ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ብፍቕርን ሓድነትን ንምትህንናጽ ዝዀና ጉባኤታት

ብፍቕርን ሓድነትን ንምትህንናጽ ዝዀና ጉባኤታት

ብፍቕርን ሓድነትን ንምትህንናጽ ዝዀና ጉባኤታት

ምናልባት ኣብ ጥቓ እቲ እትነብረሉ ከባቢ: ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ተኣኪብካ ትኸውን ኢኻ። ኣብኡ ምስ ገለ ካብ እተፈላለየ ናብራ ህይወት ዝመጹ​—⁠ጉጅለ ስድራቤታት: ንጽል ዝዀኑ ከምኡውን ኣረገውትን መንእሰያትን​—⁠ተራኺብካ ትኸውን ኢኻ። ንሳቶም ኵላቶም ኣብ ኣምልኾኦም ሕቡራት ኢዮም: ንኻልኦት ንምሕጋዝውን ባህጊ ኣለዎም።

ኣብ ዝዀነ ይኹን ብዙሓት ሰባት ብሕብረት ክዓዩ ፍቓደኛታት ዝዀኑሉ መደብ: ንምምራሕ ዝዕዘቡ ሰባት የድልዩ ኢዮም። ኣምላኽ ከኣ ሓደ ናይ ስርዓት ኣምላኽ ኢዩ፣ ስለዚ እዚ ዓይነት ስርዓት እዚ ኣብተን ጉባኤታት ከንጸባርቕ ኣለዎ። ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረ ሎሚውን ብቑዓትን ብሱላትን ተሞክሮ ዘለዎምን ክርስትያን ሰብኡት ከም ሽማግለታት ወይ ከም ተዓዘብቲ ኰይኖም ንምግልጋል ይሽየሙ ኢዮም። እዚኣቶም ነታ ጉባኤ ይዕዘቡ: መንፈሳዊ ኵነታታ ድማ ይቋመቱ። ንሳቶም ብኻልኦት ዲያቆናት ዝበሃሉ እሙናት: ሰብኡት ይሕገዙ ኢዮም። እዞም ሰብኡት እዚኣቶም ገለ ደሞዝ ወይ ድማ ካልእ ቁጠባዊ ጥቕሚ ኣይረኽቡን ኢዮም: ኣብ ክንድኡ ግን ንመነባበሪኦም ዝኸውን ኣብ ዓለማዊ ዕዮታት እናሰርሑ ብፍታው የገልግሉ።​1 ቈረንቶስ 14:​33, 40፣ ፊልጲ 1:⁠1፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:​8, 9

እዞም ሰባት እዚኣቶም ከመይ ኢሎም ኢዮም ዝምረጹ፧ እዚኣቶም እሙናት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ኰይኖም: ነቲ ቅዱስ ጽሑፋዊ ብቕዓታት ዘማልኡ ክዀኑ ኣለዎም። ገለ ኻብዚኣቶም ከኣ: ‘ጥንቁቕ: ኣገባብ ዝፈልጥ: ተቐባል ጋሻ: ንምስትምሃር ብቑዕ: ምኽንያታዊ: ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ: ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዘስተናብር: ሓዲሽ ኣማኒ ዘይኰነ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክርነት ዘለዎ’፣ ‘ክምህር ከሎ ነቲ እሙን ቃል ኣጽኒዑ ዝሕዝ’ ዝብሉ ኢዮም።​1 ጢሞቴዎስ 3:​1-15፣ ቲቶስ 1:​7-9

እዞም ሰባት እዚኣቶም: ኣብቲ ብዙሕ ግዜ ሓደስቲ ክርስትያናት ክህልውሉ ዝኽእሉ ጉባኤ ብድምጺ ዝምረጹ ኣይኰኑን። ኣብ ክንድኡ ግና: እቶም ንሓላፍነት ዝሕጸዩ ዘለዉ ሰባት በቶም ክሳዕ ክንደይ ነቲ ጽሑፋዊ ብቕዓት ከም ዝመልኡ ከስተውዕሉ ዝኽእሉ ብስለትን ተሞክሮን ዘለዎም ሽማግለታት ሰብኡት ኢዩ ዝምስከረሎም። ብድሕርዚ ሽማግለታትን ዲያቆናትን ብመሪሕነት ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይምዘዙ፣ እዚ ድማ ነታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣብነታ ምኽታል ኢዩ።

እዞም ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ እዚኣቶም ሓደ ናይ ቤተ ክህነት ጉጅለ ኣየቝሙን ኢዮም፣ ኣብ ልዕሊ ካልኦትውን ኣሕሉቕ ኣይኰኑን። ከምቲ የሱስ ዝበሎ: መራሒ ዘበለ ዅሉ ባርያ ዅሎም ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኸኽር ሽማግለታት ብሓቂ መተዓይይቲ ናይታ መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም።​ማቴዎስ 20:​26, 27፣ 23:​8-11፣ ሮሜ 12:⁠8፣ 1 ቈረንቶስ 3:⁠5፣ 4:1, 2፣ ቈሎሴ 4:⁠11፣ 1 ተሰሎንቄ 5:​12-14

ከም ተዓዘብቲ መጠን: ነቲ ኣብ ኣኼባታት ዝወሃብ ትምህርቲ ይዕዘብዎ ከምኡውን ኣብ ዕዩ ስብከት መሪሕነት ይወስዱ። ናይታ ጉባኤ ቀንዲ ዕላማ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኵሉ እቲ እተመደበላ ቦታ ምስባኽ ኢዩ። እዞም ተዓዘብቲ እዚኣቶም: ነቶም ኣባላት ጉባኤ ብዘድልዮም ኵሉ ንኸተባብዑ ብምብጻሕ: ከም ጓሶት ኰይኖምውን የገልግሉ ኢዮም።​ማቴዎስ 24:14፣ ግብሪ ሃዋርያት 1:8፣ 1 ተሰሎንቄ 2:​11, 12፣ 5:​14, 15፣ 2 ጢሞቴዎስ 2:​24-26፣ እብራውያን 13:17፣ ያእቆብ 5:​13-16፣ 1 ጴጥሮስ 5:⁠1-4

እቶም ሽማግለታት: ነቲ ግጉይ መገዲ ዝስዕብን: ንመንፈሳውን ሞራላውን ንጽህና ከምኡውን ንሓድነት ናይታ ጉባኤ ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ግጉይ መርገጽ ዝወስድ ሰብ: ንኽግስጹን መስመሩ ከትሕዙን ሓላፍነት ኣለዎም።​1 ቈረንቶስ 5:​4, 5, 7, 11-13፣ ቲቶስ 1:9፣ 2:15፣ 3:10, 11

ስርዓታዊ ኴንካ ምስታ ጉባኤ እንተድኣ ሓቢርካ ሓደ ግሩም ዝዀነ ምሕዝነትን ካልእ ብዙሕ መንፈሳዊ ረብሓታትን ከምጽኣልካ ኢዩ።​መዝሙር 35:⁠18፣ 84:⁠10

• ነቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ጉዳይ ዝዕዘብዎ መን ኢዮም፧

• እቶም ተዓዘብቲ በየናይ መሰረት ኢዮም ዝምረጹ፧

• እቲ ሓላፍነቶምከ እንታይ ኢዩ፧

[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ስእልታት]

ተዓዘብቲ ነታ ጉባኤ ይምህሩ: ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸድካ ኣብ ዝግበር ዕዮ ስብከት መሪሕነት ይሕዙ: ብጕስነት እናበጽሑ የተባብዑ: ከድሊ ኸሎ ኸኣ ምኽርን ተግሳጽን ይህቡ