እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብቲ ንሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ዅሉ ዚኽእል የሆዋ ኣምላኽ እዮም ዚኣምኑ። ህላወ እቲ ኣብ ዩኒቨርስ ዚርከብ እተሓላለኸ ንድፊ: ሓደ ኣዝዩ መስተውዓልን ሓያልን ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜረድእ እዩ። ልክዕ ከምቲ ሰባት ዚሰርሕዎ ስራሕ ንባህርያቶም ዚምስክር: ፍጥረታት ድማ ንባህርያት የሆዋ እዩ ዚምስክር። መጽሓፍ ቅዱስ “እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ . . . ኣጸቢቑ ይርኤ” ይብለና። ከምኡውን ብዘይ ድምጺ ወይ ቃል “ሰማያት ክብሪ ኣምላኽ የዘንትዉ: ጠፈር ከኣ ግብሪ ኣእዳዉ የውሪ።”—ሮሜ 1:20፣ መዝሙር 19:1-4
ሰባት: ዕትሮ ዀነ ተለቪዥን ኰነ ወይ ኮምፕዩተር ብዘይ ዕላማ ኣይሰርሑን እዮም። ምድርን ኣብኣ ዚርከብ ፍጥረታትን እንስሳታትን ኣታኽልትን ግን ካብዚ ብዝያዳ ዜደንቕ እዩ። እቲ ንምሕሳብ እንጥቀመሉ ኣዝዩ ዜደንቕ ሓንጐልና ሓዊስካ: ቅርጺ ኣካላትና ምስቲ ሒዝዎ ዘሎ ብትርልዮናት ዚቝጸር ዋህዮታት ኣዝዩ ዜስደምም ካብ ምዃኑ እተላዕለ ምሉእ ብምሉእ ኣይንርድኦን ኢና። እቲ ብተዛማዲ ኺርአ ኸሎ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ምህዞ ደቅሰብ ዕላማ ኻብ ሃለዎ: ብርግጽ እምበኣር የሆዋ ነቲ ዜደንቕ ፍጥረታቱ ኺፈጥር ከሎ ዕላማ ነይርዎ እዩ። ምሳሌ 16:4 “እግዚኣብሄርሲ ዅሉ ንምዱብ ነገር . . . ፈጠሮ” ትብለና።
የሆዋ ነቶም ቀዳሞት ሰብኣይን ሰበይትን: “ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ኸኣ ምልእዋን ምለኽዋን: ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ” ኪብሎም ከሎ ንምድሪ ብዕላማ ኸም ዚፈጠራ ዜርኢ እዩ። (ዘፍጥረት 1:28) እዞም ሰብኣይን ሰበይትን ብዘይምእዛዞም ግን: ንምድርን ነቲ ኣብኣ ዚርከብ እንስሳታትን ኣታኽልትን ዚከናኸኑ ብጽድቂ ዚመላለሱ ስድራቤት ኣይመስረቱን። ብሰንኪ እዚ ግን ዕላማ የሆዋ ኣይፈሽልን እዩ። ኣሽሓት ዓመታት ጸኒሑ: “ኣምላኽ እዩ: ንምድሪ ዝደኰና . . . ማሕደር ሰብ ክትከውን ዝደኰና እምበር: ጥራያ ኽትከውን ዘይፈጠራ” ዚብል ተጻሕፈ። ክትጠፍእ ዘይኰነትስ ‘ንዘለኣለም ክትቀውም’ እያ ተፈጢራ። (ኢሳይያስ 45:18፣ መክብብ 1:4) የሆዋ “ምኽረይ ኪቐውም እዩ: ፍቓደይ ኵሉውን ክፍጽም እየ” ስለ ዚብል: እቲ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ብምሉኡ ኺፍጸም እዩ።—ኢሳይያስ 46:10
ሮሜ 5:12) መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብለና:- “ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ።” “ህያዋንሲ ኸም ዚሞቱ ይፈልጡ እዮም: ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን።” “እታ ሓጢኣት እትገብር ነፍሲ ንሳ ኽትመውት እያ።” (ሮሜ 6:23፣ መክብብ 9:5፣ ህዝቅኤል 18:4, 20) ከምዚ ኻብ ኰነ: ምዉታት ተኻፈልቲ እቲ ኣብ ምድሪ ዚህሉ በረኸት ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ የሱስ ባዕሉ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝአመነስ እንተ ሞተ እኳ: ብህይወት ኪነብር እዩ” ከምኡውን “ኣብ መቓብር ዘለዉ ዅላቶም ድምጹ ዚሰምዑላ ሰዓት ክትመጽእ እያ” ስለ ዝበለ: በቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ጥራይ እዩ ትንሳኤ ኺርከብ ዚከኣል።—ዮሃንስ 5:28, 29፣ 11:25፣ ማቴዎስ 20:28
ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምድሪ ንዘለኣለም ከም እትነብር: ኵሎም ምስ ዕላማታት የሆዋ ተሰማሚዖም ዝነበሩ ሰባት: እንተላይ እቶም ሞይቶም ዘለዉ: ኣብታ ውቅብቲ ምድሪ ንዘለኣለም ከም ዚነብሩ ዚኣምኑ። ኵሎም ደቅሰብ ካብ ኣዳምን ሄዋንን ዘይፍጽምና ስለ ዝወረሱ ሓጥኣን እዮም። (እዚ ግን ብኸመይ እዩ ኺፍጸም፧ እዚ ኣብቲ የሱስ ኣብ ምድሪ ኸሎ ኪእውጆ ዝጀመሮ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ተገሊጹ ኣሎ። (ማቴዎስ 4:17-23) ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነቲ ብስራት ብፍሉይ መገዲ ይሰብክዎ ኣለዉ።
[ኣብ ገጽ 13 ዘሎ ሰሌዳ]
ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ እዮም ዚኣምኑ፧
እምነት ቅዱስ ጽሑፋዊ መሰረት
መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽን ሓቅን እዩ 2 ጢሞ. 3:16, 17፣
መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ስርዓት ሰብ ዝያዳ የተኣማምን ማቴ. 15:3፣ ቈሎ. 2:8
ስም ኣምላኽ የሆዋ እዩ መዝ. 83:18 NW፣
ኢሳ. 26:4 NW፣ ኢሳ 42:8 NW፣ ዘጸ. 6:3 NW
የሱስ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽን ካብኡ ዚትሕትን እዩ ማቴ. 3:17፣ ዮሃ. 8:42፣ 14:28፣ ዮሃ 20:17፣ 1 ቈረ. 11:3፣ 15:28
ክርስቶስ በዅሪ ዅሉ ፍጥረት ኣምላኽ እዩ ቈሎ. 1:15፣ ራእ. 3:14
ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዘይኰነስ ኣብ ዕንጸይቲ እዩ ተሰቒሉ ገላ. 3:13፣ ግብ. 5:30
ሰብኣዊ ህይወት ክርስቶስ ንእዙዛት ደቅሰብ እዩ በጃ ተዋሂቡ ማቴ. 20:28፣ 1 ጢሞ. 2:5, 6፣ 1 ጴጥ. 2:24
ሓንሳእ እተገብረ መስዋእቲ ክርስቶስ እኹል እዩ ሮሜ 6:10፣ እብ. 9:25-28
ክርስቶስ ዘይመውት መንፈሳዊ ኣካል ሒዙ እዩ ኻብ ሞት ተንሲኡ 1 ጴጥ. 3:18፣ ሮሜ 6:9፣ ራእ. 1:17, 18
ክርስቶስ ምሳና ምህላዉ ብመንፈስ ስለ ዝዀነ ኣይርአን እዩ ዮሃ. 14:19፣ ማቴ. 24:3 NW፣ 2 ቈረ. 5:16፣ መዝ. 110:1, 2
ኣብ “ዘመን መወዳእታ” ኢና እንነብር ዘሎና ማቴ. 24:3-14፣ 2 ጢሞ. 3:1-5፣
እታ ክርስቶስ ዜመሓድራ መንግስቲ ኣምላኽ ኢሳ. 9:6, 7፣ 11:1-5፣
ኣብ ልዕሊ ምድሪ ብጽድቅን ብሰላምን ክትገዝእ እያ ዳን. 7:13, 14፣ ማቴ. 6:10
መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ምሹእ መዝ. 72:1-4፣ 7:9, 10, 13-17፣ ራእ. 21:3, 4
ኵነታት ከም ዚህሉ ኽትገብር እያ
ምድሪ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ መክ. 1:4፣ ኢሳ. 45:18፣ መዝ. 78:69
ኣምላኽ ነዚ ኣገባብ እዚ ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኬጥፍኦ እዩ ራእ. 16:14, 16፣ ጸፎ. 3:8፣ ዳን. 2:44፣ ኢሳ. 34:2፣ 55:10, 11
እኩያት ሰባት ንዘለኣለም ኪጠፍኡ እዮም ማቴ. 25:41-46፣ 2 ተሰ. 1:6-9
ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት ዮሃ. 3:16፣ 10:27, 28፣ 17:3፣
ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም ማር. 10:29, 30
ናብ ህይወት እትመርሕ ሓንቲ መገዲ ጥራይ እያ ዘላ ማቴ. 7:13, 14፣ ኤፌ. 4:4, 5
ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም እዮም ዚሞቱ ሮሜ 5:12፣ 6:23
ሰብ ኪመውት ከሎ: ነፍሲ ኻብ ህላወ ተቋርጽ ህዝ. 18:4፣ መክ. 9:10፣
ሲኦል መቓብር ደቅሰብ እዩ እዮ. 14:13፣ ራእ. 20:13, 14
ተስፋ ምዉታት ትንሳኤ እዩ 1 ቈረ. 15:20-22፣ ዮሃ. 5:28, 29፣ 11:25, 26
እቲ ብሰንኪ ኣዳም ዝመጸ ሞት ኬቋርጽ እዩ 1 ቈረ. 15:26, 54፣ ራእ. 21:4፣ ኢሳ. 25:8
144,000 ዚኣኽሉ ሒደት መጓሰ ጥራይ እዮም ሉቃ. 12:32፣ ራእ. 14:1, 3፣
ናብ ሰማይ ብምኻድ ምስ ክርስቶስ ዚገዝኡ 1 ቈረ. 15:40-53፣ ራእ. 5:9, 10
እቶም 144,000 ከም መንፈሳውያን ደቂ ኣምላኽ
ኰይኖም እንደገና ተወሊዶም እዮም 1 ጴጥ. 1:23፣ ዮሃ. 3:3፣ ራእ. 7:3, 4
ምስቶም ብመንፈስ እስራኤላውያን ሓድሽ ኪዳን ተገይሩ እዩ ኤር. 31:31፣ እብ. 8:10-13
ማሕበር ክርስቶስ ኣብ ገዛእ ርእሱ እያ ተሃኒጻ ኤፌ. 2:20፣ ኢሳ. 28:16፣ ማቴ. 21:42
ጸሎት ብየሱስ ክርስቶስ ኣቢሉ ጥራይ ዮሃ. 14:6, 13, 14፣ 1 ጢሞ. 2:5
እዩ ናብ የሆዋ ኪቐርብ ዘለዎ
ኣብ ኣምልኾ ምስሊ ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን ዘጸ. 20:4, 5፣ ዘሌ. 26:1፣
ሓተታ መናፍስቲ ኺውገድ ኣለዎ ዘዳ. 18:10-12፣ ገላ. 5:19-21፣ ዘሌ. 19:31
ሰይጣን ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ 1 ዮሃ. 5:19፣ 2 ቈረ. 4:4፣ ዮሃ. 12:31
ሓደ ክርስትያን ሃይማኖታት ንምትሕንፋጽ 2 ቈረ. 6:14-17፣ 11:13-15፣
ኣብ ዚግበር ምንቅስቓስ ኢዱ ኼእቱ የብሉን ገላ. 5:9፣ ዘዳ. 7:1-5
ሓደ ክርስትያን ካብ ዓለም ኪፍለ ኣለዎ ያእ. 4:4፣ 1 ዮሃ. 2:15፣
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ሕጊ ኣምላኽ ማቴ. 22:20, 21፣ 1 ጴጥ. 2:12፣ 4:15
ዘይጋጮ ሕጊ ሰባት የኽብሩ እዮም
ደም ብኣፍካ ይኹን ብሰራውር ደም
ናብ ኣካላትካምእታው ሕጊ ኣምላኽ ዚጥሕስ እዩ ዘፍ. 9:3, 4፣ ዘሌ. 17:14፣ ግብ. 15:28, 29
ብዛዕባ ስነ-ምግባር ዚምልከት ሕግታት 1 ቈረ. 6:9, 10፣ እብ. 13:4፣
መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕሎ ኣለዎ 1 ጢሞ. 3:2፣ ምሳ. 5:1-23
ሰንበት ምኽባር ንእስራኤላውያን ጥራይ ዘዳ. 5:15፣ ዘጸ. 31:13፣ ሮሜ 10:4፣
እተዋህበን ምስ ሕጊ ሙሴ ዘብቅዐን እዩ ገላ. 4:9, 10፣ ቈሎ. 2:16, 17
ካህን: ቀሺ: ወይ ፍሉይ ሃይማኖታዊ
መዓርጋት ምጥቃም ግቡእ ኣይኰነን ማቴ. 23:8-12፣ 20:25-27
ወድሰብ ብፍልቀት ዘይኰነስ ብፍጥረት እዩ መጺኡ ኢሳ. 45:12፣ ዘፍ. 1:27፣ ማቴ. 19:4
ክርስቶስ ንኣምላኽ ንምግልጋል ክንስዕቦ 1 ጴጥ. 2:21፣ እብ. 10:7፣
ዘሎና ኣብነት ሰሪዑ ኣሎ ዮሃ. 4:34፣ 6:38
ምሉእ ብምሉእ ኣብ ማይ ብምጥሓል ዚግበር
ጥምቀት ርእስና ኸም ዝወፈና ዜመልክት እዩ ማር. 1:9, 10፣ ዮሃ. 3:23፣ ግብ. 19:4, 5
ክርስትያናት ንዝረኸብዎ ቕዱስ ጽሑፋዊ ሮሜ 10:10፣ እብ. 13:15፣
ሓቅታት ተሓጒሶም እዮም ንሰባት ዚምስክሩ ኢሳ. 43:10-12
[ኣብ ገጽ 12 ዘሎ ስእሊ]
ምድሪ ሰብ እናተኸናኸና ንዘለኣለም መንበሪት ክትከውን እያ ብየሆዋ ተፈጢራ