ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እነቕርበልካ ዕድመ

እነቕርበልካ ዕድመ

እነቕርበልካ ዕድመ

በዛ ብሮሹር እዚኣ ኣቢልና ሓሳብና ምግላጽና ደስ እዩ ዚብለና። ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝያዳ ምፍላጥካ ባህ ኢሉካ ኪኸውን ተስፋ ንገብር። ኣብቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ መጺእካ ኽትበጽሓና ንዕድመካ። ኣብኡ ኣኼባታት ብኸመይ ከም ዚግበር ክትርኢ ኢኻ። ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ክርስቶስ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ዚህሉ ዅነታት ዚገልጽ ብስራት ንኻልኦት ንምክፋል ክሳዕ ክንደይ ከም እንጽዕር ክትዕዘብ ኢኻ።

ኣምላኽ ተስፋ ሂቡና ኣሎ። ንሕና ድማ “ከምቲ ተስፋኡ: ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና።” (2 ጴጥሮስ 3:13) ብዙሕ ዘመናት ሓሊፉ እዩ። እቲ ናይ ምጽባይ ግዜ ድማ ናብ መወዳእታ ገጹ ይቐርብ ኣሎ። ኵነታት ዓለም ነዚ ብንጹር ዜርኢ እዩ።

ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንፍቕርን ንሰናይ ግብርን ንምንቕቓሕ ኣብ ንሓድሕድና ነስተብህል። እዚ ኸኣ እታ መዓልቲ እቲኣ ትቐርብ ከም ዘላ: ኣጸቢቕኩም ትርእዩ አሎኹም እሞ: . . . ኣኼባና ኣይንሕደግ” በለ። (እብራውያን 10:24, 25) ምሳና ብምእካብ ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ ምኽሪ ኽትስዕብ ንዕድመካ።