ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እንታዎት እዮም፧

እንታዎት እዮም፧

እንታዎት እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጸቢቕካ ኽትፈልጦም እዮም ዚደልዩ። ብጕርብትና: ብስራሕ: ወይ ኣብ ካልእ መዓልታዊ መነባብሮኻ ምሳታቶም ትራኸብ ትኸውን። መጽሔታቶም ንሓለፍቲ መገዲ ኺዕድሉ ኸለዉ እውን ርኢኻዮም ትኸውን። ወይውን ኣብ ገዛኻ መጺኦም ኣዘራሪቦምኻ ይዀኑ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባኻ ብሓቂ ይግደሱ እዮም። ምሳኻ ዕርክነት ኪምስርቱ: ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም: እምነቶም: ማሕበሮም: ከምኡውን ብዛዕባ ሰባትን እዛ እንነብረላ ዘለና ዓለምን ዘለዎም ኣረኣእያ ኼካፍሉኻ ይደልዩ እዮም። እዚ ንምግባር ድማ እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣዳልዮምልካ ኣለዉ።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከም ዝዀነ ይኹን ካልእ ሰብ ቍጠባዊ: ኣካላዊ: ከምኡውን ስምዒታዊ ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ፍጹማት ወይ እንታ ዘይብሎም ስለ ዘይኰኑ: ሓድሓደ ግዜ ጌጋታት ይገብሩ እዮም። ይኹን እምበር: ካብ ጌጋታቶም ብምምሃርን መጽሓፍ ቅዱስ ብትግሃት ብምጽናዕን ኣድላዪ ምትዕርራያት ኪገብሩ እዮም ዚጽዕሩ። ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ርእሶም ወፍዮም እዮም: ምስ ወፈያኦም ተሰማሚዖም ንኺመላለሱ ድማ ኣበርቲዖም እዮም ዚጽዕሩ። ኣብ ኵሉ ንጥፈታቶም ካብ ቃል ኣምላኽን መንፈስ ቅዱስን እዮም መምርሒ ዚደልዩ።

እምነቶም ኣብ ሰብኣዊ ግምታትን ሃይማኖታዊ እምነትን ዘይኰነስ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ኪኸውን ከም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ። ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ “ኣምላኽ ሓቀኛ ምዃኑ: ኵሉ ሰብ ግና ሓሳዊ ምዃኑ ይረኸብ” ብምባል እተሰምዖ ስምዒት እዩ ዚስምዖም። (ሮሜ 3:4 a) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብዛዕባ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ ዚምልከት: ነቲ ሰብ ቤርያ ስብከት ሃዋርያ ጳውሎስ ምስ ሰምዑ ዝወሰድዎ ስጕምቲ እዮም ዚስዕቡ። “ንሳቶም፤ እዚ ነገርዚ እስኪ ኸምኡ እንተ ዀይኑ: ኢሎም ኣብ ጸጽባሕ ነቲ ጽሑፋት እናመርመሩ: ነቲ ቓል ብዅሉ ፍቓዶም ተቐበልዎ።” (ግብሪ ሃዋርያት 17:11) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንሳቶም ይኹን ካልኦት ዚህብዎ ዅሉ ሃይማኖታዊ ትምህርቲ ምስቲ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ቕዱሳት ጽሑፋት ኪሰማማዕ ከም ዘለዎ እዮም ዚኣምኑ። ኣብቲ ምስኦም እትገብሮ ምይይጥውን ከምዚ ኽትገብር እዮም ዚዕድሙኻን ዚምሕጸኑኻን።

በዚ ምኽንያት እዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም ቃል ኣምላኽ ገይሮም ከም ዚቕበልዎ ንጹር እዩ። ነተን ኣብኡ እተጠቓለላ 66 መጻሕፍቲ መንፈስ ኣምላኽ ከም ዝነፈሰንን ታሪኻዊ ልክዕነት ከም ዘለወንን ገይሮም እዮም ዚርእይወን። ነቲ ሓድሽ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ: ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: ነቲ ብሉይ ኪዳን ተባሂሉ ዚፍለጥ ድማ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ኢሎም እዮም ዚጽውዕዎ። ኣብ ክልቲኡ ማለት ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽን እብራይስጥን እዮም ዚኣምኑ: ኣብቲ መግለጺታቱ ወይ ትሕዝቶኡ ብንጹር ምሳልያዊ ምዃኑ ዚሕብር ክፋላት እንተ ዘይኰይኑ: ነቲ ጽሑፍ ከም ዘለዎ እዮም ዚቕበልዎ። ሓያሎ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ድሮ ኸም እተፈጸመ: ገሊኡ ድማ ሕጂ ይፍጸም ከም ዘሎ: ዝተረፈ ድማ ኣብ መጻኢ ኸም ዚፍጸም እዮም ዚርድኡ።

ስሞም ካበይ መኒጩ፧

ንገዛእ ርእሶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኢሎም እዮም ዚጽውዑ። እዛ ስም እዚኣ ብዛዕባ የሆዋን ኣምላኽነቱን ዕላማኡን ከም ዚምስክሩ እትሕብር ገላጺት ስም እያ። “ኣምላኽ:” “ጐይታ:” ከምኡውን “ፈጣሪ” ዚብል ስያመታት: ልክዕ ከም “ፕረዚደንት:” “ንጉስ:” ከምኡውን “ጀነራል” ዝኣመሰለ መዓርጋት ኰይኑ ንእተፈላለዩ ዓብዪ ስልጣን ዘለዎም ኣካላት ኪወሃብ ዚኽእል እዩ። እታ “የሆዋ” እትብል ስም ግን ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ ጥራይ ኰይና: ነቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽን ፈጣሪ ዅሉ ፍጥረታትን እተመልክት እያ። እዚ ኸኣ ኣብ መዝሙር 83:18: ብመሰረት እቲ ኪንግ ጀምስ ቨርሽን ዚበሃል ናይ እንግሊዝኛ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ “ንስኻ: የሆዋ ዝስምካ: በይንኻ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል ከም ዝዀንካ: ይፍለጡ” ብምባል ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ የሆዋ (ወይ ናይ ሮማ ካቶሊክ ጀሩሳሌም ባይብል ኰነ ገለ ምሁራት ከም ዚብልዎ: ያህወህ) ዚብል ስም ኣብቲ ቦኽሪ ቕዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ 7,000 ግዜ ተጠቒሱ ንረኽቦ። መብዛሕትኡ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ስም እዚ በቲ “እግዚኣብሄር:” “ኣምላኽ:” ወይ “ጐይታ” ዚብል መዓርጋት ተኪእዎ ይርከብ። እንተዀነ ግን: ኣብዚ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ እውን ከይተረፈ: ኣብቲ በዅሪ ናይ እብራይስጢ ጽሑፍ የሆዋ ዚብል ስም ኣበይ ከም ዝነበረ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ኣብ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ መብዛሕትኡ በቲ “እግዚኣብሄር” ዚብል ተተኪኡ ኢና እንረኽቦ። ሓያሎ ዘመናዊ ትርጕማት ግን ነታ የሆዋ ወይ ያህወህ እትብል ስም ይጥቀም እዩ። ኣብ ኢሳይያስ 42:8 ብመሰረት ትርጕም ሓዳስ ዓለም “ኣነ የሆዋ እየ: ስመይ እዚኣ እያ” ይብል።

ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ስሞም ካብቲ ኣብ ኢሳይያስ ምዕራፍ 43 ዚርከብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ጸብጻብ እዮም ወሲዶምዎ። ኣብኡ ዅነታት ዓለም ምስቲ ኣብ መጋብኣያ ዚርአ ፍጻመ እዩ ተመሳሲሉ ዘሎ። ኣማልኽቲ ኣህዛብ ቅኑዓት ምዃኖም ንምርግጋጽ ምስክሮም ኬቕርቡ: እንተ ዘይኰነ ግን ነቶም ንየሆዋ ዚምስክሩ ዘበሉ ጽን ኢሎም ኪሰምዕዎምን ንሓቂ ኣፍልጦ ኺህቡላን ጻውዒት ቀሪቡሎም ኣሎ። ኣብታ ምዕራፍ እቲኣ የሆዋ “ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትአምኑንሲ: ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም: ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን: ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ። ኣነ: ኣነ እየ እግዚኣብሄር: ብጀካይ መድሓኒ የልቦን” ብምባል ይእውጅ።​—⁠ኢሳይያስ 43:10, 11

የሆዋ ኣምላኽ ቅድሚ እቲ የሱስ እተወልደሉ እዋን ኣብ ዝነበረ ኣሽሓት ዓመታት መሰኻኽር ነይሮምዎ እዮም። እብራውያን ምዕራፍ 11 ገለ ኻብቶም ናይ እምነት ሰባት ድሕሪ ምዝርዛራ: እብራውያን 12:1 “ምእንትዚ ንሕና ድማ ብኽንድዚ ዚአክል ደበና ምስክር ተኸቢብና ኸሎና: ንዅሉ ዚኸብደናን ነቲ ዚጠብቀና ሓጢኣትን ነርሕቕ: በቲ ኣብ ቅድሜና ተሐንጺጹልና ዘሎ መቀዳደሚ ኸኣ ብትዕግስቲ ንጕየ” ትብል። የሱስ ኣብ ቅድሚ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ቀሪቡ: “ኣነ ንሓቂ ኽምስክር: ምእንትዚ ተወለድኩ: ምእንትዚውን እየ ናብ ዓለም ዝመጻእኩ” በለ። “እሙን ሓቀኛ ምስክር” ተባሂሉ እውን ተጸዊዑ ኣሎ። (ዮሃንስ 18:37፣ ራእይ 3:14) የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ: “መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና: ሓይሊ ኽትቅበሉ: ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኵላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም” በሎም።​—⁠ግብሪ ሃዋርያት 1:8

በዚ ምኽንያት እዚ: ሎሚ ብዛዕባ እታ የሱስ ክርስቶስ ዝንጉሳ ናይ የሆዋ መንግስቲ ዚገልጽ ብስራት ዚሰብኩ ዘለዉ ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ዚርከቡ ኣስታት 6,500,000 ዝዀኑ ሰባት: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተባሂሎም ኪጽውዑ ግቡእ ኰይኑ ይስምዖም።

[እግረ-ጽሑፍ]

a ፍልይ ዝበለ መግለጺ እተዋህቦ ጥራይ እንተ ዘይኰይኑ: ኵሉ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ካብቲ ብ1956 እተተርጐመ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ እዩ። ደድሕሪ ጥቕሲ NW ዚብል እንተደኣ ኣልዩ ግን እቲ ትርጕም ካብ ናይ እንግሊዝኛ ናይ ቅዱሳት ጽሑፋት ትርጕም ሓዳስ ዓለም​—⁠ምስ መወከሲኡ እተወስደ እዩ።

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ፍቓድ ኣምላኽ ንምግባር ርእሶም ወፍዮም እዮም

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ይኣምኑ እዮም

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

እቲ ስም ኣብ መጋብኣያ ቐረበ

[ኣብ ገጽ 5 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]

ኣብ ልዕሊ 230 ሃገራት ኣስታት 6,500,000 ዝዀኑ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ይርከቡ

[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]

ብዛዕባኻ ይግደሱ እዮም

[ኣብ ገጽ 4 ዘሎ ስእሊ]

ናይ ብሕቲ ስም ኣምላኽ ብጥንታዊ እብራይስጢ