ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንኣምላኽ ንምውዳስ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው

ንኣምላኽ ንምውዳስ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው

ንኣምላኽ ንምውዳስ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ እተሓትመ ጽሑፋት ገይሮም ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገብርዎ ስብከት ኣጸቢቖም እተፈልጡ ኢዮም። ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ካብ 1920 ጀሚራ: ካብ መንጎ እቶም መሰኻኽር እተዋጽኡ ወለንተኛታት ዓየይቲ ገይራ ንምዕዳል ዝጠቅም መጽሔታትን መጻሕፍትን ከተውጽእ ጸኒሓ ኢያ። እዚ እተገብረሉ ምኽንያት ከኣ: ቀጻልን ብዝከኣል መጠን ድማ ዝተሓተ ዋጋ ዘለዎ ጽሑፋት ንምድላውን ክረጋገጽ ተባሂሉ ኢዩ።

ንገለ 70 ዓመታት ኣቢላ: እታ ማሕበር ነቲ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ምድላው ተግባራታ: ቅድም ኣብ ብሩክሊን ድሓር ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣማዕቢላቶን ኣስፊሓቶን ኢያ። እዚ ዅሉ ዕዮ እዚ በቶም ቍጽሮም በብግዜኡ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ወለንተኛታት ኢዩ ዝግበር ዘሎ።

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ 1970 እቲ ልሙድ ኣገባብ ኣሰራርሓን ኣተሓታትማን: ብናይ ኮምፒዩተር ኣሰራርሓን ብፎቶታይፕሴቲንግን ብኦፍሴት ማሕተምን ተተክአ። እቲ ኣብዚ ዝነበረ ሽግር: ኣብ ዕዳጋ ዝሽየጥ ዝነበረ መሳርሒታት ክሓትም ዝኽእል ንዝተወሰነ ቋንቋታት ጥራሕ ብምንባሩ ኢዩ። ዝዀነ ዀይኑ እታ ማሕበር በቲ እዋን እቲ ድሮ ብ160 ቋንቋታት ዝጸሓፉ ጽሑፋት ተዳሉ ነይራ ኢያ: ገና ኸኣ ዝያዳ የድሊ ነበረ።

ስለዚ ድማ ወለንተኛታት ዓየይቲ ናይ ብዙሕ ቋንቋታት ኤሌክትሮኒክ ፎቶታይፕሴቲንግ ሲስተም ንኸማዕብሉ ተጸውዑ። እቲ ፍሪኡ ኸኣ ዘዕግብ ኰነ። እቲ ዝነበረ ቴክኒካዊ ጸገማት ብምውጻእ: ከም ምእታው ቀንዲ ጽሑፍ: ምርቃቕ ጽሑፍ ከምኡውን ፎቶታይፕሰቲንግ: ዝገብር መፕስ ዝበሃል ሲስተም ማዕበለ። እዚ ልዕሊ 210 ዝዀኑ ቋንቋታት ብሓባር ክሰርሕ ይኽእል ኢዩ። ካብዚ ንላዕሊውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ።

ኣብዚ እዋን እዚ እተተርጐመ ጽሑፋት ኣብ ልዕሊ 100 ዝዀና ሃገራት በዚ ናይ መፕስ ኣገባብ ይዳሎ ኣሎ። ካብዘን ሃገራት እዚኣተን ወለንተኛታት ዝዀኑ ዓየይቲ: ነዚ ዓይነት መሳርሒ እዚ ኽዓይሉን ኽኣልይዎን ተማሂሮም ኢዮም። እታ ማሕበር ሕጂ ኣብ 29 ሃገራት ብ120 ቋንቋታት ገይራ: መጽሔታት ትሓትም ኣላ: ካብዘን ሃገራት እዚኣተን እተን 8 ጥሙር መጻሕፍትን መጽሓፍ ቅዱስን እውን ይሓትማ ኢየን።

ነዚ ዕዮ እዚ ንምፍጻም ሰባት​—⁠ጸሓፍትን ተርጐምትን ኣረምትን ሓተምትን ጠረዝትን ኣጐዓዓዝትን​—⁠የድልዩ ኢዮም። ካልኦት ድማ ኣብ መንጎ ጉባኤታት ዝግበር ናይ ደብዳበታት ምጽሕሓፍ ዝዓዩ ኢዮም። ገሊኦም ናይ መግቢ ምህርቲ ይዓዩ: መግቢ የዳልዉ: የጸራርዩ: ክዳውንቲ ይሓጽቡ ወ.ዘ.ተ.። እዚ ዅሉ ዕዮ እዚ በቶም ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝቐረቡ ወለንተኛታት ዓየይቲ ኢዩ ዝፍጸም። ብ1994 ኣብ ከባቢ ዓለም 15,145 ወለንተኛታት ዓየይቲ ኣብ እተፈላለያ ኣብያተ ጽሕፈትን ፋብሪካታትን መንበሪ ኣባይትን ሕርሻታትን የገልግሉ ነበሩ።

እዞም ሰባት እዚኣቶም እንታዎት ኢዮም፧ ንሳቶምሲ ሰብኡትን ኣንስትን: እተመርዓዉን ዘይተመርዓዉን: መንእሰያትን ኣረገውትን: ኵሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዮም። ገሊኦም 40 ወይ 50 አረ 60 ዓመታት ኣብዚ ዕዮ እዚ ዝነበሩ ኢዮም። ኣብቲ እተመዘዙሉ ዕዮኦም ዳርጋ ብገምጋም 44 ሰዓታት ኣብ ሓደ ሰሙን ኣብ ዘድልየሉ እዋን እውን ዝያድኡ ዝዓዩ ኢዮም። ምሸተ-​ም⁠ሸትን ቀዳመ ሰናብትን ከኣ ካብ ቤት ናብ ቤት እናኸዱ: ብስራት ንምስባኽን ካልእ ናይ ጉባኤ ንጥፈታት ንምዕያይን ዘለዎም ጊዜ ይውፍዩ።

ኣብ ብዘላ ዓለም: እዞም ሰራሕተኛታት እዚኣቶም ኣብ ሓደ ካብቶም ብማሕበር እተሃንጹ “ቤትኤል” ዝብሃሉ ኣባይቲ: መጠነኛ ቤትን መግብን ይወሃቦም ኢዩ። ኣብ ርእሲኡውን ኣብቲ ኣገልገሎቶም ንመገሻ ዘውጽእዎ ዝሽፍነሎምን ንዘድልዮም ብሕታዊ ነገር ኽገዝኡሉ ተባሂሉን ንወጻኢኦም መሕወዪ ዝኸውን ምጡን ገንዘብ ይቕበሉ ኢዮም።

ካብ 1920 ኣትሒዙ እዞም ወለንተኛታት ዓየይቲ እዚኣቶም: ካብ 200 ብዝበዝሕ ቋንቋታት እተጻሕፉ ኣብ ብዘላ ዓለም ዝዕደሉ ካብ ትሽዓተ ቢልዮን ዝበዝሑ መጽሓፍ ቅዱስን መጽሓፍትን መጽሔታትን ንኣሽቱ ጽሑፋትን ሓቲሞም ኢዮም። እቲ ዘለኣለማዊ ብስራት ከም ዘሐጕስ ወረ ኰይኑ ኣብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ሰባትን ምእንቲ ክእውጁ ንሳቶምውን ግዲኦም ይገብሩ ኣለው።​ራእይ 14:6, 7

• ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ዝዓይነቱ ስራሓት ማሕተም ኢዩ ዘለዋ: ስለምንታይከ፧

• ነዚ ኵሉ ስራሕ እዝስ መን ኢዩ ዝገብሮ: ብኸመይከ ይናበሩ፧

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ስእልታት]

ወለንተኛታት ምስ ምድላው ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዙ ዕዮታት ኣብ ፋብሪካን ገዛን ዕዮ ቤት ጽሕፈትን ሕርሻን ዝኣመሰሉ ክፍጽሙ ኸለዉ ብሩክሊንን ዎልኪልን ኒው ዮርክ: ሕ.መ.ኣ.

[ኣብ ገጽ 25 ዘሎ ስእልታት]

ወለንተኛታት ምስ ምድላው ናይ መጽሓፍ ቅዱስን ቅዱሳት ጽሑፋትን ብቐጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ እተተሓሓዙ ዕዮታት ኪፍጽሙ ኸለዉ

እስጳኛ

ጀርመን

ፊንላንድ

ካናዳ

ደንማርክ

ሽወደን

ደቡብ ኣፍሪቃ

ብራዚል

ነዘርላንድስ

ኣውስትራልያ