ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ
ናይ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ክርስትያናዊት ጉባኤ
ብመዓልቲ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ: መንፈስ ቅዱስ ኣብ ልዕሊ እቶም 120 ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ፈሰሰ እሞ: ንሳቶም ድማ ብብዙሕ ቋንቋታት ብዛዕባ እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ ክዛረቡ ጀመሩ። እዚ ኸኣ ምቛም ናይታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ነበረ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ኸኣ ኣስታት 3,000 ዝኣኽሉ ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ተጠምቁ።—ግብሪ ሃዋርያት: ምዕራፍ 2
እቶም ሃዋርያትን ካልኦትን ነቲ ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ብዘይ ምቍራጽ ብምዝራቦም: እተን ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዝርከባ ዝነበራ ጉባኤታት ቍጽረን እናዓበየ ኸደ። ኣብ መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ተመዝጊቡ ከም ዘሎ ኸኣ: እቲ ስብከት ብኡንብኡ ኣብ ከባቢ ማእከላይ ባሕሪ ብምሉኡ: ካብ ባቢሎንን ሰሜናዊ ኣፍሪቃን ክሳዕ ሮሜ: ምናልባት እውን ክሳዕ እስጳኛ ኣስፋሕፍሐ።—ሮሜ 15:18-29፣ ቈሎሴ 1:23፣ 1 ጴጥሮስ 5:13
ደቀ መዛሙርቲ ኣብ እተረኽቡሉ ዘበለ ቦታ: ጉባኤታት ይቘማ ነበራ። ብቑዓትን ብሱላትን ዝዀኑ ሰብኡት ከኣ ከም ሽማግለታት ወይ ተዓዘብቲ ዀይኖም ነቲ ቅኑዕ ትምህርትን ጠባይን ኣብተን ጉባኤታት ክዕቅቡ ይምዘዙ ነበሩ። ይኹን እምበር ሓደ ክፍሊ ናይ ቤተ ክህነት ኣየቘሙን: ኣገልገልትን መተዓይይትን መንግስቲ ኣምላኽ ኢዮም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 14:23፣ 20:28፣ 1ቈረንቶስ 3:5፣ 5:13፣ ቈሎሴ 4:11፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:1-15፣ እብራውያን 13:17፣ 1 ጴጥሮስ 5:1-4
እቶም ሃዋርያትን ካልኦት ቀረባ መተዓይይቶምን ከኣ ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም የገልግሉ ነበሩ። ኣብቲ ዕዮ ስብከት ቀዳሞት ኢዮም ነይሮም። ኣብታ ናይ የሩሳሌም ጉባኤ እተላዕለ ግድላት ፈቲሖም ኢዮም። ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ሓደስቲ ኣመንቲ ንኸበራትዑ ኸኣ ናብ ሰማርያን ኣንጾክያን ብቑዓት ኣሕዋት ለኣኹ። ብምኽንያት ግዝረት እተላዕለ ክርክር ብምእላይ ከኣ: እቲ ውሳኔ ኵለን ጉባኤታት ምእንቲ ክሕልዋኦ ለኣኹለን። ይኹን እምበር እዞም ሰባት እዚኣቶም: ኣብ ልዕሊ ካልኦት ዝጉይተቱ ዘይኰኑስ: ኣገልገልትን መተዓይይትን ናይታ ምልእቲ ጉባኤ ኢዮም ነይሮም።—ግብሪ ሃዋርያት 4:33፣ 6:1-7፣ 8:14-25፣ 11:22-24፣ 15:1-32፣ 16:4, 5፣ 1 ቈረንቶስ 3:5-9፣ 4:1, 2፣ 2 ቈረንቶስ 1:24
እቶም ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ: ክርስትያናት ተባሂሎም ይፍለጡ ነበሩ: እዚ ስያመ እዚ ድማ ብመለኮታዊ መምርሒ እተዋህቦም ኢዩ። ካብ ካልኦት ዝፈልዮም ትምህርትታትውን ነበሮም: እዚ ትምህርትታት እዚ ኸኣ: ትምህርቲ ሃዋርያት ወይ ድማ ኣብነት ጥዑይ ቃላት ተባሂሉ ይጽዋዕ ነበረ። እዚ ጽሑፋዊ ትምህርቲ እዚ: እቲ ሓቂ ተባሂሉውን ይፍለጥ ነበረ።—ዮሃንስ 17:17፣ ግብሪ ሃዋርያት 2:42፣ 11:26፣ ሮሜ 6:17፣ 1 ጢሞቴዎስ 4:6፣ 6:1, 3፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:13፣ 2 ጴጥሮስ 2:2፣ 2 ዮሃንስ 1, 4, 9
ብፍቕሪ እተጠርነፉ ናይ ብዘላ ዓለም ማሕበር ኣሕዋት ኢዮም ነይሮም። ነቶም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝነበሩ ኣመንቲ ኣሕዋቶምውን ተገዳስነት ኣርእዮም ኢዮም። ናብ ርሑቕ ኪገሹ ኸለዉ ድማ እቶም ኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ኣባይቶም ይቕበልዎም ነበሩ። ካብ ዓለም እተፈልዩ ቅዱሳት ህዝቢ ብምንባሮም: እቲ ዝለዓለ ደረጃ ሞራላዊ ጠባይ ይሕዙ ነበሩ። ንመዓልቲ የሆዋ ኣብ ሓሳቦም ኣጥቢቖም ይሕዙዋ ስለ ዝነበሩ ድማ ብዛዕባ እምነቶም ብቕንኣት ኣብ ቅድሚ ዅሉ ህዝቢ ይእውጁ ነበሩ።—ዮሃንስ 13:34, 35፣ 15:17-19፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:42፣ 11:28, 29፣ ሮሜ 10:9, 10, 13-15፣ ቲቶስ 2:11-14፣ እብራውያን 10:23፣ 13:15፣ 1 ጴጥሮስ 1:14-16፣ 2:9-12፣ 5:9፣ 2 ጴጥሮስ 3:11-14፣ 3 ዮሃንስ 5-8
ይኹን እምበር: ከምቲ ብትንቢት ተባሂሉ ዝነበረ ኣብ ካልኣይን ሳልሳይን ክፍለ ዘበናት ሓደ ዓብዪ ክሕደት ክምዕብል ጀመረ። እዚ ድማ ብዛዕባ ኣስተምህሮን ጠባይን ኣመሓዳድራን ኣብ ዓለም ዝነበራ ኣቕዋምን ዝምልከት ናይታ ቀዳመይቲ ክርስትያናዊት ጉባኤ ንጽህና ዘይሕሉ ናይ ቤተ ክርስትያን ስርዓት ኣፍረየ።—ማቴዎስ 13:24-30, 37-43፣ 2 ተሰሎንቄ: ምዕራፍ 2
ኣቐድም ኣቢሉ ግና የሱስ ኣብ መደምደመታ ናይዚ ኣገባብዚ: እቲ ሓቀኛ ኣምልኾ እንደገና ክሕደስ ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ነበረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዚ ምሕዳስ እዚ ኣብዚ ግዜና: ካብቲ ናይ የሱስ ትንቢት ኣስታት 1,900 ዓመታት ጸኒሑ: ኣብቲ ዓለምለኻዊ ንጥፈታቶም ክርአ ከም ዝከኣል ይኣምኑ ኢዮም። ምኽንያት ናይዚ ኸኣ ኣብዞም ዝስዕቡ ገጻት ክግለጽ ኢዩ።
• እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ብኸመይ ኢያ እተመስረተት: ብኸመይከ ዓበየት፧
• እታ ጉበኤ ብኸመይ ኢያ እትእለ ዝነበረት፧
• ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ክርስትያናት: ብንጹር ፍሉያት ዝገበርዎም ነገራት እንታይ ኢዮም፧
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ካርታ]
(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)
ጸሊም ባሕሪ
ባሕሪ ካስጲያ
ዓብዪ ባሕሪ
ቀይሕ ባሕሪ
ወሽመጥ ባሕሪ ፋርስ
ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ብስራት ዝበጽሐን ቦታታት
ኢጣልያ
ሮሜ
ጽርኤ
መሊጠ
ቅሬጥስ
ቆጵሮስ
ቢታንያ
ገላትያ
እስያ
ቀጶዶቅያ
ቂልቅያ
ሶርያ
እስራኤል
የሩሳሌም
መሰጶጣሚያ
ባቢሎን
ገለ ኣብዘን ቦታታት እዚኣተን ዝነብሩ ኣመንቲ ዀኑ
ኢሊሪኮን
ሜዶን
ፋርስ
ኤላም
ዓረብ
ሊብያ
ግብጺ
ኢትዮጵያ
[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእልታት]
እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ብትብዓት ቃል ኣምላኽ ይሰብኩ ነበሩ
ክርስትያናት ኣብ ዝገሽዎ ዘበለ: ኣመንቲ ብጾቶም ኣብ ኣባይቶም ይቕበልዎም ነበሩ