ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም

የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም

የሆዋ ንህዝቡ ይእክቦም ንዕዮ ኸኣ የዕጥቖም

ኣብ ብምሉኡ ዝሓለፈ ዘበናት ክሕደት ኣብ ብዘላ ምድሪ ተዘርግሐ። ብዙሓት ማሕበራት ኣብያተ ክርስትያናት ገለ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት እኳ እንተነበረን: ብኣውርኡ ሰብኣዊ ወግዕታትን ብዙሕ ኣረማዊ መበቆል ዘለዎም ባህልታትን ኢየን ዝኽተላ ነይረን። እቲ ብዛዕባ ምምላስ ክርስቶስ ዝነበረ ትጽቢት እውን ብሓፈሽኡ እናቐሃመ ኸደ።​⁠ምስ ማቴዎስ 13:​24-30, 37-43 ኣነጻጽሮ።

ይኹን እምበር: የሱስ ምምላሱ ነቒሖም ክሕልዉ ነጊሩ ነበረ! ነዚ ጉዳይ እዚ ዝገብር ጉጅለ ኣብ ኣሊገኒ (ፒትስበርግ) ናይ ፐንሲልቫንያ ሕ.መ.ኣ. ነበረ። ብመጀመርያ ናይ 1870ታት ቻርለስ ተይዝ ራስል ምስ ገለ ብጾቱ ኰይኑ ብዛዕባ ምምላስ ክርስቶስ ሃይማኖታዊ ወገንነት ዘይብሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መጽናዕቲ ጀመሩ። ከምኡውን ኣብ ሓያሎይ መሰረታዊ ትምህርትታት ዘተኰረ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምርካብ ሃሰስ ክብሉ ጀመሩ። እዚ ኸኣ ኣጀማምራ ዘመናዊ ንጥፈታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ።​ማቴዎስ 24:⁠42

እዚ ጉጅለ እዚ: ሰረተ-ትምህርቲ ስላሴ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ከም ዘይኰነ ኣብ ክንድኡ ግን የሆዋ በይኑ እቲ ዅሉ ዝኽእል ኣምላኽን ፈጣርን ምዃኑ: የሱስ ክርስቶስ ከኣ እቲ ቦኽሪ ፍጥረቱን እቲ ሓደ ወዱን ምዃኑ: መንፈስ ቅዱስ ድማ ሓደ ኣካል ዘይኰነስ ዘይርአ መስለጢ ሓይሊ ኣምላኽ ምዃኑ ተረድአ። እዚ ጉጅለ’ዚ ነፍሲ ሰብ ዘይትመውት ነገር ዘይኰነትሲ መዋቲት ምዃና: ተስፋ ምውታት ትንሳኤ ምዃኑ: መቕጻዕቲ እቶም ዘይንስሑ ረሲኣን ሰባት ድማ ኣብ ሓደ ዘለኣለማዊ ስቓይ ዘለዎ ቦታ ዘይኰነስ ጥፍኣት ምዃኑን ኣስተብሃለ።

የሱስ ህይወቱ በጃ ደቅሰብ ምሃቡ ከም ሓደ መሰረታዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምዃኑ ተገንዘቡ። ፈለማ ካብቲ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን ኣትሒዙ ክሳዕ ግዜና እተመርጹ 144,000 ሰብኡትን ኣንስትን: በቲ እተኸፍለሎም ዋጋ በጅነት ምስ ክርስቶስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቲ ሓቢሮም መዋርስቱ ክዀኑ ካብ ምድሪ ከም ዝውሰዱ ተረድኡ። ካብኡ ኸኣ በቲ በጅነት የሱስ ገይሮም ብቢልዮናት ዝቝጸሩ ደቅሰብ: መብዛሕትኦም ካብ ምውታት ዝትንስኡ: ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ረኺቦም ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ኣብ ሰብኣዊ ፍጽምና ክበጽሑ ኢዮም።

ራስልን ብጾቱን: ህላዌ ክርስቶስ ብዘይርአ ኣገባብ ማለት ብመንፈስ ምዃኑውን ተገንዘቡ። ዘመናት ኣህዛብ: ንኣምላኻዊ ልዕልነት እትውክል መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘይነበረሉ እዋን: ብ1914 ክውዳእ ከም ዘለዎ ተገንዘቡ። ካብኡ ንድሓር ኢያ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ክትቀውም ዝነበራ። ሎሚ: እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ትምህርቲ ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢዩ ዝርከብ።

ራስልን ብጾቱን ነዞም ሓቅታት እዚኣቶም ብዝርርባትን ብጹሑፋትን ገይሮም ኣርሒቖምን ኣስፊሖምን ኣወጅዎም። ብሓምለ 1879 ራስል ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ (ሕጂ ግምቢ ዘብዐኛ ተባሂሉ ዘሎ) ክሓትም ጀመረ። እቲ ብተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበር ዝነበረ ናይ ስብከት ንጥፈታት ብምሉኡ ኣብቲ ብፍታው ዝውፈ ገንዘብ እምበር ገለ ግድነታዊ ምእካብ ገንዘብ ከይግበር ጽኑዕ መደብ ገበረ። ከምኡውን: እቲ መልእኽቲ በቶም ብወለንታ ዝጽዕሩ ገለ ገንዘብ ዘይክፈሉ ኣመንቲ ከስፋሕፍሕ ከም ዘለዎ ኣፍለጠ። ባዕሉ ራስል እኳ ነቲ ክሳዕ ሽዑ ብንግዲ ኣዋህሊልዎ ዝነበረ ጥሪቱ ነቲ ዕዮ ወፈዮ።

እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ሽዑ ክፍልታት ኢሎም ዝጽውዕወን ዝነበሩ ጉባኤታት ይእከቡ ነበሩ። ንዝርርብን ጽሑፋት ንምጽናዕን ንኣወሃህባ ምስክርነትን ኢሎም ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዜ ይእከቡ ነበሩ። ብስርዓታዊ ኣገባብ ድማ ሓላፍነት ክስከሙ ዝኽእሉ ሰብኡት ከም ሽማግለታት ኰይኖም ነቲ መንፈሳዊ ዕዮታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዝዕዘቡውን ይመርጹ ነበሩ።

ብ1884 ማሕበር ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ትራክት: መኽሰብ ዘይትደሊ ብሕጊ እትፍለጥ ማሕበር ኰይና ኣብ ፔንሲልቫንያ ቈመት። ፕረዚደንት ናይዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ ዓዓመት ንኽምረጽ ከኣ ተወሰነ። በዚ ኸኣ ነቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርቲ ንምቕጻል ኣብ ህይወት ናይ ዋላ ሓደ ውልቀሰብ ዘይትሙርከስ ሕጋዊት መሳርሒት ክትዳሎ ተኻእለ። ቻርለስ ቲ. ራስል ከም ፕረዚደንት ኰይኑ ተመርጸ። እቲ ቤት ጽሕፈቱ ኸኣ ከም ዋና ቤት ጽሕፈት ኰይኑ ተራእየ።

እቲ ዕዮ ኣብ ካልኦት ሃገራት ምእንቲ ከስፋሕፍሕ ተባሂሉ ኣዝዩ ብርቱዕ ጻዕሪ ተገብረ። ኣብ መጀመርታ 1880ታት ኣብ ካናዳን ዓዲ እንግሊዝን በጽሐ። ብ1891 ራስል ሓቂ ንምስፍሕፋሕ እንታይ ከም ዘድሊ ምእንቲ ከስተብህል ኣብ ሃገራት ኤውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ዑደቱ ጀመረ። ኣብ መጀመርታ 1900ታት ድማ ኣብ ብሪጣንያን ጀርመንን ኣውስትራልያን ጨንፈር ኣብያተ ጽሕፈታት ማሕበር ተመስረታ።

ብ1909 ንዕዮ ስብከት ብኣህጉራዊ ደረጃ ንምስፍሕፋሕ: እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ: ኣብ ኒው ዮርክ ብሩክሊን እተባህለ ቦታ ገዓዘ። ኣብ ትሕቲ ሕጊ ኒው ዮርክ: ከም ሓደ ሕጋዊ ትካል ኰይኑ ክምዝገብ ስለ ዘድለየ ኣብኡ ከም ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ተባሂሉ እንደገና ተመዝገበ። ዕዮ ናይቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብተን ናይ ዓባይ ብሪጣንያ ሓባራዊ ሃብቲ መታን ክድንፍዕ ብ1914 ማሕበር ኣህጉራዊ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሎንዶን ዓዲ እንግሊዝ ተተኽለ። ኣብዚ እዋን እዚ ልዕሊ 100 ዝዀና ትካላትን ማሕበራትን ኣብ ብዙሓት ኣብ ዙርያ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ተመስሪተን ንዕላማ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ይፍጽማ ኣለዋ። ኵለን በቲ ብፍታው እተዋህበ ወፈያታትን ብወለንተኛታት ዓየይትን ዝሕገዛ ናይ ግብረ ሰናይ ትካላት ኢየን።

ብ1916 ቻርለስ ተይዝ ራስል ሞተ: ኣብ ክንድኡ ጆሴፍ ፍራንክሊን ራዘርፎርድ ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኑ ተክኦ። ኣብ ኣጋ መወዳእታ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ብሕሱም ስደት ተፈተኑ: እቲ ስደት በቲ ዘይቅኑዕ ማእሰርቲ ናይቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝርከብ ዝነበረ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ናይ ሓላፍነት ቦታ ሒዞም ዝነበሩ ሾሞንተ ኣሓዋት ኣብቲ ዝለዓለ ጫፉ በጽሔ። እቲ ዕዮ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከኣ ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኵነታት ዝበጽሐ መሰለ። ይኹን ድኣ እምበር ብ1919 እቶም ኣሕዋት ካብቲ ኵሉ ተጠቂንዎም ዝነበረ ክስታት ናጻ ተለቁ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ድማ እቲ ዕዮ ስብከት ብዝዓበየ ደረጃ ከስፋሕፍሕ ጀመረ።

በቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ማሕበር ኣቢሉ: እቲ ሕቡር ኣካል ናይቶም ቅቡኣት ክርስትያን ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ንዅሎም እቶም ምስታ ማሕበር ዝሓብሩ ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣብቲ ግቡእ እዋኑ መንፈሳዊ መግቢ ምድላዉ ቀጸለ። ልክዕ ከምቲ እቶም ቅቡኣት ክርስትያናት ኣብ ቀዳማይ ክፍለ ዘበን: ነቲ ብየሱስ እተጠቕሰ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ዘቘሙ: ከምኡውን እቶም ኣብቲ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ዕዮ ተሳትፎ ዝነበሮም ቅቡኣት ጉጅለ ናይ ውፉያት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብዚ ግዜና “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” ኣቘሙ። በቲ የሱስ ነታ ጉባኤኡ ክዕዘብ ዝመጽኣሉ እዋን: እዚ ኽፍሊ እዚ ንስድራቤቱ መግቦም እናኣዳለወ ኸሎ ረኸቦ እሞ ኣብ ኵሉ ጥሪቱ ድማ ሾሞ።​ማቴዎስ 24:​45-47 ትሓዓ፣ ሉቃስ 12:⁠42

ብኡንብኡ ደድሕሪ ቀዳማይ ውግእ ዓለም እታ ብየሱስ ክርስቶስ እትምራሕ መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ኣብ ሰማያት ከም ዝቘመት ተረጋገጸ። ስለዚ ሕጂ “እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ: ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ” ዝብል ቃላት የሱስ ምሉእ ብምሉእ ፍጻሜኡ ረኺቡ ኣሎ። ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ እዚ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መልእኽቲ’ዚ ንብዙሓት ሰባት ከም ዝበጽሕ ንምግባር ተበግሶ ወሰደ።​ማቴዎስ 24:⁠14

በዚ ምኽንያት እዚ ማሕበር ብዝተኻእለ መጠን ዋጋኡ ኣዝዩ ሕሱር ዝዀነ ቀጻሊ ሕትመት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ምእንቲ ኪህሉ ኢላ: በቶም ውፉያት ወለንተኛታት ዓየይቲ ዝካየድ ናይ ገዛእ ርእሳ ቤት ማሕተም ክትገብር ወሰነት። ኵሎም እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀኑ ኸኣ ኣብቲ ስብከት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ስርዓታውያን ኰይኖም ንኽካፈሉ ተተባብዑ። ብፈነወ ራድዮ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ኣብ ሓያሎይ ሃገራት ተዘርጊሑ ኢዩ።

ቅድሚ 1918 እዞም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እቲ ዕላማ ስብከቶም ነቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ኣብታ ሰማያዊት መንግስቱ ዝሓብርዎ ቅቡኣት ተረፍ ምእካብን: ነዛ ዓለም እዚኣ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ዝመጽእ ዘሎ መዓልቲ ፍርዲ ኣምላኽ መጠንቀቕታ ምሃብን ከም ዝዀነ ተረድኡ። እንተዀነ ኣብቲ ኣዋን እቲ ብዛዕባ እቶም ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሕጂ ዘሎ እኩይ ኣገባብዚ ድሒኖም ብህይወት ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ክተርፉ ዘለዎም ሰባት ዝግበር ምትእኽኻብ ብዙሕ ኣይሕሰበሉን ኢዩ ነይሩ። ብድሕሪኡ ካብ 1918 ንነጀው ግን: እቲ “ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ሕጂ ብህይወቶም ዘለዉ ንሞት ፈጺሞም ኣይክጥዕምዋን ኢዮም!” ዝብል ዝርርብ ብሰፊሑ ተዋህበ።

ብ1923 ብዛዕባ እቲ ኣብ ማቴዎስ 25:​31–46 የሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ናይ ኣባጊዕን ኣጣልን እተገብረ መጽናዕቲ: ቀቅድሚ ኣርማጌዶን ንጽድቂ ጽምኢ ዘለዎም: ግን ወረስቲ ናይታ ሰማያዊት መንግስቲ ዘይኰኑ ስምረት ኣምላኽ ረኺቦም ካብ ኣርማጌዶን ድሒኖም ዝተርፉ ሰባት ከም ዘለዉ ተገንዘቡ። ብ1935 ብዝተገብረ ቀጻሊ መጽናዕቲ ኸኣ እዞም ኣባጊዕ መሰል እተባህሉ ሰባት ምስቶም ኣብ ራእይ 7:​9–17 ዘለዉ ሓደ’ኳ ክቘጽሮም ዘይክእል ዓብዪ ጭፍራ ሓደ ምዃኖም ተፈልጠ። እዚኣቶም ካብ ኵለን ሃገራት ዝእከቡ: ካብቲ ዓብዪ ጸበባ ድሒኖም ኣብ ምድሪ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረኽቡ ተስፋ ዘለዎም ኢዮም። እዚ ምርዳእ እዚ ንምስፋሕ ዕዮ ስብከት ዓቢ ድራኼ ኰኖ።​ዮሃንስ 10:⁠16

ብ1931 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስም ወሰዱ። ቅድሚኡ ግን ከም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣህጉራዊ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ሸሓዊ ወጋሕታ ሰባት: ናይ ዎች ታወር ሰባት እናተባህሉ ይፍለጡ ነበሩ። ገሊኦም ሰባትስ እኳ ራስላውያን ራዘርፎርዳው​ያን ዝብል ሳጓ ኣጥቢቖምሎም ነይሮም ኢዮም። ዋላ ሓደ ካብዞም ኣስማት እዚኣቶም ነቲ መንነቶም ብግቡእ ዘፍልጥ ኣይነበረን። ዋላ’ኳ እቲ ብመለኮታዊ መሪሕነት ነቶም ኣብ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እተዋህበ ክርስትያን ዝብል ስም ኣብኦም ይውዕል እንተ ነበረ: ግጉይ ትምህርቲ ዘዘውትራ ሓያሎይ ጉጅለታት ኣብያተ ክርስትያናትውን ይጥቀማሉ ነበራ። ካብዞም ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ስመ ክርስትያናት ምእንቲ ፍልይ ኢሎም ክልለዩ ኣብዚ ግዜና ንሓቀኛታት ሰዓብቲ ክርስቶስ ኣነጺሩ መለለዪ ዝኸውን ስም ኣድለየ።

ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ሓደ ምስትብሃል ምስ ተገብረ ኸኣ: የሆዋ ንህዝቡ እስራኤል መሰኻኽረይ ኢሉ ይጽውዖም ካብ ነበረ: እዞም ኣብዚ መደምደምታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ስሙን ዕላምኡን ከፍልጡ ኢሎም ህይወቶም ዝወፈዩ ህዝቡ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ክጽውዑ ብትኽክል ግቡኦም ከም ዝዀነ ተጋህደ። እዚ ስም እዚ ኸኣ ነዞም ሓቀኛታት ክርስትያን ኣምለኽቲ የሆዋ: ካብዞም ኣብዚ ግዜና ዘለዉ ክርስትያን ኢና በሃልቲ ኵሎም ተፈልዮም ከም ዝልለዩ ገበሮም።​መዝሙር 83:18፣ ኢሳይያስ 43:​10-12

ብ1942 ኣብ እዋን ካልኣይ ውግእ ዓለም ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ሞተ: ኣብ ክንድኡ ኸኣ ናታን ኤች. ኖር ፕረዚደንት ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ኰይኑ ተተክአ። እቶም ትንቢታት ኣብሪሆም ከም ዝሕብርዎ ኸኣ ድሕሪ እቲ ውግእ ሓደ ተዛማዲ ዝዀነ ናይ ሰላምን ናጽነትን ግዜ ከም ዝመጽእ እሞ በዚ ድማ ቅድሚ እቲ መወዳእታ ናይዚ ኣገባብ እዚ ምምጽኡ: እቲ ዕዮ ስብከት ኣዝዩ ከስፋሕፍሕ ምዃኑውን ተረድኡ። ብለካቲት 1943 ንናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ሚስዮናውያን ኰይኖም ኣብ ካልኦት ሃገራት ንኸገልግሉ ዘዳሉ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ተመስረተ። ድሕሪኡ ኣብቲ ዓመት እቲ ኣብ ርእሲ እቲ ምዱብ ሰሙናዊ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓደ ፍሉይ ንኣገልግሎት ዘዳሉ ፕሮግራም ተወሰኸ።

ብ1950 እታ ማሕበር: ካብቲ ቦኽሪ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ: ብዘመናዊ እንግሊዝኛ እተተርጐመ ክፋላት ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም ኣሕቲማ ከተውጽእ ጀመረት። እዚ ብቕኑዕ ኣገባብ እተተርጐመን ብቐሊሉ ኸኣ ዝርዳእን መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ: ኣብተን ኣብያተ ማሕተም ናይ ማሕበር ብሕሱር ዋጋ ብምውጽኡ: ነቲ ዕዮ ስብከት ሓደ ዓብዪ ሓገዝ ኰነሉ። ክሳዕ እዚ ግዜ እዚ ገለ 70 ሚልዮን ቅዳሓት ብ12 ቋንቋታት ተሓቲሙ ኣሎ።

ኣብ መወዳእታ ናይ 1994 ልዕሊ ኣርባዕተ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራትን ደሴታት ባሕርን ተረኺቦም ኣብቲ ዕዮ ስብከት ተሳተፉ። ንዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ኣብ 1994 ቅድሚኡ ተኣኪቦም ዘይፈልጡ ቍጽሪ ኣብ 75,573 ዝዀና ጉባኤታት 12,288,917 ሰባት ተኣኪቦም።

ብርግጽ ኣምላኽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ይጥቀመሎም ከም ዘሎ በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዘርእይዎ ትግሃት: ኣብ ብዘላ ዓለም ዘለዎም ሓድነት: በቲ ንስም የሆዋ ንምድጋፍን መንግስቱ ንምብሳርን ዘርእይዎ ቅንኣት: በቲ ንጹህ ሞራላዊ ኣነባብርኦም: በቲ ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ሕፍቲ ዘይብሉ ቃል ኣምላኽ ገይሮም ምቕባሎምን ካብ ማሪትን ሓተታ መናፍስትን ሓራ ምውጽኦምን ከተረጋግጽ ትኽእል።

እዞም ዝስዕቡ ኣርእስትታት ካብቲ ምሕዳስ ናይቲ ሓቀኛ ኣምልኾ ናይ ኣምላኽ: ከመይ ዝበለ ጥቕሚ ከም እትረክብ ክሕብሩልካ ኢዮም።

• ከመይ ዝበሉ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትምህርትታት ኢዮም ነቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ካብተን ናይ ኣብያተ ክርስትያናት ጉጅለታት ዝፈልይዎም፧

• ክሳዕ 1918 እቶም ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ዝበሉ ማሕበራዊ ምዕባሌታት ኢዮም ዘሕለፉ፧

• እቶም ቅቡኣት ጉጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ኣብ ማቴዎስ 24:⁠45–47 ዝርከብ “እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ” የመልክቱ ኢዮም ክበሃል ዝከኣል ከመይ ኢሉ ኢዩ፧

• እንታይ ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ እተገብረ ምርዳእ ኢዩ ነቲ ዕዮ ስብከት ንምስፍሕፋሕ ዓብዪ ድርኺት ክኸውን ዝኸኣለ፧

• እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝብል ስምከ ንምንታይ ዕላማ ዝውዕል ኢዩ፧

• አምላኽ ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሓቂ ይጥቀመሎም ከም ዘሎ ዘርእዩና እንታይ መርትዖታት ኣለዉ፧

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ስእልታት]

ሲ.ቲ ራስል ብ1879

ናይ ሓምለ 1879 ሕታም

እቶም ቀዳሞት ጉጅለ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ: ፒተስበርግ: ፔንሲልቫንያ

[ኣብ ገጽ 9 ዘሎ ስእልታት]

ዋና ቤት ጽሕፈት: 1889–1909:​ ፒተስበርግ: ፔንሲልቫንያ

ዋና ቤት ጽሕፈት: 1909–1918:​ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ

ናይቲ ዋና ቤት ጽሕፈት መንበሪ: 1909–1926: ብሩክሊን: ኒው ዮርክ

[ኣብ ገጽ 10 ዘሎ ስእልታት]

ዓለምለኻዊ ዋና ቤት ጽሕፈት ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ሕ.መ.ኣ.

ኣብ ላዕሊ ብጸጋም:- ኣብያተ ጽሕፈት

ኣብ ላዕሊ ብየማን:- ናይ መንበሪ ህንጻ

ኣብ ታሕቲ ብጸጋም:- ናይ ፋብሪካ ህንፃ

ኣብ ታሕቲ ብየማን:- ጽሑፍ ዝለኣኸሉ ማእከል

[ኣብ ገጽ 11 ዘሎ ስእልታት]

ፈነወ ራድዮ ብጀይ. ኤፍ. ራዘርፎርድ

ብወለንተኛታት ዓየይቲ እትንቀሳቐስ ናይ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ ቀዳመይቲ ሮታሪ ማሕተም

ብ12 ቋንቋታት ተሓቲሙ ዝርከብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ትርጉም ሓዳስ ዓለም