ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ነቲ ብስራት ንምንጋር ዚጥቀሙሉ መገድታት

ነቲ ብስራት ንምንጋር ዚጥቀሙሉ መገድታት

ነቲ ብስራት ንምንጋር ዚጥቀሙሉ መገድታት

ክርስትያናት ካብ ‘ኵሎም ኣህዛብ ደቀ መዛሙርቲ ኺገብሩ’ ተኣዚዞም እዮም: እዚ ግን ኣብ ሰባት ጸቕጢ ብምግባር ወይ ብሓይሊ ኣገዲዶም እምነቶም የቐይርዎም ማለት ኣይኰነን። የሱስ ‘ንትሑታት ብስራት ኬበስር:’ ‘ንስቡራት ልቢ ኺዝንን:’ ከምኡውን ‘ንዅሎም ሕዙናት ኬጸናንዕ’ እዩ ተላኢኹ። (ማቴዎስ 28:19፣ ኢሳይያስ 61:1, 2፣ ሉቃስ 4:18, 19) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብስራት ብምእዋጅ እዮም ከምዚ ኺገብሩ ዚደልዩ። ልክዕ ከምቲ ብግዜ ጥንቲ ዚነብር ዝነበረ ነብዪ ህዝቅኤል: ሎሚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር “ነቶም ብዛዕባ እቲ . . . ዚግበር ዘሎ ጽያፍ ዚጕህዩን ዚትክዙን” ሰባት ኪረኽቡ ጻዕሪ ይገብሩ እዮም።​—⁠ህዝቅኤል 9:4

ነቶም በዚ ኣብ ዓለም ዚፍጸም ዘሎ ነገራት ዚጕህዩ ሰባት ንምርካብ ዚጥቀሙሉ ኣጸቢቑ ዚፍለጥ መገዲ: ካብ ቤት ናብ ቤት ምስባኽ እዩ። ከምቲ የሱስ ‘መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ዚዘውር ዝነበረ:’ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እውን ንሰባት ንምርካብ ዘይሕለል ጻዕሪ እዮም ዚገብሩ። ቀዳሞት ደቀ መዛሙርቲ የሱስ እውን ከምዚ እዮም ዚገበሩ ነይሮም። (ሉቃስ 8:1፣ 9:1-6፣ 10:1-9) ሎሚ እውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብእተኻእሎም መጠን ንነፍሲ ወከፍ ቤት ብተደጋጋሚ ንምብጻሕ ጻዕሪ ብምግባር: ምስቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢኡ ወይ ኣብ ዓለም ዘሎ ዜገድስ ወይ ዜተሓሳስብ ጕዳያት ኪዘራረቡ ይደልዩ እዮም። ነቲ ብዓል ቤት ሓደ ወይ ክልተ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት የንብብሉ: እቲ ብዓል ቤት ኣብቲ መልእኽቲ ተገዳስነት እንተደኣ ኣሕዲሩ ድማ ሰፊሕ ምይይጥ ምእንቲ ኺገብሩ ኣብ ዚጥዕም ግዜ ተመሊሶም ኪበጽሕዎም ቈጸራ ይገብሩ። መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን የበርክቱሉ: ፍቓደኛ እንተደኣ ዀይኑ ድማ ብዘ⁠ይ ክፍሊት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑሉ። ሎሚ ኣብ መላእ ዓለም ምስ ውልቀ⁠-​ሰባትን ስድራ​ቤታትን ብሚልዮናት ዚቝጸር ስርዓታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምራሕ ኣሎ።

እቲ “ወንጌል መንግስቲ” ንሰባት ዚስበኸሉ ኻልእ መገዲ ድማ: በቲ ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዚርከብ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባታት ኣቢሉ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብዚ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እዚ ሰሙናዊ ኣኼባታት የካይዱ። ሓደ ኻብዚ ኣኼባታት እዚ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ኣገዳሲ ዝዀነ ጕዳያት ህዝባዊ ኣስተምህሮ ዚቐርበሉ እዩ። ደድሕሪኡ ኸኣ ብመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ጌርካ ኣብ ሓደ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ነጥቢ ወይ ትንቢት እተመርኰሰ ትምህርቲ ይወሃብ። ኣብ ካልእ ኣኼባ ድማ ዝበለጸ ኣዋጂ እቲ ብስራት ንኽትከውን ኣብ ምስልጣን ዘተኰረ ቤት ትምህርቲ ኣሎ። ደድሕሪኡ ድማ ብዛዕባ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዚካየድ ዕዮ ምስክርነት ዘተኰረ ኣኼባ ይካየድ። ብዘ⁠ይዚውን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓንሳእ ኣብ ሰሙን ኣብ ናይ ብሕቲ ኣባይቲ በብንእሽቶ ጕጅለ ዀይኖም መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጽንዑ ይእከቡ እዮም።

ኵሉ እዚ ኣኼባታት እዚ ንህዝቢ ኽፉት እዩ። እናዞርካ ድማ ገንዘብ ኣይእከብን እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባታት ንዅልና ይጠቕመና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: ንሓድሕድና ንመዓዐድ እምበር: ገሊኣቶም ልማድ ከም ዚገብርዎ: ኣኼባና ኣይንሕደግ” ይብል። ብሕታዊ መጽናዕትን ምርምርን ምግባር ኣድላዪ እኳ እንተዀነ: ምስ ካልኦት ሓቢርካ ምእካብ ግን ኣዝዩ ዜነቓቕሕ እዩ። ከመይሲ: “ሓፂን፥ ንሓፂን ይስሕሎ፥ ሰብ ከኣ ንሰብ ይምህሮ።”​—እብራውያን 10:24, 25፣ ምሳሌ 27:17 ትርጕም 1990

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ምስ ሰባት ኪራኸቡ ኸለዉ ነቲ ዚረኽብዎ ኣጋጣሚታት: ብዛዕባ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝራብ እዮም ዚጥቀሙሉ። ምናልባት ምስ ጐረቤቶም ወይ ድማ ምስ ሓደ ምስኦም ኣብ ኣውቶቡስ ወይ ነፋሪት ዚጓዓዝ ሰብ ሓጺር ዝርርብ ምግባር ኪኸውን ይኽእል: ወይ እውን ምስ ዓርኮም ወይ ዘመዶም ወይ ድማ ምስ መሳርሕቶም ኣብ ናይ ምሳሕ ሰዓታት ንውሕ ዚበለ ምይይጥ ምግባር ኪኸውን ይኽእል እዩ። የሱስ ኣብ ምድሪ ኣብ ዝነበረሉ እዋን መብዛሕትኡ ግዜ ብገማግም ባሕሪ ኪኸይድ ከሎ: ኣብ ከረን ኮፍ ኢሉ: ኣብ ኣባይቲ እቶም ዝዓደምዎ ሰባት: ኣብቲ መርዓ ተዓዲሙ ምስ ከደ: ወይ ድማ ኣብ ባሕሪ ገሊላ ብጃልባ እናተጓዕዘ ኸሎ እዩ ዚሰብኽ ነይሩ። ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብታ ኣብ የሩሳሌም ዝነበረት ቤት መቕደስን ኰይኑ እውን ሰቢኹ እዩ። ኣብ ዝሃለወ ይሃሉ ብዘየገድስ: ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምስባኽ ኣጋጣሚታት ይደሊ ነበረ። በዚ ዝመጸ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣስኣሰሩ ኺስዕቡ እዮም ዚጽዕሩ።​—⁠1 ጴጥሮስ 2:21

ብኣብነት ምስባኽ

እቲ ዚሰብኽ ሰብ ነቲ ዚሰብኮ ትምህርትታት ኣብ ግብሪ ዘየውዕሎ እንተደኣ ዀይኑ: እዚ ዅሉ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮ ብስራት ንምስባኽ ዚጥቀመሉ መገድታት ንዓኻ ዋላ ሓንቲ ጥቕሚ የብሉን። እትብሎን እትገብሮን በበይኑ እንተደኣ ዀይኑ: ግብዝና ይበሃል: ሃይማኖታዊ ግብዝና ድማ ንብዙሓት ሰባት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚርሕቁ ገይርዎም እዩ። ኣብዚ መዳይ እዚ መጽሓፍ ቅዱስ ኪውቀስ ኣይግባእን እዩ። እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ እኳ እንተ ነበሮም: የሱስ ግን ግቡዛት ብምባል ኰነኖም። ንደቀ መዛሙርቱ: እቶም ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ካብ ሕጊ ሙሴ ኸም ዜንብቡሎም ድሕሪ ምጥቃሱ: “ዚብሉኹም ኵሉ ግበሩን ሐልዉን: ግናኸ: ይብሉ ደኣ እምበር: ኣይገብሩን እዮም እሞ: ከምቲ ግብሮም ኣይትግበሩ” በሎም። (ማቴዎስ 23:3) ጽቡቕ ኣነባብራ ሓደ ክርስትያን: ካብቲ ንነዊሕ ሰዓታት ዚህቦ ስብከት ንላዕሊ ንሰባት ኬእምኖም ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ነተን ዘይኣምኑ ሰብኡት ዘለዉወን ኣንስቲ እተዋህበ: “ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ: በኻይዳ ኣንስቶም ብዘ⁠ይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡ” ዚብል ማዕዳ ተጠቒሱ ንረኽቦ ኢና።​—⁠1 ጴጥሮስ 3:1, 2

ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ንኻልኦት ዚምህሩሉ ክርስትያናዊ ኣነባብራ ኣብነታውያን ብምዃን እውን ነቲ ብስራት ይሰብኩ እዮም። ‘ከምቲ ሰብ ኪገብሩሎም ዚደልይዎ ዘበለ: ንሳቶም እውን ከምኡ ኺገብሩ’ እዮም ዚጽዕሩ። (ማቴዎስ 7:12) ምስ ክርስትያናት ብጾቶም: ኣዕሩኾም: ጐረባብቶም: ኣዝማዶም ጥራይ ዘይኰነስ: ምስ ኵሉ ሰብ እዮም ብኸምዚ ዝኣመሰለ ኣነባብራ ኺመላለሱ ዚደልዩ። ፍጹማት ስለ ዘይኰኑ ግን ኵሉ ሳዕ ምሉእ ብምሉእ ይሰልጦም እዩ ማለት ኣይኰነን። እንተዀነ ግን: ንሰባት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ጥራይ ኣይኰኑን ጽቡቕ ኪገብሩሎም ዚደልዩ: ብእተኻእሎም መጠን ኪሕግዙዎም እውን ልባዊ ባህጊ ኣለዎም።​—ያእቆብ 2:14-17

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ሃዋይ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ቨነዝወላ

[ኣብ ገጽ 19 ዘሎ ስእሊ]

ዩጎስላቭያ

[ኣብ ገጽ 20 ዘሎ ስእልታት]

ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ምይይጥ ንምግባር እተዳለወ መአከቢ እዩ

[ኣብ ገጽ 21 ዘሎ ስእልታት]

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ናብራ ስድራ​ቤቶምን ምስ ሰባት ኣብ ዘለዎም ርክብን ነቲ ዚዛረቡሉ ነገራት ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ እዮም ዚጽዕሩ