታት ተነቃፊ ኢዩ ። ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ወቐሳ ቃላት ከኣ ብዛዕባ ርእሱ ዝያዳ ሕማቕ ከም ዝስምዖ ኢዩ ዝገብሮ ።

እቲ መንፈስ ጭንቀት ዝሓዞ ሰብ : ዘይረብሕ ከም ዝኾነ ኰይኑ ክስምዖ ይኽእል ኢዩ ። (ዮናስ 4 : 3) ይኹን እምበር ሓደ ሰብ ክዝክሮ ዘለዎ : እቲ ዘገድስ ኣምላኽ ነቲ ሰብ ብኸመይ ከም ዝጥምቶ ኢዩ ። ሰባት ንየሱስ ክርስቶስ ‘ገለ እኳ ኣይቆጸርዎን’። ይኹን እምበር ኣረኣእያኦም ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዘለዎ ናይ ሓቂ እንታይነቱ ኣይቀየሮን። (ኢሳይያስ 53:​3) ከምቲ ኣምላኽ ነቲ ክቡር ወዱ ዘፍቅሮ: ንኣኻውን ከም ዘፍቅረካ ርግጸኛ ኹን ፣ — ዮሃንስ 3 : 16

የሱስ ነቶም ኣብ ጭንቂ ዝነበሩ ደንገጸሎም ነፍሲ ወከፎም ናይ ገዛእ ርእሱ ቁም ነገር ከም ዘለዎ ምእንቲ ክፈልጡ ድማ ክድግፎም ይጽዕር ነበረ ። (ማቴዎስ 9 : 36 ፣ 11 : 28 – 30 ፣ 14 : 14) ኣምላኽ ነተን ንኣሽቱን ኣብ ግምት ዘይኣትዋን ኣዕዋፍ ኣኽቢሩ ከም ዝርእየን ምስ ገለጸሎም ። “ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ካባታተን ሓንቲ እኳ ኣይትርሳዕን እያ” በሎም ። ነዕዋፍ እዚ ካብ ዝገብር ክንደይ ግዳ ነቶም ፍቓዱ ክገብሩ ዝጽዕሩ ደቂሰብ ኣብሊጹ ዘይርእዮም ! ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “ንስኻትኩምሲ ኹለን ጸጕሪ ርእስኹም እኳ ቍጹራት እየን” በለ ። — ሉቃስ 12 : 6, 7

ሓቂ ኢዩ ሓደ ብድኻሙን ጕድለቱን ዝተዋሕጠ : ካብ መጠን ንላዕሊ መንፈስ ጭንቀት ዝሓዞ ሰብ ኣምላኽ ኣብሊጹ ከም ዝርእዮ ንምእማን የሸግሮ ኢዩ ። ናይ ኣምላኽ ፍቕርን ሓልዮትን ክረክብ ዘይበቅዕ ከም ዝኾነ ኰይኑ ይስምዖ ይኸውን ። ቃል ኣምላኽ “ምንም እኳ ልብና እንተ ነቐፈና” ኢሉ ኣፍልጦ ይህብ ኢዩ ። ግን እዝስ ወሳኒ ምኽንያት ድዩ ? ኣይፋሉን ። ሓጢኣተኛታት ደቅሰብ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝህልዎምን ንርእሶም ክኹንኑ ከም ዝኽእሉን ኣምላኽ ይፈልጥ ኢዩ ። ስለዚ ቃሉ ከጸናንዖም ከሎ “ኣምላኽ ካብ ልብና ዚዐብን ኵሉ ዚፈልጥን” ኢዩ ይብሎም ። — 1 ዮሃንስ 3 : 19, 20

እወ : እቲ ፈቃር ዝኾነ ሰማያዊ ኣቦና ካብቲ ሓጢኣትናን ጌጋታትናን ንላዕሊ ክርኢ ይኽእል ኢዩ ። ነቲ ኸቢቡና ዘሎ ኵነታትን ምሉእ ጉዕዞ ህይወትናን ድራኼታትናን ሃቐናታትናን ይፈልጥ ኢዩ ። ሓጢኣትን ሕማምን ሞትን ከም ዝወረስናን እሞ ዓብዪ ዕንቅፋት ድማ ከም ዘሎናን ይፈልጥ ኢዩ ። ብዝገበርናዮ ምጕሃይናን ምጥዓስናን ንርእሱ ሓጢኣት ክንገብር ከም ዘይንደልን ብዙሕውን ንኣምላኽ ከም ዘይርሓቕናዮን ዘረጋግጽ ኢዩ ። መጽሓፍ ቅዱስ ኣንጻር ድሌትና ‘ንኸንቱነት ተገዚእና’ ከም ዘሎና ይዛረብ ኢዩ ። ስለዚ ኣምላኽ በቲ ዘሕዝን ኵነታትና ይድንግጸልናን ንድኻምና ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ይርሕርሓልናን ኢዩ ። — ሮሜ 5 : 12 ፣ 8 : 20

“እግዚኣብሄር ርሕሩሕን መሓርን እዩ” ዝብል መረጋገጺ ተዋሂቡና ኣሎ ። “ምብራቕ ካብ ምዕራብ ከም ዚርሕቕ : ከምኡ ንኣበሳና ኻባና ኣርሐቖ ። ፍጥረትና ይፈልጥ እዩ እሞ : ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ ።” (መዝሙር 103 : 8, 12, 14) ብሓቂ የሆዋ : “ኣምላኽ ኵሉ ምጽንናዕን . . . ብጸበባና ዘበለ ዜጸናንዓና” ኣምላኽ ኢዩ ። — 2 ቈረንቶስ 1 : 3, 4

ነቶም መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት እቲ ዝበለጸ ደገፍ ከምጸኣሎም ዝኽእል ናብቲ መሓሪ ዝኾነ ኣምላኽ ኣጸቢቖም ብምጥባቕን : ነቲ ‘ጾሮም ናብኡ ክድርብዩ’ ዘርጊሑሎም ዘሎ ዕድመ ብምቕባልን ኢዩ ። ብርግጽ ንሱ ‘ንልቢ ድቑሳት ህያው ክገብሮ’ ይኽአል ኢዩ ። (መዝሙር 55 : 22 ፣ ኢሳይያስ 57 : 15) ስለዚ ቃል ኣምላኽ ኣድላይነት ናይ ጸሎት ከተባብዕ ከሎ “ንሱ [የሆዋ] ይሐልየልኩም እዩ እሞ : ንኹሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ” ይብል ። (1 ጴጥሮስ 5 :7) እወ ሰባት ብጸሎትን ምህለላን ገይሮም ናብ ኣምላኸ ኣጸቢቖም ብምቕራብ ነቲ “ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ” ክረኽብዎ ይኽእሉ ኢዮም ። — ፊልጲ 4 : 6, 7 ፣ መዝሙር 16 : 8, 9

ኣብ ኣነባብራና ሓደ ተግባራዊ ምትዕርራይ ምግባርውን ንመንፈስ ጭንቀት ንምሽናፍ ክድግፍ ይኽእል ኢዩ ። ምውስዋስ ኣካላት ምግባር : ጥዑይ መግቢ ምብላዕ : ሓድሽ ኣየርን ዝኣክል ዕረፍትን ምርካብን ኣብ ምርኣይ ቲቪ መጠን ዘይብሉ ግዜ ካብ ምሕላፍ ምቑጣብን እዚኦም ኵሎም ጠቐምቲ ኢዮም ። ሓንቲ ሰበይቲ መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ሰባት ብርቱዕ ናይ እግሪ ዙረት ከም ዝገብሩ ብምግባር ክትድግፎም ከኣለት ። ሓንቲ መንፈስ ጭንቀት ሒዝዋ ዝነበረ እመቤት “ክዛወር አይደልን ኢየ” ምስ በለታ : እታ ሰበይቲ : ብሕያውነት : ግን ኣትርር ኣቢላ “የለን ክትከዲ ኢኺ” ክትብል መለሰትላ ። እታ ሰበይቲ ብዛዕባ እቲ ዝኾነ ጸብጻብ ክትህብ ከላ ‘ንኣርባዕተ ማይልስ ዝኣክል ብእግርና ተዛወርና : ምስ ተመለስና ደኺማ ነይራ : ይኹን እምበር ጽቡቕ ተሰሚዕዋ ። ብርቱዕ ምውስዋስ ክሳዕ ክንደይ ደጋፊ ከም ዝኾነ ከይፈተንካዮ ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ’ በለት ።

እንተኾነ ግን ሓደ ሓደ ግዜ ዋላ ዝፈተንካ ፈቲንካ ብሕክምና ዝፍቀድ ምውስዋስ እውን ተጠቒምካ ንመንፈስ ጭንቀት ፈጺምካ ክትስዕሮ ዘይትኽእለሉ ግዜ ኣሎ ። ሓንቲ ማእከላይ ዕድመ ዘለዋ ሰበይቲ “ኵሉ ፈቲነ ኢየ እቲ መንፈስ ጭንቀት ግን ኣይገደፈንን” ትብል ። ብተመሳሳሊ ሎሚ ንዕዉራት : ጸማማት ወይ ሓንካሳት ከተሕውዮም ዘይከኣል ኢዩ ። ምስእናይዚ ግን እቶም መንፈስ ጭንቀት ዘለዎም ነቲ ካብ ኵሉ ሰብኣዊ ሕማማት ተናጊፍካ ነባሪ ቅሳነት ኪርከብ ምዃኑ ርግጸኛ ተስፋ ዝህብ ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲሮም ብምንባብ: ምጽንናዕን ተስፋን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም ። — ሮሜ 12 : 12 ፣ 15 : 4

ድሕሪ ደጊም ዋላ ሓደ እኳ ዝጭነቕ ኣይክህሉን ኢዩ

የሱስ ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልታት ኣብ ልዕሊ’ዛ ምድሪ እዚኣ ክወርድ ዘለዎ ዘስካሕክሕ ነገራት ምስ ገለጸ ወሲኹ “እዚ ምዃን ምስ ጀመረ : ምድሓንኩም ቀሪቡ እዩ እሞ : ቅንዕ በሉ ርእስኹምውን ኣልዕሉ” በለ ። (ሉቃስ 21 : 28) የሱስ ዝዛረበሉ ዝነበረ ድሕነት ‘እቲ ፍጥረት ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ዝወጸሉ’ ኣብታ ጽድቃዊት ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ዝፍጸም ድሕነት ኢዩ ። — ሮሜ 8 : 21

ደቅሰብ ካብቲ ናይ ቀደም ጾር ተናጊፎምስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኸኣ ከም ሓቒቕ ዝምጽራዩ ኣእምሮ ሒዞም ክነቕሑን ነቲ መዓልታዊ ዕዮኦም ብሃንቀውታ ክጋጠምዎ ኣየወ ከመይ ዝበለ እፎይታ ክኾነሎም ኢዩ ! ድሕሪ ደጊም ዝኾነ ይኹን ሰብ ብናይ መንፈስ ጭንቀት ጣቓ ኣይክሽፈንን ኢዩ ። እቲ ርግጸኛ ተስፋ ደቅሰብ “ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ እሞ : ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን : ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን : ወይ ጫውጫው : ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ” ዝብል ኢዩ ። — ራእይ 21 : 3, 4

ፍልይ ዝበለ መግለጺ ዝተዋህቦም ጥራይ እንተዘይኰይኑ ኩሎም ተጠቒሶም ዘለዉ ጥቕስታት ካብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዮም ።