ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ግንባር-ቀደም ኢዮም

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ግንባር-ቀደም ኢዮም

ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ግንባር-ቀደም ኢዮም

እቲ ኣብ ፈለማ ዘዛረበካ ናይ የሆዋ ምስክር ምናልባት ሓደ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ፓይነር ወይ ሚስዮናዊ ነይሩ ክኸውን ይኽእል። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኣገልግሎቶም ደሞዝ ስለ ዘይክፈሉ: እዞም ሰባት ኣዚኣቶም ደኣ ከመይ ገይሮም ኢዮም ኣብቲ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክጽመዱ ዝኸኣሉ ብምባል ትግረም ትኸውን ኢኻ።

ኵላቶም ውፉያትን እተጠመቑን ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ኣገልገልቲ ኢዮም: መብዛሕትኦም ግን ናይ ስድራቤት ወይ ካልእ ሓላፍነታት ዘለዎም ስለ ዝዀኑ: ኣብ ሓደ ሰሙን ንገለ ቁሩብ ሰዓታት እንተዘይኰይኑ ካብኡ ንላዕሊ ንኣገልግሎቶም ክውፍዩ ይጽግሞም ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ መሰኻኽር: ደረጃ መነባብሮኦም ነኪዮም: ነቲ ውሑድ ወጻኢታቶም ንምሽፋን ኢሎም ብኸፊል ግዜኦም እናሰርሑ: ኣብ ሓደ ዓመት 1,000 ወይ ዝያዳ ሰዓታት ነቲ ኣገልግሎት ክውፍዩ ይር⁠ከቡ።

ሓቂ ኢዩ እዞም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ፓይነራት እዚኣቶም: ኣብ ገዛእ ርእሶም ዘውዕልዎ ብዙሕ ገንዘብ የብሎምን: እዚ ግን እቲ ዝገብርዎ ዘለዉ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ይደልዩ ምህላዎም ዘርእይሉ መገዲ ኢዩ። ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ድማ ይረኽቡ ኣለዉ። ኣብ ወርሒ 90 ሰዓታት ወይ ዝያድኡ ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ንኻልኦት ክትዛረብ ምኽኣልካ ግን ንርእሱ ሓደ ሰናይ ተመኵሮ ኢዩ። እቲ ናይ ምሉአ ግዜ ኣገልጋሊ ዝዀነ ሰብ ነቲ ክእለት ኣገልግሎቱ በብግዜኡ የማሓይሾ ከምኡውን ነቶም ተገዳስነት ዘርእዩ ክከታተሎም ግዜ ኣለዎ። እዚ ኣዝዩ ዘተባብዕ ፍረ ዘፍሪ ነገር ኢዩ። ብስጋዊ ነገር እንተዀነውን ዘድልዮም ኣለዎም: በቲ ዘለዎም ከአ መማሰውቲ ኢዮም።​ማቴዎስ 6:⁠33

ብለካቲት 1943 ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ኣቘመት። ዕላምኡ ተመኵሮ ዘለዎም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግልቲ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ: ንወጻኢ ሃገር ከይዶም ከም ሚስዮናውያን ኰይኖም ከገልግሉ ዘዳሉ ኢዩ። እዚ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ትምህርቲ እዚ: ጽዑቕ ዝዀነ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ታሪኽ መጽሓፍ ቅዱስን ማሕበር የሆዋን ካልእ: ምስቲ ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥሞም እተዛመደ ኣርእስትታትን ዘጠቓለለ ኢዩ።

እታ ማሕበር ነቲ ሚስዮናዊ መዚ ዘድሊ ናይ መጕዓዝያ ዋጋ ትኸፍለሎም ከምኡውን መኣዛ ዘለዎ መግብን መጠነኛ መነባበርን ኣብ ሚስዮናዊ ገዛውቲ ተዳልወሎም። ከምኡውን ንነፍሲ ወከፍ ሚስዮናዊ ንብሕታዊ ወጻኢታቱ መሕወዪ ዝኸውን ምጡን ገንዘብ ትህቦ። እቶም ሚስዮናውያን ከኣ ነቲ ገዛ ዘድሊ ከም ሸመታን መግቢ ምድላውን ገዛ ምጽራይን ዝኣመሰሉ ነገራት በብተራኦም ይዓዩ። ምስዚ ሚዛናዊ ሓልዮት እዚ ኸኣ: ካብ ቤት ናብ ቤት ንምስባኽን ምስ ተገደስቲ ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕን ብውሑዱ 140 ሰዓታት ኣብ ወርሒ ክውፍዩ ይኽእሉ።

ብዙሓት ካብዞም ሚስዮናውያን ካብ ዓዶምን ካብቲ ስድራቤቶም ዝነብርሉ ቦታን በሽሓት ኪሎ ሜትራት ርሒቖም ኢዮም ዝምደቡ። ንሳቶም ከኣ ኣብቲ ዝኸድዎ ዓዲ ምስቲ እተፈልየ ደረጃ መነባብሮን ባህልን ሓድሽ ዓይነት ኣመጋግባን እተፈልየ ኵነታት ኣየርን ካልእ ዝዓይነቱ ቋንቋ ንምዝራብን ከተኻኽሉ ኣለዎም። ነዚ ዕዮዚ ዝገብርዎ ዘለዉ ድማ ንሰባት ዘፍቅርዎም ስለ ዝዀኑን ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክምህርዎም ድማ ጽኑዕ ድሌት ስለ ዘለዎምን ኢዮም።

ካብ 1943 ጀሚሩ ክሳዕ 1994 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ: 98 ክፍሊ ትምህርትታት ኣካይዳ ልዕሊ 6,500 ሚስዮናውያን ድማ ልኢኻ። እዚኣቶም ኣብ ትሕቲ ምእላይ እታ ማሕበር ኰይኖም ንምስፍሕፋሕ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍሪቃ: ኣብ ማእከላይን ሰሜናውን ኣመሪካ: ኣብ ምብራቕ እስያ: ደቡባዊ ሰላማዊ ውቅያኖስ ግንባር-​ቀ⁠ደም ብምዃን ዓዮም ኢዮም: ኣብ ኤውሮጳውን እንተዀነ ኣዝዩ ብዙሕ ዕዮ ፈጺሞም ኢዮም።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ከም ፓይነራት ወይ ከም ሚስዮናውያን ወይ ድማ ብኸፊል ግዜኦም ክሰርሑ ከለዉ: ብዘይ ቁጠባዊ ረብሓ ኢዮም ዘገልግሉ። ንሳቶም ምእንቲ ንኻልኦት ኣብቲ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ዝረኽብሉ ሓገዝ ኽውፍይሎም ኢሎም: ገዛእ ግዜኦምን ገንዘቦምን ነብሶምን ዝሰውኡ ኢዮም።​ዮሃንስ 17:⁠3

• ገለ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ምሉእ ግዜኦም ኣብቲ ኣገልግሎት ክውፍይዎ ዝኸኣሉስ ከመይ ገይሮም ኢዮም: ነዚ ዝገብሩዎኸ ስለምንታይ ኢዮም፧

• ኣገልገልቲ ነቲ ሚስዮናዊ ዕዮ ብኸመይ ኢዮም ዝዳለው፧

• ሚስዮናውያን ኣብቲ ናይ ወጻኢ ሃገር መደቦም ብኸመይ ኢዮም ዝድገፉ፧

[ኣብ ገጽ 22 ዘሎ ስእልታት]

ብጸጋም:- ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ ክፍሊ: ብሩክሊን ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.

ብየማን:- ሓደ ሚስዮናዊ ኣብ ፖፑዋ ኒው ጊኒ ቃል ኣምላኽ እናማሃረ ኸሎ

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ስእልታት]

ፓይነራት ኣገልገልትን ሚስዮናውያንን ኣብ እተፈላለያ ሃገራት ኰይኖም ቃል ኣምላኽ ክሰብኩ ኸለዉ

ብራዚል

ዶሚኒካን ሪፑብሊክ

እስጳኛ

ሴራሊዮን: ኣፍሪቃ