ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንመጓሰ ኣምላኽ ብሕብረት ምጕሳይ

ንመጓሰ ኣምላኽ ብሕብረት ምጕሳይ

ንመጓሰ ኣምላኽ ብሕብረት ምጕሳይ

ገሊኦም ሰባት ‘እዚ ዓለምለኻዊ ማሕበር ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብኸመይ ዝበለ ኣገባብ ኢዩ ዝመሓደር፧’ ኢሎም ይሓቱ። ንሕና ኸኣ ‘እቲ ኣገባብ ኣመሓዳድራ: ኣብነት ናይታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝኽተል ኢዩ’ ኢልና ንምልስ።

ብ1870ታት ቻርለስ ቲ. ራስልን ብጾቱን: ነቲ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘጽንዕዎ ትምህርቲ ብዝርርባትን ብዝተሓትመ ነገራትን ገይሮም ንምዝርጋሕ ሓደ ተበግሶ ወሰዱ። ካብ ከባቢ እታ ሃገር: ኣብዚ ዕዮ እዚ ክሓብሩ ዝመረጹ ሰባት ከኣ ንራስልን ነቶም ቀረባ ብጾቱን ኣብ ዕዮ ጐይታ ተሞክሮ ዘለዎም ኣካል ምዃኖምን ኣብ ዝገብርዎ ንጥፈታት ከኣ ምኽሪ ክህብዎም ዝኽእሉ ብሱላት ሰብኡት ከም ዝዀኑን ተዓዘብዎም።

ብ1884 ማሕበር ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ተባሂሉ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ማሕበር ሓባራዊ ሃብቲ ናይ ፔንሲልቫኒያ ሕጋዊ ቅዋም ሓዘ። ራስልን እቶም ሓላፍነት ዝወሰዱ ቀረባ ተሓበበርቱን: ነዛ ማሕበር እዚኣን ነቲ ንጥፈታት ናይቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ንምምራሕ ኣዝዮም ተጸምዱ። ብ1909 እቲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈቶም ናብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ኣግዓዝዎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት: እቶም ዲረክተራት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን እቶም ካልኦት ናይ ቀረባ ብጾቶም ዝዀኑ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ቅቡኣት ሰብኡትን: ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኰይኖም ኣገልጊሎም ኢዮም።

እቶም ኣብ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ናይ ዲረክተራት ቦርድ ዘገልግሉ 7 ሓዊስካ (ብ1994 11 ነይሮም) ኣመሓዳሪ ኣካል የቝሙ። እዚኣቶም ነቲ ዓለምለኻዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኣልዩ ኢዮም። ንሳቶም መንፈስ ኣምላኽ ብግሁድ እተገልጸሎም ኣይኰኑን: ስለዚ ገለ ጌጋታት ክፍጽሙ ዘይክእሉ ሰባት ኣይኰኑን: ኣብ ክንድኡስ: ነቲ ዘይጋገ ቃል ኣምላኽ ከም ዝለዓለ በዓል ስልጣን ኣብ ምድሪ ገይሮም ብምውሳድ: ኣብኡ ዝምርኰሱ ኢዮም: ንፍቓድ ኣምላኽ ትሕት ኢሎም ብምግዛእ ድማ ናይ ምሉእ ዕድሚኦም ተመኵሮ ዘለዎም ኢዮም። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ብገምጋም 58 ዓመት ዘገልገሉ ኢዮም።

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ነቲ ዅሉ ብማሕበር ዝሕተም ዘበለ ነገራት ይዕዘብ። እቲ ዝጽሓፍ ዘበለ ዅሉ ኣብ መንፈሳዊ ኣድላይነት ናይተን መጓሰ እተመርኰሰ ኢዩ: ከምኡውን ውጽኢት ናይ ጸሎትን ጥልቕ ዝበለ ናይ ቃል ኣምላኽ መጽናዕትን ምርምርን ኢዩ። እዞም ሰባት እዚኣቶም ምጽናዕ መጽሓፍ ቅዱስ ብዝቐጸሉ መጠን: ነቲ ብቐጻሊ ዝፍጸም ዘሎ ዕላማ ኣምላኽ: ኣወዓዕላ ትንቢታት ኣብ ፍጻሜታት ዓለም ከምኡውን ህዝቢ ኣምላኽ ኣብ ዓለም ዘለዎም ኵነታት ይዕዘቡ: ምናልባት ሓድሓደ ግዜ ኣድላዪ ዀይኑ እንተ ረኺቦሞ: ርዱእ ሓሳብ ንምቕራብ ኣብ ገለገለ ትምህርትታት ብሩህ ምትዕርራያት ይገብሩ። በዚ መገዲ እዚ እቲ ፍልጠት ሓቂ ኣዝዩ እናበዝሐ ይኸይድ።​መዝሙር 97:⁠11፣ ምሳሌ 4:⁠18፣ ዳንኤል 12:⁠4

እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል: ኣብተን ካብ 230 ንላዕሊ ዝዀና ሃገራትን ጉጅለታት ደሴትን ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ምእንቲ ክዕዘብ ኢሉ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ እተን 100 ዝዀና ኣብ ዓለም ዝርከባ ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት: ብሰለስተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ዝዀኑ መንፈሳዊ ብቕዓት ዘለዎም ሰብኡት ዝቘመ ጨንፈር ኮሚቴ መዚዙ ኣሎ። እዘን ጨናፍር ከኣ ምስተን ኣብ ትሕቲ ትዕዝብተን ዘለዋ ጉባኤታት ርክብ ይገብራ ኢየን። ኣብ መንጎ ኣመሓዳሪ ኣካልን እቶም ጨንፈር ኮሚቴታትን ስርዓታዊ ዝዀነ ርክብ ኣሎ: እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልውን ሃለዋተን ንምፍላጥ ንመብዛሕትአን ጨናፍር ባዕሎም ኣብ ዓዓመት ይበጽሑወን ኢዮም።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ካልኦት ብዛዕባ ቃል ኣምላኽ ንኽማሃሩ ኢሎም ኣበርቲዖም ዝጽዕሩ ኣገልገልቲ ደኣ’ምበር: ኣብ ልዕሊ እምነት ካልኦት ዝጕይተቱ ኣይኰኑን። ንሳቶም ገለ ናይ ገንዘብ ረብሓ ክረኽቡ ኢሎም ኣይኰኑን ዘገልግሉ ዘለዉ: ስጋዊ ዘድልዮም ነገራት ግን ልክዕ ከምቶም ኵሎም ካልኦት ኣባላት ስድራ ቤትኤል ይቕረበሎም ኢዩ። እቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘርእይዎ ዘለዉ ቅንኣትን ሕብረትን ልዑል ስነ-ምግባራዊ ኣቃውማን ከምኡውን ኣብቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ዘርእይዎ ተኣማንነትን: እዞም ሰባት እዚኣቶም እሙናት ኣገልገልቲ ከም ዝዀኑ ዘረጋግጽ ኢዩ።​1 ቈረንቶስ 3:⁠5-9፣ 4:⁠1, 2፣ 2 ቈረንቶስ 1:24፣ 3:​1-3፣ 1 ጴጥሮስ 5:​2, 3

• እንታይ ናይ ኣመሓዳድራ መደብ ኢዩ ዝማዕበለ፧

• ሎሚ ከም ኣመሓዳሪ ኣካል ኰይኖም ዘገልግሉ መን ኢዮም: ሓላፍነቶምከ እንታይ ኢዩ፧

• ኣብ ካልኦት ሃገራት እቲ ዕዮ ብኸመይ ኢዩ ዝእለ፧

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ካርታ]

(ምሉእ ትሕዝቶ እንተ ደሊኻ፡ እተሓትመ ጽሑፍ ርአ)

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ፍቓድ ኣምላኽ ዝፍጽሙለን ቦታታት

[ኣብ ገጽ 26 ዘሎ ስእልታት]

ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ፕረዚደንትታት

ሲ. ቲ. ራስል 1884-1916

ጄ. ኤፍ. ራዘርፎርድ 1917-1942

ኤን. ኤች. ኖር 1942-1977

ኤፍ ደብልዩ ፍራንዝ 1977-1992

[ኣብ ገጽ 27 ዘሎ ስእልታት]

ገለ ካብተን 100 ዝዀና ንዓለምለኸ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝዕዘባ ጨናፍር ኣብያተ ጽሕፈት

ካናዳ

ዛምቢያ

ጀርመን

ጃፓን

ኣውስትራሊያ

ብራዚል