ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ኣሰምብሊታት ምሕጓስን ንኣምላኽ ምውዳስን

ኣብ ኣሰምብሊታት ምሕጓስን ንኣምላኽ ምውዳስን

ኣብ ኣሰምብሊታት ምሕጓስን ንኣምላኽ ምውዳስን

ካብ መጀመርታ ናይ 1880ታት ኣትሒዞም እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ስሩዕ ኣኼባታቶም: ምስቶም ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከቡ ኣመንቲ ኣሕዋቶም ምልላይ: ጠቓሚኦም ምዃኑ ተረድኡ። በዚ ምኽንያት እዚ ካብ ምሉእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ድሓር ከኣ ካብ ካናዳ ዓመታዊ ዓበይቲ ኣኼባታት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ጀመሩ። እዞም ዓበይቲ ኣኼባታት ኣዚኣቶም መንፈሳዊ ዕረፍቲ ዝርከበሎም ኣኼባታት ኢዮም: ንሓያሎ መዓልትታት ኣዝዩ ውዕዉዕ ዝዀነ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ተዳልዩ ይቐርብ: ኵሎምውን በቲ ኣብ ነንሓድሕዶም ዝገብርዎ ዝነበሩ ባህ ዘብል ምትብባዕ ይሕጐሱ ነበሩ። ጥምቀት ናይ ሓደስቲ ኣመንቲ ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ሓደ ልሙድ ስርዓት ኰነ። ዓበይቲ ኣኼባታት ንህዝቢ ኣዝዩ ሰፊሕ ምስክርነት ንምሃብ እውን የገልግሉ ኢዮም።​ሮሜ 1:⁠11, 12

ኣብዚ እዋን እዚ እንተዀነውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ስሩዕ ኣሰምብሊታት የካይዱ ኢዮም። መብዘሕትኡ ግዜ ካብ 18 ክሳዕ 25 ኣቢለን ዝዀና ጉባኤታት ኣብ ትሕቲ ሓደ ወረዳ ዝብሃል ተመዲበን ብገየሽቲ ተዓዘብቲ ይብጻሓ ወይ ይግልገላ ኢየን። ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ እተን ኣብቲ ወረዳ ወይ ኣብ ክፋል ናይቲ ወረዳ ዝርከባ ጉባኤታት: ብሓባር ኰይነን ኣብ ቀዳም ከምኡውን/ወይከኣ ሰንበት ዝእከባሉ ናይ ኣሰምብሊታት መደብ ይዳሎ።

ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ ንሰለስተ ወይ ኣርባዓተ መዓልቲ ኣቢሉ ዝውድእ ሓደ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝብሃል ኣብ ሃሃገሩ ይዳሎሞ: ኣብኡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ሓደ ቦታ ክእከቡ ይኽእሉ። እዞም ዓበይቲ ኣኼባታት ኣዚኣቶም ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ነቶም በቲ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገደስቲ ዝዀኑ ካልኦት ሰባትን መንፈሳዊ ምትህንናጽ ኣብ ርእሲ ምብርካቶም ህዝባዊ ምስክርነትውን ይህቡ ኢዮም።

እቲ ነዞም ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ዝኸውን ፕሮግራም: ብኣመሓዳሪ ኣካል ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዳለወ ዀይኑ ኣብቲ ነቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዉ መሰኻኽር ዘድሊ ነገራት እተሞርኰሰ ኢዩ። እዚ ዝርርብን ምምይያጥን ንናብራ ህይወት ዝትንክፍ መርኣያታትን ኰይኑ በቶም ገየሽቲ ተዓዘብትን በቶም ኣባላት ናይታ ጉባኤ ዝዀኑ ብቑዓት መሰኻኽርን ይቐርብ። በበይኖም ዝዀኑ ሰባት ከኣ ኣብዛ ኣምላኽ ኣልቦ ዓለም እዚኣ ንኽነብሩ ዘጋጥሞም ጸገማት ወይ ድማ ካብ ክርስትያናዊ ኣገልግሎቶም ዝረኸብዎ ፍረ ኣተሓሒዞም ተሞክሮታቶም ይገልጹ። ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባታት ተወሳኺ መልክዕ ዘለዎም: ክርስትያናት ንዘጋጥምዎም ጸገማት ብኸመይ ክዋጽኡሎም ከም ዘለዎም ዝሕብሩ ህያው ዝዀኑ ኣብ ዛንታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ድማ ኣብ ዘመናዊ ኵነታት እተሞርኰሱ ድራማታት ይቐርቡ።

ኣብኡ መግብን ዝሑል መስተን ይቕረብ ኢዩ። ኣብቲ እዋን ዕረፍቲ ምስ ካልኦት ኣሕዋት ተራኺብካ ክትጻወት ዘሐጉስ ኣጋጣሚ ይፈጥር ኢዩ። እቲ ኣብዚ ዅነታት እዚ ዝውዕል ኵሉ ዕዮታት በቶም ካብ መንጎ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተዋጽኡ ወለንተኛታት ዓየይቲ ኢዩ ዝካየድ። እቲ ንመአከብን ንኻልእ ነገራትን ዝወጽእ ኵሉ ወጻኢታት በቲ ብፍታው እተዋህበ ወፈያ ኢዩ ዝኽፈል። መእተዊ ዋጋ ናጻ ኢዩ: ምእካብ ገንዘብውን የሎን።

እዞም ኣኼባታት እዚኣቶም ንመዓስን ኣበይን ተመዲቦም ከም ዘለው ንምፍላጥ ነታ ኣብ ዞባኻ እትርከብ ጉባኤ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ብዛዕባ መጐዓዝያን መዕረፊ ቦታን ክዳሎ ከም ዝኽእል እውን ኣብኡ ሓበሬታ ክርከብ ይከኣል ኢዩ።

እዞም ኣሰምብሊታትን ዓበይቲ ኣኼባታትን ኣዚኦም ድማ ንናይ የሆዋ መሰኻኽርን ንዅሎም ተሓባበርቶምን ክንየው እቲ ናይ ከባቢኦም ጉባኤ ኣርሒቖም ንኽጥምቱን ምስቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋቶም ዘለዎም ሕብረት ድማ ከማስውሉን ይሕግዝዎም ኢዮም።​1 ጴጥሮስ 2:⁠17

• እቶም ቀዳሞት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ካብቲ ዝገብርዎ ዝነበሩ ዓበይቲ ኣኼባታት: እንታይ ረብሓ ኢዮም ዝረኸቡ፧

• እቲ ንናይ ወረዳ ኣሰምብሊታትን ንኣውራጃዊ ኣኼባታትን ዝግበር መደባትን ፕሮግራምን ግለጽ።

[ኣብ ገጽ 18 ዘሎ ስእልታት]

ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ እተገብረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ድራማ: ሕቡራት መንግስታት

ኣህጉራዊ ኣኼባ: ፖላንድ

ኣህጉራዊ አኼባ: ኣርጀንቲና

ናይ ወረዳ ኣስምብሊ: ጃፓን

ልኡኻት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ክወስዱ ከለው: ስዊዘርላንድ

ኣብ ኣህጉራዊ አኼባ እተገብረ ጥምቀት: ደቡብ ኣፍሪቃ

ምውጻእ ሓድሽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፍ: ካናዳ

ልኡኻት ኣብ ዓቢ ኣኼባ ሓቢሮም ክዝምሩ ኸለዉ: እስጳኛ