ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ምእንቲ ጽድቂ ክብሉ እተሰጉ

ምእንቲ ጽድቂ ክብሉ እተሰጉ

ምእንቲ ጽድቂ ክብሉ እተሰጉ

ምናልባት ካብ ገሊኦም ኣዕሩኽካ ወይ ኣዝማድካ: ናይ የሆዋ መሰኻኽርሲ ምስ ሕጊ ዘይሰማምዑ: ብገሊአን መንግስትታት እጉዳት ዝዀኑ ወይ ድማ በቲ ሓደ ወገን ክፉኣት ሰባት ኢዮም ክብሉ ሰሚዕኻ ትኸውን ኢኻ። እዚ ዅሉ ብዛዕብኦም ዝዝረብ ዘሎ ኣንጻር ዝዀነ ዘረባስ ስለምንታይ ኢዩ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሕጊ ዘየኽብርዎ ኰይኖም ዘይኰነስ: ኣሰኣሰር የሱስ ስለ ዝስዓቡ ኢዩ። የሱስ ነቶም ደቀ መዘሙርቱ: ሰባት ከም ዝጸርፍዎምን ከም ዝሰጉዎምን ብሓሶት ኵሉ ክፉእ ዘበለ ነገር ኣንጻሮም ከም ዝዛረቡን ነገሮም። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ከኣ እቲ ቀንዲ ናይ ኣምላኽ ተጻራሪ ዝዀነ ሰይጣን: ኣምላኽ እዛ ዓለም እዚኣ ብምዃኑ ንሰባት ድማ ካብ ምግልጋል ኣምላኽ ከርሕቖም ስለ ዝደሊ ኢዩ።​ማቴዎስ 5:​10-12፣ 10:​16-22, 34-39፣ 24:​9, 10፣ ዮሃንስ 15:​17–16:​3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:⁠12፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠8፣ ራእይ 12:⁠17

እቶም ሃዋርያት ተኣሲሮም ኣብቲ መጋባእያ ናይ ቤት ፍርዲ እተወስዱስ: ገበነኛታት: ናይ ዓመጽ ሰባት ወይ መናዓብትን ኰይኖም ኣይኰኑን። ብስራት መንግስቲ ይሰብኩ ስለ ዝነበሩ ጥራሕ ኢዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ነገሩ ኣብ ዝለዓለ መጋብኣያታት ይግባኝ ዝበለሉ ምኽንያት: ክርስትያናት ብስራት ንምስባኽ ዘለዎም መሰል ንኽከላኸልን ብሕጋዊ ኣገባብ ከረጋግጸሎምን ደልዩ ኢዩ።​ግብሪ ሃዋርያት 4:​18-20፣ 5:​28-32፣ ፊልጲ 1:⁠7

ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ግብሪ ዝኸፍሉን ንሰበ-ስልጣናት ዘኽብሩን ተኣዘዝቲ ሕጊ ዝዀኑ ክርስትያናት ኢዮም። ንሳቶም ናይ ቄሳር ዘበለ ንቄሳር ናይ ኣምላኽ ዘበለ ኸኣ ንኣምላኽ ይህቡ። ምስ ገለ ናይ መንግስቲ ስልጣናት ዝጋጨውሉ ነገር እንተድኣ ኣልዩ እቲ መንግስቲ እቲ: ነቲ ዝገብርዎ ናይ ሰብከት ዕዮ ኣፍልጦ ስለ ዘይሃበሉ: ወይ ድማ በቲ ኣብ መንጎ ሃገራት ዘሎ ጉዳያት ገለልተኛታት ብምዃኖም እተላዕለ ጥራይ ኢዩ። ኣብዚ ግን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምቲ ሃዋርያት ዝወሰድዎ “ካብ ንሰብሲ ንኣምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” ዝብል መርገጽ ክወስዱ ኣለዎም።​ግብሪ ሃዋርያት 5:⁠29፣ ማርቆስ 12:⁠17፣ ዮሃንስ 18:⁠36፣ ቲቶስ 3:⁠1, 2

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክስጐጉ ኣይምነዩን ኢዮም: ኣብ ክንድኡስ ህዱእን ቅሳነት ዘለዎን ህይወት ከሕልፉ ኢዮም ዝመርጹ። ይኹን ደኣምበር እንተድኣ ነቲ ሕጊ ኣምላኽን ኣብነት የሱስ ክርስቶስን ብምስዓቦም ሓሳረ መከራ ረኺቦም: ነዚ ክጽመምዎ ሕጉሳት ኢዮም።​ማቴዎስ 5:​10-12፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:​40, 41፣ 1 ቈረንቶስ 4:⁠12፣ 1 ጢሞቴዎስ 2:⁠2፣ 1 ጴጥሮስ 3:​14, 15፣ 4:​12-16

• ኣገልገልቲ የሆዋ ዝሓስሩን ዝስጐጉንሲ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሓደ ግዜ ከምቶም ክርስትያን ሃዋርያት ዝገበርዎ ምስ መንግስታዊ ስልጣናት ዝጋጨዉ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ኣገልገልቲ የሆዋ ንመስጐጕቲ ከመይ ገይሮም ኢዮም ዝርእይዎ፧

[ኣብ ገጽ 29 ዘሎ ስእልታት]

የሱስ እሱር ኰይኑ ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ዝቐረበ: ከምኡውን ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እተዳጐነ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኾም ኢዩ