ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ዕላማ ኣምላኽ ኣብ መፈጸምታኡ ይበጽሕ

ዕላማ ኣምላኽ ኣብ መፈጸምታኡ ይበጽሕ

ዕላማ ኣምላኽ ኣብ መፈጸምታኡ ይበጽሕ

ኣምላኽ ነዛ ምድሪ ክፈጥራ ኸሎ: ዕላምኡ ሕጉሳት ሰባት ኣብ ትሕቲ ጽድቃዊ ኵነታት ክነብሩላ ኢዩ ነይሩ። ብቐጻልነት ምእንቲ ክነብሩ ግን ደቅሰብ ንሕጋጋት ኣምላኽ ክእዘዙ ነበሮም: ይኹን እምበር እቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይ ምእዛዞም ሓጥኡ: ንሞት እውን ተፈርዱ። እዚ ንዅ​ሎም ዘርኦም ሓጢኣትን ሞትን ኣስዓ​በሎም።​ዘፍጥረት 1:27, 28፣ 2:16, 17፣ 3:​1-19፣ ሮሜ 5:⁠12

እቲ የሆዋ ዝስሙ ኣምላኽ: ንሳዕቤን ናይ ዘይምእዛዝን ሓጢኣትን ካብ ገጽ ምድሪ ክውግዶ ወሰነ። ሓደ እዋን ኣብ ምድሪ ኣስተብሃለ እሞ: ኣብ መንጎ ደቅሰብ ሓደ ኣብራም እተባህለ ድሓር ግን ባዕሉ ‘ኣብርሃም’ ኢሉ ስሙ ዝቐየረሉ እሙን ሰብ ረኣየ። ኣምላኽ ንኣብርሃም: ዘርኡ ዓብዪ ህዝቢ ከም ዝኸውን ተመባጻዓሉ: በቲ ህዝቢ እቲ ኣቢሉ እውን ኣምላኽ ሓደ ዘርኢ ከም ዘውጽእ እሞ ብእኡ ኸኣ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ከም ዝባረኹ ገለጸሉ።​ዘፍጥረት 12:​1-3፣ 18:​18, 19፣ 22:⁠18፣ መዝሙር 83:⁠18፣ እብራውያን 11:​8-16

ኣብ ኣጋ መወዳእታ ናይ መበል ዓሰርተው ሽዱሽተ ክፍለ ዘበን ቅ.ኣ.ዘ. ኣቢሉ: ካብ ዘርኢ ያእቆብ ወይ ድማ እስራኤል እተባህለ ወዲ ወዱ ንኣብርሃም: 12 ነገዳት ኣብ ግብጺ ብባርነት ይነብሩ ነበሩ። የሆዋ ነዞም እስራኤላውያን እዚኣቶም ካብ ግብጺ ሓራ ኣውጺኡ ከም ሓደ ህዝቢ ኣቘሞም። ብናይ ሙሴ ማእከልነት ኣቢሉ ኸኣ ኣብ ከረን ሲና ነቲ ከም ሕገ መንግስቶም ኰይኑ ዘገ​ልገሎም ሕጊ ሃቦም። ንጉሶምን ፈራዲ​ኦምን ሓጋግ ሕጎምን የሆዋ ባዕሉ ነበረ። ህዝቢ እስራኤል ከም ሕሩያት ህዝቢ ኣምላኽን መሰኻኽሩን ኰይኖም ዕላምኡ ንምፍጻም ተመሓደሩ። ብእኦም ኣቢሉ ኸኣ: ንረብሓ ዅሎም ኣህዛብ እትኸውን ሓንቲ ዘለኣለማዊት መንግስቲ ዘቕውም መሲሕ ክውለድ ነበሮ።​—⁠ዘጽኣት 19:​5, 61 ዜና መዋእል 17:​7-14፣ 1 ነገስት 4:​20, 25፣ ኢሳይያስ 33:⁠22፣ 43:​10-12፣ ሮሜ 9:⁠4, 5

ድሕሪ 15 ክፍለ-ዘበናት ወይ ኣስታት 2,000 ዓመታት ኣቢሉ ይገብር: ኣምላኽ ነቲ ሓደ ወዱ ካብ ሓንቲ ማርያም እትበሃል ኣይሁዳዊት ድንግል ንኽውለድ ካብ ሰማይ ንምድሪ ለኣኾ። የሱስ ከኣ ተሰምየ: ነታ ነባሓጎኡ ዳዊት ኣተስፍይዎ ዝነበረ መንግስቲ ወራሲኣ ዀነ። ዕድሚኡ ወዲ 30 ዓመት ምስ ኰነ: የሱስ ብዮሃንስ መጥምቕ ተጠምቀ: ብኡንብኡ ኸኣ መንግስቲ ኣምላኽ ክእውጅ ጀመረ። ሕሙማት ብምፍዋስ እታ እትመጽእ መንግስቲ ንደቅሰብ ከመይ ዝበለ በረኸት ከም እተምጽእ ኣርኣየ። ካብ ኵሎም እቶም ዘለኣለማዊ ህይወት ዝደልዩ እንታይ ከም ዝድለ ብምሳሌታት እናገበረ ገለጸ። ብድሕሪኡ የሱስ ኣብ ዕንጸይቲ ብምስቃል ተቐትለ: ፍጹም ሰብኣዊ ህይወቱ ኸኣ ንደቅሰብ በጃ ኰነ።​ማቴዎስ 1:​18-24፣ 3:​13-16፣ 4:​17-23፣ 6:⁠9, 10፣ ምዕራፍ 13፣ 20:⁠28፣ ሉቃስ 1:​26-37፣ 2:⁠14፣ 4:⁠43, 44፣ 8:⁠1፣ ዮሃንስ 3:⁠16፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:​37-39

የሱስ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ድሕሪ ነዊሕ እዋን: ኣብ መደምደምታ ናይዚ ስነ ስርዓት እዚ ክትቀውም ከም ዘለዋ ገለጸ። ኣብቲ እዋን እቲ ድማ ንሱ ብዘይርአ ኣገባብ ኣብ ሰማያት ከም መሲሓዊ ንጉስ ኰይኑ ኣቓልቦኡ ኣብ ምድሪ ኣቢሉ ብምቕናዕ ህላዌኡ ከፍልጥ ኢዩ። ኵነታት ዓለም ከም ዘርእየና ኸኣ: ካብ 1914 ጀሚርና ኣብቲ ግዜ’ቲ ኢና እንነብር ዘሎና። የሱስ ኣቐዲሙ ከም ዝበሎ ድማ: እቲ ብስራት መንግስቲ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ይስበኽ ኢዩ ዘሎ። ፍሪኡ ኸኣ እንሆ ካብ ኵለን ሃገራት እተዋጽኡ ሰባት ኣብ ጎድኒ መንግስቲ ኣምላኽ ይእከቡ ኣለዉ። እዚኣቶም: ኣብ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ብህይወት ተሪፎም: ኣብ ትሕቲ እታ መሲሓዊት መንግስቲ ኣብ ምድሪ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢዮም።​ማቴዎስ: ምዕራፍ 24ን 25ን፣ ራእይ 7:​9-17

ሎሚ ብዙሓት ኣብያተ ክርስትያናት ፍቓድ ኣምላኽ ንገብር ኣሎና ኢየን ዝብላ። እሞኸ ደኣ ብኸመይ ኢኻ ነታ ሓቀኛ ክርስትያናዊት ማሕበር ከተለልያ እትኽእል፧ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እታ ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ዝነበረት ክርስትያናዊት ጉባኤ ዝህብዎ መምርሒ ብምምርማርን: ንእኡ ድማ ሎሚ መን ብልክዕ ይኽተሎ ከም ዘሎ ብምዕዛብን ኢኻ ከተለልያ እት ኽ⁠እል።

• ዕላማ ኣምላኽ ንምፍጻም ኣብርሃምን እስራኤልን እንታይ ግደ ነበሮም፧

• የሱስ ብኣገልግሎቱን ሞቱን እንታይ ፈጸመ፧

• ንግዜና ኣነጺሩ ንምግላጽ እንታይ ኵነታት ኢዩ: ብትንቢት ተነጊሩ ዝነበረ፧