ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተመሓደራ ጉባኤታት

መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተመሓደራ ጉባኤታት

መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ እተመሓደራ ጉባኤታት

የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ ካብ ከተማ ናብ ከተማ እናኸደ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኽ ነበረ። ነቶም ደቀ መዛሙርቱውን ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ዕዮ ንኽዓዩ ኣለማሚዱ ልኢኽዎም ኢዩ። ቅድሚ ንሰማይ ምዕራጉ ኸኣ: ንሰዓብቱ ካብ ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ንኽገብሩ ኣዘዞም። ካብ መጀመርያ ኣትሒዛ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኽትሰብኽ ተመሓዲራ ነበረት። እቶም ደቀ መዛሙርቲ: ኣብ ዘዝኸድዎ ቦታ መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ይርከቡ ነበሩ።​ማቴዎስ 4:​17, 23፣ 10:​1-16፣ 28:​19, 20፣ ሉቃስ 4:​43, 44፣ 8:1፣ 10:​1-9፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 4:31፣ 5:42፣ 8:12፣ 19:8፣ 28:​23, 30, 31፣ ሮሜ 10:​9, 10, 14

የሱስ ብዛዕባ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ኣብ እተነበዮ ትንቢት ከምዚ ዝስዕብ ኢሉ ኣሎ:- “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።” እዚ ዕዮ ስብከት እዚ ነዛ ኣብዚ ግዜዚ ዘላ ክርስትያናዊት ጉባኤ: እቲ ቀዳማይ ግዴታኣ ኢዩ።​ማቴዎስ 24:14፣ ማርቆስ 13:⁠10

ኣብ ብዘላ ዓለም ዝርከባ ኵለን ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ስርዓት ብዘለዎ መገዲ ገይረን ዞባታተን ክሽፍና ተመሓዲረን ኢየን። እዚ ነገር እዚ ብግቡእ መታን ክፍጸም: እቲ ኣብ ሃሃገሩ ዝርከብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ንነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ዞባ ይምድበላ። እታ ጉባኤ ባዕላ ኸኣ ነቲ እተመደበላ ዞባ ናብ ንኣሽቱ ክፋላት ብምምቕቓል: ነቶም ነቲ ብስራት ኣብቲ እተመደበሎም ዞባ ንዝርከቡ ኵሎም ከብጽሑ ሓላፍነት ዝወስዱ ሰባት ትዕድሎም።​1 ቈረንቶስ 14:⁠33, 40

ናይ የሆዋ መሰኻኽር መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ ኢዮም ንሰባት ዘዘራርቡ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ከመይ ገይሮም ኣብ ማዕጾ ቐሪቦም መጽሓፍ ቅዱሶም ብምጥቃም ብሕጽር ዝበለ ናይታ መንግስቲ መልእኽቲ ከም ዘቕርቡ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታቶም ተለማሚዶም ኢዮም። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቶም ዝያዳ ፍልጠት ናይ ቃል ኣምላኽ ክረኽቡ ዝምነዩ ሰባት መታን ከበርክቱሎም: ምስኦም ጽሑፋት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ይማልኡ ኢዮም።

ነፍሲ ወከፍ ኣብቲ ዞባ ዝርከብ ሰብ: ነቲ ኣገዳሲ መልእኽቲ ናይታ መንግስቲ ናይ ምስማዕ ኣጋጣሚ መታን ክረክብ ከኣ: እቶም መሰኻኽር ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን: ነቶም ኣብ ገዝኦም ዘይተረኽቡ ወይ ብኻልእ ምኽንያት ምሉእ ምስክርነት ዘይተዋህቦም ሰባት ዘመልክትሉ መዝገብ ይሕዙ ኢዮም። በዚ ነቶም ዘይረኸብዎም ኣብ ካልእ ግዜ ምብጻሕ ይገብርሎም። ተገዳስነት ኣብ እተራእየሉ ኸኣ የመልክትዎ እሞ: እቶም መሰኻኽር ተወሳኺ ጽሑፋዊ ሓበሬታ ንምሃብ ይምለሱ። ደላዪ እንተድኣ ተረኺቡ ድማ ሓደ ስርዓታዊ ዝዀነ ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ይካየድ። እዚ ዅሉ ብናጻ ብዘይ ገለ ክፍሊት ኢዩ ዝግበር።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሓለፍቲ መገዲውን ኣብ ጐደናታት ኰይኖም መጽሔታት የበርክቱ ኢዮም። በዚ ኸምዚ ኸኣ ነቶም ምናልባት ኣብ ገዝኦም ክርከቡ ዘይክእሉ ብዙሓት ሰባት ክረኽብዎም ይኽእሉ። እቲ ብስራት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዝሰምዕ ሰብ መታን ክበጽሕ ናይ ሓቂ ጻዕሪ ኢዩ ዝግበር።​ግብሪ ሃዋርያት 17:⁠17፣ ራእይ 14:​6, 7፣ 22:⁠17

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: መብዛሕትኦም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘይብሎም እናፈለጡ ደጋጊሞም ዝበጽሑ ስለምንታይ ኢዮም፧ ኵነታት ናይ ውልቀ ሰባት በብእዋኑ ዝቀያየር ብምዃኑን ካልእ እዋን ተመሊስካ እንተ በጺሕካዮም ከኣ ብኣወንታ ስለ ዝምልሱ: ኣብ ርእሲኡውን ካልእ ተገዳስነት ዘርኢ ኣባል ናይታ ስድራቤት ክርከብ ስለ ዝኽእል ኢዩ።

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ” በሎም። ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ: ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድላይ ዓቢ ግደ ኣለዎ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ድማ ነዚ ሓደ ኣገዳሲ ዕላማ ናይ ህይወቶም ገይሮምዎ ኣለዉ።​ማቴዎስ 6:⁠33፣ 2 ጢሞቴዎስ 4:⁠2

• ኣየናይ ዕዮ ናይ የሱስን እቶም ቀዳሞት ክርስትያናትን ኢዩ ኣብዚ ግዜናውን ክግበር እተነግረ፧

• እቲ ዕዮ ስብከት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ኢሉ ኢዩ ተመሓዲሩ፧

• እቶም መሰኻኽር: መብዛሓትኦም ሰባት ተገዳስነት ዘየርእዩ ምዃኖም እናፈለጡ ክነሶም ደጋጊሞም ዝበጽሕዎም ስለምንታይ ኢዮም፧

[ኣብ ገጽ 16, 17 ዘሎ ስእልታት]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ኰይኖም መንግስቲ ኣምላኽ ክሰብኩ ኸለዉ

ታይላንድ

ሜክሲኮ

ነዘርላንድስ

ኮርያ

ኩራሳኦ

ጋና

ብሪጣንያ

አውስትራሊያ