ካብ ወለንታዊ ውጽኢታት ዝርከብ ናይ ገንዘብ ደገፍ
ካብ ወለንታዊ ውጽኢታት ዝርከብ ናይ ገንዘብ ደገፍ
እዚ ኣቐዲሙ እተገልጸ ኵሉ ዕዩታት እዚ በቶም ወለንተኛታት ዓየይቲ ኢዩ ዝካየድ: እዚ ኸኣ ነቲ ዋጋታት ትሑት ይገብሮ። እቲ ናይ ቤተ ቤት ኣገልግሎትን ምዕዳል ጽሑፋትውን በቶም ብወለንታ ዝዓዩ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ ዝፍጸም። ናይ ገዛእ ርእሶም ወጻኢታት ባዕሎም ኢዮም ዝኸፍሉ። እቶም ብዲያቆናት ተሓጊዞም ጉባኤታት ዝኣልዩ ሽማግለታትውን ንኣገልግሎቶም ዝኽፈልዎ ገንዘብ የብሎምን። ኵሉ ወጻኢታቶም ዝሽፍኑ ባዕላቶም ኢዮም።
እቶም ኣባላት ኣመሓዳሪ ኣካልን ኵሎም እቶም መጽሓፍ ቅዱስን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋትን ንምድላውን ንምሕታምን ምሉእ ግዜኦም ዘገልግሉ ካልኦትን ብዘይካ እቲ ዝድቅስሉ ክፍልን ዕለታዊ መግብን ንወጻኢታቶም መሕወዪ ዝኸውን ምጡን ገንዘብን እንተዘይኰይኑ: ምንም ዓይነት ክፍሊት የብሎምን። እዚ ኣብቶም ምሉእ ግዜኦም ብመገሻ ዘሕልፍዎ ገየሽቲ ተዓዘብቲውን ከምኡ ኢዩ።
እቲ ካብ ጽሑፋትና እንረኽቦ ውጽኢት: ዋጋ ናይ መሕተሚኡን መባዝሒኡን መጽዓኒኡን ጥራይ ኢዩ ዝሽፍን። ኵሉ ኻልእ ወጻኢታት ከኣ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ባዕላቶም ከም ህያብን ከም ውርሻን ገይሮም ዝህብዎ ናይ ወለንታ ናይ ገንዘብ ውጽኢታት ኢዩ ዝሽፍኖ።
ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናይ ወረዳ ይኹን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት: ነቶም ከዋጽኡ ዝደልዩ ሰባት ዝኸውን ናይ ውጽኢት ሳጹናት ይዳለወሎም ኢዩ። ምእካብ ገንዘብ ፈጺሙ የልቦን። ዝዀነ ይኹን እትኸፍሎ ግቡእ ወይ ዕሽር ዝብሃል ነገርውን ከቶ የልቦን። ልክዕ ከምቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ተሰሪዑልና ዘሎ: ነፍሲ ወከፍ በብልቡ ቈሪጹ ዝወሰኖ ኢዩ ዝውፊ።—2 ቈረንቶስ 8:12፣ 9:7
• ናይ ገንዘብ ደገፍ ናይቲ ዅሉ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብኸመይ ኢዩ ዝርከብ፧