ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክንሕግዝ ንደሊ ኢና

ክንሕግዝ ንደሊ ኢና

ክንሕግዝ ንደሊ ኢና

እዛ ብሮሹር እዚኣ ምስቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንጥፈታትን ነቲ ዘሎካ ፍልጠት መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተዕቢ ምእንቲ ክሕግዙኻ ዝገብርዎ ምድላዋትን ንኸተ​ላልየካ ተባሂላ ኢያ ተዳልያ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ቤትካ በጺሖምኻ ይዀኑ ወይ ድማ ምሳታቶም ኣብ መገዲ ይኹን ካልእ ቦታታት ተዘራሪብካ ትኸውን። ምናልባት እውን ሓደ ካብዞም መሰኻኽር ሕጂ ምሳኻ የጽንዕ ይህሉ ይኸውን።

ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዝገልጽ መልእኽቶም ኣብ ብዘላ ዓለም ይእወጅ ከም ዘሎ ትፈልጥዶ፧ እዚኸ ስለምንታይ ኢዩ፧ ምኽንያቱ ኣምላኽ እቲ ፈጣሪና: ካብ ኵሎም ኣህዛብ እተዋጽኡ ሰባት ብሕብረት ንዕኡ ከምልኹዎ ስለ ዝደሊ ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ግዜና ኣቐዲሙ ከምዚ በለ:- “ብዙሓት ኣህዛብ ኪኸዱ: ንዑናይ ናብ ከረን እግዚኣብሄር [“የሆዋ:” ትሓዓ]: ናብ ቤት ኣምላኽ ያእቆብ ንደይብ: ንሱ ጐደናታቱ ኺምህረና: ብመገድታቱውን ክንመላለስ ኢና: ድማ ኪብሉ እዮም።”​ኢሳይያስ 2:2, 3

እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ መገድታት ኣምላኽ ንኽነግሩኻ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ: መፈጸምታ ናይዚ ትንቢት እዚ ኢዩ። ኣብዞም ዝስዕቡ ገጻት: እዚ ዝግበር ዘሎ ዕዮ ሕጂ ስለምንታይ ኣገዳሲ ከም ዝዀነን ካብኡ ብኸመይ ክትጥቀም ከም እትኽእልን ክትግንዘብ ኢኻ።