ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሑ ኣኼባታት

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሑ ኣኼባታት

ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ዘነቓቕሑ ኣኼባታት

እቶም ቀዳሞት ክርስትያናት ትምህርታዊ መምርሒ ክረኽቡን ንሓድሕዶም ከኣ ብሓጐስ ክትሃናነጹን ዝበዝሕ ግዜ ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ ይእከቡ ነበሩ። ሎሚውን እንተዀነ: ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ኢዮም ዝእከቡ። ኣብ ዝዀነት ካብዘን ኣኼባታት እዚኣተን ኽትካፈሉ ትዕደሙ ኣሎኹም። እቲ ኣኼባታቶም ኣብ ሃይማኖታዊ ልምዲ ዘይኰነስ: ኣብቲ መለኮታዊ ትምህርቲ ኢዩ ዘተኵር። ኵለን ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ብመዝሙርን ብጸሎትን ኢየን ዝኽፈታን ዝዕጸዋን። ኣብኡ ምክፋል ናጻ ኢዩ: ምእካብ ገንዘብ እውን የልቦን።​ግብሪ ሃዋርያት 4:​23-31፣ 14:⁠22፣ 15:​32, 35፣ ሮሜ 16:⁠5፣ ቈሎሴ 4:⁠15

ምናልባት ኣብቲ መጀመርያ እትካፈሎ ኣኼባ ገለ 45 ደቓይቕ ዝወስድ ህዝባዊ ዝርርብ ክኸውን ይኽእል: እዚ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትምህርቲ ወይ ትንቢት ወይ ምኽሪ ብዛዕባ ክርስትያናዊ ናብራ ይኸውን። ነዚ ዝርርብ እዚ ስዒቡ ኸኣ: ሓደ ዓንቀጽ ካብቲ ንናይ ጉባኤ መጽናዕቲ ተባሂሉ እተዳለወ ግምቢ ዘብዐኛ ብምጥቃም: መጽሓፍ ቅዱስ ይጽናዕ። እቲ መጽናዕቲ ብኸምዚ ዝስዕብ ይካየድ:- መጀመርታ ካብቲ ግምቢ ዘብዐኛ ሓደ ሕጡብ ጽሑፍ ይንበብ: እቲ ነቲ ትምህርቲ ዝመርሕ ድማ ካብቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት የቕርብ: ካብቶም ተኻፈልቲ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም ብፍቓዶም ምላሽ ይህቡ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሕጡብ ጽሑፍ ብርክት ዝበሉ ሓሳባት ይወሃቡ ኢዮም። እቲ ኣኼባ ሓደ ስዓት ኢዩ ዝወስድ።

ጸኒሑ ኸኣ ኣብቲ ሰሙን እቲ: ክልተ ነፍሲ ወከፈን 45 ደቓይቕ ዝወስዳ ኣኼባታት ይካየዳ። ሓደ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኢዩ። እዚ ኸኣ ካብ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሳባት ኣኪብካ ስሉጥ ብዝዀነ መገዲ ንምምሃር: ምልምማድ ይህብ። ድሕሪ 21 ደቓይቕ ፍሉይ ሃናጺ ትምህርቲ ምስ ተዋህበ: ኣቐዲሞም ብዝተመደቡ ተማሃሮ ሕጽር ዝበለ ክፍልታት ይቐርብ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ኸአ: እቲ መምህር ናይታ ቤት ትምህርቲ: ነቲ ተማሃራይ ዝመሓየሸሉ ገለገለ ምኽርታት ይልግሰሉ። ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ እንጥቀመሎም ሓያሎይ መምሃሪ መጻሕፍቲ ተዳልዮም ኣለዉ። እቶም ኣብ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኰይኖም ዝካፈሉ ኵሎም እንተድኣ ብክርስትያናዊ መገዲ ዝመላለሱ ኰይኖም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ክምዝገቡ ይኽእሉ ኢዮም።

እቲ ብድሕሪ እዚ ዝስዕብ ኣኼባ ኸኣ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ተባሂሉ ይጽዋዕ። ትሕዝቶኡ ድማ ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ክፍልታት ዝሕዝ ኰይኑ: ሓደ ሰብ ነቲ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ቤት ናብ ቤትን ብኻልእ መልክዕ ናይቲ ኣገልግሎትን ከመይ ገይሩ ከም ዘቕርብ ዘመልክቱ ኣርእስትታት ዘጠቓልል ኢዩ። እዞም ክፍልታት እዚኣቶም እቶም ሰማዕቲ ተሳትፎ ዘርእይሉ ዝርርባት: ምምይያጥ ወይ ድማ ተዋስኦታት ኰይኖም ይቐርቡ። እቲ ዝበዝሐ ክፍሊ ናይቲ ፕሮግራም ካብቲ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ዝብል ኣርባዕተ ገጻት ዘለዎ: ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ተዳልዩ ዝወጽእ ወርሓዊ መጽሔት እተመስረተ ኢዩ።

ካልእ ኣኼባ ኸኣ እቲ ብንእስ ዝበለ ጉጅለታት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መላእ ዞባ እታ ጉባኤ ዝርከቡ ብሕታውያን ኣባይቲ ዝውሰድ ሰሙናዊ መጽናዕቲ ኢዩ። እቲ መጽናዕቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ ሓደ ብቐረባ እዋን ብማሕበር እተዳለወ መጽሓፍን እተመስረተ ኢዩ። እቲ ጉጅለ ንኡስ ብምዃኑ: ኵሎም ኣብቲ ዝግበር ምምይያጥ ክሳተፉ ዓብዪ ኣጋጣሚ ኣለዎም: ከምኡውን እቶም ዝመጹ ዅሎም ንሓድሕዶም ብዝበለጸ ንኽላለዩ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኣለዎም።

መብዛሕትአን ጉባኤታት ኣኼባታተን ኣብ ሓደ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሃንጸ ናይ መንግስቲ ኣዳራሽ ኢየን ዘካይዳ። እቲ ወጻኢታት ድማ በቲ እቶም መሰኻኽር ብፍታው ዝገብርዎ ወፈያ ኢዩ ዝሽፈን: እቲ ስራሕ ንባዕሉውን መብዛሕትኡ ግዜ በቶም ብዘይ ክፍሊት ብወለንታ ዝዓዩ ሰራሕተኛታት ኢዩ ዝፍጸም። ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ነቶም ክውፍዩ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ናይ ውጽኢት ሳጹናት ይርከብ ኢዩ።

ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ እብራውያን 10:​24, 25 ዘሎ ምኽሪ ንኽኽተሉ ይሕግዞም ኢዩ: ንሱ ኸኣ:- “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕን ኣብ ነንሕድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ ኣሎኹም እሞ: ነንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር ከምቲ ገሊኣቶም ልማድ ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ” ዝብል ኢዩ።

• እንታይ ኣብ ኣኼባታት ናይ ቀዳሞት ክርስትያን ዝነበረ ኣገባብ ኢዩ: ሕጂ ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክረአ ዝኽእል፧

• ኣብተን ሓሙሽተ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስርዓታውያን ኰይኖም ዘካይድወን ኣኼባታት ዝቐርብ ነገር ዘርዝር።

• ንመአከቢ ዝዀኑ ኣደራሻት ብኸመይ ኢዮም ዝርከቡ፧

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእልታት]

ሽማግለ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ እናመርሐ ኸሎ: ሕ.መ.ኣ.

ኣብ ቲኦክራቲካዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ እተገብረ ምርኢት: ፋኤሮ ደሴት

ኣብ ናይ ብሕቲ ቤት ዝግበር ናይ ጉጅለ መጽናዕቲ: ያፕ

ኣብ ኒው ብራውንፌልስ: ቴክሳስ: ሕ.መ.ኣ.: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኽልተ መዓልቲ ዝሃነጽዎ መንግስቲ ኣዳራሽ

[ኣብ ገጽ 15 ዘሎ ስእልታት]

መንግስቲ ኣደራሻት ኣብ እተፈላለያ ሃገራት

ጃፓን

ኣውስትራሊያ

ኣውስትሪያ

እስጳኛ