ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እቲ ብስራት ኣብ ማሕበረሰብካ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ

እቲ ብስራት ኣብ ማሕበረሰብካ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ

እቲ ብስራት ኣብ ማሕበረሰብካ ዘለዎ ግብራዊ ጥቕሚ

ኣብዚ ግዜና “ኣብዚ እተሓላለኸ ናብራ ዘለዎ ሕብረተሰብ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብ ግብሪ ኸተውዕሎ ኣይከኣልን እዩ” ዚብል ርእይቶ ብተደጋጋሚ ንሰምዕ ኢና። ይኹን እምበር: ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ሰዓቢ እምነት ሂንዱን መራሕን ዝነበረ ሞሃንደስ ከይ. ጋንድን ኣብ መንጎ እቲ ንዓባይ ብሪጣንያ ወኪሉ ንህንዲ ዜመሓድር ዝነበረ ሎርድ አርዊንን እተገብረ ዝርርብ ካብዚ ፍልይ ዝበለ ኣረኣእያ እዩ ተንጸባሪቑ። ሎርድ አርዊን ንጋንዲ ኣብ ሞንጎ እቲ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያን ህንድን ዘሎ ጸገማት ንምፍታሕ እንታይ ኪግበር ከም ዚከኣል ርእይቶኡ ኺገልጽ ሓተቶ። ጋንዲ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ ኣልዒሉ ማቴዎስ ምዕራፍ ሓሙሽተ ብምግንጻል: “ሃገረይን ሃገርካን በቲ ክርስቶስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ዝሰርዖ ትምህርትታት ሓቢረን ምስ ዚመላለሳ: ናይ ሃገራትና ጸገማት ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ምልእቲ ዓለም ጸገምውን ክንፈትሖ ኢና” በለ።

እቲ ስብከት እቲ ብዛዕባ መንፈሳውነት: ዓቕሊ: ሰላም: ምሕረት: ከምኡውን ብዛዕባ ጽድቂ ምፍቃር እዩ ዚገልጽ። ቅትለት ጥራይ ዘይኰነስ: ቍጥዓ: ከምኡውን ዝሙት ጥራይ ዘይኰነስ: ጾታዊ ህርፋን እውን ከይተረፈ እዩ ዚዅንን። ብዛዕባ እቲ ንስድራ​ቤታት በታቲኑ ንቘልዑ ግዳይ ዚገብር ሓላፍነት ዝጐደሎ ፍትሕ እውን ይገልጽ እዩ። ‘ንዝጸልኡና ኸነፍቅር: ንዝሸገሮም ክንረድእ: ብዘ⁠ይ ምሕረት ከይንፈርድ: ከምቲ ኻልኦት ኪገብሩልና እንደሊ ንሕናውን ንኻልኦት ከምኡ ኽንገብረሎም’ እዩ ዚነግረና። ኵሉ እዚ ምኽርታት እዚ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ብዙሕ በረኸት ኢና እንረክብ። ኣብ ማሕበረሰብካ ዚርከቡ ብዙሓት ሰባት ነዚ ኣብ ግብሪ ምስ ዜውዕልዎ: እቲ ማሕበረሰብ ዝሓሸ እዩ ዚኸውን።

ኣብዚ መዳይ እዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣወንታዊ ጽልዋ እዩ ዘለዎም። ንሓዳሮም ኣኽቢሮም ኪርእይዎ ኸም ዘለዎም እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህሮም። ደቆም ብቕኑዕ ስርዓታት እተዀስኰሱ እዮም። ንናይ ስድራ​ቤት ኣገዳስነት ዓብዪ ቦታ እዮም ዚህብዎ። ስምረት ዘለወን ስድራ​ቤታት: ነቲ ማሕበረሰብ: ካብኡ ሓሊፋ እውን ነታ ሃገር ይጠቕማ እየን። ማእሰር ስድራ​ቤት ብምልሕልሑን ርኽሰት ብምስፍሕፋሑን ሓይልታት ዓለም ዝነበራ ሃገራት ከም ዝወደቓ ታሪኽ ዚምስክሮ ሓቂ እዩ። ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንብዙሓት ውልቀ⁠-​ሰባትን ስድራ​ቤታትን ብክርስትያናዊ ስርዓታት ኪመላለሱ ብዝሓገዝዎም መጠን: ኣብ ማሕበረሰብካ ምጥሓስ ሕጊ: ርኽሰት: ከምኡውን ገበን እናነከየ እዩ ዚኸይድ።

ሓደ ኻብቲ ንማሕበረሰባት ዜጥቅዕ ዘሎ ዓብዪ ጸገም: ዓሌታዊ ጽልኢ እዩ። ብኣንጻሩ ግን ሃዋርያ ጴጥሮስ: “ኣብ ኵሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ: ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር: ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ: ብሓቂ ኣስተብሀልኩ” በለ። ጳውሎስ እውን “ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ: በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን: በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን: በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን” ኢሉ ጸሓፈ። (ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35፣ ገላትያ 3:28) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነዚ ይቕበልዎ እዮም። እተፈላለየ ዓሌትን ሕብርን ዘለዎም ሰባት ኣብቲ ቐንዲ ቤት ጽሕፈቶምን ኣብ ጨንፈር ኣብያተ⁠-​ጽሕፈቶምን ኣብ ጉባኤታቶምን ብሓንሳእ ሓቢሮም ይነብሩን ይዓዩን ኣለዉ።

ኣብ ኣፍሪቃ ፈጺሞም ዘይቃደዉ ዓሌታት ኣለዉ። ይኹን እምበር: ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኸር: ካብ እተፈላለየ ዓሌት ዝመጹ ሰባት ፍጹም ብዝዀነ ስምረትን ሕውነትን ብሓባር ይበልዑን ይድቅሱን ኣምልኾኦም የካይዱን እዮም። ሰበ⁠-​ስልጣን በዚ ተገሪሞም እዮም። ናይ ሓቂ ክርስትና ንሰባት ናይ ምሕባር ዘለዎ ጽልዋ ኣብታ 2 ነሓሰ 1958 ዝወጸት ኣብ ኒው ዮርክ እትሕተም ኣምስተርዳም ኒውስ ርእይቶ ተዋሂቡሉ እዩ። ነዚ ርእይቶ መበገሲ ዝዀነ እቲ ኣቐዲሙ ተጠቒሱ ዝነበረ ልዕሊ ርብዒ ሚልዮን ተኣከብቲ ዝነበርዎ ኣብ ከተማ ኒው ዮርክ እተገብረ ኣህጉራዊ ኣኼባ እዩ።

“ካብ እተፈላለየ ደረጃ ናብራን እተፈላለየ ዅርናዓት ዓለምን ዝመጹ ጸለምትን ጸዓዱን ምብራቓውያንን: ከይተሰከፉ ተሓጒሶም ተሓዋዊሶም እዮም። . . . እዞም ካብ 120 ሃገራት ዝመጹ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓቢሮም ብሰላም ኣምልኾኦም ብምክያድ: ንኣመሪካውያን ከመይ ኢልካ እዚ ብቐሊሉ ኺግበር ከም ዚከኣል ኣርእዮምዎም እዮም። . . . እቲ ኣኼባ ብኸመይ ሰባት ሓቢሮም ኪዓዩን ኪነብሩን ከም ዚኽእሉ ዜርኢ ንጹር ኣብነት እዩ።”

ብዙሓት ሰባት: ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብዛ ዘመናዊት ዓለም እዚኣ ዚዓዪ ኣይኰነን ይብሉ ይዀኑ። ይኹን እምበር: ኣየናይ ስርዓት እዩ እሞ ኻብኡ ዚበልጽ፧ ኣብዚ ግዜ እዚ ክርስትያናዊ ስርዓታት ኣብ ማሕበረሰብካ ኣብ ግብሪ እንተደኣ ውዒሉ: ናይ ሓቂ ረብሓ ኼምጽእ: ከምኡውን መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ እተመሓድረሉ ግዜ ንዅሎም “ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን” ንምሕባር መሰረት ኪኸውን እዩ።​—⁠ራእይ 7:9, 10

[ኣብ ገጽ 23 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ካብ ኵሉ ዓሌታት ዝመጹ ሰባት ሓቢሮም ይዓዩ

[ኣብ ገጽ 24 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ክርስትያናዊ ስርዓታት ግብራዊ እዩ። ኣየናይ ስርዓት እዩ እሞ ኻብኡ ዚበልጽ፧