ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብዚ ግዜና ዝገበርዎ ምዕባለን ዕቤትን

ኣብዚ ግዜና ዝገበርዎ ምዕባለን ዕቤትን

ኣብዚ ግዜና ዝገበርዎ ምዕባለን ዕቤትን

ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ልዕሊ ሚእቲ ዓመት ኣቐዲሙ እዩ ጀሚሩ። ኣብ መጀመርታ ናይ 1870ታት: ኣብታ ሕጂ ኽፋል ፒትስበርግ ኰይና ዘላ ኣሊጌኒ: ፐንሲልቫንያ: ሕ.መ.ኣ. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እተካይድ ንእሽቶ ጕጅለ ቘመት። ኣመሓዳሪ እታ ጕጅለ ቻርለስ ቴዝ ራስል ነበረ። ኣብ ሓምለ 1879: ናይ ፈለማ ሕታም ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛን ህላወ ክርስቶስ ዚእውጅ ነጋሪትን እትበሃል መጽሔት ወጸት። ብ1880 ካብታ ንእሽቶ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምብጋስ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ግዝኣታት ሓያሎ ጉባኤታት ቈማ። ብ1881 ናይ ጽዮን ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛን ትራክትን ተመስረተት: ብ1884 ከኣ ራስል ፕረዚደንት እዛ ማሕበር ኰነ። ጸኒሑ ስም እዛ ማሕበር እዚኣ ማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ናብ ዚብል ተለወጠ። ብዙሓት ካብ ቤት ናብ ቤት ብምስባኽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጽሑፋት ይዕድሉ ነበሩ። ብ1888 ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ዀይኖም ኣብዚ ዕዮ እዚ እተጸምዱ 50 እዮም ነይሮም: ኣብዚ ግዜ እዚ ግን ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 850,000 ዝዀኑ ኣለዉ።

ብ1909 እቲ ዕዮ ኣብ መላእ ዓለም እናስፋሕፍሐ ኸደ: ቀንዲ ቤት ጽሕፈት ማሕበር ድማ ናብዚ ሕጂ ዘለዎ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ገዓዘ። ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ስብከት ኣብ ጋዜጣታት ተሓቲሙ ይወጽእ ነበረ: ብ1913 ድማ እቲ ስብከት ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ኣውሮጳን ብኣርባዕተ ቛንቋታት ኣብ 3,000 ጋዜጣታት ተሓቲሙ ይወጽእ ነበረ። ብኣማእታት ሚልዮናት ዚቝጸር መጻሕፍትን ትራክትታትን ካልእ ጽሑፋትን ይዝርጋሕ ነበረ።

ብ1912 “ፎቶ⁠-​ድራማ ኦቭ ክሪኤሽን” ክትዳሎ ጀመረት። ብስላይድን ድምጺ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ፊልምን እተዳለወት ኰይና: ካብ ፍጥረት ዓለም ጀሚራ ኽሳዕ መፈጸምታ ሽሓዊ ግዝኣት ክርስቶስ ዘሎ ግዜ እትሽፍን እያ። እቲ ምርኢት ብ1914 ጀመረ: መዓልቲ መዓልቲ ድማ 35,000 ዝዀኑ ሰባት ይከታተልዎ ነበሩ። እዛ ፊልም እዚኣ ድምጺ ዘለዎ ተንቀሳቓሲ ፊልም እተርኢ ናይ ፈለማ ምህዞ እያ ነይራ።

ዓመት 1914

ኣገዳሲ እዋን እናቐረበ ይመጽእ ነበረ። ብ1876 እቲ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ነታ ዘዳለዋ “ዘመናት ኣህዛብ: መዓስ እዩ ዚውዳእ፧” እትብል ዓንቀጽ ኣብታ ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ እትሕተም ዝነበረት ባይብል ኤግዛሚነር እትበሃል መጽሔት ንኽትወጽእ ኣበርከታ: እታ መጽሔት ኣብ ናይ ጥቅምቲ ሕታማ ኣብ ገጽ 27 “እተን ሸውዓተ ግዜያት ብ1914 ዓ.ም. ኪውድኣ እየን” በለት። (ሉቃስ 21:24) ብ1914 ኵሉ እቲ ኺፍጸም ትጽቢት እተገብረሉ ነገራት ኣይኰነን ተፈጺሙ። ይኹን እምበር: እዛ ዓመት እዚኣ መወዳእታ ዘመናት ኣህዛብን ፍሉይ ትርጕም ዝሓዘለትን ዓመት እያ ነይራ። ብዙሓት ጸሓፍቲ ታሪኽን ወሃብቲ ርእይቶን: 1914 ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ነጥበ⁠-​መቐይሮ ምንባራ ይሰማምዑላ እዮም። እዚ ዚስዕብ ርእይቶታት ነዚ ዜጕልሕ እዩ:-

“እታ ኣብ ታሪኽ ምሉእ ብምሉእ ‘ደሓን’ ክትበሃል እትከኣል ናይ መወዳእታ ዓመት: እታ ቐዳማይ ውግእ ዓለም ቅድሚ ምጅማሩ ዝነበረት 1913 እያ።”​—⁠ኣብ ታይምስ⁠-​ሄራልድ ዝወጸ ርእሰ⁠-​ዓንቀጽ: ዋሽንግቶን ዲ.ሲ.: 13 መጋቢት 1949

“እቲ ኻብ 1914 ክሳዕ 1989 ንኽልቲኡ ውግኣት ዓለምን ዝሑል ውግእን ዜጠቓልል 75 ዓመት: ብጸሓፍቲ ታሪኽ: ዓለም ኣብ ውግእ ዝኣተወትሉ: ወይ ናይ ውግእ በሰላኣ እተሕውየሉ: ወይውን ንውግእ እትቀራረበሉ ዝነበረት ፍሉይ መዋእል ከም ዝዀነ ጌርካ እዩ ዚርአ።”​—⁠ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ: 7 ግንቦት 1995

“ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም: ዓለም ብምልእታ እያ ተባሪዓ: ክሳዕ ሕጂ ድማ እቲ ምኽንያት ኪርድኣና ኣይከኣለን። ቅድሚኡ ሰባት ሰላምን ብልጽግናን ዝዓሰሎ ብሩህ መጻኢ እዩ ዚርኣዮም ነይሩ። እዚ ዅሉ ግን ብሃንደበት ህልም ኢሉ ጠፍአ። ካብ ሽዑ ኣትሒዝና ድማ ኣብ ጠልጠል ኢና ዘሎና . . . ኣብዚ ዘመን እዚ: ካብቶም ኣብ ብምልኡ ታሪኽ ወድሰብ እተቐትሉ ዚበዝሑ ሰባት እዮም ተቐቲሎም።”​—⁠ዶ/ር ዎከር ፐርሲ: ኣመሪካን መዲካል ኒውስ: 21 ሕዳር 1977

ኣብ ጀርመን ብዓል ስልጣን ዝዀነ ኮንራት ኣደናወር ካብ 1914 ልዕሊ 50 ዓመት ዚኸውን ጸኒሑ: “ካብ 1914 ኣትሒዙ ድሕነትን ህድኣትን ካብ ህይወት ደቅሰብ ጠፊአን እየን” ኢሉ ጸሓፈ።​—⁠ዘ ዌስት ፓርከር: ክሊቭላንድ: ኦሃዮ: 20 ጥሪ 1966

ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ማሕበር ዝነበረ ቻርለስ ቴዝ ራስል ብ1916 ሞተ: ኣብታ ቐጺላ ዝነበረት ዓመት ድማ ብጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ተተክአ። ብዙሕ ለውጥታት ድማ ተገብረ። እታ ንመጽሔት ግምቢ ዘብዐኛ ብጸይታ ዝዀነት ወርቃዊት መዋእል (ዘ ጎልደን ኤጅ) እትበሃል መጽሔት ክትወጽእ ጀመረት። (እዚኣ እታ ሕጂ ንቕሑ! ተባሂላ እትጽዋዕ ብልዕሊ 22,000,000 ቅዳሓትን ብ85 ቛንቋታትን እትሕተም ዘላ መጽሔት እያ።) ካብ ቤት ናብ ቤት ዚግበር ስብከት ድማ ዓብዪ ኣቓልቦ ተገብረሉ። እዞም ክርስትያናት እዚኣቶም ገዛእ ርእሶም ካብተን ሃይማኖታት ህዝበ⁠-​ክርስትያን ንምፍላይ ብ1931 ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚብል ስም ሓዙ። እዚ ስም እዚ: ካብ ኢሳይያስ 43:10-12 እተወስደ እዩ።

ኣብ 1920ታትን 30ታትን ነቲ ብስራት ንምስባኽ ናይ ረድዮ ፈነወ ይጥቀሙ ነበሩ። ብ1933 እታ ማሕበር ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርባት ንምዝርጋሕ 403 ዚኸውን መደበራት ረድዮ ትጥቀም ነበረት። ጸኒሑ እቲ ብረድዮ ዚግበር ዝነበረ ስብከት በቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብተንቀሳቓሲ ፎኖግራፍ ገይሮም ነቲ ተቐሪጹ እተዳለወ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርርብ ንኼስምዑ ኢሎም ካብ ቤት ናብ ቤት ዚገብርዎ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዝነበረ ምስክርነት ተተክአ። ኣብ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ተገዳስነት ንዘርኣየ ዝዀነ ይኹን ሰብ ድማ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይምርሓሉ ነበረ።

ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት

ኣብ 1930ታትን 40ታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ዕዮ እዚ ብምፍጻሞም ማእሰርቲ የጋጥሞም ስለ ዝነበረ: ናይ ምዝራብ: ጽሑፋት ናይ ምሕታም: ኣኼባታት ናይ ምክያድ: ከምኡውን ናይ ኣምልኾ ናጽነት ንምርካብ ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ብዙሕ ጻዕርታት ተገብረ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ: ኣብቲ ኻብ ታሕተዎት ኣብያተ⁠-​ፍርዲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እተገብረ ይግባይ: ኣብ 43 ጕዳያት ተዓወቱ። ኣብ ናይ ካልኦት ሃገራት ላዕለዋይ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ እውን ተመሳሳሊ ዓወታት ረኺቦም እዮም። ነዚ ኣብ ኣብያተ⁠-​ፍርዲ እተረኽበ ዓወታት ኣመልኪቱ: ፕሮፌሰር ቻርለስ ሳሙኤል ብሬደን ኣብታ ዚስ ኦልሶ ብሊቭ እተባህለት መጽሓፉ ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: “ንስቪላዊ መሰላቶም ንምጥባቕ ብዝገብርዎ ጻዕሪ: ንመሰላት እተን ኣብ ኣመሪካ ዚርከባ ጕጅለታት ውሑዳን ኪሕሎ ብምግባሮም: ደሞክራሲ ንኺሰፍንን ዓብዪ ኣበርክቶ እዮም ገይሮም” በለ።

ፍሉይ ናይ ስልጠና መደባት

ብ1942 ጆሴፍ ኤፍ. ራዘርፎርድ ምስ ሞተ: ናታን ኤች. ኖር ፕረዚደንት እታ ማሕበር ብምዃን ተክኦ። እተወሃሃደ ናይ ስልጠና መደብ ድማ ተጀመረ። ብ1943 ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ ዚበሃል ንሚስዮናውያን ዜሰልጥን ቤት ትምህርቲ ተኸፍተ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ: ካብዚ ቤት ትምህርቲ እተመረቑ ሚስዮናውያን ናብ እተፈላለያ ሃገራት ተላኢኾም እዮም። ኣብተን ፈጺሙ ጉባኤ ዘይነበረን ሃገራት ሓደስቲ ጕባኤታት ኪቘማን ኣብ ብዘላ ዓለም ድማ ልዕሊ 100 ዝዀና ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ኪኽፈታን ተኻኢሉ እዩ። ካብ ግዜ ናብ ግዜ: ንናይ ጉባኤ ሽማግለታት: ነቶም ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈት ብወለንታ ዚዓዩ: ከምኡውን ነቶም ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ናይ ምስክርነት ከም ፓይነራት ኰይኖም ዜገልግሉ ንምስልጣን ፍሉይ ስልጠናታት ይወሃብ እዩ። ንኣገልገልቲ ንምስልጣን ተባሂሉ ኣብ ፓተርሰን: ኒው ዮርክ ኣብ ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል: ሓያሎ ፍሉይ ትምህርትታት ይወሃብ እዩ።

ናታን ኤች. ኖር ብ1977 ሞተ። ሓደ ኻብቲ ቀቅድሚ ሙማቱ ኣብታ ማሕበር ዜምጽኦ ለውጢ: ነቲ ኣብ ብሩክሊን ዘሎ ዓለምለኻዊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚርከብ ኣመሓዳሪ ኣካል ከም ዚዓቢ ምግባር እዩ ነይሩ። ብ1976 ናይ ምምሕዳር ሓላፍነታት ኣብተን በቶም ንዓሰርተታት ዓመታት ናይ ምግልጋል ተመክሮ ዘለዎም ኣባላት እቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ዝዀኑ ውልቀ⁠-​ሰባት ዝቘማ ኮሚተታት ተመቓቐለ።

ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ሰፍሐ

ዘመናዊ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዜደንቕ ፍጻመታት ዝመልአ እዩ። ካብታ ብ1870 ኣብ ፐንሲልቫንያ ዝቘመት ንእሽቶ ጕጅለ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀሚሮም ወሰኽ ብምግባር: ኣብ 2004 ኣብ ብዘላ ዓለም ልዕሊ 96,000 ጉባኤታት በጽሑ። ፈለማ: ኵሉ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘዳልዉዎ ዝነበሩ ጽሑፋት ኣብ ናይ ንግዲ ትካላት እዩ ዚሕተም ነይሩ: ብ1920 ድማ ፋብሪካ ተኻርዮም ሒደት ጽሑፋት ይሓትሙ ነበሩ። ካብ 1927 ኣትሒዙ ግን: ኣዝዩ ብዙሕ ጽሑፋት ኣብቲ ብማሕበር ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስን ትራክትን ትካል ኒው ዮርክ ዚውነን ኣብ ብሩክሊን: ኒው ዮርክ ዚርከብ ብዓል ሸውዓተ ደርቢ ናይ ፋብሪካ ህንጻ ኺሕተም ጀመረ። ሕጂ እዚ ህንጻ እዚ ኻልእ ህንጻታትን ኣብያተ⁠-​ጽሕፈትን ስለ እተወሰኾ ኣዝዩ ሰፊሑ ኣሎ። ኣብ ብሩክሊን ነቶም ነቲ ናይ ሕትመት መሳለጥያታት ብወለንታኦም ዜካይዱ ኣሕዋት መደቀሲ ዚኸውን ተወሳኺ ናይ መንበሪ ህንጻታት እውን ኣሎ። ብተወሳኺ: ኣብ ጥቓ ዎልኪል: ኒው ዮርክ: ሕርሻን ቤት ማሕተምን ኣሎ። እዚ ቦታ እዚ: መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ንምሕታምን ነቶም ኣብ እተፈላለየ ቦታታት ዚሰርሑ ዓየይቲ ዚኸውን ምግቢ ንምፍራይን የገልግል። ነፍሲ ወከፍ ወለንተኛ ንኣሽቱ ወጻኢታቱ ንምሽፋን: ወርሓዊ ሒደት ገንዘብ ይወሃቦ እዩ።

ኣህጉራዊ ኣኼባታት

እቲ ናይ መጀመርታ ዓብዪ ኣኼባ ብ1893 ኣብ ቺካጎ: ኤሊኖይስ: ሕ.መ.ኣ. እዩ ተኻይዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ 360 ዝዀኑ ተኣከብቲ ነበሩ: 70 ሓደስቲ ሰባት ድማ ተጠምቁ። እቲ ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝሓቘፈ ናይ መወዳእታ ዓብዪ ኣህጕራዊ ኣኼባ ብ1958 ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ ተኻየደ። እዚ ኣህጉራዊ ኣኼባ እዚ 253,922 ዝለዓለ ቝጽሪ ተኣከብትን 7,136 ሓደስቲ ተጠመቕትን ዝነበርዎ ዀይኑ: ኣብ ያንኪ ስታድዩምን ፖሎ ግራውንድስን እዩ ተኻይዱ። ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ብተኸታታሊ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ይካየድ ኣሎ። ኵሉ ኸምዚ ዝኣመሰለ ብተኸታታሊ ዚካየድ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ኣብ ብዘላ ዓለም ንዚካየድ በሽሓት ዚቝጸር ዓበይቲ ኣኼባታት ዝሓቘፈ እዩ።

[ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ንሲቪላዊ መሰላት እተገብረ ዓብዪ ኣበርክቶ

[ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ስእሊ]

መጽሔት “ግምቢ ዘብዐኛ” ካብቲ ብሓንቲ ቛንቋ ጥራይ 6,000 ቅዳሓት እትሕተመሉ ዝነበረት: ሕጂ ብ150 ቋንቋታት ብልዕሊ 26,000,000 ቅዳሓት ትሕተም ኣላ

[ኣብ ገጽ 7 ዘሎ ስእሊ]

ኣብ ታሪኽ ወድሰብ ነጥበ⁠-​መቐይሮ

[ኣብ ገጽ 10፡ ምሉእ ስእሊ ይርከብ]